ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ነቲ ኣብታ “ዘይትጽበያ ሃገር” ዘሎ ብድሆታት ምስናፉ
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት “እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ: መን እዩ ንውግእ ዚስለፍ፧ . . . ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ: . . . እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧” ብምባል ሓተቶም።—1 ቈረንቶስ 14:8, 9
ሓድሓደ ግዜ ዘይትጽበያ ሃገር (ዘ ላንድ ኦቭ ዘ ኣን ኤክስፐክትድ) ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንጹር መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምእዋጅ ዘጓናድብ ዕንቅፋታት የጋጥሞም። ንሳቶም ነቶም ልዕሊ 700 እተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ከምኡውን እተፈላለየ ሰፊሕ ልምድታት ዘለዎም ሰባት ይሰብኩሎም። እቶም መሰኻኽር ምስቲ ጐቦታት ዝመልኦ ጽርግያ ዘይብሉ መሬትን ዝውስኽ ዘሎ ገበንን ከይተረፈ ይቃለሱ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ እዞም ጸገማት እዚኣቶም ብተወሳኺ: ካብ ገለ ሃይማኖታውያን ጉጅለታት ከምኡውን ሳሕቲ ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰብ መዚ ከይተረፈ ተቓውሞ ኣሎ።
ይኹን እምበር: ጽቡቕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ከምኡውን ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዝ ብቛንቋኦም እተዳለወ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽሑፋት ነቶም መሰኻኽር ነቲ ብስራት ከም ዝፍለጥ ድምጺ መለኸት ንኸብጽሕዎ የዕጥቖም ኣሎ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ምላሽ ኣወንታዊ ኢዩ።
• ኣብ እዋን ምጅማር ዓመት ትምህርቲ: ሓደ መምህር ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባንዴራ ሰላምታ ዘይህብሉ ምኽንያት ወይ ድማ ሃገራዊ መዝሙር ዘይዝምርሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደለየ። ነታ ጓል 13 ዓመት ጥምቕቲ ምስክር ተማሃሪት ማዮል ከኣ ሓተታ። ማዮል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ንጹር መብርሂ ሃበቶ። እቲ ምኽንያታዊ መልሳ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነበረ እቲ መምህር ተቐበሎ። እቲ መብርሂኣ ድማ ንኻልኦት መማህራን ናይቲ ቤት ትምህርቲ እውን በጽሖም።
ብድሕሪኡ: እቶም ተማሃሮ ድርሰት ክጽሕፉ ምስ ተነግሮም ማዮል ብዛዕባ ስላሴ ዝገልጽ ኣርእስቲ ክትጽሕፍ መረጸት። ካብቲ ክፍሊ እቲ ናታ ድርሰት ዝለዓለ ነጥቢ ረኸበ: እቲ መምህር እውን ነቲ ሓሳባት ካበይ ከም ዝረኸበቶ ሓተታ። ንሳ ድማ ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ኣርኣየቶ። እቲ መምህር ድማ ነታ መጽሓፍ ንዅሎም እቶም ተማሃሮ ንኸንብበሎም ተላዓዓለ: ብዙሓት እውን ናይ ብሕቶም ቅዳሕ ክትህልዎም ደለዩ። ማዮል ንጽባሒቱ 14 መጻሕፍትን 7 መጽሔታትን ንመማህርታ ኣበርከተት: ምስ ሰለስተ ካብኣቶም ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ናይ ማዮል ሸቶ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ንምዃን ኢዩ።
• ኣብ ገምገም ባሕሪ ጥቓ ወደብ ሞረስባይ እትርከብ ዓዲ ዘለዉ ምሕድግ ዝበሉ ጉጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጀመርታ ናይ 1970ታት ኣትሒዙ ምጽራር ከጋጥሞም ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ካብ ዘይተጸበይዎ ምንጪ ሓገዝ ረኸቡ። ሓደ ኣብ ስግር ባሕሪ እተማህረ ኣቡን ናይ ዩናይትድ ቸርች ዝዀነ ወዲ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ሓደ መዓልቲ ነቶም ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ ሰባት ሕቶታት ክሓትዎ ዓደሞም። ሓደ ሰብኣይ “ኣብ ዓድና ክልተ ሃይማኖታት ኣለዋ: ንሳተን ከኣ ዩናይትድ ቸርችን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኢየን። እቶም መሰኻኽር ኣብ ቤትና ምስ ዝመጹ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧” ብምባል ሓተተ። እቲ ኣቡን ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ብሓቂ እንታይ ከም ዝብለኩም ኣይፈለጥኩን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ክልተ መንእሰያት መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጺኦም ነበሩ። ሕቶ እውን ሓተቱኒ: ምስቲ ዅሉ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርተይ ነቲ መልሲ ኣይፈለጥኩዎን። ንሳቶም ግን ብቐሊሉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ። ስለዚ እንታይ ከም እትገብሩ እቲ ውሳነ ናባኻትኩም እገድፎ። እንተ ዘይደሊኹም ኣይትስምዕዎም: እንተዀነ ግን ኣይተፈራርሕዎም።”
ደሓር ነዞም ጉጅለ መሰኻኽር እዚኣቶም ዝበጽሖም ሓደ ገያሺ ወኪል ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ “ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ነባሪ ናይታ ዓዲ እቶም መሰኻኽር ክሰብኩ ኸለዉ ሰምዕዎም። ገሊኦም እውን ናብ ቤቶም ክመጹ ከይተረፈ ዓደምዎም። ሕጂ እታ ዓዲ ንስብከት እተብህግ ኢያ ዀይና ዘላ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ።