ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ናይ ርእሰ-መስዋእትነትን ተኣማንነትን ኣብነት
እታ ኸም ልማዱ ክሓርስ ዝጀመረላ መዓልቲ: ነቲ ኤልሳእ ዝስሙ መንእሰይ ሓረስታይ ናብ ሓንቲ ኣብ ህይወቱ ኣዝያ ኣገዳሲት መዓልቲ ተቐየረቶ። ኣብ ግራት እናሓረሰ ኸሎ: ከይተጸበዮ እቲ ቐንዲ ነብዪ እስራኤል ዝነበረ ኤልያስ ናብኡ ደበኽ በለ። ኤልሳእ ‘ስለምንታይ ኢዩ ናባይ መጺኡ፧’ ብምባል ሓሲቡ ክኸውን ኣለዎ። መልሲ ንኽረክብ ነዊሕ ክጽበ ኣይነበሮን። ኤልሳእ ሓደ መዓልቲ ናቱ መተካእታ ከም ዝኸውን ንምምልካት: ኤልያስ ነቲ ባርኖሱ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ ኤልሳእ ኣውደቖ። ኤልሳእ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቕሊሉ ኣይረኣዮን። ብኡንብኡ: ናይ ኤልያስ ኣገልጋሊ ንምዃን ግራቱ ሓዲጉ ሰዓቦ።—1 ነገስት 19:19-21
ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ: ኤልያስ ዝኸደሉ መዓልቲ ኣኸለ። እቲ ጸብጻብ ናይ ምብጋሱ እውን “ሓደ ካብቶም” ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘለዉ “መሰጥቲ ዛንታታት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ይርከብ።
ኤልያስ ንኽነቅል ይዳሎ
ኤልያስ ናብ ቤት-ኤልን ያሪኮን ዮርዳኖስን ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ክገብር ደለየ። እዚ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት: ገለ ካብኡ ጐቦታት ዝበዝሖ መገድታት: ብእግርኻ ምኻድ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደው ዝበሉላ መገዲ: ኤልያስ ንኤልሳእ ኣብኡ ኽተርፍ ኣተባብዖ። ኤልሳእ ግን ክሳዕ መወዳእታ ምስ ጐይትኡ ክኸይድ ኣትሪሩ ተዛረበ።—2 ነገስት 2:1, 2, 4, 6
ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ያሪኮን ከለዉ “ደቂ ነብያት” ናብ ኤልሳእ መጹ።a ንሳቶም ድማ ንዕኡ “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ፈሊጥካ አሎኻ፧” ብምባል ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ “ፈሊጠ አሎኹ: ስቕ ደኣ በሉ” ብምባል መለሰ።—2 ነገስት 2:3, 5
ኤልያስን ኤልሳእን ካብኡ ቐጺሎም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ጕዕዞ ጀመሩ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ: ኤልያስ 50 ደቂ ነብያት ኣብ ርሑቕ ኰይኖም እናረኣይዎ ተኣምራት ገበረ። “ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ: ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ: ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩ።”—2 ነገስት 2:8
ምስ ተሳገሩ: ኤልያስ ንኤልሳእ: “ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” ብምባል ሓተቶ። ኤልሳእ ድማ ካብ ናይ ኤልያስ መንፈስ “ዕጽፊ”—እዚ ድማ ነቲ በዅሪ ውላድ ዝግብኦ ዝነበረ ዕጽፊ ብጽሒት—ክዋሃቦ ሓተተ። ብርግጽ: ኤልሳእ ልክዕ ከምቲ ሓደ በዅሪ ወዲ ንኣቡኡ ዘኽብሮ ገይሩ ንኤልያስ ኣኽቢርዎ ኢዩ። ብተወሳኺ እውን: ኣብ እስራኤል ዘገልግል ነብዪ የሆዋ ብምዃን ንኤልያስ ክትክእ ተቐቢኡ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሕትኡ ስስዐ ዝመልኦ ወይ ዘይግባእ ሕቶ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣስ: ነቲ ሕትኡ ክምልሰሉ ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ብምፍላጥ: ኤልያስ ብትሕትና: “ዜሸግር ነገር ለመንካ” ብምባል መለሰ። ወሲኹ ድማ: “ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና: ከምኡ ኪዀነልካ እዩ: እንተ ዘይኰነ ግና: ኣይኸውንን እዩ” ብምባል ተዛረበ።—2 ነገስት 2:9, 10፣ ዘዳግም 21:17
ኤልሳእ ካብ ቅድሚኡ ብዝበለጸ ካብ ጐይትኡ ክፍለ ከም ዘይደለየ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሽዑ: “ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን” ተራእየ። ኤልሳእ ደንጽይዎ እናጠመተ: ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ተወስደ—ብተኣምራታዊ መገዲ ናብ ካልእ ቦታ ገዓዘ።b ኤልሳእ ነቲ ናይ ኤልያስ ባርኖስ ብምልዓል ናብ ደንደስ ፈለግ ዮርዳኖስ ተመልሰ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ: ንሱ ኣበይ አሎ፧” ብምባል ድማ ነቲ ማይ ወቕዖ። እቲ ማይ ኣብ ክልተ ተመቕለ: እዚ ድማ ኤልሳእ ከም ተካኢ ናይ ኤልያስ መጠን መለኮታዊ ሓገዝ ከም ዝነበሮ ንጹር መረጋገጺ ኰነ።—2 ነገስት 2:11-14
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ንፍሉይ ኣገልግሎት ምስ ኤልያስ ኰይኑ ክዓዪ ዕድመ ምስ ቀረበሉ: ኤልሳእ ብኡንብኡ ነቲ ቐንዲ ነብዪ እስራኤል ኸገልግል ዕዩኡ ሓደገ። ብዘይጥርጥር: “እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ” ተባሂሉ ይፍለጥ ስለ ዝነበረ ገለ ካብቲ ዕዮታቱ ከም ግዙእ ኰይኑ ምስራሕ ኢዩ ነይሩ።c (2 ነገስት 3:11) እንተዀነ ግን: ኤልሳእ ነቲ ዕዩኡ ከም ፍሉይ መሰል ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ: ብተኣማንነት ድማ ኣብ ጐድኒ ኤልያስ ጠበቐ።
ሎሚ እውን ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ናይ ርእሰ-መስዋእትነት መንፈስ የርእዩ ኢዮም። ገሊኦም ነቲ ብስራት ናብ ርሑቕ ዞባታት ከይዶም ንምስባኽ ወይ እውን ከም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኰይኖም ከገልግሉ “ግራቶም:” መነባብርኦም: ሓዲጐም ኢዮም። ካልኦት እውን ኣብቲ ናይ ማሕበር ናይ ህንጻ ፕሮጀክት ንምዕያይ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገራት ከይዶም ኢዮም። ብዙሓት እውን ነቲ ትሑት ክበሃል ዝከኣል ዕዮ ተቐቢሎሞ ኢዮም። ንየሆዋ ዘገልግል ዝዀነ ይኹን ሰብ ግን ዘይረብሕ ኣገልግሎት ዝፍጽም የለን። የሆዋ ነቶም ብፍታው ዘገልግልዎ ሞሳ የርእዮም ኢዩ: ነቲ ናይ ርእሰ-መስዋእትነት መንፈሶም ድማ ክባርኾ ኢዩ።—ማርቆስ 10:29, 30
ኤልሳእ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ጐድኒ ኤልያስ ጠቢቑ ኢዩ። ኣጋጣሚ ምስ ተዋህቦ እውን ከይተረፈ ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ነብዪ ኣይጠንጠኖን። ብዘይጥርጥር: እቲ ምስ ኤልያስ ኣማዕቢልዎ ዝነበረ ጥብቂ ርክብ: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ዘለዎ ፍቕሪ: ሓጐስ ከም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ። ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ዝምድና ንኸደልድልዎን ናብ ኣመንቲ ብጾቶም ኣጸቢቖም ክቐርቡን ይጽዕሩ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ “ምስቲ እሙን ሰብ ብተኣማንነት ኢኻ እትመላለስ” ስለ ዝብል ነቲ ጥብቂ ማእሰር ናይ ሕብረት ክባርኾ ኢዩ።—2 ሳሙኤል 22:26 NW
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ “ደቂ ነብያት” ዝብል ስያመ እቶም ነዚ ኣገልግሎት እዚ እተጸውዑ ዝማሃርሉ ቤት ትምህርቲ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ወይ ድማ ተራ ተሓጋገዝቲ ማሕበር ነብያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
b መልእኽቲ ኤልያስ ናብ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ድሕሪኡ ገለ ዓመታት ጸኒሓ ኢያ ተጻሒፋ።—2 ዜና መዋእል 21:12-15
c ሓደ ኣገልጋሊ ብፍላይ ድሕሪ መግቢ: ኢድ ጐይትኡ ንኸሕጽብ ማይ ከፍስስ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ልምዲ እዚ ምስቲ ናይ ምቕባል ኣጋይሽ: ናይ ክብሪ: ከምኡውን ኣብ ገለ ርክባት ናይ ትሕትና መርኣዪ ዝዀነ እግሪ ምሕጻብ ተመሳሳሊ ኢዩ።—ዘፍጥረት 24:31, 32፣ ዮሃንስ 13:5