ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት ልደት ኣዝዩ ዘሐጕስ እዋን ናይታ ዓመት ኢዩ። ዝበለጸ መግብታት ዝዳለወሉ: ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ልምድታት ዝኽበረሉ: ከምኡውን ስድራቤታት ዝተኣኻኸባሉ እዋን ኢዩ። በዓል ልደት ኣዕሩኽን ኣዝማድን ናይ ርሑስ ኣውደ-ኣመት ካርድታትን ህያባትን ዝለዋወጥሉ ግዜ እውን ኢዩ።
ይኹን እምበር: ልደት 150 ዓመታት ይገብር ኣዝዩ እተፈልየ በዓል ኢዩ ነይሩ። ናይ ታሪኽ ፕሮፈሰር ዝዀነ ስቴፈን ኒስንቦም ኣብታ ዘ ባትል ፎር ክሪስትማስ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ልደት . . . ነቲ ሰባት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከርእይዎ ዘለዎም ጠባይ ዝውስን ሕግታት ምእንቲ ቀይዲ-በተኽ ‘ፌስታ’ ኢልካ ንግዚኡ ሸለል ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ብዙሕ መስተ ዝስተየሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ: እዚ ምስቲ ኣብ ታሕሳስ ዝበዓል ማርዲ ግራስ ዝመሳሰል ኢዩ።”
ነቶም ንልደት ብዓቢ ኽብሪ ዝርእዩዎ ሰባት: እዚ መግለጺ እዚ ባህ ዘየብሎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ወዲ ኣምላኽ እተወልደሉ ዕለት ንምዝካር ተባሂሉ ዝኽበር በዓል ዘራኽሶ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ መልሲ ከገርመካ ይኽእል ይኸውን።
ዘይጥዑይ መሰረት
ልደት ካብቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ከካራኽር ዝጸንሐ ጕዳይ ኢዩ። ንኣብነት: ንመዓልቲ ምውላድ የሱስ ዝምልከት ሕቶ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እታ ክርስቶስ እተወልደላ መዓልቲ ወይ ወርሒ እዚኣ ኢያ ብምባል ፈልዩ ስለ ዘይዛረበላ: እተወልደሉ ግዜ ኢዩ እናተባህለ እተፈላለየ መዓልትታት ክጥቀስ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን: ሓደ ግብጻውያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት ዝርከብዎ ጕጅለ 20 ግንቦት ኢያ ክብል ከሎ: ካልኦት ድማ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝነበረ ከም 28 መጋቢት: 2 ሚያዝያ: ወይ 19 ሚያዝያ ዝኣመሰለ መዓልትታት መረጹ። ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን እሞ ኸኣ: ልደት የሱስ ኣብ ውሽጢ ዓመት ምስ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ተተሓሓዘ! 25 ታሕሳስ መወዳእትኡ እተመርጸት ድኣ ከመይ ኢላ ኢያ፧
መብዛሕትኦም ምሁራት 25 ታሕሳስ የሱስ እተወልደላ መዓልቲ ተባሂላ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምምዳባ ዝሰማምዕሉ ነገር ኢዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ እተመርጸት ግን ስለምንታይ ኢያ፧ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “እቲ ምኽንያት ምናልባት ቀዳሞት ክርስትያናት እታ መዓልቲ ምስቲ ‘መዓልቲ ምውላድ ናይታ ዘይትሰዓር ጸሓይ’ ዘመልክት ዝነበረ ናይ ሮሜ ኣረማዊ በዓል ክትሰማምዓሎም ስለ ዝደለዩ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።” እቶም ንልዕሊ ክልተ ክፍለ-ዘበናትን ፈረቓን ዝኣክል ብኣረማውያን ሕሱም መስጐጕቲ ዝወርዶም ዝነበረ ክርስትያናት: ሃንደበት ምስቶም ዘሳጐጕዎም እተሰማምዑ ግን ስለምንታይ ኢዮም፧
ብልሽውና ተኣታተወ
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እኩያት ሰባትን ጠበርትን” ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰሊኾም ክኣትዉን ንብዙሓት ድማ ከስሕቱን ምዃኖም ኣጠንቂቕዎ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 3:13) እዚ ዓቢ ክሕደት እዚ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ኢዩ ጀሚሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ነቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን እተፈጸመ ምልዋጥ ቆስጣንጢኖስ ስዒቡ: ብዙሓት ኣረማውያን ናብቲ ሽዑ ዝውቱር ዝነበረ ዓይነት ክርስትና ወሓዙ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ እታ አርሊ ክሪስቺያኒቲ ኤንድ ፓጋኒዝም እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ብሓቂ ቅኑዓት ኣመንቲ ዝሓዘ ብተዛማዲ ንእሽቶ ዝነበረ ጕጅለ በቶም ማእለያ ዘይብሎም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ተዓብሊሉ ህጣሙ ጠፍአ።”
ቃላት ጳውሎስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምንባሩ ኰን ኢዩ እተረጋገጸ! ናይ ሓቂ ክርስትና ብዘይ ምግናን ብኣረማዊ ብልሽውና ተዋሒጡ ተረፈ። እዚ ምብልሻው እዚ ድማ ኣብ ኣከባብራ በዓላት ዝያዳ ጐሊሑ ተራእየ።
ብሓቂ ክርአ ኸሎ ክርስትያናት ከኽብርዎ እተኣዘዙ በዓል: ድራር ጐይታ ጥራይ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:23-26) ቀዳሞት ክርስትያናት ብሰንኪ እቲ ምስ ናይ ሮማውያን በዓላት እተተሓሓዘ ናይ ጣኦት ተግባራት ኣብኡ ኣይካፈሉን ኢዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣረማውያን “ናብ ምርኢት ኣይትኸዱ፣ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ትርኢታት ተገዳስነት የብልኩም፣ ነቲ ናይ ህዝቢ ድግሳት ትነጽጉን ነቲ ቅዱስ ናይ ቃልሲ ውድድራት ድማ ትፍንፍኑን” ብምባል ይጸርፍዎም ነበሩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣረማውያን “ንኣማልኽቲ ብሓጐስ: ብድግሳት: ብመዝሙራትን ጸወታታትን ኢና እነምልኾም” ብምባል ይጅሃሩ ነበሩ።
ኣብ መፋርቕ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን: እቲ ናይ ኣረማውያን ምዕዝምዛም ሃድአ። ብኸመይ፧ ብዙሓት ናይ ኣምሰሉ ክርስትያናት ናብቲ መጓሰ ሰሊኾም ምስ ኣተዉ: ናይ ክሕደት ኣተሓሳስባታት እናበዝሐ ኸደ። እዚ ድማ ምስቲ ናይ ሮሜ ዓለም ናብ ምልምማጥ ገጹ መርሐ። እታ ዘ ፓጋኒዝም ኢን ኣዋር ክሪስቺያኒቲ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ብዛዕባዚ ሓሳብ ክትህብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ነቲ ህዝቢ ብልምዲ ከም ዝፈትዎ እተገብረ ኣረማዊ በዓላት ምቕባልን ክርስትያናዊ ትርጕም ከም ዝህልዎ ምግባርን ብንጹር ናይ ክርስትና ፖሊሲ ኢዩ ነይሩ።” እወ: ናይቲ ዓቢ ክሕደት ጐዳኢ ሳዕቤናት የስፋሕፍሕ ነበረ። እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ንኣረማዊ በዓላት ሓንጐፋይ ኢሎም ንምቕባል ፍቓደኛታት ምዃኖም ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ሰፊሕ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ገበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ክርስትያናት ክንድቲ ኣረማውያን ዝነበሮም ዓመታዊ በዓላት ከብዕሉ ጀመሩ። ልደት ሓደ ካብቲ ቐንዲ በዓላት ምንባሩ ድማ ዘገርም ኣይኰነን።
ኣህጉራዊ በዓል
እቲ ዓብላሊ ዝነበረ ዓይነት ክርስትና ኣብ ኣውሮጳ ምስ አስፋሕፍሐ: ልደት ድማ ምስኡ ሓቢሩ ኣስፋሕፍሐ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ንኽብሪ መዓልቲ ምውላድ የሱስ ዝግበር ዘሐጕስ በዓል ምቕጻሉ ግቡእ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ሓዘት። ብመሰረት እዚ ኸኣ: ብ567 ከ.ኣ.ዘ. ቤት ምኽሪ ከተማ ቱር “እተን ካብ ልደት ኣትሒዝካ ክሳዕ ጥምቀት ዘለዋ 12 መዓልትታት ከም ቅዱሳትን ናይ በዓልን ግዝያት ክዀና ኣወጀ።”—ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ፎር ስኩል ኤንድ ሆም (እንግሊዝኛ)።
ድሕርዚ ብኡንብኡ: ልደት ካብቲ ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ዝነበረ ምስ ዓጺድ እተተሓሓዘ ኣረማዊ በዓላት ብዙሕ ልምድታት ወሰደ። እቶም ተኻፈልቲ ናይቲ በዓል ኣብ ብልዕን መስተን ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝጥሕሉ እቲ ዅነታት ካብ ሃይማኖታዊ መልክዕ ሓሊፉ ቀይዲ በተኽ ድግስ ዝያዳ ልሙድ ኰነ። ቤተ-ክርስትያን ነቲ ቀይዲ በተኽ ጠባያት ተቓውሞኣ ኣብ ክንዲ እትገልጽ ሰመረቶ። (ምስ ሮሜ 13:13፣ 1 ጴጥሮስ 4:3 ኣረኣእዮ።) ሓደ እዋን ናይ መንግስቲ ግብጺ ዝለዓለ ተቘጻጻሪ ጥንታዊ ቅርስታት ብምዃን ዝዓየየ ኣርተር ዋይጎል: ብ601 ከ.ኣ.ዘ. ጳጳስ ግሪጎሪ ቀዳማይ ነቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናቱ ሚስዮናዊ ዝነበረ ሜልተስ “ንኸምዚ ዝበለ ናይ ጥንቲ ኣረማዊ በዓላት ከም ዝቋረጽ ከይገብሮ: ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ምኽንያት ካብ ጣኦታዊ ናብ ክርስትያናዊ ጥራይ ብምቕያር ምስ ጽምብላት ናይታ ቤተ-ክርስትያን ከወሃህዶ” ብምንጋር ከም ዝጸሓፈሉ ጸብጻብ ይህብ።
ኣብ እዋን ማእከላይ መዋእል: ተሃድሶ ዝደልዩ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት: ኣንጻር ከምዚ ዝበለ ቅጥዒ ዘይብሉ ኵነታት ምዝራብ ኣድላዪ ምዃኑ ተሰምዖም። ኣንጻር “ናይ ልደት ፌስታ ብዘይግቡእ ምጥቃም” ዘቃልሕ ብርክት ዝበለ ውሳነታት ኣውጽኡ። ዶ/ር ፔኒ ሬስታድ ኣብታ ክሪስትማስ ኢን ኣሜሪካ —ኤ ሂስትሪ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፋ ከምዚ ትብል:- “ገሊኦም ኣቕሽሽቲ: ኣብ ትሕቲ ጽላል ክርስትና ክሳዕ እተገብረ ዘይፍጹማት ደቅሰብ ስምዒቶም ዘርውይሉን ከይተሰከፉ ቀይዲ-በተኽ ድግስ ዝገብርሉን ግዜ የድልዮም ከም ዝዀነ ኣትሪሮም ተዛሪቦምሉ ኢዮም።” እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ልደት ዘሎ ምድንጋር ወሲኽሉ ጥራይ ኢዩ። እዚ ግን ብዙሕ ለውጢ ኣየምጽአን: ከመይሲ ኣረማዊ ልምድታት ድሮ ምስቲ ዝበዝሕ ሰብ ከቋርጾ ፍቓደኛ ዘይኰነሉ ልደት ኣጸቢቑ ተሓዋዊሱ ኢዩ ነይሩ። ትሪስትረም ኮፍን እተባህለ ጸሓፊ ነዚ ኸምዚ ዝስዕብ ገይሩ ይገልጾ:- “ሰባት ብሓፈሻ ነቲ ወትሩ ዝገብርዎ [ዝነበሩ] ነገር ኢዮም ዘዘውትሩ [ነይሮም]: ነቲ እቶም ብስነ-ምግባር ዝግደሱ ሰባት ዘካይድዎ ክትዕ ድማ ፋዕራ ኣይገበርሉን።”
ኣውሮጳውያን ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ክሰፍሩ ጀሚሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ልደት ኣዝዩ እተፈልጠ በዓል ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ልደት ኣብተን ግዝኣታት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ነቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን ጽምብላዊ ኣገባብ ኣምልኾን ንጵጵስናን ዘይቅበሉ ናይ ተሃድሶ ሰባት ነቲ በዓል ከም ኣረማዊ ረኣይዎ: ኣብ ማሳቹስተስ ድማ ካብ 1659 ክሳዕ 1681 ኣብ ዝነበረ ግዜ እጉድ ገይሮምዎ ነበሩ።
እቲ እገዳ ምስ ተላዕለ: በዓል ልደት ኣብተን ግዝኣታት: ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡብ ኒው ኢንግላንድ: እናስፋሕፍሐ ኸደ። ይኹን እምበር: ብዓይኒ እቲ ሕሉፍ ኣመዓባብላ ናይቲ በዓል ክርአ ኸሎ: ገሊኦም ሰባት ካብ ንወዲ ኣምላኽ ምኽባር ዝያዳ ጽቡቕ ግዜ ኣብ ምሕላፍ እንተ ተገደሱ ዘገርም ኣይኰነን። ሓደ ካብቲ ብፍላይ ዝርብሽ ናይ ልደት ልምዲ ሰቲኻ ምዕግርጋር ኢዩ ነይሩ። ህውከተኛታት ጕጅለ መንእሰያት ኣብ ናይ ሃብታማት ጐረባብቲ ገዛ ብምእታው እንተ እናወደሱ ወይ እናፈራርሑ መግብን መስተን ብናጻ ክዋሃቦም ይሓቱ ነበሩ። እቲ በዓል ቤት እንተድኣ ኣብይዎም ድማ: ዝበዝሕ ግዜ ይጸርፍዎ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ንገዝኡ የዕንውዎ ነበሩ።
ፕሮፈሰር ኒዘንባውም: ኣብ 1820ታት “ኣብ ልደት ዝርአ ዝነበረ ስርዓተ-ኣልቦነት: ዝለዓለ ማሕበራዊ ስግኣት” ክሳዕ ኣብ ምዃን በጺሑ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ኣብ ከም በዓል ኒው ዮርክን ፊላደልፊያን ዝኣመሰላ ከተማታት: ሃብታማት ሰብ መሬት ነቲ ሕርሻታቶም ዝሕልውሎም ዋርድያታት ክቘጽሩ ጀመሩ። ከተማ ኒው ዮርክ ናይ መጀመርታ ሓይሊ ፖሊስ ዘቘመት ብሰንኪ እቲ ኣብ 1827/28 ዝነበረ በዓል ልደት ንእተላዕለ ናይ ህውከት ናዕቢ ንምህዳእ ከም ዝዀነ እውን ይዝረበሉ ኢዩ!
ልደት እተገብረሉ ምትዕርራይ
መበል 19 ክፍለ-ዘበን ንወድሰብ ዘይተሓስበ ለውጥታት ኣምጺእሉ ኢዩ። ስርዓተ መራኸቢ መገድታትን መስመር ባቡራትን ምስ ተቐልቀለ ሰባትን ኣቑሑን ዜናን ዝያዳ ብቕልጡፍ ክትሓላለፉ ጀመሩ። ናይ ኢንዱስትሪ መሰረታዊ ለውጢ ብዙሕ ስራሕ ፈጠረ: ፋብሪካታት ድማ ብዙሕ ኣቕሑ ብቕልጡፍ ኣፍረያ። ናይ ኢንዱስትሪ ምዕባለ ኸኣ ሓድሽን እተሓላለኸን ማሕበራዊ ግድላት ኣምጽአ: እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ነቲ ልደት ዝበዓለሉ ዝነበረ ኣገባብ ተንከፎ።
ሰባት ንነዊሕ ግዜ በዓላት ማእሰር ስድራቤት ንምሕያል ኢዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም: ንልደት እውን ከምኡ። እቶም ደገፍቱ ንገለ ካብቲ ምስ ልደት እተተሓሓዘ ናይ ቀደም ልምድታት እናመረጹ ከም ብሓድሽ ምትዕርራይ ብምግባር: ንልደት ካብ ዕቡድ: ቀይዲ በተኽ ድግስ ዝመልኦ በዓል ናብ መተኣኻኸቢ ስድራቤት ዝዀነ በዓል ኣብ ምልዋጡ ተዓዊቶም ኢዮም።
ብርግጽ እኳ ደኣ: ልደት ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ነቲ ኣብ ዘመናዊ ናብራ ህይወት ኣመሪካውያን ዘሎ ሃለኽለኽ: ፈውሲ ከም ዝዀነ ገይርካ ክርአ ጀመረ። ዶ/ር ሬስታድ “ልደት ካብ ኵሉ በዓላት ንላዕሊ ኣብ ቤት ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ስምዒትን ከም ዝህሉ ንምግባር ከምኡውን መጠኑ ንዝሓለፈ ኣነባብራን ጥፈሻን ህዝቢ ዓለም ሕጋዊ ዝገብር ግርም መሳርሒ ኢዩ ነይሩ” ትብል። ቀጺላ ድማ “ህያብ ምሃብ: ንስኡናት ምሕጋዝ: እቲ ኣብ ግዜ በዓል ዝግበር ምልውዋጥ ሰላምታ እውን ከይተረፈ: ከምኡውን እቲ ኣብ ሳሎን: ወይ ድማ ጸኒሑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ጽሕዲ ደው ኣቢልካ ብምሽላም ዝርከብ ሓጐስ ንኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ንሓድሕዶም: ምስ ቤተ-ክርስትያን: ከምኡውን ምስ ሕብረተሰብ ኣተኣሳሲርዎም ኢዩ።”
ብተመሳሳሊ መገዲ: ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ፍቕሪ ከትርረሎምን ሓድነት ስድራቤት ኣብ ምዕቃብ ክሕግዞምን ኢሎም ኢዮም ልደት ዘብዕሉ። ርግጽ ኢዩ: ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘይብሉ መንፈሳዊ መዳያት ኣሎ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምውላድ የሱስ ንምዝካር ኢሎም ኢዮም ልደት ዘብዕሉ። ኣብ ፍሉይ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቅዳሴታት ይሳተፉ: ብዛዕባ ልደት የሱስ ዝገልጽ ስእልታት ይሰቕሉ: ወይ ድማ ናብ የሱስ ብቐጥታ ናይ ምስጋና ጸሎት የቕርቡ ይዀኑ። ኣምላኽ ግን ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧ እዚ ነገራት እዚኸ ምስ ፍቓዱ ይሰማማዕ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ርአ።
“ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ”
የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንሰዓብቱ ኸምዚ በሎም:- “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም።” (ዮሃንስ 4:24) የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብግብሪ ኣርእዩወን ኢዩ። ኵሉ ግዜ ሓቂ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ነቲ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ ኣቡኡ ብፍጹም መገዲ ቀዲሕዎ ኢዩ።—መዝሙር 31:5፣ ዮሃንስ 14:9
የሆዋ ኵሉ ዓይነት ምትላል ከም ዝጸልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። (መዝሙር 5:6) ብመንጽር እዚ ክርአ ኸሎ: ምስ ልደት ተተሓሒዙ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ልምድታት ናይ ሓሶት ኣሰር ዘለዎ ምዃኑስ ኣየገርምንዶ፧ ንኣብነት: ነቲ ብዛዕባ ሳንታ ክላውስ ዝዝረብ ጽውጽዋይ እሞ ሕሰበሉ። ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብሰፊሑ ዝእመነሉ: ሳንታ ክላውስ ኣብ ክንዲ ብማዕጾ ብመውጽእ ትኪ ክኣቱ ዝመርጽ ስለምንታይ ምዃኑ ንሓደ ቘልዓ ክትገልጸሉ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ሳንታ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ምሸት ንሚልዮናት ኣባይቲ ዝበጽሕ፧ ብዛዕባ እትነፍር ዓጋዘንከ እንታይ ምበልካ፧ ሓደ ቘልዓ ሳንታ ናይ ሓቂ ሰብ ኢዩ ኢሉ ንኽኣምን ከም እተታለለ እንተድኣ ፈሊጡ: ነቲ ኣብ ወለዱ ዘለዎ ትውክልቲ ኣየጕድሎንዶ፧
ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ብግልጺ ከምዚ ይብል:- “ኣረማዊ ልምድታት . . . ናብ ልደት ተሳሒቡ ኣትዩ ኢዩ።” ስለምንታይ ድኣ ኢየን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ካልኦት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናትን ነቲ ክርስትያናዊ ምንጪ ዘይብሉ ልምድታት ሒዙ ዘሎ በዓል ምብዓል ዝቐጸላኦ፧ እዝስ ኣረማዊ ትምህርትታት ስቕ ኢሉ ንኽቕጽል ሸለል ከም እተባህለ ዝሕብርዶ ኸይኰነ፧
የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ሰባት ከምልኽዎ ኣየተባብዐን። የሱስ ባዕሉ ኸምዚ ኢዩ ዝበለ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ።” (ማቴዎስ 4:10) ብተመሳሳሊ: የሱስ ሰማያዊ ግርማ ድሕሪ ምቕባሉ: ሓደ መልኣኽ: ብኣምልኾ ዝመጸ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ከም ዘይተገብረ ብምሕባር: ንሃዋርያ ዮሃንስ “ንኣምላኽ . . . ስገድ” በሎ። (ራእይ 19:10) እዚ ድማ: የሱስ ንዅሉ እቲ ኣብ ግዜ ልደት ናብ ኣቡኡ ዘይኰነስ ናብኡ ዝቐርብ ኣምልኾ እተሓወሶ ወፈያ ይሰምሮ ድዩ፧ ናብ ዝብል ሕቶ ኢዩ ዝመርሕ።
እቲ ንዘመናዊ ልደት ዝምልከት ሓቅታት ኣዝዩ ዘደናግር ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ። ብቐንዱ ክርአ ኸሎ ኣብ ሕሱር ታሪኽ ከም እተመስረተ ዝሕብር ብዙሕ መርትዖ ዘለዎ እተማህዘ በዓል ኢዩ። ጽሩይ ሕልና ብምሓዝ እምበኣር: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ክርስትያናት ልደት ከየብዕሉ ወሲኖም ኢዮም። ንኣብነት: ራየን ዝስሙ ሓደ መንእሰይ ንልደት ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል:- “ሰባት በተን ስድራቤት እትሓብረለንን ኵሎም ኣባላታ ድማ ዝሕጐሱለንን ኣብ ውሽጢ ዓመት ዘለዋ ሒደት መዓልትታት ኣዝዮም ኢዮም ዝሕጐሱ። ነዚ ፍሉይ ዝገብሮ እሞ እንታይ ኢዩ፧ ወለደይ ዓመት ምሉእ ኢዮም ህያብ ዝህቡኒ!” 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ካልእ መንእሰይ ድማ “ዝጐደለኒ ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ሰባት ህያባት ንምዕዳግ ዝግደዱላ ኰይኑ ዝስምዖም ፍልይቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ምሉእ ዓመት ኢየ ህያባት ዝረክብ” ትብል።
ነብዪ ዘካርያስ ንእስራኤላውያን ብጾቱ ‘ሓቅን ሰላምን ከፍቅሩ’ ኣተባብዖም። (ዘካርያስ 8:19) ልክዕ ከም ዘካርያስን ካልኦት ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባትን ‘ሓቂ ነፍቅር’ እንተድኣ ዄንና: ነቲ “ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን” ዝዀነ የሆዋ ዘየኽብር ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ በዓል ከነርሕቕ ኣይግብኣናንዶ፧—1 ተሰሎንቄ 1:9
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
‘ዝጐደለኒ ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ። ምሉእ ዓመት ኢየ ህያባት ዝረክብ’