ምእንቲ እቶም እነፍቅሮም ኣቐዲምና ውጥን ምውጻእ
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሓንቲ ናይ ኣፍሪቃ ጋዜጣ ብዛዕባ ኣኒ እተባህለት ሰበይቲ ዘሕዝን ጸብጻብ ወጺኡ ነበረ። በዓል ቤታ ንኣኒ ነጋዳይ ኢዩ ነይሩ። 15 ማካይን፣ ሓያለይ ናይ ባንክ ሕሳብ፣ ዳርጋ 4,000 ዶላር (ናይ ኣመሪካ) ዝኸውን ጥረ ገንዘብ፣ ሓደ ድኳን፣ ሓደ ባር፣ ከምኡውን ሰለስተ መደቀሲ ኽፍልታት ዘለዎ ገዛ ሓዲጉ ብ1995 ሞተ። ናይ ውርሲ ለበዋ ግን ኣይሓደገን።
ከምቲ እቲ ጋዜጣ ዝበሎ ሓሙት ኣኒ ነቲ ንብረትን ገንዘብን ወሲዱ ንዓኣን ንሽዱሽተ ደቃን ካብ ገዝኦም ኣውጽኦም። ጥራይ ኢዳ ብምትራፋ: ንሳን ደቃን ሕጂ ምስ ሓዋ ትቕመጥ ኣላ። ነቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ወይ ድማ ንዩኒፎርም ዝኸውን ገንዘብ ስለ ዘየለ ኣርባዕተ ካብቶም ቈልዑ ካብ ትምህርቲ ክወጹ ነበሮም።
ኣኒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመልከተት: እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ሓንቲ ማኪና ሓዊስካ ገለ ካብቲ ንብረት ክምለሰላ ወሰነ። እተመልሰላ ነገር ግን ኣይነበረን። ሓሙታ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ክቕበሎ ዘገድድ ካልእ ትእዛዝ ምእንቲ ክዋሃብ እንደገና ናብ ቤት ፍርዲ ክትጠርዕ ነበራ።
ስለምንታይ ብዛዕባ ሞት ንሓስብ፧
ናይ ኣኒ ታሪኽ: ሓደ ርእሲ ስድራቤት ሞት ክመጽእ ከም ዝኽእል ብምሕሳብ ኣቐዲሙ ውጥን ምስ ዘየውጽእ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኢዩ። ኣብ እዋን ሞት: ኵሎም ሰባት ‘ገንዘቦም ንኻልኦት ይሓድጉ።’ (መዝሙር 49:10) ብተወሳኺ: ዝሞቱ ሰባት ጥሪቶም ክቈጻጸሩ ኣይክእሉን ኢዮም። (መክብብ 9:5, 10) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ንንብረቱ ዘጋጥሞ ኵነታት ዝብሎ ነገር ምእንቲ ኽህልዎ ቅድሚ ሙማቱ ነገራት ከተዓራሪ ኣለዎ።
ሃንደበት ክንመውት ከም እንኽእል ኵልና ንፈልጥ እኳ እንተዀንና: ብዙሓት ሰባት ግን ነቶም ብህይወት ዝተርፉ ፍቑራቶም ዝጠቅም ምድላዋት ኣቐዲሞም ካብ ምምዳብ ይሰንፉ ኢዮም። ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣልዒልና እንዘራረበሉ ነገር ንገለ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ባህላዊ ጕጅለታት ዝያዳ ቈላሕታ ዝገብር እኳ እንተዀነ: ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም እውን ተመሳሳሊ ግድላት ኣሎ።
ሞት እንተ ኣጋጠመ ኢልካ ንኣመቓቕላ ንብረትካ ዝምልከት ስጕምትታት ምውሳድን ዘይምውሳድን ብሕታዊ ጕዳይ ኢዩ። (ገላትያ 6:5) እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ‘ብህይወቱ ኸሎ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ዝሕብሕብን ዝከናኸንን ሰብኣይ እንተ ሞትኩ ብምባል ንድሕንነቶም ዝኸውን ምድላው ዘየግብር እንታይ ምኽንያት ኣለዎ፧’ ብምባል ይሓትት ይኸውን። እቲ ዝዓበየ ምኽንያት: ዳርጋ መብዛሕትና ይትረፍዶ ኣቐዲምና ውጥን ከነውጽኣሉስ: ምናልባት እንተ ሞትና ብምባል እውን ክንሓስብ ስለ ዘይንደሊ ኢዩ። አረ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎስ እንሞተላ መዓልቲ ኣቐዲምና ክንፈልጣ ኣይንኽእልን ኢና:- “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። . . . ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ: ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።”—ያእቆብ 4:14
ሞት እንተ ኣጋጠመ ኢልካ ውጥን ምውጻእ ጠቓሚ ኢዩ። ነቶም ብህይወት ዘለዉ ሰባት እውን ፍቕራዊ ሓልዮት ምርኣይ ኢዩ። ጕዳያትና ባዕልና እንተድኣ ዘይወጋጊንናዮ: ካልኦት ኢዮም ዝወጋግንዎ። ምናልባት ፈጺምና ዘይንፈልጦም ሰባት ብዛዕባ ንብረትናን ስነ-ስርዓት ቀብርናን ውሳነታት ክገብሩ ኢዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከምዚ ዝበለ ኵነታት ምስ ዘጋጥም: ገንዘብን ንብረትን ዝወስድ መን ምዃኑ እቲ መንግስቲ ኢዩ ዝውስን። ኣብ ካልእ ቦታታት: ኣዝማድ ይውስኑ: እዚ ውሳነታት እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ ጽልኢ ዘለዓዕል ቈየቛ ኢዩ ዘስዕብ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ ብኻልኦት ዝግበር ውሳነ ካብቲ ንሕና እንደልዮ እተፈልየ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ንብረት ምምንጣል
በዓል ቤታ ምስ ሞተ ዝያዳ ዝኸፍኣ ንሰበይቲ ኢዩ። ሰብኣያ ኣብ ርእሲ ምስኣና: መብዛሕትኡ ግዜ ግዳይ ምምንጣል ንብረት ኢያ እትኸውን። እዚ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጕዳይ ኣኒ ተገሊጹ ኣሎ። ንብረት ንምምንጣል ሓደ ካብቲ ምኽንያት ምስቲ ብዛዕባ ኣንስቲ ዘሎ ኣረኣእያ እተተሓሓዘ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት በዓልቲ ቤት ናይቲ ሰብኣይ ከም ኣባል ስድራቤቱ ኣይትርአን ኢያ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ናብ ስድራቤታ እትምለስ ወይ ተመርዕያ ናብ ካልእ ስድራቤት እትኸይድ ጓና ከም ዝዀነት ገይርካ ኢያ እትሕሰብ። ብመንጽር እዚ ክርአ ኸሎ ድማ: እቲ ሰብኣይ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ወለዱን ኣይሓድግዎን ኢዮም ማለት ኢዩ። እንተድኣ ሞይቱ: ዘለዎ ንብረት ናይ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ዘይኰነስ ናይ እንዳ ዓለቡኡ ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ኣንስቶም ዘይኣምኑ ሰብኡት ንኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ይድግፍዎ ኢዮም። ማይክ ናይ ንግዲ ጕዳያቱ ምስ ኣሕዋቱ ጥራይ ኢዩ ዝዛራረበሉ ነይሩ።ንብረቱ ኣየናይ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ: በዓልቲ ቤቱ ግን ብዛዕባ ንብረት በዓል ቤታ እትፈልጦ ነገር ኣይነበራን። ምስ ሞተ: ኣሕዋቱ ናብኣ መጺኦም በዓል ቤታ ክኸፍሎ ብዛዕባ ዝነበሮ ዕዳ ሓተትዋ። ንሳ እሞ ኸኣ ብዛዕብኡ እውን ኣይትፈልጥን ኢያ ነይራ። ድሕርዚ: ነተን በዓል ቤታ ንዓኣ ክዀና ኢሉ ዝዓደገላ ናይ ፎቶ ኮፒ መሳርሒታትን ናይ ጽሕፈት ማካይንን ወሰድወን። ኣብ መወዳእታ: ነቲ ገዛን ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ንብረትን ወሰድዎ። እዛ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይትን ንእሽቶ ጓላን ድማ ክዳውንተን ጥራይ ሒዘን ካብቲ ገዛ ክወጻ ተገደዳ።
“ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ”
ክርስትያን ሰብኡት ኣንስቶም የፍቅሩ ኢዮም: ልቦም ዘውድቑለን ከም ዝዀና ገይሮም ድማ ኢዮም ዝርእይወን። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰብኡት ነቲ ‘ሰብኡት ነተን ኣንስቶም ከም ስግኦም ገይሮም ከፍቅርወን ይግባእ’ ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ዘኪሮም ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኢዮም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ምስቲ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ: ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ” ዝብል ብመለኮታዊ መገዲ እተጻሕፈ ዘረባ እውን ይሰማምዑ ኢዮም።—ኤፌሶን 5:28, 31
ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡት ምስቲ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ብምባል ዝጸሓፈ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ይሰማምዑ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ምስዚ ስርዓት እዚ ብምስምማዕ: ሓደ ክርስትያን በዓል ቤት ንነዊሕ እዋን ክገይሽ መደብ እንተድኣ ገይሩ: ንሱ ኣብ ዘይብሉ እዋን ስድራቤቱ ከም ዝናበሩ ክገብር ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: ሞት እንተ ኣጋጠመ ብምባል ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ዝኸውን ምድላዋት ክገብርከ ምኽንያታዊዶ ኣይኰነን፧ ትጽቢት ንዘይተገብሮ ዘሕዝን ፍጻመ ተባሂሉ ዝግበር ምድላው ጠቓሚ ጥራይ ዘይኰነስ ፍቕራዊ እውን ኢዩ።
ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘሎ ልምድታት
ክርስትያን ሰብኡት ኣብ ግምት ከእትውዎ ዘለዎም ምስዚ ጕዳይ እዚ ዝተሓሓዝ ካልእ መዳይ ድማ ኣሎ። ሓንቲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ እቲ በዓል ቤታ: ንብረታ: ምናልባት ደቃ እውን ከይተረፈ ብምስኣና ዘጋጥማ ሓዘን: ገሊኡ ማሕበረሰብ ልምዳዊ ናይ ሓዘን ኣገባባት ክትስዕብ ይግድዳ ኢዩ። ዘ ጋርድያን እተባህለት ናይ ናይጀርያ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ): ኣብ ገሊኡ ከባቢታት እቲ ልምዲ ሓንቲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቲ ኣብቲ ሬሳ በዓል ቤታ ዘለዎ ጸልማት ክፍሊ ክትድቅስ ይሓትት ኢዩ ብምባል ጓሂኣ ትገልጽ። ኣብ ካልእ ቦታታት: ሰብኡተን ዝሞትወን ኣንስቲ ነቲ ናይ ሓዘን እዋን ተባሂሉ ዳርጋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ገዝአን ክወጻ ኣይፍቀደለንን። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ: ነብሰን ክሕጸባ የብለንን: ቅድሚ መኣድን ድሕሪኡን እውን ከይተረፈ ኣእዳወን ክሕጸባ ክልኩላት ኢየን።
ከምዚ ዝበለ ልምድታት ብፍላይ ሰብኡተን ንዝሞትወን ክርስትያን ኣንስቲ ጸገማት የምጽኣለን ኢዩ። ንኣምላኽ ከሐጕስኦ ዘለወን ባህጊ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘይሰማማዕ ልምድታት ከርሕቓ የለዓዕለን ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14, 17) ይኹን እምበር: ሓንቲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቲ ምስዚ ልምድታት እዚ ብዘይ ምስምማዓ መስጐጕቲ ከጋጥማ ይኽእል። ህይወታ ንምድሓን ምህዳም እውን ከይተረፈ የድልያ ይኸውን።
ሕጋዊ ስጕምትታት ምውሳድ
መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ከምዚ ይብል:- “ሃቐና [“ውጥን:” NW ] እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ።” (ምሳሌ 21:5) ሓደ ርእሲ ስድራቤት እንታይ ውጥን ከውጽእ ይኽእል፧ ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ሞት ምስ ዘጋጥም ናይ ውርሲ ለበዋ ወይ ድማ ንብረት ናይ ሓደ ሰብ ብኸመይ ከም ዝምቀል ዝገልጽ ሰነድ ምድላው ይከኣል ኢዩ። እዚ ብዛዕባ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝገልጽ ዝርዝራት ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። እቲ ሰነድ ምስ ስነ-ስርዓት ቀብርን ናይ ሓዘን ልምድታትን እተተሓሓዘ እቲ ብህይወት ዘሎ ናይ መርዓ ብጻይ እንታይ ክገብር (ወይ ከይገብር) ከም ዘለዎ እውን ብንጹር ክገልጽ ይኽእል ኢዩ።
ሊያ እትበሃል ሰበይቲ ብ1992 በዓል ቤታ ብሞት ተፈልያ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ሓሙሽተ ቈልዑ—ኣርባዕተ ኣዋልድን ሓደ ወድን—ኣለዉኒ። በዓል ቤተይ ቅድሚ ሙማቱ ንገለ ግዜ ሓሚሙ ነበረ። ግናኸ ቅድሚ ምሕማሙ እውን ከይተረፈ: ኵሉ ንብረቱ ንዓይን ንደቅናን ክወሃብ ከም ዝደሊ ዝገልጽ ናይ ለበዋ ሰነድ ጽሒፉ ነበረ። እዚ ድማ ናይ መድሕን ገንዘብ: ናይ ሕርሻ መሬት: ጥሪት እንስሳ: ከምኡውን ገዛ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ናይ ለበዋ ሰነድ ፈሪሙ ንዓይ ሃበኒ። . . . ድሕሪ ሞት በዓል ቤተይ: ኣዝማድ ካብቲ ውርሻ ክምቀሉ ደለዩ። በዓል ቤተይ ነቲ ናይ ሕርሻ መሬት ብገንዘቡ ስለ ዝዓደጎ ይብጽሓና ኢዩ ክብሉ ዝዀነ ይኹን መሰል ከም ዘይብሎም ገለጽኩሎም። ነቲ እተጻሕፈ ናይ ለበዋ ሰነድ ምስ ረኣይዎ ድማ ተሰማምዑ።”
ንነገራት ምስ ስድራቤትካ ምምይያጥ
ሓደ ሰብ ብዛዕባ እምነቱን ድሌቱን ንስድራቤቱ እንተድኣ ዘይነጊሩ ግድላት ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ንዅነታት ናይ ሓደ ኣዝማዱ ኣብ ዓዲ ብልምዲ ናይቲ ከባቢ ክቕበር ኣለዎ ዝበሉ ሰብኣይ ርአ። ህይወት ሰበይቱን ደቃን ኣብ ዘስግእ ኵነታት ምስ ወደቐ: ሬሳኡ ንኣዝማድ ክትህቦ ተገደደት። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድማ ጓሂኣ ትገልጽ:- “በዓል ቤተይ ካብ ሓወቦታቱ ወይ ደቂ ሓወቦታቱ ንሓደ እውን ይኹን ብኸመይ ክቕበር ከም ዝደሊ ነጊሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ስድራቤቱ በቲ ባህላዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ልምድታቶም ክካየድ ግዲ ኣይምበሉን ነይሮም።”
ኣብ ገሊኡ ሕብረተሰብ ናይ ኣፍ ሕድሪ ልክዕ ከም እተጻሕፈ ሰነድ ሓይሊ ኣለዎ። ነቶም ኣብቲ ልምዳዊ ስነ-ስርዓት ቀብርን ናይ ሓዘን ኣገባባትን ዘተባብዕ እምነት ዘለዎ ገለ ክፍልታት ስዋዚላንድ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ዝበለ ልምዲ ኣለዎም። ኣይዛክ እተባህለ ክርስትያን ሰብኣይ ነዚ ፈሊጡ: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይነበሩ ኣዝማዱ ኣኪቡ ድሕሪ ሞቱ እንታይ ክግበረሉ ከም ዝደሊ ምስኣቶም ተመያየጠ። መን ኣየናይ ጥሪት ከም ዝወስድ ነገሮም: ከምኡውን ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብኸመይ ክካየድ ከም ዘለዎ ብንጹር ገለጸሎም። ምስ ሞተ: ነገራት ከምቲ እተላበዎ ኰነሉ። ኣይዛክ ክርስትያናዊ ቀብሪ ተቐብረ: በዓልቲ ቤቱ ድማ ጽቡቕ ሓልዮት ተገብረላ።
ንስድራቤትካ ተኸላኸለላ
ሞት እንተ ኣጋጠመ ኢልካ ንስድራቤትካ ንምክልኻል እንታይ ከም እትገብር ምውሳን ብሕታዊ ጕዳይ ኢዩ: ኤድዋርድ እተባህለ ሓደ ክርስትያን ግን ከምዚ ይብል:- “ነቶም ሸሞንተ ኣባላት ስድራቤተይ ምእንቲ ኽጠቕሞም ኢለ ዝኣተኹዎ ናይ ህይወት መድሕን ኣሎኒ። በዓልቲ ቤተይ ኣብቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ካልኣይተይ ብምዃን ፈሪማ ኢያ። ስለዚ እንተድኣ ሞይተ: ካብቲ ሕሳብ ገንዘብ ከተውጽእ ትኽአል ኢያ። . . . ንስድራቤተይ ዝጠቕሞም ናይ ውርሲ ለበዋ ኣሎኒ። እንተድኣ ሞይተ: ብድሕረይ ዝተርፍ ዝዀነ ይኹን ንብረት ንበዓልቲ ቤተይን ደቀይን ኢዩ ክኸውን። ነቲ ናይ ውርሲ ለበዋ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኢየ ጽሒፈዮ። ብሓደ ጠበቓ እተዳለወ ኢዩ: በዓልቲ ቤተይን ወደይን ድማ ቅዳሕ ኣለዎም። ኣብቲ ለበዋይ: ኣዝማደይ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብረይ ኢዶም ከእትዉ ከም ዘይብሎም ብንጹር ገሊጸዮ ኣለኹ። ኣባል ማሕበር የሆዋ ኢየ። ስለዚ ስነ-ስርዓት ቀብረይ ንምክያድ ሓደ ወይ ክልተ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እንተድኣ ተረኺቦም እኳ እኹል ኢዩ። ነዚ ነገራት እዚ ምስ ኣዝማደይ ተመያይጠሉ ኢየ።”
ብሓደ ወገን ክርአ ኸሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ መደባት ንስድራቤትካ ህያብ ማለት ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ሞት ከጋጥም ይኽእል ኢዩ ኢልካ ውጥን ምውጻእ ከም ናይ ቸኮላታ ወይ ናይ ሕቝፊ ዕምባባ ህያብ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ፍቕርኻ ዝገልጽ ኢዩ። ምስኣቶም ኣብ ዘየለኻሉ ግዜ እውን እንተዀነ ‘ንስድራ ቤትካ ክትሓሊ’ ከም እትደሊ ዘርኢ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
የሱስ ነዲኡ ዝኸውን ምድላው ገይሩ ኢዩ
“ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ። የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረአየ: ነዲኡ፤ ኣቲ ሰበይቲ: እንሆ ወድኺ: በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፤ እንሃ ኣዴኻ: በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን [ዮሃንስ] ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።”—ዮሃንስ 19:25-27
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሓት ክርስትያናት ንስድራቤቶም ንምክልኻል ሓልዮት ብዘለዎ መገዲ ሕጋዊ ምድላዋት ይገብሩ ኢዮም