ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ከም እትሕዝ ዝገብር ርጡብ መሰረት
እቲ ብ1866 እተወልደ ጸሓፍ ታሪኽን ብዛዕባ ሕብረተሰብ ዘጽንዕን ኤች. ጂ. ዌልስ: ኣብ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣተሓሳስባ ብርቱዕ ጽልዋ ገበረ። ብጽሑፋቱ ገይሩ እቲ ሽሓዊ ዓመት ምስቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ምዕባለ ስነ-ፍልጠት ክጋጠም ኢዩ ዝብል እምነቱ ከም ዘስፋሕፍሕ ገበረ። ስለዚ ድማ ኢያ ኮሌርስ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ንዌልስ ዕላማኡ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ንምግባር ብዘይ ዕረፍቲ ብምዕያዩ “ብዛዕባ መጻኢ ደረት ኣልቦ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ” ኢላ ዝጸውዓቶ። እንተዀነ ግን: ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ከም እተሓምሸሸ እውን ገሊጻ ኢያ።
ቻምበርስ ባዮግራፊካል ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ዌልስ ክትገልጽ ከላ “ስነ-ፍልጠት ንሕማቕን ጽቡቕን ክዓዪ ከም ዝኽእል” ምስ ተገንዘበ “ዝነበሮ እምነት ጠፍአ: ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ናብ ምሓዝ ድማ ዘምበለ።” ስለምንታይ ከምዚ ኣጋጢሙ፧
ናይ ዌልስ እምነትን ብዛዕባ መጻኢ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ኣብ ሰብኣዊ ዓወታት ጥራይ እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። ደቅሰብ ነቲ ብትምኒት ዝሓልምዎ ነገር ክበጽሕዎ ከም ዘይክእሉ ምስ ተገንዘበ: ክሃድመሉ ዝኽእል ቦታ ኣይነበረን። እቲ ዘጋጠሞ ተስፋ ምቝራጽ ብኡንብኡ ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ናብ ምሓዝ ተለወጠ።
ኣብዚ እዋን እዚ እውን ብዙሓት ሰባት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽንያታት እተላዕለ ተመሳሳሊ ተመክሮታት ኣለዎም። ንኣሽቱ ኸለዉ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ላዕልን ታሕትን ይብሉ: እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ግን እዚ ዘይብሃል ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ምሓዝ ይወድቁ። በቲ ልሙድ ዝበሃል ኣገባብ ናብራ ተስፋ ቘሪጾም ንሓሽሽ ብዘይግቡእ ኣብ ምጥቃም: ኣብ ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ኣዕናዊ ኣገባብ ናብራ ዝወድቁ መንእሰያት እውን ኣለዉ። መፍትሒ ናይዚ እንታይ ኢዩ፧ ነዞም ዝስዕቡ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣብነታት ርአ: ብዛዕባ ዝሓለፈ: ብዛዕባ ዘሎ: ከምኡውን ብዛዕባ ዝመጽእ ግዜ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ክንሕዘሉ እንኽእል መሰረት እንተድኣ ኣሎ ድማ ርአ።
እቲ ኣብርሃም ብዛዕባ መጸኢ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ዓስቢ ረኺቡ
ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብርሃም ካብ ካራን ነቒሉ: ንሩባ ኤፍራጥስ ብምስጋር ምድሪ ከንኣን ኣተወ። ኣብርሃም ‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዝኣምኑ’ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ: ከመይ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣብነት ኰነ ኢዩ ዝገደፈ!—ሮሜ 4:11
ኣብርሃም: በቲ ዘኽታም ዝነበረ ሎጥ ወዲ ሓዉን ስድራቤቱን ተሰነየ። ጸኒሑ እታ ሃገር ብደርቂ ምስ ተወቕዐት: እዘን ክልተ ስድራቤታት እዚኣተን ናብ ግብጺ ገዓዛ: ጸኒሐን ድማ ብሓባር ተመልሳ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብርሃምን ሎጥን ብዙሕ ሃብቲ ከምኡውን ከብትን መጓሰ ኣባጊዕን ኣጥርዮም ነበሩ። ኣብ መንጎ ጓሶቶም ባእሲ ምስ ተላዕለ: ኣብርሃም ተበግሶ ወሲዱ ከምዚ በለ:- “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ: በጃኻ: ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን: ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእሲ ኣይኹን። ኵላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፧ ሕድርኻ: ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ: ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል: ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኸኣ: ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል።”—ዘፍጥረት 13:8, 9
ኣብርሃም ዓቢ ስለ ዝነበረ ነቲ ኵነታት ንዕኡ ከም ዝጥዕሞ ገይሩ ክኣልዮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ: ሎጥ ድማ ካብቲ ንሓወብኡ ዝነበሮ ክብሪ ተላዒሉ ንናይ ኣብርሃም ምርጫ ከኽብር ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን “ሎጥ . . . ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ: ብዘሎ እቲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኵሉ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ከየጥፍኤን ከሎ: እቲ ንዞዓር እትአትወሉ ኸም ገነት እግዚኣብሄር: ከም ምድሪ ግብጺ ነበረ። ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ሐረየ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ምርጫ ብምግባር: ሎጥ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ክሕዘሉ ዝኽእል እኹል ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብርሃምከ፧—ዘፍጥረት 13:10, 11
ኣብርሃም ከምዚ ብምግባሩ ንድሕንነት ስድራቤቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዓሻ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። እቲ ኣብርሃም ብዛዕባ መጻኢ ዘርኣዮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ለጋስ መንፈስን ብዙሕ ዓስቢ ረኺቡ ኢዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ከምዚ በሎ:- “ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ ካብዛ ዘሎኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት። እዛ ንስኻ እትርእያ ዘሎኻ ኵላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ።”—ዘፍጥረት 13:14, 15
ኣብርሃም ብዛዕባ መጸኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኽሕዝ ርጡብ መሰረት ነይርዎ ኢዩ። ኣብቲ “ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ [ብኣብርሃም] ኪባረኹ እዮም” ዝብል ካብ ኣብርሃም ዓቢ ህዝቢ ከም ዝወጽእ ዝገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 12:2-4, 7) ንሕና እውን ‘ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ብዅሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም’ ብምፍላጥና እምንቶ ንኸነሕድር ምኽንያት ኣሎና።—ሮሜ 8:28
ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ዝነበሮም ክልተ ሰለይቲ
ልዕሊ 400 ዓመታት ጸኒሑ: ህዝቢ እስራኤል ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ንኽኣትዉ ተቐሪቦም ደው በሉ። (ዘጸኣት 3:8፣ ዘዳግም 6:3) ሙሴ ‘በየናይ መገዲ ከም ዝድይቡ ኣብ ኣየኖት ከተማታት እውን ከም ዝኣትዉ ነታ ሃገር ሰልዮም ዝነግርዎም’ 12 ሓላቑ ለኣኸ። (ዘዳግም 1:22፣ ዘሁልቍ 13:2) ኵሎም እቶም 12 ሰለይቲ ብሓባር እታ ሃገር ሃብታም ምዃና ተሰማምዑ: እንተዀነ ግን 10 ካብኣቶም ኣብ ኣልባብ እቲ ህዝቢ ፍርሂ ዘሕድር ኣሉታዊ ጸብጻብ ኣቕረቡ።—ዘሁልቍ 13:31-33
በቲ ኻልእ ወገን ድማ: እያሱን ካሌብን ነቶም ህዝቢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ጸብጻብ ነገርዎም: ንፍርሂ እቶም ህዝቢ ንምልጋስ ድማ ዝከኣሎም ኵሉ ገበሩ። እቲ ዝነበሮም ኣረኣእያን ዝሃብዎ ጸብጻብን እቲ ኣምላኽ ናብታ ምድሪ ተስፋ ከም ዘእትዎም እተዛረቦ ቃል ንኽፍጽሞ ክእለት ከም ዘለዎ ምሉእ እምንቶ ከም ዘሕደሩ ዘንጸባርቕ ነበረ። ከምዚ ምግባሮም ግን ምንም ጥቕሚ ኣይነበሮን። “ብዘሎ እቲ ኣኼባ . . . ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ።”—ዘሁልቍ 13:30፣ 14:6-10
ሙሴ ነቶም ህዝቢ ኣብ የሆዋ ክውከሉ ኣተባብዖም: ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበሮም ኣሉታዊ ኣመለኻኽትኦም ስለ ዝጸንዑ: ብምልኦም እቶም ህዝቢ ኣብ በረኻ 40 ዓመት ኰለል በሉ። ካብቶም 12 ሰለይቲ እያሱን ካሌብን ጥራይ ኢዮም ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ናይ ምሓዝ ዓስቢ ዘስተማቐሩ። እቲ መሰረታዊ ሽግር እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቶም ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥበብ ጥራይ ይርእዩ ስለ ዝነበሩ: እምነት ምጕዳል ኢዩ ነይሩ።—ዘሁልቍ 14:26-30፣ እብራውያን 3:7-12
ጥርጣረ ዮናስ
ዮናስ ኣብ መበል ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ኣብ እዋን ግዝኣት ዮሮብዓም ካልኣይ: ነተን ዓሰርተ ነገዳት እስራኤል ናይ የሆዋ እሙን ነብዪ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና ኢዩ። እንተዀነ ግን: ናብ ነነዌ ከይዱ ነቶም ህዝቢ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ክነግር ምስ ተመዘዘ ኣበየ። እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፉስ ዮናስ “ምህዳም ይሓይሽ ኢሉ ሓሰበ:” ናብ ያፋ ድማ ከደ ይብል። ኣብኡ ድማ ናብ ተርሲስ: ምናልባት ናይ ሕጂ እስጳኛ: እትኸይድ መርከብ ተሰቕለ። (ዮናስ 1:1-3) ዮናስ ብዛዕባ እዚ መዝነት እዚ ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ከም ዝሓዘ ኣብ ዮናስ 4:2 ተገሊጹ ኣሎ።
ዮናስ ኣብ መወዳእታ ነቲ ተልእኾኡ ክፍጽም ተሰማምዐ: እንተዀነ ግን ሰብ ነነዌ ምስ ተናስሑ ሓረቐ። ስለዚ ድማ የሆዋ ነታ ዮናስ ዘጽልለላ ዝነበረ ጕልዒ ከም እትነቅጽን እትመውትን ብምግባር ጽቡቕ ዝዀነ ናይ ድንጋጽ ትምህርቲ መሃሮ። (ዮናስ 4:1-8) ዮናስ ከምቲ እታ ጕልዒ ምስ ሞተት እተሰምዖ ጓሂ ብዛዕባ እቶም “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ኣብ ነነዌ ዝነበሩ 120,000 ዝዀኑ ሰባት እውን ከምኡ እንተ ዝስምዖ ዝያዳ ቅኑዕ ምዀነ ነይሩ።—ዮናስ 4:11
ካብ ናይ ዮናስ ተመክሮ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ ቅዱስ ኣገልግሎት ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ንምሓዝ ዝኸውን ቦታ የብሉን። መምርሒ የሆዋ ነስተውዕለሉን ብምሉእ እምንቶ ንስዕቦን እንተድኣ ዄንና: ዓወት ክንረክብ ኢና።—ምሳሌ 3:5, 6
ሽግራት እናሃለወ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ
ንጉስ ዳዊት “በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ: በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ” ኢሉ ተዛረበ። (መዝሙር 37:1) እዚ ድማ ብሓቂ ነዚ ሎሚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ክፍኣትን ዝኸውን ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኢዩ።—መክብብ 8:11
ይኹን እምበር: ዋላ እኳ በቶም ሓጥኣን እንተ ዘይቀናእና ንጹሃት ሰባት ኣብ ትሕቲ እቶም እኩያት ኰይኖም ክሳቐዩ ክንርኢ ከሎና ወይ ድማ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይፍትሓዊ ዝዀነ ነገር ምስ ዝፍጸም ብቐሊሉ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ወይ ድማ ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ከም እንሕዝ ክገብረና ይኽእል ይኸውን። ከምዚ ክስመዓና ከሎ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ ቀዳማይ ነገር: እቲ እኩይ ፈጺሙ ኢዱ ኣይረክብን ኢዩ ኢልና ክንድምድም ከም ዘይግባእ ክንዝክር ኣሎና። መዝሙር 37 ኣብ ቍጽሪ 2 “[ገበርቲ እከይ] ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ: ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም” ብምባል ተረጋግጸልና።
ኣብ ርእሲ እዚ: ሰናይ እናገበርና ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሒዝና ክንቅጽል: ከምኡውን ንየሆዋ ክንጽበ ንኽእል ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እግዚኣብሄር ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን: . . . እዩ እሞ: ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር።”—መዝሙር 37:27, 28
ናይ ሓቂ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይሰፍን!
እሞ ብዛዕባ መጻኢናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ነገር ትነግረና ኢያ። ካብ መንጎ እቲ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ንውግእ ዘመልክት ሓመር ፈረስ “ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ” ብምባል ትገልጽ።—ራእይ 1:1፣ 6:4
ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ ልሙድን ኣወንታውን ኣመለኻኽታ እቲ ውግእ ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ክኸውን ኢዩ ዝብል ነበረ። ብ1916 እቲ ናይ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ በዓል ስልጣን ዝነበረ ደቪድ ሎይድ ጆርጅ ዝያዳ ክውንነታዊ ኣመለኻኽታ ነበሮ። ከምዚ በለ:- “እዚ ውግእ እዚ ልክዕ ከምቲ ቀጺሉ ዝህሉ ውግእ: ውግእ ንምውዳእ ዝግበር ውግእ ኢዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ልክዕ ኢዩ ነይሩ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝያዳ ብጅምላ ዘዕኑ ኣረሜናዊ ኣገባብ ንምምሃዝ ጥራይ ኢዩ ኣቀላጢፉ። ልዕሊ 50 ዓመታት ጸኒሑ እውን ውግእ ንኽውዳእ ተስፋ ዝኸውን ነገር ኣይነበረን።
ኣብዛ መጽሓፍ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ካልኦት ፈረሰኛታት ነንብብ—እዚኣቶም ድማ ንጥሜት: ፌራ: ከምኡውን ሞት ኢዮም ዘመልክቱ። (ራእይ 6:5-8) ብዛዕባ እዚ ግዜ እዚ እተዋህቡ ተወሰኽቲ ምልክታት ኢዮም።—ማቴዎስ 24:3-8
እዚ ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ንምሓዝ ምኽንያት ዝኸውን ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይከውንን ኢዩ: ከመይሲ እቲ ራእይ ከምዚ ኢሉ እውን ይገልጽ ኢዩ:- “ኣምበላይ ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ: እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ።” (ራእይ 6:2) ኣብዚ የሱስ ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ንዅሉ ክፍኣት ካብ ምድሪ ክጸራርግ ከሎ ኢና እንርኢ: ኣብ መላእ ዓለም ሰላምን ስምረትን ከስፍን ድማ ይጋልብ።a
ከም እተቐብአ ንጉስ መጠን የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ነዛ መንግስቲ እዚኣ ክትመጽእ ክጽልዩ ምሂርዎም ነይሩ ኢዩ። ምናልባት ንስኻውን “ኣቡነ ዘበሰማያት” ወይ ድማ ናይ ጐይታ ጸሎት ክትጽሊ ተማሂርካ ትኸውን ኢኻ። ኣብታ ጸሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ: ፍቓዱ ድማ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣብዛ ምድሪ እውን ክፍጸም ንጽሊ ኢና።—ማቴዎስ 6:9-13
ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ክለቓቕቦ ኣብ ክንዲ ዝፍትን የሆዋ በቲ መሲሓዊ ንጉሱ: የሱስ ክርስቶስ: ኣቢሉ ስጕምቲ ብምውሳድ ምሉእ ብምሉእ ከጥፍኦ ኢዩ። የሆዋ ኣብ ክንድኡ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ይብል። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ: ምድሪ ሰላም ዝመልኣን ንደቅሰብ እትኸውን ሓጐስ ዘለዋ መንበሪትን: ከምኡውን ህይወትን ዕዮን ቀጻሊ ሓጐስ ዝርከቦ ቦታ ክትከውን ኢያ። የሆዋ ከምዚ ይብል:- ‘በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም።’ (ኢሳይያስ 65:17-22) ነቲ ናይ መጻኢ ተስፋኻ ኣብዚ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ መብጽዓ እዚ ከም ዝምርኰስ እንተድኣ ገይርካዮ: ሕጂ ይኹን ንዘለኣለም ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኽትሕዝ እኹል ምኽንያት ኣሎካ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እቲ ትርኢት ሰፊሕ ሓሳባት ንምርካብ: በጃኻ ምዕራፍ 16 ናይታ ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! እትበሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ርአ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኤች. ጂ. ዌልስ
[ምንጪ ስእሊ]
Corbis-Bettmann