“ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ”
ብካልቪን ኤች. ሆልመስ እተዘንተወ
ግዜኡ ታሕሳስ 1930 ኢዩ ነይሩ: ኣቦይ ምስቲ ጐረቤትና ዝነበረ ሰብኣይ ጸኒሑ ናብ ገዛ ክምለስ ከሎ: ድሮ ነተን ከብቲ ሓሊበ ወዲአ ነበርኩ። ሓንቲ ሰማያዊት መጽሓፍ ካብ ጅቡኡ ብምውጻእ ድማ “ኣቶ ዊማን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ከንብባ ሂቡኒ” በለ። ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመት ደሊቨረንስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኢያ ነይራ። ኣቦይ: ጽሑፋት ሳሕቲ ግዜ ጥራይ ዘንብብ እኳ እንተ ነበረ: ነታ መጽሓፍ ግን ምሉእ ምሸት ከንብባ ደኣ ኣምሰየ።
ካልእ ግዜ ድማ: በታ ማሕበር እቲኣ እተሓትማ ላይት ከምኡውን ሪኮንሲሌሽን ዘርእስተን ካልኦት ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ለሚኑ ኣምጽአ። ናይ ኣደይ ዝነበረ ኣረጊት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበ እሞ: ብፋኑስ ምሉእ ምሸት ከንብብ ኣምሰየ። ዓቢ ለውጢ ድማ ገበረ። ኣብታ ክረምቲ እቲኣ: ኣነን ኣደይን ሰለስቲአን ኣሕዋተይን ኣብቲ ብዕንጨይቲ ዝቃጸል ዝኣረገ እቶንና ከቢብና ኸለና ንብዙሕ ሰዓታት ተዛረበና።
እቶም ነዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ዝዝርግሕወን ሰባት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝበሃሉ: ብመሰረት እቲ ዝብልዎ ድማ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ተዛረበ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብ መወዳእታ ዓለም ምድሪ ከም ዘይትጠፍእ: ኣብ ክንድኡስ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ገነት ከም እትልወጥ ገለጸልና። (2 ጴጥሮስ 3:5-7, 13፣ ራእይ 21:3, 4) ብሓቂ እቲ ትምህርቲ መሲጡኒ ኢዩ።
ሓቢርና ክንሰርሕ ከለና ድማ ክዛረበኒ ጀመረ። ስም ኣምላኽ: የሆዋ ምዃኑ ክገልጸለይ ከሎ ዕፉን ንቐልጥ ከም ዝነበርና ይዝከረኒ። (መዝሙር 83:18 NW ) በዚ ኸኣ: ኣብ ጽድያ ናይ 1931 ገና ወዲ 14 ዓመት ከሎኹ: ንየሆዋን ንመንግስቱን ዝኸውን ኣቕዋም ወሰድኩ። ኣብታ ብድሕሪ ገዛና ዝነበረት ተኽሊ ሜለ ዀይነ ኸኣ ናብ የሆዋ ጸለኹ ንዕኡ ንዘለኣለም ከም ዘገልግሎ ድማ ካብ ልቢ ተመባጻዕኩ። ልበይ ብፍቕራዊ ሕያውነት ናይቲ ዘገርም ኣምላኽና ድሮ ተለዓዒሉ ነበረ።—መዝሙር 63:3
ካብ ሰይንት ጆሴፍ: ሚዙሪ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 30 ኪሎ ሜተር: ካብ ከተማ ካንዛስ ድማ 65 ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ናይ ሕርሻ ቦታ ኢና ንነብር ነይርና። ኣቦይ ከኣ: ኣብቲ ኣባሓጕኡ ኣብ መጀመርታ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ኣብቲ ቦታ ሕርሻ ኣብ ዝሰርሖ ኣጕዶ ኢዩ ተወሊዱ።
ነቲ ኣገልግሎት ምልምማድ
ኣብ ሓጋይ ናይ 1931: ስድራቤትና ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ በቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እተዋህበ “እታ ናይ ዓለም ተስፋ ዝዀነት መንግስቲ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ብረድዮ ሰምዓቶ። እቲ ዝርርብ ንስምዒተይ ኣለዓዓሎ: እታ ነዚ ኣገዳሲ ህዝባዊ መልእኽቲ እዚ ሒዛ ዝነበረት ንእሽቶ መጽሓፍ ድማ ነቶም እንፈልጦም ዝነበርና ሰባት ከነብጽሓሎም ከለና ምስ ኣቦይ ክሳተፍ ሕጕስ ነበርኩ።
ኣብ ጽድያ ናይ 1932 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፈልኩ። ጐረቤትና ድማ: ነቲ ብገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ጆርጅ ድረይፐር: ኣብ ሰይንት ጆሴፍ ዝዋሃብ ዝርርብ ክንሰምዕ ንዓይን ንኣቦይን ዓደመና። ኣብኡ ኽንበጽሕ ከለና እቲ ኣኼባ ፍርቂ በጺሑ ነበረ: ብድሕሪ እቲ ድልዱልን ገፊሕን ሕቖ ናይቲ ኣብ ህይወተይ ኣገዳሲ ግደ ኽፍጽም ዝነበሮ ጀይ. ዲ. ድራየር ከኣ ኮፍ መበሊ ረኸብኩ።
መስከረም 1933: ኣብታ ንመጀመርታ ግዜይ ኣብ ህዝባዊ ስብከት እተሳተፍኩላ ከተማ ካንዛስ: ምስ ኣቦይ ኣሰምብሊ ተኻፈልኩ። ኣቦይ ሰለስተ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ሃበኒ እሞ ከምዚ ክብል ድማ ኣለማመደኒ:- “ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝሰብኩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ኢየ። ዳኛ ራዘርፎርድ ኣብ ረድዮ ክዛረብ ከም ዝሰማዕኩምዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዝርርቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብልዕሊ 300 መደበራት ረድዮ ይመሓላለፍ ኢዩ።” ድሕርዚ ንእሽቶ መጽሓፍ አበርክት። ኣብታ ምሸት እቲኣ: ድሕሪ እቲ ናይ ሕርሻ ቦታ ዀይነ ነተን ከብቲ እናሓለብኩ ከለኹ: እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ህይወተይ ክትዝከር ዝግብኣ መዓልቲ ከም ዝዀነት ሓሰብኩ።
ብድሕሪኡ ክረምቲ ኣተወ እሞ ምንቅስቓስና ድሩት ኰነ። እንተዀነ ግን ሽዑ ሓው ድራየር ምስ በዓልቲ ቤቱ በጽሑኒ: ቀዳም ምሸት ናብ ገዝኦም ክመጽእን ምስኦም ክሓድርን ዝደሊ እንተ ዀይነ ድማ ሓተቱኒ። እቲ ናብ እንዳ ድራየር ንምኻድ ብእግረይ እተጓዓዝክዎ 10 ኪሎ ሜተር ንዓይ ሒደት ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ኣብታ እትስዕብ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ክሓብሮምን ኣብቲ ኣብ ሰይንት ጆሴፍ ዝግበር ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክካፈልን ዘኽእለኒ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ንደሓር: ሰንበት ኣብ ኣገልግሎት ካብ ምክፋል ሳሕቲ ግዜ ኢየ ዝተርፍ ነይረ። ምልምማድን ምኽርን ሓው ድራየር ኣዝዩ ክቡር ምንባሩ ተረጋጊጹ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ: ብ2 መስከረም 1935: ኣብቲ ኣብ ከተማ ካንዛስ እተገብረ ኣሰምብሊ ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ከርኢ በቓዕኩ።
ነቲ ናይ ምሉእ ህይወት ዕዮ ምጅማር
ኣብ መጀመርታ 1936 ፓይነር ወይ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን ሓተትኩ: ኣብቲ ናይ ፓይነር መገላግልቲ ዝደልዩ ኣስማት ዝጽሓፈሉ ዝነበረ መዝገብ ከኣ ተመዝገብኩ። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ካብቲ ኣብ ከተማ ኦርቫዳ: ዊኦሚን ዝቕመጥ ኤድዋርድ ስቴድ ደብዳበ ተቐበልኩ። ብዓረብያ ጥራይ ከም ዝንቀሳቐስን ፓይነር ንኽኸውን ድማ ሓገዝ ከም ዝደልን ገለጸለይ። ነቲ ሕትኡ ብኡንብኡ ተቐበልክዎ: ብ18 ሚያዝያ 1936 ድማ ፓይነር ኰንኩ።
ንሓው ስቴድ ክሓብሮ ኢለ ቅድሚ ምኻደይ: ኣደይ ንበይነይ ገይራ “ንዓ እስከ ዝወደይ: እቲ ክትገብሮ እትደልዮ ነገር እዚ ምዃኑ ርግጸኛ ዲኻ፧” ብምባል ሓተተትኒ።
“ህይወት ነዚ ዕዮ እዚ ካብ ምፍጻም ሓሊፋ ዋጋ የብላን” ብምባል መለስኩላ። ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ካብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ክግንዘብ ክኢለ ኢየ።
ምስ ቴድ ኢልና እንጽውዖ ዝነበርና ሓው ስቴድ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል: እቲ ዝበለጸ ምልምማድ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ቅንኢ ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምንጋር ድማ ኣዝዩ ዝማርኽ ኣቀራርባ ነበሮ። ይኹን እምበር: ኵሉ እቲ መገጣጠሚ ኣካላቱ ሪዮማቶይድ ኣር ትሪቲስ ዝበሃል ሕማም ሒዝዎ ስለ ዝነበረ ብዓረብይኡ ጥራይ ኢዩ ክንቀሳቐስ ዝኽእል ነይሩ። ንግሆ ተሲአ ክሓጽቦ: ጭሕሙ ክላጽዮ: ቍርሲ ኸዳሉ: ከምኡውን ከብልዖ ነበረኒ። ድሕርዚ ክዳኑ እኸድኖን ንኣገልግሎት አዳልዎን ነበርኩ። ኣብታ ሓጋይ እቲኣ: ኣብ በረኻ እናሓደርና ኣብ ዊኦሚን ከምኡውን ኣብ ሞንታና ኣገልግልና። ቴድ ኣብ ውሽጢ እታ ፒክኣፕ ዝዓይነታ ማኪንኡ ኣብ እተዳለወ ፍሉይ መቀደሲ ይድቅስ: ኣነ ድማ ኮበርታ ተኸዲነ ኣብ ምድሪ እሓድር ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት እቲኣ: ኣብ ቴነሲ: ኣርካንዛስ: ሚሲሲፒ ኸገልግል ንደቡብ ከድኩ።
መስከረም 1937 ንመጀመርታ ግዜይ ኣብቲ ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልኩ። ኣብኡ ድማ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ፎኖግራፍ ተጠቒምካ ብግንባር ቀደም ንምዕያይ ምድላዋት ተገብረ። እቲ በዓል ቤት ነቲ ፎኖግራፍ ምስ ዝሰምዖ ሓንቲ ፈነወ ኢልና ንቘጽር ነበርና። ኣብ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 500 ፈነወ ገበርኩ: ልዕሊ 800 ዝዀኑ ሰባት ድማ ሰምዕዎ። ኣብ ብዙሕ ከተማታት ናይ ምብራቓዊ ቴነሲ: ቨርጂንያ: ከምኡውን ምዕራብ ቨርጂንያ ምስክርነት ምስ ሃብኩ: ፍሉይ ፓይነር ብምዃን ምስቲ ናይ ዞን ኣገልጋሊ: በቲ ግዜ እቲ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም: ኰይነ ኣብ ሓድሽ ዕዮ ከገልግል ተጸዋዕኩ።
ምስ ነፍሲ ወከፈን ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሰሙን ብምጽናሕ: ነተን ኣብ ምዕራብ ቨርጂንያ ዝርከባ ጉባኤታትን ምሕድግ ዝበላ ጕጅለታትን በጻሕክወን: ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ድማ መሪሕነት እወስድ ነበርኩ። ድሕርዚ: ጥሪ 1941 ናይ ዞን ኣገልጋሊ ኰንኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣደይን ሰለስቲአን ኣሕዋተይን ማለት ክላረን ሎይስን ሩትን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ኣቕዋም ወሲደን ነበራ። በዚ ኸኣ: ስድራቤትና ብምልእታ ኣብታ ሓጋይ እቲኣ ኣብቲ ኣብ ሰይንት ሉዊስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈለት።
ድሕሪ እቲ ዓቢ ኣኼባ ነዊሕ ከይጸንሐ: ዕዮ ዞን ኣብ መወዳእታ ሕዳር 1941 ከም ዘቋርጽ ናይ ዞን ኣገልገልቲ ተሓበሮም። ኣብታ ዝሰዓበት ወርሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣተወት። ኣብ ወርሒ 175 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ምሕላፍ ዝሓትት ዝነበረ ዕዮ ፍሉይ ፓይነር ድማ ተመደብኩ።
ናይ ኣገልግሎት ፍሉይ መሰላት
ኣብ ሓምለ 1942 ኣብ ወጻኢ ሃገር ከገልግል ፍቓደኛ ምዃነይን ዘይምዃነይን እትሓትት ደብዳበ ተቐበልኩ። ፍቓደኛ ምዃነይ መልሲ ምስ ሃበኩ: ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቤትኤል: ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጸዋዕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳርጋ 20 ዝዀኑ ንጽል ኣሕዋት ፍሉይ ምልምማድ ንምውሳድ ተጸዊዖም ነበሩ።
ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር እቲ ዕዮ ስብከት ከም ዘንቈልቈለ: ንጉባኤታት ብመንፈስ ንምብርታዕ ድማ ምልምማድ ከም እንወስድ ገለጸ። “ነቲ ኣብተን ጉባኤታት ዘሎ ግድላት ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ንዕኡ ንምፍታሕ እትገብርዎ ነገር እውን ክንፈልጥ ንደሊ ኢና” ድማ በለ።
ኣብ ቤትኤል ከለና: እቲ ብ1977 ፕረዚደንት ብምዃን ንሓው ኖር ዝተክኦ ፍሬድ ፍራንዝ: “ካልኣይ ውግእ ዓለም ክውዳእ: ዓቢ ዕዮ ስብከት ድማ ክኽፈት ኢዩ። ሚልዮናት ሰባት ከኣ ገና ናብ ማሕበር የሆዋ ክእከቡ ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ!” ብምባል ዝርርብ ሃበ። እታ ዝርርብ እቲአ ንኣመለኻኽታይ ምሉእ ብምሉእ ለዊጣቶ ኢያ። መመደብና ምስ ተነግረና: ነተን ኣብ ቴነሲን ካንታኪን ዝርከባ ኵለን ጉባኤታት ከም ዝበጽሐን ፈለጥኩ። መጸዊዕና ክሳዕ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ተባሂሉ ዝቕየር: ኣገልገልቲ ኣሕዋት ብዝብል ስያመ ንጽዋዕ ነበርና።
ወዲ 25 ዓመት ከለኹ: ብ1 ጥሪ 1942 ጉባኤታት ምግልጋል ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንገለ ጉባኤታት ምብጻሕ ዝከኣል ዝነበረ ብእግርኻ ወይ ድማ ፈረስ ተወጢሕካ ብምኻድ ኢዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ምስቶም ዝቕበሉኒ ስድራቤት ኣብ ሓንቲ ክፍሊ እሓድር ነበርኩ።
ነታ ኣብ ቴነሲ እትርከብ ግሪንኤቪ እትበሃል ጉባኤ ብሓምለ 1943 እናበጻሕኩዋ ከሎኹ: ኣብ መበል ካልኣይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ዕድመ ተቐበልኩ። ኣብ ጊልዓድ ከሎኹ: ‘ናብቲ ዝሰማዕካዮ ኣዚኻ ምቕላብን’ ኵሉ ግዜ ድማ ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ’ ምዃንን ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ተማሃርኩ። (እብራውያን 2:1፣ 1 ቈረንቶስ 15:58) እተን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኮርስ ዝውሰደለን ሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀልጢፈን ተወድኣ: እታ ናይ ምረቓ መዓልቲ ድማ ብ31 ጥሪ 1944 ደበኽ በለት።
ናብ ካናዳ ደሓር ከኣ ናብ ቤልጅም
መብዛሕትና ናብታ ኣብ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ኣቐድም ኣቢሉ እተላዕለላ ካናዳ ተመደብና። ነቲ ኣብ መንጎ ገለ ጉባኤታት ዝነበረ ነዊሕ ርሕቀት ምሽፋን ዝሓትት ዕዮ መገሻ ከገልግል ተመደብኩ። ክጓዓዝ ከለኹ: ኣብ ካናዳ እገዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ዕዮ ስብከትና ብኸመይ ይፍጸም ከም ዝነበረ ዝገልጽ ተመክሮታት ምስማዕ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ብዙሓት ኣብቲ በርቃዊ ወፈራ ተባሂሉ እተጸውዐ: ኣብ ሓደ ለይቲ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ካብ ሓደ ጫፍ ካናዳ ክሳዕ እቲ ሓደ ጫፍ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ከም እተዓደለ ኣዘንተዉ። እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ውግእ ግንቦት 1945 ከም እተወድአ ምስማዕ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን ኢዩ ዝነበረ!
ኣብታ ሓጋይ እቲኣ: ንሓንቲ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ኦሰይጅ: ሳስካቼዋን: እትርከብ ጉባኤ እናበጻሕኩዋ ከሎኹ: ካብ ሓው ኖር ከምዚ እትብል ደብዳበ ተቐበልኩ:- “ናብ ቤልጅም ናይ ምኻድ ፍሉይ መሰል እህበካ ኣለኹ። . . . ኣብታ ሃገር እቲኣ ብዙሕ ዝፍጸም ዕዮ ኣሎ። እታ ሃገር እቲኣ ብውግእ ዝዓነወት ኢያ: እቶም ኣሕዋትና ኸኣ ሓገዝ ይደልዩ ኣለዉ: እቲ ዘድልዮም ግቡእ ሓገዝን ምጽንናዕን ንኽህቦም ድማ ሓደ ሰብ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ምልኣኽ ዝጥዕም ይመስል።” ነቲ ዕዮ ከም እተቐበልኩዎ ድማ ብኡንብኡ መለስኩሉ።
ሕዳር 1945: ኣብ ቤትኤል: ብሩክሊን: ምስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ካብ ኣልሳስ ዝመጸ ቻርለስ ኣይኸር ኰይነ ቋንቋ ፈረንሳይ አጽንዕ ነበርኩ። ብዛዕባ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣሰራርሓውን ሓጺርን ቅልጡፍን ምልምማድ ረኸብኩ። ንኣውሮጳ ቅድሚ ምኻደይ: ነቶም ኣብ ሰይንት ጆሴፍ: ሚዙሪ: ዝነበሩ ስድራቤተይን ኣዕሩኸይን ሓጺር ምብጻሕ ገበርኩሎም።
ብ11 ታሕሳስ: ኣብታ ኵን ኤልዛቤት እትበሃል መርከብ ተሰቐልኩ: ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ድማ ሳውዝኣምፕተን: ዓዲ እንግሊዝ: በጻሕኩ። ኣብቲ ተወሳኺ ልምምድ ዝረኸብኩሉ ናይ ብሪጣንያ ጨንፈር ድማ ንሓደ ወርሒ ጸናሕኩ። ብድሕሪኡ: ብ15 ጥሪ 1946 ነቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ መትረብ ብመርከብ ብምቍራጽ ኣብ ወደብ ኦስተንድ: ቤልጅዩም: ወረድኩ። ካብኡ ቐጺለ ድማ ናብ ብራስለስ ብባቡር ከድኩ: ኣብቲ መደበር ባቡር ከኣ ኵሎም ስድራ ቤትኤል ተቐበሉኒ።
ድሕሪ እቲ ውግእ ብቕልጡፍ ዝወሰኸ ንጥፈት
ዕዮይ ነቲ ኣብ ቤልጅዩም ዝነበረ ዕዮ እታ መንግስቲ ምዕዛብ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ቋንቋ ኣይክእልን ኢየ ነይረ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ: ንመረዳድኢ ዝጠቕመኒ እኹል ቋንቋ ፈረንሳይ ፈለጥኩ። ብጐድኒ እቶም: ኣብ እዋን እተን ናዚ ወሪሩለን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ዕዮ ስብከት ንምቕጻል ክብሉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ሰባት ኴንካ ምዕያይ ፍሉይ መሰል ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብኣቶም ኣቐድም ኣቢሎም ካብ መዳጐኒ ደምበታት ዝወጹ ኢዮም ነይሮም።
እቶም ኣሕዋት: ነቲ ዕዮ ንምምሕዳርን ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝጠምዩ ሰባት ንምምጋብን ይብህጉ ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ኸአ ኣሰምብሊታት ንምግባርን ገየሽቲ ተዓዘብቲ ድማ ጉባኤታት ንኽበጽሑን ምድላዋት ተገብረ። ኵሎም እቶም ንቐንዲ ቤት ጽሕፈት ብሩክሊን ወኪሎም ዝመጹ: ማለት: ናታን ኖር: ሚልተን ሄንሽል: ፍሬድ ፍራንዝ: ግራንት ሱይተር: ከምኡውን ጆን ቡዝ ዘተባብዕ ምብጻሓት ገይሮምልና ኢዮም። ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ: ከምኡውን ናይ ጨንፈር ተዓዛቢ ብምዃን ኣገልገልኩ። ብ6 ታሕሳስ 1952 ኣብ ቤልጅዩም ዳርጋ ንሸውዓተ ዓመት ዝኸውን ምስ ኣገልገልኩ: ነታ ኣብ ናይ ቤልጅዩም ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እትዓዪ ዝነበረት ኢሚሊያ ቫኖፕስላውኽ ተመርዓኹዋ።
ድሕሪኡ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: ብ11 ሚያዝያ 1953: ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ መደበር ፖሊስ ተጸዊዐ ኸድኩ: ኣብታ ሃገር ምህላወይ ድማ ንድሕንነት ቤልጅዩም ሓደገኛ ምዃኑ ተነግረኒ። እቲ ናይ ይግባይ ጕዳየይ ናብ ቤት ምኽሪ እቲ መንግስቲ ክሳዕ ዝበጽሕ ክጽበ ኸኣ ናብ ሉክስምበርግ ከድኩ።
እቲ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ቤልጅዩም: ብለካቲት 1954 ነቲ ኣብታ ሃገር ምህላወይ ሓደገኛ ኢዩ ዝብል ውሳነ ደገፎ። እቲ ዝቐረበ መርትዖ ኸኣ ቤልጅዩም ካብ ዝኣተኹሉ ግዜ ኣትሒዙ ቍጽሪ መሰኻኽር ናይታ ሃገር ብዘገርም መገዲ ማለት ብ1946 804 ዝነበረ ብ1953 ናብ 3, 304 ተወንጨፈ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት መንእሰያት መሰኻኽር ንክርስትያናዊ ገለልትነት ዝምልከት ጽኑዕ ኣቕዋም ብምውሳዶም: ድሕንነት ቤልጅዩም ዘስግእ ኰይኑ ኣሎ ዝብል ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ኣነን ኢሚሊያን ኣብቲ ተዛረብቲ ቛንቋ ፈረንሳ ዝነብሩሉ ክፍሊ ናይ ስዊዘርላንድ: ናይ ወረዳ ዕዮ ክንጅምር ተመደብና።
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ—ንክርስትያን ሽማግለታት ተወሳኺ ምልምማድ ንምሃብ እተዳለወ ቤት ትምህርቲ—ብ1959 ኣብ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ ጀመረ። ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝካየድ ክፍልታት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ምእንቲ ኽምህር ምልምማድ ንኽረክብ ናብኡ ተጸዋዕኩ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ከሎኹ: ኣብ ሰይንት ጆሴፍ: ሚዙሪ: ንዝነበሩ ስድራቤተይ በጻሕክዎም። ሽዑ ነታ ዝፈትዋ ኣደይ ንመወዳእታ ግዜ ረኣኹዋ። ብጥሪ 1962 ከኣ ሞተት፣ ኣቦይ ግን ቅድሚኣ ብሰነ 1955 ኢዩ ሞይቱ።
እቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብመጋቢት 1961 ኣብ ፓሪስ: ፈረንሳ: ጀመረ: ኢሚሊያ ድማ ሓቢራትኒ ኢያ። ናይ ኣውራጃ ተዓዘብቲ: ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ: ናይ ጉባኤ ተዓዘብቲ: ከምኡውን ፍሉያት ፓይነራት: ካብ ፈረንሳይን ቤልጅዩምን ስዊዘርላንድን ናብቲ ቤት ትምህርቲ መጹ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 14 ኣዋርሕ: ነዚ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ኮርስ ን12 ክፍልታት መራሕኩ። ብድሕሪኡ ግን: ኣብ ሚያዝያ 1962 ኢሚሊያ ጥንስቲ ምዃና ፈለጥና።
ምስ ኵነታት ተሰማሚዕካ ምኻድ
ናብቲ ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ረኺብናሉ ዝነበርና ቦታ: ጀነቫ: ስዊዘርላንድ: ተመለስና። ይኹን እምበር: ኣብኡ ጽዑቝ ስእነት ገዛ ስለ ዝነበረ: መንበሪ ቦታ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን። ስራሕ ምርካብውን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ማእከል ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ዝነበረ ዓቢ ናይ መኽዘን ክፍሊ ስራሕ ረኸብኩ።
ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 26 ዓመታት ኣሕሊፈ ኢየ: በዚ ኸኣ እቲ ሓድሽ ኵነታትና ዓቢ ምትዕርራይ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ኣብተን ን22 ዓመታት ኣብ ክፍሊ መኽዘን ዝሰራሕኩለን ከምኡውን ንኽልቲአን ደቅና ንሎይስን ዩኒስን ዘዕበኹለን እዋናት: ስድራቤትና ዅሉ ግዜ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ ኣቐዲማ። (ማቴዎስ 6:33) ብ1985 ካብ ዓለማዊ ስራሕ ጡረታ ምስ ወጻእኩ: ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዘቢ ዀይነ ከገልግል ጀመርኩ።
ኢሚሊያ ጥዕና የብላን: እንተዀነ ግን ኣብቲ ኣገልግሎት ዓቕማ ትፍጽም ኣላ። ሎይስ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ፓይነር ኰይና ኣገልጊላ ኢያ። ኣብቲ ኣብ ሓጋይ ናይ 1993 ኣብ ሞስኮ እተገብረ ኣዝዩ ዘገርም ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ምስኣ ክሓብር ምኽኣል: ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ብሉጽ እዋናት ኰን ኢዩ ነይሩ! ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት: ንዕረፍቲ ናብ ሰኔጋል: ኣፍሪቃ: ምስ ከደት: ኣብ ውቅያኖስ እናሓንበሰት ከላ ሞተት። ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝኸውን ምድላዋት ንምግባር ናብ ሰኔጋል ምስ ከድኩ: እቲ ፍቕርን ሕያውነትን ናይቶም ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ናይቶም ሚስዮናውያንን ዓቢ ምጽንናዕ ኰይኑኒ ኢዩ። ንሎይስ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ክርእያ ኣዝየ ኢየ ዝብህግ!—ዮሃንስ 5:28, 29
ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ካብ ሓደ ፈቃር ዓርኪ እሙን ደገፍ ረኺበ ስለ ዘስተማቐርኩ ኣመስጋኒ ኢየ። ብሓቂ: ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ: ሓዘንን ግድላትን የጋጥመኒ ብዘየገድስ: ጥዑም ኢዩ: ህይወት ድማ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ዝገብር ኢዩ። ብቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ገይረ ብዛዕባ ኣምላኽና የሆዋ “ለውሃትካ [“ፍቕራዊ ሕያውነትካ:” NW ] ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ: ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን” ኢለ ንኽዛረብ ስምዒተይ ተለዓዒሉ ኢዩ።—መዝሙር 63:3
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ዕዮ ስብከት “ፎኖግራፍ ” ብምጥቃም ብግምባር ቀደም ዓዪና ኢና
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ወለደይ ብ1936
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቤልጅዩም ብ1948 ናይ መገዲ ምስክርነት እናሃብኩ