ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/2 ገጽ 8-11
  • ወለዲ ንውሉዳትኩም ኣዕቍብዎም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወለዲ ንውሉዳትኩም ኣዕቍብዎም!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ንትምህርቲ ጾታ ዝምልከት ኣረኣእያታት
  • ምምሃር ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • ጽቡቕ ርክብ
  • ዕቝባ ዝረኸቡን ሕጕሳትን
  • ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጾታዊ ርክብ ክገብር ንዚወርደኒ ጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንስድራቤትኩም ካብ ኣዕናዊ ጽልዋታት ኣዕቍብዋ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/2 ገጽ 8-11

ወለዲ—ንውሉዳትኩም ኣዕቍብዎም!

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዘሎ ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እትማሃር ብዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ጾታዊ ርክብ ዝመጸ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝዀነት ጓል: ንመማህርታ ደቂ ኣንስትዮ ንጾታ ዝምልከት ምኽሪ ምሃብ ባህ የብላ ነበረ። ሓደ ካብቲ ጥንሲ ንምንጻል ዝኣዘዘትለን መስተ: ናይ ትምባኾ ቀመማት ዝበ​ዝሖ መሪርን ሓያልን ጸሊም ቢራ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ካብ ናይ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ጽሑፋት ዝመረጸቶ ምኽርታታ: ንብዙሓት ብጾታ ተማሃሮ ማረኸን። ገለ ካብኣተን ጾታዊ ርክብ ክፍትና ጀመራ: ሓንቲ ካባታተን ድማ ጠነሰት። ጥንሲ ንምንጻል ከኣ ነዚ ትምባኾ እተሓወሶ ቢራ ሰተየቶ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት: ደም ከተምልስ ጀመረት። ኣብ ሆስፒታል ሒደት መዓልትታት ምስ ጸንሐት ድማ ሞተት።

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም: ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዘይ ምቍራጽ ብምዝራብ ኣብቶም ቀልጢፎም ዝኣምኑ ሰማዕቲ ብርቱዕ ጕድኣት የምጽኡ። መንእሰያት ዕቝባ ክዀኖም ዝኽእል ርጡብ ፍልጠት ምእንቲ ክረኽቡ ናብ መን ገጾም ኢዮም ቁሊሕ ክብሉ ዘለዎም፧ ካብቶም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከዕብይዎም ሓላፍነት ዘለዎም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ወለዶም ምኽሪ እንተ ዝደልዩ ክንደይ ኰን ጽቡቕ ምዀነ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠4

ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ንትምህርቲ ጾታ ዝምልከት ኣረኣእያታት

ኣብ ብዘላ ዓለም: ብዙሓት ወለዲ ንጾታ ዝምልከት ጕዳያት ምስ ደቆም ክመያየጡ ኣጸጋሚ ዀይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ሓቂ ኢዩ። ሓደ ኣብ ሴራልዮን ዝነብር ዶናልድ ዝበሃል ኣቦ “እዚ ዳርጋ ፈጺሙ ዘይግበር ነገር ኢዩ። ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታ ምዝራብ ክፍሊ ናይ ኣፍሪቃ ባህሊ ኣይኰነን” ብምባል ተዓ​ዚቡ ኢዩ። ኮንፊደንት ዝስማ ሓንቲ ናይጀርያዊት ሰበይቲ “ወለደይ ንጾታ ከም ሓደ ብግልጺ ክጥ​ቀስ ዘይብሉ ነገር ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ፣ እዚ ድማ ብባህሊ ከይዝረብ እተኸልከለ ነገር ኢዩ” ብምባል ትሰማማዕ።

ኣብ ገለገለ ናይ ኣፍሪቃ ባህልታት: ምስ ጾታዊ ርክብ እተኣሳሰረ: ከም እኒ መሸኒ: ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይውን ጽግያት ዝብሉ ቃላት ምጥቃስ ጽዩፍ ኰይኑ ኢዩ ዝርአ። ሓንቲ ክርስትያን ኣደ ነታ “ጾታዊ ርክብ” እትብል ቃል ከይተረፈ ንጓላ ከይትጥቀመላ ከልከለታ: ነታ “ምንዝር” እትብል ቃል ክትጥቀም ከም እትኽእል ግን ነገረታ። ብኣንጻሩ: እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታን ናይ ጾታዊ ርክብ ኣካላትን ብጋህዲ ይዛረብ ኢዩ። (ዘፍጥረት 17:⁠11፣ 18:⁠11፣ 30:⁠16, 17፣ ዘሌዋውያን 15:⁠2) ዕላማ ናይዚ ግን ንኸሕፍር ወይ ድማ ስምዒት ንኸለዓዕል ዘይኰነስ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምሕላውን ንምምሃርን ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

ኣብ ርእሲ እቲ ብባህሊ ምኽልካል: ገለ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታ ካብ ምዝራብ ዝዝሕጥሉ ምኽንያት ሓደ ናይጀርያዊ ኣቦ “ምስ ደቀይ ብዛዕባ ጾታ እንተድኣ ተመያይጠ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽሙ ኸለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። እንተዀነ ግን እቲ ንጾታ ዝምልከት ክብሪ ዘለዎ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ሓበሬታ ቈልዑ ብሃወኽ ጾታዊ ርክብ ንኽፍትኑ የተባብዕዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን። መንእሰያት ብዛዕብኡ እኹል ፍልጠት ምስ ዘይህልዎም እኳ ድኣ’ዮም ብዝያዳ ኣብ ጸገም ዝወድቁ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘[ኣብ ርጡብ ፍልጠት እተመርኰሰ] ጥበብ ጽላል ኢዩ’ ብምባል ይገልጽ።​—⁠መክብብ 7:⁠12

ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምስላ: እቲ መስተውዓሊ ሰብኣይ ኣብ መጻኢ ግዜ ማዕበል ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ብምሕሳብ ቤቱ ኣብ ከውሒ ሰረተ: እቲ ዓሻ ሰብኣይ ግን ቤቱ ኣብ ሑጻ ሰረተ እሞ ዕንወት ኣጋጠሞ። (ማቴዎስ 7:⁠24⁠-​27) ብተመሳሳሊ: መስተውዓልቲ ክርስትያናት ወለዲ: ደቆም ምስቲ ናይ ዓለም ቀይዲ በተኽ ዝዀነ ናይ ጾታ መዐቀኒታት ከሰማምዖም ዝኽእል ማዕበል ዝመስል ጸቕጥታት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ብምፍላጥ: በቲ ንኽጸንዑ ዝሕግዞም ርጡብ ፍልጠትን ምርዳእን ገይሮም ንደቆም የሐይልዎም።

ብዙሓት ወለዲ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ምስ ደቆም ዘይመያየጥሉ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ: ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሰበይቲ “መንእሰይ ከለኹ: እቶም መሰኻኽር ወለደይ ንጾታ ዝምልከት ጕዳያት ምሳይ ተመያይጦም ስለ ዘይፈልጡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምስ ደቀይ ንኽመያየጥ ኣብ ሓሳበይ ኣይመጽእን ኢዩ” በለት። ይኹን እምበር: ካብቲ ቅድሚ 10 ወይ 20 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ኣብ መንእሰያት ዝነበረ ጸቕጢ ንላዕሊ እቲ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ዘሎ ጸቕጢ ይሕይል። እዚ ኣየገርምን ኢዩ። ቃል ኣምላኽ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1, 13

ነቲ ሽግር ዘግድዶ ካልእ ሓቂ ኸኣ: ብዙሓት ቈልዑ ሓሳቦም ክገልጹ ወይውን ኣብ ወለዶም ክውከሉ ዘይክእሉ ብምዃኖም ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርክብ ኣብ ደቀቕቲ ነገራትውን ከይተረፈ ድኹም ኢዩ። ሓደ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ “ምስ ወለደይ ተመያይጠ ኣይፈልጥን ኢየ። ኣነን ኣቦይን ጽቡቕ ርክብ የብልናን። ኣቓልቦ እውን ኣይገብረለይን ኢዩ” ብምባል ጓሂኡ ይገልጽ።

መንእሰያት: ንጾታ ዝምልከት ጕዳያት ምስ እንሓትት ሕማቕ ሳዕቤናት ከስዕበልና ኢዩ ብምባልውን ይፈርሑ ይዀኑ። ሓንቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኣ መንእሰይ “ወለደይ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝህብዎ መልሲ ስለ ዝፈልጥ ናይ ጾታ ግድላት ምስኦም ተመያይጠሉ ኣይፈልጥን ኢየ። ገለ ግዜያት ይገብር ምዕባየይ ሓብተይ ንጾታ ዝምልከት ገለ ሕቶታት ነደይ ሓተተታ። ኣደይ ነቲ ዘለዋ ግድላት ኣብ ክንዲ ትፈትሓላ: ንሓሳባታ ብጥርጣረ ረኣየቶ። ኣደይ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ስነ⁠-​ምግባራ ሕማቕ ግምት ብምሕዳር: ብዙሕ ግዜ ትጽውዓኒ እሞ ብዛዕባ ሓብተይ ትሓተኒ። ነቲ ኣደይ ንዓይ ዘለዋ ፍቕሪ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ስለ ዘይደሊ ነቲ ዘለኒ ግድላት ኣይነግራን ኢየ” ብምባል ትዛረብ።

ምምሃር ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧

ንደቅና ንጾታ ዝምልከት ጕዳያት ክሳዕ እቲ እኹል ደረጃ ምምሃር ቅኑዕ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ ግቡእውን ኢዩ። ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታ እንተድኣ ዘይሚሂሮምዎም: ካልኦት​—⁠መብዛሕትኡ ግዜውን እቶም ወለዲ ኣብ ዘይተጸበይዎ እዋን ምስ ኣምላኻዊ ስርዓታት ዳርጋ ፈጺሙ ብዘይሰማማዕ መገዲ ክነግርዎም ኢዮም። ሓንቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል: ድንግልናኣ እንተድኣ ዘይኣጥፊኣ: ኣብ መጻኢ ግዜ ከቢድ ቃንዛ ከም ዘጋጥማ ብመማህርታ ስለ እተነግረት ምንዝር ፈጸመት። “ንኽፍሊ መሸኒኺ ብመቐዝ ገይሮም ክቘርጽዎ ኢዮም” ዝብል ተነግራ። ደሓር ነቲ ዝሰምዓቶ ነገር ስለምንታይ ነታ ክርስትያን ኣዲኣ ከም ዘይነገረታ ምስ ተሓተተት: እታ ጓል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ምስ ዓበይቲ ፈጺማ ተዘራሪባትሉ ከም ዘይትፈልጥ መለሰት።

ሓንቲ ናይጀርያዊት ጓል “ናይ ቤት ትምህርቲ ኣዕሩኸይ: ጾታ ኵሎም ጥዑያት ደቅሰብ ክፍጽምዎ ዘለዎም ነገር ከም ዝዀነ ከእምኑኒ ፈተኑ። ሕጂ ጾታዊ ርክብ እንተድኣ ዘይፈጺመ እውን: ጓል 21 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣብቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ህይወተይ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ሕማም ከጋጥመኒ ከም ዝጅምር ነገሩኒ። ስለዚ ድማ: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘፍርሕ ሓደጋ ንምእላይ: ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ጽቡቕ ኢዩ ብምባል ተዛረቡ” ኢላ ትገልጽ።

ምስ ወለዳ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበራ: ምስቲ ኣብ ገዝኣ እተማህረቶ ነገራት ዘሎ ፍልልይ ብኡንብኡ ተገንዘበቶ። “ከምቲ ልሙድ: ናብ ገዛ ተመለስኩ እሞ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነገሩኒ ነገራት ነደይ ነገርክዋ” በለት። ኣዲኣ ድማ ነቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክትቃወሞ ክኢላ ኢያ።​—⁠ምስ ምሳሌ 14:⁠15 ኣረኣእዮ።

ወለዲ ንጾታ ዝምልከት ጕዳያት ኣምላኻዊ ጥበብ ንኽረኽቡ ዝሕግዞም ኣድላዪ ፍልጠት ንውሉዳትኩም ብምክፋል: ንሓደገኛ ዅነታት ከስተውዕልሉን ነቶም ክምዝምዝዎም ዝደልዩ ሰባት ከለልይዎምን ኣዕጥቑዎም። እዚ ነቲ ጓሂ ልቢ ዝዀነ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትን ዘይተደለየ ጥንስን ንምክልኻል ይሕግዞም ኢዩ። ነቲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘለዎምን ካብ ካልኦት ዝረኽብዎን ክብሪ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ካብ ጌጋ ምርዳእን ካብ ጭንቀትን ናጻ ይገብሮም ኢዩ። ንግቡእ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ጥዑይን ኣወንታውን ኣመለኻኽታ ንኽህልዎም: ደሓር ክምርዓዉ እንተድኣ ዀይኖምውን ሓጐስ ንኽረኽቡ ይገብር ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኣቕዋም ንኽዕቅቡ ክሕግዞምውን ይኽእል ኢዩ። ከም ቈልዑ መጠን ድማ ነቲ እተገብረሎም ፍቕራዊ ሓልዮት ክርእይዎ ኢዮም: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንወለዶም ንምኽባርን ንምፍቃርን ከለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ።

ጽቡቕ ርክብ

ወለዲ ነቲ ዝህብዎ ምኽሪ ምስቲ ንውሉዳቶም ዘድልዮም ነገራት ምእንቲ ከሰማምዕዎ: ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ርክብ ክህሉ ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓኪም ሕማም ናይ ሓደ ሕሙም ከይፈለጠ ፈውሲ ክእዝዝ ምስ ዝፍትን ዘይጠቅም ዝኸውን: ወለዲ ኣብ ኣእምሮን ኣልባብን ደቆም ዘሎ እንታይ ምዃኑ እንተድኣ ዘይፈሊጦሞ: እቲ ዝህብዎ ምኽሪ ጥዑይ እኳ እንተዀነ ክሳዕ ክንድቲ ክጠቕሞም ኣይክእልን ኢዩ። ወለዲ ውጽኢታውያን መኸርቲ ንኽዀኑ ደቆም ብሓቂ እንታይ ከም ዝሓስቡን እንታይ ከም ዝስምዖምን ክፈልጡ ይግብኦም። ነቲ ደቆም ዝጋጠምዎ ዘለዉ ጸቕጥታትን ግድላትን ነቲ ዘሸግሮም ዘሎ ሕቶታትን ክርድእዎ ከድልዮም ኢዩ። “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ድንጓዪ” ብምዃን ንቘልዑ ብጥንቃቐ ምስማዕ ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠19፣ ምሳሌ 12:⁠18፣ መክብብ 7:⁠8

ወለዲ ምስ ደቆም ጥብቂ ርክብ ማለት ቈልዑ ውሽጣዊ ስምዒታቶም ንኽገልጹ ናጽነት ዝስምዖም ዓይነት ርክብ ንኸማዕብሉን ንኽዕቅቡን ግዜን ትዕግስትን ጻዕርን ይሓትት ኢዩ። ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ምስ ዝህልዎም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ደስ ዘብል! ሓደ ሓሙሽተ ቘልዑ ዘለውዎ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኣቦ “ኣነ ኣቦን ምስጢር ዘካፍልዎ ሰብን ኢየ። እቶም ቈልዑ ንጾታ ሓዊስካ ብዛዕባ ኵሉ ኣርእስትታት ኣልዒሎም ናጻ ዀይኖም ምሳይ ይመያየጡ ኢዮም። እተን ኣዋልድ እውን ከይተረፋ ምስጢረን የካፍላኒ ኢየን። ነቲ ግድላቶም ንምምይያጥ ግዜ ንወስድ ኢና። ነቲ ዘጋጥሞም ሓጐስውን የካፍሉኒ ኢዮም” በለ።

ካብተን ደቁ ሓንቲ ቦላ ዝስማ ድማ “ዝዀነ ይኹን ምስጢር ካብ ኣቦይ ኣይሓብኦን ኢየ። ኣቦይ ሓላዪን ናይ ሰብ ሽግር ዝርድኦን ኢዩ። ጌጋ ምስ እንገብር እውን ከይተረፈ ኣይድህለናን ኢዩ ወይውን ብሕማቕ ኣይርእየናን ኢዩ። ኣብ ክንዲ ዝቝጣዕ: ነቲ ነገር የለልዮ እሞ እንታይ ክንገብር ከም ዝነበረና ወይ ድማ እንታይ ክንገብር ከም ዘይነበረና ይነግረና። ኵሉ ግዜ ንመጽሓፍ መንእሰያ ት (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ንመጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት (እንግሊዝኛ) ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ” ብምባል ትዛረብ።a

ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ወለዲ ንደቆም ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ብዛዕባ ጾታ ምምሃር ክጅምሩ ጽቡቕ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ዝበዝሕ ግዜ ኣጸገምቲ ዝዀና ዕድመ ኰተቴ ቀጻሊ ምይይጥ ንምግባር መሰረት የንብር ኢዩ። እቶም ቈልዑ ኣዝዮም ንኣሽቱ ኸለዉ ምይይጥ እንተድኣ ዘይተጀሚሩ: ኣብ ደሓር ግዜ ምይይጥ ንምጅማር ሓድሓደ እዋን ኣጸጋሚ ኢዩ: ይኹን እምበር ክግበር ይከኣል ኢዩ። ሓንቲ ሓሙሽተ ቘልዑ ዘለውዋ ኣደ “ኣብ መወዳእታ ኣነ ይኹን እቶም ቈልዑ ድሕሪ ደጊም ሕፍረት ክሳዕ ዘይስምዓና ብዛዕባ ጾታ ክዛረብ ሓቦ ገይረ ኢየ” በለት። ናይ ደቅኻ ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ምግባር ብርግጽ ዝበቅዕ ኢዩ።

ዕቝባ ዝረኸቡን ሕጕሳትን

ውሉዳት ነቶም ብፍቕሪ ተደሪኾም በቲ ከዕቍቦም ዝኽእል ፍልጠት ገይሮም ዘዕጠቕዎም ወለዶም የማስውዎም ኢዮም። ብገለ ኣፍሪቃውያን መሰኻኽር የሆዋ እተዋህበ ርእይቶታት ርአ:⁠-

ሞጊሶላ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሚኣ “ነደይ ኵሉ ግዜ ከመስግና ኢየ። እቲ ዘድሊ ትምህርቲ ጾታ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ምሂራትኒ ኢያ። ቈልዓ ከለኹ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ክትመያየጥ ከላ ሕፍረት ይስምዓኒ እኳ እንተ ነበረ: ሕጂ እቲ ኣደይ ዝገበረትለይ ሰናይ ነገራት ክግንዘቦ ክኢለ ኢየ” በለት።

ኢኒኦቦን ድማ ከምዚ ብምባል ትውስኽ:⁠- “ኣደይ ነቲ ንጾታ ዝምልከት ብቑዕ ልምምድ ብምሃብ ዝገበረትለይ ነገራት ክዝክሮን ክሓስቦን ከለኹ ኵሉ ግዜ ሕጕስቲ ኢየ። ንዓይ ናብ ዓቕመ⁠-​ሄዋን ንምብጻሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ሓገዝ ኢዩ ነይሩ። ኣነውን ምስ ወለድኩ ንደቀይ ከምኡ ገይረ ከዕብዮም ኢየ።”

ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኡ ኩንል “ወለደይ ነቲ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ካብተን ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝመጸኒ ዝነበረ ጸቕጥታት ንኽጻወሮ ሓጊዞምኒ ኢዮም። ከምኡ ዝኣመሰለ ልምምድ እንተ ዘይህቡኒ ነይሮም: ኣብ ሓጢኣት ምወደቕኩ ነይረ። በቲ ዝገበሩለይ ነገራት ኵሉ ግዜ ከመስግኖም ኢየ” በለ።

ክርስቲያና “ምስ ኣደይ ንጾታ ዝምልከት ምይይጥ ብምግባረይ ሓያሎ ጥቕምታት ረኺበ ኢየ። ካብ ሞት ዘስዕብ ሕማማትን ዘይተደለየ ጥንስን ተዓቚበ ኢየ: ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ድማ ጽቡቕ ኣብነት ክገድፈሎም ክኢለ ኢየ። ካብ ሰባትውን ክብሪ ረኺበ ኢየ: ምስ ተመርዓኹ ኸኣ በዓል ቤተይ ከኽብረኒ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ትእዛዛቱ ብምሕላወይ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጽቡቕ ዝምድና ኣለኒ” ብምባል ትዛረብ።

እታ ኣቐድም ኣቢላ እተጠቕሰት ቦላ ድማ ከምዚ በለት:⁠- “ናይ መርዓ መብጽዓ ከይገበርካ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ክትሕጐስ ኣሎካ እትብል መማህርቲ ነበረትኒ። እዚ ንዓኣ መዘናግዒ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ምስ ጠነሰትን ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መዕጸዊ መርመራ ድማ ምሳና ክትወስድ ብዘይ ምኽኣላን መዘናግዒ ከም ዘይነበረ ተገንዘበት። ዝመርሓኒ ንፉዕ ኣቦ እንተ ዘይህልወኒ ነይሩ: ምናልባት ንዓኣ ብምምሳል ሕማቕ ተመክሮታት መሕለፍኩ ነይረ።”

ክርስትያን ወለዲ ኣብዛ ብጾታ ዝዓበደት ዓለም: ደቆም ‘ንድሕነት ዝለበሙ” ንኽዀኑ ምስ ዝሕግዝዎም ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ዝኸውን! (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ትምህርትታቶም: ንቘልዑ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ምልኩዓት ዝገብሮም ክቡር ስልማት ክሳድ ኢዩ። (ምሳሌ 1:⁠8, 9) ቈልዑ ዕቝባ ይስምዖም: ወለዲ ኸኣ ዓሚቝ ዕግበት የስተማቕሩ። ነቲ ምስ መንእሰያት ደቁ ዘለዎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ንኽኸውን ኵሉ ግዜ ዝጽዕር ሓደ ኣፍሪቃዊ ኣቦ “ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣሎና። ደቅና ንየሆዋ ዘሐጕሶ እንታይ ምዃኑ ከም ዝፈልጡ ንተኣማመን ኢና፣ በቶም ዓለማውያን ሰባት ድማ ክታለሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ነታ ስድራቤት ስቓይ ዘምጽኣላ ነገራት ከም ዘይገብሩ እምንቶ ኣለና። ኣብኣቶም እምንቶ ክንገብር ብቑዓት ኰይኖም ብምርካቦም ከኣ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ” በለ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ካብ ወለዶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ሓበሬታ ዝቕበሉ ውሉዳት ነቲ ካልኦት መንእሰያ ት ዝነግርዎም ዘይጥዑይ ጽውጽዋያ ት ክነጽግዎ ይኽእሉ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ