ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንደቂ ኣምላኽ ዝመጸሎም ክቡር ናጽነት
“እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ . . . እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”—ሮሜ 8:20, 21
1. ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ እቲ ናይ የሱስ መስዋእቲ ጽላሎት እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧
የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ መስዋእታዊ በጅነት ገይሩ ሂቡና ኢዩ: እዚ በጅነት እዚ ድማ ነቶም 144,000 ሰባት ሰማያዊ ህይወት: ነቶም ዝተረፉ ደቅሰብ ድማ ዘለኣለማዊ ምድራዊ ተስፋታት ዝረኽብሉ መገዲ ከፊቱሎም ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ከምቲ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ: ምእንቲ እቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት እተኸፍለ መስዋእቲ የሱስ: እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ኣብ ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ ንገዛእ ርእሱ: ንቤቱ: ከምኡውን ንዓሌት ሌዊ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክስውእ ከሎ ጽላሎት ነይርዎ ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ልክዕ ከምቲ መስዋእቲ ክርስቶስ ንደቅሰብ ብሓፈሻ ዝጠቕሞም: ንዅሎም ካልኦት እስራኤላውያን መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ድቤላ ይስውእ ነበረ። ሓደ ህያው ድቤላ: ብምሳልያዊ መገዲ: ነቲ እቶም ሰባት ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርዎ ሓጢኣት ተሰኪሙ ናብ በረኻ ይጠፍእ።a—ዘሌዋውያን 16:7-15, 20-22, 26
2, 3. እቲ ኣብ ሮሜ 8:20, 21 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
2 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ተስፋ ናይቶም “ደቂ ኣምላኽ” ክዀኑ ዘለዎም ሰባት ምስ ገለጸ ከምዚ በለ:- “ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ . . . እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።” (ሮሜ 8:14, 17, 19-21) እዚ ሓሳባት እዚ ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧
3 ኣባሓጎና ኣዳም ፍጹም ሰብ ኰይኑ ምስ ተፈጥረ: “ወዲ [ወይ: ውሉድ] ኣምላኽ” ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 3:38) ሓጢኣት ብምፍጻሙ: ናብ “ባርነት ጥፍኣት” መጸ: ነዚ ኵነታት እዚ ኸኣ ናብ ሰብኣዊ ዓሌት ኣመሓላለፎ። (ሮሜ 5:12) ኣምላኽ ንደቅሰብ ብምኽንያት እቲ ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ኣብ ቅድሚኦም ‘ከንቱነት’ እናተጸበዮም ክውለዱ ኣፍቀደ: ግናኸ በቲ ‘ዘርኢ:’ የሱስ ክርስቶስ: ኣቢሉ ተስፋ ሂቡ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:18፣ ገላትያ 3:16) ራእይ 21:1-4 ብዛዕባ እቲ ‘ሞት: ሓዘን: ጫውጫው: ጻዕሪ ዘይኰነሉ’ ግዜ ትጠቅስ። እዚ ን“ሰብ” እተዋህበ ተስፋ ስለ ዝዀነ: እቶም ኣባላት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ዝነብር ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ ዝዀኑ ኵሎም ከም ምድራውያን “ደቂ ኣምላኽ” መጠን ብኣእምሮን ብኣካልን ምሉእ ጥዕናን ዘለኣለማዊ ህይወትን ከስተማቕሩ ምዃኖም የረጋግጸልና። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: እዙዛት ደቅሰብ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ክወጹ ኢዮም።’ ኣብ እዋን እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ምስ ተረኽቡ ድማ: ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ንዘለኣለም ሓራ ክዀኑ ኢዮም። (ራእይ 20:7-10) ሽዑ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ክረኽቡ ኢዮም።
“ንዓ” ይብሉ ኣለዉ
4. ‘ማይ ህይወት ብኸምኡ ምውሳድ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
4 ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ ንደቅሰብ ተነቢሩሎም ዘሎ! እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ መንፈሳዊ ውልድነት ዝረኸቡ ክርስትያናት ብቕንኢ መሪሕነት ወሲዶም ንኻልኦት ብዛዕብኡ ምንጋሮም ዘገርም ኣይኰነን! እቶም ቅቡኣት ተረፍ: ክፍሊ ናይታ “መርዓት” እቲ ግርማ ዝለበሰ ገንሸል የሱስ ክርስቶስ ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ፍጻሜ ናይዘን ዝስዕባ ትንቢታውያን ቃላት እቱዋት ኢዮም:- “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ: ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ: ይበል። ዝጸምኤ ኸአ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።” (ራእይ 21:2, 9፣ 22:1, 2, 17) እወ: እቲ ካብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዝርከብ ረብሓታት ኣብቶም 144,000 ቅቡኣት ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። መንፈስ ኣምላኽ “ንዓ” ኣብ ምባል በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ክፍሊ እታ መርዓት ዝዀኑ ቅቡኣት ተረፍ ምዕያዩ ይቕጽል ኣሎ። ዝሰምዐ እሞ ጽድቂ ዝጸምእ ዘበለ ዅሉ ድማ: ካብቲ ንድሕነት ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ምድላዋት የሆዋ ንርእሱ ብምጥቃም “ንዓ” ክብል ተዓዲሙ ኣሎ።
5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማእከሎም ከመይ ዝበሉ ሰባት ብምርካቦም ኢዩ ባህ ዝብሎም፧
5 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንህይወት ዝገበሮ ምድላው እምነት ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ክማሃሩን ፍቓዱ ክገብሩን ባህጊ ዘለዎም ቅኑዓት ሰባት ኣብ ማእከሎም ብምርካቦም ባህ ኢዩ ዝብሎም። ኣደራሽ መንግስቶም ንዅሎም እቶም ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ‘መጺኦም: ማይ ህይወት ብኸምኡ ክወስዱ’ ዝደልዩ ሰባት ክፉት ኢዩ።—ዳንኤል 12:4
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እተራእየ ለውጥታት
6. መንፈስ ኣምላኽ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዓየየ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ኣምላኽ ዕላምኡ ዝፍጽመሉ ግዜ መዲቡ ኣሎ: እዚ ድማ ነቲ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብ ዝትንክፍ ኢዩ። (መክብብ 3:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:7) ሽሕ’ኳ መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቱ እንተ ወረደ: መንፈሳውያን ደቁ ኰይኖም ግን ኣይተወልዱን። ይኹን እምበር: የሆዋ ብየሱስ ብምጅማር ነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ሰማያዊ ውርሻ ዘእቱ ውልድነት ንምሃብ መንፈስ ቅዱሱ ዝጥቀመሉ ግዜ መጸ። ብዛዕባ ግዜናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እዚ መንፈስ እዚ ኣብቶም ናይ የሱስ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ እውን ይዓዪ ኣሎ: ግናኸ ናይ ሰማያዊ ህይወት ተስፋን ባህግን ኣየለዓዕለሎምን ኢዩ። (ዮሃንስ 10:16) ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ብምሓዝ: ኣብዚ ካብ ኣረጊት ዓለም ናብታ ጽድቂ ኣምላኽ ዘለዋ ሓዳስ ዓለም ዘሰጋግር እዋን እዚ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ብሓጐስ ይድግፍዎም ኣለዉ።—2 ጴጥሮስ 3:5-13
7. እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ናይ ምእካብ ዕዮ ኢዩ ዘገድሶም ነይሩ: እንተዀነ ግን ብዛዕባ ገነት እንታይ ኢዮም ዝፈልጡ ነይሮም፧
7 ኣምላኽ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱሱ ኣፍሲሱ ‘ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ከእትዎም’ ጀመረ: ቍጽሪ ናይቶም ብጠቕላላ 144, 000 ዝዀኑ መንፈሳውያን ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ዝመልኣሉ ግዜ ከም ዝመደበ ድማ ርዱእ ኢዩ። (እብራውያን 2:10፣ ገላትያ 6:16፣ ራእይ 7:1-8) ካብ 1879 ጀሚሩ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዘለውዎ ናይ ምእካብ ዕዮ: ኣብዚ መጽሔት እዚ ወትሩ ይጥቀስ ነበረ። ይኹን እምበር እቶም (ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ዘለዉ) ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ሒዙ ከም ዘሎውን ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ንኣብነት: ናይ ሓምለ 1883 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ በለት:- “የሱስ መንግስቱ ምስ ኣቘመ: ንእከይ ምስ ኣዕነወ: ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትውን ምስ ገበረ: እዛ ምድሪ እዚኣ ገነት ክትከውን . . . ኵሎም እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ድማ ናብኣ ክመጹ ኢዮም። ነቲ ሕግታታ ብምእዛዝ ድማ ኣብኣ ንዘለኣለም ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም።” ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ምእካብ ናይቶም ቅቡኣት እናጐደለ ከደ: በብቕሩብ ድማ ሰማያዊ ተስፋ ዘይብሎም ውልቀ-ሰባት ናብ ማሕበር የሆዋ ተኣከቡ። ክሳዕ ሽዑ ግን ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ: ማለት እንደገና እተወልዱ ክርስትያናት: ፍሉይ ምስትውዓል ሂብዎም ኢዩ።—ዳንኤል 12:3፣ ፊልጲ 2:15፣ ራእይ 14:15, 16
8. ኣብ መጀመርታ 1930ታት ናይ ምድራዊ ተስፋ ምርዳእ ብኸመይ ኢዩ ዝማዕበለ፧
8 ብፍላይ ካብ 1931 ንነጀው እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክሓብሩ ጀሚሮም ኢዮም። ኣብታ ዓመት እቲኣ የሆዋ ነቶም ተረፍ መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት: ህዝቅኤል ምዕራፍ 9 ነዞም ድሒኖም ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንኽኣትዉ ምልክት ዝግበረሎም ዘሎ ናይ ምድሪ ክፍሊ ከም እተመልክት ንኽርድኡ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ብ1932 እዞም ሕጂ ዘለዉ ኣባጊዕ መሰል ሰባት በቲ ብጻይ የሁ ዝነበረ ዮናዳብ ከም ዝምሰሉ ተደምደመ። (2 ነገስት 10:15-17) ብ1934 “ዮናዳባውያን” ገዛእ ርእሶም ንኣምላኽ “ክህቡ” ወይ ክውፍዩ ከም ዘለዎም ተነጸረ። ብ1935 እቶም “ብዙሓት ሰብ” ወይ ከኣ “ዓቢ ጭፍራ”—እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰማይ ናይ መርዓት ክርስቶስ ‘ኣዳኖታት’ ዝዀኑ ካልኣይ ደረጃ ዘለዎም መንፈሳውያን ክፍሊ ገይርካ ዝሕሰቡ ዝነበሩ—ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ከም ዝዀኑ ተለለዩ። (ራእይ 7:4-15፣ 21:2, 9፣ መዝሙር 45:14, 15) ብፍላይ ካብ 1935 ንነጀው ኸኣ እቶም ቅቡኣት ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ሃረር ዝብሉ ቅኑዓት ሰባት ግምባር ቀደም ብምዃን ክደልይዎም ጀመሩ።
9. ብድሕሪ 1935: ገለ ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዝቐርብ ቅጫን ወይንን ምወሳድ ዘቋረጹ ስለምንታይ ኢዮም፧
9 ብድሕሪ 1935: እቶም ኣብ እዋን ድራር ጐይታ ካብቲ ቅጫን ወይንን ዝወስዱ ዝነበሩ ገለ ክርስትያናት ምክፋል ኣቋረጹ። ስለምንታይ፧ ተስፋኦም ምድራዊ ድኣ እምበር ሰማያዊ ከም ዘይኰነ ስለ እተገንዘቡ ኢዮም። ሓንቲ ብ1930 እተጠምቀት ሰበይቲ ከምዚ በለት:- “[ምውሳድ] ብፍላይ ነቶም ቀናኣት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ: ከም ቅኑዕ ነገር ገይርካ ዝርአ እኳ እንተነበረ: ሰማያዊ ተስፋ ኣሎኒ ዝብል እምነት ፈጺሙ ኣይነበረንን። ድሓር ግን ብ1935 ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ዓቢ ጭፍራ ይእከቡ ከም ዝነበሩ ተነጸረ። መብዛሕትና ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ከም ዝነበርና ብምርዳእና ተሓጒስና ኢና: ካብቲ ቅጫን ወይንን ምውሳድ ከኣ ኣቋረጽና።” እቲ ክርስትያናዊ ጽሑፋት እውን ከይተረፈ ትሕዝቶኡ ተቐየረ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ ዓመታት እተሓትመ ጽሑፋት ብቐዳምነት ነቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ሰዓብቲ የሱስ ተባሂሉ ኢዩ ዝዳሎ ነይሩ: ካብ 1935 ንነጀው ግን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ካልእ ናይቲ ‘እሙን ባርያ’ ጽሑፋት ናይ ክልቲኦም ማለት ናይቶም ቅቡኣትን ናይቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶምን ድሌት ዘማልእ መንፈሳዊ መግቢ ኣዳለወ።—ማቴዎስ 24:45-47
10. ሓደ ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ቅቡእ ብኸመይ ኢዩ ክትካእ ዝከኣል፧
10 ሓደ ቅቡእ ዘይእሙን ኰይኑ ተረኽበ ንበል። ምትካእ ክህሉ ድዩ፧ ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ተኽሊ ኣውልዕ ምሳሌ ዝሃቦ ሓሳባት ምትካእ ከም ዝህሉ ኣመልኪቱ ኢዩ። (ሮሜ 11:11-32) ሓደ መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎ ሰብ ክትካእ እንተድኣ ተደልዩ: ኣምላኽ ሓደ ንብዙሕ ዓመታት ንዕኡ ቅዱስ ኣገልግሎት ብምቕራብ ኣብነት እትኸውን እምነት ዝነበረቶ ሰብ ሰማያዊ ጻውዒት ይህቦ።—ምስ ሉቃስ 22:28, 29፣ 1 ጴጥሮስ 1:6, 7 ኣረኣእዮ።
ንኸተመስግን ዝገብረካ ብዙሕ ምኽንያታት
11. ተስፋና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ያእቆብ 1:17 ብዛዕባ እንታይ ኢያ እተረጋግጸልና፧
11 ንየሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኴንና ብተኣማንነት እንተድኣ ኣገልጊልናዮ: ነቲ ዘድልየና ነገራትን ነቲ ቅኑዕ ባህግታትናን ከማልኣልና ኢዩ። (መዝሙር 145:16፣ ሉቃስ 1:67-74) ናይ ሓቂ ሰማያዊ ተስፋ ይሃልወና ወይ ተስፋና ምድራዊ ይኹን ብዘየገድስ ንኣምላኽ ንኸነመስግኖ ዝገብረና ብዙሕ ቅቡል ምኽንያታት ኣሎና። ወትሩ ነቶም ዘፍቅሮም ዝጠቅም ነገራት ኢዩ ዝገብር። ወደ መዝሙር ያእቆብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ: ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት [የሆዋ ኣምላኽ] እዩ ዚወርድ” በለ። (ያእቆብ 1:17) ንሒደት ካብዚ ውህበታትን በረኸታትን እስከ ንርአ።
12. የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ ዘደንቕ ተስፋ ሂብዎ ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
12 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ ዘደንቕ ተስፋ ሂብዎ ኢዩ። ንገለ ናብ ሰማያዊ ህይወት ጸውዖም። ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽሩ ድማ: ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ ግሩም ዝዀነ ተስፋ ትንሳኤ ሂብዎም ኢዩ። ንኣብነት: ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ እምነት ነይርዎ ኢዩ: ነታ “መሰረት ዘለዋ ኸተማ”—ብትንሳኤ ኣብ ትሕቲኣ ምድራዊ ህይወት ዝረኽበላ ሰማያዊት መንግስቲ—ድማ ይጽበ ነበረ። (እብራውያን 11:10, 17-19) ሕጂውን እንተዀነ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ: ኣምላኽ ንሚልዮናት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ይህቦም ኣሎ። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 17:3) የሆዋ ነዚ ዓቢ ተስፋ እዚ ዝሃቦ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣዕሚቑ ከመስግን ከም ዝግብኦ ርግጽ ኢዩ።
13. ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ኢዩ ኣብ ህዝቡ ዝዓዪ፧
13 የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ከም ህያብ ገይሩ ንህዝቡ ይልግሰሎም። ሰማያዊ ተስፋ እተዋህቦም ክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:20፣ 5:1-4, 18) ይኹን እምበር: ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን እንተዀነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝን መሪሕነትን ኣለዎም። ሓደ ካብዚኣቶም ድማ እቲ ልክዕ ከምቶም ንዕኡ ንምድጋፍ እተቐብኡ 70 ሰብኡት መንፈስ የሆዋ ዝነበሮ ሙሴ ኢዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 11:24, 25) በሳልኤል ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ: ምስቲ ናይ እስራኤል ማሕደር ብእተተሓሓዘ ዕዮ ክኢላ ጸራባይ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። (ዘጸኣት 31:1-11) መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጊዴዎን: ይፍታሕ: ሳምሶን: ዳዊት: ኤልያስ: ኤልሳእን ካልኦትን ወሪዱ ኢዩ። እዞም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት: ፈጺሞም ናብ ሰማያዊ ክብሪ ዘይኣትዉ እኳ እንተዀኑ: ልክዕ ከምዞም ሕጂ ዘለዉ ናይ የሱስ ካልኦት ኣባጊዕ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖምን ተሓጊዞምን ኢዮም። ስለዚ እምበኣር መንፈስ ኣምላኽ ምህላው ክበሃል ከሎ ግድን ሰማያዊ ጻውዒት ክህልወና ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: መንፈስ የሆዋ መሪሕነቱ ይህብና: ክንሰብኽን ካልእ ብኣምላኽ እተዋህበና ሓላፍነታት ክንፍጽምን ይሕግዘና: ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ይህበና: ከምኡውን ናይ ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ነዊሕ ተጻዋርነት: ሕያውነት: ሰናይ: እምነት: ልእመትን ርእሰ-ግትኣትን ከም እንፈሪ ይገብረና። (ዮሃንስ 16:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 2 ቈረንቶስ 4:7-10፣ ገላትያ 5:22, 23) በዚ ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ውህበት ጸጋ እዚ መማሰውቲ ክንከውን ኣይግብኣናንዶ፧
14. ካብቲ ህያብ ኣምላኽ ዝዀነ ፍልጠትን ጥበብን ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
14 ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ: ፍልጠትን ጥበብን ከነመስግነሉ ዝግብኣና ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበታት ኢዩ። ርጡብ ፍልጠት የሆዋ: ‘እቲ ዝሓይሽ ክንመርምርን’ ‘ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከነብል ንእኡ ብቑዓት ኴንና ክንመላለስን’ ይሕግዘና። (ፊልጲ 1:9-11፣ ቈሎሴ 1:9, 10) ኣምላኻዊ ጥበብ ኣብ ናብራና ከም ዕቝባን መመርሕን ኰይኑ የገልግለና። (ምሳሌ 4:5-7፣ መክብብ 7:12) እቲ ናይ ሓቂ ፍልጠትን ጥበብን ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኢዩ: እቶም ተሪፎም ዘለዉ ሒደት ቅቡኣት ከኣ ብፍላይ በቲ ንሰማያዊ ህይወት ኣመልኪቱ ዝዛረቦ ሓሳብ ይሰሓቡ ኢዮም። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን እቲ ብዛዕብኡ ዘሎና ጽቡቕ ምርዳእን ኣምላኽ ናብ ሰማያዊ ህይወት ከም ዝጸውዓና ዘመልክት ኣይኰነን። ከም ሙሴን ዳንኤልን ዝበሉ ሰባት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፎም ኢዮም: እንተዀነ ግን ናብ ምድራዊ ህይወት ኢዮም ዝትንስኡ። ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ: ኵላትና በቲ የሆዋ ዝሰመሮ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” (NW ) መንፈሳዊ መግቢ ንቕበል ኢና። (ማቴዎስ 24:45-47) ኵላትና በቲ ክሳዕ ሕጂ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢና!
15. ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይከ ኢኻ እትምልከቶ፧
15 ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ እቲ ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘሎና ይኹን ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘሎና ዝጠቕመና ፍቕራዊ ምድላው ዝዀነ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ኢዩ። ኣምላኽ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ” ነታ ናይ ደቅሰብ ዓለም ኣፍቀራ። (ዮሃንስ 3:16) ናይ የሱስ ፍቕሪ ድማ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኸሕልፍ’ ደሪኽዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:28) ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝገለጾ: የሱስ ክርስቶስ “ብናይ ሓጢኣትና [ካብቶም ቅቡኣት ንዝዀንና] መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ስለዚ እምበኣር ኵልና ነዚ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምድሓን ተባሂሉ እተገብረልና ፍቕራዊ ምድላው ኣጸቢቕና ከነመስግነሉ ይግብኣና።b
ኣብኡ ክትርከብ ዲኻ፧
16. ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ ናይ 11 ሚያዝያ 1998 ከመይ ዝበለ ዓቢ ኣጋጣሚ ኢዩ ክበዓል: መንከ ኢዮም ኣብኡ ክርከቡ ዘለዎም፧
16 ነቲ ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ዝገበረልና በጅነታዊ ምድላው ዘሎና ምስጋና ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 11 ሚያዝያ 1998 ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ: ሞት የሱስ ክርስቶስ ንምብዓል ኣብ ዝእከብሉ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ካልእ ቦታታት ንኽንርከብ ክድርኸና ይግባእ። የሱስ: ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት ምድራዊ ህይወቱ: ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ኣብ ዝገበሮ በዓል: “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። (ሉቃስ 22:19, 20፣ ማቴዎስ 26:26-30) እቶም ሒደት ቅቡኣት ተረፍ: ካብቲ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብኣዊ ኣካል የሱስ ዘመልክት ዘይበዅዐ ቅጫን ነቲ ብመስዋእቲ ዝፈሰሰ ደሙ ዘመልክት ሕዋስ ዘይብሉ ቀይሕ ወይንን ክወስዱ ኢዮም። ካብዚ ዝወስዱ ድማ እቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት ጥራይ ኢዮም: ከመይሲ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳንን ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኪዳንን እቱዋት ዝዀኑ: ከምኡውን ተስፋኦም ሰማያዊ ምዃኑ ዘረጋግጸሎም ጽኑዕ ምስክርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ዘለዎም ንሳቶም ጥራይ ኢዮም። ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ምስቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝከኣል ዝገበረ መስዋእቲ የሱስ ብእተተሓሓዘ መገዲ ዘርኣዩና ፍቕሪ መመስገንቲ ዝዀኑ ሚልዮናት ካልኦት ድማ ክብሪ ዝህቡ ተዓዘብቲ ብምዃን ኣብኡ ክርከቡ ኢዮም።—ሮሜ 6:23
17. ብመንፈስ ምቕባእ ዝምልከት እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧
17 ንገሊኣቶም: እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ ኣመለኻኽታ: ካብቲ ብሞት እተፈለዮም ዘፍቅርዎ ሰብ እተበገሰ ብርቱዕ ስምዒታት: ካብቲ ኣብዚ ምድራዊ ህይወት ዘጋጥሞም ጸገማት: ወይ ድማ ካብ የሆዋ ገለ ፍሉይ በረኸታት ከም እተቐበሉ ኰይኑ ዝስምዖም ስምዒት ብጌጋ ሰማያዊ ጻውዒት ከም ዘለዎም ክሓስቡ መሪሕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ናይ ክርስቶስ መስዋእታዊ በጅነት ዘሎና ምስጋና ንምግላጽ ካብቲ ናይ ዝኽሪ ቅጫን ወይንን ክንወስድ ከም ዘይእዝዘና ኵላትና ክንዝክሮ ዘሎና ነጥቢ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ብመንፈስ ምቕባእ: ‘ኣብቲ ዚደልን ዚጐይን ዘይኰነስ’ ኣብቲ ንየሱስ ከም መንፈሳዊ ውሉዱ ገይሩ ውልድነት ዝሃቦ ከምኡውን ነቶም 144,000 ካልኦት ውሉዳት ጥራይ ናብ ክብሪ ዘእተወ “ኣምላኽ” እተመርኰሰ ኢዩ።—ሮሜ 9:16፣ ኢሳይያስ 64:8
18. ካብዞም ሎሚ ንየሆዋ ዘገልግልዎ ዘለዉ ንመብዛሕትኦም ከመይ ዝበለ በረኸት ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧
18 እቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት: ነቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንየሆዋ ዘገልግልዎ ዘለዉ ዝበዝሑ ደቅሰብ ኣምላኽ ዝሃቦም ተስፋ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ድማ ነዛ እተደንቕ ገነት እዚኣ ከስተማቕርዋ ኢዮም። ሽዑ መሳፍንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያዊ ግዝኣት ብምዃን ምድራዊ ጕዳያት ከመሓድሩ ኢዮም። (መዝሙር 45:16) ተቐማጦ ምድሪ ምስ ሕጊ ኣምላኽ እናተሰማምዑ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ብዙሕ እናተመሃሩ ብዝኸዱ መጠን ሰላማዊ ኵነታት ክሰፍን ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ራእይ 20:12) መንበሪ ኣባይቲ ንምህናጽን ንምድሪ ንምግዛእን ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ክህሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:17-25) ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ምዉታት ክትንስኡ ከለዉ ዝርአ ዘሐጕስ ምጥርናፍ ስድራቤታት ሕስብ እሞ ኣብሎ! (ዮሃንስ 5:28, 29) ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ኵሉ እከይ ክጽረግ ኢዩ። (ራእይ 20:7-10) ብድሕሪኡ: ምድሪ ንዘለኣለም በቶም ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ዝወጹ’ ፍጹማት ሰባት ክትመልእ ኢያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ‘ማይ ህይወት ብኸምኡ ምውሳድ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
◻ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ: ንኣምላኽ ንኸነመስግን እንታይ ምኽንያታት ኢዩ ዘሎና፧
◻ ንኸመይ ዝበለ ዓመታዊ በዓል ኢና ኵላትና ክንካፈሎ ዘሎና፧
◻ ንመብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ: ከመይ ዝበለ መጻኢ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሚልዮናት ሰባት ‘ማይ ህይወት ብኸምኡ ክወስዱ’ ጀሚሮም ኢዮም። ንስኻኸ ሓደ ካባታቶም ዲኻ፧