ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ ኣላስካ ኣምላኽ የብቍል ኣሎ
ኣብ ትሕቲ እቲ ብውርጭን በረድን እተሸፈነ መሬት: ሓንቲ ደቃቕ ዘርኢ እትበስለሉ ኣጋጣሚ ትጽበ። ኣብ ውሽጢ እተን ኣብ ኣላስካ ሓጋይ ዝዀነለን ሓጸርቲ ሰለስተ ኣዋርሕ: ሓንቲ 3 ሚሊሜተር ሰንጣቒት ዘለዋ ናይ ካውሎ ዘርኢ ዳርጋ 40 ኪሎ ግራም ዝምዘን ካውሎ ከተፍሪ ትኽእል ኢያ! እወ: እዚ ሓደ እዋን ብብዙሓት ሰባት ከም መኻን መሬት ዝሕሰብ ዝነበረ ብበረድ እተሸፈነ ባድም መሬት ብዙሕ ምህርቲ ከፍሪ ይኽእል ኢዩ። እዚ ብፍላይ ነቲ ኣብ ኣላስካ ዘሎ መንፈሳዊ ግራት ዝምልከት ሓቂ ኢዩ። ኣብዛ ነዊሕ ክራማት ዘለዋ ሃገር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ምዝራእ ቀጺሎም ኢዮም። ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ክፍልታት ምድሪ: ኣምላኽ ነቲ ኣብ ፍርያም ኣልባብ ዘሎ ዘርኢ የብቍሎ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 3:6, 7
● ቫኔሳ ዝስማ ሓንቲ መንእሰይ ምስክር ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ እናተጓዕዘት ከላ ንሓንቲ ኵሉ ግዜ በይና ኮፍ እትብል ኣን እተባህለት መማህርታ ኣስተብሃለትላ። ኣን ሕዝንቲ ትመስል ነበረት: ስለዚ ቫኔሳ ጥቓኣ ኮፍ ክትብል ንኣን ዓደመታ። ኣን ብሓቂ ሕዝንቲ ኢያ ነይራ! ኣዲኣ ብሕማም ልቢ ሞይታ ነበረት: ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኣቡኣ ብሕማም መንሽሮ ሞተ። በዚ ኸኣ ኢያ ኣን ምስቶም ኣብ ኣላስካ ዝነበሩ ኣዝማዳ እትቕመጥ ዝነበረት።
ቫኔሳ ሓደ ቀዳም ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንከላ ናብ ገዛ ናይዛ ሓዳስ እተፋለጠታ ሰብ ኣላጊሳ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ሓደገትላ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ሰኑይ: ኣን ነታ መንእሰይ ምስክር ኣብ ቤት ትምህርቲ ደለየታ። ኣን ብዙሕ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ነበራ: ቫኔሳ ድማ መለሰትላ። “ኣበይ ኢኹም ቅዳሴ እትገብሩ፧” ኢላ ኸኣ ሓተተታ። ኣን ኣብታ ምሸት እቲኣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባ ተኻፈለት።
እዛ 17 ዓመት ዝዕድሚኣ ዘኽታም ነዊሕ ከይጸንሐት: ከምቲ የሱስ እተመባጸዖ ብዙሓት ‘ኣቦታትን ኣዴታትን’ ረኸበት። (ማቴዎስ 19:29) ኣብቲ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ሓጐስን ፍሽኽታን ዝዓሰላ ኣን ህይወታ ንየሆዋ ምውፋያ ብማይ ጥምቀት ክትገልጽ ምርኣይስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኰን ኢዩ ነይሩ!
● ኣብቲ ኣቑሻት ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ብዝሽፍን ጸምጸም በረኻ ተራሓሒቑ ዝርከበሉ ሰፊሕ ናይ ኣርክቲክ ኣላስካ ርሑቕ ከባቢታት: እታ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ንብረት ዝዀነት በዓል ክልተ ሞተር ነፋሪት ኣብተን ካብ 150 ዝዛይዳ ንኣሽቱ ዓድታት ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ንምዝራእ ተገልግል ኢያ። ብመገዲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ ዝርአ መንፈሳዊ ዕቤት ግን ደብዳበ ብምልእኣኽ ኣብ ዝግበር ርክብ እተመርኰሰ ኢዩ። ንብዙሓት ሰባት ደብዳበ ምጽሓፍ ኣሸጋሪ ስለ ዝዀነ: ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህር ተገዳስነት ናይቲ ተማሃራይ ህያው ኰይኑ ከም ዝቕጽል ምእንቲ ክገብሮ ብልሓተኛ ክኸውን የድልዮ። እዚኸ ከመይ ገይርካ ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧
ልዕሊ 600 ኪሎ ሜተር ተራሓሒቐን ዝቕመጣ እኳ እንተ ነበራ: ካቲ ምስ ኤድና ማዕባሊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ኢያ! ካቲ ነቲ ኣብታ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ ጽሕፍቲ ዘሎ ሕቶታት: ኣብቲ ደብዳበ ኣብ ክንዲ እትቐድሖ: ሕቶታት ዝሓዘ ካልእ ወረቐት ተዳሉ እሞ: መልሲ መጽሓፊ ዝኸውን ቦታ ድማ ትሓድገሉ ነበረት። ኤድና ነቲ መልሲ ምስ መልኣቶ: ካቲ መልሲ ትጽሕፍ ከከም ኣድላይነቱ ድማ ንሓደ ነጥቢ ንጹር ንምግባሩ ተወሳኺ ሓሳብ ትምልኣሉ። ካቲ ከምዚ ትብል:- “ረቡዕ ምሸት ‘ንጽንዓትና’ ክትከውን መደብኩዋ: ልክዕ ከም ካልእ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ቈጸራ ድማ ክሕልዋ እጽዕር ነበርኩ። ንኤድና ኣድራሻይ ዘለዎን ቴምብር እተለጠፎን ደብዳበ እውን እልእከላ ነበርኩ። ጶስጣ ክበጽሕ ክልተ ቕነ ስለ ዝወስድ: ደብዳበ ብምልእኣኽ ዝግበር ጽንዓት ዳርጋ ይድንጒ ኢዩ።”
ካቲን ኤድናን ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝኣክል ብደብዳበ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብራ ድሕሪ ምጽንሐን: ኣብ ኣንካሪጅ ኣብ እተኻየደ ኣውራጃዊ ኣኼባ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸባ እተሰምዐን ሓጐስ እሞ ገምቶ! እቶም መሰኻኽር እውን ኣብ ኣላስካ ካብ ዝርከባ ምሕድግ ዝበላ ኣቑሻት ዝመጹ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ተገደስቲ ሰባትን ኣብኡ ብምክፋሎም ተሓጒሶም ኢዮም።
ሓድሓድ ግዜ እቲ ዕቤት ዝድንጒ መሲሉ እኳ እንተ ተራእየ: ገሊኡ “ኣዝርእቲ” ብርሃን ቃል ሓቂ ምስ ረኸበ ቀልጢፉ ኢዩ ዝበቍል። ኣብ ኣላስካ: ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብገምጋም ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዝዀኑ ንየሆዋ ዝውድሱ ሓደስቲ ሰባት ይጥመቑ ኢዮም! ስለ ዘብቈልካዮ “የሆዋ ነመስግነካ” ድማ ንብል!