ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
የሱስ 70 ደቀ መዛሙርቲ ይልእኽ
እዋኑ ጽድያ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ። የሱስ ክመውት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኢዩ ተሪፍዎ ነይሩ። ስለዚ: ነቲ ዕዮ ስብከት ንምቅልጣፍን ንገለ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ተወሳኺ ልምምድ ንምሃብን: 70 ደቀ መዛሙርቲ ሓርዩ “በብኽልተ ገይሩ ኸኣ: ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለአኾም።”—ሉቃስ 10:1a
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ቀቅድሚኡ” ለኣኾም: እዚ ዝገበረ ድማ እቶም ህዝቢ ዳሕራይ የሱስ ባዕሉ ምስ መጸ ነቲ መሲሕ ክቕበልዎ ድዮም ወይስ ክነጽግዎ ቀልጢፎም ክውስኑ ምእንቲ ክኽእሉ ኢሉ ኢዩ። “በብኽልተ” ገይሩ ዝለኣኾም ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምጽራር ምስ ዘጋጥሞም ንሓድሕዶም ምእንቲ ክተባብዑ ኢዩ።
የሱስ ንህጹጽነት ዕዮ ስብከቶም ጸቒጡ ክዛረበሉ ከሎ ንሰዓብቱ ከምዚ በሎም:- “እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ: ለምንዎ።” (ሉቃስ 10:2) እዚ ናይ እኽሊ መረድኢ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ኣብ እዋን ዓጺድ ዝፍጠር ዝዀነ ይኹን ምድንጓይ ጠቓሚ ኣእካል ብላሽ ከም ዝተርፍ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንመዝነት ስብከቶም ዕሽሽ እንተድኣ ኢሎምዎ: ክቡራት ነፍሳት ክጠፍኣ ይኽእላ ነይረን ኢየን!—ህዝቅኤል 33:6
ዘይተዓናቐፉ ኣገልገልቲ
የሱስ ንደቀ መዛሙርቲ “ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ: ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ” ዝብል መምርሒ ወሲኹ ሃቦም። (ሉቃስ 10:4) ሓደ ዝገይሽ ሰብ ለቘታን መግብን ጥራይ ዘይኰነስ: ቅያር ሳእኒ ክማላእ ልሙድ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ከብዲ ጫማ ክሓቅቕ ስራኽ ሳእኒ ድማ ክብተኽ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግን ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክጭነቑ ኣይነበሮምን። ኣብ ክንድኡ: የሆዋ በቶም ናይ ምቕባል ኣጋይሽ ባህሊ ዝነበሮም ደቂ ዓዶም ዝዀኑ እስራኤላውያን ኣቢሉ ከም ዝሓልየሎም ክተኣማመኑ ነበሮም።
ስለምንታይ ኢዩ ግን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንማንም ሰብ ኸመዓልካ ከይብሉ ዝነገሮም፧ ሰላምታኦም ዘየጽግብ አረ ስርዓት ዘይብሎም እውን ክዀኑ ድዩ ነይርዎም፧ ኣይፋሎምን! እታ ኸመዓልካ ተተርጒማ ዘላ አ ·ስፓ ʹዞ ·ማይ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ካብቲ ግቡእ ዝዀነ “ሰላም” ወይ “ኸመዓልካ” ዝብል ሰላምታ ንላዕሊ ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። እቲ ልሙድ ዝዀነ ምስዕዓም: ምትሕቑቛፍ: ከምኡውን ክልተ ዝፋለጡ ሰባት ክራኸቡ ከለዉ ዝለዓል ነዊሕ ዕላል እውን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሰብ ምብራቕ ዘሎ ናይ ሰላምታ ምልውዋጥ: ከምዚ ሎሚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝግበር ንማለቱ ድንን ምባል: ኢድካ ምስዳድ ጥራይ ዘይኰነስ: ደጋጊምካ ብምትሕቑቛፍ: ኣጸቢቕካ ድንን ብምባል: ከምኡውን ኣብ ምድሪ ደኒንካ ብምስጋድ ከይተረፈ ኢዩ ዝግበር። ኵሉ እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ኢዩ።” (ምስ 2 ነገስት 4:29 ኣረኣእዮ።) ስለዚ የሱስ ልሙድ እኳ እንተ ነበረ ዘየድሊ መተዓናቐፊታት ንኸርሕቑ ኢዩ ሓጊዝዎም።
ኣብ መወዳእታ: የሱስ ኣብ ሓደ ቤት ኣትዮም ምስ ዝቕበልዎም ‘ኣብታ ቤት ክነብሩ: ኣባታቶም ካብ ዘሎ ክበልዑን ክሰትዩን’ ከም ዘለዎም ንደቀ መዛሙርቱ ተዛረቦም። ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኣትዮም ጽቡቕ ገይሮም እንተድኣ ዘይተቐቢሎምዎም ግን: ‘ናብ ኣደባባያ ክወጹ፤ እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም አሎና’ ክብልዎም ነበሮም። (ሉቃስ 10:7, 10, 11) ተጐጓ ኣእጋር ምንጋፍ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነታ ዘይተቐበለቶም ቤት ወይ ከተማ ኣብ መወዳእታ ካብ ኣምላኽ ንዝመጻ ሳዕቤን ብሰላም ይሓድግዋ ምህላዎም ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። እቶም ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሕያውነት እተቐበልዎም ግን በረኸት ንምርካብ ብቑዓት ይዀኑ። የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል: እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበሎ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ: ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”—ማቴዎስ 10:40, 42
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ: ሎሚ በቶም ልዕሊ 5,000,000 ዝዀኑ መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ምሉእ ዓለም ይካየድ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) መልእኽቶም ህጹጽ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። ስለዚ: ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ መዝነቶም ምሉእ ቈላሕታ ከይገብርሉ ዝኽልክሎም መዐንቀፊታት ብምርሓቕ: ንግዜኦም ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝጥቀምሉ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኵሎም ዝረኽብዎም ሰባት ፍሽሕዋት ክዀኑ ኢዮም ዝጽዕሩ። እንተዀነ ግን: ዘይረብሕ ዕላል ኣየዕልሉን ኢዮም: ኣብቲ ንማሕበራዊ ጕዳያት ወይ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ፍትሒ ንምስፋን ዝግበር ዘይዕዉት ፈተነታት ዝምልከት ክትዓት ድማ ኣይሳተፉን ኢዮም። (ዮሃንስ 17:16) ኣብ ክንድኡ: ንዝርርቦም ኣብታ ንግድላት ደቅሰብ ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘተኵር ኢዮም ዝገብርዎ።
መብዛሕትኡ ግዜ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በብኽልተ ኰይኖም ክዓዩ ኢዮም ዝረኣዩ። በብሓደ ዀይኖም እንተ ዝዓዩ ብዙሕ ክዕመምዶ ኣይምተኻእለን፧ ምናልባት። እንተዀነ ግን: ናይ ሎሚ ክርስትያናት ምስ ኣመንቲ ብጾት እናተደጋገፍካ ምዕያይ ዘለዎ ጥቕሚ ይፈልጥዎ ኢዮም። ኣብ ሓደገኛ ከባቢ ምስክርነት ክትህብ ከሎኻ ብመጠኑ ዕቝባ ይኸውን ኢዩ። ምስ ካልኣይካ ዄንካ ምዕያይ ንሓደስቲ ሰባት ካብ ክእለት ናይቶም ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ጥቕሚ ክረኽቡ እውን የኽእሎም ኢዩ። ብሓቂ እምበኣር: ክልቲኣቶም ንሓድሕዶም ኣብ ምትብባዕ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።—ምሳሌ 27:17
ብዘይ ጥርጥር: እቲ ዕዮ ስብከት ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ዝዀነ ዕዮ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይቲ ‘ስለ እምነት ወንጌል ብሓደ’ ዝዓይሉ ዓለምለኻዊ ሕውነት ደገፍ ስለ ዘለዎም ሕጕሳት ኢዮም።—ፊልጲ 1:27
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱሳትን ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋትን የሱስ “ሰብዓን ክልተን” ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝለኣኸ ይዛረብ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ጽሑፍ “ሰብዓ” ከም ዝብል ዘረጋግጽ እኹል ኢደ-ጽሑፋት ኣሎ። እዚ ደቂቕ ፍልልይ እዚ: ነቲ የሱስ ብዝሕ ዝበሉ ደቀ መዛሙርቱ ንኽሰብኩ ምልኣኹ ብምሕባር ክማሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ቀንዲ ነጥቢ ከናእሶ የብሉን።