ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/3 ገጽ 26-30
  • ቆስጣንጢኖስ ዓቢ ናይ ክርስትና ተሓላቒ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቆስጣንጢኖስ ዓቢ ናይ ክርስትና ተሓላቒ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ናይ ታሪኽ ቆስጣንጢኖስ
  • ሃይማኖት ኣብ ስትራተጂ ቆስጣንጢኖስ ዝነበሮ ግደ
  • ክርስትያን ኰይኑ ይፈልጥዶ፧
  • “ቅዱስ” ድዩ፧
  • ውጽኢት ጻዕርታቱ
  • ናይ ሓቂ ክርስትና ኣበይ ኢዩ ዘሎ፧
  • ከመይ ይመስል ነበረ፧—ቆስጣንጢኖስ
    ንቕሑ!—2014
  • ሰረተ-እምነት ስላሴ ብኸመይ ማዕበለ፧
    ስላሴ
  • ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ይግብኣካዶ፧
    ንቕሑ!—2013
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/3 ገጽ 26-30

ቆስጣንጢኖስ ዓቢ ናይ ክርስትና ተሓላቒ ድዩ፧

ናይ ሮሜ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ “ዓቢ” ዝብል ስያመ ተዋሂብዎም ብምጽብባቕ ዝቐርቡ ሒደት ሰባት ኢዩ። ህዝበ ⁠-ክርስትያን ድማ “ቅዱስ:” “መበል ዓሰርተው ሰለስተ ሃዋርያ:” “ማዕረ እቶም ሃዋርያ ት ዝዀነ ቅዱስ:” ከምኡውን ‘ነቲ ኣብ ምሉእ ዓለም እተኻየደ ዝዓበየ ለውጢ ንምምጻእ ብመሪሕነት ኣምላኽ እተሓርየ ሰብ ’ ዝብል መግለጺታት ወሲኻትሉ ኣላ። ብኻልእ መንጽር ክርአ ኸሎ ድማ: ገለ ሰባት ንቆስጣንጢኖስ “መፍሰስ ደም: ማእለያ ብዘይብሉ ገበና ት እተፈልጠ: መታለሊ: . . . ሕሱም ውልቀ ⁠-መላኺ: ናይ ዘስካሕክሕ ገበና ት ተሓታቲ ” ከም ዝነበረ ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዎ።

ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ: ቆስጣንጢኖስ ዓቢ ሓደ ካብቶም ንረብሓ ክርስትና ዝዓየዩ ፍሉጣት ሰባት ከም ዝዀነ ኢዮም ተማሂሮም። ንክርስትያናት ካብቲ ብምኽንያት ናይ ሮሜ መስጐጕቲ ዝመጽእ መከራ ኣናጊፉ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝሃቦም ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ነቲ ናይ ክርስትና ምንቅስቓስ ከደንፍዕ ሓያል ባህጊ ብምሕዳር ኣሰር የሱስ ዝሰዓበ እሙን ሰብ ተባሂሉ ኢዩ ብሰፊሑ ዝእመነሉ። ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ከምኡውን ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ንቆስጣንጢኖስን ነዲኡ ኢሌኒን “ቅዱሳት” ከም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝዛረብሎም። ናይዞም ሰባት እዚኣቶም በዓል 3 ሰነ ወይ ድማ ብመሰረት ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ዓውደ⁠-ኣዋርሕ 21 ግንቦት ይኽበር።

ቆስጣንጢኖስ ዓቢ: ብሓቂ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ ኣብ ምዕባለ ናይቲ ድሕሪ ሃዋርያት ዝነበረ ክርስትናኸ እንታይ ግደ ነበሮ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ: ታሪኽን ምሁራትን ክምልስዎ ምፍቃድ ብዙሕ ትምህርቲ ዝርከቦ ኢዩ።

እቲ ናይ ታሪኽ ቆስጣንጢኖስ

 ቆስጣንጢኖስ ወዲ ቆን​ስጣንጢዩስ ኽሎረስ: ኣብ ነይስስ: ሰርብያ: ብ275 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተወሊዱ። ኣቡኡ ብ293 ከ.ኣ.ዘ. ናይተን ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ሮሜ ዝነበራ ኣውራጃታት ሃጸይ ምስ ኰነ: ብትእዛዝ ሃጸይ ጋለሪዩስ ኣብ ዳንዩብ ይዋጋእ ነበረ። ቆስጣንጢኖስ ነቲ ክመውት ቀሪቡ ዝነበረ ኣቡኡ ንምሕጋዝ ብ306 ከ.ኣ.ዘ. ናብ ብሪጣንያ ተመልሰ። ቆስጣንጢኖስ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ብዙሕ ከይጸንሐ: ብደገፍ ናይቲ ሰራዊት ክሳዕ ኣብ ደረጃ ሃጸይ በጽሐ።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ካልኦት ሓሙሽተ ውልቀ⁠-ሰባት ሃጸያት ኢና ይብሉ ነበሩ። እቲ ኣብ መንጎ 306 ከምኡውን 324 ከ.ኣ.ዘ. ማለት ቆስጣንጢኖስ እንኮ ሃጸይ ድሕሪ ምዃኑ ዝነበረ እዋን: ውግእ ሓድሕድ ብዘይ ዕረፍቲ እተኻየደሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ ወፍርታት እተረኽበ ዓወት: ቆስጣንጢኖስ ኣብ ታሪኽ ሮሜ ቦታ ንኽህልዎ ውሕስነት ከም ዝረክብን እንኮ መራሒ ግዝኣት ሮሜ ከም ዝኸውንን ገይርዎ ኢዩ።

ቆስጣንጢኖስ ብ312 ከ.ኣ.ዘ. ኣብቲ ካብ ሮሜ ወጻኢ እተኻየደ ውግእ ሚልቪያን ብሪጅ ነቲ መቐናቕንቱ ዝነበረ ማክሰንቲዩስ ሰዓሮ። ተጣበቕቲ እምነት ክርስትና ኣብቲ ሽዑ እተኻየደ ወፍሪ: ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ብላቲን ኢን ሆክ ሰኞ ቪንከስ ማለት “በዚ ምልክት እዚ ስዓር:” ዝብል ቃላት እተጻሕፋ እተንበልብል መስቀል ተራእያ ይብሉ። ኣብቲ ናይ ወተሃደራቱ ዋልታታት ነተን ብቛንቋ ግሪኽ ኣብ ስም ክርስቶስ ዘለዋ ናይ መጀመርታ ክልተ ፊደላት ክስእል ንቆስጣንጢኖስ ብሕልሚ ተራእይዎ ዝብል እምነት ድማ ኣሎ። ይኹን እምበር: እቲ ዛንታ ብዙሕ ዘይጠለለ ነገራት ኣለዎ። እታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ክሪስቺያኒቲ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ብዛዕባ እዚ ራእይ እዚ: ነቲ ልክዕ ግዜን ቦታን ካልእ ዝርዝራትን ዝምልከት ናይ መርትዖታት ምግርጫው ኣሎ” ብምባል ትገልጽ። ብኣረማውያን ዝቘመ ባይቶ: ንቆስጣንጢኖስ ኣብ ሮሜ መርሓባ ኢሉ ብምቕባል: ቀንዲ ሃጸይ ከምኡውን ፖንቲፊከስ ማክሲመስ: ማለት ሊቀ ኻህናት ናይቲ ኣብቲ ግዝኣት ዝነበረ ኣረማዊ ሃይማኖት ኢሉ ጸውዖ።

ብ313 ከ.ኣ.ዘ. ቆስጣንጢኖስ ምስ መራሒ ናይተን ኣብ ምብራቕ ዝነበራ ኣውራጃታት: ሃጸይ ሊሲኒዩስ: ሽርክነት ፈጠረ። በቲ ኢዲክት ኦቭ ሚላን ዝበሃል ወግዓዊ ውዕል ኣቢሎም ድማ: ብሓባር ኰይኖም ንዅለን ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ናይ ኣምልኾ ናጽነትን ማዕረ መሰላትን ሃቡ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ: ተራ ወግዓዊ ደብዳበ ድኣምበር ኣብ ክርስትና ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከም እተገብረ ዝሕብር ቀንዲ ሃጸያዊ ሰነድ ኣይነበረን ብምባል ንኣገዳስነት ናይዚ ሰነድ እዚ ኣትሒቶም ኢዮም ዝርእይዎ።

ኣብ ውሽጢ እተን ቀጺለን ዝነበራ ዓሰርተ ዓመታት: ቆስጣንጢኖስ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ መወዳድርቱ ሊሲኒዩስ ሰዓሮ: ተቓዋሚ ዘይብሉ ናይ ግዝኣት ሮሜ ሃጸይ ድማ ኰነ። ብ325 ከ.ኣ.ዘ. ገና ዘይተጠመቐ ክነሱ: ነቲ ንመጀመርታ ግዜ እተገብረ ናይ “ክርስትና” ቤተ⁠-ክርስትያን ዓቢ ዋዕላ ስምረት ኣብያተ⁠-ክርስትያን: ኣቦ መንበር ብምዃን መርሖ: እዚ ዋዕላ እዚ ንሓሳብ ኣርዮስ ዝዀነነ: ነቲ ናይ ኒቅያ ኣዋጅ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንድፊ ቀንዲ ቐንዲ እምነታት ድማ ዘርቀቐ ኢዩ።

ቆስጣንጢኖስ ብ337 ከ.ኣ.ዘ. ቀታሊ ሕማም ሓመመ። ኣብታ ንሞት ዝቃረበላ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ህሞት ድማ ተጠምቀ: ድሕሪኡ ኸኣ ሞተ። ድሕሪ ሞቱ እቲ ባይቶ ሓደ ካብቶም ናይ ሮሜ ኣማልኽቲ ገበሮ።

ሃይማኖት ኣብ ስትራተጂ ቆስጣንጢኖስ ዝነበሮ ግደ

እታ ኢስዶሪያ ቱ ኢሊኒኩ ኢትኑስ እተባህለት መጽሓፍ: ነቲ እቶም ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ክፍለ⁠-ዘበናት ዝነበሩ ናይ ሮሜ ሃጸያት ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮም ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ብምጥቃስ ከምዚ ትብል:⁠- “እቶም ሃጸያዊ ዝፋን ዝሓዙ ሰባት እውን ከይተረፈ ክሳዕ ክንድዚ ዓሚቝ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ዝንባለታት ዘይነበሮም እኳ ክነሱ: ናብቲ ልሙድ ኣተሓስሳባ ናይቲ መዋእል ብምርዓም: ዝወስድዎ ስጕምታት እንተ ወሓደ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከም ዝሕዝ ንምግባር ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ፖለቲካዊ ውዲቶም ንሃይማኖት ኣገዳሲ ቦታ ምሃቡ ኣድላዪ ዀይኑ ረኸብዎ።”

ብርግጽ: ቆስጣንጢኖስ ነቲ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ስልጣኑ ዝጀመረሉ እዋን ገለ “መለኮታዊ” ደገፍ የድልዮ ነበረ: እዚ ድማ ካብቶም ጽልውኦም እናነከየ ዝኸይድ ዝነበረ ኣማልኽቲ ሮሜ ክርከብ ኣይተኻእለን። እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሃይማኖትን ካልእ ትካላትን ሓዊስካ ይወድቕ ኢዩ ነይሩ: እንደገና ንምድልዳሉ ድማ ሓድሽን ፍናን ዝህብን ነገር ኣድለየ። ኢድሪያ ዝበሃል መዝገበ⁠-ፍልጠት (ግሪኽኛ) ከምዚ ይብል:⁠- “ቆስጣንጢኖስ ኣብ ክርስትና ብፍላይ ተገዲሱ ነበረ: ምኽንያቱ ድማ ዓወት ንኽረክብ ጥራይ ዘይኰነስ ግዝኣቱ ዳግም ንምውዳብ እውን ሓጊዝዎ ኢዩ። እተን ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝነበራ ናይ ክርስትና ኣብያተ⁠-ክርስትያን ፖለቲካውያን ደገፍቱ ኰና። . . . ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ዓበይቲ ኣቡናት ኣዕሩኹ ገበሮም: . . . ምስኡ ዝነበሮም ሓድነት ከትርሩ ድማ ሓተቶም።”

ቆስጣንጢኖስ እቲ ናይ “ክርስትና” ሃይማኖት​—⁠ሽሕ’ኳ ናይ ክሕደትን ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ተባላሽዩን እንተ ነበረ​—⁠ሃጸያዊ ግዝኣቱ ንምስፍሕፋሕ ዝነበሮ ዓቢ ውዲት ከም ዘበራትዕን ዘሕብርን ሓይሊ ኰይኑ ንምዕያይ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ተገንዘበ። ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ረብሓታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ደገፍ ምእንቲ ኽረክብ ነቲ መሰረታት ክሕደት ክርስትና ተጠቒሙ: ነቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ “ካቶሊካዊት:” ወይ ድማ ኣድማሳዊት ሃይማኖት ክጥርንፎ ወሰነ። ኣረማዊ ልምድታትን በዓላትን ድማ “ክርስትያናዊ” ስማት ተዋህቦ። ናይ “ክርስትና” ኣቕሽሽቲ ኸኣ መዓርግ: ደሞዝ: ከምኡውን ስልጣን ናይቶም ኣረማውያን ኣቕሽሽቲ ተዋህቦም።

ቆስጣንጢኖስ ምእንቲ ፖለቲካዊ ረብሓታት ክብል ሃይማኖታዊ ውህደት ክፍጠር ስለ ዝደለየ: ንዝዀነ ይኹን ናይ ተቓውሞ ርእይቶታት ዓምጸጾ: እዚ ድማ ንሰረተ⁠-እምነታዊ ሓቅታት ምርኵስ ብምግባር ዘይኰነስ: ብመሰረት ናይ ብዙሃን ተቐባልነት ኢዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ኣዝያ ገማዕማዕ ኢላ ዝነበረት ናይ “ክርስትና” ቤተ⁠-ክርስትያን እተፈጥረ ዓሚቝ ሰረተ⁠-እምነታዊ ፍልልይ: ከም “ኣምላኽ ዝለኣኾ” ማእከላይ ብምዃን ኢዱ ከእቱ ኣጋጣሚ ከም ዝረክብ ገበሮ። ካብቲ ምስቶም ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ዶናቲስት ከምኡውን ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ናይቲ ግዝኣት ዝነበሩ ሰዓብቲ ኣርዮስ ዝገበሮ ርክባት: ሓደ ጽኑዕን ስሙርን እምነት ንምቛም ናይ ምእማን ክእለት ምህላው ጥራይ ኣኻሊ ከም ዘይኰነ ቀልጢፉ ተረድአ።a ነቲ ናይ ኣርዮስ ክርክር ንምድቃስ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ድማ ኢዩ ነቲ ኣብ ታሪኽ እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ናይ መጀመርታ ዝዀነ ዋዕላ ስምረት ኣብያተ⁠-ክርስትያን ከም ዝእከብ ዝገበረ።​—⁠ነታ “ቆስጣንጢኖስን ዋዕላ ኒቂያን” እትብል ሳጹን ርአ።

ፖል ጆንሰን እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ንቆስጣንጢኖስ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል:⁠- “ሓደ ካብቲ ንክርስትና ስቕ ኢሉ ክጻወሮ ዝገበሮ ቀንዲ ምኽንያት ንሱን መንግስቱን ነቲ እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ኣብ ሰረተ⁠-እምነት ዝነበራ ፖሊሲ ምሉእ ብምሉእ ንምቍጽጻሩ ኣጋጣሚ ስለ ዝረኸቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”

ክርስትያን ኰይኑ ይፈልጥዶ፧

ጆንሰን ከምዚ ይብል:⁠- “ቆስጣንጢኖስ ጸሓይ ካብ ምምላኽ ፈጺሙ ኣየቋረጸን: ንምስሊ ጸሓይ ድማ ኣብቲ ናይ ሓጺን ሰልዱ ቀሪጽዎ ነበረ።” ካቶሊክ ኢንሳይክሎፐድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:⁠- “ቆስጣንጢኖስ ንኽልቲኡ ሃይማኖታት ማዕረ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ከም ፖንቲፊከስ ማክሲመስ መጠን ነቲ ኣረማዊ ኣምልኾ ይግደሰሉን ንመሰላቱ ድማ ይሕልወሉን ነበረ።” እቲ ኢድሪያ እተባህለ መዝገበ⁠-ፍልጠት “ቆስጣንጢኖስ ፈጺሙ ክርስትያን ኰይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ” ብምባል ይዛረብ። ወሲኹ ድማ ከምዚ ይብል:⁠- “እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ቆስጣንጢኖስ ዝጸሓፈ ኢዩሰቢዩስ በዓል ቂሳርያ: ኣብታ መወዳእታ ህሞት ናይ ህይወቱ ክርስትያን ከም ዝዀነ ይዛረብ። ቆስጣንጢኖስ ፖንቲፊከስ ማክሲመስ ዝብል መዓርግ እውን ስለ ዝነበሮ: ኣብታ ቅድሚ ምጥማቑ ዝነበረት መዓልቲ ናብ ዜዩስ መስዋእቲ ኣቕሪቡ ብምንባሩ እዚ ናይ ጥምቀት ስጕምቲ እዚ መሰረት ዘለዎ ኣይኰነን።”

ክሳዕ እታ ብ337 ከ.ኣ.ዘ. ዝሞተላ መዓልቲ: ቆስጣንጢኖስ ናይ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ላዕለዋይ ሓላፊ ዝትርጕሙ ፖንቲፊከስ ማክሲመስ ዝብል ኣረማዊ መዓርግ ነበሮ። ንጥምቀቱ ዝምልከት ድማ: ከምቲ ብቕዱሳት ጽሑፋት ዝድለ ብቕዓት: ቅድሚ ምጥማቑ ተናሲሑን ተለዊጡንዶ ነይሩ ኢዩ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 2:​38, 40, 41) ቆስጣንጢኖስ ከም ምልክት ናይቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝገብሮ ወፈያ መጠን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ድዩ ተጠሚቑ፧ ኢልካ ምሕታት ምኽንያታዊ ኢዩ፧​—⁠ምስ ግብሪ ሃዋርያት 8:​36⁠-39 ኣረኣእዮ።

“ቅዱስ” ድዩ፧

ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:⁠- “ቆስጣንጢኖስ ዓቢ ሰብ ተባሂሉ እተጸውዐ በቲ ዝነበሮ ባህርያት ዘይኰነስ በቲ ዝፈጸሞ ነገራት ኢዩ። ብጠባይ ዝመጸ ኽግምገም ከሎ ግን: ብርግጽ ካብቶም [ዓቢ] ዝብል ቅጽል ስም እተዋህቦም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ይኹኑ ዘመናውያን ሰባት እቲ ዝተሓተ ኢዩ።” እታ ሂስትሪ ኦቭ ክርስቺያኒቲ እትበሃል መጽሓፍ “ቍጡዕን ጨካንን ምንባሩ ዝሕብር ናይ ቅድም ጸብጻባት ኣሎ። . . . ንሰብኣዊ ህይወት ክብሪ ኣይነበሮን . . . ዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ ድማ ጠባዩ መትሓዚ ኣይነበሮን” ብምባል ትገልጸልና።

ቆስጣንጢኖስ ከቢድ ናይ ባህሪ ጸገማት ከም ዝነበሮ ፍሉጥ ኢዩ። ሓደ ናይ ታሪኽ ተማራማሪ “እቲ ቝጡዕ ጠባዩ መብዛሕትኡ ግዜ ገበን ንኽፍጽም ምኽንያት ይዀኖ ነበረ” ይብል። (ነታ “ኣብ ውሽጢ ስርወ⁠-ንግስነት እተፈጸመ ቅትለት” እትብል ሳጹን ርአ።) ኤች. ፊሸር እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብታ ሂስትሪ ኦቭ ዩሩፕ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ቆስጣንጢኖስ “ክርስትያናዊ ጠባይ ዘለዎ ሰብ” ከም ዘይነበረ ብምርግጋጽ ኢዩ ዝዛረብ። እቲ እተረኽበ ጭብጥታት: ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ​—⁠ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ነዊሕ⁠-ተጻዋርነት: ሕያውነት: ሰናይ: እምነት: ልእመት: ከምኡውን ርእሰ⁠-ግትኣት​—⁠ክርከቦ ዝኽእል “ሓድሽ ሰብ” ዝለበሰ ናይ ሓቂ ክርስትያን ከም ዝነበረ ገይሩ ኣይገልጾን ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 3:​9,10፣ ገላትያ 5:​22, 23

ውጽኢት ጻዕርታቱ

ቆስጣንጢኖስ ኣረማዊ ፖንቲፊከስ ማክሲመስ ማለት ናይ ግዝኣት ሮሜ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ከም ምንባሩ መጠን: ንኣቡናት ናይታ ከሓዲት ቤተ⁠-ክርስትያን ኣዕሩኹ ክገብሮም ጽዒሩ ኢዩ። ናይ ግዝኣት ሮሜ ናይ ሃይማኖት ሓለፍቲ ብምግባር ናይ ስልጣን ቦታታት: ልዕልነት: ከምኡውን ሃብቲ ቀረበሎም። ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ብምባል ይእመን:⁠- “ገሊኦም ኣቡናት ኣብቲ ቤተ⁠-መንግስቲ ዝረኽብዎ ክብረት ስለ ዘዐሮም: እቲ ሃጸይ መልኣኽ ኣምላኽን ቅዱስ ኣካልን ከም ዝዀነ ዓው ኢሎም ክሳዕ ኣብ ምዝራብ: ከምኡውን ልክዕ ከም ወዲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክገዝእ ምዃኑ ክሳዕ ኣብ ምንባይ እውን ከይተረፈ በጺሖም ኢዮም።”

ናይ ክሕደት ክርስትና ስምረት ፖለቲካዊ መንግስቲ ምስ ረኸበ: ዝያዳ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ: ናይዚ ዓለማዊ ኣገባብ እናዀነ መጸ: ካብ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ድማ ዝያዳ እናረሓቐ ኸደ። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:​14, 16፣ ራእይ 17:​1, 2) ከም ውጽ​ኢት ናይዚ ድማ: “ክርስትና” ምስ ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-እም​ነታትን ልምድታትን​—⁠ስላሴ: ነፍሲ ዘይትመውት ምዃና: ሲኦል ሓዊ: ፑርጋቶሪ: ምእንቲ ምዉታት ዝግበር ጸሎት: መቝጸርያ: ስእልታትን ምስልታትን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራትን ምጥቃም​—⁠ተሓና​ፈጸ።​—⁠ምስ 2 ቈረንቶስ 6:14-18 ኣረኣእዮ።

እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ካብ ቆስጣንጢኖስ ውልቀ⁠-መላኺት ናይ ምዃን ዝንባለ እውን ወሪሳ ኢያ። ሀንደርሰን ከምኡውን ባክ እተባህሉ ምሁራት ከምዚ ይብሉ:⁠- “ናይቲ ወንጌል ንጹርነት ተበላሸወ: ናይ ርኣዩለይ ጽምብላትን በዓላትን ተኣታተወ: ነቶም ናይ ክርስትና መምህራን ዓለማዊ መዓርጋትን ዓስብታትን ተዋህቦም: መንግስቲ ክርስቶስ ድማ ብኣውርኡ ናብ መንግስቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ተለወጠት።”

ናይ ሓቂ ክርስትና ኣበይ ኢዩ ዘሎ፧

ታሪኻዊ ጭብጥታት ነቲ ብድሕሪ “ዕቤት” ቆስጣንጢኖስ ዘሎ ናይ ሓቂ ነገር እንታይ ምዃኑ ይገልጾ ኢዩ። ህዝበ⁠-ክርስትያን: እቲ ርእሲ ናይታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝመስረታ ዘይኰነትስ: ብኸፊሉ ውጽኢት ፖለቲካዊ ረብሓን ውዲትን ናይ ሓደ ኣረማዊ ሃጸይ ኢያ። ጸሓፍ ታሪኽ ፖል ጆንሰን “እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ድዩ ናብ ክርስትና ርዒሙ: ወይስ ክርስትና ኢዩ ምስቲ ሃጸያዊ ግዝኣት መንዚሩ፧” ዝብል ግቡእ ሕቶ የቕርብ።

ኵሎም እቶም ብሓቂ ሰዓብቲ ጽፉፍ ክርስትና ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ነታ ሎሚ ዘላ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምልላይን ምስኣ ንምሕባርን ክሕገዙ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ንኽፈልጥዎን ንኣምላኽ ድማ በቲ ንሱ ዝቕበሎ መገዲ ንኸምልኽዎን ክሕግዝዎም ኣዝዮም ፍቓደኛታት ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 4:​23, 24

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዶናቲዝም ኣብ ራብዓይን ሓሙሻይን ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ናይ “ክርስትና” ኣንቈራ ኢዩ። ሰዓብቲ ናይዚ እምነት እዚ: ብቕዓት ሃይማኖታዊ ጽምብላት ኣብ ስነ⁠-ምግባራዊ ጠባይ ናይቲ ኣገልጋሊ ኢዩ ዝምርኰስ: እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ድማ ካብ ኣባላታ ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሰባት ክትውግድ ኣለዋ በሃልቲ ኢዮም ነይሮም። እምነት ኣርዮስ ነቲ የሱስ ዘለኣለማዊ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዘይሰማምዓሉ ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ ናይ “ክርስትና” ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣርዮስ ኣምላኽ ኣይውለድን ኢዩ መጀመርታ ድማ የብሉን ኢሉ ማሃረ። ወዲ: ውሉድ ስለ ዝዀነ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣቦ ኣምላኽነት ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። ወዲ ማዕረ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ኣይኰነን: ግናኸ ፍጡርን ብፍቓድ ኣቦ ድማ ዝነብርን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ቆስጣንጢኖስን ዋዕላ ኒቂያን

እቲ ዘይተጠምቀ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ዋዕላ ኒቂያ እንታይ ግደ ነበሮ፧ ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ከምዚ ትብል:⁠- “ቆስጣንጢኖስ ነቲ ዘተ ንጡፍ ኰይኑ ብምምራሕ: ባዕሉ ይቕልሶ ነበረ። . . . እቶም ኣቡናት: ብጀካ ክልተ: ኵሎም በቲ ሃጸይ ተዓብሊሎም ነቲ ንመብዛሕትኦም ኣንጻር ኣተሓሳስብኦም ዝነበረ ሃይማኖታዊ እምነት ፈረምሉ።”

ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ርሱን ሃይማኖታዊ ክትዕ: እዚ ኣረማዊ ፖለቲከኛ ጣልቃ ኣትዩ ነቶም የሱስ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ ዝበሉ ሰባት ብምድጋፍ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ስለምንታይ ግን፧ ኤ ሾር ት ሂስትሪ ኦቭ ክሪስቺያን ዶክትሪን እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ቆስጣንጢኖስ ብመሰረቱ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ኣብቲ ናይ ግሪኽ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝሕተት ዝነበረ ሕቶታት ዝፈልጦ ኣይነበሮን” ትብል። ንሱ ዝፈልጦ ነገር እንተድኣ ነይሩ: ሃይማኖታዊ ምክፍፋል ንግዝኣቱ ኣስጋኢ ምንባሩ ጥራይ ኢዩ: ናይ ግዝኣቱ ሓድነት ከትርር ድማ ቈሪጹ ነበረ።

ኢስዶሪያ ቱ ኢሊኒኩ ኢትኑስ ነቲ ብደገፍ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ኒቂያ ዝረቐቐ ናይ መወዳእታ ሰነድ ኣመልኪታ ከምዚ ትብል:⁠- “[ቆስጣንጢኖስ] ብሰረተ⁠-እምነታዊ ጕዳያት ዝመጸ ተገዳስነት ከም ዘይነበሮ: . . . ዝኸፈለ ኸፊሉ ነቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ዘሎ ሓድነት ንምምላስ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ዘርኣዮ ድፍረት: ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ‘ኣቡን ናይቶም ካብታ ቤተ⁠-ክርስትያን ወጻኢ ዝነበሩ ሰባት’ መጠን: ንዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ጕዳይ ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነ ገበረ።” ነቲ ኣብቲ ዋዕላ እቲ እተመሓላለፈ ውሳነታት ደገፍ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ክህልዎ ይኽእልዶ ነይሩ፧​—⁠ምስ ግብሪ ሃዋርያት 15:​28, 29 ኣረኣእዮ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ውሽጢ ስርወ⁠-ንግስነት እተፈጸመ ቅትለት

እታ ኢስዶሪያ ቱ ኢሊኒኩ ኢትኑስ እተባህለት መጽ​ሓፍ ኣብ ትሕቲ እዚ ኣርእስቲ እዚ: ብዛዕባ እቲ “ቆስጣንጢኖስ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ገበናት” ኢላ እትጽውዖ ኵነታት ትገልጽ። ስርወ⁠-ንግስነቱ ምስ መስረተ: ብኡንብኡ ነቲ ዘይተጸበዮ ዓወታት ምስትምቓር ረሲዑ: ብዛዕባ እቲ ከቢብዎ ዝነበረ ሓደጋታት ክጥንቀቕ ጀመረ። ተጣራጣሪ ብምዃኑ ምናልባት ድማ ብለመጫት ሰባት ተረሳሲኑ: መጀመርታ ነቲ ወዲ ሓዉ ዝዀነ ሊሲኒያኑስ​—⁠ወዱ ነቲ ድሮ ቆስጣንጢኖስ ዝቐተሎ ኣብቲ ግዝኣት ድማ ካልኣዩ ዝነበረ ሃጸይ​—⁠ክወዳደረኒ ኢዩ ኢሉ ብምሕሳብ ክጥርጥሮ ጀመረ። ቀጺሉ ድማ በዅሪ ወዱ ንቆስጣንጢኖስ ተቐትለ: ቀታሊቱ ኸኣ ፎስታ ሰበይቲ ኣቡኡ ክትከውን ከላ: ከምኡ ዝገበረትሉ ምኽንያት ድማ ናታ ዘርኢ ኣብቲ ስልጣን ምሉእ ሓይሊ ንኸይሕዝ ዕንቅፋት ኰይኑ ስለ እተራእያ ኢዩ።

እዚ ፎስታ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣብ መወዳእታ ነቲ ናታ ሃንደበታዊ ሞት ምኽንያት ኰነ። እታ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ቆስጣንጢኖስ ወዳ ጽልዋ ዝነበራ እቴጌ ኢሌኒ: ኣብዚ ቕትለት እዚ ኢድ ዘለዋ ኢዩ ዝመስል። እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንቆስጣንጢኖስ ዝቈጻጸሮ ዝነበረ ዘይርትዓዊ ስምዒታት ንብዙሓት ካብ ኣዕሩኹን መቕረባታቱን ከም ዝቕንጽሎም ገይርዎ ኢዩ። እታ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ሚድል ኤጅስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል መደምደምታ ትህብ:⁠- “ናይ ወዱን ሰበይቱን ምቕንጻል​—⁠ምቕታል ክበሃል ዘይክእል​—⁠በቲ ኣብ ክርስትና ዘሎ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ጽልዋ ከም ዘይተተንከፈ ኢዩ ዝሕብር።”

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቅርጺ ንኽብሪ ቆስጣንጢኖስ ክዝውተር ጸኒሑ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Musée du Louvre, Paris

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ