ምስቲ ናጻ ኴንካ ዝግበር ክርስትያናዊ ወፈያ ተሰማሚዕካ ምንባር
“ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ: ኣብኡ ሓርነት አሎ።”—2 ቈረንቶስ 3:17
1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመን እተወፈዩ ኢዮም: ስለምንታይከ ኢዮም ሕጋውያን ወኪላት ዝጥቀሙ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖቶም ንዘለኣለም ከም ዝነብር ኢዮም ዝኣምኑ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ንዘለኣለም ከገልግልዎ ኢዮም ዝደልዩ። (ዮሃንስ 4:23, 24) እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ፍጡራት ከም ምዃኖም መጠን: ንየሆዋ ኣምላኽ ዘይተቘጠበ ወፈያ ኢዩ ዘለዎም: ምስዚ ተሰማሚዖም ንምንባር ድማ ቈሪጾም ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብቲ ቕዱስ መንፈሱን ይውከሉ። መሰኻኽር ነቲ ክርስትያናዊ ወፈያኦም ኣብ ዓንኬል ናይቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ናጽነት ብምዃን ምሉእ ብምሉእ ክስዕብዎ ኸለዉ: ነቲ መንግስታውያን “ስልጣናት” ዘለዎም ግደ ግቡእ ክብሪ የርእዩ: ነቲ ሕጋዊ መገድታትን ምድላዋትን ድማ ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ይጥቀምሉ ኢዮም። (ሮሜ 13:1፣ ያእቆብ 1:25) ንኣብነት: መሰኻኽር ብፍላይ ብመንፈሳዊ መገዲ ንብጾቶም ደቅሰብ ናይ ምሕጋዝ ዕዮኦም ንምዕማም ምእንቲ ክኽእሉ: ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ—ሓደ ካብቲ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ብዙሕ መጸውዒ—ከም ሕጋዊ መሳርሒት ኢዮም ዝጥቀሙላ። ይኹን እምበር: መሰኻኽር ንዝዀነት ትኹን ሕጋዊት ወኪል ዘይኰነስ ንኣምላኽ እተወፈዩ ኢዮም: እቲ ንየሆዋ ዘለዎም ወፈያ ድማ ንዘለኣለም ክቕጽል ኢዩ።
2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ተመሳሰልቲ ሕጋውያን ወኪላትን ብዙሕ ሞሳ ዘርእዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን: ነቲ የሱስ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቑ: እናመሃሩ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ’ ዝሃቦም መምርሒ ክስዕቡ ግዴታ ኣለዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ ዕዮ እዚ ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክቕጽል ኢዩ: ከመይሲ የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” እውን ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3, 14) ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ሕትመት ፋብሪካታትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕጋውያን ትካላትን: ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከቶም ምእንቲ ክጥቀምሉ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኸውን ብሚልዮናት ዝቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳት: መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: ከምኡውን መጽሔታት የዳልዋ ኢየን። እዘን ሕጋውያን ትካላት እዚኣተን እምበኣር ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስቲ ንዕኡ ዝገበርዎ ወፈያ ተሰማሚዖም ንኽነብሩ ኣብ ምሕጋዝ ኣዝየን ጠቐምቲ ኢየን።
3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ሕጂ ነቲ “ማሕበር” ዝብል ስያመ በየናይ መገዲ ኢዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም፧
3 ሓደ ሰብ: መሰኻኽር ብዛዕባ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ—ወይ ከኣ ዝበዝሕ ግዜ “ማሕበር” ኢሎም—ክዛረቡ ኸለዉ ዝጥቀምሉ ኣገባብ: ነታ ማሕበር ካብ ሕጋዊት መሳርሒት ንላዕሊ ገይሮም ከም ዝርእይዋ ኢዩ ዝሕብር ይብል ይኸውን። ንኣምልኾ ኣብ ዝምልከት ጕዳያት ከም ናይ መወዳእታ በዓል ስልጣን ገይሮምዶ ኸይኰኑ ዝርእዩዋ፧ እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ነዚ ነጥቢ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ኢላ ብምግላጽ ተብርሆ:- “ግምቢ ዘብዐኛ [1 ሰነ 1938] ‘ንማሕበር’ ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ: ከም ሕጋዊ መሳርሒት ጥራይ ዘይኰነትስ: እቶም ነታ ሕጋዊት ትካል ዘቘሙን ዝጥቀሙላን ኣካል ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ዝዀኑ እውን ጠቒሳ ነበረት።” እምበኣር እቲ መግለጺ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኢዩ ዘመልክት።a (ማቴዎስ 24:45) መሰኻኽር ነቲ “ማሕበር” ዝብል ስያመ ብሓፈሻ በዚ መገዲ እዚ ኢዮም ዝጥቀምሉ። ርግጽ ኢዩ: እቲ ሕጋዊ ትካል ከምኡውን “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እናቐያየርካ እትጥቀመሉ ስያመታት ኣይኰነን። እቶም ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዳይረክተራት ብድምጺ ክምረጹ ኸለዉ: እቶም ነቲ ‘እሙን ባርያ’ ኣቚሞም ዘለዉ ሰባት ግን ብመንፈስ የሆዋ እተቐብኡ ኢዮም።
4. (ሀ) ብዙሓት መሰኻኽር ጌጋ ኣረዳድኣ ንምርሓቕ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ብኸመይ ኢዮም ዝገልጹ፧ (ለ) ንስያመታት ዝምልከት ሚዛናውያን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ዝዀነ ኣረዳድኣ ንምርሓቕ: ሓሳባቶም ክገልጹ ኸለዉ ጥንቁቓት ንምዃን ይጽዕሩ ኢዮም። “ማሕበር ከምዚ ኢያ ትምህር:” ኣብ ክንዲ ምባል: ብዙሓት መሰኻኽር “መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል” ወይ “መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይምህር ዝብል ምርዳእ ኢዩ ዘሎኒ” ዝዓይነቱ መግለጺታት ክጥቀሙ ይመርጹ። በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ነፍሲ ወከፍ ምስክር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ንኽቕበል ብሕታዊ ውሳነ ምግባሩ የጕልሑ ከምኡውን መሰኻኽር ብገለ ናይ ሃይማኖታዊ ኣንቈራ መምርሒታት እተቐየዱ ኢዮም ዝብል ግጉይ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ነገራት የርሕቑ። ርግጽ ኢዩ: ንስያመታት ዝምልከት ርእዮታት ዘካትዕ ኣይኰነን። ቅድም ቀዳድም: ስያመ ኣገዳሲ ዝኸውን ጌጋ ኣረዳድኣ ንምርሓቕ ክሳዕ ዝጠቐመ ጥራይ ኢዩ። ክርስትያናዊ ሚዛናውነት ምሕላው ኣድላዪ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብቓላት ከይንብኣስ’ ኢዩ ዝምዕደና። (2 ጢሞቴዎስ 2:14, 15) ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ዝስዕብ መሰረታዊ ስርዓት እውን ይህብ ኢዩ:- “ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ: . . . እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧”—1 ቈረንቶስ 14:9
መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ናይ ሕግታት ኣድላይነት ይንክዮ ኢዩ
5. 1 ቈረንቶስ 10:23 ብኸመይ ኢና ክንርድኣ ዘሎና፧
5 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ” ብምባል ገለጸ። ቀጺሉ ድማ “ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 10:23) ጳውሎስ ነቲ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ዝዅንኖ ነገራት ምግባር ተፈቒዱ ኢዩ ማለቱ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ምስቲ ንጥንታውያን እስራኤል ተዋሂቡ ዝነበረ 600 ዝኸውን ሕግታት ክወዳደር ከሎ: እቲ ንክርስትያናዊ ህይወት ዝመርሕ ብንጹር እተገልጸ ትእዛዛት ብተዛማዲ ሒደት ኢዩ። ስለዚ: ብዙሕ ነገራት ኣብ ሕልና ናይቲ ውልቀ-ሰብ ኢዩ ዝሕደግ። ሓደ ንየሆዋ እተወፈየ ሰብ ነቲ ካብ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ዝርከብ ናጽነት የስተማቕር ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ንሓቂ ብምርዳእ ስለ እተቐበሎ: ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልንኡ ይስዕብ: ኣብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝርከብ መሪሕነት ኣምላኽ ድማ ይውከል። እዚ ነቲ ውፉይ ክርስትያን ንገዛእ ርእሱ ይኹን ንኻልኦት ‘ዝሃንጽን ዝጠቅምን’ እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ይሕግዞ ኢዩ። እቲ ዝገብሮ ውሳነታት ምስቲ ናብኡ ተወፍዩ ዘሎ ኣምላኽ ዝህልዎ ብሕታዊ ርክብ ዝትንክፎ ምዃኑ ይግንዘብ ኢዩ።
6. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንሓቂ ብምርዳእ ከም እተቐበልናዮ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ሓደ ምስክር ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓሳብ ብምሃብ: ንሓቂ ብምርዳእ ከም እተቐበሎ የርኢ ኢዩ። መጀመርታ: ነቲ ኣብ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ዝርከብ ሓሳብ ከም ዘለዎ ይደግሞ ይኸውን። ድሕሪ ገለ እዋን ግን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃላት ክሳዕ ኣብ ምግላጽ ወሰኽ ይገብር። እዚ ኸኣ ካልኦት ዝበልዎ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምድጋም: ናይ ምስትውዓል ክእለቱ የማዕብል ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ። ንሓሳባት ብናቱ ቃላት ክገልጽ ምኽኣሉ: ነቲ ቅኑዕ ቃላት ሓቂ ድማ ምዉቕ ብዝዀነ መገዲ ከመሓላልፎ ምኽኣሉ ሓጐስ ዘምጽኣሉን ብሓሳቡ ርዱእ ምዃኑ ዘርእን ኢዩ።—መክብብ 12:10፣ ምስ ሮሜ 14:5ለ ኣረኣእዮ።
7. ኣገልገልቲ የሆዋ ናጻ ዀይኖም ዝገብርዎ ውሳነታት እንታይ ኢዩ፧
7 ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንኣምላኽን ንብጾቶም ደቅሰብን ዘለዎም ፍቕሪ ኢዮም ዝድረኹ። (ማቴዎስ 22:36-40) ሓቂ ኢዩ: ከም ዓለምለኻዊ ማሕበር ኣሕዋት መጠን ኣብ ንሓድሕዶም ብማእሰር ናይታ ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ ስሙር ሓድነት ኣለዎም። (ቈሎሴ 3:14፣ 1 ጴጥሮስ 5:9) ይኹን እምበር: ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ፍጡራት ከም ምዃኖም መጠን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ: ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ንምዃን: ካብ ደም ንምኽልካል: ገለ ዓይነት መዘናግዒታት ንምርሓቕ: ከምኡውን ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዐቀኒታት ተሰማሚዑ ንምንባር ብብሕቱ ኢዩ ወሲኑ። እዚ ብሓይሊ ተገዲዶም ዝገብርዎ ውሳነታት ኣይኰነን። እዚ ውሳነታት እዚ ክፍሊ ናይቲ መሰኻኽር ክዀኑ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ናይ ክርስትያናዊ ወፈያ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም ብፍታው ዝመረጽዎ ኣነባብራ ኢዩ።
ብኣማሓዳሪ ኣካል ተሓተትቲ ድዮም፧
8. እንታይ ሕቶ ኢዩ ክንጽር ዘድልዮ፧
8 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ብግዲ ከም ዘየገልግልዎ ብንጹር ይገልጽ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ጐይታስ መንፈስ እዩ: ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ: ኣብኡ ሓርነት አሎ።” (2 ቈረንቶስ 3:17) እዚ ሓቂ እዚ ግን ብዛዕባ ሓደ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ምስ ኣማሓዳሪ ኣካሉ ብሓባር ዝገልጽ ሓሳባት ብኸመይ ክሰማማዕ ይኽእል፧—ማቴዎስ 24:45-47
9, 10. (ሀ) እቲ ናይ ርእስነት መሰረታዊ ስርዓት ኣብታ ክርስትያናዊት ማሕበር ዝውዕል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ናይ ርእስነት መሰረታዊ ስርዓት ስዒቡ እንታይ ኣድላዪ ነገር ክፍጸም ነበሮ፧
9 ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ: ነቲ ብዛዕባ ርእስነት ዝዛረብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ክንዝክሮ ይግባእ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ኣብ ኤፌሶን 5:21-24 ክርስቶስ “ርእሲ” ናይ ሓንቲ ንዕኡ ‘እትእዘዝ ማሕበር’ ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ በቶም መንፈሳውያን ኣሕዋት የሱስ ዝቘመ ምዃኑ ይርድኡ ኢዮም። (እብራውያን 2:10-13) እዚ ክፍሊ እሙን ባርያ ንህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ክህቦም ተሸይሙ ኢዩ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ድማ: ክርስቶስ ነዚ ባርያ እዚ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” ሸይምዎ ኢዩ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ሓላፍነት ቦታ እምበኣር ክርስትያን ኢየ ዝብል ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘኽብሮ ዝገብር ኢዩ።
10 ናይ ርእስነት ዕላማ ሓድነት ንምዕቃብን ‘ኵሉ ብስርዓትን በጋባብን ምዃኑ’ ድማ ንምርግጋጽን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 14:40) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከምዚ ንምግባር: ካብቲ ክፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዝዀኑ ሓያለይ ቅቡኣት ክርስትያናት ንብምሉኡ እቲ ጕጅለ ንምውካል ተሓርዩ። ስዒቡ ዝመጸ ፍጻመታት ከም ዘረጋገጾ: እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ዘካየዶ ናይ ተዓዛብነት ዕዮ ስምረትን በረኸትን የሆዋ ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ድማ ነዚ ምድላው እዚ ተሓጒሶም ኢዮም ተቐቢሎምዎ። እወ: ነቲ ዘፍረዮ ሰናይ ውጽኢታት ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎን ኣመስጊኖምሉን ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1-32
11. እዚ ዘመናዊ ኣማሓዳሪ ኣካል ከመይ ገይርካ ኢዩ ክርአ ዘለዎ፧
11 ናይ ከምዚ ዝበለ ምድላው ጥቕሚ ገና ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣማሓዳሪ ኣካል ብዓሰርተ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ኢዩ: ኵሎም እዚኣቶም ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ተመክሮ ዘለዎም ኢዮም። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣማሓዳሪ ኣካል ዝገብሮ ዝነበረ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መንፈሳዊ መምርሒ ይህቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4) መሰኻኽር ድማ: ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ናይ ኣምልኾ ጕዳያት ካብቶም ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ብሱላት ክርስትያናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትእዛዝን መምርሕን ይጽበዩ። ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል: ልክዕ ከም ክርስትያናት ብጾቶም ባሮት የሆዋን ክርስቶስን እኳ እንተዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይእዝዘና:- “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።”—እብራውያን 13:17
12. ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንመን ኢዩ ጸብጻብ ከቕርብ ዘለዎ፧
12 ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ምሃቡ: ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ናይ ዕዮኡ ጸብጻብ ንዕኡ ከቕርብ ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ብመሰረት እቲ ጳውሎስ “ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምበኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ብምባል ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት እተዛረቦ ቃላት ከምኡ ማለት ኣይኰነን።—ሮሜ 14:10-12
13. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸብጻብ ዕዮ ስብከቶም ዘቕርቡ ስለምንታይ ኢዮም፧
13 ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ ምስክር ብዛዕባ ዕዮ ስብከቱ ጸብጻብ የቕርብዶ ኸይኰነ፧ እወ: ዕላማ ናይዚ ግን ኣብታ መሰኻኽር ዝጥቀሙላ መምርሒት መጽሓፍ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ:- “ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ንዕዮ ስብከት ዝምልከት ናይ ወሰኽ ጸብጻባት ይግደሱ ነይሮም ኢዮም። (ማርቆስ 6:30) እቲ ዕዮ እናሰሰነ ምስ ከደ: ኣሃዛዊ ጸብጻባት ምስ ብሉጽ ተመክሮታት ናይቶም ኣብቲ ስብከት ብስራት እተኻፈሉ ሰባት ተጠርኒፉ ይዳሎ ነበረ። . . . (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11, 41, 47፣ 6:7፣ 1:15፣ 4:4) . . . እቶም እሙናት ክርስትያን ዓየይቲ ጸብጻባት ናይቲ ዝዕመም ዝነበረ ዕዮ ክሰምዑሲ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዖም ኰን ኢዩ ነይሩ! . . . ብተመሳሳሊ መገዲ: ዘመናዊት ማሕበር የሆዋ ልክዕ ዝዀነ ጸብጻብ ናይቲ ንፍጻሜ ማቴዎስ 24:14 ዝግበር ዕዮ ንምምዝጋብ ጻዕሪ ትገብር ኢያ።”
14, 15. (ሀ) 2 ቈረንቶስ 1:24 ኣብ ኣማሓዳሪ ኣካል እትውዕል ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብሕታዊ ውሳነታት ክገብር ዘለዎ ኣበይ ተመርኲሱ ኢዩ: ነየናይ ሓቂ ኣፍልጦ ብምሃብከ፧
14 ኣማሓዳሪ ኣካል ፍቕራዊ ምድላውን ክቕዳሕ ዘለዎ ናይ እምነት ኣብነትን ኢዩ። (ፊልጲ 3:17፣ እብራውያን 13:7) ንክርስቶስ ብምድጋፍን ከም ኣርኣያኦም መጠን ንዕኡ ብምስዓብን: ነተን “ብእምነት ቌምኩም አሎኹም እሞ: ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” ዝብላ ቃላት ጳውሎስ ከቃልሕወን ይኽእሉ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 1:24) ኣማሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣንፈታት ብምዕዛብ: ኣብቲ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ዘለዎ ጥቕምታት ቈላሕታ ይገብር: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕግታትን መሰረታዊ ስርዓታትን ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝምልከት ርእዮቶታት ይህብ: ብዛዕባ ሕቡእ ሓደጋታት የጠንቅቕ: ከምኡውን ነቶም ‘መተዓይይቱ’ ዘድሊ ምትብባዕ ይህብ። በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ክርስትያናዊ መጋቢነቱ ሽሻይ ይሰርዕ: ሓጐሶም ክዕቅቡ ይሕግዞም: ጸኒዖም ደው ምእንቲ ክብሉ ኸኣ ኣብ እምነት ይሃንጾም።—1 ቈረንቶስ 4:1, 2፣ ቲቶስ 1:7-9
15 ሓደ ምስክር ኣብቲ ካብ ኣማሓዳሪ ኣካል እተረኽበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ተመርኲሱ ውሳነታት እንተድኣ ገይሩ: ነዚ ፈትዩ ኢዩ ዝገብሮ: ምኽንያቱ ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቱ: ኽውሰድ ዘለዎ ግቡእ ስጕምቲ እዚ ምዃኑ ኢዩ ተረዲኡ። ነፍሲ ወከፍ ምስክር እቲ ዝገብሮ ውሳነታት ምስቲ ናብኡ ተወፍዩ ዘሎ ኣምላኽ ዝህልዎ ብሕታዊ ርክብ ከም ዝትንክፎ ምሉእ ብምሉእ ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ ብኣማሓዳሪ ኣካል ዝቐርብ ጥዑይ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል በቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ይጽሎ።—1 ተሰሎንቄ 2:13
ተማሃሮን ዓቀይቶትን
16. ንጠባይ ዝምልከት ውሳነታት ብሕታዊ ጕዳይ ክነሱ: ገሊኦም ዝውገዱ ስለምንታይ ኢዮም፧
16 ንጠባይ ዝምልከት ውሳነታት ብሕታዊ ጕዳይ እንተድኣ ኰይኑ: ገለ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝውገዱ ድኣ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደ እተወሰነ ናይ ሓጢኣት ተግባር ዘወግድ ኢዩ ኢሉ ብሃውሪ ዝውስን ሰብ የለን። ኣብ ክንድኡ: እዚ ስጕምቲ እዚ ሓደ ኣባል ጉባኤ ኣብ ከምቲ 5ይቲ ምዕራፍ ናይ ቀዳማይ ቈረንቶስ ዘርዚራቶ ዘላ ከቢድ ሓጢኣት ወዲቑ ምስ ዘይናሳሕ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ክውሰድ ዘለዎ ኢዩ። ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ምንዝር ብምፍጻሙ ክውገድ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እዚ ስጕምቲ እዚ ዝውሰድ ግን እቲ ውልቀ-ሰብ ነቲ ካብ ፈቃራት ጓሶት ዝቐርበሉ መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ ዝሕሰሞ ጥራይ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:1-5, 9-13) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ናይ የሆዋ መሰኸኻር ጥራይ ኣይኰኑን ነዚ ክርስትያናዊ ልምዲ እዚ ዝስዕቡ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ዝዀነ ይኹን ማሕበረሰብ ካብቶም ንሓባራዊ ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘይሰማማዑ ኣባላት ገዛእ ርእሱ ክከላኸል መሰል ከም ዘለዎ ይዛረብ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ምስ ዝኸውን ድማ እዚ መሰል እዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንሓደ ሰብ ዝግበረሉ ቀይዲ [ናይ ምውጋድ] ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ኣቕዋም ይትንክፎ ኢዩ ብዝብል እምነት ዝያዳ ይራጐድ።”
17, 18. ምውጋድ ግቡእ ምዃኑ (ሀ) ብስርዓተ-ትምህርቲ: (ለ) ብናይ ሰራዊት ውድብ: ብኣብነት ክግለጽ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም። (እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11) እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ዘዳልዎ ፕሮግራም ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ብኽፍሊ ትምህርቲ ዝቐርብ ናይ ቤት ትምህርቲ ካሪክለም ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ክፍሊ ትምህርቲ መናጪ ናይቲ ዝቐርብ ትምህርቲ እኳ እንተ ዘይኰነ: ካሪክለም የቕውም: ሜላ ኣማሃህራ ይሕንጽጽ: ኣድላዪ መምርሒታት ድማ የውጽእ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስቲ እታ ቤት ትምህርቲ እትደልዮ ብቕዓታት ምስምማዕ ዝኣቢ: ንመማህርቱ ዘሸግር: ወይ ድማ ንስም ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዘበላሹ እንተድኣ ዀይኑ ክስጐጕ ይኽእል ኢዩ። እቶም ሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ ንረብሓ ኵሎም ተማሃሮ ኢሎም ስጕምቲ ክወስዱ መሰል ኣለዎም።
18 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ተማሃሮ ኣብ ርእሲ ምዃኖም: ‘ጽቡቕ ገድሊ እምነት ክጋደሉ’ እተኣዘዙ: ናይ የሱስ ክርስቶስ ዓቀይቶት ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:3) ሓደ ክርስትያን ዓቀይታይ ከርእዮ ዘይግባእ ጠባይ ብዘይ ምቍራጽ ምስ ዘርኢ መለኮታዊ ስምረት ከም ዘይረክብ ክገብሮ ይኽእል ምዃኑ እተፈልጠ ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ዓቀይታይ ናይ ምርጫ ናጽነት ዘለዎ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ዝደለዮ ክውስን ይኽእል ኢዩ: ግናኸ ናይቲ ዝገበሮ ውሳነ ሳዕቤን ድማ ክስከም ኣለዎ። ጳውሎስ ከምዚ ዝብል መረድኢ ይህብ:- “ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ: ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ: ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን። ከምኡውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ: ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ: ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 2:4, 5) ንኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ሓዊስካ: ብሱላት ክርስትያናት ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስልማት ምእንቲ ክረኽብዎ ነቲ ‘ሕግታት’ ብምሕላው: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ መራሒኦም ኢዮም ዝጸንሑ።—ዮሃንስ 17:3፣ ራእይ 2:10
19. ነቲ ንክርስትያናዊ ወፈያ ዝምልከት ጭብጥታት ምስ መርመርና ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
19 እዚ ዝረኣናዮ ጭብጥታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባሮት ሰባት ዘይኰኑስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃኖምዶ ኸይኰነ ዝሕብር፧ ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ናጽነት ዘስተማቕሩ ውፉያት ክርስትያናት ከም ምዃኖም መጠን: ምስቶም ኣብታ ማሕበር ኣምላኽ ዘለዉ ኣሕዋቶም ሓቢሮም ከገልግሉ ኸለዉ መንፈስ ኣምላኽን ቃሉን ንህይወቶም ክመርሓ ኢዮም ዘፍቅዱ። (መዝሙር 133:1) እቲ ነዚ ዝቐረበ መርትዖታት ድማ ነቲ ምንጪ ሓይሎም ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ከርሕቖ ይግባእ። ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ብምዃን “እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ: ልበይ ብእኡ ተወኪሉ: ኣነውን ተረዲኤ: ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ: ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ” ብምባል ከኣ ክዝምሩ ይኽእሉ ኢዮም።—መዝሙር 28:7
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1993 እተሓትመት።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ተመሳሰልቲ ሕጋውያን ወኪላትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢየን ዝሕግዝኦም፧
◻ ክርስትያናት ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣማሓዳሪ ኣካል ዘለዎ ግደ ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙ፧
◻ ህዝቢ የሆዋ ጸብጻብ ዕዮ ስብከቶም ዘቕርቡ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ንሓደ እተወፈየ ክርስትያን ምውጋድ ግቡእ ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ሰረተ -እምነት ሓድነት ከም ዝዕቀብ ገይሩ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብዎ ናጽነት የስተማቕርዎ ኢዮም