ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
“ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የለን ]።” —ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
1. ሓደ ፕሮፌሰር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ርእይቶ ምስ ተሓተ እንታይ መልሲ ኢዩ ዝሃበ: እንታይ ክገብርከ ኢዩ ዝወሰነ፧
እቲ ፕሮፌሰር ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ገዛ ኢዩ ነይሩ: ዝዀነ ይኹን ጋሻ ክመጸኒ ኢዩ ዝብል ትጽቢትውን ኣይነበሮን። ካብ ክርስትያናት ኣሓትና ሓንቲ ኣብ ገዝኡ ምስ መጸቶ ግን ጽን ኢሉ ሰምዓ። ብዛዕባ ምብካልን ናይ ምድሪ መጻእን ተዛረበቶ: እዚ ድማ ንዕኡ ዘገድሶ ኣርእስትታት ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጠቐሰት እተጠራጠረ መሰለ። ስለዚ ድማ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሓሳባት ከም ዘለዎ ሓተተቶ።
ንሱ ድማ “መጽሓፍ ቅዱስ ብገለ መስተውዓልቲ ሰባት እተጻሕፈ ጽቡቕ መጽሓፍ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ ነገር ኣይኰነን ” ኢሉ መለሰላ።
“ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካዮዶ ትፈልጥ፧ ” ኢላ ሓተተቶ።
እቲ ፕሮፌሰር ብምግራም ከም ዘየንበቦ ተኣመነ።
ድሕርዚ “ብዛዕባ ሓደ ፈጺምካ ኣንቢብካዮ ዘይትፈልጥ መጽሓፍ: ከመይ ኢልካ ጽኑዕ ተቓውሞ ከተስምዕ ትኽእል፧ ” ብምባል ሓተተቶ።
ሓብትና ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ኢያ ሂባ። እቲ ፕሮፌሰር ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቡ ብዛዕብኡ ሓሳባት ክህብ ወሰነ።
2, 3. መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ሰባት ዕጹው መጽሓፍ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ብድሆ ኢዩ ዘቕርበልና፧
2 ከምዚ ሓሳባት እዚ ዘለዎ እቲ ፕሮፌሰር ጥራይ ኣይኰነን። ዋላ እኳ ብብሕቶም ፈጺሞም ኣንቢቦምዎ ዘይፈልጡ እንተዀኑ ብዙሓት ሰባት ኣንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ጽኑዕ ኣረኣእያ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ይህልዎም ይኸውን። ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ስነ-ጽሑፋዊ ወይ ድማ ታሪኻዊ ቁም ነገር ኣፍልጦ ይህብሉ ይዀኑ። ንብዙሓት ግን ዘይግንጸል መጽሓፍ ኢዩ። ገሊኣቶም ‘መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ግዜ የብለይን’ ይብሉ። ካልኦት ድማ ‘ሓደ ጥንታዊ መጽሓፍ ከመይ ኢሉ ምስ ናብራይ ክሰማማዕ ይኽእል፧’ ኢሎም ይሓቱ። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያታት ብሓቂ ብድሆ የቕርበልና ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ንትምህርቲ ዝጠቅምን’ ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ኢዩ ዘለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እንተዀነ ግን: ካልኦት ሰባት ዓሌታዊ: ሃገራዊ: ወይ ድማ ቀቢላዊ መበቈሎም ብዘየገድስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክምርምርዎ ከም ዘለዎም ከነእምኖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ክምርመር ዝግብኦ መጽሓፍ ምዃኑ ዘእምን ገለ ምኽንያታት እስከ ንመያየጥ። ከምዚ ዝበለ ምይይጥ: ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ንኽምርምሩ ከም እነእምኖም ብምግባር: ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ንምርድዳእ ከዕጥቐና ይኽእል ኢዩ። ምስናይዚ ድማ: እዚ ምይይጥ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ከምቲ ባዕሉ ዝብሎ—“ቃል ኣምላኽ”—ምዃኑ ዘሎና እምነት እውን ከበርትዓልና ኣለዎ።—እብራውያን 4:12
እቲ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ
4. መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ቀዳማይ: መጽሓፍ ቅዱስ ክምርመር ዝግብኦ መጽሓፍ ኢዩ: ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ብሰፊሑ እተዘርግሐን ብብዝሒ እተተርጐመን መጽሓፍ ኢዩ። ንመጀመርታ ግዜ ካብ ተንቀሳቓሲ ዓይነት ማሕተም ተሓቲሙ ዝወጸ ልዕሊ 500 ዓመታት ይገብር ካብ ናይ ዮሃንስ ጉተንበርግ ቤት ማሕተም ኢዩ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ምሉእ ወይ ድማ ክፋሉ ብግምት ኣርባዕተ ቢልዮን መጽሓፍ ቅዱሳት ተሓትመ። ክሳዕ 1996 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ድማ ክፋሉ ብ2,167 ቋንቋታትን ድያሌክትታትን ተተርጒሙ ነበረ።a ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ዓሌት ሰብ እንተ ወሓደ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ኣለዎም። ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ወይ ካልእ ዓይነት መጽሓፍ ጥቓ እዚ ኣሃዝ እዚ እውን ዝቐረበ የለን!
5. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ክኸውን ከም ዘለዎ እንጽበ ስለምንታይ ኢና፧
5 ኣሃዛዊ ጸብጻብ ጥራይ ንበይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኣየረጋግጽን ኢዩ። መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እተጻሕፈ መዝገብ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ክኸውን ከም ዘለዎ እውን እንጽበዮ ነገር ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የለን]” ብምባል ይነግረና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ከም ካልእ መጽሓፍ ዘይኰነስ: መጽሓፍ ቅዱስ ሃገራዊ ዶባት ከምኡውን ዓሌታውን ቀቢላውን ሓጹራት ሰጊሩ ኢዩ። ብሓቂ: መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ኢዩ!
ኣብ ኣተዓቓቕባ ፍሉይ ታሪኽ ዘለዎ
6, 7. ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ በዅሪ ጽሑፋት ክሳዕ ሕጂ ዘይምጽንሑ ዘየገርም ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ሕቶ ኢዩ ዘልዕል፧
6 መጽሓፍ ቅዱስ ክምርመር ዝግብኦ መጽሓፍ ምዃኑ ዘመልክት ካልእ ምኽንያት ኣሎ። ባህርያውን ሰብ ዝፈጠሮን ዕንቅፋታት ሰጊሩ ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ብኸመይ ክጸንሕ ከም ዝኸኣለ ዝገልጽ መዝገብ ካብቲ ናይ ጥንቲ ጽሑፋት ብሉጽ ዝገብሮ ኢዩ።
7 ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፓፒረስ (በዚ ስም እዚ ካብ ዝጽዋዕ ናይ ግብጺ ተኽሊ እተሰርሐ) ከምኡውን ኣብ ብራና (ካብ ቈርበት እንስሳታት እተሰርሐ) ቀለም ተጠቒሞም ከም ዝመዝገብዎ ፍሉጥ ኢዩ።b (እዮብ 8:11) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ባህርያውያን ጸላእቲ ነይሮምዎ ኢዮም። ኦስካር ፓረት እተባህለ ምሁር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ክልቲኡ እዚ ንምጽሓፍ ዝጠቅም ነገራት: ኣውሊ: ሰበባ: ከምኡውን ካልኦት እተፈላለዩ ንኣሽቱ ሓሳኹ ብማዕረ ኢዮም ዘጥቅዕዎ። ካብ መዓልታዊ ተመክሮ: ወረቓቕቲ ከምኡውን ድልዱል ቈርበት እውን ከይተረፈ ኣብ ደገ ወይ ድማ ኣብ ኣውሊ ዘለዎ ክፍሊ ምስ ዝቕመጥ ክሳዕ ክንደይ ብቐሊሉ ከም ዝበላሾ ንፈልጥ ኢና።” ስለዚ ካብዚ ጽሑፋት እዚ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ክሳዕ ሕጂ ዘይምጽንሑ ዘገርም ኣይኰነን፣ ምናልባት ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ተበታቲኑ ጠፊኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ በዅሪ ጽሑፋት ኣደዳ ባህርያውያን ጸላእቲ እንተድኣ ዀይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ግዜና ክጸንሕ ዝኸኣለ ድኣ ብኸመይ ኢዩ፧
8.ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እተዓቀበ ብኸመይ ኢዩ፧
8 እቲ በዅሪ ጽሑፍ ምስ ተዳለወ ብዙሕ ከይጸንሐ: ብኢድ እተጻሕፉ ቅዳሓት ክዳለዉ ጀመሩ። አረ ኣብ ጥንታዊት እስራኤልሲ: ነቲ ሕግን ንኻልእ ክፍልታት ቅዱሳት ጽሑፋትን ምቕዳሕ ከም ሓደ ሞያ ኢዩ ኰይኑ ነይሩ። ንኣብነት: ካህን እዝራ ናይ “ሕጊ ሙሴ ፍጡን ጸሓፊ” ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። (እዝራ 7:6, 11፣ ምስ መዝሙር 45:1 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: እቶም እተዳለዉ ቕዳሓት እውን ክጠፍኡ ዝኽእሉ ኢዮም ነይሮም፣ ቀስ እናበሉ እዚኣቶምውን ብኻልኦት ብኢድ እተጻሕፉ ቅዳሓት ክትክኡ ነበሮም። እዚ ካብቲ ቅዳሓት እንደገና ናይ ምቕዳሕ መስርሕ ንዘበናት ዝኣክል ቀጸለ። ሰባት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ: እቲ ናይ ቀዳሕቲ ጌጋታት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ዓቢ ለውጢ ገይሩሉዶ ኢዩ፧ ኣዝዩ ብዙሕ መርትዖታት ለውጢ ከም ዘይገበረሉ ኢዩ ዘርኢ!
9. እቲ ናይ ማሶራውያን ኣብነት ነቲ ቀዳሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣይዎ ልዑል ጥንቃቐን ልክዕነትን ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
9 እቶም ቀዳሕቲ ኣዝዮም ክኢላታት ጥራይ ዘይኰኑስ: ነቲ ዝቐድሕዎ ዝነበሩ ቃላት እውን ዓሚቝ ኣኽብሮት ነይርዎም ኢዩ። እታ “ቀዳሒ” ዝትርጕማ ናይ እብራይስጢ ቃል ምቝጻርን ምምዝጋብን ኢያ እተስምዕ። እቶም ቀዳሕቲ ኣዝዮም ጥንቁቓትን ርጡባትን ምንባሮም ብኣብነት ንምግላጽ: ነቶም ኣብ መንጎ ሻድሻይን ዓስራይን ክፍለ-ዘበናት ከ.ኣ.ዘ. ዝነብሩ ዝነበሩ ማሶራውያን እተባህሉ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ቀዳሕቲ ርአ። ታመስ ሃርትወል ሆርን እተባህለ ምሁር ከም ዝበሎ “ነፍሲ ወከፍ [ናይ እብራይስጢ] ፊደል ኣብ ኵሉ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንደይ ግዜ ኣትያ ከም ዘላ” ቈጺሮምዋ ኢዮም። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰቦ! እዞም ውፉያት ቀዳሕቲ ሓንቲ ፊደል እውን ትኹን ምእንቲ ከይትጐድል: ነቲ ቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ፊደላት እውን ከይተረፈ ቈጺሮምዎ ኢዮም። ብመሰረት ፍቕዲ ናይ ሓደ ምሁር: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ 815,140 ፊደላት ቈጸርዎ! ከምዚ ዝበለ ትግሃት እተሓወሶ ጻዕሪ: ልዑል ዝዀነ ልክዕነት ንኽህልዎ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ።
10. እቲ ነዚ ዘመናዊ ትርጕማት መሰረት ዝዀነ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ጽሑፋት ንቓላት ናይቶም ኣብ መጀመርታ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ብዝለዓለ ልክዕነት ከም ዘመሓላለፎ ንኽንኣምን ዝገብረና እንታይ እኹል መርትዖ ኣሎ፧
10 እቲ ነዚ ዘመናዊ ትርጕማት መሰረት ዝዀነ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ጽሑፋት ንቓላት ናይቶም ኣብ መጀመርታ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ብዝለዓለ ልክዕነት ከም ዘመሓላለፎ ንኽንኣምን ዝገብረና እኹል መርትዖ ኣሎ። እቲ መርትዖ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብኢድ እተጻሕፉ ቅዳሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት—6,000 ዝኸውን ብምሉኡ ወይ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ከምኡውን 5,000 ዝኸውን ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት—ክሳዕ ግዜና ጸኒሑ ኢዩ። ነቲ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ኢደ-ጽሑፋት ተጠንቂቖም ብምውድዳር ስለ ዘጽንዕዎ: ትሕዝቶ ጽሑፍ ዝምርምሩ ምሁራት ብቐዳሕቲ እተገብረ ዝዀነ ይኹን ጌጋታት ረኺቦምዎ: እቲ በዅሪ ጽሑፍ ከመይ ከም ዝነበረ ክውስኑ ድማ ክኢሎም ኢዮም። በዚ ኸኣ ኢዩ: ዊልያም ኤች. ግሪን እተባህለ ምሁር ነቲ በዅሪ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣመልኪቱ ሓሳብ ክህብ ከሎ “ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ጥንታዊ ጽሑፍ የለን ኢልካ ብምትእምማን ክዝረብ ይከኣል ኢዩ” ብምባል ክገልጽ ዝኸኣለ። ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዝምልከት እውን ተመሳሳሊ እምንቶ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
11. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 1:24, 25 መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ግዜና ክጸንሕ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ዝተክአ ብኢድ እተጻሕፈ ቅዳሓት ምስቲ ሒዝዎ ዘሎ ክቡር መልእኽቲ እንተዘይህሉ ነይሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ብቐሊሉ ኰን ኢዩ ክጠፍእ ዝኽእል ነይሩ! ክሳዕ ሕጂ ክጸንሓሉ ዝኸኣለ ምኽንያት ሓደ ኢዩ: ንሱ ድማ የሆዋ ዓቃብን ተኻላኻልን ቃሉ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:24, 25 ዝብሎ ኢዩ:- “ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ: ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ: እቲ ዕምባባውን ይረግፍ: ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”
ናብቲ ህያው ቋንቋታት ደቅሰብ ተተርጐመ
12. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ንዘበናት ዝኣክል ብተደጋጋሚ እናተቐድሐ ምጽንሑ: እንታይ ካልእ ዕንቅፋት ኢዩ ዘጋጠሞ፧
12 መጽሓፍ ቅዱስ ንዘበናት ዝኣክል ብተደጋጋሚ እናተቐድሐ ምጽንሑ ርእሱ ዝኸኣለ በዳሂ ነገር እኳ እንተ ነበረ: ካልእ ዕንቅፋት ግን ኣጋጠሞ: እዚ ድማ ናብ እዋናዊ ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ዕንቅፋት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣልባቦም ምእንቲ ክሰርጽ: ብቛንቋ ናይቶም ሰባት ክዛረብ ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ልዕሊ 1,100 ምዕራፋቱን 31,000 ዝኸውን ቍጽርታቱን ክትርጕሞ ቀሊል ዕማም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ውፉያት ተርጐምቲ ዘይስገር ዝመስል ዕንቅፋታት እናኣጋጠሞም ነዚ ብድሆ እዚ ብሓጐስ ፈጺሞምዎ ኢዮም።
13, 14. (ሀ) ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ሮበርት ሞፋት ንእተባህለ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ብድሆ ኢዩ ዘጋጠሞ፧ (ለ) ቋንቋ ትስዋን ዝዛረቡ ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ብቛንቋኦም ወንጌል ሉቃስ ምስ ተተርጐመት እንታይ መልሰ-ግብሪ ኢዮም ዘርኣዩ፧
13 ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ናይ ኣፍሪቃ ቋንቋታት ከመይ ኢሉ ከም እተተርጐመ ርአ። ብ1800 ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ዳርጋ ሓደ ደርዘን ዝኸውን ቋንቋታት ጥራይ ኢዩ ብጽሑፍ ዝግለጽ ነይሩ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ካልኦት ዝዝረቡ ቋንቋታት ናይ ኣጸሓሕፋ ኣገባብ ኣይነበሮምን። ሮበርት ሞፋት ንእተባህለ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጋጠሞ ብድሆ እዚ ኢዩ ነይሩ። ሞፋት ወዲ 25 ዓመት ከሎ ብ1821 ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ቋንቋ ትስዋን ዝዛረቡ ሰባት ናይ ሚስዮናውነት ኣገልግሎት ጀመረ። ነቲ ብጽሑፍ ዘይግለጽ ዝነበረ ቋንቋኦም ንኽማሃር ምስቶም ህዝቢ ተሓወሰ። ሞፋት ኣይተሓለለን: ኣብ መወዳእታ ድማ ብዘይ ናይ ተርጐምትን መዝገበ-ቃላትን ሓገዝ ነቲ ቋንቋ ብምምላኽ ብጽሑፍ ከም ዝግለጽ ገበሮ: ንገለ ካብ ህዝቢ ትስዋን ከኣ ኣናብባ ናይቲ ፊደላት ማሃሮም። ሞፋት ኣብ መንጎ ህዝቢ ትስዋን ኰይኑ ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ዓየየ: ብ1829 ንወንጌል ሉቃስ ተርጒሙ ወድኣ። ጸኒሑ ከምዚ በለ:- “ቅዳሓት ናይ ቅዱስ ሉቃስ ክረኽቡ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዞም ዝመጹ ውልቀ-ሰባት እፈልጥ ኢየ። . . . ክፋል ናይ ቅዱስ ሉቃስ ክቕበሉ: ኣብ ልዕሊኡ ኰይኖም ክነብዑ: ኣብ ሕቝፎም ከእትውዎ: ንብዙሓት ድማ ‘ብንብዓትኩም ንመጻሕፍትኹም ከተባላሽውዎ ኢኹም’ ክሳዕ ዝብሎም ናይ ምስጋና ንብዓት ክነብዑ ርእየ ኢየ።” ሞፋት ብዛዕባ ሓደ ብዙሓት ሰባት ንወንጌል ሉቃስ ከንብቡ ዝረኣየ እሞ: እንታይ ሒዞም ከም ዘለዉ ዝሓተቶም ኣፍሪቃዊ ሰብኣይ እውን ተዛሪቡ ኢዩ። እቶም ሰባት “ቃል ኣምላኽ ኢዩ” ብምባል መለስሉ። እቲ ሰብኣይ ከኣ “ይዛረብ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “እወ: ኣብ ልቢ ዝበጽሕ ዘረባ ኢዩ ዝዛረብ” በልዎ።
14 ከም በዓል ሞፋት ዝኣመሰሉ ውፉያት ተርጐምቲ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ንመጀመርታ ግዜ ብጽሑፍ ክረዳድኡ ኣጋጣሚ ከፊቶምሎም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ተርጐምቲ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ዝያዳ ክቡር ዝዀነ ህያብ—ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ—ኢዮም ሂቦምዎም። ኣብ ርእሲ እዚ ሞፋት ነቲ መለኮታዊ ስም: ህዝቢ ትስዋን ከም ዝፈልጦ ገይሩ ኢዩ: ኣብ ምሉእ ትርጕሙ ድማ ነዚ ስም እዚ ተጠቒሙሉ ኢዩ።c ስለዚ ድማ ኢዮም ህዝቢ ትስዋን ንመጽሓፍ ቅዱስ “ኣፍ የሆዋ” ኢሎም ዝጽውዕዎ።—መዝሙር 83:18 NW
15. መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ኣዝዩ ህያው ዝበሃል ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝነበሩ ካልኦት ተርጐምቲ እውን ተመሳሳሊ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎም ኢዩ። አረ ገሊኣቶምስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርጕሙ ክብሉ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ኢዮም። ነዚ ዝስዕብ እሞ ሕሰበሉ:- መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንታዊ ቋንቋ እብራይስጥን ግሪኽን ጥራይ ተጻሒፉ እንተ ዝተርፍ: ምናልባት ቅድሚ ነዊሕ እዋን “ምሞተ” ነይሩ: ከመይሲ እቲ ቛንቋታት እቲ ብዝበዝሑ ሰባት እተረስዐን ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ምድሪ ፈጺሙ ዘይፍለጥን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ኢዩ: ምኽንያቱ ከም ካልእ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መጽሓፍ ዘይኰነስ: ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ብቛንቋኦም “ክዛረቦም” ይኽእል ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: መልእኽቱ ‘ኣብቶም ዝኣምኑ ይዓዪ ኣሎ።’ (1 ተሰሎንቄ 2:13) ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) ነዘን ቃላት እዚኣተን “ኣብቶም እትኣምንዎ ዘበልኩም ገና ህያው ሓይሊ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ይህበን።
ክእመን ዝግብኦ
16, 17. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ክእመን ዝግብኦ መጽሓፍ ንክኸውን እንታይ መርትዖ ኢዩ ክህሉ ዘለዎ፧ (ለ) ንቕንዕና ናይቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሙሴ ዝገልጽ ሓደ ኣብነት ሃብ።
16 ገሊኦም ሰባት ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት: ብሓቂ ዝነበረ ቦታታት: ከምኡውን ብዛዕባ ብልክዕ ዘጋጠመ ፍጻመታት ድዩ ዝዛረብ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ክንኣምኖ እንተድኣ ኴንና: ብጥንቁቓት: ሓቀኛታት ጸሓፍቲ ከም እተጻሕፈ ዘርኢ መርትዖታት ክህሉ ኣለዎ። እዚ ድማ ናብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምርምሮ ዝገብረና ካልእ ምኽንያት ኢዩ ዘምጽኣና:- ልክዕን ዝእመንን ምዃኑ ድልዱል መርትዖ ኣሎ።
17 ሓቀኛታት ጸሓፍቲ ዓወታት ጥራይ ዘይኰነስ ሽንፈታት እውን: ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ ድኽመታት እውን ይምዝግቡ ኢዮም። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝበለ ባህ ዘብል ሓቅነት ኢዮም ዘንጸባርቑ። ንኣብነት: ነቲ ናይ ሙሴ ቅንዕና ርአ። ካብቲ ብቕንዕና መዝጊብዎ ዘሎ ነገራት ክእለት ዘረባ ዘይብሉ ምዃኑ: እዚ ድማ ብኣረኣእይኡ ናይ እስራኤል መራሒ ክኸውን ዘይብቑዕ ዝገብሮ (ዘጸኣት 4:10)፣ ብዛዕባ እቲ ናብ ምድሪ ተስፋ ከይኣቱ ምኽንያት ዝዀኖ ናይ ገዛእ ርእሱ ከቢድ በደል (ዘሁልቍ 20:9-12፣ 27:12-14)፣ ብዛዕባ ጕድለታት ናይቲ ኣብ ምስራሕ ምስሊ ወርቂ ምራኽ ምስቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን እተሓባበረ ኣሮን ሓዉ (ዘጸኣት 32:1-6)፣ ብዛዕባ ዕልወት ሚርያም ሓብቱን እተቐበለቶ ዘዋርድ መቕጻዕትን (ዘሁልቍ 12:1-3, 10)፣ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሓዉ ናዳብን ኣቢሁን ዘርኣይዎ ንዕቀት (ዘሌዋውያን 10:1, 2)፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ተደጋጋሚ ምጕርምራምን ምዕዝምዛምን ህዝቢ ኣምላኽ ኢዩ። (ዘጸኣት 14:11, 12፣ ዘሁልቍ 14:1-10) ከምዚ ዝበለ ሓቅን ግልጽን ዝዀነ ኣወሃህባ ጸብጻብ ንሓቂ ዝነበሮም ቅንዕና ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኢዶ ኸይኰነ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ እቶም ዝፈትውዎም ሰባት: ህዝቦም: ከምኡውን ባዕሎም ዝገበርዎ ባህ ዘየብል ሓበሬታ ክምዝግቡ ፍቓደኛታት ስለ ዝዀኑ: ነቲ ዝጸሓፍዎ ነገራት ንኽንኣምኖ ጽቡቕ ምኽንያትዶ የብልናን ኢዩ፧
18. እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋቶም ክእመን ዝግብኦ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
18 እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣይዎ ስምምዕ እውን ጽሑፋቶም ክእመን ዝግብኦ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። 40 ጸሓፍቲ ኣብ ውሽጢ 1,600 ዓመታት ዝንውሓቱ ግዜ ዝጸሓፍዎ ክነሱ: ኣብ ደቀቕቲ ዝርዝራት እውን ከይተረፈ ምስምምዑ ብሓቂ ጕሉሕ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ስምምዕ እዚ ናይ ምጥርጣር ስምዒታት ዘለዓዕል ኰነ ኢልካ እተገብረ ስምምዕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ኣብ እተፈላለየ ዝርዝራት ዘሎ ስምምዕ ኰነ ኢልካ እተኣልመ ከም ዘይኰነ ግሁድ ኢዩ፣ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ስምምዕ ብፍላጥ እተገብረ ከም ዘይነበረ ድማ ንጹር ኢዩ።
19. እቲ ብዛዕባ ምትሓዝ የሱስ ዝገልጽ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ዘለዎ ስምምዕ ኰነ ኢልካ እተገብረ ከም ዘይኰነ ብንጹር ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧
19 ንመረድኢ: ኣብታ የሱስ እተታሕዘላ ምሸት ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ ርአ። ኣርባዕቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል: ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሴፉ መዚዙ ንባርያ ሊቀ ኻህናት እዝኑ ከም ዝቘረጾ መዝጊቦም ኣለዉ። ይኹን እምበር: ሉቃስ ጥራይ ኢዩ የሱስ ‘እዝኑ ተንክዩ ኣሕወዮ’ ብምባል ዝነግረና። (ሉቃስ 22:51) ግናኸ ካብ ሓደ ከም ‘ፍቑር ሓኪም’ ዝፍለጥ ጸሓፊ እንጽበዮ እዚዶ ኸይኰነ፧ (ቈሎሴ 4:14) ናይ ዮሃንስ ጸብጻብ: ካብ ኵሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ሴፍ ዝመዘዘ ጴጥሮስ ምንባሩ ይነግረና: እዚ ድማ ነቲ ናይ ጴጥሮስ ዋዕን ሃወኽን ርኢኻ ዘገርም ኣይኰነን። (ዮሃንስ 18:10፣ ማቴዎስ 16:22, 23 ምስ ዮሃንስ 21:7, 8 ኣረኣእዮ።) ዮሃንስ “ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ” ዝብል ካልእ ዘየድሊ ዝመስል ዝርዝር ጸብጻብ እውን ሂቡ ኣሎ። ዮሃንስ ጥራይ ስም ናይቲ ሰብኣይ ዝጠቐሰ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ናይ ዮሃንስ ጸብጻብ ጥራይ ንእግረ መገዲ መግለጺ እተዋህቦ—ዮሃንስ ‘ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ነበረ’—ዝብል ደቂቕ መርትዖ ቀሪቡ ኣሎ። ዮሃንስ ኣብታ ስድራቤት ናይቲ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ፣ ምስቶም ኣገልገልቲ እውን ይፋለጥ ነይሩ ኢዩ።d (ዮሃንስ 18:10, 15, 16) ስለዚ እምበኣር: ዮሃንስ እቶም ነቲ ሰብኣይ ዘይፈልጥዎ ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ዘይጸሓፍዎ: ስም ናይቲ እዝኑ እተቘርጸ ሰብኣይ: ምጥቃሱ ዘገርም ነገር ኣይኰነን። እቲ ኣብ መንጎ እዚ ዅሉ ዝርዝራት ዘሎ ምስምማዕ ብሓቂ ፍሉይ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ኰነ ኢልካ እተገብረ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተመሳሳሊ ኣብነታት ኣሎ።
20. ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክፈልጥዎ ዘድልዮም ነገር እንታይ ኢዩ፧
20 ስለዚ እምበኣር ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ ንኽእልዶ፧ ብርግጽ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና! ቅንዕና ናይቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ውሽጣዊ ስምምዑን ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። መንፈስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ” ዝነፈሶ ቃል ስለ ዝዀነ: ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ክኣምንዎ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ የድልዮም ኢዩ። (መዝሙር 31:5) እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እትገልጾ: መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዝገብሮ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣሎ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብቲ ብዩናይትድ ባይብል ሶሳይቲ ዝወጸ ኣሃዛት እተመስረተ ኢዩ።
b ጳውሎስ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ: ንጢሞቴዎስ “መጻሕፍትን: ምናዳ እቲ ብራናታት” ክማልኣሉ ሓቲትዎ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 4:13) ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምእንቲ ከጽንዖ ኢሉ ኢዩ ገለ ክፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓትት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። እታ “ምናዳ እቲ ብራናታት” እትብል ሓረግ ካብ ፓፒረስን ካብ ካልእ ናይ ቈርበት ብራናታትን ዘጠቓልል ምንባሩ እትሕብር ክትከውን ትኽእል ኢያ።
c ሞፋት ብ1838 ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተርጒሙ ወድኦ። ብሓገዝ ናይ ሓደ መሳርሕቱ ድማ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብ1857 ተርጒሙ ወድኦ።
d ዮሃንስ ምስቲ ሊቀ ኻህናትን ስድራቤቱን ሌላ ከም ዝነበሮ ኣብቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ተገሊጹ ኣሎ። ካብቶም ባሮት ሊቀ ኻህናት ሓደ ኻልእ ንጴጥሮስ ምስ የሱስ ከም ዝነበረ ክኸሶ ከሎ: ዮሃንስ እቲ ባርያ “ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ” ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ።—ዮሃንስ 18:26
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ዓለም ክርከብ ዝኽእል መጽሓፍ ክኸውን እንጽበዮ ስለምንታይ ኢና፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ኰይኑ ከም እተዓቀበ ዝሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
◻ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐሙ ሰባት እንታይ ዕንቅፋታት ኢዩ ኣጋጢምዎም፧
◻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክእመን ዝግብኦ ኢዩ ዘብሎ እንታይ መርትዖታት ኣሎ፧