ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/4 ገጽ 5-8
  • መጻኢኻ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጻኢኻ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቐዲሙ እተጻሕፈ መጻኢ
  • ኣምላኽ ንዅሉ ነገር ድዩ ኣቐዲሙ ዝፈልጥ፧
  • ክልተ ናይ ሰብ መጻኢ
  • ጽሕፍቶ ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሰማማዕ ይኽእልዶ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም ስለምንታይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • የሆዋ “ኻብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ይነግር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • የሆዋ እቲ ናይ ዕላማ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/4 ገጽ 5-8

መጻኢኻ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧

እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኵሉ ዝፈልጥ: ነቲ ዝሓለፈን: ዘሎን ዝመጽእን ግዜ ዝፈልጥ እንተድኣ ኰይኑ ናይ ኵሉ ዕድሎት ከምቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝመደቦዶ ኣይኰነን ዝኸውን፧ ኣምላኽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምምልላስን ናይ መወዳእታ ዕድሎትን ኣቐዲሙ ዝርእን ዝእዝዝን እንተድኣ ኰይኑ: ኣነባብራና: መጻኢና ክንመርጽ ብሓቂ ናጻ ኢና ክበሃል ይከኣልዶ፧

እዚ ሕቶታት እዚ ንብዙሕ ክፍለ⁠-​ዘበናት ኣካቲዑ ኢዩ። እቲ ክርክር ገና ነተን ዓበይቲ ሃይማኖታት ዝኸፋፍል ዘሎ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ኣቐዲምካ ኣብ ምፍላጥ ዘለዎ ክእለት ምስቲ ሰባት ዘለዎም ናጻ ድሌት ክሰማማዕ ይኽእልዶ፧ መልሲ ኣበይ ኢና ክንደሊ ዘሎና፧

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ በቲ ብኣፈኛታቱ ማለት ነብያቱ ኣቢሉ ዘመሓላለፎ እተጻሕፈ ቃሉ ገይሩ ርክብ ከም ዝገበረ ይሰማምዑ ኢዮም። ንኣብነት: ቁርኣን ራእያት ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጽእ ኢዩ ዘመልክት:⁠- ቶራህ (ቶራህ እቲ ሕጊ: ወይ ከኣ እተን ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ናይ ሙሴ): ዛቡር (መዝሙራት): ኢንጂል (ወንጌል: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ወይ ከኣ “ሓድሽ ኪዳን”): ከምኡውን ነቶም ነብያት እስራኤል እተገልጸሎም።

ኣብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ዝብል ነንብብ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) እንቕበሎ ዝዀነ ይኹን መምርሒ ወይ ከኣ ናይ ፍልጠት ብርሃን ብመሰረቱ ካብ ኣምላኽ ኢዩ ክመጽእ ዘለዎ። እሞኸ ደኣ ቀዳሞት ነብያት ኣምላኽ ዝጸሓፍዎ ምምርማር ጥበብዶ ኣይኰነን፧ ብዛዕባ መጻኢና እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

ኣቐዲሙ እተጻሕፈ መጻኢ

ቅዱሳት ጽሑፋት ዘንበበ ዝዀነ ይኹን ሰብ ቃል ብቓሉ ኣማእታት ትንቢታት ከም ዝሓዘ ይፈልጥ ኢዩ። ከም ውድቀት ናይ ጥንታዊት ባቢሎን: ምህናጽ የሩሳሌም (ካብ ሻድሻይ ክሳዕ ሓምሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.): ናይቶም ጥንታውያን ነገስታት ሜዶ⁠-​ፋርስ ከምኡውን ግሪኽ ምትንሳእን ምውዳቕን ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ኣቐዲሙ ብዝርዝር እተነግረ ኢዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 13:⁠17⁠-​19፣ 44:⁠24⁠–​45:⁠1፣ ዳንኤል 8:⁠1⁠-​7, 20⁠-​22) ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት መፈጸምታ: ሓደ ካብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዘረጋግጽ ዝሓየለ መርትዖታት ኢዩ: ከመይሲ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣቐዲሙ ክርእን ክውስንን ሓይሊ ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ክርአ ኸሎ እምበኣር: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ መጻኢ መዝጊቡ ኣሎ።

ኣምላኽ ባዕሉ “ኣነ ኣምላኽ እየ: ብጀካይ ከቶ የልቦን . . . ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ: ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ: ዝበልኩ ኣነ እየ። . . . ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ: አሚመ ኽገብሮውን እየ።” (ኢሳይያስ 46:⁠9⁠-​11፣ 55:⁠10, 11) እቲ ኣምላኽ ምስ ጥንታውያን ነብያቱ እተላለየሉ ስም የሆዋ ኢዩ: ቃል ብቓሉ ኸኣ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።a (ዘፍጥረት 12:⁠7, 8 NW ፣ ዘጸኣት 3:⁠13⁠-​15 NW ፣ መዝሙር 83:⁠18 NW ) ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ቃሉ ዝፍጽም: ኵሉ ግዜ ዕላማታቱ ከም ዝግሃድ ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ።

ስለዚ ኣምላኽ ዕላምኡ ከም ዝፍጸም ንምግባር ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ይጥቀም። መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም እኩያት ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ጥፍኣት ንምጥንቃቕ: ንኣገልገልቱ ኸኣ ናይ ድሕነት ተስፋ ንምሃብ ኢዩ ዝጥቀመሉ። ኣምላኽ ግን ነዚ ክእለት እዚ ብዘይ ደረት ድዩ ዝጥቀመሉ፧ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ንኸይፈልጦ ዝመረጸሉ ነገራት ከም ዘሎ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገለ መርትዖ ኣሎዶ፧

ኣምላኽ ንዅሉ ነገር ድዩ ኣቐዲሙ ዝፈልጥ፧

ጽሕፍቶ ዝድግፍ ኵሉ ክርክራት: ኣምላኽ ኵሉ ናይ ምፍላጥን ኣብ መጻኢ ንዝህሉ ፍጻሜታት ናይ ምውሳንን ሓይሊ ከም ዘለዎ ስለ ዘየጠራጥር: ኵሉ ነገር: ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ መጻኢ ስጕምትታት እውን ከይተረፈ ኣቐዲሙ ክፈልጥ ኣለዎ ኣብ ዝብል ግምት እተመርኰሰ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ግምት እዚ ጥዑይ ድዩ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋቱ ዝገልጾ ግን ካልእ ኢዩ ዘመልክት።

ንኣብነት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣምላኽ ወዱ ክስውኣሉ ብምእዛዝ “ንኣብርሃም መከሮ [“ፈተኖ:” NW ]” ይብለና። ኣብርሃም ንይስሃቅ ክስውኦ ምስ ቀረበ ግን ኣምላኽ ደው ኣበሎ እሞ “ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ: ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ” ድማ በሎ። (ዘፍጥረት 22:⁠1⁠-​12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብርሃም ከም ዝእዘዞ ኣቐዲሙ ይፈልጥ እንተድኣ ነይሩ: ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ምተዛረበዶ፧ ናይ ሓቂ ፈተና ምዀነዶ፧

ብተወሳኺ እቶም ጥንታውያን ነብያት ብዛዕባ ዝገበሮ ወይ ከኣ ክገብሮ ዝሓሰበ ነገር ኣምላኽ ደጋጊሙ ‘ጣዕሳ’ ከም እተሰምዖ ምዝራቡ ጸብጻብ ኣቕሪቦም ኢዮም። ንኣብነት: ኣምላኽ ‘ንሳኦል ብምንጋሰይ እጥዓስ [ካብታ ና·ቻም ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል] አሎኹ’ በለ። (1 ሳሙኤል 15:⁠11, 35፣ ምስ ኤርምያስ 18:⁠7⁠-​10፣ ዮናስ 3:⁠10 ኣረኣእዮ።) እዚ ጥቕስታት እዚ ኣምላኽ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ክኸውን ኢሉ ንሳኦል ብምምራጹ ኣምላኽ ተጋግዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን: ምኽንያቱ ኣምላኽ ፍጹም ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ሳኦል እምነት ዘይብሉን ዘይእዙዝን ብምዃኑ ኣምላኽ ከም ዝጐሃየ ዘመልክታ ክዀና ኣለወን። ኣምላኽ ነቲ ናይ ሳኦል ስጕምትታት ኣቐዲሙ ይፈልጦ እንተድኣ ነይሩ: ከምዚ ዝበለ ኣገላልጻ ምጥቃሙ ትርጕም ዘይብሉ ኢዩ ነይሩ።

እዛ ስያመ እዚኣ ኣብቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ዝዀነ ክፍሊ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርከብ: ኣብኡ ብዛዕባ መዓልትታት ኖህ ብምምልካት “እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ: ብልቡ ድማ ጐሀየ። እግዚኣብሄር ከኣ፤ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ: ንዝፈጠርክዎ ሰብ . . . ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ” ምባሉ ትገልጽ። (ዘፍጥረት 6:⁠6, 7) ኣብዚ እውን እንደገና ሰብ ንዝወስዶ ስጕምትታት ኣምላኽ ኣቐዲሙ ከም ዘይምድቦ ኢዩ ዘመልክት። ኣምላኽ እተጣዕሰ: ዝሓዘነ: ጓሂ እውን ከይተረፈ እተሰምዖ: ተግባራቱ ግጉይ ስለ ዝነበረ ዘይኰነስ ናይ ሰብ እከይ ስለ ዝበዝሐ ኢዩ። ብጀካ ኖህን ስድራቤቱን ኵሉ ሰብ ክጠፍእ ኣድላዪ ኰይኑ ስለ እተረኽበ ኢዩ ፈጣሪ እተጣዕሰ። ኣምላኽ ‘ብሞት ረሲእ ባህ ከም ዘይብሎ’ ኢዩ ዘረጋግጸልና።​—⁠ህዝቅኤል 33:⁠11፣ ምስ ዘዳግም 32:⁠4, 5 ኣረኣእዮ።

ስለዚ ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ንኽወድቕ: ከምኡውን እቲ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ሰብኣዊ ስድራቤት ዝመጸ መግደራ ዝመልኦ ሳዕቤናት ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈልጦን አረ ዝኣዘዞን እውን ድዩ፧ እቲ ድሮ ርኢናዮ ዘሎና እዚ ሓቂ ክኸውን ከም ዘይክእል ኢዩ ዘርኢ። ብተወሳኺ እውን: ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ እንተድኣ ነይሩ: ንሰብ ብምፍጣሩ መናጪ ናይ ሓጢኣት ምዀነ ነይሩ ማለት ኢዩ: ከምኡውን ብናይ ሰባት እከይን ስቅያትን ተሓታቲ ኣምላኽ ምዀነ ነይሩ። እዚ ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገሊጽዎ ዘሎ ክሰማማዕ ከም ዘይክእል ንጹር ኢዩ። ንሱ እከይ ዝጸልእ ናይ ፍቕርን ፍትሕን ኣምላኽ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 33:⁠5፣ ምሳሌ 15:⁠9፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8

ክልተ ናይ ሰብ መጻኢ

ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ መጻኢ ብኣምላኽ ኣቐዲሙ እተወሰነ ወይ ከኣ እተጻሕፈ ኢዩ ብምባል ኣይገልጽን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ንወድሰብ ክልተ መጻኢ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ኣምላኽ ኣቐዲሙ ከም እተዛረበ ኢዩ ዝገልጽ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መጻኢኡ ክመርጽ ኣምላኽ ናጻ ድሌት ሂብዎ ኢዩ። ነብዪ ሙሴ ነዊሕ ግዜ ይገብር ንእስራኤላውያን ከምዚ ብምባል ኣወጀሎም:⁠- “ህይወትን ሞትን:  . . . ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ  . . . አለኹ። እምብኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ: . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።” (ዘዳግም 30:⁠19, 20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ የሱስ ኣቐዲሙ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:⁠- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” (ማቴዎስ 7:⁠13, 14) ክልተ መገዲ: ክልተ መጻኢ። መጻኢና ኣብ ተግባራትና እተመርኰሰ ኢዩ። ንኣምላኽ ምእዛዝ ህይወት ማለት ኢዩ: ዘይምእዛዙ ኸኣ ሞት ማለት ኢዩ።​—⁠ሮሜ 6:⁠23

ኣምላኽ “ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ: ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠30, 31) ልክዕ ከምቲ መብዛሕትኡ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ሰብ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ዝመረጸ እሞ ዝጠፍአ: ሎሚ እውን ከምኡ መብዛሕትኡ ሰብ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ኣየኽብርን ኢዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: መን ከም ዝጠፍእ መን ከኣ ከም ዝድሕን ኣምላኽ ገና ኣይወሰነን ዘሎ። እኳ ደኣስ ቃል ኣምላኽ ‘ኵላቶም ናብ ንስሓ ክበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን እዩ’ ይብለና። (2 ጴጥሮስ 3:⁠9) ኣዝዮም እኩያት ዝዀኑ ሰባት እውን ክናስሑ: እዙዛት ክዀኑ: ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ዘድልዮም ለውጥታት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ኢሳይያስ 1:⁠18⁠-​20፣ 55:⁠6, 7፣ ህዝቅኤል 33:⁠14⁠-​16፣ ሮሜ 2:⁠4⁠-​8

ኣምላኽ እቶም እዙዛት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሓንቲ ሰላም ዝሰፈና ገነት ካብ ኵሉ እከይ: ዓመጽ: ውግእ ዝጸረየት ምድሪ: ኣብ ሓንቲ ጥሜት: ስቓይ: ሕማም: ከምኡውን ሞት ዘይህልዋ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኽቡ ይመባጻዕ። (መዝሙር 37:⁠9⁠-​11፣ 46:⁠9፣ ኢሳይያስ 2:⁠4፣ 11:⁠6⁠-​9፣ 25:⁠6⁠-​8፣ 35:⁠5, 6፣ ራእይ 21:⁠4) ምዉታት እውን ከይተረፈ ክትንስኡ: ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ድማ ክወሃቦም ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 12:⁠2፣ ዮሃንስ 5:⁠28, 29

እቲ ዘማሪ “ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም: ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ” ይብል። (መዝሙር 37:⁠37, 38) መጻኢኻ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧ ኣባኻ ኢዩ ዝውሰን። ሓተምቲ ናይዚ መጽሔት ሓጐስን ሰላምን ዘለዎ መጻኢ ንኽትረክብ ዝሕግዘካ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡኻ ደስ ኢዩ ዝብሎም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ የሆዋ እትብል ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ልዕሊ 7,000 ግዜ ትርከብ፣ ኣብቲ ናይ 1 ሕዳር 1993 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3⁠-​5 ርአ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ዕላምኡ ከም ዝፍጸም ንምግባር እቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ይጥቀም

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ‘ኵላቶም ናብ ንስሓ ክበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ክጠፍእ ኣይፈቱን እዩ። ’ 2 ጴጥሮስ 3:⁠9

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ወዱ ንኽስውእ ፍቓደኛ ከም ዝኸውን ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈልጥ ነይሩ እንተ ዝኸውን ናይ ሓቂ ፈተናዶ ምዀነ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ