ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/4 ገጽ 9-14
  • እምነትን መጻኢኻን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነትን መጻኢኻን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝሓለፈ እንታይ ይመስል ነበረ፧
  • ካብ ደቅሰብ መፍትሒ ኣይርከብን ኢዩ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ዘለዎም ኣመለኻኽታ
  • ናይ ሰብኣዊ ግዝኣት መጻኢ
  • ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምነት ግበር
  • የሆዋ ዕላማኡ ከም ዝፍጽም፣ ብኡኡ ተኣማመን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • 38 እንታይ መጻኢ ተስፋ ኢዩ ዘሎኒ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ —ናይ ምድሪ ሓዳስ ምምሕዳር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/4 ገጽ 9-14

እምነትን መጻኢኻን

“እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር . . . እያ።”​—⁠እብራውያን 11:⁠1

1. መብዛሕትኦም ሰባት እንታይ ዓይነት መጻኢ ኢዮም ዝምነዩ፧

ብዛዕባ መጻኢ ትግደስዶ ኢኻ፧ ብዙሓት ሰባት ይግደሱ ኢዮም። መጻኢኦም ሰላም ዘለዎ: ካብ ፍርሂ ናጻ ዝዀነ: ዘዕግብ ናብራ: ፍረ ዘለዎን ባህ ዘብልን ዕዮ: ጽቡቕ ጥዕና: ከምኡውን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ክዀነሎም ኢዮም ዝምነዩ። ኣብ ታሪኽ ኵሉ ወለዶታት ነዚ ነገራት እዚ ክምነዮ ከም ዝጸንሐ እተረጋገጸ ኢዩ። ሎሚ እውን ኣብዛ ብሽግራት መሊኣ ዘላ ዓለም እዚ ኵነታት እዚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዘብህግ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

2. ካብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎ ኣመላኻኽታ ሓደ በዓል ስልጣን እንታይ ኢሉ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ፧

2 ደቅሰብ ናብ መበል 21 ክፍለ⁠-​ዘበን ኣቢሎም ክጓዓዙ ከለዉ: መጻኢኻ እንታይ ከም ዝመስል ክትውስነሉ እትኽእል ገለ መገዲ ኣሎዶ፧ ሓደ ካብቲ መገዲ 200 ዓመታት ይገብር ብፓትሪክ ሄንሪ እተባህለ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን እተገልጸ ኢዩ። ንሱ “በቲ ዝሓለፈ እንተዘይኰይኑ ብዛዕባ መጻኢ ክውስነሉ ዝኽእል ዋላ ሓደ መገዲ ኣይፈልጥን ኢየ” በለ። ብመሰረት እዚ ኣመለኻኽታ እዚ: ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት መጻኢ ብመጠኑ ክፍለጥ ዝኽእል በቲ ወድሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሮ ኢዩ። ብዙሓት ከኣ ምስ እዚ ሓሳባት እዚ ይሰማምዑ ኢዮም።

ዝሓለፈ እንታይ ይመስል ነበረ፧

3. ብዛዕባ ንመጻኢ ዝግበር ትጽቢታት: ታሪኽ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧

3 እንተዀነ ግን: መጻኢ ናይ ዝሓለፈ እዋን ነጸብራቕ እንተድኣ ኰይኑ: ዘተባብዕ ኰይኑ ትረኽቦዶ ኢኻ፧ ካብቲ ዝሓለፈ ወለዶታት ጀሚሩ ኣብ ኵሉ መዋእላት መጻኢ ዝሓሸዶ ኰይኑ ኢዩ፧ ዝሓሸ ኣይነበረን። ዋላ እኳ ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ተስፋ እንተ ገበሩ ከምኡውን ኣብ ገለ ቦታታት ንዋታዊ ነገራት ምዕባለ እንተ ኣርኣየ: ታሪኽ ወድሰብ ብግፍዒ: ገበን: ዓመጽ: ውግእ: ከምኡውን ድኽነት ኢዩ መሊኡ። እዛ ዓለም እዚኣ በቲ ዘየዕግብ ምምሕዳር ወድሰብ ዝመጸ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ዝሰዓበ መዓታት ኣሕሊፋ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ገዚኡ ኢዩ’ ኢሉ ይገልጽ።​—መክብብ 8:9 NW

4, 5. (ሀ) ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ-ዘበን ሰባት ተስፋ ገይሮም ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበሮም ተስፋ እንታይ ኰነ፧

4 እቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ታሪኽ ደቅሰብ ብዝዓበየን ዝያዳ ኣዕናዊ ብዝዀነ መጠንን እንደገና ይድገም ምዃኑ እውን ሓቂ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። እዚ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበንና ድማ ናይዚ መረጋገጺ ኢዩ። ወድሰብ ካብ ዝሓለፈ ብምምሃር ጌጋታት ኣወጊዱዶ ኢዩ፧ ብተዛማዲ ንነዊሕ እዋናት ሰላም ስለ ዝነበረ: ከምኡውን ብኢንዱስትርን ብስነ⁠-​ፍልጠትን ብትምህርትን ምዕባለታት ተራእዩ ስለ ዝነበረ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ⁠-​ዘበን እዚ ብዙሓት ዝሓሸ መጻኢ ክህሉ ተስፋ ገይሮም ነይሮም ኢዮም። ሓደ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር: ኣብ መጀመርታ ናይ 1900ታት “ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝማዕበሉ” ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይክህሉን ኢዩ ዝብል እምነት ምንባሩ ገለጸ። ብዛዕባ እቲ ሰባት ኣብ ምጅማር ናይዚ ክፍለ⁠-​ዘበን እዚ ዝነበሮም ኣረኣእያ: ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ከምዚ በለ:⁠- “ነፍሲ ወከፍ ነገር እናሓሸ ክኸይድ ኢዩ። እቲ ኣነ እተወለድኩሉ ዓለም እዚ ኢዩ ነይሩ።” እንተዀነ ግን: ጸኒሑ “ብ1914: ሓደ መዓልቲ ንግሆ ብሃንደበት: ትጽቢት ብዘይተገብሮ ኵነታት: ኵሉ ናብ መደምደምታኡ በጽሐ” ብምባል ገለጸ።

5 ኣብቲ እዋን እቲ ዝሓሸ መጻኢ ክህሉ ኢዩ ዝብል እምነት ሰፊኑ እኳ እንተነበረ: ዓለም እቲ ቅድሚኡ ፈጺሙ ኰይኑ ዘይፈልጥ ሰብ ዘምጽኦ ዝኸፍአ ህልቂት​—⁠ቀዳማይ ውግእ ዓለም​—⁠ክወርዳ ኸሎ እቲ ሓድሽ ክፍለ⁠-​ዘበን ኣብ ምጅማሩ ኢዩ ነይሩ። ኵነታቱ ዝገልጽ ሓደ ኣብነት: ብ1916 ወተሃደራት ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ጥቓ ናይ ፈረንሳ ሩባ ሶም ዝነበረ ግምባር ጀርመን ምስ ኣጥቅዕዎ እተኻየደ ውግእ ርአ። ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ጥራይ ካብ ብሪጣንያ 20, 000 ካብ ወገን ጀርመን ድማ ብዙሓት ተቐቲሎም ኢዮም። እዚ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ ማሕረዲ እዚ: ዳርጋ ዓሰርተ ሚልዮን ዝዀኑ ወተሃደራትን ብዙሓት ሲቪልን ቀቲሉ ኢዩ። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ስለ እተቐትሉ: ብዝሒ ህዝቢ ፈረንሳ ንግዜኡ ንታሕቲ ኣንቈልቊሉ ነበረ። ቍጠባ ዓንዩ: እዚ ድማ ናብቲ ኣብ 1930ታት ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዓቢ ክሳራ ኣምርሐ። ገሊኣቶም እታ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረትላ መዓልቲ ዓለም እተጸለለትላ መዓልቲ ኢያ እንተ በሉ ዘገርም ኣይኰነን!

6. ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ናብራ ተመሓይሹዶ ኢዩ፧

6 እቲ ወለዶ እቲ ተስፋ ገይሩሉ ዝነበረ መጻኢ እዚ ድዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። እቲ ዝነበሮም ተስፋ ከንቱ ኰይኑ ኢዩ፣ ወይ ድማ እቲ እተገብረ ዅሉ ናብ ሓንቲ ዝሓሸት ነገር እውን ትኹን ኣይመርሐን። 21 ዓመታት ጥራይ ጸኒሑ: ብ1939: ዝገደደ ሰብ ዘምጽኦ ህልቂት​—⁠ካልኣይ ውግእ ዓለም​—⁠ጀመረ። ገለ 50 ሚልዮን ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ቀተለ። ብጃምላ ዝግበር ናይ ቦምባ ደብዳባት ንኸተማታት ኣጽነተን። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ እተገብረ ሓደ ውግእ ጥራይ በሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ተቐትሉ: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ግን ክልተ ኣቶሚክ ቦምብ ጥራይ ኣብ ውሸጢ ካልኢታት ልዕሊ 100,000 ሰባት ቀተለ። ብዙሓት ካብዚ ዝኸፍአ ኢሎም ዝሓስብዎ ድማ እቲ ኣብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት እተፈጸመ ናይ ሚልዮናት ሰባት ሜላዊ ኣቀታትላ ኢዩ።

7. ናይ ብምሉኡ እዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ክውንነት እንታይ ኢዩ፧

7 ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት እተገብረ ውግኣት: ሓድሕዳዊ ምግርጫዋት: ከምኡውን መንግስታት ኣብ ዜጋታተን ዘስዓብኦ ሞት እንተድኣ ተቘጺሩ: ኣብዚ ክፍለ⁠-​ዘበን እዚ እተቐትሉ ቝጽሮም ዳርጋ 200 ሚልዮን ከም ዝኸውን እተፈላለየ ምንጭታት ይገልጹ። አረ ሓደ ምንጭስ 360 ሚልዮን ይዀኑ ኢዮም ኢሉ ኢዩ። እዚ ዅሉ ራዕዲ ዘስዓቦ ቃንዛ: ብኽያት: ምጭናቕ: ከምኡውን ምብልሻው ህይወት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም 40,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት: መብዛሕትኦም ቈልዑ: ምስ ድኽነት ብእተተሓሓዘ ሕማማት ይሞቱ። ናይዚ ቍጽሪ እዚ ሰለስተ ዕጽፊ ኣቢሎም ዝዀኑ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብምንጻል ጥንሲ ይሞቱ። ከምኡውን ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣዝዮም ድኻታት ካብ ምዃኖም እተላዕለ ነቲ ልሙድ መዓልታዊ ስራሕ ንምስራሕ ዝሕግዝ መግቢ ክዕድጉ ዓቕሚ የብሎምን። እዚ ኵነታት እዚ ብምሉኡ ነቲ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንነብር ከም ዘሎና ኣቐዲሙ ዝነግር ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ ኢዩ።​—2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5, 13፣ ማቴዎስ 24:​3-​12፣ ሉቃስ 21:10, 11፣ ራእይ 6:​3-8

ካብ ደቅሰብ መፍትሒ ኣይርከብን ኢዩ

8. ሰብኣውያን መራሕቲ ነቲ ናይ ዓለም ግድላት ክፈትሕዎ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

8 እዚ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን ክውዳእ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ድማ: ነቲ ዘጋጥም ተመክሮታት ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ክንድምሮ ንኽእል ኢና። እሞ እቲ ታሪኽ እቲ ድኣ እንታይ ኢዩ ዝሕብረና፧ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዝዀነ ሰብኣውያን መራሕቲ ንዅሉ ግድላት ሰባት ፈጺሞም ከም ዘይፈትሕዎ: ሕጂ እውን እንተዀነ ይፈትሕዎ ከም ዘየለዉ: ንዝመጽእ እውን ከም ዘይፈትሕዎ ኢዩ ዝሕብረና። ሰብኣውያን መራሕቲ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ድሌት ይሃልዎም ብዘየገድስ ነቲ እንደልዮ መጻኢ ከም ዝህሉ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ገሊኦም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ድማ ክሳዕ ክንድዚ ጽቡቕ ድሌት ዘለዎም ኣይኰኑን፣ ብዙሓት ካብኣቶም ንረብሓ ካልኦት ኢሎም ዘይኰነስ: ናይ ገዛእ ርእሶም ድሌት ንምዕጋብን ስጋዊ ነገራት ንምምላእን ኢዮም ስልጣንን ሓይልን ክረኽቡ ዝደልዩ።

9. ስነ-ፍልጠት ንሰብኣዊ ግድላት ዝኸውን መልሲ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ንኸይተሕድር ምኽንያት ዝህሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ስነ⁠-​ፍልጠትከ ነዚ ዝኸውን መልሲ ኣለዎ ድዩ፧ ነቲ ዝሓለፈ እንተድኣ ርኢናዮ የብሉን። ናይ መንግስቲ ሊቃውንቲ ኣዝዩ ኣዕናዊ ንዝዀነ ቀመማዊ: ባዮሎጂካዊ: ከምኡውን ካልእ ዓይነት ኣጽዋራት ንምፍራይ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ገንዘብ ኣጥፊኦም ኢዮም። ነተን ትሑት ዝዀነ ወጻኢ ዝገብራ እውን ሓዊስካ: ሃገራት ኣብ ዓመት ብሓፈሻ ልዕሊ 700 ቢልዮን ዶላር ንኣጽዋር የጥፍኣ! ብዘይዝውን ‘ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ምዕብልና’ ነቲ ንኣየርን መሬትን ማይን መግብን ንምምራዝ ኣበርክቶ ዝገበረ ቀመማት ብምምሃዙ ብኸፊሉ ተሓታቲ ኢዩ።

10. ትምህርቲ እውን እንተዀነ ዝሓሸ መጻኢ ክህሉ ውሕስነት ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

10 እተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ትካላት ዝለዓለ ናይ ስነ⁠-​ምግባር መዐቀኒታት: ንኻልኦት ምሕላይ: ንብጻይካ ምፍቃር ዝብል ትምህርቲ ብምምሃር ዝሓሸ መጻኢ ኣብ ምህናጽ ክሕግዛ ይኽእላ ኢየን ኢልና ተስፋ ክንገብር ንኽእልዶ፧ ኣይፋልን: ተስፋ ክንገብር ኣይንኽእል ኢና። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ሞያታት: ብኸመይ ገንዘብ ከም እትድልብ ኣብ ምምሃር ኢየን ዘተኵራ። ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዘይኰነስ ህልኽ ዝመልኦ ምውድዳር ኢየን ዘማዕብላ፣ ኣብያተ ትምህርቲ እውን እንተዀና ንስነ⁠-​ምግባር ዝምልከት ኣይምህራን ኢየን። ኣብ ክንድኡስ ናይ ጾታዊ ርክብ ናጽነት ሸለል ኢየን ዝብላ: እዚ ድማ ናይ ዕድመ ኰተቴ ጥንስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትን ብዓቢ ደረጃ ከም ዝውስኽ ኢዩ ገይሩ።

11. ናይ ንግዲ ትካላት ኣትሪፍዎ ዘሎ ስም: ብዛዕባ መጻኢ ጥር​ጣረ ዘሕድር ስለምንታይ ኢዩ፧

11 እዘን ዓበይቲ ናይ ንግዲ ትካላት ንፕላኔትና ጽቡቕ ገይረን ንኽከናኸናኣን ንኸየበላሽዋኣን ከምኡውን መኽሰብ ንምርካብ ጥራይ ኢለን ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ጥቕሚ ክህልዎ ዝኽእል ፍርያት እናፍረያ ንኻልኦት ዘለወን ፍቕሪ ንኸርእያ ብሃንደበት ክለዓዓላ ድየን፧ እዚ ዘይመስል ኢዩ። ናይ ሰባት: ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት ኣእምሮ ኣብ ምብልሻው ኣበርክቶ ዝገብር ዓመጽን ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ዝመልኦ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት ምድላው ደው ከብልኦ ድየን፧ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበርኦ ነገራት ፈጺሙ ዘበራትዕ ኣይኰነን: ከመይሲ ብዓቢኡ ክርአ ከሎ ተለቪዥን ናይ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ዓመጽን መአከቢ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

12. ብዛዕባ ሕማምን ሞትን ዝምልከት ሰብኣዊ ኵነታት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧

12 ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ሓካይም ቅኑዕ ድሌት ይሃልዎም ብዘየገድስ ንሕማምን ሞትን ከሰንፍዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነቲ ስፓንሽ እንፍሉዌንዛ እተባህለ ሕማም ክቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን፣ ኣብ መላእ ዓለም 20 ሚልዮን ሰባት ቀተለ። ሎሚ ሕማም ልብን መንሽሮን ካልኦት ሞት ዘስዕቡ ሕማማትን ኣዝዮም በዚሖም ኢዮም ዘለዉ። እቲ ናይ ሕክምና ዓለም ነቲ ዘመናዊ መዓት ኰይኑ ዘሎ አይድስ እውን ክቈጻጸሮ ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ብሕዳር 1997 እተዘርግሐ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ: ናይ አይድስ ቫይረስ ዝመሓላለፈሉ ዘሎ መጠን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተዋሂቡ ዝነበረ ግምት ዕጽፊ ኰይኑ ከም ዘሎ ደምደመ። ብሰንኩ ድሮ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም ኢዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልኦት ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ብናይ አይድስ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ዘለዎም ኣመለኻኽታ

13, 14. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጻኢ ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎ፧ (ለ) ሰባት ዝሓሸ መጻኢ ከምጽኡ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ደቅሰብ ብሩህ መጻኢ እወ ኣዝዩ ዝበለጸ መጻኢ ከም ዘለዎም ኢዮም ዝኣምኑ! እንተዀነ ግን: እዚ ዝሓሸ መጻኢ ብጻዕሪ ሰብ ክመጽእ ኢዩ ኢሎም ትጽቢት ኣይገብሩን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢዮም ዝጽበዩ። የሆዋ: መጻኢ እንታይ ከም ዝመስል ብርግጽ ይፈልጥ ኢዩ: ብሓቂ ድማ ዘገርም ክኸውን ኢዩ! ሰባት ከምዚ ዝበለ መጻኢ ከምጽኡ ከም ዘይክእሉ እውን ይፈልጥ ኢዩ። ንሱ ስለ ዝፈጠሮም ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል ንላዕሊ ዓቕምታቶም ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ ቃሉ: ሰባት ብዘይ መለኮታዊ መሪሕነት ብዓወት ክመሓደሩ ክእለት ሂቡ ከም ዘይፈጠሮም ኣነጺሩ ይነግረና ኢዩ። ኣምላኽ: ነቲ ብዘይናቱ ሓገዝ ዝግበር ሰብኣዊ ምምሕዳር ንነዊሕ ግዜ ብምፍቃዱ እዚ ክእለት እዚ ከም ዘይብሎም ብዘየጠራጥር መገዲ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ሓደ ደራሲ “ኣእምሮ ወድሰብ ኵሉ ክብጻሕ ዝክኣል ናይ ሉዓላውነት ውህደታት ፈቲኑ ኢዩ: ከንቱ ድማ ኰነ” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ።

14 ኣብ ኤርምያስ 10:⁠23 ቃላት ናይቲ ብመንፈስ እተደረኸ ነብዪ ነንብብ:⁠- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” መዝሙር 146:⁠3 እውን ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።” አረ ቃል ኣምላኽሲ: ከምቲ ሮሜ 5:⁠12 ዝብሎ ዘይፍጹማት ኴንና ስለ እተወለድና: ኣብ ገዛእ ርእስና እውን እንተዀነ ንኸይንውከል የጠንቅቐና ኢዩ። ኤርምያስ 17:⁠9 “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ትብል። በዚ ምኽንያት እዚ ምሳሌ 28:⁠26 “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ: ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ” ብምባል ትገልጽ።

15. ክመርሓና ዝኽእል ጥበብ ካበይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧

15 ነዚ ጥበብ እዚ ኣበይ ኢና ክንረኽቦ እንኽእል፧ “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ: ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።” (ምሳሌ 9:⁠10) ኣብዘን ዘፍርሃ መዓልትታት ክመርሓና ዝኽእል ጥበብ ዘለዎ እቲ ፈጣሪ የሆዋ ጥራይ ኢዩ። በቲ ንመምርሒና ክኸውን ኢሉ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ቅዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ንጥበቡ ክንረኽቦ ከም እንኽእል ገይሩና ኣሎ።​—ምሳሌ 2:​1- 9፣ 3:​1- 6፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17

ናይ ሰብኣዊ ግዝኣት መጻኢ

16. ብዛዕባ መጻኢ ወሲኑ ዘሎ መን ኢዩ፧

16 እሞ ቃል ኣምላኽ ድኣ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝነግረና፧ መጻኢ ነቲ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ነገራት ከም ዘየንጸባርቕ ይነግረና። ስለዚ እምበኣር ናይ ፓትሪክ ሄንሪ ኣረኣእያ ጌጋ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ነገርን መጻኢ ዝውሰን ብሰባት ዘይኰነስ ብየሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ናይ ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሰባት ወይ ሃገራት ፍቓድ ዘይኰነስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ክኸውን ኢዩ። “ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ: ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።”​—⁠ምሳሌ 19:⁠21

17, 18. ንግዜና ዝምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧

17 ንግዜና ዝምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ ነዛ ሎሚ ዘላ ዓመጸኛ: ስነ⁠-ምግባር ዘይብላ ዓለም መወዳእታ ክገብረላ መደብ ኣለዎ። እቲ ንዘበናት ዝኣክል ዝጸንሐ ናይ ደቅሰብ ሕማቕ ኣገዛዝኣ ድሕሪ ሓጺር ግዜ በቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ግዝኣት ክትካእ ኢዩ። እቲ ኣብ ዳንኤል 2:⁠44 ዘሎ ትንቢት ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ብዘመን እዞም [ሎሚ ዘለዉ] ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” እታ መንግስቲ ነቲ ናይ ሰይጣን ድያብሎስ እኩይ ጽልዋ እውን ከተልግሶ ኢያ: እዚ ድማ ደቅሰብ ፈጺሞም ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገር ኢዩ። ናይዛ ዓለም እዚኣ ግዝኣቱ ንዘለኣለም ከቋርጽ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 16:20፣ 2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:​19

18 እዛ ሰማያዊት መንግስቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግዝኣት ሓኺኻ ኸተጥፍኦ ምዃና ኣስተብህል። ነዛ ምድሪ እዚኣ ምምሕዳር ኣብ ሰባት ኣይክግደፍን ኢዩ። ኣብ ሰማይ: እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘቝሙ ንሰናይ ደቅሰብ ክብሉ ንዅሉ ናይ ምድሪ ጕዳያት ክቈጻጸርዎ ኢዮም። (ራእይ 5:⁠10፣ 20:⁠4⁠-​6) ኣብ ምድሪ ድማ እቶም እሙናት ሰባት ምስ መምርሒታት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰማምዑ ኢዮም። እዚ ድማ የሱስ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ክንጽሊ ክነግረና ኸሎ ዝማሃረና ዓይነት ግዝኣት ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠10

19, 20. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይታ መንግስቲ ምድላው ብኸ​መይ ኢዩ ዝገልጾ፧ (ለ) ግዝኣታኸ ንደቅሰብ እንታይ ክገብረሎም ኢዩ፧

19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምነቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም ዘንብሩ። እዚ እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባል ዝጸሓፎ ‘ሓድሽ ሰማያት’ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እቲ ‘ሓድሽ ምድሪ’ በቲ ሓድሽ ሰማያት ማለት ብመንግስቲ ኣምላኽ ዝማሓደር ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ኣምላኽ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ገይሩ ዝገለጸሉ ምድላው ኢዩ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም . . . ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:​1, 4

20 እቲ ሓድሽ ምድሪ ጽድቂ ዘለዎ ከም ዝኸውን ኣስተብህል። ኵሎም ጽድቂ ዘይገብሩ ባእታታት በቲ ኣምላኽ ዝወስዶ ስጕምቲ ማለት ውግእ ኣርማጌዶን ክጠፍኡ ኢዮም። (ራእይ 16:⁠14, 16) እቲ ኣብ ምሳሌ 2:⁠21, 22 ዘሎ ትንቢት ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:⁠- “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ . . . እዮም።” መዝሙር 37:⁠9 ድማ ከምዚ ኢላ ትማባጻዕ:⁠- “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።” ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ሓዳስ ዓለም ክትነብር ኣይትደልንዶ ኢኻ፧

ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምነት ግበር

21. ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ተስፋ ክንገብር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

21 ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምነት ክንገብር ንኽእልዶ ኢና፧ ብነብይኡ ኢሳይያስ ገይሩ እንታይ ከም ዝበለ ስማዕ:⁠- “ኣነ ኣምላኽ እየ: ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ: ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ: ኣነ ኣምላኽ እየ: ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ: ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ: ዝበልኩ ኣነ እየ።” መወዳእታ ክፍሊ ናይ ቍጽሪ 11 ድማ ከምዚ ትብል:⁠- “ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ: አሚመ ኽገብሮውን እየ።” (ኢሳይያስ 46:​9-11) እወ: እዚ መብጽዓታት ድሮ ከም እተፈጸመ ገይርና ብምሕሳብ ኣብ የሆዋን መብጽዓታቱን ርግጸኛ ዝዀነ እምነት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።”​—እብራውያን 11:1

22. የሆዋ መብጽዓታቱ ክፍጽም ምዃኑ ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

22 ትሑታት ሰባት ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ኢዮም ዘንጸባርቑ: ምኽንያቱ ኣምላኽ ነዚ መብጽዓታት እዚ ከም ዝፍጽሞ ይፈልጡ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ መዝሙር 37:⁠29 ከምዚ ነንብብ:⁠- “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” ነዚ ክንኣምኖ ንኽእልዶ፧ እወ: ምኽንያቱ እብራውያን 6:⁠18 ‘ኣምላኽ ክሕሱ ኣይከኣልን’ ኢዩ ትብለና። ንትሑታት ሰባት ምእንቲ ክህባ: ኣምላኽ ንምድሪ ይውንና ድዩ፧ ራእይ 4:⁠11 ብዛዕብኡ “ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ” ብምባል ትእውጅ። ስለዚ ድማ መዝሙር 24:⁠1 ‘ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እዮም’ ትብል። የሆዋ ንምድሪ ፈጢርዋ ኢዩ: ይውንና ኢዩ: ነቶም ኣብኡ እምነት ዝገብሩ ሰባት ከኣ ክህቦም ኢዩ። እቲ ብዛዕባ እዚ ዘሎና እምንቶ ምእንቲ ከነጽንዕ: እታ እትቕጽል ዓንቀጽ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያትን ኣብ ግዜናን ንህዝቡ ዝሃቦም መብጽዓታት ብኸመይ ከም ዝሓለዎ: ንዝመጽእ ክፍጽሞ ምዃኑ ድማ ስለምንታይ ምሉእ እምንቶ ክንገብር ከም እንኽእል ክትገልጸልና ኢያ።

ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት

◻ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ከም እተራእየ ንተስፋ ወድሰብ እንታይ ኢዩ ኣጋጢምዎ፧

◻ ዝሓሸ መጻኢ ክንረክብ ክንጽበ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

◻ ብዛዕባ መጻኢ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧

◻ ኣምላኽ መብጽዓታቱ ክፍጽም ምዃኑ እንተኣማመን ስለምንታይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ . . . ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ ” ኢሉ ብልክዕ ይገልጽ።​—ኤርምያስ 10:23

[ምንጪ ስእሊ]

ቦምባ:- U.S. National Archives photo; ዝጠመዩ ቈልዑ:- WHO/OXFAM; ስደተኛታት:- UN PHOTO 186763/J. Isaac; ሞሶሎኒን ሂትለርን:-U.S. National Archives photo

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ