ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/4 ገጽ 31
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • በቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ እተረኽበ ዓበይቲ በረኸታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝነበረ ኣገዳሲ በዓላት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • “መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • እተን ካልኦት ኣባጊዕን እቲ ሓድሽ ኪዳንን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/4 ገጽ 31

ትዝክሮዶ፧

ናይ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ተግባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ በዚ ዝስዕብ ሕቶታት ገይርካ ድኣ እሞ ናይ ምዝካር ክእለትካ ዘይትመዝን፧

◻ እቲ ኣብ መንጎ ‘መዓልቲ ጐይታ’ ከምኡውን “መዓልቲ የሆዋ” ዘሎ ፍልልይ እንታይ ኢዩ፧ (ራእይ 1:⁠10፣ ዮኤል 2:⁠11 NW )

‘መዓልቲ ጐይታ’ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 22 ተገሊጹ ዘሎ 16 ትርኢታትን ነቲ የሱስ ንህላወኡ ዝምልከት ሕቶ ደቀ መዛሙርቱ ክምልስ ከሎ ዝነገሮ መሰረታዊ ፍጻመታትን እተጠቓልል ኢያ። ከም ዝለዓለ ነጥቢ ናይ መዓልቲ ጐይታ: ኣብዛ ብልሽውቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ፍርዱ ከውርድ ከሎ እታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ክትጅምር ኢያ። (ማቴዎስ 24:3-14፣ ሉቃስ 21:⁠11) ​—⁠15/12 ገጽ 11

◻ ገለ ካብቲ ሓለፍ ዝበለ መዳያት ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ የሆዋ ዝብል ስም ልዕሊ 3,500 ግዜ ኢዩ ዝርከብ። ሓደ ናይ ሩስያ ሃይማኖታዊ ስነ⁠-​ጽሑፍ ምሁር “[እቲ] ኣተረጓጕምኡ ከምቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ኢዩ: ጽፉፍን ምስቲ ትሕዝቶ ዝሰማማዕን ድማ ኢዩ” ብምባል ይዛረብ።​—⁠15/12 ገጽ 27

◻ እቲ ሓራ ዘውጽኣና የሱስ እተዛረቦ “ሓቂ” እንታይ ኢዩ፧ (ዮሃንስ 8:⁠32)

የሱስ “ሓቂ” ኽብል ከሎ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂቡ ዘሎ ብመለኮታዊ መገዲ እተጻሕፈ ሓበሬታ​—⁠ብፍላይ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝምልከት ሓበሬታ​—⁠ማለቱ ኢዩ።​—⁠1/1 ገጽ 3

◻ ዘመናዊ የሁን ዮናዳብን መን ኢዮም፧

የሁ: ነቲ በቶም ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ማለት ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ዝውከል የሱስ ክርስቶስ ዘመልክት ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠16፣ ራእይ 12:⁠17) ልክዕ ከምቲ ዮናዳብ ንየሁ ክረኽቦ ዝወጸ: ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ “ዓቢ ጭፍራ” ነቶም ምድራውያን ወኪላት የሱስ ንምድጋፍ መጺኦም ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9, 10 NW፣ 2 ነገስት 10:⁠15) ​—⁠1/1 ገጽ 13

◻ ‘ምስ ኣምላኽ ምምልላስ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ዘፍጥረት 5:⁠24፣ 6:⁠9)

ከምዚ ክበሃል ከሎ እቶም ከምኡ ዝገበሩ ከም እኒ ሄኖክን ኖህን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ኣምላኽ ጽንዕቲ እምነት ከም ዘላቶም ብዘረጋግጽ መገዲ ተመላሊሶም ማለት ኢዩ። የሆዋ ዝኣዘዞም ኢዮም ገይሮም: ንህይወቶም ድማ ምስቲ ብዛዕብኡ ዝፈልጥዎ​—⁠ምስ ደቅሰብ ዝገበሮ ምምልላስ​—⁠ብምስምማዕ ኢዮም መሪሖምዎ።​—⁠15/1 ገጽ 13

◻ ሓደ ሰብ ሞት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ብምሕሳብ ውጥን ከውጽእ ዘሎዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ብሓደ ወገን ክርአ ከሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ መደባት ምግባር ንናይ ሓደ ሰብ ስድራቤት ህያብ ማለት ኢዩ። ፍቕሪ ዘርኢ ኢዩ። ምስኦም ኣብ ዘይሃለወሉ ግዜ እውን እንተዀነ ‘ንስድራቤቱ ክሓሊ’ ከም ዝደሊ ዘርኢ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ​—⁠15/1 ገጽ 22

◻ እቲ “ብሉይ ኪዳን” እንታይ ኢዩ ፈጺሙ፧ (2 ቈረንቶስ 3:⁠14)

ጽላሎት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ዝኸውን መዳያት ሒዙ ነይሩ ኢዩ: በቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝግበር ዝነበረ ተደጋጋሚ መስዋእትታት: ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምድሓን ኣዝዩ ከም ዘድልዮ ድማ ገሊጹ ኢዩ። እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ቀጻዒ’ ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 3:⁠24) ​—⁠1/2 ገጽ 14

◻ እቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለኣለማዊ ዝኸውን በየናይ መገድታት ኢዩ፧ (እብራውያን 13:⁠20)

መጀመርታ: ከምቲ ሕጊ ኪዳን ዘይኰነስ: ፈጺሙ መተካእታ ኣየድልዮን ኢዩ። ካልኣይ: ረብሓታት ናይቲ ዕዪኡ ነባሪ ኢዩ። ሳልሳይ ድማ: ምድራውያን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ በቲ ሽሓዊ ግዝኣት ኣቢሎም ካብቲ ምድላው ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ብቐጻሊ ክጥቀሙ ኢዮም።​—⁠1/2 ገጽ 22

◻ መመስገኒ ካብ ምዃን ዝርከብ ረብሓታት እንታይ ኢዩ፧

ሓደ ሰብ ብልቡ መመስገኒ ብምዃኑ ዝሓድሮ ምዉቕ ስምዒት ንሓጐሱን ሰላሙን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 15:⁠13, 15 ኣረኣእዮ።) ምስጋና ኣወንታዊ ባህሪ ብምዃኑ ድማ: ካብ ከም እኒ ቍጥዓ: ቅንኢ: ከምኡውን ቂም ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት የዕቍቦ ኢዩ።​—⁠15/2 ገጽ 4

◻ እቶም ብመንፈስ እተወልዱ ሰባት ናብ ኣየናይ ኪዳን ኢዮም ኣትዮም፧

ናብቲ የሆዋ ምስቶም ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ዝገበሮ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ የሱስ ነቶም ኣስኣሰሩ ዝስዕቡ ቅቡኣት ሰዓብቱ ዝገበሮ ናይ መንግስቲ ኪዳንን ኢዮም ኣትዮም። (ሉቃስ 22:⁠20, 28⁠-​30) ​—⁠15/2 ገጽ 16

◻ እተን እስራኤላውያን ከብዕልወን እተኣዘዙ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ኣየኖት ኢየን ነይረን፧

ደድሕሪ እቲ ኣብ 14 ኒሳን ዝበዓል ፋስጋ ዝውዕል ዝነበረ በዓል ቅጫ: ድሕሪ 16 ኒሳን ኣብታ መበል 50 መዓልቲ ዝውዕል ዝነበረ በዓል ሰሙናት: ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ዝውዕል ዝነበረ በዓል ምእካብ ወይ ድማ በዓል ዳስ ኢየን ነይረን። (ዘዳግም 16:⁠1⁠-​15) ​—⁠1/3 ገጽ 8, 9

◻ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል መሰል ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

የሱስ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” በለ። (ማቴዎስ 18:​20፣ 28:⁠20) እዚ መንፈሳዊ ምምጋብ እዚ ዝካየደሉ ዝበለጸ መገዲ እውን ብክርስትያናዊ ኣኼባታትን ብዓበይቲ ኣኼባታትን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45)​—⁠1/3 ገጽ 14

◻ እቲ ኒምሮድ ዝብል ስም ምንጩ እንታይ ኢዩ፧

ሓያለይ ምሁራት እቲ ኒምሮድ ዝብል ስም ክውለድ ከሎ እተዋህቦ ስም ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘለዎም። ኣብ ክንድኡ: ደሓር እቲ ዓለወኛ ጠባዩ ምስ ተጋህደ ንኽሰማማዕ ተባሂሉ እተዋህቦ ስም ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።​—⁠15/3 ገጽ 25

◻ ስድራቤት ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘድልዮ፧

ስድራቤት ንወድሰብ ዘደልዮ መሰረታዊ ነገር ኢዩ። ስርዓት ስድራቤት እናተበላሸወ እንተድኣ ኸይዱ: ናይ ማሕበረሰባትን ሃገራትን ጽንዓት ብእኡ መጠን ከም ዝዳኸም ታሪኽ ይሕብር። ስለዚ ስድራቤት ኣብ ጽንዓት ሕብረተሰብ ከምኡውን ኣብ ናይ ቈልዑን ናይ መጻኢ ወለዶታትን ድሕንነት ቀጥታዊ ሳዕቤን ኣለዎ።​—⁠1/4 ገጽ 6

◻ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሰለስተ መርትዖታት እንታይ ኢዩ፧

(1) ብስነ⁠-​ፍልጠታዊ መገዲ ልክዕ ኢዩ: (2) ንዘመናዊ ናብራ ተግባራዊ ዝዀነ ግዜ ዘይሓጽሮ ስርዓታት ዝሓዘ ኢዩ: ከምኡውን (3) ብታሪኻዊ ጭብጥታት እተረጋገጸ: ፍጻሜኡ ዝረኸበ ንጹር ትንቢታት ዝሓዘ ኢዩ።​—⁠1/4 ገጽ 15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ