ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመ እተገብረ ናይ ቦታ ለውጢ
ብግወንዶሊን ማቲው እተዘንተወ
ጓል 80 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣነን በዓል ቤተይን ዝነበረና ንብረት ኣብ ሓንቲ ናይ ክራይ ጽዕነት መኪና ጽዒንና ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ስጳኛ ክንግዝዕ ወሰንና። ቋንቋ ስጳኛ ኣይንኽእልን ኢና ነይርና: ካብቲ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝዀኑ ቱሪስት እናተመላለሱ ዝበጽሕዎ ቦታ ኣዝዩ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ደቡባዊ ምዕራብ ስጳኛ ድማ ኢና ንኸይድ ዝነበርና። ዝበዝሑ ካብቶም ኣዕሩኽና ናይ ዕሽነት ስጕምቲ ከም ዝወሰድና ገይሮም ኢዮም ሓሲቦም: እንተዀነ ግን ኣብርሃም ንኸተማ ኡር ሓዲጉ ክወጽእ ከሎ ወዲ 75 ዓመት ከም ዝነበረ ብምሕሳብ ተጸናናዕኩ።
ኰይኑ ግን: እተን ካብ ሚያዝያ 1992 ማለት ኣብዚ ቦታ ካብ እንበጽሕ ኣትሒዝና ኣብ ስጳኛ ዘሕለፍናየን ዓመታት ኣብ ህይወትና ብዙሕ ዓስቢ ዘለወን ኰይነን ኢየን። ስለምንታይ ዓዲ ከም ዝቐየርና ቅድሚ ምግላጸይ ግን: እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍናዮ ግዜያት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ውሳነ ንኽንገብር ብኸመይ ከም ዝመርሓና ከዘንትወልኩም።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንህይወትና ይልውጦ
ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ: እትርከብ ሃይማኖታዊት ስድራቤት ኢየ ዓብየ። ኣደይ መንፈሳዊ ዕግበት ክትረክብ ትጽዕር ስለ ዝነበረት ንዓይን ሓብተይን ናብ እተፈላለየ ቦታታት ኣምልኾ ትወስደና ነበረት። እቲ ሕዱር ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝነበሮ ኣቦይ ምሳና ከይዱ ኣይፈልጥን ኢዩ። ይኹን እምበር ንፉዕ ኣንባቢ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ: ንዕኡ ዝትንክፎ ሓሳባት ምስ ዝረክብ ድማ የስምረሉ ነበረ። ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ዕቝር ጥሪተይ እታ ንዕኡ ክብርቲ ዝነበረት ኣረጊት መጽሓፍ ቅዱስ ኢያ።
ብ1925 ጓል 14 ዓመት ከለኹ: ናብቲ ኣብ ዌስት ሃም ዝርከብ ናይ ህዝቢ ኣደራሽ ዝግበር ህዝባዊ ዝርርብ እትዕድም ሓንቲ ትራክት ኣብ ትሕቲ ማዕጾና ረኸብና። ኣደይን ሓንቲ ጐረቤትናን ናብቲ ዝርርብ ዝግበረሉ ቦታ ክኸዳ ወሰና: ኣነን ሓብተይን ድማ ምስአን ከድና። እቲ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዘርእስቱ ዝርርብ: ኣብ ልቢ ኣደይ ዘርኢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘሪኡ ኢዩ።
ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: ኣቦይ ኣብ መበል 38 ዓመት ዕድሚኡ ሞተ። ከቢድ ጓህን ድኽነትን ስለ ዘምጽኣልና ሞቱ ንዓና መሪር ቃንዛ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን እተኻየደ ቅዳሴ: እቲ ቐሺ ናይ ኣቦይ ነፍሲ ንሰማይ ከም ዝኸደት ክዛረብ ምስ ሰምዓቶ ኣደይ ሰምበደት። መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ኣብ መቓብር ደቂሶም ኣለዉ ከም ዝብል ትፈልጥ ነበረት: ሓደ መዓልቲ እውን ኣቦይ ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ክትንስእ ምዃኑ ኣጽኒዓ ትኣምን ነበረት። (መዝሙር 37:9-11, 29፣ 146:3, 4፣ መክብብ 9:5፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ራእይ 21:3, 4) ምስቶም ቃል ኣምላኽ ዝምህሩ ሰባት ክትሓብር ከም ዝነበራ ብምእማን ምስቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣህጉራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበራ ሌላ ከተደልድሎ ወሰነት።
ንመጓዓዓዚ ዝኸውን ገንዘብ ስለ ዘይነበረና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ንምኻድ ካብ ገዛና መገዲ ክልተ ሰዓት ብእግርና ንጓዓዝ ነበርና። ድሕርዚ: ሰለይ እናበልና ንገዛ ንምምላስ እንደገና ክልተ ሰዓት ነሕልፍ። ይኹን እምበር ነዚ ኣኼባታት እዚ ኣዚና ኣኽቢርና ኢና ርኢናዮ: እቲ ፍሉጥ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ግመ ነታ ኸተማ ክሽፍና ኸሎ እውን ከይተረፈ ካብ ሓንቲ ኣኼባ ተሪፍና ኣይንፈልጥን። ኣደይ ብኡንብኡ ህይወታ ንየሆዋ ክትውፊ ወሰነት እሞ ተጠምቀት: ኣነ እውን ብ1927 ተጠመቕኩ።
ቍጠባዊ ሽግር እኳ እንተ ነበረና: ኣደይ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ናይ ምሃብ ኣድላይነት ኵሉ ግዜ ትምህረኒ ነበረት። ካብተን እትፈትወን ዝነበራ ጥቕስታት ሓንቲ ማቴዎስ 6:33 ኢያ ነይራ: ብሓቂ ድማ ነታ ‘መንግስቲ ቅድም ደልያ’ ኢያ። ብ1935 ኣብ ዘይዕድሚኣ ብሕማም መንሽሮ ክትመውት ከላ: ነቲ ናብ ፈረንሳ ከይዶም ከገልግሉ ንዝኽእሉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እተገብረ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ መደባት ተውጽእ ነበረት።
ከም እንሕይል ዝገበረና ኣብነታት
ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት እቲኣተን: ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት ዝነበሩ ገለ ተኣከብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣረኣእያ ክምህሩ ደለዩ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ባእስን ነድርን ከም ዝለዓል ድማ ገበሩ። ኣደይ ግን ካብ ማሕበር የሆዋ ተማሂርና ከነብቅዕ ነዛ ማሕበር እዚኣ ምግዳፍ ዘይእሙን ምዃን ማለት ከም ዝዀነ ኵሉ ግዜ ትዛረብ ነበረት። እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ዝገብረልና ዝነበረ ምብጻሕ ብተኣማንነት ምግልጋል ንኽንቅጽል ኣለዓዒሉና ኢዩ።
ሓው ራዘርፎርድ ሕያዋይን ተቐራብን ሰብኣይ ከም ዝነበረ እዝክሮ ኢየ። ገና ኮተቴ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን: ጉባኤ ለንደን ምስኡ ኰይና ሕጽር ዝበለ ዙረት ገይራ ነበረት። ካሜራ ሒዘ ከለኹ ሓፋር መንእሰይ ምዃነይ ረኣየኒ እሞ ክስእሎ ዝደሊ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። እታ ስእሊ እቲኣ ፍትውቲ መዘከርታ ኰነት።
ጸኒሑ ድማ: ሓደ ተመክሮ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መሪሕነት ዝወስዱን ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ውሩያት ሰብኡትን ዘሎ ፍልልይ ንኽርዳእ ገበረኒ። እቲ ካብ ናይ ሂትለር ልኡኻት ሓደ ዝነበረ ፍራንትስ ቫን ፓፑን ምሳሕ ተዓዲሙ ናብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ዓቢ ቤት መግቢ ክመጽእ ከሎ ከም ኣሳሳዪት ኰይነ እሰርሕ ነበርኩ። ክበልዕ ከሎ ዕጥቁ ኣይፈትሐን: ኣነ ድማ ብእኡ ተዓንቂፈ ሰንከልከል በልኩ እሞ ነቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ መረቕ ከዓኽዎ። ኣብ ጀርመን ከምዚ ዝኣመሰለ ሸለልትነት ክሳዕ ሞት የብጽሓኒ ከም ዝነበረ ብቝጥዓ ተዛረበ። ተመሲሑ ክሳዕ ዝውድእ ድማ: ናብኡ ገጸይ ቅልቅል ኣይበልኩን!
ሓው ራዘርፎርድ ክዛረብ ዝሰማዕኩሉ ሓደ ኣገዳሲ ኣኼባ ብ1931 ኣብ ኣደራሽ ኣሌክሳንድራ ተገብረ። ኣብኡ ድማ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ሓድሽ ስምና ብምዉቕ ስምዒት ተቐበልናዮ። (ኢሳይያስ 43:10, 12) ክልተ ዓመት ጸኒሐ ድማ ብ1933 ናብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተኹ። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ዝረኸብክዎ ካልእ ዝዝክሮ በረኸት ድማ ምስቶም ደሓር ኣብ ርሑቕ ክፍልታት ምድሪ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዝኸዱ ብሉጻት መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ክሓብር ምኽኣለይ ኢዩ። እዚኣቶም በዓል ክሎድ ጉድማን: ሃሮልድ ኪንግ: ጆን ኩክን ኤድዊን ስኪነርን ዝርከብዎም ኢዮም ነይሮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እሙናት ኣብነታት ካብ ዓደይ ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ግራት ከይደ ንኸገልግል ከም ዝብህግ ገይሮምኒ ኢዮም።
ኣብ ምብራቕ ኣንግልያ ዝነበረ ዕዮ ፓይነር
ናይ ፓይነር መደበይ ኣብ ምብራቕ ኣንግልያ (ኣብ ምብራቓዊ ዓዲ እንግሊዝ) ኢዩ ነይሩ: ኣብኡ ኴንካ ምስባኽ ድማ ምዉቕ ስምዒትን ቅንእን ይሓትት ነበረ። ነቲ ሰፊሕ ዞባና ንምሽፋን: ካብ ከተማ ናብ ከተማ: ካብ ገጠር ናብ ገጠር ብብሽግለታ ንጓዓዝ: ኣብ ናይ ክራይ ገዛ ድማ ንቕኒ ነበርና። ኣብቲ ከባቢ ዳርጋ ጉባኤ ዝበሃል ኣይነበረን: ስለዚ ኣነን እታ መገላግልተይን ንዅሉ እቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ዝውሰድ ስርዓታዊ ክፍልታት ብሓባር ኴንና ንሓድሕድና ንመያየጠሉ ነበርና። ኣብ ኣገልግሎትና: ዕላማታት ኣምላኽ ዝገልጽ ብኣማእታት ዝቝጸር መጻሕፍትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ዓደልና።
ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቆመስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን ናብ ገዝኡ ብምኻድ ዝገበርናሉ ምብጻሕ ክዝከር ዝግብኦ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት: ነቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን ቆመስ ንምብጻሕ እንገብሮ ዝነበርና መደብ ስብከትና ክሳዕ እንውድእ ናብ ካልእ ግዜ ነደናጕዮ ነበርና: ምኽንያቱ ኣብቲ ከባቢ ብስራት ንሰብኽ ከም ዘለና ምስ ዝፈልጡ: ብዙሕ ግዜ ግድላት ይፈጥሩልና ስለ ዝነበሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብዚ ዓዲ እዚ ዝነብር ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ቆመስ ብጽቡቕ ኢዩ ዘልዕሎ ነይሩ። ሕሙም ይበጽሕ: ነቶም ምንባብ ዝፈትዉ ሰባት መጻሕፍቲ የለቅሖም: ነቶም ኣብቲ ንሱ ዘገልግሎ ከባቢ ዘለዉ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽገልጸሎም ድማ ኣብ ገዝኦም ብምኻድ እውን ከይተረፈ ይበጽሖም ነበረ።
ብርግጽ: ክንበጽሖ ከለና: ኣዝዩ ምቕሉል ኢዩ ነይሩ: ሓያሎ መጻሕፍቲ ድማ ተቐበለ። ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ገለ ካብ መጽሓፍትና ክወስድ እንተድኣ ደልዩ እሞ ክኸፍል እንተድኣ ዘይክኢሉ: ባዕሉ ክኸፍሎ ከም ዝኽእል እውን ኣረጋገጸልና። እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘሕለፎ ኣዝዩ ሕማቕ ተመክሮታት: ኣብቲ ንሱ ዘገልግሎ ቦታ ሰላምን ሕውነታዊ ስምዒትን ንኸስፍን ክውስን ከም ዝገበሮ ፈለጥና። ገዲፍናዮ ቅድሚ ምኻድና እውን መረቐና: ነዚ ሰናይ ዕዮና ክንቅጽሎ ድማ ኣተባብዓና። ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 6:24 ዘሎ “እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን” ዝብላ ቓላት ድማ ኣንበበልና።
ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምስ ጀመርኩ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣደይ ሞተት: ናብ ለንደን ክምለስ ከለኹ ድማ ገንዘብን ስድራቤትን ኣይነበረንን። ሓንቲ ፍትውቲ ሰኮትላንዳዊት ምስክር ናብ ገዝኣ ወሰደትኒ: ነቲ ብናይ ኣደይ ሞት ዘጋጠመኒ ሓዘን ንኽዋጽኣሉ ድማ ሓገዘትኒ: ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽቕጽል ከኣ ኣተባብዓትኒ። ስለዚ ኸኣ ምስ ጁል ፈይርፋክስ ዝስማ ሓዳስ ፓይነር መገላግልቲ ኰይነ ናብ ምብራቕ ኣንግልያ ተመለስኩ። ከም ሓውሲ ተንቀሳቓሲት ገዛ ኰይና እተገልግል ሓንቲ ዝኣረገት ተጐታቲት (ተንቀሳቓሲት ገዛ) ኣዳለና፣ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንምጕዕዓዝ ሰሓቢት ወይ ድማ ናይ ጽዕነት ማኪና ንጥቀም ነበርና። ምስቶም ከምታ ናትና ንእሽቶ ተጐታቲት ዝነበረቶም ኣልበርት ኣቦትን ኤተል ኣቦ ትን ዝበሃሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይን ሰበይትን ሓቢርና ምስባኽ ቀጸልና። ኣልበርትን ኤተልን ልክዕ ከም ውላዶም ገይሮም ረኣዩኒ።
ኣብ ካምብሪጅሻየር ፓይነር ኰይነ እናኣገልገልኩ ከለኹ: ምስቲ ኣብ ትሕቲ ኣሸጋሪ ኵነታት ንየሆዋ ዘለዎ ንጽህና ድሮ ሓልዩ ዝነበረ ጥዑም ክርስትያን ሓው: ጆን ማቲው: ተፋለጥኩ። ብ1940 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ ተመርዓና።
እዋን ውግእን ስድራቤትን
ሓደስቲ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ከለና: ገዛና ክንዲ ሓንቲ ንእስ ዝበለት ክሽነ እትኸውን ንእሽቶ ተጐታቲት ኢያ ነይራ: ኣብ ኣገልግሎትና በታ እምንቲ ሞተር ብሽግለታ ገይርና ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ንበጽሕ ነበርና። ምስ ተመርዓና ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ: ጆን ብምኽንያት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽኑዕ እምነቱ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምፍጻም ብምእባዩ ናይ ሕርሻ ስራሕ ክሰርሕ ተፈሪድዎ ነበረ። (ኢሳይያስ 2:4) እዚ ነቲ ናይ ፓይነር ዕዮና ከም እነቋርጽ እኳ እንተ ገበረ: ኣብቲ ሕርሰይ ቀሪቡሉ ዝነበረ እዋን ናይ ቍጠባ ሓገዝ ክገብረልና ብምኽኣሉ: እቲ ናይ ጆን ፍርዲ ናይ ኣምላኽ ምድላው ኢዩ ነይሩ።
ኣብተን ናይ ውግእ ዓመታት: በቲ መከራታት እናሃለወ ዝካየድ ዝነበረ ፍሉይ ኣኼባታት ተሓጒስና ኢና። ብ1941 ጆን: ነቲ በዅሪ ወድና ጥንስቲ ከለኹ በታ ሞተር ብሽግለታና ገይሩ 300 ኪሎ ሜተር ኣርሒቑ ናብ ማንቸስተር ወሰደኒ። ኣብ መገዲ: ብዙሓት ብቦምባ ዝዓነዋ ከተማታት እናረኣና ሓለፍና: እቲ ኣኼባ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እምበርዶ ክካየድ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ድማ ነበረና። እቲ ኣብ ማእከል ማንቸስተር ዝርከብ ፍሪ ትረይድ ሆል ዝበሃል ኣደራሽ ካብ ብዙሕ ክፍልታት ዓዲ እንግሊዝ ብዝመጹ መሰኻኽር መሊኡ ነበረ: እቲ ፕሮግራም ከኣ ብምልኡ ተኻየደ።
እቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ናይ መወዳእታ ተዛራባይ ኣብ መደምደምታ ዝርርቡ: ነፋሪት ክትድብድብ ኢያ ተባሂሉ ትጽቢት ስለ እተገብረ ብቕጽበት ካብ ከባቢ እቲ ህንጻ ክርሕቁ ከም ዘለዎም ነቶም ሰማዕቲ ነገሮም። እቲ መጠንቀቕታ እዋናዊ ኢዩ ነይሩ። ናይ መጠንቀቕታ ድምጽን ጸረ ነፈርቲ ጠበናጁን ክንሰምዕ ከሎና ካብቲ ኣደራሽ ብዙሕ ኣይረሓቕናን ነበርና። ንድሕሪት ገጽና ቍሊሕ ምስ በልና: ብዙሓት ነፈርቲ ኣብ ማእከል እቲ ኸተማ ቦምባታት ክድርብያ ክንርኢ ከኣልና። ካብ ርሑቕ ኴንና ድማ: ብማእከል እቲ ሓውን ትክን ነታ ኣቐድም ኣቢልና ተኣኪብናላ ዝነበርና ኣደራሽ ክንርእያ ከኣልና፣ ምሉእ ብምሉእ ዓነወት! ካብቶም ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝሞተ ዋላ ሓደ ብዘይምንባሩ ድማ ዝምስገን ኢዩ።
ደቅና ኸነዕቢ ኸለና: ፓይነራት ክንከውን ኣይከኣልናን: እንተዀነ ግን እቶም መዕረፊ ዘይነበሮም ገየሽቲ ተዓዘብትን ፓይነራት ኣብ ገዛና ከም ዝዓርፉ ገይርና ኢና። ሓደ ግዜ: ሽዱሽተ ፓይነራት ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ገዛና ቀንዮም ነበሩ። እቲ ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዝገበርናዮ ምሕዝነት: ዩኒስ ጓልና ብ1961 ጓል 15 ዓመት ጥራይ ከላ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንኽትጅምር ክትመርጽ ዝገበራ ሓደ ምኽንያት እዚ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን: ደይቪድ ወድና ምስ ዓበየ ንየሆዋ ምግልጋል ኣይቀጸለን: ሊንዳ ጓልና ድማ ኣብ እዋን እቲ ውግእ ብዘሕዝን ኵነታት ሞተት።
ናብ ስጳኛ ንኽንግዕዝ ዝገበርናዮ ውሳነ
እቲ ናይ ኣደይ ኣብነትን ምትብባዕን ሚስዮናዊት ምዃን ዝብል ባህጊ ንኸሕድር ኣለዓዒሉኑ ኢዩ: ነቲ ሸቶ እቲ እውን ፈጺመ ረሲዐዮ ኣይፈልጥን ኢየ። በዚ ኸኣ: ብ1973 ዩኒስ ዓዲ እንግሊዝ ሓዲጋ ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ዘድልየሉ ዝነበረ ስጳኛ ምስ ከደት ተሓጕስና ነበርና። ርግጽ ኢዩ: ካባና ተፈልያ ምኻዳ ኣሕዚኑና ነበረ: ይኹን እምበር ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዳ ከተገልግል ብምድላያ ኰሪዕና ኢና።
ኣብተን ዝሓለፋ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ንዩኒስ በጺሕናያ ኢና: ንስጳኛ ድማ ጽቡቕ ገይርና ፈለጥናያ። ሓቂ ኢዩ: ኣነን ጆንን ኣብ እተፈላለየ ኣርባዕተ መደባታ በጺሕናያ ኢና። ድሕርዚ: ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ: ሓይልና ክደክም ጀመረ። ጆን ብምውዳቑ ጥዕንኡ ኣዝዩ ተሃስዩ ነበረ: ኣነ ድማ ናይ ልብን ታይሮይድን ጸገም ነበረኒ። ብዘይካ እዚ እውን: ክልቴና ብሕማም ኣር ትራይትስ ንሳቐ ኢና። ናይ ዩኒስ ሓገዝ ብሓቂ የድልየና እኳ እንተ ነበረ: ምእንታና ክትብል መደባ ክትሓድግ ኣይደለናን።
ነቲ ዘሎና ኣማራጺታት ምስ ዩኒስ ኴንና ተመያየጥናሉ: መምርሒ ክንረክብ ድማ ጸለና። ንሳ ንዓና ንምሕጋዝ ገዛ ክትመጽእ ፍቓደኛ ነበረት: እንተዀነ ግን ኣነን ጆንን ኣብ ስጳኛ ምስኣ ክንነብር እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ምዃኑ ወሰንና። ንባዕለይ ሚስዮናዊት ክኸውን እኳ እንተ ዘይከኣልኩ: ንጓለይን ነተን ክልተ ፓይነራት መገላግልታን ግን እንተወሓደ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክድግፈን እኽእል ኢየ። ካብኡ ንደሓር: ኣነን ጆንን ነተን ንገለ 15 ዓመታት ዝኸውን መገላግልቲ ዩኒስ ዝነበራ ኑርያን ኣናን ከም ደቅና ገይርና ርኢናየን ኢና። ኣብቲ ክምደባሉ ዝኽእላ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኬድና ምስኣተን ክንነብር ድማ ሕጕሳት ነበራ።
እዚ ውሳነ እዚ ካብ እንወስድ ልዕሊ 6 ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። ጥዕናና ካብቲ ዘሎዎ ኣይጐደለን: ናብራና ድማ ብርግጽ ዝያዳ ደስ ዘብል ኰይኑ ኢዩ። ገና ክሳዕ ሕጂ ቋንቋ ስጳኛ ብዙሕ ኣይክእልን ኢየ: ካብ ምስባኽ ግን ኣይዓግተንን ኢዩ። ኣነን ጆንን ኣብታ ኣብ ኤክስተሬማዱራ: ደቡባዊ ምዕራብ ስጳኛ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤና ክንካፈል ከለና ኣብ ዓድና ከም ዘሎና ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና።
ኣብ ስጳኛ ምንባረይ ብዛዕባ ናይታ መንግስቲ ዕዮ ስብከትና ዝምልከት ብዙሕ ኣህጉራዊ ኣሰራርሓ ምሂሩኒ ኢዩ: ልክዕ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ: ሕጂ ድማ “እታ ግራት” ብኸመይ “ዓለም” ከም ዝዀነት ኣዝዩ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ተረዲኡኒ ኢዩ።—ማቴዎስ 13:38
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ 1930ታት ዝነበረ ዕዮ ፓይነር