ንሓልዮት ስድራቤት ዝምልከት ሓላፍነት ምስካም
‘ኣቦታት: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም።’ (ኤፌሶን 6:4) ሃዋርያ ጳውሎስ በዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት እዚኣተን ገይሩ እቲ ንሓልዮት ስድራቤት ዝምልከት ሓላፍነት ክስከሞ ዘለዎ ኣቦ ምዃኑ ኣነጺሩ ገለጸ።
ኣብ መብዛሕትአን ስድራቤታት ንደቁ ዝሓሊ እቲ ኣቦ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ኣደ ደቁ ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ: ነቲ ጾር እቲ ብሓጐስ ተሳኽሞ ኢያ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ንጉስ ሰሎሞን “ወደየ: . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ብምባል ዝገለጸ።—ምሳሌ 1:8
ስጋውን መንፈሳውን ሓልዮት
እቶም ንደቆም ዘፍ ቅሩ ወለዲ ደይመደይ ኢሎም ሸለል ኣይብልዎምን ኢዮም። ካብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈሉ ቃላት ንክርስትያናት ከምዚ ምግባር እምነቶም ከም ምኽሓድ ማለት እኳ ድኣ ኢዩ ዝኸውን ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ክርስትያናት: ንቘልዑ “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ምዕባይ ክበሃል ከሎ ብስጋዊ ነገራት ዘድልዮም ዘበለ ካብ ምድላው ንላዕሊ ዝሓትት ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም።
ህዝቢ እስራኤል ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምእታዎም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮም ከለዉ ሙሴ ዝበሎም ለበዋ ርአ። ኣብኡ ሕግታት ኣምላኽ ደጊሙ ገለጸሎም: “ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ” ብምባል ድማ ኣዘዞም። (ዘዳግም 11:18) ኣቐድም ኣቢሉ ብዅሉ ልቦምን ነፍሶምን ሓይሎምን ንየሆዋ ከፍ ቅርዎ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺርዎም ነበረ: ወሲኹ ከኣ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን” በለ። (ዘዳግም 6:5, 6) እስራኤላውያን ወለዲ ቃላት ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ኣልባቦም ክሰርጽ ከፍቅድሉ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ወለዲ መንፈሳዊ ሞሳ ዝመልአ ልቢ ብምሓዝ: ነተን ሙሴ ቀጺሉ “ንደቅኻ [ቃላት ሕጊ ኣምላኽ] ምሀሮም [“ስረጸሎም:” NW ]: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ብምባል ዝጠቐሰን ቃላት ብዓወት ክእዘዝወን ክኢሎም ኢዮም።—ዘዳግም 6:7፣ 11:19፣ ምስ ማቴዎስ 12:34, 35 ኣረኣእዮ።
ኣቦታት ነዘን ቃላት እዚኣተን ንደቆም ‘ክሰርጹሎምን ብእኡ ክዛረቡን’ ከም ዝነበሮም ኣስተብህል። እታ ሚርያም-ወብስተርስ ኮሊጌይት ዲክሸነሪ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መዝገበ-ቓላት ነታ “ምስራጽ” እትብል ቃል “ብተደጋጋሚ ብምዝራብ ወይ ማዕዳ ብምሃብ ምምሃርን ከም ዝቕረጽ ምግባርን” ብምባል ትገልጻ። ወለዲ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ መዓልታዊ—ንግሆን ቀትርን ምሸትን—ምስ ዝዛረቡ: ንደቆም ኣዝዩ ኢዩ ዝርድኦም። እቶም ቈልዑ ነቲ ወለዶም ንሕጊ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ምስ ዝግንዘብዎ ድማ ብግዲኦም ናብ የሆዋ ምቕራብ ንኸማዕብሉ ጽልዋ ይገብረሎም ነበረ። (ዘዳግም 6:24, 25) እቲ ዘገርም ድማ: ሙሴ ንወለዲ ‘ኣብ ቤቶም ኾፍ ምስ በሉ’ ንደቆም ክምህርዎም ፈልዩ ኣዘዞም። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ክፍሊ ናይ ስድራቤት ሓልዮት ነበረ። ይኹን እምበር ሎሚኸ ከመይ ኢዩ፧
‘ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካ’
ሓንቲ ኣርባዕተ ውሉዳት ዘለዉዋ ጃኔት እትበሃል ክርስትያን ኣደ “ቀሊል ኣይኰነን” ብምባል ትገልጽ።a እቲ ፖል ዝበሃል በዓል ቤታ ድማ “ክትሕለል የብልካን” ብምባል ይሰማማዕ። ፖልን ጃኔትን ከምቶም ካልኦት ብዙሓት መሰኻኽር ወለዲ ዝገብርዎ: እንተወሓደ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ምስ ደቆም ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ይጽዕሩ ኢዮም። ፖል “እቲ ናይ ስድራቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥና ምሸት ምሸት ሰኑይ ኣብ ፍሉጥ ሰዓት ክግበር ንፍትን ኢና” ብምባል ይገልጽ: “ኵሉ ግዜ ግን ዕዉት ኣይከውንን” ብምባል ከኣ ይእመን። ኣብታ ጉባኤኡ ሽማግለ ዀይኑ ከም እተሾመ መጠን: ሓድሓደ ግዜ ህጹጽ ጕዳያት ንምፍታሕ ይጽዋዕ ኢዩ። እቶም ክልተ ዓበይቲ ደቁ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኰይኖም ኢዮም ዘገልግሉ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ንሰባት ኣብ ኣገልግሎት ንምርካብ ፍረ ዘለዎ ግዜያት ኰይኑ ረኸብዎ። ስለዚ ኸኣ: ከም ስድራቤት መጠን ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዝገብርሉ ሰዓት ኣመዓራረይዎ። ፖል “ሓድሓደ ግዜ ድራር ምስ በላዕና ብኡንብኡ መጽናዕትና ንገብር” ብምባል ይገልጽ።
ወለዲ ነቲ ናይ ስድራቤቶም መጽናዕቲ ዝካየደሉ ግዜ ኣብ ምምዳብ ብጥበብ ተዓጻጻፍነት ዘርእዩ እኳ እንተዀኑ: ስርዓታዊ ክገብርዎ ግን ይፍትኑ ኢዮም። እታ ክላር ዝስማ ጓል “እቲ መጽናዕቲ እንገብረሉ ግዜ ክቕየር እንተድኣ ዀይኑ: እቲ እተለወጠ ሰዓት መዓስ ምዃኑ ኵላትና ምእንቲ ክንፈልጥ: ኣቦይ ነቲ ሓድሽ መደብ ኣብ ወረቐት ጽሒፉ ኣብ ማዕጾ ናይታ መዝሓሊት ይጥቅዖ” ብምባል ትዛረብ።
ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ምእካብ: ነቶም ንኣሽቱ ኣባላት ስድራቤት ሻቕሎቶምን ግድላቶምን ንወለዶም ንኸካፍልዎም ጽቡቕ ኣጋጣሚውን ይኸፍተሎም ኢዩ። እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ: እቶም ቈልዑ ካብቲ ዝጥቀምሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መጽሓፍ ንዝቐርበሎም ሕቶታት እናኣንበቡ ጥራይ ከም ዝምልሱ ዝገብር ድርቕ ዝበለ ኣገባብ እንተድኣ ዘይኰይኑ ሰናይ ፍረ ኢዩ ዘፍሪ። ማርቲን እተባህለ ክልተ ኣወዳት ዘለውዎ ኣቦ “ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ምይይጥ ዝግበረሉ መድረኽ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። “ኣብ መንፈሳዊ ኣርእስቲ ምይይጥ ንምግባር ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ምስ እትእከብ: ስድራቤትካ ብመንፈሳዊ መገዲ ከመይ ትኸይድ ከም ዘላ ትግንዘብ” ብምባል ሓሳብ ይህብ። “ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ እተፈላለየ ነገራት ይገሃድ ኢዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ትፈልጥ: እቲ ብዝያዳ ዘገድስ ድማ: ደቅኻ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያታት የማዕብሉ ከም ዘለዉ ትርዳእ።” በዓልቲ ቤቱ ሳንድራ ኸኣ ነዚ ትሰማማዓሉ: ንሳውን ካብቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብዙሕ ከም እተጠቕመት ይስምዓ። “በዓል ቤተይ ነቲ መጽናዕቲ ክመርሖ ኸሎ: ደቀይ ነቲ ሕቶታቱ ዝምልስሉ መገዲ ብምስማዕ ብዙሕ ነገራት እማሃር” ብምባል ተዘንቱ። ድሕርዚ ሳንድራ ደቃ ንምሕጋዝ ምስቲ ዝሰምዓቶ ኣሰማሚዓ ሓሳባት ትህብ። ኣብቲ መጽናዕቲ ብንጥፈት ስለ እትሳተፍ ነቲ ምይይጥ ኣጸቢቓ ኢያ እትሕጐሰሉ። እወ: እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዝግበረሉ እዋናት ወለዲ ናይ ደቆም ኣተሓሳስባ ንኽግንዘብዎ ምስትውዓል ይህቦም ኢዩ።—ምሳሌ 16:23፣ 20:5
ምስ ኵነታት እተሰማምዕን ጽኑዕን ኩን
እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ እትገብርሉ ሰዓትኩም ምስ ዝኣክል: ሓደ ቈልዓ ንቑሕን ተገዳስነት ዘለዎን ክኸውን ከሎ: እቲ ሓደ ግን ንኸድህብን ንኽጥቀምን ምቅብጣር ዘድልዮ ኰይኑ ትረኽብዎ ትዀኑ። ሓንቲ ክርስትያን ኣደ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ትህብ:- “ናብራ ስድራቤት ከምኡ ኢዩ! ከም ወላዲ መጠን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ትፈልጥ። ስለዚ ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣብ ምምራሕ ምስ እትጸንዕ: የሆዋ ሓገዝ ይህብ ፍረ ድማ የፍሪ።”
ናይ ቈልዓ ኣድህቦ ከከም ዕድመኡ ኣዝዩ ዝፈላለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መስተውዓሊ ዝዀነ ወላዲ ነዚ ኣብ ግምት የእትዎ ኢዩ። ካብ ወዲ 6 ዓመት ክሳዕ ወዲ 20ታት ዝኸውን ብዕድመ እተፈላለዩ ሓሙሽተ ውሉዳት ዘለውዎም ሰብኣይን ሰበይትን ኢዮም። እቲ ኣቦ: ማይክል ዝስሙ: ከምዚ ይብል:- “ነቲ ሕቶታት ክምልሶ መጀመርታ ነቲ ዝነኣሰ ዕድል ሃቦ። ድሕርዚ እቶም ዕብይ ዝበሉ ቈልዑ ዝርዝር ሓሳብ ከም ዝውስኹን ነቲ እተዳለውሉ ነጥብታት ከም ዝጠቕስዎን ግበር።” እዚ ወለዲ ኣብ ደቆም ዘርእይዎ ምስትውዓል ዘለዎ ኣተሓሕዛ: ንኻልኦት ሰባት ኣብ ግምት ናይ ምእታው ጥቕሚ ንኽምሃሩ የኽእሎም ኢዩ። ማርቲን “ካብቶም ደቅና እቲ ሓደ ይርድኦ ይኸውን: እቲ ሓደ ወዲ ግን ነቲ ነጥቢ ንኽርድኦ ዝያዳ ሓገዝ የድልዮ ኢዩ። እቲ ናይ መጽናዕቲ እዋን ክርስትያናዊ ትዕግስትን ካልእ ፍረ መንፈስ ቅዱስን ንምንጽብራቕ ዝሕግዝ ናይ ልምምድ መሰረት ኰይኑ ኢየ ዝረኽቦ” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።—ገላትያ 5:22, 23፣ ፊልጲ 2:4
ምስቲ ናይ ደቅኻ እተፈላለየ ክእለታትን ደረጃ ዕቤትን ከተሰማምዖ ተዳሎ። ሕጂ ኣብ ዕድመ ኮተቴ ዝርከቡ ሳይመንን ማርክን: ቈልዑ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ነታ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምስ ወለዶም ኰይኖም ምጽናዕ ብሓቂ ዘሐጕስ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦሞ። “ኣቦና ንእተፈላለየ ክፍልታት ብተዋስኦ መልክዕ ከም እነርእዮ ይገብር ነበረ” ብምባል ይዝክሩ። ኣቡኦም ምሳልያዊ ዛንታ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ምስ ደቁ ኰይኑ ብተዋስኦ ንምዕያይ በእዳዉን በብራኹን ክምብርከኽ ከሎ ይዝክሮ ኢዩ። (ሉቃስ 10:30-35) “ክዉንን ኣዝዩ ዝማርኽን ኢዩ ነይሩ።”
ሓያሎ ቈልዑ ነቲ ስርዓታዊ ናይታ ስድራቤት መጽናዕቲ ይቃወሙዎ ኢዮም። እዚ ነቶም ወለዲ ነቲ ክግበር እተመደበ መጽናዕቲ ካብ ምምራሕ ከም ዘቋርጹ ክገብሮምዶ ኣለዎ፧ ኣይፋሉን: ብርግጽ ከም ዘቋርጹ ክገብሮም የብሉን። ምሳሌ 22:15 “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራይንዎ አሎ” ብምባል ትእመነሉ። ሓንቲ ንጽል ኣደ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ዕንቅፋታት ነቲ መጽናዕቲ ዝዓናቕፍ ክመስል ከሎ: ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መራሒት ከም ምዃና መጠን ትሰንፍ ከም ዝነበረት ተሰምዓ። ይኹን እምበር ጸንዐት። ሕጂ ደቃ ንዓኣ ዓቢ ክብሪ ኢዩ ዘለዎም: ነቲ ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንምምራሕ ብዘይ ምሕላላ ዘርኣየቶ ፍቕርን ተገዳስነትን ድማ ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ።
‘ንዘኽታማት’ ኣወዳትን ኣዋልድን ምሕጋዝ
ክርስትያን ሽማግለታት ‘ንመጓሰ ኣምላኽ ክጓስይዎ’ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) እቲ ነተን ኣብታ ጉባኤኦም ዘለዋ ስድራቤታት በብእዋኑ ዝገብሩለን ምብጻሓት ነቶም ክርስትያናዊ ሓላፍነታቶም ዝሽከሙ ወለዲ ንኽንእድዎም ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። ነቶም ብንጽል ወለዲ ዝዓብዩ ውሉዳት ናይ ምምሃር ሓላፍነት ዘለዎ መን ኢዩ፧ ነቲ ንቘልዑ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ክስከሞ ዘለዎ ወላዲ ምዃኑ ፈጺምካ ኣይትረስዕ።
ሽማግለታት ንሓደ ዘየሎ ወላዲ ንምትካእ ኢሎም ብምፍታን መሰረታዊ ስርዓታት ንኸይጥሕሱ ክርስትያናዊ ምስትውዓል ይሕግዞም ኢዩ። ንጽል ወላዲት ዝዀነት ክርስትያን ሓብቲ ክልተ ኣሕዋት ክበጽሑዋ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ነቲ ናይታ ስድራቤት መጽናዕቲ መደብ ንምሕጋዝ ኣብ ዝገብርዎ ምድላው ግን ኵሉ ግዜ ጥንቁቓት ክዀኑ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ: እቶም ቈልዑ (ርግጽ ኢዩ: እቲ ንጽል ወላዲውን) ኣብቲ ናይቲ ሽማግለ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንኽሓብሩ ዝግበር ዕድመ ሃናጽን ጠቓምን ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ዓቢ ሰማያዊ ኣቦና ምዃኑ ፈጺምኩም ኣይትረስዑ። እታ ኣደ ነቶም ደቃ ነቲ መጽናዕቲ ክትመርሓሎም ከላ: ነዚ እትገብሮ በይና እኳ እንተዀነት: የሆዋ ብርግጽ ይመርሓን ይሕግዛን ኢዩ።
ሓደ መንእሰይ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ምስ ዝኸውን: ወለዱ ግን ንመንፈሳዊ ሓላፍነታቶም ሒደት ተገዳስነት ጥራይ ዘለዎም ወይ ድማ ፈጺሞም ተገዳስነት ዘይብሎም ምስ ዝዀኑኸ እንታይ ይገበር፧ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ፈጺሞም ተስፋ ክቘርጹ የብሎምን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መስኪን ንነገሩ ናባኻ [ናብ የሆዋ ኣምላኽ] ይውፍዮ: ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 10:14) እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ፈቃራት ሽማግለታት ድማ ብግዲኦም ነቶም ንደቆም ሓልዮት ዘርእዩ ዘለዉ ወለዲ ንኸተባብዕዎም ዝከኣሎም ክገብሩ ኢዮም። ናይ ስድራቤት ምይይጥ ክግበር ሓሳብ ከቕርቡ እሞ ብኸመይ ሓቢርካ ከተጽንዕ ከም ዝከኣል ገለ ተግባራዊ ሓሳባት ንምሃብ ኣብቲ ምይይጥ ክሳተፉ ይኽእሉ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ንወለዲ ዘሰክሞም ሓላፍነት ኣይምንዝዕዎን ኢዮም።
እቶም ዘይኣመንቲ ወለዲ ዘለዎም ቈልዑ ብዙሕ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። ፍቓድ ወለዶም እንተድኣ ዀይኑ: ኣብቲ ናይ ስድራቤትካ መጽናዕቲ ከም ዝሓብሩ ምግባር ጠቓሚ ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። ሕጂ ናይ ገዛእ ርእሱ ስድራቤት ዘለዎ ሮበርት ዝስሙ በጽሒ: ገና ወዲ ሰለስተ ዓመት ከሎ ምስ ወለዱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይካፈል ነበረ። ወለዱ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሕባር ምስ ኣቋረጹ እውን ከይተረፈ ናይቲ ኣኼባታት እቲ ዘሐጕስ ተዘክሮታት ነይርዎ ኢዩ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰነ: ምስ ሓደ ምስክር ወዲ ተፋለጠ እሞ ናብ ኣኼባታት ወሰዶ። ወለዱ ነቲ ምስክር ዝዀነ ወዲ: መንፈሳዊ ዘኽታም ከም ምዃኑ መጠን ንሮበርት ተሓጒሶም ሓልዮት ኣርኣይዎ: ጸኒሖም ከኣ ጽንዓት ገበርሉ። ሳላ እቲ ዝገበርሉ ፍቕራዊ ሓልዮት ድማ: ቅልጡፍ ዕቤት ገበረ: ሕጂ ድማ ኣብ ጉባኤ ከም ሽማግለ ኰይኑ ምግልጋሉ የሐጕሶ ኢዩ።
ወለዲ ነቲ ናይ ደቆም ዕቤት ምስ ዝቃወምዎ እውን ከይተረፈ: እቶም ቈልዑ በይኖም ኣይኰኑን። የሆዋ ገና እሙን ሰማያዊ ኣቦ ኢዩ። መዝሙር 68:5 ‘ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ: ኣቦ ዘኽታማት እዩ’ ብምባል ትገልጽ። ብመንፈስ ዘኽታማት ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ብጸሎት ናብኡ ክቐርቡ ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ ኢዮም: ንሱ ድማ ክኣልዮም ኢዩ። (መዝሙር 55:22፣ 146:9) እታ ኣደ መሰል ዝዀነት ማሕበር የሆዋ ነቲ ብጽሑፋታ ከምኡውን በተን ልዕሊ 85,000 ዝዀና ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ክርስትያን ጉባኤታት ዝግበር ኣኼባታት ኣቢሉ ዝቐርብ ዘሐጕስ መንፈሳዊ መግቢ ንምድላው ዘለዋ ሓላፍነት ብትግሃት ትፍጽም ኢያ። ስለዚ ኸኣ: እቲ ‘ዘኽታም’ እውን ከይተረፈ በቲ ካብ ኣቦና የሆዋን እታ ኣደ መሰል ዝዀነት ማሕበሩን ዝርከብ መንፈሳዊ ሓገዝ ኣቢሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ብምግባር ክሕጐስ ኢዩ።
እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑ ክርስትያን ወለዲ ናእዳ ይግብኦም ኢዩ። እቶም ንደቆም ብመገድታት የሆዋ ንምልምማድ ዝጸንዑ ንጽል ወለዲ በቲ ዝገብርዎ ጻዕርታቶም ፍሉይ ቈላሕታን ምስጋናን ይግብኦም ኢዩ። (ምሳሌ 22:6) ኵሎም እቶም ብመንፈስ ዘኽታማት ንዝዀኑ ቘልዑ ሓልዮት ዘርእዩ ሰባት ከምኡ ምግባር ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዘሐጕሶ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ንሓንቲ ስድራቤት ብመንፈስ ዘድልያ ነገራት ክትሓልየላ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ‘እንተ ዘይተጸላኣካስ: ብግዜኡ ክትዓጽድ ኢኻ እሞ ኣይትሰልኪ።’—ገላትያ 6:9
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ነቶም ንኣሽቱ ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤት እቲ ዘሻቕሎም ነገራት ንወለዶም ንኸካፍሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Harper’s