ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/6 ገጽ 6-8
  • ምድሪ ንኸመይ ዝበለ ዕላማ ኢያ ተፈጢራ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምድሪ ንኸመይ ዝበለ ዕላማ ኢያ ተፈጢራ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • ዕላማ ኣምላኽ ኣቋሪጹ ድኣምበር ኣይተቐየረን
  • ምድርና ኽትጠፍእ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ህይወት ዓቢ ዕላማ ኣለዋ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም
    ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/6 ገጽ 6-8

ምድሪ—ንኸመይ ዝበለ ዕላማ ኢያ ተፈጢራ፧

ክትሓስበሉ ዘሎካ ሓደ ሕቶ ኣሎ:⁠- እዛ ውቅብቲ ፕላኔትና ብሓደ ንምድርን ኣብኣ ንዘለዉ ሰባትን ዕላማ ዘለዎ መስተውዓሊ ፈጣሪ እተደኰነት ድያ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ንዓኻ ብዘዕግብ መገዲ ምምላሱ መጻኢ ግዜ ንፕላኔትና እንታይ ሒዙላ ከም ዘሎ ንኽትርዳእ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

ብዛዕባ ኣድማስን ምድርናን ዓሚቝ መጽናዕቲ ዝገበሩ ብዙሓት ሊቃውንቲ ፈጣሪ ከም ዘሎ: ኣምላኽ ብድሕሪኡ ምህላዉ ዝሕብር መርትዖታት ረኺቦም ኢዮም። ካብኣቶም ሓደ ሰብ ጥራይ ዝሃቦ ሓሳባት ርአ:⁠-

ፕሮፌሰር ፖል ዴቪስ ኣብታ ዘ ማይንድ ኦቭ ጎድ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:⁠- “ህላወ ናይ ሓደ ርጉእን እተመሓደረን እተሓላለኸ ቅርጽታትን ዝሓዘ ስርዓት ዘለዎን ጥርኑፍን ኣድማስ: ኣዝዩ ፍሉይ ዝዓይነቱ ሕግታትን ኵነታትን ዝሓትት ኢዩ።”

ፕሮፌሰር ዴቪስ ብዛዕባ ናይ ስነ⁠-ጠፈር ተመራመርትን ካልኦትን እተዓዘብዎ ሓያለይ ናይ ነገራት “ምግጥጣም” ምስ ተዛረበ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:⁠- “ኵሉ እቲ ናይ ነገራት ‘ምግጥጣም’ ብሓደ ወሲድካ ክርአ ኸሎ: ህይወት ከምዛ እንፈልጣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ፊዝክስ ሕግታት: ከምኡውን ኣብ ተፈጥሮ ዝመረጾ ልክዕ ዝዀነ ክብደት: ጽንዓት ሓይሊ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ባህርይ ዘለዎ ናይ እተፈላለየ ንጥረ⁠-ነገር ደረጃ ሃንደበታዊ ምትእስሳር እተመርኰሰት ምዃና ዝሕብር መሳጢ ዝዀነ መርትዖ ኢዩ ዘቕርብ። . . . ኣብ ቦታ ኣምላኽ ኴንና እንተ ንዓዪ እሞ: ገለ መፋትሕ ብሃውሪ ብምጥውዋይ ድማ ነቲ ዓቐን ውሱን ቍጽሪ እንተ ንመርጸሉ: ዳርጋ ዅሉ በቲ መፋትሕ ንምጥቃም እነዘውትሮ ኣገባብ ንኣድማስ ሰብ ዘይነብረሉ ምገበሮ ነይሩ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን: ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ኣድማስ ህይወት ክነብረሉ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ እተፈላለየ መፋትሕ ብኣዝዩ ዝለዓለ ልክዕነት ደቂቕ ምቅናዕ ክግበረሉ ከም ዘለዎ መሲሉ ኢዩ ዝርአ። . . . ኣብቲ ነገራት ቈይምሉ ዘሎ ኣገባብ ንእሽቶ ለውጢ እውን ትኹን ምግባር ኣድማስ ከም ዘይህሉ ክገብር ዝኽእል ምዃኑ ዓሚቝ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓቂ ኢዩ።”

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ናይ ምርምር ውጽኢታት ንብዙሓት ሰባት ምድርና ምስቲ ዝተረፈ ካልእ ክፍሊ ኣድማስ ብሓባር ብሓደ ዕላማ ዘለዎ ፈጣሪ እተደኰኑ ምዃኖም ዝሕብር ኢዩ። ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ ድማ: ቅድም ቀዳድም ስለምንታይ ንምድሪ ከም ዝፈጠራ ክንፈልጥ የድልየና። ንኽእል እንተድኣ ኴንና እውን ብዛዕባ ምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ኣርጊጽና ክንፈልጥ የድልየና። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ካልእ ፍልይ ዝበለ ነገር ይመጽእ። ኢዚሀርነት ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ እኳ እንተ ሃለወ: ዘገርም ቍጽሪ ዘለዎም ሰባት ገና ሓደ መስተውዓሊ ፈጣሪ ከም ዘሎ ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። መብዛሕትአን ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ኣብያተ⁠-ክርስትያን ሓደ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽን ናይ ኣድማስና ፈጣርን ከም ዘሎ ይዛረባ ኢየን። እንተዀነ ግን: ካብዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ምድሪ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዋ ናይ መጻኢ ግዜ ኵነታት ብምትእምማንን ብምርግጋጽን ዝዛረባ ዳርጋ የለዋን።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ናብ ሓበሬታ ናይ ሓደ ካብ ፈጣሪ ከም ዝመጸ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዝረኸበ ምንጪ ምጥማት ርትዓዊ ኢዩ። እቲ ምንጪ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ናይ ምድርና መጻኢ ዝዛረብ ቀሊልን ንጹርን ሓሳባት ኣብ መክብብ 1:4 ኢዩ ዝርከብ። ከምዚ ድማ ነንብብ:⁠- “ወለዶ ይኸይድ: ወለዶ ኸኣ ይመጽእ: ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም።” መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ኣምላኽ ስለምንታይ ንምድሪ ከም ዝፈጠራ ክገልጽ ከሎ ዘየደናግርን ትኽ ዝበለን ኢዩ። ኣብ ኣድማስ ኣብቲ ልክዕ ቦታ: ኣብ ልዕሊኣ ህይወት ከም ዝቕጽል ንምግባር ድማ ካብ ጸሓይ ኣብቲ ልክዕ ርሕቀት ከም ዘንበራ እውን ይገልጽ ኢዩ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነቲ ናይ ጥንቲ ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ደረኾ:⁠- “እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል: ኣነ እግዚኣብሄር እየ: ብጀካይውን ካልእ የልቦን።”​—⁠ኢሳይያስ 45:18

ብዛዕባ እቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝርከብ ኵሉ ህይወት ከጥፍኣሉ ዝኽእል መገዲ ምምዕባሉኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣምላኽ በቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበቡ ኣቢሉ: ወድሰብ ንዅሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ፕላኔትና ዝርከብ ህይወት ከጥፍኦ ቅድሚ ምኽኣሉ ጣልቃ ከም ዝኣቱ ይነግር። ነዚ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ዝርከብ ቀጺሉ ዘሎ ርግጸኛ ተስፋ ኣስተብህለሉ:⁠- “ኣህዛብ ተቘጢዖም: ቍጥዓኻውን መጺኡ: እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ: ንባሮትካ: ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን: ዓስቦም እትህበሉ: ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ።”​—⁠ራእይ 11:18

የሆዋ: ነዛ ከም ኣገላልጻ ናይ ሓደ ንምድሪ ዝዞራ ተመራማሪ ስነ⁠-ጠፈር ኣብ ኣድማስ ዕንቊ ዝዀነት ምድሪ ክፈጥራ ኸሎ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ይገልጸልና ኢዩ። ዕላማ ኣምላኽ​—⁠ሰብኡትን ኣንስትን​—⁠ኵሎም ምቾት ረኺቦም ብሰላምን ስምምዕን ዝነብሩላ ዓለምለኻዊት ገነት ክትከውን ኢዩ ነይሩ። ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ ኽወልዱ ብምፍቃድ በብደረጅኡ ንምድሪ ክመልእዋ ኢዩ መዲቡ። የሆዋ ንተድላን ሓጐስን ናይቶም ቀዳሞት ሰባት ኢሉ: ንሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ምድሪ ናይ ገነት ኵነታት ከም ዝህልዋ ገበረ። ሰብኣውያን ስድራቤት ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ዓመታትን ዘበናትን እናተፋረዩ ምስ ከዱ: ገነት ኤድን ኣብ መወዳእታ ዘፍጥረት 1:​28 ክሳዕ እትፍጸም ክትሰፍሕ ነበራ:⁠- “ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን . . . በሎም።”

ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘሕዝን ኵነታት ምድርን ተቐማጦኣን ክንርኢ ከሎና: እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ፈሺሉ ማለት ድዩ፧ ወይ ድማ ዕላምኡ ለዊጡ ወድሰብ ስለ ዝሓንገደ ብምሳልያዊ መገዲ ነዛ ፕላኔት ከም ዘላቶ ትጥፋእ ሓዲጉ ከም ብሓድሽ ክጅምር ድዩ፧ ኣይፋሉን: ኵሉ እዚ ዅነታት እዚ ሓቂ ከም ዘይኰነ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ዝዓለሞ ዘበለ ኣብ መወዳእታ ግድን ከም ዝፍጸም: ማለት ዝወሰኖ ነገር ብዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ወይ ትጽቢት ብዘይተገበረሉ ምዕባለ ክሰናኸል ከም ዘይክእል ይነግረና ኢዩ። ንሱ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:⁠- “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 55:11

ዕላማ ኣምላኽ ኣቋሪጹ ድኣምበር ኣይተቐየረን

ኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምዕላዎምን ካብ ገነት ኤድን ድማ ምስ ተሰጉን: እቲ ኣምላኽ ገነታዊት ምድሪ ንምምጻእ ዝነበሮ ዕላማ ብዘይ ብእኦም ክፍጸም ከም ዝነበሮ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብኡን ሽዑን ገለ ካብ ዘርኦም ነቲ ናይ መጀመርታ ቃሉ ክፍጽሞ ምዃኑ ሓቢሩ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: እዚ ግዜ አረ ብዙሕ ዘበናት እውን ከይተረፈ ዝወስድ ኢዩ: ኣዳምን ሄዋንን ክልቲኦም ፍጹማት ኰይኖም ምንባር እንተ ዝቕጽሉ እውን እቲ ናይ መጀመርታ ቃል ንኽፍጸም ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝወስድ ዝሕብር ነገር ግን የለን። እቲ ሓቂ ኣብ መወዳእታ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ​—⁠ብሕጂ ካብ ሓደ ሽሕ ዓመታት ቁሩብ ዝዛይድ​—⁠ገነታዊ ኵነታት ኤድን ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክዝርጋሕ: ፕላኔት ምድሪ ድማ ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እተወልዱ ሰላማውያንን ሕጉሳትን ሰባት ክመልእዋ ኢዮም። ብርግጽ: እቲ የሆዋ ከም ዕዉት በዓል ዕላማ መጠን ዘለዎ ክእለት ሓቅነቱ ንዘለኣለም ክረጋግጽ ኢዩ!

ድሕርዚ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ብመንፈስ እተዛረቦ ዘሐጕስ ትንቢታት ክፍጸም ኢዩ። ከም ኢሳይያስ 11:​6⁠-9 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ዘደንቕ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ:⁠- “ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ: ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ: ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ: ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም: ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት: እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጕድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”

ጕድለት ጥዕናን ቀዛፊ ሕማምን ሞት እውን ሓዊስካ ነበረ ክኸውን ኢዩ። ካብዚ ኣብታ ናይ መወዳእታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘይተሓላለኸ ቃላት ንላዕሊ ንጹር ክኸውን ዝኽእል ኣገላልጻ ክህሉ ይኽእልዶ፧ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:​3, 4

እወ: እዛ ውቅብቲ ፕላኔት ምድርና ክትቅጽል ምዃና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ምስ ኵሉ እቲ ንምድሪ ዘዕኑ ዘሎ ተግባራቱ ክጠፍእ ኸሎ ናይ ምድሓን መሰል እትረክብ ይግበርካ። እታ ኣምላኽ ዘምጽኣ ጽርይቲ ሓዳስ ዓለም ቀሪባ ኢያ። ብዙሓት እነፍቅሮም ሰባት ድማ በቲ ናይ ትንሳኤ ተኣምራት ካብ ሞት ክበራበሩ ኢዮም። (ዮሃንስ 5:​28, 29) ብሓቂ እምበኣር ምድርና ክትቅጽል ኢያ: ንሕና ድማ ምስኣ ክንቅጽልን ክንሕጐሰላን ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ