ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/6 ገጽ 12-16
  • ንማሕበር የሆዋ ትግንዘባ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንማሕበር የሆዋ ትግንዘባ ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ሰማያዊ ሰራዊት ዝረኣየ ሰብ
  • ዓሚቝ ምርዳእ ንምርካብ ኢልካ ምጽናዕ
  • ምስትውዓል ንምርካብ ኢልካ ምዅዓት
  • ኢሳይያስ ዝረኣዮ
  • ህዝቅኤል እንታይ ኢዩ ርእዩ፧
  • ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ ንስኻኸ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ዕቤት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/6 ገጽ 12-16

ንማሕበር የሆዋ ትግንዘባ ዲኻ፧

“እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፤ ሰማይ ዝፋነይ እዩ: ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ።”​—⁠ኢሳይያስ 66:⁠1

1, 2. (ሀ) ነየናይ ዝርአ መረጋገጺ ማሕበር የሆዋ ክትጠቅስ ምኸኣልካ፧ (ለ) የሆዋ ኣበይ ኢዩ ዝነብር፧

የሆዋ ማሕበር ከም ዘላቶ ትኣምንዶ፧ መልስኻ እወ እንተድኣ ኰይኑ ስለምንታይ ኢኻ እትኣምን፧ ምናልባት ከምዚ ኢልካ ትምልስ ትኸውን:⁠- ‘ምኽንያቱ ኣደራሽ መንግስቲ ኣሎና። ኣካል ሽማግለታት ዘለዉዎ ብግቡእ እተመሓደረ ጉባኤ ኣሎና። ስርዓታዊ ምብጻሕ ዝገብረልና ብግቡእ እተሾመ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣሎና። እተመሓደረ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ንካፈል ኢና። ኣብ ዓድና ኸኣ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣሎና። ብርግጽ እምበኣር: እዚ ዅሉን ካልእ ብዙሕ ነገራትን የሆዋ እትዓዪ ማሕበር ከም ዘላቶ ዘረጋግጽ ኢዩ።’

2 እዚ ነጥብታት እዚ ሓንቲ ማሕበር ከም ዘላ መርትዖ ዝህብ ኢዩ። ግናኸ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ ዘሎና ግንዛበ እቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንርእዮ ነገራት ጥራይ እንተድኣ ኰይኑ ምሉእ ምርዳእ ኣየጥረናን ኣሎና ማለት ኢዩ። የሆዋ ንኢሳይያስ ምድሪ መርገጽ እግሩ ጥራይ ምዃና: ሰማይ ግን ዝፋኑ ምዃኑ ነጊርዎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:⁠1) የሆዋ ነየናይ “ሰማይ” ኢዩ ዘመልክት ነይሩ፧ ንከባቢ ኣየር፧ ነቲ ክንዮኡ ዘሎ ጠፈር፧ ወይስ ንኻልእ ዓይነት ደረጃ ህይወት፧ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ ‘ማሕደር ቅድስናን ግርማን’ ይዛረብ: እቲ ዘማሪ ኸኣ ነዚ ሰማያት እዚ “ቦታ ማሕደሩ” ከም ዝዀነ ይገልጾ። ስለዚ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:⁠1 ተጠቒሱ ዘሎ “ሰማይ:” ነቲ ዘይርአ መንፈሳዊ ግዝኣት ማለት የሆዋ ዝነብረሉ ልዑል ቦታ ኢዩ ዘመልክት።​—⁠ኢሳይያስ 63:⁠15፣ መዝሙር 33:⁠13, 14

3. ንምጥርጣር ብኸመይ ኢና ከነሰንፎ እንኽእል፧

3 ስለዚ እምበኣር ንማሕበር የሆዋ ብሓቂ ክንፈልጣን ክንግንዘባን ንደሊ እንተድኣ ኴንና ናብ ሰማይ ክንጥምት ይግብኣና። እዚ ንገለ ሰባት የሸግሮም ኢዩ። ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ዘይትርአ ካብ ኰነት ብሓቂ ከም ዘላ ከመይ ገይርና ክንፈልጥ ንኽእል፧ አረ ገሊኣቶምሲ ‘ከመይ ገይርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧’ ኢሎም ብምሕታት እናተጠራጠሩ ዝነበሩ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር እምነት ንምጥርጣር ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧ ብኽልተ ቀንዲ መገድታት ኢዩ: ንሱ ድማ ዓሚቝ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ብምግባርን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ብምእካብን ብምስታፍን ኢዩ። ድሕርዚ ምጥርጣርና ብብርሃን ሓቂ ገይርና ከነጥፍኦ ንኽእል። ምጥርጣር ዝነበሮም ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነይሮም ኢዮም። እስራኤል ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ምስ ወደቐት ኵነታት ጊልያ ኤልሳእ ከመይ ከም ዝነበረ ንመርምር።​—⁠ምስ ዮሃንስ 20:24-29፣ ያእቆብ 1:5-8 ኣረኣእዮ።

ነቲ ሰማያዊ ሰራዊት ዝረኣየ ሰብ

4, 5. (ሀ) ጊልያ ኤልሳእ እንታይ ጸገም ኢዩ ነይርዎ፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎት ኤልሳእ ብኸመይ መለሰሉ፧

4 ንጉስ ሶርያ ንኤልሳእ ንምምራኽ ብለይቲ ብዙሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ዶታን ለኣኸ። ጊልያ ኤልሳእ ኣንጊሁ ተንሲኡ: ምናልባት ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ መንበሪኦም ጽሩይ ኣየር ክረክብ ደልዩ ክኸውን ይኽእል: ምስ ወጸ ከመይ ዝበለ ራዕዲ ኰን ኢዩ ዝሓዞ! ኣፍራስን ናይ ውግእ ሰረገላታትን ዝሓዘ ምሉእ ናይ ሶርያውያን ሰራዊት ንነብዪ ኣምላኽ ክማርኽ እናተጸበየ ነታ ከተማ ከቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያ ኸኣ “ኣየ ጐይታይ: እንታይ ክንገብር ኢና፧” ብምባል ናብ ኤልሳእ ጨደረ። ኤልሳእ ብህድኣትን ብምትእምማንን “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ: ኣይትፍራህ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ጊልያ ‘ኣበይ ኣለዉ፧ ክርእዮም ኣይከኣልኩን!’ ብምባል ተገሪሙ ክኸውን ኣለዎ። ሓድሓደ ግዜ ንሕናውን ከምዚ ዓይነት ጸገም ይህልወና ይኸውን ኢዩ: ማለት ነቲ ሰማያዊ ሰራዊት ብናይ ምርዳእ ኣዒንትና ካብ ምርኣይ ወይ ከኣ ካብ ምስትውዓል ንሰንፍ ንኸውን።​—⁠2 ነገስት 6:⁠8⁠-​16፣ ኤፌሶን 1:⁠18

5 ኤልሳእ ኣዒንቲ ጊልያኡ ክኽፈታ ጸለየ። ቀጺሉኸ እንታይ ኰነ፧ “እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየ: እንሆ ድማ: ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።” (2 ነገስት 6:⁠17) እወ: እቶም ሰራዊት ሰማይ ዝዀኑ መላእኽቲ ነቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከዕቍብዎ ተዳልዮም ከለዉ ረኣየ። ሕጂ ነቲ ናይ ኤልሳእ ምትእምማን ክርድኦ ከኣለ።

6. ነታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጣ ዘኽእለና ምስትውዓል ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧

6 ንሕናኸ ሓድሓደ ግዜ ልክዕ ከምቲ ንጊልያ ኤልሳእ ዝነበሮ ነቲ ዘይርአ ነገር ናይ ምስትውዓል ጸገም ኣሎና ድዩ፧ ግዳማዊ መልክዕ ናይቲ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ንዓና ወይ ከኣ ነቲ ክርስትያናዊ ዕዮ ኣብ ስግኣት ዘውድቖ ኵነታት ንምርኣይ ጥራይ ዲና እንዘዙ፧ እዚ ጸገም እዚ እንተድኣ ኣልዩና: መንፈሳዊ ምስትውዓል ዝህብና ሓደ ፍሉይ ራእይ ክንርኢ ክንጽበ ንኽእልዶ፧ ኣይንኽእልን ኢና: ምኽንያቱ ንሕና ጊልያ ኤልሳእ ዘይነበሮ ነገር ኢዩ ዘሎና: እዚ ድማ ነታ ሰማያዊት ማሕበር ኣጸቢቕና ንኽንፈልጣ ዘኽእለና ምስትውዓል ክህበና ዝኽእል ብዙሕ ራእያት ዝሓዘ ምሉእ መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ኣተሓሳስባናን ኣነባብራናን ዘቕንዓልና ናይ መምርሒ መሰረታዊ ስርዓታት እውን ይህብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስትውዓል ንምጥራይን ብዛዕባ ምድላዋት የሆዋ ዘሎና ምርዳእ ኸኣ ንምዕባይን ጻዕሪ ክንገብር ይግብኣና። ነዚ ድማ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ምስናይ ጸሎትን ምስትንታንን ብምዝውታር ኢና ክንገብሮ እንኽእል።​—⁠ሮሜ 12:⁠12፣ ፊልጲ 4:⁠6፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15⁠-​17

ዓሚቝ ምርዳእ ንምርካብ ኢልካ ምጽናዕ

7. (ሀ) ገሊኣቶም ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት እንታይ ጸገም ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) ብሕታዊ መጽናዕቲ ጻዕሪ ክግበረሉ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ንኸም እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ: መጽናዕቲ ዝበሃል ዘይፈትዉ ዝነበሩ ወይ ከኣ ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ብዙሓት ሰባት ግድን የሐጕሶም ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ንማሕበር የሆዋ ብናይ ምስትውዓል ኣዒንትና ክንርእያን ክንግንዘባን ንደሊ እንተድኣ ኴንና ናይ ምጽናዕ ባህጊ ከነማዕብል ኣሎና። ጽቡቕ ምድላው ዘይተገብረሉ ጥዑም መግቢ ከተስተማቕር ትኽእልዶ፧ ጥዑም መግቢ ንምድላው ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝሓትት ዝዀነ ይኹን ከሻኒ ክነግረካ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ወይ ከኣ ካብኡ ኣብ ዝሓጽር ግዜ ተበሊዑ ክውዳእ ይኽእል። ናይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ጥቕሚ ግን ኣብ ምሉእ ህይወትካ ክቕጽል ዝኽእል ኢዩ። ነቲ ክንገብሮ እንኽእል ምዕባለ ክንርኢ ከሎና ብሕታዊ መጽናዕቲ ዘሐጕስ ኰይኑ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንርእስናን ንትምህርትናን ክንጥንቀቕ ገዛእ ርእስና ድማ ብቐጻሊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንዝግበር ንባብ ክንውፊ ከም ዘሎና ይዛረብ። እዚ ቀጻሊ ጻዕሪ ምግባር ይሓትት ኢዩ: ጥቕሙ ግን ዘለኣለማዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:​13-16

8. መጽሓፍ ምሳሌ እንታይ ኣመለኻኽታ ክህሉ ኢያ እትምሕጸን፧

8 ሓደ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጥበበኛ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ወደየ [ወይ ድማ ጓለየ]: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከአ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።”​—⁠ምሳሌ 2:⁠1⁠-​5

9. (ሀ) ናይ ወርቂ ዋጋ ምስ ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ክነጻጸር ከሎ ከመይ ኢዩ፧ (ለ) ርጡብ ፍልጠት ንምጥራይ ከመይ ዝበለ ናውቲ ኢዩ ዘድልየና፧

9 ጻዕሪ ክገብር ሓላፍነት ዘለዎ መን ምዃኑ ተገንዚብካዮዶ፧ ‘እንተ [ገበርካ]’ ዝብል ሓረግ ተደጋጊሙ ተጠቒሱ ኣሎ። ነቲ “ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ” ዝብል መግለጺ እውን ኣስተብህለሉ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ቦሊቭያ: ሜክሲኮ: ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ንዘበናት ዝኣክል ብሩርን ወርቅን ዝዅዕቱ ዝነበሩ ዓደንቲ እሞ ሕስብ ኣብል። ነቲ ክቡር ማዕድን ዝርከበሉ ከውሒ ብመዅዓትን ባዴላን ገይሮም ንምፍሓር ብርቱዕ ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም። ንወርቂ ከም ኣዝዩ ክቡር ነገር ገይሮም ይወስድዎ ከም ዝነበሩ ዘረድኣና ኣብ ካሊፎርኒያ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዝርከብ ሓደ መዐደኒ: ወርቂ ንምርካብ ጥራይ 1.5 ኪሎ ሜተር ዝዕምቈቱ 591 ኪሎ ሜተር ከኣ ዝንውሓቱ ገለርያ ኵዒቶም ኢዮም። ይኹን እምበር ወርቂ ክትበልዕ ትኽእልዶ፧ ክትሰዮኸ ትኽእልዶ፧ ኣብ በረኻ ብጥሜትን ጽምእን ምስ እትሳቐ ከዐንግለካ ይኽእልዶ፧ ኣይክእልን ኢዩ: ዋግኡ ኣብ ቍጠባዊ ኵነታትን ኣብ ውልቀ⁠-​ሰባትን እተመርኰሰ ኰይኑ: ኣብ ኣህጕራዊ ዕዳጋታት ከም ዝርአ ድማ በብግዚኡ ዝቀያየር ኢዩ። ይኹን እምበር ሰባት ምእንትኡ ክብሉ ሞይቶም ኢዮም። ነቲ መንፈሳዊ ወርቂ ዝዀነ ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ንምርካብ ድኣ እሞ ክንደይ ክንጽዕር ዘይግብኣና፧ ናይቲ ሉዓላዊ ጐይታ ኣድማስን ማሕበሩን ዕላማታቱን ፍልጠት ከተጥርስ ሕስብ እሞ ኣብሎ! በዚ ዝመጸ መንፈሳዊ መዅዓትን ባዴላታትን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ቃል የሆዋ ኣምላኽ ንምዅዓትን ትርጕሙ ንምርዳእን ዝሕግዘና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ኢዩ።​—⁠እዮብ 28:⁠12⁠-​19

ምስትውዓል ንምርካብ ኢልካ ምዅዓት

10. ዳንኤል ኣብ ሓደ ራእይ እንታይ ኢዩ ርእዩ፧

10 እስከ እምበኣር ፍልጠት ናይታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ንምርካብ ኢልና ገለ መንፈሳዊ ኵዕታ ንግበር። ንምስትውዓል ዝሕግዘና መፍትሕ ምእንቲ ክንረክብ: ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ዝረኣዮ ራእይ ንውሰድ። ዳንኤል ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:⁠- “ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ: ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ኸም በረድ: ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ: መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ። ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ: ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ: እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነ: መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።” (ዳንኤል 7:⁠9, 10) እዞም ንየሆዋ ዘገልግልዎ ዝነበሩ ኣሽሓት መን ኢዮም፧ እቲ ከም “መዅዓቲ” ከምኡውን ከም “ባዴላ” ዘገልግል ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዘሎ ናይ ሕድጋት መወከሲታት ናብ ከም መዝሙር 68:⁠17 ከምኡውን እብራውያን 1:⁠14 ዝኣመሰሉ ጥቕስታት ይሕብረና። እወ: እቶም ዘገልግሉ ዝነበሩ: ሰማያውያን መላእኽቲ ኢዮም ነይሮም!

11. እቲ ናይ ዳንኤል ራእይ ንቓላት ኤልሳእ ንምርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

11 እቲ ናይ ዳንኤል ጸብጻብ ንዅሎም እቶም ብኣምላኽ ዝእዘዙ እሙናት መላእኽቲ ከም ዝረኣዮም ኣይገልጽን ኢዩ። ካልኦት ሚልዮናት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን ሕጂ: ኤልሳእ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ: ኣይትፍራህ” ክብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት ብርግጽ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ሰራዊት ንጉስ ሶርያ: በቶም ዘይእሙናት መላእኽቲ ማለት ብኣጋንንቲ ይሕገዙ እኳ እንተ ነበሩ: ብቝጽሪ ናይቶም ሰማያውያን ሰራዊት የሆዋ ተዓብሊሎም ኢዮም ነይሮም!​—⁠መዝሙር 34:⁠7፣ 91:⁠11

12. ብዛዕባ መላእኽቲ ብኸመይ ብዙሕ ፍልጠት ከተጥሪ ምኸኣልካ፧

12 ምናልባት ብዛዕባ እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም: ንኣብነት ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ብዛዕባ ዘለዎም ግደ ብዙሕ ክትፈልጥ እውን ትደሊ ትኸውን። ካብታ መልኣኽ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ክንርእዮ ከም እንኽእል “ልኡኽ” ዝብል ትርጕም እውን ስለ ዘለዋ ልኡኻት ምዃኖም ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር ስርሖም ካልእ ብዙሕ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ግን ክትኵዕት የድልየካ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) እንተድኣ ኣልዩካ: ነቲ “መላእኽቲ” (ብእንግሊዝኛ Angels) ዝብል ዓንቀጽ ከተጽንዖ ትኽእል ኢኻ ወይ ከኣ ብዛዕባ መላእኽቲ ዝዛረብ ናይ ዝሓለፈ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዞም ሰማያውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዙሕ ክትፈልጥ ከም እትኽእል ምግንዛብካ ክትግረም ኢኻ: ነቲ ዘበርክትዎ ደገፍ እውን ከተማስወሉ ኢኻ። (ራእይ 14:⁠6, 7) ይኹን እምበር: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት ማሕበር: ገለ መንፈሳውያን ፍጥረታት ንፍሉይ ዕላማታት ኢዮም ዘገልግሉ።

ኢሳይያስ ዝረኣዮ

13, 14. ኢሳይያስ ብራእይ እንታይ ኢዩ ርእዩ: እዚኸ ብኸመይ ተንከፎ፧

13 ሕጂ ኸኣ ኣብቲ ናይ ኢሳይያስ ራእይ ገለ ኵዕታ ንግበር። ምዕራፍ 6 ካብ ቍጽሪ 1 ክሳዕ 7 ከተንብብ ከሎኻ ግድን ትምሰጥ ኢኻ። ኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ኣብ . . . ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ: ርኤኹዎ” ምስ በለ ቀጺሉ “ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ” ይብል። ንቕድስንኡ እናወደሱ ብዛዕባ ግርማ የሆዋ ይእውጁ ነበሩ። ነዚ ጸብጻብ እዚ ብምንባብ ጥራይ እኳ ክትትንከፍ ይግብኣካ። ናይ ኢሳይያስ ምላሽከ እንታይ ነበረ፧ “ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ: ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር አሎኹ እሞ: ወይለይ: ኣዒንተይ ንንጉስ: ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ርእየን እየን እሞ: [ኣብ ሲኦል] ጠፋእኩ: በልኩ።” በቲ ራእይ እቲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተመሲጡ ነይሩ! ንስኻኸ ተመሲጥካዶ፧

14 ስለዚ ኢሳይያስ ነዚ ግርማዊ ትርኢት እዚ ብኸመይ ኢዩ ክጻወሮ ዝኸኣለ፧ ሓደ ሱራፌል ከድሕኖ ኢሉ ከም ዝመጸ እሞ “ኣበሳኻ ረሐቐልካ: ሓጢኣትካውን ጸረየልካ” ከም ዝበሎ ይገልጽ። (ኢሳይያስ 6:⁠7) ኢሳይያስ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ክእመንን ንቓላት የሆዋ ከቕልብን ክኢሉ ኢዩ። ሕጂኸ ብዛዕባ እዞም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም መንፈሳውያን ፍጡራት እዚኣቶም ብዙሕ ክትፈልጥ ኣይምደለኻንዶ፧ እምበኣር እንታይ ኢዩ ክትገብር ዘሎካ፧ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኵዓት። ክትጥቀመሉ እትኽእል ሓደ ሓገዝ ዎችታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንዴክስ ክኸውን ከሎ: እዚ ድማ ነቲ ዘነጽር ሓበሬታታት ናብ ዘለዎ ብዙሕ ምንጭታት ዝሕብር መወከሲታቱ ብምስዓብ ኢኻ እትገብሮ።

ህዝቅኤል እንታይ ኢዩ ርእዩ፧

15. እቲ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዝእመን ምዃኑ ዝሕብር እን​ታይ ኢዩ፧

15 ቀጺልና ካልእ ዓይነት መንፈሳዊ ፍጥረት ንመርምር። ህዝቅኤል ምሩኽ ኰይኑ ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘነቓቕሕ ትርኢት ንምርኣይ መሰል ረኺቡ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1 ገንጽል እሞ ነተን ቀዳሞት ሰለስተ ቍጽርታት ርአ። እቲ ጸብጻብ ብኸመይ ኢዩ ዝጅምር፧ ‘ሓደ መዓልቲ: ኣብ ሓደ ርሑቕ ቦታ . . .’ ኢሉ ድዩ ዝጅምር፧ ኣይፋሉን: እቲ ጸብጻብ ኣብ ዘይፍሉጥ ግዜ እተመርኰሰ ጽውጽዋይ ኣይኰነን። ቍጽሪ 1 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ኰነ ድማ: ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት: ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ: ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ: ኣብ ርባ ኬባር ኣብ ማእከል እቶም ምሩኻት ከሎኹ: ሰማያት ተኸፍቱ: ራእይ እግዚኣብሄርውን ርኤኹ።” ኣብዛ ቍጽሪ እዚኣ እንታይ ኢኻ እተስተብህል፧ ልክዕ ዝዀነ ዕለትን ውሱን ቦታን ኢያ እትነግረና። እዚ ዝርዝራት እዚ ድማ ንጉስ ዮኣቂን ካብ እተማረኸሉ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ማለት ናብ 613 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝሕብር።

16. ህዝቅኤል እንታይ ኢዩ ርእዩ፧

16 ኢድ ኣብ ልዕሊ ህዝቅኤል ትመጽእ እሞ: የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ኸሎ ዘርኢ ዘፍርህ ትርኢት ክርኢ ጀመረ። እቲ ዝፋን ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መንኰራኹራታ ብዙርያኡ ኣዒንቲ ዝመልኦ ዓባይ ሰማያዊት ሰረገላ ተቐሚጡ ነበረ። እቲ ኣብዚ ዘገድስና ትርኢት ኣርባዕተ ፍጥረታት ምንባሮም እሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንኰርኰር ሓደ ፍጡር ደው ምባሉ ኢዩ። “ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፤ ሰብ የምሰልስሉ። ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ: ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮ። ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ: ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ: ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም።”​—⁠ህዝቅኤል 1:⁠5, 6, 10

17. እቲ ናይቲ ኪሩቤል ኣርባዕተ ገጻት እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧

17 እዞም ኣርባዕተ ፍጥረታት እዚኣቶም እንታይ ኢዮም ነይሮም፧ ህዝቅኤል ባዕሉ ኪሩቤላት ከም ዝነበሩ ይነግረና። (ህዝቅኤል 10:⁠1⁠-​3, 14) ኣርባዕተ ገጻት ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ ነተን ኣርባዕተ ቀንዲ ባህርያት ናይቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ንምውካል ኢዩ። ገጽ ንስሪ ነቲ ኣርሒቑ ዝርኢ ጥበብ ዘመልክት ኢዩ። (እዮብ 39:⁠27⁠-​29) ገጽ ብዕራይከ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ሓደ ተቓላሲ ብዕራይ በቲ ኣዝዩ ሓያል ዝዀነ ክሳዱን መንኰቡን ንፈረስን ፈረሰኛን ኣልዒሉ ክድርብዮም ከም ዝኽእል እተፈልጠ ኢዩ። ብርግጽ እቲ ብዕራይ ምልክት ናይቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ የሆዋ ኢዩ። ኣንበሳ ትብዓት ንዝመልኦ ፍትሒ ንምምልካት ኢዩ ውዒሉ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ገጽ ሰብ ንፍቕሪ ኣምላኽ ምምልካቱ ዝሰማማዕ ኢዩ: ከመይሲ ነዚ ባህሪ እዚ ብምስትውዓል ከንጸባርቖ ዝኽእል ምድራዊ ፍጡር ሰብ ጥራይ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠37, 39፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8

18. ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ብዛዕባ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ዘሎና ምርዳእ ዝውስኸሉ ብኸመይ ኢዩ፧

18 ነቲ ስእሊ እቲ ምሉእ ብምሉእ ክንርእዮ ዘኽእሉና ካልኦት ራእያት እውን ኣለዉ። እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ዮሃንስ ራእያት ዘጠቓልል ኢዩ። ንሱ ልክዕ ከም ህዝቅኤል: የሆዋ ብኪሩቤላት ተሰንዩ ኣብ ግርማዊ ዝፋን ተቐሚጡ ይርእዮ። እቶም ኪሩቤላት እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ፧ “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ” ብምባል ንቓላት ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 6 ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ሱራፌላት ኣዋጅ መቓልሕ ይመልስሉ። (ራእይ 4:⁠6⁠-​8) ኣብ ርእሲ እዚውን: ዮሃንስ ኣብ ጥቓ እቲ ዝፋን ገንሸል ይርኢ። እዚኸ ንመን ኰን ኢዩ ዘመልክት፧ ነቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ።​—⁠ራእይ 5:⁠13, 14

19. ካብዚ መጽናዕቲ እዚ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ እንታይ ኢኻ ክትርዳእ ክኢልካ፧

19 በዚ ራእያት እዚ እምበኣር እንታይ ኢና ከነስተውዕል ክኢልና፧ የሆዋ ኣምላኽ በቲ ቃል ወይ ሎጎስ ዝዀነ ገንሸል: የሱስ ክርስቶስ: ተሰንዩ ኣብ ዝፋኑ ምቕማጡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይታ ሰማያዊት ማሕበር ምዃኑ ከነስተውዕል ክኢልና ኢና። ቀጺልና እውን ንሱራፌላትን ኪሩቤላትን ዘጠቓልሉ ሰማያውያን ናይ መላእኽቲ ሰራዊት ርኢና ኢና። ክፍሊ ናይታ ንዕላማታት የሆዋ እተገልግል ዓባይን ሓድነት ዘለዋን ማሕበር ኢዮም። ሓደ ካብቲ ዕላማታታ ኸኣ እቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዝዕየ ዘሎ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 13:⁠10፣ ዮሃንስ 1:⁠1⁠-​3፣ ራእይ 14:⁠6, 7

20. ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶ ኢዩ ዝምለስ፧

20 ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ኣብ ምድሪ ፍቓድ እቲ ሉዓላዊ ጐይታ ብኸመይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንኽማሃሩ ኣብ ኣደራሻት መንግስቶም ዝእከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ብርግጽ እምበኣር: ሕጂ ካብቶም ምስ ሰይጣንን ምስቶም ጸላእቲ ሓቅን ዘለዉስ እቶም ምሳና ዘለዉ ከም ዝበዝሑ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ግናኸ እታ ሰማያዊት ማሕበር ኣብቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዋ፧ ዝብል ሕቶ ይለዓል ኢዩ። እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዝን ንኻልእ ነገራትን ከተብርሆ ኢያ።

ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት

◻ ንማሕበር የሆዋ ንኽንግንዘባ እንታይ ኢና ክንርዳእ ዘድልየና፧

◻ ጊልያ ኤልሳእ ከመይ ዝበለ ተመክሮ ኢዩ ኣሕሊፉ: እቲ ነብዪኸ ብኸመይ ኢዩ ዘተባብዖ፧

◻ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧

◻ ዳንኤል: ኢሳይያስን ህዝቅኤልን ብዛዕባ እታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ እንታይ መግለጺታት ኢዮም ዝህቡና፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ዝርከብ ጥቕሚ ካብቲ ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ መግቢ ኣዝዩ ይበልጽ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሰማያዊ ሰራዊት ራእይ: የሆዋ ንጸሎት ኤልሳእ ዝመለሰሉ መገዲ ኢዩ ነይሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ