ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
‘ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ’
ሃዋርያ ጳውሎስ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምስፋሕ ዘይተጠቕመሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ነቶም ብቑዓት ንምርካብ ኢሉ “ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን . . . ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን” ይዘራረብ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:17
እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቅንኢ ካብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ኣብ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ ክንጸባረቕ ዝጸንሐ ባህሪ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ናብቲ ርጡብ ፍልጠት ሓቂ ንኽመጹ ብቕንኢ ንኽሕግዝዎም እተፈላለየ ሜላታት ይጥቀሙ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) እዚ ካብ ኣውስትራልያ እተረኽበ ስዒቡ ዘሎ ተመክሮ ነዚ ዘጕልሕ ኢዩ።
ሲድን ሃሮልድን ወትሩ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልትታት ኣብ ሲድኒ ኣብ ጥቓ መደበር መገዲ ባቡር ንእሽቶ ጣውላ ገይሮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት በብተራ ይዝርግሑ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ምዝርጋሕ ካብ ዝጅምሩ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። እቲ ወዲ 95 ዓመት ዝዀነ ሲድ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ወዲ 87 ዓመት ምስ ኰንኩ: ማኪና ክዝውር ኣይከኣልኩን። ነቲ ግሉጽ ምስክርነት ናይ ምሃብ ንጥፈት ተሓጒሰሉ ስለ ዝነበርኩ እዚ ተስፋ ኣቝሪጹኒ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ካቱምባ: ኤኮ ፖይንት ኣብ ዝበሃል ፍሉጥ ናይ ቱሪስት ከባቢ: ሓደ ሰኣሊ ናይ ምልኩዕ ከባቢታት ስእሊ ክሸይጥ ረኣኽዎ። ነቲ ስእልታት ተዓዘብክዎ እሞ ‘ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳይ ካብቲ ናቱ ዝበለጸ ብዋጋውን ካብቲ ናቱ ዝሓሰረ ስእልታት ኣሎኒ!’ ኢለ ሓሰብኩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ብዙሕ ሰብ ዘዘውትሮ ቦታ ጣውላ ከዳሉ ወሰንኩ: ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዕደል ብስእላዊ መግለጺ ዝማዕረገ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ንሓለፍቲ መገዲ እዝርግሓሎም።
“ኣርባዕተ ዓመት ይገብር: ነቲ ጣውላ ናብ ሲድኒ ኣግዓዝክዎ: ሃሮልድ ድማ ሓበረኒ። ነቲ ጣውላ በብተራ ንሕልዎ: ምስታ ጉባኤና ድማ ሓቢርና ንሰርሕ።” እቲ ሕጂ ወዲ 83 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ሃሮልድ ከምዚ ይብል:- “ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ገዝኦም ኣይርከቡን ኢዮም። ስለዚ በዚ መገዲ እዚ ገይርካ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ምክፋል: ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ከም እንበጽሕ ገይሩና ኢዩ። ከም ሓቂ: ዝሓሸ ውጽኢታት ንረክብ ኢና። እቲ እንዕድሎ ጽሑፋት ነዛ ሃገር እዚኣ ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ።”
ሲድ እናሰሓቐ ከምዚ ይብል:- “ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ እተፈላለዩ ቦታታት ነይርና እኳ እንተዀንና: ሰባት መን ምዃንና ኣበይ ከም እንርከብን ቀልጢፎም ክፈልጡ ክኢሎም ኢዮም። ገለ ሰባት ጽሑፋት ደልዮም ይመጹና። ካልኦት ክምለሰሎም ዝደልይዎ ሕቶታት ኣለዎም። ገሊኦም ድማ ሒደት ደቓይቕ ክዘራረቡ ይደልዩ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሎም ዝደልዩ ሰባት ናባይ ክመጹ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኢዩ።”
ሃሮልድ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ሓያሎ ሰባት ብመጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኢዮም ዝግደሱ። ከም ውጽኢት ናይቲ ካባና እተቐበልዎ ጽሑፋትን ብምኽንያት እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምልሶ ዝኸኣልና ሕቶታትን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኣርባዕተ ሰባት ምስ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ኣጸቢቑ ኢዩ ዘተባብዓና።”
ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከም ሲድን ሃሮልድን—ከምኡውን ከም ሃዋርያ ጳውሎስ—ነቲ ኣድላዪ መልእኽቶም ንምስፋሕ ብዝከኣል መጠን ኵሉ ዓይነት መገድታት ኢዮም ዝጥቀሙ። በዚ ኸምዚ ድማ: እቲ “ወንጌል” ብቐጻሊ “ኣብ ብዘላ ዓለም” ይስበኽ።—ማቴዎስ 24:14