ኣብ መወዳእታ ዝርከብ ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ፍትሒ
“ነቲ ናይ ጥቑዓት ጥርዓን: ነቲ ናይ ጭኑቓት ጥርዓን: ነቲ ሰማዒ ስኢኑ ተስፋ ዝቘረጸ ጥርዓን . . . ብሓድሽ መገዲ ክንሰምዕ ክንጽዕር ኢና። . . . እቲ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ከምቲ ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ ዓይነት ክብሪ ዘለዎም ኰይኖም እተወልዱ: ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ሓደ ዓይነት ክብሪ ዘለዎም ኰይኖም ከም እተወልዱ ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብል ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጥራይ ኢዩ።”—ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት: ሪቻርድ ሚለሃውስ ኒክሰን: ብ20 ጥሪ 1969 ኣብ መመረቕታ ዘስምዖ መደረ።
ነገስታት: ፕረዚደንትታት: ከምኡውን ቀዳሞት ሚኒስተራት ስልጣን ክሕዙ ከለዉ: ብዛዕባ ፍትሒ ኢዮም ዝዛረቡ። እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ነበር ሪቻርድ ኒክሰን ጥራይ ኣይኰነን ከምዚ ዝበለ። እንተዀነ ግን: በቲ ንሕስያ ዘይብሉ ታሪኽ ናይ ዓለም ክርአ ከሎ እዘን ጥዑማት ቃላቱ ላዛአን የጥፍኣ ኢየን። ኒክሰን ዋላ እኳ ‘ነቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕሎ’ ቃል እንተ ኣተወ: ደሓር ግን ሕጊ ብምፍራስ ገበነኛ ኰይኑ ስለ እተረኽበ ስልጣኑ ክሓድግ ተገደደ። ሰላሳ ዓመታት ጸኒሑ ‘ናይ ጥቑዓት: ጭኑቓት: ከምኡውን ናይ ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ጥርዓን’ ቀጺሉ ኢዩ።
ከምቲ ብዙሓት ጥዑያት መራሕቲ እተመከርዎ: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርዓናት ክትሰምዕን ነቲ ስቓይ ኣቓልቦ ክትገብረሉን ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን። ‘ፍትሒ ንዅሉ’ ዝብል ጭርሖ ክብጻሕ ዘይከኣል ሸቶ ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር: ብዙሕ ዘበናት ይገብር ከነቕልበሉ ዘሎና ንፍትሒ ዝምልከት ፍሉይ መብጽዓ ተገይሩ ነበረ።
ኣምላኸ ብነብይኡ ኢሳይያስ ገይሩ ንህዝቡ ንሱ ዝሓረዮ ‘ባርያ’ ናብኦም ከም ዝልእኽ ኣረጋገጸሎም። የሆዋ “መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ: ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ” ብምባል ነገሮም። (ኢሳይያስ 42:1-3) ከምዚ ዝኣመሰለ ንዅሎም ኣህዛብ ነባሪ ፍትሒ ከም ዝመጽእ ዘመልክት ውሳነ ክገብር ዝኽእል ሰብኣዊ መራሒ የለን። እዚ መብጽዓ እዚ ትውክልቲ ክግበሮ ዝከኣል ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓለፍ ዝበለ ዓወት ክብጻሕ ይከኣልዶ ኢዩ፧
ትውክልቲ ክንገብረሉ እንኽእል መብጽዓ
ሓደ መብጽዓ ትውክልቲ ዝግበሮ ንክኸውን ኣብቲ ዝመባጻዕ ዘሎ ኣካል እተመርኰሰ ኢዩ። በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ: ‘ባርያኡ’ ዓለምለኻዊ ፍትሒ ከም ዘምጽእ ዝእውጅ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ከም ፓለቲከኛታት ንመብጽዓታት ኣቕሊሉ ኣይርእዮን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣምላኽ ክሕሱ ኣይክኣሎን’ ኢዩ ብምባል የረጋግጸልና። (እብራውያን 6:18) ኣምላኽ “እቲ ክገብሮ ዝወሰንክዎ ነገር ክገብሮ ኢየ” ብምባል ኣትሪሩ ተዛረበ።—ኢሳይያስ 14:24 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ)።
እቲ ኣብዚ መብጽዓ እዚ ዘሎና እምንቶ በቲ ሕሩይ ‘ባርያ’ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝገደፎ ጸብጻብ እውን ዝያዳ ይድልድል ኢዩ። እቲ ፍትሒ ከም ዝሰፍን ዝገብር: ፍትሒ ዝፈቱን ምስ ፍትሒ ተሰማሚዑ ዝነብርን ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ‘ጽድቂ ዝፈቱ ዓመጻ ዝጸልእ’ ሰብ ብምዃን መንቅብ ዘይብሉ ጸብጻብ ኢዩ ሓዲጉ። (እብራውያን 1:9) እተዛረቦ: ኣነባብርኡ: ከምኡውን ኣማውትኡ ኵሉ ብሓቂ ፍትሓዊ ሰብ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ኢዩ። የሱስ ክመውት ከሎ: ነቲ ናይ የሱስ ፈተናን ኣማውትኡን ርእዩ ሓደ ናይ ሮሜ ሓለቓ ሰራዊት “እዚ ብሓቂ ጻድቕ ነይሩ” ንኽብል ተደሪኹ ኢዩ።—ሉቃስ 23:47
የሱስ ብጽድቂ ይነብር ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ግዜኡ ግኑን ዝነበረ ምጕዳል ፍትሒ እውን ይቃወሞ ነይሩ ኢዩ። እዚ ግን ብዕልዋ ወይ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ዘይኰነስ ነቶም ዝሰምዕዎ ናይ ሓቂ ፍትሒ ብምምሃር ኢዩ ዝገብሮ ነይሩ። እቲ ናይ ከረን ስብከቱ ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዘለዎ ዘርኢ ውሕሉል መግለጺ ኢዩ።—ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7
የሱስ ነቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኢዩ። ነቶም ኣብ ናይ ኣይሁድ ሕብረተሰብ “ዘይቅረቡ” ዝነበሩ ለምጻማት ኣይነዓቖምን። ኣብ ክንዲ ዝርሕቆም ምስኦም ይዛረብ: ይትንክፎም: ከምኡውን የሕውዮም ነበረ። (ማርቆስ 1:40-42) ዝረኸቦም ኵሎም ሰባት: ነቶም ድኻታትን ግፉዓትን እውን ሓዊስካ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮም ነይሩ። (ማቴዎስ 9:36) “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” በሎም።—ማቴዎስ 11:28
ልዕሊ ዅሉ ድማ የሱስ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ምጕዳል ፍትሒ ከበላሽዎ ወይ ከጨክኖ ኣይፈቐደሉን። ክፉእ ኣብ ክንዲ ክፉእ ፈድዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:22, 23) ተሰቒሉ እናተቐንዘወ ከሎ እውን ከይተረፈ ኣብ ክንዲ እቶም ዝሸንከርዎ ወተሃደራት ናብ ሰማያዊ ኣቡኡ ጸለየ። “ኣቦይ: ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ: ሕደገሎም” ኢሉ ለመነ። (ሉቃስ 23:34) ‘ፍትሒ’ እንታይ ምዃኑ ‘ነህዛብ’ ብርግጽ ኣርእይዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 12:18) ኣምላኽ ፍትሒ ዘለዋ ዓለም ክምስርት ከም ዝደሊ ካብቲ ናይ ወዱ ህያው ኣብነት ንላዕሊ እንታይ መረጋገጺ ክህልወና ይኽእል፧
ምጕዳል ፍትሒ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ
ኣብዚ እዋን እዚ እውን ምጕዳል ፍትሒ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ዘርኢ ኣብ ዓለም ህያው ኣብነት ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ይኹን ብማሕበር ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምፍራድ: ኣድልዎ: ዓሌትነት: ከምኡውን ዓመጽ ከጥፍኡ ኢዮም ዝጽዕሩ። እዚ ዝስዕብ ኣብነት ርአ።
ፔድሮa ኣብታ ዝነብረላ ባስካ እትበሃል ናይ ስጳኛ ክፍሊ ፍትሒ ከም ዝህሉ ንምግባር እንኮ መገዲ ኣንጻር መንግስቲ ምዕላው ኢዩ ዝብል እምነት ነበሮ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ድማ ኣብ ሓንቲ ናይ ግብረ-ሽበራውያን ውድብ ኣባል ኰነ። እዛ ውድብ እዚኣ ድማ ኣብ ፈረንሳ ከይዱ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዝወስድ ገበረት። ልምምዱ ምስ ወድአ: ሓንቲ ኣሃዱ ኣቚሙ ንሓደ መዓስከር ፖሊስ ከፍርስ ተኣዘዘ። ንሱ ብፖሊስ ክተሓዝ ከሎ: ብጾቱ ነተጕቲ የዳልዉ ነበሩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ 18 ኣዋርሕ ገበረ: ገና ግን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ብምግባርን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ ግንቦ ኣእዳዉ ብምጥባሕን ነቲ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ቀጸሎ።
ፔድሮ ፍትሒ ንምምጻእ ይቃለስ ምህላዉ ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ድሕርዚ ንየሆዋን ዕላማታቱን ፈለጠ። ፔድሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ: በዓልቲ ቤቱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: ምስ ተፈትሐ ድማ ኣብ ሓደ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈል ዓደመቶ። በቲ ኣኼባ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓተተ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ድማ ኣብ ኣረኣእያኡን ኣነባብርኡን ዓቢ ለውጢ ናብ ምግባር መርሖ። ኣብ መወዳእታ ብ1989 ፔድሮን በዓልቲ ቤቱን ተጠምቁ።
ፔድሮ ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ግብረ-ሽበራዊ ዝነበርኩሉ ዓመታት ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይምቕታለይ ንየሆዋ አመስግኖ። ሕጂ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ሰላምን ፍትሕን ከም ዝህሉ ዝገልጽ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ናይ መንፈስ ኣምላኽ ሰይፊ: መጽሓፍ ቅዱስ ኢየ ዝጥቀም።” እዚ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽማግለ ኰይኑ ዘሎ ፔድሮ: ብዙሕ ከይጸንሐ ናብቲ ከፍርሶ ዝሓሰበ መዓስከር ፖሊስ በጽሐ። ሕጂ ግን ነተን ኣብኡ ዝነብራ ስድራቤታት ናይ ሰላም መልእኽቲ ክሰብከለን ኢዩ ከይዱ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝበለ ለውጢ ዝገብሩ ጽድቂ ዘለዋ ዓለም ክትመጽእ ሃረር ስለ ዝብሉ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብቲ ኣምላኽ ጽድቂ ዝነብረላ ዓለም ከም ዘምጽእ ዝሃቦ መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ዝገብሩ እኳ እንተዀኑ: ምስ ፍትሒ ተሰማሚዖም ክኸዱ ግዴታኦም ምዃኑ እውን ይግንዘቡ ኢዮም። ኣምላኽ ግዴና ክንገብር ከም ዝጽበየና መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይሕብር ኢዩ።
ዘርኢ ጽድቂ ምዝራእ
ምጕዳል ፍትሒ ከጋጥመና ከሎ “ኣምላኽ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ኣበይ አሎ፧” ኢልና ነእዊ ንኸውን። እዚ እቶም ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ዝበልዎ ኢዩ። (ሚልክያስ 2:17) ኣምላኽ ንኣውያቶም ኣርዚኑዶ ርእይዎ ኢዩ፧ ኣይረኣዮን: ብኣንጻሩ እኳ ድኣ በቲ ኣውያቶም ‘ደኺሙ’ ኢዩ: ከመይሲ ካብ መንጎ እቲ ካልእ ነገራት ንሳቶም ባዕላቶም ብዘይጠቅም ምኽንያታት ነተን ዝኣረጋ ኣንስቶም ፈቲሖምወን ኢዮም። የሆዋ ነተን ‘ብጾቶምን ሰብ ኪዳኖምን ክንሰን ዝጠለምወን ኣንስቲ ንእስነቶም’ ዝነበሮ ሓልዮት ገሊጹ ኢዩ።—ሚልክያስ 2:14
ንሕና ንገዛእ ርእስና ፍትሒ ነጕድል እንተድኣ ዄንና ብዛዕባ ምጕዳል ፍትሒ ክንዛረብ ንኽእልዶ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምፍራድን ዓሌትነትን ካብ ልብና ምሒና ብምውጻእ: ንዅሉ ሰብ ኣድልዎ ብዘይምርኣይን ብምፍቃርን: ከምኡውን ክፉእ ኣብ ክንዲ ክፉእ ብዘይ ምፍዳይ ንየሱስ ክንመስሎ ንጽዕር እንተድኣ ዄንና ብሓቂ ፍትሒ ከም እንፈቱ ነርኢ ማለት ኢዩ።
ፍትሒ ንኽንረክብ ‘ብጽድቂ ክንዘርእ’ ከም ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ የተባብዓና። (ሆሴእ 10:12) ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ይምሰል ብዘየገድስ: ምጕዳል ፍትሒ ኣብ ምልጋስ እንረኽቦ ዝዀነ ይኹን ብሕታዊ ዓወት ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ኣብታ ሌተር ፍሮም ቢርሚንግሃም ጀይል እትብል ደብዳበኡ “ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ምጕዳል ፍትሒ ምስ ዝህሉ ኣብ ኵሉ ቦታ ፍትሒ ንኸይህሉ ዝዓግት ኢዩ” ብምባል ዝጸሓፎ ኢዩ። እቶም ‘ጽድቂ ዚደልዩ’ ሰባት እቶም ነታ ድሕሪ ቀረባ እዋን እትመጽእ ጽድቂ ዘለዋ ሓዳስ ዓለም ንኽወርስዋ ኣምላኽ ዝመርጾም ሰባት ኢዮም።—ጸፎንያስ 2:3
እቲ ፍትሒ ንምርካብ ዘሎና ተስፋ ኣብቲ ዘይጽኑዕ መሰረት ናይ ሰብኣዊ መብጽዓታት ክንሃንጾ ኣይንኽእልን ኢና: ንቓል ናይቲ ፈቃር ፈጣሪና ግን ክንውከሎ ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ ኢዩ የሱስ ንሰዓብቱ መንግስቲ ኣምላኽ ትምጻእ ኢሎም ብዘይ ምቍራጽ ክጽልዩ ዝነገሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) የሱስ: እቲ እተሓርየ ንጉስ ናይዛ መንግስቲ እዚኣ: “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።”—መዝሙር 72:12, 13
ስለዚ እምበኣር: ምጕዳል ፍትሒ ንሓዋሩ ከም ዘይቅጽል ንጹር ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝህሉ ግዝኣት ክርስቶስ ንምጕዳል ፍትሒ ንዘለኣለም ከም ዝጠፍእ ክገብሮ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ ብነብይኡ ኤርምያስ ኣቢሉ ከምዚ ብምባል የረጋግጽ:- ‘እቲ እተዛረብክዎ ጽቡቕ ቃል ዝፍጽመለን መዓልትታት ክመጻ እየን። በተን መዓልትታት እቲኤን ንዳዊት ጨንፈር ጽድቂ ኸጠጥዓሉ እየ። ንሱውን ኣብ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር እዩ።’—ኤርምያስ 33:14, 15
[እግረ-ጽሑፍ]
a እተቐየረ ስም ኢዩ።