ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/8 ገጽ 19-24
  • “እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝፈለጥኩሉ መገዲ
  • ኣብ ሓቂ ዝገበርናዮ ዕቤት
  • ናይ መዝነት ምቅይያር
  • ናብራ ቤትኤል ትርጕም ዝመልኦ ኢዩ
  • ኣብቲ ናይ ምስፍሕፋሕ ዕዮ እጃመይ ከበርክት መሰል ረኸብኩ
  • ዝረኸብክዎ ትምህርቲ
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ናበይ ከም ዝመርሓኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ በረኸት ዝመልኦ ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/8 ገጽ 19-24

“እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና”

ብጆርጅ ካውች እተዘንተወ

ንግሆ ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ውዒልና ምስ ኣዕረፍና: መገላግልተይ ክልተ እምበቲቶ ኣቕረበ። በሊዕና ምስ ወዳእና ንኸትክኽ ሽጋራ ኣውጻእኩ። “ኣብ ሓቂ ክንደይ ገይርካ፧” ኢሉ ድማ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ “ንመጀመርታ ግዜይ እተኻፈልኩላ ኣኼባ ትማሊ ምሸት ኢያ” ኢለ መለስኩሉ።

ኣብ ሓደ ካብ ፒትስበርግ: ፔንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. 50 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ጥቓ ኣቫንሞር እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ብ3 መጋቢት 1917 ኢየ ተወሊደ። ወለደይ ንዓይን ንኣርባዕተ ኣሕዋተይን ንሓንቲ ሓብተይን ኣብቲ ቦታ እቲ ኢዮም ኣዕብዮምና።

ብዙሕ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ከይረኸብና ኢና ዓቢና። ነዊሕ ዓመታት ይገብር ወለደይ ቤተ-ክርስትያን ይኸዱ እኳ እንተ ነበሩ: ገና ንኣሽቱ ኸሎና ኣቋሪጾምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ብስድራቤትና ኣብ ፈጣሪ ንኣምን ነበርና: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስርዓታት ከኣ ንስዕብ ነይርና ኢና።

እቲ ካብ ወለደይ ዝረኸብክዎ ዝበለጸ ምልምማድ ሓላፍነት ምስካም ኢዩ: እዚ ድማ ብኸመይ ሓላፍነት ከም እትቕበልን ከም እትፍጽሞን ዘጠቓልል ኢዩ። ናብራ ሕርሻ ማለት ድማ ንሱ ኢዩ። ይኹን እምበር ናብራና ኣብ ስራሕ ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። ከም ኵዕሶ ሰኪዔትን በይዝቦል ዝበሃል ዓይነት ጸወታን ምግላብ ኣፍራስ: ምሕምባስ ዝኣመሰለ ጥዑይ መዘናግዒታት እውን ነስተማቕር ነይርና ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ ሕጽረት ገንዘብ እኳ እንተ ነበረ ናብራ ሕርሻ ባህ ዘብል ኢዩ ነይሩ። መባእታዊ ትምህርቲ ሓንቲ ክፍሊ ጥራይ ኣብ ዝነበረታ ቤት ትምህርቲ ኢና ተማሂርና: ናብ ካልኣይ ደረጃ ምስ ሓለፍና ግን ኣብ ከተማ ኬድና ንማሃር ነበርና።

ሓደ ምሸት ምስ ዓርከይ ኣብ ከተማ እዛወር ነበርኩ። ሓንቲ ጽብቕቲ ጓል ካብ ገዝኣ ወጺኣ ንዓርከይ ሰላም በለቶ። ፋርን ብሩ ኢያ እትብሃል ኢሉ ኣላለየና። እትነብረሉ ገዛ ኣብ ጐደና እቲ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝርከበሉ ምቹእ ቦታ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብጥቓ ገዝኣ ክሓልፍ ከሎኹ: ፋርን ኣብ ደገ ገዝኣ ገለ ስራሕ ክትሰርሕ ኢየ ዝርእያ። ትግህቲ ምንባራ ድማ ብሓቂ መሲጡኒ ኢዩ። ናይ ቀረባ ዕርክነትን ፍቕርን መስሪትና ኣብ ሚያዝያ 1936 ተመርዓና።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝፈለጥኩሉ መገዲ

ቅድሚ ምውላደይ: ኣብ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብምኽንያት ሃይማኖታ ዘጋፍዕዋ ዝነበሩ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ነበረት። ኣደይ ቀዳም ቀዳም ንዕዳጋ ከተማ ኽትከይድ ከላ ትበጽሓ ነበረት። ነታ ሰበይቲ ክሳዕ ግዜ ሞታ ገዝኣ ተጽርየላን ትለኣኻን ነበረት። ኣደይ ነዛ ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ናይቲ እዋን እቲ መጸውዒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር​—⁠ዝነበረት ሰበይቲ ብዙሕ ሕያውነት ስለ ዝገበረትላ የሆዋ ከም ዝባረኻ ኢየ ዝኣምን።

ድሕሪ ገለ ግዜያት ድማ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ኣሞይ ሃንደበት ሞተት። ቤተ-ክርስትያን ነሞይ ብዙሕ ኣየጸናንዓታን: ሓንቲ ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ጐረቤት ግን ኣጸናኒዓታ ኢያ። እታ ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ከም ዝኸውን ገለጸትላ። (እዮብ 14:⁠13-15፣ መክብብ 9:⁠5, 10) እዚ ምንጪ ናይ ዓቢ ምጽንናዕ ኢዩ ነይሩ። ኣሞይ ከኣ ብግዲኣ ነደይ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ተዛረበታ። እዚ ነደይ ተገዳስነት ኣለዓዒሉላ ኢዩ: ወለዳ ገና ንእሽቶ ከላ ስለ ዝሞቱ: ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ከም ዝኸውን ክትፈልጥ ሃንቀውታ ኣሕደረት። እቲ ተመክሮ እቲ: ንዝረኸብካያ ኣጋጣሚ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምግባር ክትጥቀመላ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ ኢዩ።

ኣብ 1930ታት ኣደይ በቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎድ ዝቐርብ ናይ ሰንበት ንግሆ ፈነወ ረድዮ ክትሰምዕ ጀመረት። ኣብቲ ዓመታት እቲ: እቶም መሰኻኽር ኣብቲ እንነብረሉ ዝነበርና ቦታ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ዝግበር ኣገልግሎት እውን ጀሚሮም ነበሩ። ብኢድ እትተሓዝ ፎኖግራፍ ኣብ ገበላና ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኣንቢሮም ነቲ ሓው ራዘርፎርድ ዘቕረቦ ዝርርባት ይውልዑ። እዚ እተቐድሐ ዝርርባትን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ጎልደን ኤጅ (ሎሚ ንቕሑ! ዝበሃል ዘሎ) መጽሔታትን ነደይ ነቲ ዝነበራ ተገዳስነት ህያው ገይራ ንኽትሕዞ ሓገዛ።

ሒደት ዓመታት ጸኒሑ: ብ1938 ነቶም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኵንትራት ዘለዎም ሰባት ገለ 25 ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ገዛ ዝካየድ ፍሉይ ኣኼባ ክካፈል ዝዕድም ወረቐት ተላእከሎም። ኣደይ ክትካፈል ደለየት: ኣነን ፋርንን ክልተ ኣሕዋተይን ከኣ ኣሰነናያ። ጆን ቡዝን ቻርለስ ሄስለርን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንገለ ዓሰርተ ክልተ እንኸውን ዝርርብ ሃቡና። ድሕሪኡ ኸኣ ንጽባሒቱ ኣገልግሎት እትኸይድ ጕጅለ ከቝሙ ጀመሩ። ሓደ እኳ ይኹን ምስኣቶም ክኸይድ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ ሓው ሄስለር መረጸኒ እሞ “ምሳና ዘይትኸይድ፧” ኢሉ ሓተተኒ። እንታይ ክገብሩ ምዃኖም ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ: ዘይሕግዘሉ ምኽንያት ግን ኣይነበረንን።

ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ዝኸውን ካብ ቤት ናብ ቤት ከድና: ድሕሪኡ ሓው ሄስለር ክልተ እምቦቲቶ ኣቕረበ። ኣብ ደረጃ እቲ ቤተ-ክርስትያን ኮፍ ኢልና ክንበልዕ ጀመርና። ሓንቲ ሽጋራ ከተክኽ ኢለ ምስ ኣውጻእኩ ድማ ኢዩ ሓው ሄስለር ሓንቲ ኣኼባ ጥራይ ምእካበይ ዝፈለጠ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ምሳና ተደረረ: ንጐረባብትና ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ክንዕድሞም ከኣ ሓተተና። ድሕሪ ድራር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገበረልና ነቶም ዝመጹ ዓሰርተ ሰባት ከኣ ዝርርብ ሃቦም። ሰሙን ሰሙን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከም ዘሎና ኸኣ ነገረና። ሽሕ’ኳ ጐረባብትና በዚ እንተ ዘይተሰማምዑ ኣነን ፋርንን ግን ሰሙናዊ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወና መደባት ገበርና።

ኣብ ሓቂ ዝገበርናዮ ዕቤት

ብኡንብኡ ድማ ኣነን ፋርንን ግራት ኣገልግሎት ከድና። ኣብታ ማኪና ብድሕሪት ኮፍ ኢልና ሽጋራ ምስ ወላዕና ሓወይ ግልጽ ኢሉ “መሰኻኽር ሽጋራ ከም ዘየትክኹ ተረዲአ ኣለኹ” በለና። ፋርን ብኡንብኡ ሽጋራኣ ብመስኮት ደርበየታ: ኣነ ግን ወዳእክዋ። ሽጋራ ምትካኽ ንፈቱ እኳ እንተ ነበርና: ድሕሪኡ ሽጋራ ዝበሃል ሒዝና ኣይንፈልጥን።

ብ1940 ምስ ተጠመቕና ኣነን ፋርንን ኣብ ሓደ ኣኼባ ፓይነር: ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት መጸውዒ: ንምዃን ዘበራትዕ ዓንቀጽ ኣጽናዕና። ንገዛ ክንከይድ ከሎና ሓደ ሓው “ንስኻን ፋርንን ፓይነራት ዘይትዀኑ፧ ዝኽልክለኩም ነገር የለን” በለና። ዘይንሰማምዓሉ ምኽንያት ስለ ዘይነበረና ንገዛእ ርእስና ቅርብቲ ገበርናያ። ስርሐይ ድሕሪ 30 መዓልቲ ከቋርጽ ምዃነይ ነቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ትካል ኣመልከትኩ እሞ ፓይነራት ንምዃን ምድላዋት ገበርና።

ኣበይ ከነገልግል ከም ዘሎና ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተመያየጥና እሞ ናብ ባልቲሞር: ሜሪላንድ ገዓዝና። ኣብኡ ድማ ንፓይነራት ዝኸውን ገዛ ተዳልዩ ነበረ: ንቐለብን ንኽዳንን ዝዋሃበና ዝነበረ ገንዘብ ከኣ ኣብ ወርሒ 10 ዶላር ኢዩ። ክሳዕ ኣርማጌዶን የጽናሓና ኢዩ ኢልና ብምሕሳብ ዘዋህለልናዮ ገለ ገንዘብ ነበረና። (ራእይ 16:⁠14, 16) ሽዑ ኵሉ ግዜ ኣርማጌዶን ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዘላ ገይርና ኢና እንሓስብ ነይርና። ስለዚ ድማ ፓይነራት ምስ ኰንና ገዛና ሓዲግና ዝነበረና ኵሉ ጠንጢንና ከድና።

ካብ 1942 ክሳዕ 1947 ኣብ ባልቲሞር ፓይነራት ኰንና። ኣብቲ ዓመታት እቲ ኣብ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብርቱዕ ምጽራር ይወርድ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ናብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታትና ኣብ ክንዲ ብማኪናና እንኸይድ ገለ ሰባት የብጽሑና ነበሩ። በዚ መገዲ እዚ ናይ ማኪናና ጎማ ብተጻረርቲ ኣይቅደድን። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ዝሕጐሰሉ ሰብ እኳ እንተ ዘየሎ ነቲ ግራት ኣገልግሎት ኵሉ ግዜ ንሕጐሰሉ ኢና ነይርና ክብል እኽእል ኢየ። አረ እቲ ምጽራር እትስ ዕዮ ጐይታ ንምፍጻም ብመጠኑ መለዓዓሊ ኢዩ ኰይኑና ነይሩ።

እቲ ዘዋህለልናዮ ኵሉ ገንዘብ ነዊሕ ከይጸናሕና ነጊፍናዮ ነበርና። ናይ ማኪናና ጎማ ኣረገ: ክዳውንትናን ኣሳእንናን እውን በለየ። ንነዊሕ እዋን ዝኸውን ክልተ ሰለስተ ግዜ ሓመምና። ክትቅጽል ቀሊል እኳ እንተዘይነበረ ምቍራጽ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣይመጸናን። ብዛዕብኡ ኣዕሊልና እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ዕዮ ፓይነር ምእንቲ ኽንቅጽል ቀሊል ናብራ ክንነብር ወሰንና።

ናይ መዝነት ምቅይያር

ብ1947 ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ናብ ሎስ ኣንጀለስ: ካሊፎርንያ: ከድና። ኣብኡ ከሎና ድማ ኣነን ዊልያም ሓወይን ንጉባኤታት ንምብጻሕን ንምሕጋዝን ኣብ ናይ መገሻ ዕዮ ከም እተመደብና ዝገልጽ ነናትና ደብዳበ ተቐበልና። ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ ዕዮ እቲ ዝምልከት ፍሉይ ምልምማድ ዝበሃል ኣይተዋህበናን። ከም ዘለዎ ጥራይ ኢና ተቐቢልናዮ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ሸውዓተ ዓመታት ኣነን ፋርንን ኣብ ኦሃዮ: ሚሺገን: ኢንዲያና: ኢልዮኒስን ኒው ዮርክን ኣገልጊልና ኢና። ብ1954 ኣብቲ ንሚስዮናውያን ንምልምማድ ዝሕግዝ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መበል 24 ክፍሊ ክንካፈል ተዓደምና። ኣብኡ ምስ ኣተና ድማ ፋርን ሕማም ፖልዮ ተታሕዘት። ዘሐጕስ ግን ምሉእ ብምሉእ ሓወየት እሞ ኣብ ኒው ዮርክን ኮኔክቲከትን ናይ መገሻ ዕዮ ክንዓዪ ተመደብና።

ኣብ ስታምፎርድ: ኮኔክቲከት ከነገልግል ከሎና እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ናታን ኤች ኖር ቀዳመ-ሰንበት ምስኡን ምስ ሰበይቱ ኦድሪን ከነሕልፎ ሓተተና። ጥዑም እተጠብሰ ስጋ ምስ በብዓይነቱ መግቢ ገይሮም ከኣ ኣድረሩና። ቅድሚኡ ሌላ ስለ ዝነበረና ንሓው ኖር ከኣ ኣጸቢቐ እፈልጦ ስለ ዝነበርኩ: ብጀካ እቲ ምትእኽኻብን ድራርን ካልእ ኣብ ኣእምሮኡ ዝሓዞ ነገር ከም ዝነበሮ ክግምት ክኢለ ኢየ። ጸኒሑ ኣብታ ምሸት እቲኣ “ቤትኤል ክትኣቱ ከመይ ትርእዮ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“እንድዒ፣ ብዛዕባ ናብራ ቤትኤል ክሳዕ ክንድዚ ዝፈልጦ የብለይን” ኢለ መለስኩሉ።

ንሰሙናት ዝኣክል ምስ ሓሰብኩሉ: ዝደልየና እንተድኣ ኰይኑ ክንኣቱ ከም እንኽእል ነገርናዮ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ 27 ሚያዝያ 1957 ናብ ቤትኤል ክመጽእ ዝሕብር ደብዳበ ተቐበልና: እዛ ዕለት እዚኣ ድማ መበል 21 ናይ መርዓና ዝኽሪ ዓመት ነበረት።

ኣብታ ቤትኤል ዝኣተኹላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ነገራት ሓው ኖር ንጹር ዝዀነ መምርሒ ሃበኒ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ በለኒ:- “ድሕሪ ደጊም ናይ ወረዳ ኣገልጋሊ ኣይኰንካን: ኣብዚ መጺእካ ዘሎኻ ኣብ ቤትኤል ንኸተገልግል ኢዩ። ክትገብሮ ዘድልየካ ዝበለጸ ስራሕ እዚ ኢዩ: ኣብዚ ኣብ ቤትኤል ንዝረኸብካዮ ምልምማድ ከኣ ኣብ ተግባር ንምውዓል ግዜኻን ሓይልኻን ክትውፊ ንደልየካ ኢና። ኣብዚ ክትነብር ኢና እንደልየካ።”

ናብራ ቤትኤል ትርጕም ዝመልኦ ኢዩ

እቲ መጀመርታ እተዋህበኒ መደብ ኣብ ናይ መጽሔት ኵንትራት ምምዝጋብን ናይ ምልኣኽን ክፍሊ ንኽሰርሕ ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ: ሓው ኖር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኽመጽእ ለኣኸለይ። ናብ ቤትኤል ዝመጻኩሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ቤት ንኽዓዪ ምዃኑ ሓበረኒ። መምሪሒኡ ትኽ ዝበለ ኢዩ: “ኣብዚ ምሳና ዘሎኻ ነቲ ናይ ቤትኤል ቤት ንኸተማሓድር ኢዩ” በለኒ።

ንናይ ቤትኤል ቤት ምምሕዳር ነቲ ወለደይ ኣብ ሕርሻ እናዓበኹ ከሎኹ ዝማሃሩኒ ትምህርቲ ኣዘኻኸረኒ። ቤትኤል ልክዕ ከም ስድራቤት ስርዓት ዘለዎ ኢዩ። ክዳውንቲ ክጸሪ: መግቢ ክዳሎ: ዓራውቲ ክንጸፍን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ክግበርን የድሊ። በቲ ናይ ቤት ምምሕዳር: ብዝከኣል መጠን ቤትኤል ንኽትነብረሉ ምሹእ ቦታ ከም ዝኸውን ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ቤቱ ከም ዘሎ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ንምግባር ጻዕሪ ይግበር ኢዩ።

ካብቲ ቤትኤል ዝሰርሓሉ መገዲ ስድራቤታት ክማሃራሉ ዝኽእላ ብዙሕ ትምህርትታት ከም ዘሎ እኣምን ኢየ። ኣንጊህና ንትንስእ እሞ ንውዕሎና መንፈሳዊ ሓሳባት ዘለዎ ዕለታዊ ጥቕሲ ብምምርማር ኢና እንጅምራ። ኣጸቢቕና ክንሰርሕን ሚዛናዊ ዝዀነ ትሑዝ ናብራ ኸኣ ክንነብርን ትጽቢት ይግበረልና ኢዩ። ቤትኤል ከምቲ ገሊኣቶም ገዳም ከም ዝዀነ ገይሮም ዝሓስብዎ ኣይኰነን። ኣነባብራና ብመደብ ስለ ዝዀነ ብዙሕ ዕማም ኢና እንዓምም። ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብዚ ዝረኸብዎ ምልምማድ ዳሕራይ ናይ ስድራቤትን ናይ ክርስያናዊት ጉባኤን ሓላፍነታት ንኽቕበሉ ከም ዘኽኣሎም ይገልጹ።

ናብ ቤትኤል ዝመጹ መንእሰያትን ጐራዙትን ኣብ ጽሬት ኣብ ሕጽቦ ወይ ከኣ ኣብ ፋብሪካ ንኽሰርሑ ክምደቡ ይኽእሉ ኢዮም። ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጉልበት ስራሕ ሕሱርን ንዓና ዘይበቅዕን ከም ዝዀነ ገይርና ክንወስዶ ኢያ እትደልየና። ይኹን እምበር ኣብ ቤትኤል ዘለዉ መንእሰያትን ጐራዙትን ስድራቤትና ሕጕስቲ ኰይና ብጽቡቕ ምእንቲ ኽትቅጽል እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስራሕ መዝነት ኣድላዪ ከም ዝዀነ ይግንዘብዎ ኢዮም።

ዓለም: ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኽትረክብ ዝለዓለ ቦታን ክብርን ክህልወካ ከም ዘድሊ ዝገልጽ ሓሳባት ተተባብዕ እውን ትኸውን። እዚ ግን ጌጋ ኣተሓሳስባ ኢዩ። እተመደብናሉ ዕዮ ክንፍጽም ከሎና: ‘ክንገብሮ ዝግብኣና ኢና እንገብር ዘሎና’ በረኸት የሆዋ ኸኣ ንቕበል። (ሉቃስ 17:⁠10) ዕላማ ናይ ዕዮና ንዝ​ክሮ እንተድኣ ዄንና ጥራይ ኢና ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ክንረክብ እንኽእል። ዕላማ ዕዮና ድማ ፍቓድ የሆዋ ክንገብርን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድምን ኢዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ንሕዞ እንተድኣ ዄንና ዝዀነ ይኹን እተመደብናሉ ዕዮ ዘሐጕስን ዘዕግብን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ምስፍሕፋሕ ዕዮ እጃመይ ከበርክት መሰል ረኸብኩ

ቤትኤል ካብ ዝኣቶናሉ ዕለት ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ: ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ: ብ1942 እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ሓው ኖር “ሰላም​—⁠ንሓዋሩ ክቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዝብል ዝርርብ ሂቡ ነበረ። እቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከብቅዕ ምዃኑን ንዝሰፍሐ ናይ ስብከት ወፈራ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ናይ ሰላም ግዜ ድማ ክህሉ ምዃኑን ብንጹር ገለጸ። ብ1943 ሚስዮናውያን ንምስልጣን ዝሕግዝ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ከምኡውን ኣሕዋት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ምዝራብ ክእለት ንኸማሓይሹ ዝሕግዝ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተመስረተ። ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ተዳለወ። ብፍላይ ኣብ 1950ታት ውሩይ ዝነበረ ኣኼባታት እቲ ኣብ ያንኪ ስታድዩም: ኒው ዮርክ: እተኻየደ ኢዩ። ምስቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ብ1950 ከምኡውን 1953 እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ እተተሓሓዘ: ኣብቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ሸሞንተ መዓልትታት ዝወሰደ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ዘአንግድ ብተንቀሳቓሲ ገዛውቲ ዝቘመ ዓቢ ከተማ እተገብረ ምድላዋት ክሕግዝ ኣጋጣሚ ረኸብኩ።

ነቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ብ1958 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ሓዊስካ ኣብ ኵሉ እዚ ኣኼባታት እዚ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዓቢ ወሰኽ ገበሩ። እዚ ድማ ብቐጥታ ነቲ ናይ ቤትኤል ዕዮና ተንከፎ። ኣብ ምውዳእ 1960ታትን ኣብ ምጅማር 1970ታትን ንሰራሕተኛታት መንበሪ ዝኸውን ቦታን ገዛውትን ንምርካብ ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ኣጋጠመና። ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ቤትኤል ስድራቤትና መንበሪ ንምርካብ ዝያዳ መደቀስን ክሽነን መመገቢ ክፍልን ከነዳሉ ነበረና።

ሓው ኖር ነቲ ናይ ፋብሪካ ተዓዛቢ ዝዀነ ማክስ ላርሰንን ንዓይን ንምስፍሕፋሕ ዝሕግዝ ምቹእ ቦታ ክንረክብ ሓተተና። ብ1957 ቤትኤል ክኣቱ ከሎኹ እቶም 500 ዝዀኑ ስድራና ኣብ ሓደ ዓቢ ናይ መንበሪ ህንጻ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት ማሕበር ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ታወርስ: ስታንዲሽ: ከምኡውን ቦሰረት ዝበሃላ ሰለስተ ዓበይቲ ሆቴላትን ካልእ ንኣሽቱ ናይ ኣፓርታማ ህንጻታትን ዓዲጋ ኣሓደሰቶ። ብ1986 ማሕበር ቅድም ሆቴል ማርጋረት ተሃኒጹሉ ዝነበረ ቦታ ዓዲጋ ነቲ ኣብኡ እተሃንጸ ምልኩዕ ሓድሽ ህንጻ ናይ 250 ሰባት መንበሪ ገበረቶ። ድሕርዚ ኣብ መጀመርታ ናይ 1990ታት ን1,000 ሰራሕተኛታት መንበሪ ዝኸውን ተወሳኺ 30 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ተሃንጸ። ሕጂ ብሩክሊን ቤትኤል ን3,300 ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤትና ከንብርን ክምግብን ይኽእል ኢዩ።

ካብ ብሩክሊን ቤትኤል ዳርጋ 160 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሕቀት ዘለዎ ኣብ ዋልኪል: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቦታ እውን ተዓደገ። ካብ መወዳእታ ናይ 1960ታት ጀሚሩ: ኣብቲ ቦታ እቲ ናይ መንበሪ ህንጻታትን ዓቢ ቤት ማሕተምን ተሃንጸ። ሕጂ ገለ 1,200 ዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤትኤልና ኣብኡ ኢዮም ዝነብሩን ዝሰርሑን። ብ1980 ከኣ ኣብ ምሹእ መገዲ ዝርከብ 250 ሄክታር ዝኸውን መሬት ኣብ ጥቓ ከተማ ኒው ዮርክ ምድላይ ተጀመረ። እቲ መሬት ናይ ምዕዳግን ምሻጥን ወኪል ከኣ እናሰሓቐ “ከምኡ ዝዓይነቱ ቦታ ኣበይ ኢኹም ክትረኽቡ፧ ኣይክኣልን ኢዩ” በለ። ንጽባሒቱ ግን ደዊሉ “እትደልይዎ ቦታ ረኺበልኩም” በለና። ሎሚ እዚ ቦታ እዚ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ኣብኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣሎ። ካብ 1,300 ንላዕሊ ኣገልገልቲ ዝሓዘ ስድራቤት ድማ ኣሎ።

ዝረኸብክዎ ትምህርቲ

ሓደ ንፉዕ ተዓዛቢ ዝበሃል ካብ ካልኦት ጠቓሚ ሓበሬታ ክረክብ ዝኽእል ክኸውን ከም ዘለዎ ተማሂረ ኢየ። ካብቲ ናይ ቤትኤል ተዓዛቢ ኰይነ ከም ዝትግበር ዝገበርክዎ ሓሳባት መብዛሕትኡ ካልኦት ዘቕረብዎ ኢዩ።

ቤትኤል ክኣቱ ከሎኹ: ብዙሓት ኣብዚ ሎሚ ኣነ ዘሎኽዎ ዕድመ ኢዮም ነይሮም። ሕጂ መብዛሕትኦም የለዉን። ነቶም ዝሸምገሉን ዝሞቱን መን ኢዩ ዝትክኦም፧ ዝትክእዎም ኵሉ ግዜ ዝበለጸ ክእለት ዘለዎም ሰባት ኣይኰኑን። እቶም ኣብዚ ዘለዉ: ኣብቲ ዕዮ ብተኣማንነት ዝዓዩ: ርእሶም ድማ ዘቕርቡ ሰባት ኢዮም።

ካልእ ክዝክሮ ዘሎኒ ኣገዳሲ ጕዳይ ከኣ ጥቕሚ ናይ ሕያወይቲ ሰበይቲ ኢዩ። ደገፍ ናይታ ክብርቲ ሰበይተይ ፋርን ነቲ ቲኦክራሲያዊ መደባተይ ንኽፍጽም ዓቢ ሓገዝ ኰይኑኒ ኢዩ። ሰብኡት ኣንስቶም ነቲ እተመደብሉ ዝሕጐሳሉ ምዃነን ከረጋግጹ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣነን ፋርንን ክንገብሮ ባህ ዝብለና ነገራት ንምግባር ኣቐ​ዲመ መደብ ንምውጻእ እፍትን። ካብቲ መዓልታዊ ስራሕ እተፈልየ ነገር ድኣ እምበር ግድን ብዙሕ ገንዘብ ዘውጽእ ኣይኰነን። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘሐጕሳ ነገራት ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ምስኣ ዘሕልፎ ግዜ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ: ቀልጢፉ ኸኣ ኢዩ ዝሓለፍ: ስለዚ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብጽቡቕ ክጥቀመሉ የድልዮ።

ኣብተን የሱስ እተዛረበለን ዳሕ​ሮት መዓልትታት ምንባረይ የሐጕሰኒ ኢዩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብምሉኡ እቲ ኣዝዩ ዘደንጹ ግዜ ኢዩ። ጐይታ ነታ ተስፋ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ንምድላው ንማሕበሩ ብኸ​መይ የማዕብላ ከም ዘሎ ብናይ እምነት ኣዒንትና ክንርእን ክንዕዘብን ክኢልና ኢና። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ህይወተይ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክጥምቶ ከሎኹ: ንማሕበሩ ዝመርሓ ዘሎ የሆዋ ድኣ እምበር ሰባት ከም ዘይኰኑ ክርኢ ክኢለ ኢየ። ንሕና ኣገልግልቱ ጥራይ ኢና። ከምዚ ካብ ኰነ ኵሉ ግዜ መሪሕነቱ ክንጽበ ኣሎና። ነቲ ክንገብሮ ዘሎና ሓንሳእ እንተድኣ ኣነጺሩልና ንምእዛዙ ድሉዋት ክንከውንን ክንተሓባበርን ይግብኣና።

ምስታ ማሕበር ምሉእ ብምሉእ ተሓባበር ምሉእን ሕጉስን ናብራ ድማ ክትረክብ ኢኻ። እትዓዮ ዘሎኻ ዕዮ ፓይነር: ናይ ወረዳ ዕዮ: ከም ኣስፋሒ ኴንካ ምስታ ጉባኤ ምግልጋል: ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት: ወይ ከኣ ዕዮ ሚስዮናውነት ይኹን ብዘየገድስ ነቲ ዝወሃበካ መምርሒ ስዓብ: ነቲ ሒዝካዮ ዘሎኻ ዕዮ ኸኣ ኣኽቢርካ ርኣዮ። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እትዓዮ ዝዀነ ይኹን ዕዮን እትዓየላ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ንኽትሕጐሰሉ ብዝከኣለካ መገዲ ጽዓር። ካብ ብዝሒ ስራሕ እተላዕለ ትደክም ትኸውን: ሓድሓደ ግዜውን ተስፋ ምቝራጽ ይስምዓካ ይኸውን ኢዩ። ሽዑ ኸኣ ኢኻ ነቲ ህይወትካ ንየሆዋ ዝወፈኻሉ ዕላማ ክትዝክር ዘሎካ። እቲ ዕላማ እቲ ድማ ፍቓድ ርእስኻ ዘይኰነስ ፍቓዱ ንኽትገብር ኢዩ።

ብዝሰርሓክዎ ዘይተሓጐስኩላ መዓልቲ የላን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ምሉእ ነፍስና ክንህቦ ከሎና ‘ነቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ከም ዝገበርና’ ብምፍላጥና እንረኽቦ ዕግበት ስለ ዘሎና ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ናይ መጽሔት ክፍሊ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብ 1950 ምስ ፋርን ኣብቲ ብተንቀሳቓሲ ገዛውቲ ዝመልአ ከተማ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብ 1946 ኣብ ባልቲሞር ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ከሎና

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብተንቀሳቓሲ ገዛውቲ ዝመልአ ከተማ​—⁠1950

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኦድሪ ኖርን ናታን ኖርን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ፋርን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ