ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/8 ገጽ 25-29
  • ኣኽቢርካ ዝርአ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት መሰላት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኽቢርካ ዝርአ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት መሰላት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንስድራቤት ዘድሊ ህጹጽ ጕዳያት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ
  • ንሓላፍነታቶም ምስካም
  • ናይ ስድራቤት ምትሕብባር
  • እቶም ንየሆዋ ብናጻ ዝህቡ ወለዲ
  • ሓገዝቲ ጉባኤታት
  • ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ዘክሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንኣረጋውያን ኣኽብሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብኸመይ ሓጐስ ከም ዝዕቀብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/8 ገጽ 25-29

ኣኽቢርካ ዝርአ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት መሰላት

እቲ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት መዝነት ኣፍኲስካ ክርአ የብሉን። እቶም ኣብታ ጥንታዊት ይሁዳ ዝነበሩ ካህናት ነቲ ንቤት መቕደስ የሆዋ ዝምልከት መሰላቶም ሸለል ምስ በልዎ: የሆዋ ኣምሪሩ ወቒስዎም ኢዩ። (ሚልክያስ 1:6-14) ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ገለ ሰባት: ናዝራውያን ነቲ ተቐቢሎምዎ ዝነበሩ ንቕዱስ ኣገልግሎቶም ዝምልከት ሓላፍነት ኣቕሊሎም ክርእይዎ ምስ ደፋፍእዎም ድማ: የሆዋ ነዞም ሓጢኣተኛታት እስራኤላውያን እዚኣቶም ገሲጽዎም ኢዩ። (ኣሞጽ 2:11-16) ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ኣብዚ ቅዱስ ኣገልግሎት ይካፈሉ ኢዮም: ክብ ኣቢሎም ድማ ኢዮም ዝሕዝዎ። (ሮሜ 12:⁠1) እዚ ቅዱስ ኣገልግሎት እዚ ብዙሕ መዳያት ኣለዎ: ኵሉ እቲ መዳያት ከኣ ኣገዳሲ ኢዩ።

የሱስ ምስቶም ሰዓብቱ ገና ኣብ ምድሪ ኸሎ: ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክዀኑ ኣለማሚድዎም ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ: እቲ መልእኽቶም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ክበጽሕ ነበሮ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) እዚ ስብከት እዚ ኣብዘን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ብዝዓበየ ህጹጽነት የስፋሕፍሕ ኣሎ።

ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዕዮ እዚ ይካፈሉ ኣለዉ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ከም ፓይነራት ኰይኖም ኣብዚ ዕዮ እዚ ክካፈሉ ብምኽኣሎም ይሕጐሱ ኢዮም። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝድለ ነገራት ምእንቲ ከማልኡ ኣሽሓት ዝዀኑ ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል: ከም ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ ብምዃን ኣብቲ ናይ ምጋሽ ዕዮ ንምክፋል: ወይ ድማ ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ንምዕያይ ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽኣትዉ ገዛእ ርእሶም ኣዳልዮም ኢዮም። እዚ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ኣገልግሎት ክቕጽሉ ዝደልዩ ሰባት እንታይ ኢዩ ዝሓቶም፧

ንስድራቤት ዘድሊ ህጹጽ ጕዳያት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ

ሓደ ሰብ ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቅድሚ ምእታዉ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኵነታቱ ገለ ምትዕርራያት ክገብር ኣለዎ። ነዚ ክገብሮ ዝኽእል ድማ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ እቲ ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ዘይካፈል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቶም ኣብቲ ፍሉይ ኣገልግሎት ድሮ ዝኣተዉ ሰባት ምናልባት ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ዘጠቓልል ንስድራቤት ዘድሊ ህጹጽ ጕዳያት ምስ ዘጓንፎምከ እንታይ ይኹን፧ ከምዚ ስዒቡ ተገሊጹ ዘሎ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታትን ምኽርን ኣድላዪ መምርሒ ይህብ ኢዩ።

ምሉእ ናብራ ህይወትና ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዝምድና ክምስረት ኣለዎ። (መክብብ 12:⁠13፣ ማርቆስ 12:28-30) እቲ ክንዕዘቦ ብሕድሪ እተዋህበና ቅዱስ ነገራት ኣኽቢርካ ክርአ ኣለዎ። (ሉቃስ 1:⁠74, 75 NW ፣ እብራውያን 12:⁠16 NW ) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ንሓደ ቀዳምነት ክህቦ ዘለዎ ነገራት ክልውጥ ዘድለዮ ሰብኣይ ኣብ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ትሑዝ ክኸውን ከም ዘለዎ ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ግን ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈት ኣቡኡ ክሳዕ ዝመውት ኢዩ ከጽንሖ ዝሓስብ ነይሩ። (ሉቃስ 9:⁠59, 60) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: የሱስ ንዅሎም እቶም ኵሉ ነገራት ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ዝዛረቡ እሞ ኸኣ ‘ነቦኦም ወይስ ነዲኦም ሓደ ነገር ዘይገብሩ’ ግጉይ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ሰባት ኣቃሊዕዎም ኢዩ። (ማርቆስ 7:⁠9-13) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ሓደ ሰብ ንወለዱ ከምኡውን ንኣባሓጎታቱን እናሓጎታቱን ሓዊስካ ‘ነቶም ናቱ’ ዝዀኑ ሰባት ዘድልዮም ናይ ምቕራብ ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊጹ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 5:⁠3-8

እዚ ግን ህጹጽ ጕዳያት ምስ ዝለዓል: እቶም ኣብ ፍሉይ ኣገልግሎት ዘለዉ ንኻልኦት ሓልዮት ምእንቲ ክገብሩ መዝነቶም ክገድፉ ኣለዎም ማለት ድዩ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ኣብ ግምት ዝኣቱ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። እቲ ውሳነ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተመርኰሰ ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠5) ሓያሎ ሰባት ነቲ መዝነቶም እናፈተዉዎ ኸለዉ: ንወለዶም ከምቲ ዝድለ ገይሮም ምእንቲ ኽሕግዝዎም ምስኦም ክዀኑ ጥበባዊ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት ስለ ዘጋጠመ ክኸውን ይኽእል: ክሕግዝ ዝኽእል ካልእ ኣባል ስድራቤት ስለ ዘየለ እውን ክኸውን ይኽእል: ወይውን እታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ እቲ ዝድለ ሓገዝ ክትህብ ስለ ዘይከኣለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ እናገበሩ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ክኢሎም ኢዮም። ካልኦት እውን እቲ ናይ ስድራቤት ኵነታት ምስ ተዓረየ እንደገና ናብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣትዉ ክኢሎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እቲ ዅነታት ብኻልእ መገድታት ክእለ ይከኣል ኢዩ።

ንሓላፍነታቶም ምስካም

ህጹጽ ጕዳያት ምስ ተላዕለ: ካብቶም ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ገሊኣቶም መዝነታቶም ከይገደፉ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ኣቓልቦ ክገብሩሎም ክኢሎም ኢዮም። ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት ገለ ንርአ።

ኣብቲ ቀንዲ ናይ ዓለም ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገልግሉ ዘለዉ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን: ኣብ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ዕዮ ክካፈሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1978 ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ጀመሩ። ናይቲ ሓው መዝነት ኣብታ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ከቢድ ጾር ዘለዎ ሓላፍነት ምስካም ዘጠቓልል ኢዩ። ይኹን እምበር ወለዱ እውን ሓገዝ ኣድለዮም። እዞም ቤትኤላውያን ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ነቶም ወለዲ ንኽሓልዩ ገለ 3,500 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ናይ በጺሕካ ምምጻእ ጕዕዞ ብምግባር ኣብ ዓመት ገለ ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ይበጽሑዎም። ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢ ገዛ ሰሪሖም ከኣ ነቶም ወለዲ ዘድልዮም ኣማልኡሎም። ንሕክምና ዝምልከት ሃንደበታዊ ጕዳይ ንኽሓልዩ እተጓዕዝሉ ግዜያት እውን ነይሩ ኢዩ። ንገለ 20 ዓመታት ዝኸውን ዳርጋ ንዅሉ እቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ነዚ ሓላፍነታት እዚ ንምሕላይ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም ኢዮም። ንወለዶም የፍቅርዎምን የኽብርዎምን ኢዮም: ይኹን እምበር ነቲ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት መሰሎም እውን ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ።

ካልእ ሓው ድማ ኣብ ናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዕዮ 36 ዓመታት ምስ ገበረ ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወቱ ዘጓነፎ ኣዝዩ በዳሂ ኵነታት ከም ዝዀነ ገይሩ ዝገልጾ ብድሆ ኣጋጠሞ። እታ እምንቲ ኣገልጋሊት የሆዋ ዝነበረት 85 ዓመት ዕድመ ዝነበራ ሓማቱ ምስኣ ብምዃን ክሕግዛ ዝኽእል ሰብ ኣድለያ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ዝበዝሑ ካብቶም ደቃ ምስኣቶም ክትነብር ዘይጥዕም ኰይኑ ተሰምዖም። ሓደ ካብቶም ኣዝማድ ነቲ ገያሺ ተዓዛቢ: ንሱን ሰበይቱን ኣብ ክንዲ እታ ስድራቤት ኰይኖም ነታ ኣደ ምእንቲ ኽኣልይዋ ነቲ ኣገልግሎት እቲ ከቋርጽዎ ከም ዘለዎም ተዛረቦ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ግን ነቲ ኽቡር ኣገልግሎቶም ኣየቋረጽዎን: ነታ ኣደ ዘድልያ ነገራት እውን ዕሽሽ ኣይበልዎን። ነተን ቀጺለን ዝነበራ ትሽዓተ ዓመታት ድማ ዝበዝሕ ግዜ ምስኣቶም ብምዃን ኢያ ኣሕሊፋተን። መጀመርታ ኣብ ሓንቲ ተንቀሳቓሲት ገዛ: ድሕሪኡ ድማ በተን ወረዳታት ኣብ እተዳለወ እተፈላለየ ገዛውቲ ተቐመጡ። እቲ ሽዑ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዝነበረ ሓው ንንውሕ ዝበለ ግዜ መዝነቱ ንምፍጻም ምጋሽ ክቕጽል ከሎ እታ በዓልቲ ቤቱ ድማ ምሉእ ግዜኣ ወፍያ ፍቕራዊ ሓልዮት ንምግባር ምስ ኣዲኣ ትተርፍ ነበረት። እቲ ኣብ ሰሙን ሰሙን ዝግበር ናይ ሰንበት ኣኼባ ምስ ተወድአ ተመሊሱ ምእንቲ ኽሕግዘን እቲ ሓው ነዊሕ መገዲ ይጓዓዝ ነበረ። ነቲ ዅነታት እተዓዘብዎ ብዙሓት ሰባት ድማ ነዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓገዝ ዓሚቝ ሞሳ ገለጹሎም። ጸኒሖም ድማ: ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ገለ ሓገዝ ንኽገብሩ ተደሪኾም ኢዮም። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት መሰሎም ስለ ዝጸንዑ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህዝቢ የሆዋ ካብ ኣገልግሎት ናይዞም ርእሰ-መስዋእቲ ዝገበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ብቐጻሊ ይጥቀሙ ኣለዉ።

ናይ ስድራቤት ምትሕብባር

እተፈላለዩ ኣባላት ስድራቤት እቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝህቦ ጥቕሚ ዝርድእዎ እኳ እንተዀኑ: ብውሕዱ ገለ ካብኣቶም ኣብኡ ክካፈሉ ምእንቲ ክኽእሉ ክተሓባበሩ ይኽእሉ ኢዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራቤት እተርእዮ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ነቶም ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘገልግሉ ዘለዉ ካናዳውያን ሰብኣይን ሰበይትን ሓጋዚ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ዋላ ሓንቲ ነገር ከጋጥም ከም ዘይክእል ተስፋ ብምግባር: ህጹጽ ጕዳያት ክሳዕ ዝለዓል ኢዶም ኣጣሚሮም ኣይተጸበዩን። ናብቲ ካብ ሃገርካ ወጻኢ ብምኻድ ዝግበር ኣገልግሎት ዘዳሉ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ቅድሚ ምኻዶም: እቲ ሰብኣይ ኣዲኦም ኣብቲ ክትሓመሉ ወይ ድማ ዓቕሚ ክትስእነሉ እትኽእል እዋን ብኸመይ ሓልዮት ከም ዝግበረላ ምስቲ ምንኣሱ ሓዉ ኰይኑ ተመያየጠሉ። እቲ ምንኣሱ ሓዉ ነዲኦም ፍቕሪ ብምርኣይን ነቲ ዕዮ ሚስዮናዊ ዝህቦ ጥቕሚ ብምምሳውን ከምዚ በለ:- “ሕጂ ስድራቤትን ቈልዑን ኣለዉኒ። ኣርሒቐ ብምኻድ ከምቲ ንስኻ ክትገብሮ እትኽእል ክገብር ኣይክእልን ኢየ። ስለዚ ኣዴና እንተድአ ገለ ዀይና: ባዕለይ ክሓልየላ ኢየ።”

ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ነታ ብዕድመ እናደፍአት ትኸይድ ዘላ ኣዲኣ ንምሕላይ ስድራቤት ናይታ ሰበይቲ ብዙሕ ተሓባበርዎም። ሓንቲ ካብተን ኣሓታ ምስ ሰብኣያ ኰይና ነዲኣ ሓልዮት ትገብረላ ነበረት: ደሓር ግን እታ ሓብቲ ንባዕላ ብኸቢድ ሕማም ተሳቐየት። ድሕርዚኸ እንታይ ኰነ፧ ሰብኣይ ሓብታ ምእንቲ ከይሻቐሉ ብምሕሳቡ “ኣነን ደቀይን ብህይወት ክሳዕ ዘሎና: ሚስዮናዊ ኣገልግሎትኩም ፈጺምኩም ክትገድፉ የብልኩምን” ኢሉ ጸሓፈ። ሓንቲ ካልእ ሓብታን ሰብኣያን ከኣ ነታ ኣደ ምእንቲ ክሓልዩላ ገዝኦም ገዲፎም ናብቲ እታ ኣደ እትነብረሉ ቦታ ምስ ከዱ: ተወሳኺ ናይ ስድራቤት ሓገዝ ተረኽበ: ክሳዕ እትመውት ድማ ሓልዮት ገይሮምላ ኢዮም። እዝስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ኰን ኢዩ! ኵላቶም ነቲ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ኢዮም ዝሕግዙ ነይሮም።

እቶም ንየሆዋ ብናጻ ዝህቡ ወለዲ

መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ንቕዱስ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ኢዮም ዘማስዉሉ። ደቆም ካብ መንጎ እቲ ንየሆዋ ከኽብሩሉ ዝኽእሉ ዝበለጸ ጥሪት ኢዮም። (ምሳሌ 3:⁠9) ሓያሎ ክርስትያናት ወለዲ ደቆም ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽኣትዉ የተባብዕዎም ኢዮም። ገለ ካብኣቶም እውን ልክዕ ከምታ ንወዳ ሳሙኤል “ንሓዋሩ” ማለት “ምሉእ ዕድሜኡ” ንየሆዋ ንኸገልግል ዝሃበት ሃና ዝነበራ ስምዒት ይስምዖም።​—⁠1 ሳሙኤል 1:⁠22, 28

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወለዲ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ዘላ ጓሎም “በቲ ዝረኸብክዮ ዘገርም መሰል ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። ከምቲ ክትኰንዮ እተጸበናኪ ኢኺ ዄንኪ” ብምባል ጸሓፉላ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ንሳ “ካባኻትኩም ተፈሊና ንምንባር መስዋእቲ ምግባር ዝሓተና እኳ እንተዀነ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓልየልኩም ክንርኢ ከሎና ኣዝዩ የሐጕሰና ኢዩ” በለት!

ሓደ ኣብ ኤኳዶር ዝርከብ ሚስዮናዊ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዱ ዘድልዮም ነገራት ምሃብ ብዝምልከት ተላዒሉ ዝነበረ እተፈላለየ ኵነታት ድሕሪ ምምርማር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነን በዓልቲ ቤተይን ካብቲ ናይ ኣቦይ ጸሎት ዝዓበየ ሓገዝ ከም ዝረኸብና ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ድሕሪ ሞት ኣቦይ ድማ ኣደይ ‘የሆዋ ንኽልቴኹም ኣብቲ መዝነትኩም ምእንቲ ኸጽንዓኩም ከይጸለየላ ዝሓለፈት መዓልቲ የላን’ ብምባል ነገረትኒ።”

ኣብ ካሊፎርንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ካብ ደቆም ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምእታዉ ተሓጒሶም ነበሩ። እታ ኣደ ክትመውት ከላ እዚ ወዶም እዚ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ስጳኛ ነበረ። ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤት ነቡኦም ንምሕላይ ምድላዋት ክግበር ከም ዘድሊ ተሰምዖም። ብዓለማዊ ዕዮ ትሑዛት ብምንባሮምን ቈልዑ የዕብዩ ስለ ዝነበሩን: ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝስከምዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖምን። ኣብ ክንድኡ: ነቶም ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ንገዛ ብምምላስ ነቡኦም ክሓልይሉ ከም ዘለዎም ኣትሪሮም ተላበዉዎም። ይኹን እምበር: እቲ ኣቦ ወዲ 79 ዓመት እኳ እንተ ነበረ ገና ምሉእ ጥዕና ነበሮ: ብሩህ መንፈሳዊ ተስፋ እውን ነይርዎ ኢዩ። እታ ስድራቤት ኣብቲ ዝገበረቶ ኣኼባ: እተፈላለዩ ኣባላት ነናቶም ኵነታት ምስ ገለጹ: እቲ ኣቦ ደው በለ እሞ ኣትሪሩ “ኣነ ናብ ስጳኛ ክምለሱን ዕዮኦም ክቕጽሉን ኢየ ዝደሊ” ብምባል ተዛረበ። ናብ ስጳኛ ኸኣ ተመልሱ: ይኹን እምበር ብስጋዊ ነገራት ነቡኦም ሓጊዞሞ ኢዮም። እቲ ግዜያዊ መዝነቶም ኣብ ስጳኛ ዘሎ ናይ ወረዳ ዕዮ ኢዩ። እታ ስድራቤት ካብ እተኣከበትሉ ግዜ ንነጀው: ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ነቲ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝገብርዎ ዘለዉ ዕዮ ሞሳ ኣርእዮምሉ ኢዮም። ድሕሪ ገለ ዓመታት: ሓደ ካብቶም ውሉዳት ነቡኡ ናብ ገዝኡ ወሲዱ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ሓልዮት ገበረሉ።

ሓደ ኣብ ፐንሲልቫንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ዳርጋ ን40 ዓመታት ዝኣክል ፓይነር ኰይኑ ዘገልገለ ቅቡእ ሓው በዓልቲ ቤቱ ከቢድ ሕማም ክትሓምምን ክትመውትን ከላ ድሮ ልዕሊ 90 ዓመት ገይሩ ነበረ። ኣብ ርእሲ እቶም ብዙሓት መንፈሳውያን ደቁ: ሓደ ወድን ሰለስተ ኣዋልድን ነበርዎ። ሓንቲ ካብተን ደቁ ምስ ሰብኣያ ሓቢራ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ማለት ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት: ኣብ ናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዕዮ: ከምኡውን ኣብ ቤትኤል ብጠቕላላ ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣገልጊላ ነበረት። ንኣቡኣ ዘድሊ ሓልዮት ምእንቲ ክዋሃብ ከኣ ምድላዋት ክግበር ሓገዘት። እቶም ኣሕዋት ናብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ብምውሳድ እውን ሓገዙ። ጸኒሓ ድማ: ሰብኣያ ድሕሪ ሙማቱ: ሓልዮት ምእንቲ ክትገብረሉ ካብ ቤትኤል ክትወጽእ ዝደልያ እንተድኣ ዀይኑ ነቡኣ ሓተተቶ። ንሱ ንቕዱስ ነገራት ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርኢ: እቲ ዘድልዮ ነገራት ብኻልእ መገድታት ክማላእ ከም ዝኽእል ስምዒቱ ገለጸ። ስለዚ ኸኣ “ከምኡ እንተድኣ ገይርኪ ዝኸፍአ ነገር ክኸውን ኢዩ: ኣነ ስቕ ኢለ እንተድኣ ርእየኪ ኸኣ ዝገደደ ኢዩ ዝኸውን” ኢሉ መለሰ።

ሓገዝቲ ጉባኤታት

ገለ ጉባኤታት ነቶም ብዕድመ እናደፍኡ ዝኸዱ ዘለዉ ወለዲ ናይቶም ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣሕዋት ንምሕላይ ብዙሕ ሓገዝ ኢየን ዝገብራ። ብፍላይ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ንምፍጻም ብዙሕ ዓመታት ዝወፈዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ሞሳ ኣርእየናኦም ኢየን። እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ካብቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታቶም ናጻ ክገብራኦም ዘይክእላ እኳ እንተዀና: እቶም ውሉዳት ነቲ ፍሉይ መዝነታቶም ምእንቲ ከይገድፉ ነቲ ጾር ንምፍኳስ ብዙሕ ይገብራ ኢየን።

ኣብ ጀርመን ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣብቲ ካብ ዓዶም ወጻኢ ዝነበርዎ ናይ ኣገልግሎት መዝነት ዳርጋ 17 ዓመታት ምስ ገበሩ እታ ብዕድመ ዝደፍአት ኣደ ናይቲ ሓው ዓቢ ሓገዝ ኣድለያ። ዝበዝሕ ካብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣብ ናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዕዮ ኢዮም ኣሕሊፎሞ። ነቲ ናይ ዓመት ዕረፍቶም ተጠቒሞም ኣብ ዓዓመት ይሕግዝዋ ነበሩ። እቶም ጐረባብታ መሰኻኽር እውን ፍቕራዊ ሓገዝ ገይሮምላ ኢዮም። ድሕርዚ እዞም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ናብታ ኣደ ምስ መጹ: ሽማግለታት ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ምስኣቶም ንኽራኸቡ ምድላዋት ገበሩ። እቶም ሽማግለታት ነቲ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ነታ ኣደ ክብሉ ስርዓታውያን ኰይኖም ዝገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ነቲ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ዝሳተፉዎ ዝነበሩ ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህቦ ጥቕሚ እውን ኣማስዮምሉ ኢዮም። ስለዚ: ነታ ኣደ ንምሕላይ ክገብርዎ ዝሓሰቡ መደብ ገለጹ እሞ ቀጺሎም ከኣ ከምዚ በሉ:- “ንዓኣ ንምሕላይ ካብዚ ትገብርዎ ዘሎኹም ንላዕሊ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ስለዚ ኣብቲ ኣብ ስጳኛ ዘሎ መዝነትኩም ምቕጻል ምእንቲ ኽትክእሉ ክንሕግዘኩም ኢና።” እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ኣብዘን ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ነታ ኣደ ሓጊዞማ ኢዮም።

ብተመሳሳሊ: ካብ 1967 ኣትሒዙ ኣብ ሰኔጋል ዘገልግል ዘሎ ሓው ካብታ ኣቡኡ ዝነበረላ ጉባኤ ብዙሕ ፍቕራዊ ሓገዝ ረኺቡ ኢዩ። ሓደገኛ እዋን ምስ ተላዕለ: እታ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤቱ ፈትያ ስለ እተሓባበረቶ: ንወለዱ ንምሕጋዝ በይኑ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተጓዕዘ። ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብኡ ክጸንሕ ኣድላዪ ኰይኑ ረኸቦ። እቲ ዅነታት ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ: ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምስ ገበረ ግን ኣብቲ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ ክቕጽል ምእንቲ ክኽእል እታ ጉባኤ ኢዳ ብምእታው ሓገዘቶ። ንልዕሊ 18 ዓመታት ዝኸውን: ኣባላት እታ ጉባኤ መጀመርታ ነቲ ኣቦ (ንመብዛሕትኦም ዘየለልዮም እኳ እንተዀነ): ድሕሪኡ ድማ ነታ ኣደ ብብዙሕ መገድታት ፍቕራዊ ሓገዝ ገይሮምሎም ኢዮም። እዝስ ነቲ ወዶም ካብ ሓላፍነት ናጻዶ ገይርዎ ኢዩ፧ ኣይገበሮን፣ ነቲ ናይ ዕረፍቲ ግዚኡ ተጠቒሙ ኵሉ እቲ ዝኽእሎ ሓገዝ ንምሃብ ካብ ሰኔጋል ናብቲ ኣቡኡ ዘለዎ ቦታ ብተደጋጋሚ ተጓዒዙ ኢዩ። ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብዙሓት ድማ እቶም ህርኩታት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሰኔጋል ኰይኖም ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ክቕጽሉ ሓገዝ ንምሃብ እጃም ከም ዝገበሩ ብምፍላጦም ሕጉሳት ነበሩ።

የሱስ እቶም ምእንቲ ብስራት ክብሉ ዘለዎም ኵሉ ዝገደፉ: ሚእቲ ካዕበት ኣሕዋት: ኣሓት: ኣዴታትን ውሉዳትን ክረኽቡ ምዃኖም ተዛረበ። (ማርቆስ 10:⁠29, 30) እዚ ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ በኒን: ምዕራብ ኣፍሪቃ: ዘገልግሉ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣብታ ወለዶም ዘለዉዎ ጉባኤ ዘለዉ ክልተ መሰኻኽር ብዛዕባ ወለዶም ክጭነቑ ከም ዘይብሎም ምስ ነገርዎም ነዚ ብፍሉይ መገዲ ተመኪሮምዎ ኢዮም። “ወለዱኹም ወለድና እውን ኢዮም” ብምባል ድማ ወሲኾም ተዛረብዎም።

እወ: ነቲ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት መሰላት ኣኽቢርና ከም ዝሓዝናዮ ከነርእየሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ነዚ ብዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ክትገብረሉ እትኽእል መገድታት ኣሎዶ፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽኣትዉ ርእሶም ኣቕሪቦም ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ