ንህይወትካ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ
እቲ ኣቦ ብሕማም መንሽሮ ኣብ ኣፍ ሞት ኰይኑ ኣብ ገዛ ደቂሱ ነበረ። ወዱ ኣብቲ ቤት ዕዮ ኰይኑ ነቲ ናይ ኣቡኡ ናይ ጽርበት መሳርሒ ኣብ በቦትኡ የቐምጥ ነበረ። ነቲ መሳርሒ እናጠራነፈ ኸሎ: ብዛዕባ እቲ ኣቡኡ በዚ መሳርሒታት እዚ ገይሩ ዝሰርሖ ዘገርም ነገራት ክሓስብ ጀመረ። እቲ ቤት ዕዮ ካብቲ ኣቡኡ ደቂሱሉ ዝነበረ ገዛ ቀጺሉ ዝርከብ እኳ እንተዀነ: ኣቡኡ ተመሊሱ ኣብቲ ክፍሊ ፈጺሙ ከም ዘይኣቱ: ነቲ ብውሕሉል ኣገባብ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መሳርሒ እንደገና ከም ዘይሕዞ ይፈልጥ ኢዩ። ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግዜ ሓሊፉ ኢዩ።
እቲ ወዲ ብዛዕባ እቲ “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ” ዝብል ኣብ መክብብ 9:10 ዝርከብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕሲ ሓሰበ። ነዚ ጥቕሲ እዚ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝፈልጦ። ሞት ማለት ዋላ ሓንቲ ዕዮ ዘይትዓየሉ ኵነታት ምዃኑ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ሰባት ክምህር ከሎ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሙሉ ኢዩ። ሕጂ ግን እቲ ሰሎሞን ዝሃቦ ሓሳባት ልቡ ተንከፎ። ምስ ሓይልና ከሎና ንህይወትና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ: ከምዚ ዘይንገብረሉ ግዜ ክመጽእ ስለ ዝዀነ ግዜና ክንሕጐሰሉ ከም ዘሎና ተረድአ።
ንህይወት ተሓጐሰሉ
ኣብ ብምልእታ መጽሓፍ መክብብ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ንሰማዕቱ ኣብ ህይወቶም ሓጐስ ክረኽቡ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። ንኣብነት: ምዕራፍ 3 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ንኣታቶምሲ [ንሰባት] ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።”—መክብብ 3:12, 13
ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ነዚ ሓሳባት እዚ ደገሞ:- “እንሆ: ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ: በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን: በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ: እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎ።”—መክብብ 5:18
ብተመሳሳሊ ንመንእሰያት ከምዚ ብምባል ኣተባብዖም:- “ኣታ ወዲ: ብንእስነትካ ባህ ይበልካ: በዘን መዓልትታት ንእስነትካ [ወይ ንእስነትኪ] ልብኻ የሐጕስካ: ብመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ።” (መክብብ 11:9ሀ) ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነት ዘሎ ሓይልን ብርታዐን ምሉእ ብምሉእ ክትሕጐሰሉስ ኣየ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!—ምሳሌ 20:29
“ንፈጣሪኻ ዘክሮ”
ሰሎሞን ከምዚ ክብል ከሎ ነፍሲ ወከፍ ብልብና ዝበሃግናዮን ብዓይንና ድማ ዝረኣናዮን ነገር ክንረክብ ሓርኰትኰት ምባል ጽቡቕ ኢዩ ማለቱ ከም ዘይኰነ ሓቂ ኢዩ። (ምስ 1 ዮሃንስ 2:16 ኣረኣእዮ።) እዚ በቲ ቀጺሉ ኢልዎ ዘሎ ክንርድኦ ንኽእል ኢና:- “ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ዅሉ [ንባህግታትካ ከዕግብ ዝኽእል እትስዕቦ ነገራት] ኣብ ፍርዲ ኸም ዜቝመካ ፍለጥ።” (መክብብ 11:9ለ) ዕድመና ብዘየገድስ: ኣምላኽ ንህይወትና ብኸመይ ከም እነሕልፎ ከም ዝዕዘብ: ብእኡ መሰረት ድማ ከም ዝፈርደና ክንዝክር ኣሎና።
ምስ ኣረግና ኣምላኻዊ ናብራ ክንነብር ንኽእል ኢና ብምባል ስስዐ ዘለዎ ናብራ ከነሕልፍ ምሕሳብሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ናይ ዕሽነት ሓሳብ ኰን ኢዩ! ኣብ ዘይተሓስበ እዋን ክንመውት ንኽእል ኢና። ዋላ እንተ ዘይሞትና እውን ኣብ ግዜ እርጋን ንየሆዋ ምግልጋል ከቢድ ኢዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ብምግንዛብ ከኣ ኢዩ ሰሎሞን “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ: ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ: ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ብምባል ዝጸሓፈ።—መክብብ 12:1
ብዕድመ ምድፋእ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ኣለዎ። ቀጺሉ ሰሎሞን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ገይሩ ዕድመ ምድፋእ ዘለዎ ሳዕቤናት ይገልጽ። ኣእዳውን ቀላጽምን የንቀጥቅጥ: ኣብራኽ ወለል ይብል: ኣስናን ይውዳእ። ጸጕሪ ይሽይብን ይረግፍን። ብዙሕ ስለ ዘይትድቅስ: ብድምጺ ሃመማ እውን ከይተረፈ ትበራበር። ናይ ምርኣይ: ምስማዕ: ምድህሳስ: ምሽታት: ከምኡውን ናይ ምጥዓም ህዋሳት ይደኽሙ። ኣካላት ስለ ዝደኸመ ኣብ መገዲ ከይወድቕ ዝብል ‘ስምባድ’ የሕድር። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሰብ ይመውት።—መክብብ 12:2-7
እርጋን ብፍላይ ነቶም ብግዜ ንእስነቶም ‘ንፈጣሪኦም ዘይዘከሩ’ ሰባት ሕማቕ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ግዜኡ ወይ ግዜኣ ብኸንቱ ስለ ዝጠፍአ ዳሕራይ ‘ባህ ኣይብሎን።’ ርኹስ ዝዀነ ኣገባብ ናብራ እውን ነቲ ኣብ ግዜ እርጋን ዝህሉ ሽግራትን ጓህን ይውስኸሉ ኢዩ። (ምሳሌ 5:3 -11) እቲ ዘሕዝን እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንመጻኢ ኣማዕድዮም ክጥምቱ ከለዉ መቓብር እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ዝረኣዮም ነገር የለን።
ኣብ ግዜ እርጋን ምሕጓስ
እዚ ግን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሓጐስ ዘለዎ ህይወት ከሕልፉ ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን” ምስ በረኸት የሆዋ ተቘጺሩ ኣሎ። (ምሳሌ 3:1, 2) የሆዋ ንዓርኩ ኣብርሃም ‘ንስኻ ግና ብጽቡቕ እርጋን ክትቅበር ኢኻ’ በሎ። (ዘፍጥረት 15:15) ኣብ ግዜ እርጋን ጸገማት እኳ እንተሎ: ኣብርሃም ግን ነቲ ንየሆዋ ተወፍዩ ዘሕለፎ ግዜ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ብምጥማት ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ብእምነት ነታ ናይ ሓቂ “መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ማለት መንግስቲ ኣምላኽ ኣማዕድዩ ርእዩ ኢዩ። (እብራውያን 11:10) ስለዚ ድማ “ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ” ሞተ።—ዘፍጥረት 25:8
ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሰሎሞን “ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ: ብዅላተን ይተሐጐስ” ብምባል ዝመዓደ። (መክብብ 11:8) ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እተመርኰሰ ኢዩ።
ኣብቲ ቤት ዕዮ ዝነበረ መንእሰይ ወዲ ነቲ ናይ ኣብኡ መሳርሒ ኣለዓዒሉ ምስ ወድአ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ነገራት እዚ ሓሰበ። ብዛዕባ እቶም ንህይወቶም ብዝበለጸ መገዲ ክጥቀሙላ ዝጸዓሩ እሞ ምስ ፈጣሪኦም ዋላ ሓንቲ ርክብ ስለ ዘይነበሮም ግን ዘይተሓጐሱ ዝፈልጦም ኵሎም ሰባት ደማ ሓሰበ። ሰሎሞን ብህይወት ከሎኻ ክትሕጐስ መተባብዒ ድሕሪ ምሃቡ ነቲ ጕዳይ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብዝብል ቃላት ኣጠቓልል ኣቢሉ ምቕራቡስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ!—መክብብ 12:13