ኣብ የሆዋ ምውካል ተማሃርኩ
ብያን ኮርፓ ኦንዶ እተዘንተወ
ግዚኡ 1942 ነበረ: ኣብ ጥቓ ኩርስክ: ሩስያ: ብሃንጋራውያን ወተሃደራት እሕሎ ነበርኩ። በቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ንሩስያውያን ዝዋጋእ ዝነበረ ብጀርመንን ኢጣልያን ጃፓንን ዝቘመ ሽርካ ሓይሊ ኢና ተኣሲርና ነይርና። ንመቕበርየይ ዝኸውን ጕድጓድ ተዃዒቱ: ኣብቲ ድሕሪ ደጊም ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰንኩን ዝብል ሰነድ ንምፍራም ክውስን ዓሰርተ ደቒቕ ተዋህበኒ። ቀጺሉ እንታይ ከም ዘጋጠመ ቅድሚ ምንጋረይ: ብኸመይ ኣብዚ ደረጃ እዚ ከም ዝበጻሕኩ ከዘንትወልኩም።
ኣብ ሓንቲ ሕጂ ኣብ ምብራቓዊ ስሎቫክያ እትርከብ ዛሆር እትበሃል ቍሸት ብ1904 ተወለድኩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ኣብቅዐ: ዛሆር ናይታ ሽዑ እተመስረተት ሓዳስ ሃገር ቼኮዝላቫክያ ክፍሊ ኰነት። ኣብታ ቝሸትና ክልተ ኣብያተ-ክርስትያንን—ሓንቲ ናይ ግሪኽ ካቶሊክ እታ ሓንቲ ኸኣ ናይ ካልቪን—ከምኡውን ዳርጋ 200 ኣባይቲ ነበረ።
ናብቲ ናይ ካልቪን ቤተ-ክርስትያን እኸይድ እኳ እንተ ነበርኩ: ፋሉል ናብራ ኢየ ዝነብር ነይረ። ኣብ ጥቓ ገዛይ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ግን ፈጺሙ እተፈልየ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ምሳይ ምይይጥ ጀመረ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣለቅሓኒ። ንመጀመርታ ግዜይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዝኩሉ እዋን ሽዑ ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቢሉ ድማ ማለት ብ1926 ንባርቦራ ተመርዓኹዋ: ብዙሕ ከይጸናሕና ድማ ባርቦራ ከምኡውን ጃን ዝስሞም ክልተ ቘልዑ ወለድና።
መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ: ዘይተረዳእክዎ ብዙሕ ነገራት ግን ነበረ። ስለዚ ኸኣ ናብ ኣባት ነብሰይ ብምኻድ ክሕግዙኒ ሓተትክዎም። እቶም ቀሺ “መጽሓፍ ቅዱስ ንእተማህሩ ሰባት ጥራይ ኢዩ: ክትርድኦ ኢልካ እውን ኣይትፈትን” በሉኒ። ድሕርዚ ምስኦም ካርታ ክጻወት ዓደሙኒ።
ብድሕሪኡ ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለቂሑኒ ዝነበረ ሰብኣይ ተመለስኩ። ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ: እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም ኢዩ። ንኽሕግዘኒ ሕጉስ ነበረ: ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ሓቂ ኣየነይቲ ምዃና ክፈልጥ ጀመርኩ። ብዙሕ መስተ ምስታይ ኣቋረጽኩ: ስነ-ምግባር ዘለዎ ህይወት ክነብር ካብኡ ሓሊፈ ድማ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ክነግሮም ጀመርኩ። ኣብ መጀመርታ 1920ታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ዛሆር ኣትዩ ስለ ዝነበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ሓንቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት ንጥፍቲ ጕጅለ ተመስረተት።
እንተዀነ ግን: ጽኑዕ ሃይማኖታዊ ምጽራር ነበረ። ናይቲ ከባቢ ካህን ከም እተጸለልኩ ገይሩ ብምዝራብ: ንዝበዝሑ ኣባላት ስድራቤተይ ኣንጻረይ ከም ዝለዓሉ ገበረ። ይኹን እምበር ህይወተይ ዕላማ ክህልዎ ጀመረ: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ ከገልግል ድማ ቈሪጸ ወሰንኩ። ስለዚ ኸኣ ብ1930 ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።
ምጅማር መሪር ፈተናታት
ብ1938 ኣውራጃና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ብጐድኒ ጀርመን ዝነበረት ሃንጋሪ ኣተወት። ሽዑ ካብቲ ኣብ ዓድና ዝነበረ ሓደ ሽሕ ዘይመልእ ህዝቢ ዳርጋ 50 እንኸውን መሰኻኽር ነበርና። ምስባኽ ንህይወትናን ናጽነትናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እኳ እንተ ነበረ: ከየቋረጽና ንሰብኽ ነበርና።
ብ1940 ኣብቲ ናይ ሃንጋሪ ሰራዊት ክኽተብ ተኣዘዝኩ። እንታይ ኢየ ክገብር፧ ናይ ውግእ ኣጽዋሮም ናብ ናይ ሰላም ናውቲ ዝሰርሕዎ ሰባት ከም ዘለዉ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ኣንቢበ ነበርኩ: ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ኣምላኽ ንዅሉ ውግኣት ካብ ገጽ ምድሪ ከም ዝድምስሶ እፈልጥ ነበርኩ። (መዝሙር 46:9፣ ኢሳይያስ 2:4) በዚ ኸምዚ ኸኣ: ውግእ ክጸልእ ነበረኒ: እቲ ዘምጽኦ ሳዕቤን ብዘየገድስ ድማ ኣብቲ ሰራዊት ንኸይጽምበር ወሰንኩ።
ዓመትን ክልተ ወርሕን ክእሰር ተፈረድኩ: ኣብ ፔክስ: ሃንጋሪ ድማ ተኣሰርኩ። ካልኦት ሓሙሽተ መሰኻኽር ከኣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ነበሩ: ኵላትና ብሓንሳእ ክንከውን ብምኽኣልና ድማ ኣመስጊንና ኢና። ይኹን እምበር: ንገለ ግዜ ኣእጋረይ ብመቝሕ ተኣሲረ ንበይነይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተዓጽየ ነበርኩ። ምስቲ ውግእ ዝተሓሓዝ ስራሕ ምዕያይ ምስ ኣበና: ተቐጥቀጥና። ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ንኽልተ ሰዓት ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሓደ ቦታ ከይተንቀሳቐስና ደው ኢልና ንኽንውዕል እውን ተገደድና። እዚ መሪር ፈተና እዚ ንኣዋርሕ ከምኡ ኢሉ ቀጸለ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩይ ሕልና ስለ ዝነበረና ግን ሕጉሳት ነበርና።
ንኽለማመጥ ዝቐረበለይ ሕቶ
ሓደ መዓልቲ 15 ዝዀኑ ናይ ካቶሊክ ካህናት ዘለዎ ሓደ ጕጅለ ምስቲ ሰራዊት ብምሕባር ነቲ ውግእ ምድጋፍና ኣድላዪ ከም ዝዀነ ንኸእምኑና መጹ። ምይይጥ እናገበርና ኸሎና “ነፍሲ ዘይትመውት ምዃናን ኣብ ውግእ እንተድኣ ሞይትና ድማ ንሰማይ ከም እንኸይድን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ ከተቕርቡ እንተድኣ ክኢልኩም: ምስቲ ሰራዊት ክንሓብር ኢና” በልናዮም። ርግጽ ኢዩ: መርትዖ ከቕርቡ ስለ ዘይከኣሉ ነቲ ምይይጥ ክቕጽልዎ ኣይደለዩን።
ብ1941 እቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ፍርደይ ተወድአ: ምስ ስድራቤተይ ክራኸብ ድማ ሃረር እብል ነበርኩ። ኣብ ክንድኡ ግን ብመቝሕ ተኣሲረ ናብቲ ኣብ ሻራሽፓታክ: ሃንጋሪ: ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ተወሰድኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕና: ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጽእ ኣጋጣሚ ተዋሂቡኒ ነይሩ። “እቲ ክትገብሮ ዘድልየካ ሓደ ነገር ናብ ገዛኻ ምስ ከድካ 200 ፔንጐ ክትከፍል ምዃንካ ኣብዚ ቃል ከም ዝኣተኻ ዝገልጽ ወረቐት ምፍራም ጥራይ ኢዩ” በሉኒ።
“እዚ ኸመይ ኢሉ ይከኣል፧ ነቲ ገንዘብከ ንምንታይ ኢኹም ደሊኹሞ፧” ኢለ ሓተትኩ።
“ነቲ እተባሃልካዮ ገንዘብ ክትከፍል እንተድኣ ዄንካ: ኣብቲ ሰራዊት ክትኣቱ ከም ዘይትበቅዕ ዝገልጽ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ክትቅበል ኢኻ” በሉኒ።
እንታይ ኢለ ከም ዝውስን ሓርበተኒ። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ኣራዊታዊ ብዝዀነ ኣተሓሕዛ ተሳቕየ ነበርኩ፣ እናደኸምኩ ድማ ኢየ ዝኸይድ ነይረ። ሕጂ ግን: ሒደት ገንዘብ ከም ዝኸፍል ብምስምማዕ: ናጻ ክወጽእ እኽእል ኢየ። ብትሑት ድምጺ “ክሓስበሉ ኢየ” ድማ በልኩ።
እንታይ ኢለ ኢየ ክውስን፧ ብዛዕባ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ክሓስብ ነበረኒ። ዳርጋ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ዝጸሓፈለይ ምትብባዕ ዝሓዘት ደብዳበ በጺሓትኒ ነበረት። ነተን ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ናይ የሆዋ ቃላት ዝጠቐሰን ኣብ እብራውያን 10:38 ዘለዋ “ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር: ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ: ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ” ዝብላ ቓላት ጠቐሰለይ። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ኣብቲ መዓስከር ወተሃደራት ምስ ክልተ ሃንጋራውያን መኰንናት ተዘራረብኩ: እቲ ሓደ ድማ “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕኩም ስለ እትስዕቡ ክሳዕ ክንደይ ከም እነኽብረኩም ኣይትፈልጥን ኢኻ! ተስፋ ኣይትቝረጽ!” ብምባል ተዛረበኒ።
ንጽብሒቱ ናብቶም ብ200 ፔንጎ ናጻ ኸውጽኡኒ ዝሓተቱኒ ሰባት ከድኩ እሞ “ክእሰር ዝፈቐደለይ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ ምፍትሐይ እውን ክሓስብ ኢዩ። ንኽፍታሕ ኢለ ገንዘብ ኣይከፍልን ኢየ” በልኩዎም። ስለዚ ኸኣ ዓሰርተ ዓመት ክእሰር ተፈረድኩ። እንተዀነ ግን እቲ ንኽለማመጥ ዝቐርበለይ ዝነበረ ፈተናታት በዚ ኣይተወድአን። እቲ ቤት ፍርዲ ኣጽዋር ከይሓዝኩ ንኽልተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብቲ ሰራዊት ንኸገልግል እንተድኣ ተሰማሚዐ: ምሕረት ከም ዝገብረለይ ነገረኒ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚውን እንተዀነ ነጸግክዎ: በዚ ኸኣ እቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ፍርደይ ጀመረ።
እቲ ስቓይ ይውስኽ
ናብቲ ኣብ ፔክስ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ እንደገና ተወሰድኩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ስቓይ ኣዝዩ ዝመረረ ኢዩ ነይሩ። ኣእዳወይ ንድሕሪት ኣሲሮም ዳርጋ ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ኣንጠልጠሉኒ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ክልቲኡ መናኹበይ መሎቐ። ከምዚ ዝኣመሰለ መሪር ስቓይ ዳርጋ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ቀጸለ። ተስፋ ብዘይምቝራጸይ ግን ንየሆዋ ጥራይ ኢየ ከመስግኖ ዝኽእል።
ብ1942 ኵላትና እቶም ናይ ፖለቲካ እሱራትን ኣይሁድን 26 እንኸውን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ናብታ ብናይ ጀርመን ወተሃደራት ተታሒዙ ኣብ ዝነበረ ከባቢ እትርከብ ዝነበረት ከተማ ኩርስክ ተወሰድና። ናብቶም ጀርመናውያን ኣሕሊፎም ሃቡና: ነቶም ኣብ ግንባር ዝነበሩ ወተሃደራት መግብን ኣጽዋርን ክዳውንትን ከነበጻጽሓሎም ከኣ መደቡና። እቲ ስራሕ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ዝግህስ ስለ ዝነበረ እቶም መሰኻኽር ዘበልና ምስራሕ ኣበና። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ናብቶም ሃንጋራውያን መለሱና።
መወዳእትኡ: ኣብቲ ኣብ ከተማ ኩርስክ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሰርና። ብጐማ ብእተሰርሐ ኣባትር ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ንሓያሎ መዓልትታት ተቐጥቀጥና። ኣብ መትልሐይ ምስ ተዘበጥኩ ድማ ኣብ መሬት ተዘርጊሐ ወደቕኩ። ክውቃዕ ከሎኹ: ‘ምዉት ዝበልኩ’ መሰለኒ። ምሉእ ኣካላተይ ደንዚዙ ስለ ዝነበረ: ዋላ ሓንቲ ክስምዓኒ ኣይክእልን ነበረ። ንሰለስተ መዓልቲ ዝኸውን መግቢ ዝበሃል ኣይሃቡናን። ድሕርዚ ናብ ቤት ፍርዲ ተወሰድና: ሽዱሽተ ድማ ንሞት ተፈርዱ። እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምስ ተፈጸመ ኸኣ እቶም 20 ተረፍና።
እቲ ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ኣብ ጥቅምቲ 1942 ኣብ ከተማ ኩርስክ ዘጋጠመኒ ፈተና ካብቲ ቅድሚኡ ዘሕለፍክዎ ናይ እምነት ፈተናታት እቲ ዝኸበደ ነበረ። እቲ ናይ ጥንቲ ንጉስ ዮሳፋጥ ህዝቡ ዘርዕድ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞ “ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን: እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና: ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ አለዋ” ብምባል እተዛረቦ ቃላት ንስምዒትና ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጽ ነበረ።—2 ዜና መዋእል 20:12
እቶም ዝተረፍና 20 ኸኣ መቓብርና ንኽንኵዕት ተወሰድና። ብ18 ሃንጋራውያን ወተሃደራት ድማ ንሕሎ ነበርና። ኵዒትና ምስ ወዳእና ድማ ኣብቲ ሰነድ ንምፍራም ዓሰርተ ደቒቕ ከም እተዋህበና ተነግረና: እቲ ሰነድ ድማ ብኸፊሉ ከምዚ ዝብል ነበረ:- “ትምህርቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ኢዩ: ድሕሪ ደጊም ኣይክኣምኖን ወይ ድማ ኣይክድግፎን ኢየ። ምእንቲ መሬት ሃንጋራውያን ክቃለስ ኢየ: . . . ምስ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን እሓብር ከም ዘሎኹ ብኽታመይ አረጋግጽ” ዝብል ጽሑፍ ነበሮ።
ድሕሪ ዓሰርተ ደቒቕ ከኣ “ንየማን ገጽኩም ጠምቱ! ናብቲ መቓብር ገጽኩም ኣምርሑ!” ዝብል ትእዛዝ መጸ። ድሕርዚ: “ቀዳማይን ሳልሳይን እሱራት ናብቲ ጕድጓድ እተዉ!” ዝብል ትእዛዝ ተዋህበ። እዞም ክልተ እሱራት እዚኣቶም ኣብቲ ሰነድ ንምፍራም ክውስኑ እንደገና ዓሰርተ ደቒቕ ተዋህቦም። ሓደ ካብቶም ወተሃደራት “ካብቲ ጕድጓድ ንኽትወጹ እምነትኩም ግደፍዎ!” ብምባል ተማሕጸኖም። ንሳቶም ግን ሓንቲ ቓል እኳ ትኹን ኣይተዛረቡን። ድሕርዚ እቲ መኰንን ንኽልቲኦም ረሸኖም።
ሓደ ወተሃደር ነቲ መኰንን “እቶም ዝተረፉኸ፧” ኢሉ ሓተቶ።
“እሰሩዎም: ገና ብዝያዳ ኣሳቒና ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ክንርሽኖም ኢና” ኢሉ መለሰ።
ሃንደበት ድማ ፍርሒ ኣተወኒ: እዚ ኸኣ ክቕተል ኢየ ብዝብል ዘይኰነስ ነቲ ስቓይ ምጽማም ስኢነ ኣብ ምልምማጥ ከይበጽሕ ብዝብል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንቕድሚት ሰጐምኩ እሞ “ጐይታይ: ልክዕ ከምቶም ሕጂ ዝረሸንካዮም ኣሕዋትና ንሕናውን በዲልና ኢና። ንዓናውን ስለምንታይ ዘይትርሽነና፧” በልክዎ።
ንሳቶም ግን ኣይረሸኑናን። ኣእዳውና ንድሕሪት ገይሮም ኣሰሩና። ድሕርዚ በእዳውና ኣንጠልጠሉና። ሃለዋትና ምስ ኣጥፋእና: ማይ ገጨቡና። እቲ ናይ ኣካልና ክብደት ንመንኵብና ከም ዝመሉቕ ስለ ዝገበሮ እቲ ቓንዛ መሪር ነበረ። እዚ መሪር ስቓይ እዚ ዳርጋ ንሰለስተ ሰዓታት ቀጸለ። ድሕርዚ: ሃንደበት ድሕሪ ሕጂ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይትቕተሉ ዝብል ትእዛዝ መጸ።
ናብ ምብራቕ ምጕዓዝ: ብድሕሪኡ ድማ ምምላጥ
ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ከኣ ተሰሪዕና ንሒደት መዓልትታት እናተጓዓዝና ኣብ ገማግም ሩባ ዶን በጻሕና። እቶም ዝሕልውና ዝነበሩ ብህይወት ከም ዘይንምለስ ነጊሮሙና ነበሩ። ቀትሪ ጐዳጕዲ ክንኵዕት መሊስና ድማ ክንደፍኖ ዕላማ ዘይብሉ ስራሕ ሃቡና። ኣብ ኣጋ ምሸት: ኣብቲ ከባቢ ንኽንንቀሳቐስ ዘኽእለና ውሱን ናጽነት ነበረና።
ነቲ ዅነታት ምስ ተዓዘብክዎ: ክልተ ኣማራጺታት ከም ዝነበረ ተረዳእኩ። ኣብቲ ቦታ ክንመውት: ወይ ድማ ካብቶም ጀርመናውያን ከነምልጥ ክኢልና ንሩስያውን ኢድና ምሃብ። ነቲ ብዛሕሊ ረጊኡ ዝነበረ ሩባ ዶን ሰጊርና ንኸነምልጥ ክንፍትን ዝወሰንና ሰለስተ ካባና ጥራይ ነበርና። ብ12 ታሕሳስ 1942 ናብ የሆዋ ጸሊና ድማ ካብቲ ቦታ ሃደምና። ናብቲ ናይ ሩስያ ግንባር ምስ በጻሕና ብኡንብኡ ምስቶም ኣብቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ደምበ ዝነበሩ ዳርጋ 35,000 ዝዀኑ እሱራት ተሓወስና። ኣብ ጽድያ: ዳርጋ 2,300 ዝዀኑ እሱራት ጥራይ ብህይወት ነበሩ። እቶም ዝተረፉ ብጥሜት ተሳቕዮም ሞቱ።
ናጻ እኳ እንተወጻእኩ ተወሳኺ ዘሕዝን ፍጻመ ነበረ
ካብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ውግእን እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ ዝነበረ ሓያሎ ኣዋርሕን ከም ናይ ሩስያ እሱር ኰይነ ብህይወት ደሓንኩ። ኣብ መወዳእታ ብሕዳር 1945 ናብ ዓደይ ዛሆር ተመለስኩ። ሕርሻና ኣብ ሕማቕ ኵነታት ብምንባሩ ንዅሉ ከም ብሓድሽ ክጅምሮ ነበረኒ። ኣብ እዋን እቲ ውግእ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ነቲ ሕርሻ ይዓይዎ ነበሩ: ብጥቅምቲ 1944 እቶም ሩስያውያን ናብቲ ቦታ ምስ ተጸግዑ ግን ንምብራቕ ኣቢሎም ተጓዕዙ። ዝነበረና ዅሉ ንብረት ተዘሚቱ ኢዩ።
ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ድማ: ናብ ገዛ ክምለስ ከሎኹ: በዓልቲ ቤተይ ኣዝያ ሓሚማ ጸንሓትኒ። ብለካቲት 1946 ከኣ ሞተት። ክትመውት ከላ ጓል 38 ዓመት ጥራይ ነበረት። ድሕሪ እተን ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝዀና ነዋሕትን ኣጸገምትን ናይ ምፍልላይ ዓመታት እንደገና ተራኺብና እተሓጐስናሉ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ኢዩ ነይሩ።
ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ኰይነ ኣብ ኣኼባታት ብምክፋልን ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ብምስታፍን ተጸናናዕኩ። ብ1947 ኣብ ብሩኖ ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ምእንቲ ኽካፈል 400 ዝኸውን ኪሎ ሜተር ንኽጓዓዝ ገለ ገንዘብ ክልቃሕ ከኣልኩ። ኣብቲ ኣኼባ ድማ ካብቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፕረዚደንት ዝነበረ ናታን ኤች. ኖርን ካብቶም ካልኦት ክርስትያን ኣሕዋተይን ብዙሕ ደገፍን ምትብባዕን ረኸብኩ።
እቲ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ናጽነትና ነዊሕ ኣይቀጸለን። ብ1948 እቶም ኮሙኒስት ክቃወሙና ጀመሩ። ብ1952 ካብቶም ኣብ ቼኮዝላቫክያ ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕነት ዝወስዱ ዝነበሩ ኣሕዋት ሓያሎ ተኣስሩ: ኣነ ድማ ነተን ጉባኤታት ክኣሊ ሓላፍነት ተዋህበኒ። ብ1954 ኣነውን ተተሓዝኩ እሞ ኣርባዕተ ዓመት ክእሰር ተፈረድኩ። ጃን ወደይን ዩሪ ወዱን እውን ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ብምሕላዎም እተኣስርሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ኣብ ግዝኣት ፓንክራክትስ: ኣብ ከተማ ፕራግ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ንኽልተ ዓመት ተኣሰርኩ። ብ1956 ምሕረት ተኣወጀ እሞ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈታሕኩ።
ኣብ መወዳእታ ናጽነት ረኸብኩ!
ኣብ መወዳእታ ብ1989 እቲ ኣብ ቼኮዝላቫክያ ዝነበረ ስርዓት ኮሙኒስት ወደቐ: ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብሕጊ ተመዝገበ። በዚ ኸኣ: ሓቢርና ንኽንእከብን ብግልጺ ንኽንሰብኽን ናጻ ዀንና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዛሆር ዳርጋ ሚእቲ ዝዀኑ መሰኻኽር ነበሩ: እዚ ድማ ካብቶም ኣብታ ቍሸት ዝነበሩ 10 ሰባት ዳርጋ 1 ምስክር ኢዩ ነይሩ ማለት ኢዩ። ሒደት ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ኣብ ዛሆር ዳርጋ 200 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ምልኩዕን ሰፊሕን ኣደራሽ መንግስቲ ሃኒጽና ኢና።
ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ምሉእ ጥዕና ኣይረኸብኩን: ስለዚ ኸኣ እቶም ኣሕዋት ብማኪና ገይሮም ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ይወስዱኒ። ኣብቲ ኣኼባታት ብምክፋለይ ባህ ይብለኒ: ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ሓሳባት ብምሃብ ከኣ እሕጐስ። ብፍላይ ከኣ ንሓያለይ ካብ ደቂ ደቀይ ሓዊስካ: ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ ዘለዉ ንየሆዋ ከገልግሉ ብምርኣየይ እሕጐስ ኢየ። ሓደ ካብዚኣቶም ጸኒሑ ብምኽንያት ናይ ስድራቤት ሓላፍነቱ እኳ እንተ ኣቋረጾ ከም ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኣብ ቼኮዝላቫክያ ኣገልጊሉ ኢዩ።
ኣብቲ ብዙሕ ፈተናታት ዘጋጠመኒ እዋናት: የሆዋ ስለ ዘሐየለኒ አመስግኖ ኢየ። ንኽጽመም ዝሓገዘኒ ‘ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይነ’ ቆላሕታይ ኣብ የሆዋ ስለ ዝገበርኩ ኢዩ። (እብራውያን 11:27) እወ: ነታ ሓያል ናይ ምድሓን ኢዱ ርእየያ ኢየ። ሕጂውን እንተዀነ ክሳዕ እቲ ዝኽእሎ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽካፈልን ኣብቲ ስሙ ንምእዋጅ ዝግበር ህዝባዊ ኣገልግሎት ንኽሳተፍን ክቕጽል ዝኸኣልኩ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ዛሆር ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ናይ “ግምቢ ዘብዐኛ ” መጽናዕቲ ሓሳብ ናይ ምሃብ መሰል አማስወሉ ኢየ