ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/10 ገጽ 24-27
  • ካብ ወርቂ ዝበልጽ ነገር ረኸብኩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ወርቂ ዝበልጽ ነገር ረኸብኩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣመሪካ ዕግንግን በልኩ
  • ምስ ኣሕዋተይ ተጸምበርኩ
  • ስድራቤት ምምስራትን ቀብርን
  • ሓቂ ምፍላጥ
  • ንእተወለድኩሉ ዓደይ ረኸብክዎ
  • ንሓቂ ቀዳምነት ምሃብ
  • ካብ ንእስነትና ንፈጣሪና ምዝካር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ሸሞንተ ቘልዑ ብመገድታት የሆዋ ምዕባይ ኣጸጋምን ዜሐጕስን እዩ ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣዒንትን ልብን ኣብቲ ዓስቢ ከም ዘተኵራ ምግባር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/10 ገጽ 24-27

ካብ ወርቂ ዝበልጽ ነገር ረኸብኩ

ብቻርለስ ሚልተን እተዘንተወ

ሓደ መዓልቲ ኣቦይ “ናብቲ ገንዘብ ዝሕፈሰሉ ኣመሪካ ንቻርሊ ንስደዶ። ኣብኡ ገለ ገንዘብ ረኺቡ ክልእከልና ይኽእል ኢዩ! ” በለ።

ሰባት ኣብ ኣመሪካ ገንዘብ ወዲቑ ዝርከብ ኢዩ ዝመስሎም ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝነበሩ ሰባት ብህይወት ምንባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ። ወለደይ ንእሽቶ ናይ ሕርሻ ቦታ ነበሮም: ሒደት ከብትን ገለ ደረውህን ድማ የፋርዩ ነበሩ። መብራህቲ ይኹን ናይ ማይ መትረብ ኣይነበረናን። እቶም ጐረባብትናውን ከምኡ ዝኣመሰለ ናብራ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ዳርጋ 106 ዓመት ኣቢሉ ይገብር: ብ1 ጥሪ 1893 ኣብ ሆዞቸክ ተወለድኩ። ዓድና ኣብቲ ሽዑ ክፍሊ ናይ ኦስትርያ-ሃንጋሪ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበረ ኣውራጃ ገሊሽያ ትርከብ። ሕጂ ሆዞቸክ ካብ ስሎቫክያን ዩክረይንን ብዙሕ ከይረሓቕካ ኣብ ምብራቓዊ ፖላንድ ኢያ እትርከብ። ናይቲ ዓዲ ክረምቲ ከቢድ ኢዩ ነይሩ: ብዙሕ ውርጪ ድማ ይወርድ ነበረ። ዳርጋ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎኹ: ካብ ትሕቲ እቲ በረድ ማይ ንምውጻእ መዅዓቲ ሒዘ ናብቲ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ፈለግ እጓዓዝ ነበርኩ። ተሰኪመ ናብ ገዛ አምጽኦ እሞ ኣደይ ድማ ንመግብን ንመጸራረይን ትጥቀመሉ። ክዳውንትና ድማ ናብቲ ፈለግ ከይዳ ኣብቲ ዓበይቲ በረድ ገይራ እናፋሕፍሐት ትሓጽቦ ነበረት።

ኣብ ሆዞቸክ ቤት ትምህርቲ ዝበሃል ኣይነበረን: ይኹን እምበር ቋንቋታት ፖሊሽ: ሩስያ: ስሎቫክ: ዩክረይን ንምዝራብ ተማሂረ ኢየ። ኣብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኢና ኸኣ ዓቢና: ከም ድያቆን ኰይነ ድማ ኣገልጊለ ኢየ። ይኹን እምበር: ብዕድመ ንእሽቶ ከሎኹ እውን ከይተረፈ በቶም ዓርቢ ዓርቢ ስጋ ክንበልዕ ከም ዘይብልና ዝዛረቡና ዝነበሩ ንሳቶም ግን ዝበልዑ ዝነበሩ ካህናት እጕሂ ነበርኩ።

ገለ ካብቶም ኣዕሩኽና ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበሮም ስርሖም ገዲፎም ኣባይቶም ዘጸባብቕሉን ናይ ሕርሻ መሳርሒታት ዝዕድግሉን ገንዘብ ሒዞም ተመልሱ። ነቦይ ምስቶም እንደገና ናብ ኣመሪካ ክኸዱ መዲቦም ዝነበሩ ገለ ጐረባብትና ገይሩ ክልእኸኒ ዝደረኾ እዚ ነበረ። ግዚኡ ብ1907 ክኸውን ከሎ: ኣነ ድማ ወዲ 14 ዓመት ነበርኩ።

ኣብ ኣመሪካ ዕግንግን በልኩ

ነዊሕ ከይጸናሕኩ መርከብ ተሰቒለ ከድኩ: ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ንኣትላንቲክ ሰገርናዮ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ንኽትሓልፍ 20 ዶላር ኣመሪካ የድልየካ: እንተ ዘይኰይኑ ናብ ዓድኻ ኢዮም ዝመልሱኻ። ኣነ ግን 20 ዶላር ኣመሪካ ስለ ዝነበረኒ: ሓደ ካብቶም ሚልዮናት ሰባት ብምዃን በታ ናብ ኣመሪካ እተእቱ ኤላስ እትበሃል ናይ ኒው ዮርክ ደሴት ሓለፍኩ። ርግጽ ኢዩ: ገንዘብ ብቐሊሉ ዝሕፈሰሉ: ኣብ መገዲ ወዲቑ ዝርከበሉ ቦታ ኣይነበረን። ካልእስ ይትረፍ ዝበዝሕ ካብቲ ጐደናታት እኳ ምዕሩይ ኣይነበረን!

ድሕሪኡ ናብ ጆንስታውን: ፔንሲልቫንያ: እትወስድ ባቡር ተሰቐልና። እቶም መጋይሽተይ ቅድሚኡ መጺኦም ስለ ዝነበሩ ኣበይ ከዕርፍ ከም ዘሎኒ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ሓሳበይ ድማ ነታ ኣብ ጀሮም: ፔንሲልቫንያ እትነብር ዝነበረት ምዕባየይ ሓብተይ ምርካብ ኢዩ ነይሩ: ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ዳርጋ 25 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ ከም እትርከብ ፈለጥኩ። ይኹን እምበር: ነታ “ጀ” እትብል ፊደል ብቛንቋና “የ” ኢልና ስለ እነድምጻ: ጀሮም ኣብ ክንዲ ዝብል የሮም እብል ነበርኩ። የሮም ዝበሃል ቦታ ዋላ ሓደ ሰብ ክርድኦ ኣይከኣለን: በዚ ኸኣ ሓንቲ ናይ እንግሊዝኛ ቓል እውን ትኹን ከይፈለጥኩን ብዙሕ ገንዘብ ከይሓዝኩን ኣብ ዓዲ ጓና እቕመጥ ነበርኩ።

ንግሆ ንግሆ ስራሕ ኣብ ምድላይ አሕልፎ ነበርኩ። ኣብቲ ስራሕ ዝቝጸረሉ ቤት ጽሕፈት: ካብቲ ኣብ ደገ ተሰሪዑ ዝውዕል ዝነበረ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ክልተ ወይ ሰለስተ ጥራይ ኢዮም ዝቝጸሩ ነይሮም። ስለዚ መዓልቲ- መዓልቲ በቲ ብዘይ ሓጋዚ ባዕልኻ ንኽትማሃር እተዳለወ ገለ መጻሕፍቲ ተጠቒመ እንግሊዝኛ ከጽንዕ ናብቲ ዝሓድረሉ ገዛ እምለስ ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ ዘይተሓስበ ስራሕ እረክብ ነበርኩ: ይኹን እምበር ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ ገንዘበይ እናተወድአ ኸደ።

ምስ ኣሕዋተይ ተጸምበርኩ

ሓደ መዓልቲ በቲ ኣብ ጥቓ መደበር ባቡር ዝርከብ ቤት መስተ ዘለዎ ሆቴል ሓለፍኩ። ጥዑም ሽታ ዘለዎ መግቢ ሃገግ ይብል ነበረ! ሓደ ሰብ ካብቲ ብዓቢ ብኬሪ ዝቕረብ ሓሙሽተ ሳንቲም ዝዋግኡ ቢራ እንተድኣ ገዚኡ: ኣብቲ ቤት መስተ ካብ ዝርከብ እምበቲቶን ስጋን ካልእ መግብን ብናጻ ይወስድ ነበረ። ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ቘልዑ ኣልኮላዊ መስተ ክገዝኡ ዘይፍቀደሎም እኳ እንተዀነ: እቲ ኣሰላፊ ግን ነቲ ቢራ ብድንጋጽ ሸጠለይ።

እናበላዕኩ ከሎኹ ድማ: ገለ ሰብኡት ቅርብ ኢሎም “ቅልጥፍ ኢልኩም ስተይዎ! እታ ናብ ጀሮም እትወስድ ባቡር ትመጽእ ኣላ” በሉ።

“ንየሮም እትኸይድ ማለትኩም ዲኹም፧” ኢለ ሓተትኩ።

እቶም ሰብኡት “ኣይኰነን: ንጀሮም እትኸይድ ኢያ” በሉ። ሓብተይ እትነብረሉ ቦታ ዝፈለጥክዎ ኣብዚ እዋን እዚ ነበረ። ገና ኣብቲ ቤት መስተ ኸሎኹ ድማ ምስ ሓደ ካብቲ እንዳ ሓብተይ ሰለስተ ማዕጾ ጥራይ ሰጊርካ ዝነብር ሰብኣይ ተላለኹ! በዚ ኸምዚ ናይ ባቡር ቲኬት ኣቝረጽኩ: መወዳእትኡ ድማ ንሓብተይ ረኸብክዋ።

ሓብተይን እቲ በዓል ቤታን ነቶም ናይ ከሰል ሰራሕተኛታት ዝኸውን መሕደርን መግብን ናይ ምድላው ዕዮ የካይዱ ነበሩ: ኣነ ድማ ምስኣቶም እነብር ነበርኩ። ኣብቲ መዐደኒ ነቲ ካብቲ ማዕድን ተፈልዩ ብመትረብ ኣቢሉ ዝወጽእ ማይ ናይ ምሕላው ስራሕ ረኸቡለይ። ማይ ምውጻእ ከቋርጽ ከሎ መካኒክ እጽውዕ ነበርኩ። ንመዓልቲ 15 ሳንቲም እኽፈል ነበርኩ። ድሕርዚ: ኣብ መገዲ ባቡር: ኣብ እንዳ ሕጡብ: ከምኡውን ከም ወኪል ናይ መድሕን ኰይነ ሰራሕኩ። ጸኒሐ ድማ ናብቲ ስቲቭ ዝስሙ ሓወይ ዝነብረሉ ዝነበረ ፒትስበርግ ከድኩ። ኣብኡ: ሓጻውን ኣብ ዝስርሓሉ ቤት ዕዮ ንሰርሕ ነበርና። ንስድራቤተይ ክሰደሎም ዝኽእል ገንዘብ ግን ከዋህልል ኣይከኣልኩን።

ስድራቤት ምምስራትን ቀብርን

ሓደ መዓልቲ ንስራሕ እናኸድኩ ከሎኹ: ሓንቲ መንእሰይ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ኣብቲ እትሰርሓሉ ገዛ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢላ ኸላ ረኣኽዋ። ብልበይ ከኣ ‘እዋይ ክትጽብቕ’ ብምባል ሓሰብኩ። ድሕሪኡ ሰለስተ ሰሙን ጸኒሕና: ብ1917 ኣነን ሄለንን ተመርዓና። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመት ከኣ: ሽዱሽተ ቘልዑ ወለድና: ሓደ ካብኣቶም ግን ገና ህጻን ከሎ ሞተ።

ብ1918 ኣብቲ መገዲ ባቡር ፒትስበርግ ዝበሃል ኩባንያ ከም መራሒ ሎተሪና ኰይነ ክሰርሕ ተቘጸርኩ። ኣብ ጥቓ እተን ማካይን ዘዕርፋሉ ቦታ ቡን ክትሰትየሉ እትኽእል ባር ነበረ። እቶም ወነንቲ እቲ ባር ዝዀኑ ክልተ ግሪኻውያን ሰብኡት: ሓንትስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክሰብኩልካ ይኽኣሉ ድኣምበር ድላይካ እንተ ኣዘዝካውን ዘገድሶም ኣይመስሉን ኢዮም ነይሮም። “ኵላ ዓለም ጌጋ: እቶም ቅኑዓት ድማ ክልቴኹም ጥራይ ኢኹም ማለትኩም ድዩ፧” በልክዎም።

“ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ርኣዮ!” በሉኒ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ግዜ እቲ ከእምኑኒ ኣይከኣሉን።

እቲ ዘሕዝን ግን ብ1928 እታ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ ሄለን ሓመመት። እቶም ደቀይ ዝሓሸ ኣተዓባብያ ምእንቲ ክረኽቡ: ምስ ሓብተይን በዓል ቤታን ኰይኖም ንኽነብሩ ናብ ጀሮም ወሰድክዎም። ኣብዚ እዋን እዚ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ዓዲጐም ነበሩ። ንደቀይ ብዙሕ ግዜ እበጽሖም: ወርሒ ወርሒ ንመግቦም ዝኸውን ገንዘብ እልእከሎም: ክዳውንቲ እውን እሰደሎም ነበርኩ። እቲ ዘሕዝን ኵነታት ሄለን እናኸፍአ ኸደ: ብ27 ነሓሰ 1930 ከኣ ሞተት።

ጽምዋ ተሰምዓንን ሓዘንኩን። ንቐብሪ ዝኸውን ምድላዋት ክገብር ናብ ሓደ ካህን ምስ ከድኩ: “ድሕሪ ሕጂ ናይዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ኣባል ኣይኰንካን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንቤተ-ክርስትያን ዝኽፈል ግብሪ ኣይከፈልካን” በለኒ።

በዓልቲ ቤተይ ንነዊሕ እዋን ሓሚማ ከም ዝነበረት: ደቀይ ድማ ኣብቲ ኣብ ጀሮም ዘሎ ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ ክምጽውቱ ተወሳኺ ገንዘብ እህቦም ከም ዝነበርኩን ገለጽኩሉ። ገና ግን: እቲ ካህን ንቐብሪ ዝኸውን ምድላው ክገብር ስለ ዘይተሰማምዐ: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ነታ ቤተ-ክርስትያን ዘይከፈልክዋ ግብሪ ንኽኸፍል 50 ዶላር ኣመሪካ ክልቃሕ ነበረኒ። እቲ ኻህን ኣብቲ ኣዕሩኸይን ስድራቤተይን ንኽብሪ ሄለን ኢሎም ክእከቡ መዲቦምሉ ዝነበሩ እንዳ ዘማይ ቅዳሴ ንኽገብር ተወሳኺ 15 ዶላር ኣመሪካ ክኸፍሎ እውን ደለየ። 15 ዶላር ኣመሪካ ክረክብ ኣይከኣልኩን: እንተዀነ ግን እቲ ኻህን ደሞዝ ምስ ተቐበልኩ እተን ገንዘብ ዝህቦ እንተድኣ ኰይነ: ቅዳሴ ክገብር ምዃኑ ተሰማምዐ።

ደሞዝ ምስ ወሰድኩ: በቲ ገንዘብ ገይረ ንደቀይ መምሃሪ ዝዀኖም ሳእንን ክዳውንትን ክገዝእ ነበረኒ። ድሕሪኡ ክልተ ሰሙን ዝኸውን ጸኒሑ: እቲ ካህን ኣብታ ኣነ ዝዝውራ ሎተሪና ተሰቕለ። “15 ዶላር እእውደካ ኢየ” ድማ በለኒ። ድሕርዚ: ኣብቲ ዝሓሰቦ ቦታ ክወርድ ከሎ: “ናብ ሓለቓኻ ከይደ ካብ ደሞዝካ ቈሪጸ ክወስድ ኢየ” ብምባል ኣፈራርሓኒ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ስራሕ ቅድሚ ምውጽአይ: ናብ ሓለቓይ ከድኩ እሞ ነቲ ዘጋጠመኒ ነገር ነገርክዎ። እቲ ሓለቓይ ካቶሊክ እኳ እንተ ነበረ: “እቲ ካህን ናብዚ እንተድኣ መጺኡ: በቲ ክፉእ ግብሩ ከስምዖ ኢየ!” በለኒ። እቲ ዘረብኡ ግን ‘እቶም ካህናት ገንዘብና ጥራይ ኢዮም ዝደልዩ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይምህሩናን ኢዮም’ ኢለ ንኽሓስብ ኣለዓዒሉኒ ኢዩ።

ሓቂ ምፍላጥ

ድሕሪኡ ካልእ ግዜ ኣብቲ በቶም ክልተ ግሪኻውያን ሰብኡት ዝካየድ ቤት ቍርሲ ከሎኹ: እቲ ካህን ዝገበረኒ ነገር ተመያየጥናሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ምስቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ክገብር ጀመርኩ። መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ምሉእ ለይቲ ከንብብ እሓድር ነበርኩ። ሄለን ብሞት ከም ዝደቀሰት ድኣ እምበር ከምቲ እቲ ካህን ዝበሎ ኣብ መንጽሂ ቦታ ትሳቐ ከም ዘይነበረት ፈለጥኩ። (እዮብ 14:⁠13, 14፣ ዮሃንስ 11:⁠11-14) ብርግጽ ካብ ወርቂ ዝበልጽ ነገር​—⁠ሓቂ​—⁠ረኸብኩ!

ድሕሪኡ ገለ ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ: ኣብቲ ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፒትስበርግ ዝርከብ ጋርደን ቲኣትር ኣብ ዝበሃል መአከቢ ንመጀመርታ ግዜይ እተኻፈልክዎ ኣኼባ: ኢደይ ኣልዓልኩ እሞ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ከም ካቶሊክ ኰይነ ዘሕለፍክዎ ምሉእ ህይወተይ ንላዕሊ ሎሚ ምሸት ብዝያዳ ፈለጥኩ” በልኩ። ጸኒሐ ድማ: ንጽባሒቱ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ክካፈሉ ዝደልዩ መነመን ምዃኖም ምስ ሓተቱ: እንደገና ኢደይ ኣልዓልኩ።

ድሕርዚ: ብ4 ጥቅምቲ 1931 ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ። ክሳዕ ሽዑ ኸኣ ገዛ ክካረ ክኢለ ስለ ዝነበርኩ እቶም ደቀይ ምሳይ ንኽነብሩ ኣምጻእክዎም: እትኣልዮም ሰራሕተኛ ድማ ቈጸርኩሎም። ናይ ስድራቤት ሓላፍነት እኳ እንተ ነበረኒ: ካብ ጥሪ 1932 ክሳዕ ሰነ 1933 ኣብቲ ሓጋዚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉይ ኣገልግሎት ተኻፈልኩ: ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዝራብ ድማ ወርሒ ወርሒ ካብ 50 ክሳዕ 60 ሰዓታት አሕልፍ ነበርኩ።

ዳርጋ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቢሉ ይኸውን: ኵሉ ግዜ ካብ ገዝኣ ንስራሕ ካብ ስራሕ ንገዝኣ ክትከይድ ከላ በታ ኣነ ዝዝውራ ሎተሪና እትመላለስ ዝነበረት ምልክዕቲ መንእሰይ ክዕዘብ ጀመርኩ። በቲ ኣብ ውሽጢ እታ ሎተሪና ዘሎ ንድሕሪት ዘርእየኒ መስትያት ከኣ ንጠማመት ነበርና። በዚ ኸምዚ ኣነን ሜሪን ተላለና እሞ ብነሓሰ 1936 ተመርዓና።

ብ1949 እቲ ኣብ ስራሕ እተዋህበኒ ናይ መዝነት ወሰኽ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ማለት ፓይነር ኰይነ ንኸገልግል ዘፍቅደለይ ናይ እብረ ስራሕ ንኽመርጽ ኣኽኣለኒ። እታ ጂን ዝስማ ንእሽቶ ጓለይ ብ1945 ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀሚራ ነበረት: ፓይነራት ብምዃን ድማ ሓቢርና ኣገልገልና። ድሕሪ ገለ ግዜ: ጂን ምስ ሓደ ኣብ ቤትኤል: ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሳም ፍረንድ ተፋለጠት።a ብ1952 ከኣ ተመርዓዉ። ኣነ ድማ ኣብ ፒትስበርግ ፓይነር ኰይነ ቀጸልኩ: ሓያሎ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እመርሕ ነበርኩ: ሓደ ግዜ ኸኣ ኣብ ሰሙን ሰሙን ንእተፈላለዩ 14 ስድራቤታት ጽንዓት እገብረሎም ነበርኩ። ብ1958: ካብቲ መራሒ ሎተሪና ዝነበርኩሉ ስርሐይ ጥሮታ ወጻእኩ። ድሕሪኡ ካብቲ ንመዓልቲ ሸሞንተ ሰዓት ዝጽመደሉ ዝነበርኩ ዓለማዊ ስራሕ ናጻ ብምዃነይ እቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቀሊል ኰነለይ።

ብ1983 ሜሪ ሓመመት። ከምቲ ንሳ ዳርጋ ን50 ዓመታት ዝኣክል ጽቡቕ ገይራ ዝኣለየትኒ ኣነውን ብግደይ ከልዕላ ጀመርኩ። መወዳእትኡ: ብ14 መስከረም 1986 ሞተት።

ንእተወለድኩሉ ዓደይ ረኸብክዎ

ብ1989: ጂንን ሳምን ናብቲ ኣብ ፖላንድ እተገብረ ዓቢ ኣኼባታት ተማልኡኒ። ነቲ ዝዓበኹሉ ከባቢ እውን በጻሕናዮ። እቶም ሩስያውያን ነቲ ቦታ እቲ ምስ ተቘጻጸርዎ: ነስማት ናይቲ ኸተማታት ቀየርዎ: ንሰባት ድማ ናብ ካልእ ሃገራት ሰጐጕዎም። ንሓደ ካብቶም ኣሕዋተይ ናብ ኢስታምቡል: ንሓንቲ ሓብተይ ድማ ናብ ሩስያ ሰጒጐምዎም ነበሩ። ናይ ዓድና ስም ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ምስ ሓተትናዮም ከኣ ግር በሎም።

ድሕርዚ ርሕቕ ኢሉ ዝርከብ ገለ ጐቦታት ዝፈልጦ ዀይኑ ተራእየኒ። እናቐረብና ምስ ከድና: ዓቐበት: ቃራና መገዲ: ቤተ-ክርስትያን: ሩባ ዝሓልፎ ቢንቶ ንዝኣመሰለ እተፈላለየ ታሪኻዊ ቦታታት ኣለለናዮ። ሃንደበት ድማ: “ሆዞቸክ” ዝብል ሓባሪ ምልክት ምስ ረኣና ገረመና። ናይቶም ኮሚኒስታውያን ጽልዋ ኣቐድም ኣቢሉ ኣልጊሱ ነበረ: እተን ዓድታት ድማ በቲ መጀመርታ ዝፍለጣሉ ዝነበራ ኣስማት ክጽውዓ ጀሚረን ነበራ።

ገዛና ፈሪሱ: እቲ ኣብ ደገ ዄንና መግቢ ንምብሳል እንጥቀመሉ ዝነበርና እቶን ከኣ ፍርቁ ኣብ መሬት ተቐቢሩ ጸንሓና። ድሕርዚ ናብ ሓደ ዓቢ ገረብ እናኣመልከትኩ: “ነታ ገረብ እቲኣ ርኣይዋ: ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምኻደይ ዝተኸልክዋ ገረብ ኢያ። ከመይ ኢላ ዓብያ ከም ዘላ እሞ ርኣይዋ!” በልኩዎም። ድሕርዚ: ኣስማት ኣባላት ስድራቤትና ንምድላይ ናብ ቦታ መቓብር ከድና: ናይ ዋላ ሓደ ስም ግን ኣይረኸብናን።

ንሓቂ ቀዳምነት ምሃብ

ብ1993 ጂን በዓል ቤታ ምስ ሞተ: ከተልዕለኒ ኢለ ካብ ቤትኤል ክትወጽእ ዝደልያ እንተድኣ ዀይነ ሓተተትኒ። ከምኡ እንተድኣ ገይራ ዝኸፍአ ነገር ክኸውን ምዃኑን ክትወጽእ ከም ዘይደልያን ነገርክዋ። ወዲ 102 ዓመት ክሳዕ ዝኸውን ርእሰይ ክኢለ እነብር ነበርኩ: ካብኡ ንደሓር ግን ናብቲ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝጥወርሉ መንበሪ ከግዕዙኒ ኣድላዪ ኰነ። ኣብታ ኣብ ፒትስበርግ እትርከብ ጉባኤ ቦሊቭ ገና ሽማግለ ኢየ ዘሎኹ: እቶም ኣሕዋት ድማ መጺኦም ናብቲ ሰንበት ሰንበት ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ይወስዱኒ። ሕጂ እቲ ዕዮ ስብከተይ ኣዝዩ ድሩት እኳ እንተዀነ: ኣብቲ ብዕድመ ንዝደፍኡን ዝሓመሙን ሰባት ዝተሓተ ሰዓት ከገልግሉ ዝፍቀደሎም ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኰይነ ክቕጽል ክኢለ ኢየ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ነቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ንተዓዘብቲ ንምልምማድ ዝዳሎ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ተሓጒሰሉ ኢየ። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ: ካብቲ ንሽማግለታት ጉባኤ እተዳለወ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣብ ገለ ክፍልታት ተኻፊለ ነበርኩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 11 ሚያዝያ ድማ: ጂን ናብቲ ካብ 1931 ኣትሒዘ ዓመት ዓመት ናይ ምክፋል መሰል ዝረኸብኩሉ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝበዓለሉ በዓል ወሰደትኒ።

ገለ ካብቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርኩሎም ሰባት ሕጂ ከም ሽማግለታት ኰይኖም: ካልኦት እውን ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ: ገሊኦም ከኣ ምስ ደቆም ኰይኖም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባሓጎታት ኢዮም። ካብቶም ደቀይ ሰለስተ ማለት ሜሪ ጃን: ጆን: ጂን ከምኡውን ሓያሎ ካብ ደቆምን ደቂ ደቆምን ንየሆዋ ኣምላኽ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ። ሓደ መዓልቲ እታ ሓንቲ ጓለይን እቶም ዝተረፉ ደቂ ደቀይን ደቆምን ንየሆዋ ከገልግሉ ጸሎተይ ኢዩ።

ኣብዚ ሕጂ ወዲ 105 ዓመት ኰይነሉ ዘሎኹ እዋን: ኵሎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑን ነቲ እተማህርዎ ድማ ንኻልኦት ሰባት ክነግሩን ገና አተባብዖም ኢየ። እወ: ናብ ኣምላኽ እንተድኣ ቐሪብኩም: ፈጺምኩም ተስፋ ከም ዘይትቘርጹ ክኣምን ክኢለ ኢየ። ድሕርዚ: ንስኻትኩምውን ነቲ ካብቲ ጠፋኢ ዝዀነ ወርቂ ዝበልጽ ነገር ማለት ምስቲ ወሃብ ህይወትና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክቡር ዝምድና ንኽህልወና ዘኽእል ሓቂ ክትሕጐስሉ ኢኹም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ሳም ፍረንድ ታሪኽ ህይወት ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1986 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-6 (እንግሊዝኛ) ወጺኡ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሎተሪና እናዘወርኩ ከሎኹ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎኹ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝጥወርሉ መንበሪ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብ1989 ዝረኸብናዮ ሓባሪ ምልክት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ