ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/10 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ድግስ ዘበለ ዅሉ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ንኣምላኽ ዜጕህዮ በዓላት
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/10 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ብዙሓት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ እተመርዓውሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት የኽብሩ ኢዮም። መዓልቲ ልደትካ ምብዓል እውን ናይ እተወለድካሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት ኢዩ። ስለዚ ናይ እተመርዓኻሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት ዝኽበር: ናይ እተወለድካሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት ከኣ ዝግደፍ ስለምንታይ ኢዩ፧

ከም ሓቁ ክርስትያናት ንኽልቲኡ ከብዕሉ ግድን ኣድላዪ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ክልቲኡ ሓደ ዓይነት ትርጕም ኣለዎ ወይ ከኣ ክርስትያናት ነቲ ቐዳማይ (ናይ መዓልቲ መርዕኦም ዝኽሪ ዓመት) ከም ናይ መዓልቲ ልደቶም ዝኽሪ ዓመት ገይሮም ክርእይዎ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።

ከምቲ ተገሊጹ ዘሎ: “ዝኽሪ ዓመት” ማለት ‘ሓደ ፍጻመ ዝዀነላ መዓልቲ ዓመት ዓመት ክትመጽእ ከላ’ ዝብል ትርጕም ስለ ዘለዎ ክልቲኡ ዝኽሪ ዓመት ኢዩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ናይ መኪና ሓደጋ ዘጓነፈካ መዓልቲ: ወርሒ ንጸሓይ ጋሪዳ ዝረኣኻላ መዓልቲ: ምስ ስድራቤትካ ክትሕንብስ ዝኸድካላ መዓልቲ: ከምኡውን ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ካልእ ነገራት ዝኽሪ ዓመት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ክርስትያናት ንነፍሲ ወከፍ “ዝኽሪ ዓመት” ከም ፍልይ ዝበለት መዓልቲ ገይሮም ከም ዘይወስድዎ ወይ ንኸብዕልዎ ድግስ ከም ዘየዳልዉ ርዱእ ኢዩ። ሓደ ሰብ ናይ ሓደ ፍጻመ መልክዕ ክዕዘብን እቲ ዝሰማማዕ ኰይኑ ዝረኸቦ ድማ ክውስንን ኣለዎ።

ንኣብነት: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ነቲ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ መልኣኹ በቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ናይ እስራኤላያውያን ኣባይቲ ዝሓለፈሉን ህዝቡ ኸኣ ካብኡ ዝወጹሉን መዓልቲ ከብዕሉ ፈልዩ መምርሒ ሂብዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 12:⁠14) ንየሱስ ሓዊስካ ኣይሁድ ንፍጻመ ናይቲ ዝኽሪ በዓል ዓመት-ዓመት ከብዕሉ ኸለዉ: ብድግስ ወይ ከኣ ህያባት ብምውህሃብ ዘይኰነስ ንመምርሒታት ኣምላኽ ብምእዛዝ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣይሁድ ንምሕዳስ ቤት መቕደስ ከም ፍሉይ ዝኽሪ ዓመት ገይሮም እውን የብዕልዎ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ክብዓል ዘይእዝዝ እኳ እንተዀነ: ዮሃንስ 10:⁠22, 23 ብዛዕባ እቲ ዝኽበር ዝነበረ በዓል የሱስ ከም ዘይወቐሰ ትሕብር። ክርስትያናት እውን ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ፍሉይ ኣኼባ ይገብሩ ኢዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ብሩህ ዝዀነ ትእዛዝ ናይ ቃል ኣምላኽ ብምእዛዝ ከም ዝገብርዎ እተረጋገጸ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 22:⁠19, 20

ብዛዕባ ናይ መርዓ ዝኽሪ ዓመትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሰብኣይን ሰበይትን ናብቲ ኣምላኽ ዝመስረቶ ናይ መርዓ ምድላው ዝኣተዉሉ ማለት እተመርዓውሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት ክገብሩ ልሙድ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠18-24፣ ማቴዎስ 19:⁠4-6) መጽሓፍ ቅዱስ ንመርዓ ብሕማቕ ከም ዘይርእዮ እተረጋገጸ ኢዩ። የሱስውን ኣብ መርዓ ተኻፊሉ ኢዩ: ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ሕጉስ ንምግባር ድማ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 2:⁠1-11

ስለዚ እምበኣር ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ መርዕኦም ንሓጐስ ናይቲ ኣጋጣሚ እቲ: ከምኡውን ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ኣብ ዓወት ንኽበጽሑ ክዓይሉ ዘለዎም ነገራት ንምስትንታን ግዜ እንተ መደቡ ዘገርም ነገር ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ እዚ ሰብኣይን ሰበይትን በይኖም ከሕልፍዎ ይኹን ወይ ከኣ ሒደት ኣዝማድ ወይ ኣዕሩኽ ምስኦም ክህልዉ ዝውስኑ ባዕላቶም ኢዮም። እቲ ኣጋጣሚ ናይ ዓቢ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ምኽንያት ክኸውን የብሉን። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ: ክርስትያናት በቲ ካልእ ግዜ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝትግብርዎ መሰረታዊ ስርዓታት ክምርሑ ይደልዩ ኢዮም። ስለዚ ሓደ ሰብ ናይ መርዓ ዝኽሪ ዓመት ክገብር ወይ ክገድፎ ምውሳን ናይ ብሕቱ ጕዳይ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 13:⁠13, 14

ንመዓልቲ ልደት ብፍልይ ዝበለ መገዲ ምብዓሉኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ዝኽሪ ዓመትከ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ሓሳብ ንረክብዶ፧

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ⁠-​ዘበን እዚ: እቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመዓልቲ ልደት የብዕሉ ነይሮም ኢዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ደይሊ ሀቨንሊ ማና ዝበሃላ ንእሽቱ መጻሕፍቲ ይሕዙ ነበሩ። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ዝሓዛ ነበራ: ብዙሓት ክርስትያናት ድማ ናይ ብጾቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ ልደት ብምምልካት ኣብ ጐድኑ ንኣሽቱ ስእልታት ይገብሩሉ ነበሩ። ናይ 15 ለካቲት 1909 ግምቢ ዘብዐኛ እውን ኣብ ጃክሶንቪል: ፍሎሪዳ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ፕረዚደንት ዝነበረ ሓው ራስል ናብ መድረኽ ተጸውዐ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንመዓልቲ ልደቱ ብምምልካት ናርገን ኣናናስን ኣራንሽን ዝሓዘ ካሴታታት ብምምጻእ ዘይተጸበዮ ህያብ ተዋሂብዎ ነበረ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ከመይ ከም ዝነበረ ጩራ ይህበና። ምስዚ ዝዛመድ ካልእ ጕዳይ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ 25 ታሕሳስ ዓመት ዓመት ከም ዝኽሪ ምውላድ የሱስ ወይ ከኣ ከም መዓልቲ ልደት ገይሮም የብዕሉ ከም ዝነበሩ የዘክረና ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ልደት ድራር ምግባር እውን ከይተረፈ ልሙድ ነበረ።

ርግጽ ኢዩ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ህዝቢ ኣምላኽ ብሓያሎ መዳያት ብመንፈስ ዓብዮም ኢዮም። ኣብ 1920ታት እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ብርሃን ሓቂ ነዚ ዝስዕብ ነገራት ከም ዝርድኡ ገይርዎም ኢዩ:⁠-

የሱስ ኣብታ ምስ ኣረማዊ ሃይማኖት እተተሓሓዘት 25 ታሕሳስ ኣይተወልደን። መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ዝሞተሉ ዕለት እምበር: ናይ እተወልደሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት: ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ እተወልደሉ መዓልቲ ከነኽብር ኣይነግረናን ኢዩ። የሱስ ዝሞተሉ መዓልቲ ምዝካር: ምስቲ መወዳእታ ናይ ሓደ እሙን ሰብ ካብ መዓልቲ ምውላዱ ከም ዝበልጽ ዝነግር ናይ መክብብ 7:⁠1 ሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን እሙን ኣገልጋሊ መዓልቲ ልደቱ ከም ዘብዓለ ዝነግር ጸብጻብ የለን። ኣብ ክንድኡስ ምስ ጨካን ዝዀነ ተግባራት ብምትሕሓዝ: ነዚ ዘብዓልዎ ኣረማውያን ሰባት ከም ዝዀኑ ጸብጻብ የቕርብ። መበቆል ናይቶም ዝኽሪ ዓመት መዓልቲ ልደቶም ዘብዓሉ ሰባት እስከ ንርኣዮ።

እቲ ቀዳማይ: ናይቲ ኣብ ግዜ ዮሴፍ ዝነበረ ናይ ፈርኦን መዓልቲ ልደት ኢዩ። (ዘፍጥረት 40:⁠20-23) ነዚ ብዝምልከት: ኣብቲ ብሃስቲንግስ እተዳለወ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን አንድ ኢቲክስ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ ብዛዕባ መዓልቲ ልደት ዝገልጽ ዓንቀጽ ከምዚ ብምባል ይጅምር:- “መዓልቲ ልደት ናይ ምብዓል ልምዲ: እቲ መልክዑ ምስ ጸብጻብ ግዜ እተተሓሓዘ ክኸውን ከሎ: እቲ ትሕዝትኡ ድማ ምስ ናይ መጀመርታ ሃይማኖታዊ ስርዓታት እተተሓሓዘ ኢዩ።” እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ቀጺሉ ነቲ ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ግብጺ ዘጽንዕ ሰር ጋርድነር ዊልኪንሶን ይጠቕሶ: ከምዚ ብምባል ከኣ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ግብጻዊ እተወልደሉ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነስ እተወልደሉ ሰዓትውን ከይተረፈ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ፣ ምናልባትውን ከምቲ ኣብ ፋርስ ዝነበረ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ኣሎ ዝበሃል ኵሉ መዘናግዒታት ኣዳልዩ ንኣዕሩኹ ብምቕባልን ፍሉይ ዝዀነ ክቡር መግቢ ብምድላውን ንመዓልቲ ልደቱ ብብዙሕ ሓጐስ የብዕሎ ነበረ።”

ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ መዓልቲ ልደቱ ዘብዓለ ድማ ሄሮድስ ኢዩ: ኣብቲ በዓል እቲ ኸኣ ዮሃንስ መጥምቕ ተሰየፈ። (ማቴዎስ 14:⁠6-10) እቲ ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ (ናይ 1979 ሕታም [እንግሊዝኛ] ) ነዚ ዝስዕብ ዓሚቝ ምስትውዓል ይህብ:- “እቶም ናይ ጥንቲ ግሪኻውያን: ኣማልኽትን ፍሉጣት ሰባትን እተወልድሉ መዓልቲ የብዕሉ ነበሩ። ነዚ በዓላት እዚ ዝመስረቶ ግሪኻዊ ጀነቲልያ ኢዩ: ጀነስያ ማለት ድማ ናይ ሓደ ኣድላዪ ዝነበረ እሞ ዝሞተ ሰብ እተወልደሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝግበር በዓል ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። ኣብ 2 መቃባውያን 6:⁠7 ናይ ኣንቲቆስ ራብዓይ ጀነቲልያ ወርሒ ወርሒ ይበዓል ከም ዝነበረ: ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ኣይሁድ ‘ካብቲ መስዋእቲ ክካፈሉ’ ይግደዱ ከም ዝነበሩ መወከሲ ንረክብ ኢና። . . . ሄሮድስ መዓልቲ ልደቱ ከብዕል ከሎ ምስቲ ናይ ግሪኻውያን ልምዲ ብምስምማዕ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ነበረ፣ ኣብ ግዜ ጥንታዊት ግሪኽ: ኣብ እስራኤል መዓልቲ ልደት ምብዓል ከም ዝነበረ ዝገልጽ ዋላ ሓንቲ መርትዖ የለን።”

ሎሚ ሓቀኛታት ክርስትያናት ናይ ነፍሲ ወከፍ ተግባርን ልምድን ምንጪ ወይ ምስ ናይ ጥንቲ ሃይማኖት ርክብ ክህልዎ ይኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ከም ዘይጭነቑ ኣይከሓድን ኢዩ: ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይነጽግዎን ኢዮም። እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መዓልቲ ልደት በዓላት ናይ ኣረማውያን ጥራይ ምዃኑን ምስ ጨካን ዝዀነ ተግባራት ዝተሓሓዝ ምዃኑን ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ: ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ናይ መዓልቲ ልደት በዓል ብኣሉታዊ መልክዕ ከም ዘቕርቦ ንጹር ኢዩ: ቅኑዓት ክርስትያናት ድማ ነዚ ሓቂ እዚ ኣይነጽግዎን ኢዮም።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ: ክርስትያናት ናይ መርዕኦም ዝኽሪ ዓመት ንምግባር ክመርጹ ምሉእ ብምሉእ ናይ ብሕቶም ጕዳይ እኳ እንተዀነ: ብሱላት ክርስትያናት መዓልቲ ልደት ካብ ምብዓል ዝኽልከልሉ ብቑዕ ምኽንያታት ግን ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ