ጸገማት ዝፍትሓሉ ሰላማዊ መገዲ
ሰብኣዊ ዓመጽ ዳርጋ ካብቲ ሰብ እተፈጥረሉ ግዜ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ነገር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ዓመጽ ብቃየል እቲ ሓዉ ንኣቤልን እቲ ዓቢ ወዶም ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝጀመረ ይሕብር። ናይ ኣቤል መስዋእቲ ካብቲ ናቱ ንላዕሊ ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኸበ ምስ ፈለጠ: ቃየል “ኣዝዩ ዀረየ።” ነቲ ኵነታት ብኸመይ ፈትሖ፧ “ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ: ቀተሎ ድማ።” ድሕርዚ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ሓደ ዓቢ ሽግር ኣተወ። (ዘፍጥረት 4:5, 8-12) ነቲ ቃየል ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ዝነበሮ ሕማቕ ናይ ዓመጽ ኣቕዋሙ ከዐርዮ ኣይከኣለን።
ቃየል ሽግር ንምፍታሕ ኣካላዊ ሓይሊ ተጠቕመ። ንሕናኸ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧
ካብ ዓመጽ ናብ ተጻዋርነት
እስከ እቲ ንቕትለት ናይቲ መጀመርታ ክርስትያን ሰማእት ዝዀነ እስጢፋኖስ ብስምረት እተዓዘበ ሰብኣይ ንርአ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:58፣ 8:1) ሳውል በዓል ጠርሴስ ምስቲ ናይ እስጢፋኖስ ሃይማኖታዊ ኣቕዋም ኣይሰማማዕን ኢዩ ነይሩ። ነቲ ብዓመጽ እተፈጸመ ቅትለት ከኣ ነቲ እስጢፋኖስ ዝገብሮ ዝነበረ ዕዮ ደው ንምባል እተገብረ ፍትሓዊ መገዲ ኢዩ ብምባል ደገፎ። ሳውል ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወቱ ዓመጸኛ ከም ዘይነበረ ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዓመጽ ሽግር ንምፍታሕ ዝጠቅም መገዲ ምዃኑ ክቕበል ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ደድሕሪ ሞት ናይ እስጢፋኖስ ሳውል “ነታ [ክርስትያናዊት] ማሕበር የጥፍኣ: ናብ ኣባይቲ እናአተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 8:3
ብመሰረት እቲ ኣልበርት ባርነስ እተባህለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝበሎ እታ ኣብዚ “የጥፍኣ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ነቲ ከም ኣንበሳን ተዅላን ዝኣመሰሉ ኣራዊት ከስዕብዎ ዝኽእሉ ጥፍኣት ኢያ እተመልክት። ባርነስ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሳውል ኣንጻር እታ ቤተ-ክርስትያን ልክዕ ከም ኣራዊት ኢዩ ነዲሩ—እዚ ኸኣ ብርቱዕ መግለጺ ናይቲ ናብ መስጐጕቲ ከም ዝኣቱ ዝገበሮ ቅንእን ቝጥዐን ኢዩ።” ሳውል ብዙሓት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣኪቡ ንምእሳር ናብ ደማስቆ ገጹ ክኸይድ ከሎ “ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ [ክርስቶስ] ነዲሩ ነበረ።” ኣብ መገዲ ከሎ እቲ ዝተንስአ የሱስ ተዛረቦ: እዚ ኸኣ ንሳውል ናብ ሃይማኖት ክርስትና ከም ዝልወጥ ገበሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:1-19
ደድሕሪ እዚ ምልዋጥ እዚ: ሳውል እቲ ምስ ካልኦት ዝነበሮ ርክብ ተለወጠ። ብድሕርዚ 16 ዓመታት ጸኒሑ እተፈጸመ ነገር ነዚ ለውጢ እዚ የርኢ። ገለ ሰባት ናብ ኣንጾክያ ናብ ጉባኤኡ መጹ እሞ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ንሕጊ ሙሴ ክሕልዉ ደፋፍእዎም። ‘ብዙሕ ምፍልላይ’ ከኣ ኣምጽአ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ጳውሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ ሳውል ኣብቲ ክርክር ሓደ ኣቕዋም ሓዘ። ርሱን ክርክር ከም ዝነበረ ግሁድ ኢዩ። ጳውሎስ ግን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ዓመጽ ኣይተመርኰሰን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ጕዳይ በቶም ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ክፍታሕ እታ ጉባኤ ምስ ወሰነት ተሰማምዐ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2
ኣብ የሩሳሌም እቶም ሽማግለታት ምስ ተኣከቡ ኸኣ እንደገና ‘ብዙሕ ክትዕ’ ኰነ። ጳውሎስ ‘ኵላቶም እቶም ህዝቢ ስቕ’ ክሳዕ ዝብሉ ተጸበየ: ብድሕርዚ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ዘይተገዝሩ ኣመንቲ እተፈጸመ ዓቢ ተግባር መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኣዘንተወ። እቶም ሃዋርያትን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣካል ሽማግለታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጣት ድሕሪ ምግባሮም: ነቶም ዘይግዙራት ኣመንቲ ዘየድሊ ጾር ኣብ ክንዲ ዘሰክምዎም ‘ንጣኦታት ካብ እተሰውአን ደምን: ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ክኽልከሉ’ ከተባብዑዎም ‘ሰሚሮም ብሓደ ኰይኖም መደቡ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 15:3-29) ጳውሎስ ብርግጽ ተለዊጡ ኢዩ። ዝለዓል ክርክራት ብዘይ ዓመጽ ክፈትሕ ከም ዘለዎ ተማሂሩ ኢዩ።
ምስ ዓመጸኛ ዝዀነ ዝንባለታት ምግጣም
ጸኒሑ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ: መሃሪ: ዕጉስ ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ብምባል መዓደ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25) ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ተዓዛቢ: ኣሸጋሪ ዝዀነ ኵነታት ከጋጥም ከሎ ብህድኣት ክፈትሖ ኢዩ እተላበዎ። ጳውሎስ ተግባራዊ ኣዘራርባ ኢዩ ተዛሪቡ። ኣብ መንጎ ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ዘይምርድዳእ ክለዓል ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:37-41) “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ኢሉ ክምዕድ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:26) ኣብ ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ቍጥዓ ከይበጻሕካ ከሎኻ ሕርቃንካ ክትገትእ ምኽኣል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ንኽትዋጽኣሉ ዘኽእል ግቡእ መገዲ ኢዩ። እዚ ግን ብኸመይ ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧
ሎሚ ቍጥዓ ክትቈጻጸሮ ቀሊል ኣይኰነን። ሓንቲ ዶክተር ደብራ ፐሮትሮ ስቲዝ እተባህለት ሓኪም ኣብ ናይ ሃርቫርድ ስኩል ኦቭ ፓብሊክ ሀልዝ ተሓጋጋዚት ዲን “ርጕም ምዃን ልሙድ ኢዩ” በለት። ቀጺላ ኸኣ “አረ ተሰማሚዕካ ንኽትከይድ ኢልካ ዝግበር ነገራት—ዘተ: ምትዕጽጻፍ: ምድንጋጽ: ይቕረ ምባል—መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሕመቕ ኢዩ ዝርአ” ትብል። እዚ ግን ግቡእ ባህርያት ኢዩ: ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝውህለል ናይ ዓመጽ ዝንባለታት ንምቍጽጻር ከኣ ኣድላዪ ኢዩ።
ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ ናይ ኣረኣእያታት ፍልልይ ምስ ዝህሉ ብዝሓሸ መገዲ ክፈትሓሉ ዝኽእል ነገር ተማህረ። ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ብዛዕባ ኣይሁድነት እተማህረ ከም ምዃኑ መጠን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሌላ ነይርዎ ኢዩ። ነቲ “ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ: መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ።” “ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ: ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ።” “መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቐጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ” ዝብል ጥቕስታት ይፈልጦ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። (ምሳሌ 3:31፣ 16:32፣ 25:28) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ሃይማኖቱ ቅድሚ ምልዋጡ ኣንጻር ክርስትያን ብዓመጽ ንኸይልዓል እዚ ፍልጠት እዚ ክዓግቶ ኣይከኣለን። (ገላትያ 1:13, 14) ጳውሎስ ከም ክርስትያን መጠን ነቲ ብስምዒት እተባርዐ ብርቱዕ ክርክር ኣብ ክንዲ ብዓመጽ ብምርድዳእ ክፈትሖ ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ፧
ጳውሎስ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ክብል ከሎ ንኽልወጥ እንታይ ከም ዝሓገዞ ኣሚቱ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 11:1) ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገበረሉ ኣጸቢቑ ኣመስጊኑሉ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:13, 14) ክርስቶስ ንጳውሎስ ክስዕቦ ዝኽእል ኣብነት ኢዩ ነይሩ። የሱስ ምእንቲ ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ክብል ክሳዕ ክንደይ ከም እተሳቐየ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 2:18፣ 5:8-10) ጳውሎስ እቲ ኢሳይያስ “መከራ ጸገበ: ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል: ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን” ብምባል ብዛዕባ መሲሕ ተነብይዎ ዝነበረ ነገራት ኣብ የሱስ ከም እተፈጸመ ከረጋግጽ ክኢሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 53:7) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: ዘየፋራርሄ” ብምባል ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:23, 24
ጳውሎስ እቲ የሱስ ክርስቶስ ንጽንኩር ኵነታት ንምግጣም እተጠቕመሉ መገዲ ምፍላጡ ንኽልወጥ ኣለዓዒልዎ ኢዩ። ነቶም ብጾቱ ኣመንቲ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተበሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ [“የሆዋ:” NW ] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ” ብምባል ክምዕዶም ክኢሉ ኢዩ። (ቈሎሴ 3:13) ዓመጸኛ ምዃን ከም ዘየድሊ ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ዝገበሩልና ነገራት ምምሳው ነቲ ዓመጸኛ ናይ ምዃን ዝንባለ ንምስዓር ዘድሊ ድራኸ ከም ዝህልወና ብምግባር ይሕግዘና ኢዩ።
ይከኣል ድዩ፧
ሓደ ኣብ ጃፓን ዝነብር ሰብኣይ ከምዚ ዝበለ ብርቱዕ ድራኸ የድልዮ ነበረ። ኣቡኡ ቝጡዕ ባህሪ ዘለዎ: ንስድራቤቱ ኸኣ ብዓመጽ ዝቈጻጸር ወተሃደር ኢዩ ነይሩ። ኣደዳ ዓመጽ ብምዃኑ: ኣዲኡ ኸኣ ተመሳሳሊ ሽግር ከጋጥማ ብምርኣዩ: ምስ ዓበየ ናይ ዓመጽ ባህሪ ኣማዕበለ። ንዘጋጥም ሽግራት ንምፍታሕን ሰባት ንምፍርራህን ዝጥቀመሉ እተፈላለየ ንውሓት ዘለዎ ክልተ ኣስያፍ ሒዙ ይዘውር ነበረ።
በዓልቲ ቤቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት: ብዙሕ ከይተገደሰ ኣብቲ እዋን ጽንዓት ምስኣ ኮፍ ይብል ነበረ። ነታ ብስራት መንግስቲ a እትብሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ምስ ኣንበበ ግን ተቐየረ። ስለምንታይ ኢዩ ተቐይሩ፧ ንሱ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ‘የሱስ ክርስቶስ’ ከምኡውን ‘በጅነት’ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳብ ምስ ኣንበብክዎ ሓፈርኩ። ህይወተይ ፋሉል እኳ እንተ ነበረ: ነቶም ዝሰማምዑኒ ሰባት ሕያውነት ከርኢ ባህ ኢዩ ዝብለኒ ነይሩ። ነቶም ኣዕሩኽተይ ከሐጕስ ባህ ኢዩ ዝብለኒ ነይሩ: እዚ ግን ንህይወተይ ዘይትንክፍ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢየ ዝገብሮ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግን ነቶም ከምዚ ኸማይ ዝበሉ ሰባት እውን ሓዊስካ ምእንቲ ደቅሰብ ህይወቱ ሂቡ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብመዶሻ ከም እተሃረምኩ ኣቕዘዘኒ።”
ነቲ ምስቶም ናይ ቅድም ኣዕሩኽቱ ዝነበሮ ሕብረት ኣቋረጾ: ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተመዝገበ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣብኡ ዝካፈሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ናይ ምምሃር ክእለት ከጥርዩ ይሕግዞም። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ሰብኣይ ተወሳኺ ጥቕሚ ኣምጽኣሉ። ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ንእሽቶ ከለኹ ስምዒተይ ንኻልኦት ክገልጽ ስለ ዘይክእል ምፍርራህን ዓመጽን የዘውትር ነበርኩ። ሓሳባተይ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዘካፍል ምስ ተማሃርኩ ግን ኣብ ዓመጽ ኣብ ክንዲ ዝምርኰስ ክረዳዳእ ጀመርኩ።”
ንሱ እውን ከም ጳውሎስ ናይ ክርስቶስ መገዲ ህይወት ናቱ ገይርዎዶ ኢዩ፧ ሓደ ቅድም ዓርኩ ዝነበረ: ሕውነቶም ከኣ ብማሕላ ኣጽኒዖሞ ዝነበሩ ሰብ: ክርስትያን ከይከውን ክኽልክሎ ምስ ደለየ እምነቱ ተፈተነት። እቲ “ዓርኩ” ሃረሞ: ንኣምላኹ የሆዋ ኸኣ ጸረፈሉ። እቲ ቅድም ዓመጸኛ ዝነበረ ሰብኣይ ገዛእ ርእሱ ተቘጻጸረ ነቲ ማሕልኦም ክሕልዎ ብዘይምኽኣሉ ኸኣ ይቕሬታ ሓተቶ። እቲ “ሓዉ” ሓዘነ: ገዲፍዎ ኸኣ ከደ።
እዚ ቅድም ሓራቕ ዝነበረ ሰብኣይ ነቲ ዓመጸኛ ዝዀነ ዝንባለኡ ብምቍጽጻሩ: ንኣምላኽን ብጾቶምን ብምፍቃር ዝሓበሩ ብዙሓት መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣጥረየ። (ቈሎሴ 3:14) ንልዕሊ 20 ዓመታት ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ኰይኑ ድሕሪ ምጽንሑ: ሕጂ ከም ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ከም ኣራዊት ዝበለ ባህርይ ዘለዎም ሰባት ንፍልልያቶም ብዘይ ዓመጽ ንኽፈትሕዎ ከምቲ ንሱ እተማህሮ ክማሃሩ ከም ዝኽእሉ ከርኢ ምኽኣሉ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽኣሉ! ናይቲ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ” ዝብል ትንቢታዊ ቃላት መፈጸምታ ከመልክት ምኽኣሉስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!—ኢሳይያስ 11:9
ከም ሃዋርያ ጳውሎስን ከምዚ ቅድም ዓመጸኛ ዝነበረ ሰብኣይን: ንስኻ እውን ናብ ባእሲ ዝደፋፍእ ኵነታት ንምእላይን ንጸገማት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕን ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዙኻ ሕጕሳት ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ጳውሎስ ተግባራዊ ኣዘራርባ ኢዩ ተዛሪቡ። ኣብ መንጎ ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ዘይምርድዳእ ክለዓል ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ነገራት ዘሎና ሞሳ ሰላማዊ ርክብ ንምግባር ይሕግዝ