ንምድሓንኩም ኢልኩም ብቐጻሊ ዕየዩ!
“ኣቱም ፍቁራተይ . . . ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ።[“ብቐጻሊ ዕየዩ።”—NW ]”—ፊልጲ 2:12
1, 2. ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ከመይ ክትከውን ከም ዘለዋ ንምቍጽጻር ክእለት ዘይብሎም ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዝገብሮም ከመይ ዝበለ ልሙድ ርእይቶታት ኢዩ፧
“ብፍጥረትካ ከምኡ ዲኻ፧” እዚ ሕቶ እዚ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ገበር ናይ ሓደ ፍሉጥ መጽሔት ተጻሒፉ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ኣርእስቲ “ባህሪ: ጠባይ: ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ምርጫታት ብመሰረቱ ኣብ ናይ ዘርኢ ውርሻ እተመርኰሰ ምዃኑ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ” ዝብል ሓሳባት ነበረ። እዚ ኣበሃህላታት እዚ ገሊኣቶም ንህይወቶም ክቈጻጸሩዋ ዘይክእሉ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዝገብር ኢዩ።
2 ገሊኣቶም: ወለዶም ግቡእ ኣተዓባብያ ስለ ዘይገበሩሎም ወይ ከኣ መማህራኖም ብግቡእ ስለ ዘይመሃርዎም ሓጐስ ዘይብሉ ናብራ ንኸሕልፉ ብመጠኑ ጽልዋ ከም ዝገበሩሎም ይገልጹ። ነቲ ወለዶም ዝፈጸምዎ ጌጋታት ክደጋግሙ: በቲ ዝኸፍአ ዝምባለታቶም ክምርሑ: ንየሆዋ ዘይእሙናት ክዀኑ ብሓጺሩ ሕማቕ ውሳነታት ክገብሩ እተወሰነሎም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢሉ ድዩ ዝምህር፧ ገለ ሃይማኖታት: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ: ማለት ናይ ጽሕፍቶ ሰረተ-እምነት ይምህር ኢዩ ይብላ። እዚ ሰረተ-እምነት እዚ: ኣምላኽ ነዊሕ ይገብር ኣብ ህይወትካ ንእትፍጽማ ዝዀነት ትኹን ነገር ኣቐዲሙ መዲብዋ ኢዩ ይብል።
3. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢና ሓላፍነት ንምስካም ክእለት ከም ዘሎና ዘረድእ ከመይ ዝበለ ዘተባብዕ መልእኽቲ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧
3 ኵሉ እዚ እተፈላለየ ርእይቶታት እዚ ሓደ ናይ ሓባር መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ። እዚ ኸኣ ህይወትካ ከመይ ክትከውን ከም ዘለዋ ክትመርጽ ወይ ክትቈጻጸር ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል ኢዩ። እዚ ብሓቂ ተስፋ ዘቝርጽ መልእኽቲ ኢዩ። ተስፋ ምቝራጽ ድማ ኣብ ርእሲ ጸገም: ጸገም ኢዩ ዝውስኽ። ምሳሌ 24:10 “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ይብለና። ይኹን እምበር: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንምድሓንና ኢልና ብቐጻሊ ክንዓዪ’ ከም እንኽእል ክንማሃር ተተባቢዕና ኣሎና። (ፊልጲ 2:12 NW ) ኣብዚ ኣወንታዊ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ዘሎና እምንቶ ከነደልድል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብ ገዛእ ርእስና እንገብሮ ዕዮ “ህንጻ”
4. ሓዊ ብዝጻወር ነገራት ክንሃንጽ ከም ዘሎና 1 ቈረንቶስ 3:10-15 እትዛረብ እኳ እንተዀነት እዚ ንምንታይ ኢዩ ዘየመልክት፧
4 ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 3:10 -15 ዝርከብ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምሳሌ ንርአ። ኣብኡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ዕዮ ህንጻ ተዛሪቡ ኣሎ: እቲ ናይ ምሳሌኡ መሰረታዊ ስርዓት ከኣ ኣብ ውሽጣውን ግዳማውን መዳይ ኣገልግሎት ዝውዕል ኢዩ። ሓደ ወደ መዝሙር ኣብ መወዳእታ ንየሆዋ ከገልግል ምምራጹን ዘይምምራጹን ኣብ ምርጭኡ ድማ ምጽንዑን ዘይምጽንዑን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓላፍነት ናይቶም ዝማሃርዎን ዘለማመድዎን ሰባት እተመርኰሰ ምዃኑ ድዩ ዝገልጽ ዘሎ፧ ኣይፋሉን። ጳውሎስ: እቲ መምህር ብእተኻእሎ መጠን ብሉጽ ናይ ህንጻ ዕዮ ክዓዪ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብታ ቀዳማይቲ ዓንቀጽ ከም እተማሃርናዮ: ጳውሎስ እቲ ተማሃራይ ወይ ከኣ እቲ ወደ መዝሙር ኣብቲ ጕዳይ እቲ ምንም ምርጫ የብሉን ኣይኰነን ዝብል ነይሩ። ሓቂ ኢዩ: ጳውሎስ ኣብቲ ዝሃቦ ምሳሌ ኣብቲ ኣብ ካልኦት እንገብሮ ዕዮ ድኣ እምበር ንገዛእ ርእስና ንምህናጽ እንገብሮ ዕዮ ኣይኰነን ዘተኵር ነይሩ። ከምኡ ምዃኑ ክረጋገጽ ዝኽእል ድማ ጳውሎስ ሓደ ብሸለልታ እተዓየ ናይ ህንጻ ዕዮ ክጠፍእ ከሎ እቲ ሃናጺ ግን ከም ዝደሓነ ስለ እተዛረበ ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ነዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዚ ምስቲ ኣብ ገዛእ ርእስና እንዓዮ ዕዮ እውን የተሓሕዞ ኢዩ።
5. ክርስትያናት ንገዛእ ርእሶም ናይ “ምህናጽ” ዕዮ ክዓዩ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ጥቕስታት ኣየናይ ኢዩ፧
5 ንኣብነት: ይሁዳ 20, 21 ንርአ:- “ኣቱም ፍቁራተይ: በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም: ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም: . . . ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።” ኣብዚ ይሁዳ ነታ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 3 እተጠቕመላ ‘ምህናጽ’ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ: እቲ ከመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ ነጥቢ ግን ንገዛእ ርእስና ኣብ መሰረት ናይ እምነትና ክንሃንጽ ከም ዘሎና ንምግላጽ ኢዩ። ሉቃስውን ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሃነጸ ሰብኣይ እተዛረቦ ምሳሌ ክምዝግብ ከሎ ነታ ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ህንጻ ንምምልካት ኣብ ዝሃቦ ምሳሌ እተጠቕመላ “መሰረት” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ። (ሉቃስ 6:48, 49) ብተወሳኺውን ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ክምዕዶም ከሎ ኣብ ልዕሊ “መሰረት” ምስራት ዝምልከት ምሳልያዊ ኣዘራርባ ጠቒሱ ኣሎ። እወ: ቃል ኣምላኽ ገዛእ ርእስና ‘ክንሃንጽ’ ኢልና ከም እንዓዪ ይምህር ኢዩ።—ኤፌሶን 3:15-19፣ ቈሎሴ 1:23፣ 2:7
6. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ወደ መዝሙር ፍረ ናይቲ ሓባራዊ ናይ ህንጻ ዕዮ ምዃኑ ዘርእየና ኣብነት ግለጽ። (ለ) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ወደ መዝሙር ከመይ ዝበለ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎ፧
6 ንሓደ ክርስትያን ምህናጽ ናይ ሓደ ሰብ ዕዮ ድዩ፧ ቤት ክትሃንጽ ወሲንካ ኣሎኻ ንበል። ነቲ ንድፊ ከውጽኣልካ ናብ ሓደ ኣርኪተክት ትኸይድ። መብዛሕትኡ ካብቲ ዕዮ ባዕልኻ ክትዓዮ ሃቂንካ እኳ እንተ ዀንካ: ምሳኻ ኰይኑ ንኽሰርሕን ብዛዕባ ዝሓሸ መገድታት ከኣ ከማኽረካን ምስ ሓደ ሰብ ትኰናተር ኢኻ። ጽቡቕ መሰረት እንተድኣ ኣንቢሩ: ነቲ ንድፊ ክትርድኦ እንተድኣ ሓጊዙካ: ነቲ ዝበለጸ ነገራት ክትዕድግ ሓሳብ እንተድኣ ኣቕሪቡልካ: ብዛዕባ ህንጻ ዝምልከት እውን ብዙሕ ነገራት እንተድኣ ምሂሩካ ጽቡቕ ዕዮ ከም ዝዓየየ ትምስክረሉ ኢኻ። ይኹን እምበር: ምኽሩ ሸለል ኢልካ ሕሱር ወይ ከኣ ዕምሪ ዘይብሉ ነገራት እንተ ትዕድግ: ሕሉፍ ሓሊፍካ ኸኣ እቲ ኣርኪተክት ካብ ዝሓንጸጾ ንድፍታት እንተ ትወጽእከ፧ እቲ ቤት እንተድኣ ፈሪሱ: ነቲ ተዀናታሪ ወይ ከኣ ነቲ ኣርኪተክት ክትወቕሶ ብፍጹም ኣይትኽእልን ኢኻ! ብተመሳሳሊ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ወደ መዝሙር እውን ውጽኢት ሓባራዊ ናይ ህንጻ ፕሮጀክት ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣርኪተክት የሆዋ ኢዩ። ነቲ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ብምዃን ንሓደ ተማሃራይ ዝምህርን ዝሃንጽን እሙን ክርስትያን ከኣ ይሕግዞ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:9) ይኹን እምበር: እቲ ተማሃራይ እውን ኣብኡ እቱው ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ዝመረጾ መገዲ ህይወት ክሕተተሉ ኢዩ። (ሮሜ 14:12) ሰናይ ክርስትያናዊ ባህርያት ክህልዎ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ: ንኸጥርዮን ኣብ ገዛእ ርእሱ ንኽሃንጾን ክጽዕር ኣለዎ።—2 ጴጥሮስ 1:5-8
7. ገለ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ብድሆታት ኢዩ ዘጋጥሞም: እንታይከ ኢዩ ከጸናንዖም ዝኽእል፧
7 እዚ ክበሃል ከሎ ግን ናይ ውርሻ ሕጊ: ኣከባቢ: ናይ መማህራንና ብቕዓት ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኰነን ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ቃል ኣምላኽ እዚ ነገራት እዚ ነፍሲ ወከፉ ከም ኣድላዪን ጽልዋ ዘለዎን ነገር ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ። ብዙሕ ናይ ሓጢኣትን ኣሉታውን ነገራት ወሪስና ኢና: ንኽትቃለሶ ኸኣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12፣ 7:21-23) ወለዲ ዝህብዎ ምልምማድን ናይ ገዛ ሃዋሁን እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ኣብ መንእሰያት ዓቢ ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 22:6፣ ቈሎሴ 3:21) የሱስ ነቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ትምህርቶም ኣብ ካልኦት ሕማቕ ሳዕቤናት ስለ ዝገበረ ኰኒንዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 23:13, 15) ሎሚ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽንያታት ንነፍሲ ወከፍና ይትንክፈና ኣሎ። ንኣብነት: ገለ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ብምኽንያት እቲ ኣብ ግዜ ቍልዕነቶም ዘሕለፍዎ ሕማቕ ተመክሮ ጸገማት የጋጥሞም ኢዩ። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ሓልዮትን ድንጋጽናን ከነርእዮም የድሊ። ነቲ ናይ ወለዶም ጌጋታት ክደግሙ ወይ ከኣ ዘይእሙናት ክዀኑ ከም ዘይተወሰነሎም ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ካብቶም ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ ዝነበሩ ነገስታት ብኸመይ ኣብነት ክዀኑና ከም ዝኽእሉ ንርአ።
ነገስታት ይሁዳ—ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫታት ገበሩ
8. ዮታም ኣቡኡ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈሉ: እንተዀነ ግን እንታይ ዓይነት ምርጫ ኢዩ ዝገበረ፧
8 ዑዝያ ገና ንእሽቶ ወዲ 16 ዓመት ከሎ ኢዩ ነጊሱ: ን52 ዓመታት ከኣ ገዝአ። ዝበዝሕ ካብዚ ግዜዚ “ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዅሉ: ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።” (2 ነገስት 15:3) የሆዋ ብእተፈላለየ ዘዅርዕ ወተሃደራዊ ዓወታት ባሪኽዎ ኢዩ። ዘሕዝን ግን እቲ ዝረኸቦ ዓወት ንዑዝያ ገዛእ ርእሱ ክብ ኣቢሉ ከም ዝርኢ ገበሮ። ተዓበየ: ኣብ መሰውኢ ቤት መቕደስ ዕጣን ብምዕጣን ከኣ ኣንጻር የሆዋ ዓለወ። ዕጣን ምዕጣን ንካህናት ጥራይ እተዋህበ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። ዑዝያ ተገሰጸ: ይኹን እምበር ነቲ ተግሳጽ ብዅራ ኢዩ መሊስሉ። ሽዑ ብለምጺ ተወቕዐ እሞ ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ከይፈተወ ተፈልዩ ብምንባር ተዋረደ። (2 ዜና መዋእል 26:16-23) ወዱ ዮታም ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ኢዩ መሊስሉ፧ እቲ መንእሰይ እቲ ብቐሊሉ ብኣቡኡ ክጽሎን ንተግሳጽ የሆዋ ክቃወምን ምኸኣለ ነይሩ። እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ግጉይ ሃይማኖታዊ ልምድታት ስለ ዝነበሮ ሕማቕ ጽልዋ ይገብር ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (2 ነገስት 15:4) ዮታም ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ኢዩ ገይሩ። “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ።”—2 ዜና መዋእል 27:2
9. ገለ ካብቲ ንኣሃዝ ጽቡቕ ጽልዋ ክገብረሉ ዝኽእል ዝነበረ ነገራት እንታይ ኢዩ: ንህይወቱ ግን ብኸመይ ኢዩ ዝመርሓ፧
9 ዮታም ክሳዕ መወዳእታ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ብምርካብ ን16 ዓመታት ገዝአ። ስለዚ ንወዱ ኣሃዝ እሙን ኣቦ ብምዃን ዝነኣድ ኣብነት ኢዩ ገዲፍሉ። ብዘይዚውን ኣሃዝ ጽቡቕ ጽልዋ ዝገብረሉ ካልእ ነገራት ነበሮ። ከም እኒ ኢሳይያስ: ሆሴእ: ሚክያስ ዝኣመሰሉ እሙናት ነብያት ኣብታ ሃገር ንጡፋት ኰይኖም ይንበዩ ኣብ ዝነበርሉ እውን ይነብር ብምንባሩ ተባሪኹ ኢዩ። ይኹን እምበር ሕማቕ ምርጫ ገበረ። “ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይገበረን።” ናይ በዓል ምስልታት ብምግባር ኣምለኾም: ሕሉፍ ሓሊፉውን ንገለ ካብ ደቁ ኣብ መስዋእቲ ሓዊ ብምንዳድ ነቶም ኣረማውያን ኣማልኽቲ ኣቕረበሎም። ጽቡቕ ጽልዋ ዝገብረሉ ነገራት እኳ እንተ ነበሮ: ነቲ ከም ንጉስን ኣገልጋልን የሆዋ ዝነበሮ መሰል ብሕማቕ ደምደሞ።—2 ዜና መዋእል 28:1-14
10. ኣሃዝ እንታይ ዓይነት ኣቦ ኢዩ ነይሩ: ወዱ ህዝቅያስ ግን እንታይ ምርጫ ኢዩ ዝገበረ፧
10 ብመገዲ ንጹህ ኣምልኾ ክርአ ኸሎ ካብ ኣሃዝ ዝኸፍእ ኣቦ ኣሎ ኢልካ ክትግምት ኣጸጋሚ ኢዩ። ይኹን እምበር: ወዱ ህዝቅያስ ከምዚ ዓይነት ኣቦ ይሕሸኒ ኢሉ ክመርጽ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ! እቶም ኣሃዝ ንመስዋእቲ በዓል ዝሓረዶም ንኣሽቱ ውሉዳት: ኣሕዋቱ ንህዝቅያስ ኢዮም ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ። እዚ ሕማቕ ኣተዓባብያ እዚ ህዝቅያስ ንየሆዋ እሙን ከም ዘይከውን ገይርዎ ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ህዝቅያስ እሙንን ጥበበኛን ፍትውን ሰብኣይ ስለ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ብሓቂ ዓበይቲ ዝበሃሉ ሒደት ነገስታት ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። “እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።” (2 ነገስት 18:3-7) ህዝቅያስ ገና መንእሰይ መስፍን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ንመዝሙር መበል 119 ክጽሕፍ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝደረኾ ንኽንኣምን ዝገብረና ምኽንያት ኣሎ። ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ነተን “ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ” ዝብላ ቃላት ስለምንታይ ከም ዝጸሓፈን ክንርዳእ ኣይክጽግመናን ኢዩ። (መዝሙር 119:28) ህዝቅያስ ዘሕዝን ግድላት እኳ እንተ ነበሮ: ንህይወቱ ቃል የሆዋ ክመርሖ ኣፍቀደ። መዝሙር 119:105 “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ይብል። እወ: ህዝቅያስ ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ገበረ: እቲ ዝገበሮ ምርጫ ኸኣ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ።
11. (ሀ) ኣቡኡ ጽቡቕ ጽልዋ ይገብረሉ እኳ እንተ ነበረ: ምናሴ ኣንጻር የሆዋ ዝገበሮ ዕልወት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ምናሴ ኣብ ኣጋ ሞቱ ከመይ ዝበለ ምርጫ ኢዩ ዝገበረ: ካብዚኸ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
11 ይኹን እምበር: ግርምቢጥ ዝዀነ ነገር ካብቶም ብሉጻት ነገስታት ይሁዳ ሓደ ኣዝዩ ክፉእ ተረኽበ። ምናሴ ወዲ ህዝቅያስ ኣምልኾ ጣኦት: ሓተታ መናፍስትን ካልእ ደረት ዘይብሉ ጃምላዊ ዓመጽን ከም ዝህሉ ገበረ። እቲ ጸብጻብ “እግዚኣብሄር ከኣ ንምናሴን ንህዝቡን ተዛረቦም” ይብለና: እዚ ኸኣ ብነብያቱ ገይሩ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። (2 ዜና መዋእል 33:10) ምናሴ ግን ንኢሳይያስ ከም ዝስየፍ ምግባሩ እቲ ናይ ኣይሁድ ኣፈ-ታሪኽ ይሕብር። (ምስ እብራውያን 11:37 ኣረኣእዮ።) እዚ ሓቂ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: ምናሴ ንዝዀነ ይኹን መለኮታዊ መጠንቀቕታት ኣይሰምዖን። ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ ድኣ ልክዕ ከምቲ ኣባሓጎኡ ኣሃዝ ዝገበሮ ንገለ ካብ ኣወዳቱ ንመስዋእቲ ብህይወቶም ኣብ ሓዊ ኣንዲድዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ እኩይ ሰብኣይ እዚ ዳሕራይ ኣብ ህይወቱ ከቢድ ዝዀነ ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ: ተናሲሑን መገድታቱ ለዊጡን ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 33:1- 6, 11-20) እቲ ዝገደፎ ኣብነት: ሓደ ሕማቕ ምርጫታት ዝገበረ ሰብ ፈጺሙ ክዕረ ኣይክእልን ኢዩ ኢልና ንኸይንድምድም ይምህረና። ክቕየር ይኽእል ኢዩ።
12. ብዛዕባ ንየሆዋ ምግልጋል ዝመጸ ኣሞንን ወዱ ዮስያስን ከመይ ዝበለ ኣንጻር ዝዀነ ምርጫታት ኢዮም ዝገበሩ፧
12 ኣሞን ወዲ ምናሴ ካብቲ ናይ ኣቡኡ ነስሓ ብዙሕ ክማሃር ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ግጉይ ምርጫታት ገበረ። ኣሞን ኣብ መወዳእትኡ ክሳዕ ዝቕተል ‘ነቲ በደል እናብዝሖ ኸደ።’ ወዱ ዮስያስ ግን ብኣንጻሩ መንፈስካ ዘቕስን ኢዩ ነይሩ። ዮስያስ ካብቲ ንኣባሓጎኡ ዘጋጠሞ ነገር ክማሃር ከም ዝመረጸ ግሁድ ኢዩ። ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ ክገዝእ ጀመረ። ወዲ 16 ዓመት ከሎ ንየሆዋ ደለዮ እሞ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብነት ዝኸውን እሙን ንጉስ ኰይኑ ተረኽበ። (2 ዜና መዋእል 33:20–34:5) ዝኸደሉ መገዲ ባዕሉ መሪጹ: እቲ ዝገበሮ ምርጫ ኸኣ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ።
13. (ሀ) ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝርኣናዮም ነገስታት ይሁዳ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ (ለ) ወለዲ ዝህብዎ ምልምማድ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘድሊ፧
13 እዚ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ናይዞም ሸውዓተ ኣይሁዳውያን ነገስታት ጽቡቕ ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት: እቶም ዝኸፍኡ ነገስታት ንፉዓት ውሉዳት ብኣንጻሩ ድማ እቶም ንፉዓት ነገስታት ዝኸፍኡ ውሉዳት ክህልውዎም ክኢሎም ኢዮም። (ምስ መክብብ 2:18-21 ኣረኣእዮ።) እዚ ንኣድላይነት ናይቲ ወለዲ ዝህብዎ ምልምማድ ዘናእሶ ኣይኰነን። እቶም ንውሉዳቶም ብመገዲ የሆዋ ዘለማምድዎም ወለዲ ደቆም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንኽዀኑ እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኢዮም ዝኸፍቱሎም። (ዘዳግም 6:6, 7) ገና ግን: ገለ ውሉዳት: በቶም እሙናት ወለዲ ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩሎም ክነሱ ግጉይ መገዲ ክስዕቡ ይመርጹ ኢዮም። ካልኦት ውሉዳት ከኣ ወለዶም ዝኸፍአ ጽልዋ ገይሮምሎም ክነሶም ንየሆዋ ከፍቅሩን ከገልግሉን ይመርጹ ኢዮም። በቲ ዝህቦም በረኸት ከኣ ዕዉት ናብራ ህይወት የሕልፉ። ሓድሓደ ግዜ ብወገንካ ከመይ ኰን የጋጥመኒ ይኸውን ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ቀጺልካ እምበኣር ገለ ካብቲ ቅኑዕ ምርጫ ክትገብረሉ እትኽእል የሆዋ ብብሕቱ ዝህበካ መረጋገጺታት ርአ።
የሆዋ ብኣኻ ይተኣማመን ኢዩ!
14. የሆዋ ንዓቕምታትና ከም ዝርድኣልና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
14 የሆዋ ኵሉ ነገር ይዕዘብ ኢዩ። ምሳሌ 15:3 “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን: ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም” ይብል። ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ “ኣዒንትኻ: ድቂ ኸሎኹ: ረአያኒ: እተን ምዱባት መዓልትታተይ: ሓንቲ እኳ ኸይነበረት: ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ” በለ። (መዝሙር 139:16) ስለዚ እምበኣር: የሆዋ ብሰንኪ እቲ ዝወረስካዮ ይኹን ካብ ቍጽጽርካ ንላዕሊ ብዝዀነ ካልእ ጽልዋታት ዝመጸ ኣሉታዊ ዝንባለታት ትቃለስ ከም ዘሎኻ ይፈልጥ ኢዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝተንከፈካ ብልክዕ ይፈልጥ ኢዩ። ብዛዕባ ዓቕምኻ ካብቲ ንስኻ እትፈልጦ ንላዕሊ ይርድኦ ኢዩ። መሓሪ ድማ ኢዩ። ካብቲ ክንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ክንገብር ፈጺሙ ኣይጽበየናን ኢዩ።—መዝሙር 103:13, 14
15. (ሀ) ካልኦት ደይመደይ ኢሎም ብዝገበርዎ ክፍኣት እተጐድኡ ሰባት ሓደ ካብቲ ምንጪ ምጽንናዕ ክዀኖም ዝኽእል ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ዘኽብረና እንታይ ሓላፍነት ብምሃብ ኢዩ፧
15 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ የሆዋ ከም ብዅነታት እንጽሎ ሓገዝ ዘይብልና ግዳያት ገይሩ ኣይርእየናን ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሕማቕ ተመክሮ ኣሕሊፍና እንተድኣ ዄንና: የሆዋ ንዅሉ እቲ ደይመደይ ኢልካ እተገብረ ሕማቕ ነገራት ብርግጽ ይጸልኦ ምዃኑ ብምፍላጥና ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 11:5፣ ሮሜ 12:19) ይኹን እምበር: ካብቲ ቅኑዕ መገዲ እንተድኣ ኣላጊስና: ብፍላጥ ድማ ግጉይ ምርጫታት እንተድኣ ገይርና ካብቲ ዝመጽኣና ሳዕቤናት ከናግፈና ድዩ፧ ኣይፋሉን። ቃሉ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ይብለና። (ገላትያ 6:5) የሆዋ ነቶም መስተውዓልቲ ፍጥረታቱ ነፍሲ ወከፎም ቅኑዕ ብምግባር ከገልግልዎ ሓላፍነት ብምሃብ ኣኽቢርዎም ኢዩ። ከምቲ ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ዝነገሮም ኢዩ:- “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ: ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ።” (ዘዳግም 30:19) የሆዋ: ንሕናውን ቅኑዕ ምርጫ ክንገብር ከም እንኽእል ይተኣማመን ኢዩ። ብኸመይ ንፈልጥ፧
16. ‘ንድሕነትና’ ኢልና ኣብ ‘ምዕያይ’ ዕዉታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
16 ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ኣስተብህለሉ:- “ደጊም: ኣቱም ፍቁራተይ: እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ: ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ: . . . ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። [“ብቐጻሊ ዕየዩ።”—NW ]” (ፊልጲ 2:12, 13) እታ ኣብዚ “ዕየዩ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ ነገር ኣብ ፍጻሜኡ ምብጻሕ ኢያ እተመልክት። ስለዚ ዋላ ሓደ እውን ይኹን ካባና ንኽወድቕ ወይ ንኸቋርጽ እተወሰነሉ የለን። የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ክንገብሮ ዝሃበና ዕዮ ማለት ናብ ድሕነትና ዝመርሕ ዕዮ: ክንፍጽሞ ከም እንኽእል ዝተኣማመነልና ክኸውን ኣለዎ: ከምኡ እንተ ዘይከውን ነዚ ሓሳባት እዚ ብመንፈሱ ገይሩ ኣይመጽሓፎን ነይሩ። ይኹን እምበር: ብኸመይ ኢና ክንዕወት እንኽእል፧ ብሓይልና ኣይኰነን። ብውሽጥና ጽኑዓት ነይርና እንተ ንኸውን: ‘ምፍራህን ምርዓድን’ ኣይመድለየናን ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ከም ዝዓዪ ገይሩ “ድሌትን ግብርን” ክህልወና ብምሕጋዝ ‘ኣባና ግብሩ ይገብር’ ኢዩ። እዚ ፍቕራዊ ሓገዝ እዚ ካብ ሃለወና ኣብ ናብራና ቅኑዕ ምርጫታት ዘይንገብረሉን ብእኡ ተመሪሕና ኸኣ ዘይንመላለሰሉን ምኽንያት ኣሎናዶ፧ ፈጺሙ የብልናን!—ሉቃስ 11:13
17. ኣብ ገዛእ ርእስና ከመይ ዝበለ ለውጥታት ኢና ክንገብር እንኽእል: እዚ ንምግባርከ የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዘና፧
17 ከነሰንፎ ዘሎና ዕንቅፋታት ከጋጥመና ኢዩ። እዚ ዕንቅፋታት እዚ ምናልባት ኣብ ናብራና ዘጋጥመና ሕማቕ ልምድታትን ንኣተሓሳስባና ከበላሹ ዝኽእል ጐዳኢ ጽልዋታትን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ከነሰንፎ ንኽእል ኢና! ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም: ቃል ኣምላኽ ነቲ “ጽኑዕ ዕርድታት” እውን ከይተረፈ ከፍርስ ዝኽእል ሓይሊ ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 10:4) የሆዋ ኣብ ገዛእ ርእስና ዓቢ ለውጢ ንምግባር ብርግጽ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ቃሉ ‘ኣረጊት ሰብነት ቀንጢጥና እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ’ የተባብዓና ኢዩ። (ኤፌሶን 4:22-24) ነዚ ለውጢ እዚ ክንገብር መንፈስ የሆዋ ብሓቂ ክሕግዘና ይኽእል ድዩ፧ እወ ብርግጽ! መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ፍሪኡ የፍሪ ኢዩ። እዚ ድማ ኵልና ክንኵስኵሶ ዘድልየና ጽቡቕን ክቡርን ባህርያት ኢዩ። ካብዚ ባህርያት እዚ እታ ናይ መጀመርታ ፍቕሪ ኢያ።—ገላትያ 5:22, 23
18. ነፍሲ ወከፍ ከመዛዝን ዝኽእል ሰብ ምሉእ ብምሉእ ከመይ ዝበለ ምርጫ ኢዩ ክገብር ዝኽእል: እዚኸ እንታይ ቈራጽነት ንምግባር ኢዩ ክሕግዘና ዝግባእ፧
18 እዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘረጋግጸልና ጽኑዕ መርትዖ ኣሎ። የሆዋ ኣምላኽ ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ኣለዎ: ንሕና ኸኣ ብምስሉ ኢና ተፈጢርና። (ዘፍጥረት 1:26፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ ንየሆዋ ምፍቃር ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ንመጻኢና መፍትሕ ክኸውን ዝኽእል እዛ ፍቕሪ እዚኣ ድኣ እምበር እቲ ቅድሚ ክርስትያናት ምዃንና ዝነበረና ናብራ ህይወት: ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ይኹን ዝወረስናዮ ጌጋ ናይ ምግባር ዝንባለ ኣይኰነን። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኤድን እሙናት ኰይኖም ንኽጸንሑ ፍቕሪ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ዘድልዮም ነይሩ። ካብ ኣርማጌዶን ክንድሕንን ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ንዘጋጥመና ፈተና ኸኣ ምእንቲ ክንሓልፎን እዛ ፍቕሪ እዚኣ ንነፍሲ ወከፍና ተድልየና ኢያ። (ራእይ 7:14፣ 20:5, 7-10) ኵላትና ኵነታትና ብዘየገድስ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ክንኵስኵስ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 22:37፣ 1 ቈረንቶስ 13:13) ንየሆዋ ከነፍቅሮን ኣብዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸአ ንዘለኣለም ክንህነጽን ቈራጽነት ንግበር።
እንታይ ይመስለካ፧
◻ ብዛዕባ ብሕታዊ ሓላፍነታት ዝመጸ: ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ኣወንታዊ ትምህርቲ ዝጋጮ ከመይ ዝበለ ልሙድ ርእይቶታት ኢዩ ዘሎ፧
◻ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሱ ከመይ ዝበለ ናይ ምህናጽ ዕዮ ኢዩ ክገብር ዝግባእ፧
◻ እቲ ነገስታት ይሁዳ ዝገደፍዎ ኣብነታት ብኸመይ ኢዩ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ክገብር ከም ዝኽእል ዘርእየና፧
◻ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋታት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ ኣብ ህይወትና ቅኑዕ ምርጫ ክንገብር ከም እንኽእል የሆዋ ዘረጋግጸልና ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
መጻኢኻ ብናይ ውርሻ ሕጊ ድዩ ዝውሰን፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ንጉስ ዮስያስ ሽሕ’ኳ ኣቡኡ ሕማቕ ኣብነት እንተ ገደፈሉ: ንኣምላኽ ምግልጋል መረጸ