መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
ቃል ኣምላኽ ህላወ መላእኽቲ የረጋግጽ ኢዩ። እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት እዚኣቶም ቍጽሮም ማእለያ ዘይብሉ ምዃኑ እውን ይነግረና ኢዩ። እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ ዳንኤል ብዛዕባ ሰማያዊ ነገራት ራእይ ረኣየ: ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ሽሕ ጊዜ ሽሕ [ንኣምላኽ] የገልግልዎ: እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።”—ዳንኤል 7:10
እቲ ናይ ዳንኤል መግለጺ ብዙሓት መላእኽቲ ምህላዎም ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ሓሊፉ ከም ዝነግረና ኣስተብህል። መላእኽቲ ንኣምላኽ ከም ዘገልግልዎ እውን የመልክት ኢዩ። ኣገልገልቱ ኢዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምስዚ ብምስምማዕ ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ኣቱም መላእኽቱ: ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ: ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።”—መዝሙር 103:20, 21
መጽሓፍ ቅዱስ: መላእኽቲ ኣብ መጀመርታ ከም ሰብ ኣብ ምድሪ ከም ዘይተፈጥሩ እውን ይገልጽ ኢዩ። የሆዋ ንምድሪ ቅድሚ ምፍጣሩ ከይተረፈ ኢዩ ንመላእኽቲ ኣብ ሰማይ ፈጢርዎም። ኣምላኽ ‘ንምድሪ ኽስርታ ኸሎ: ኵሎም ደቂ ኣምላኽ [መላእኽቲ] እልል በሉ።’—እዮብ 38:4-7
መላእኽቲ ዘይረኣዩ: ሓያላት: ከምኡውን መስተውዓልቲ መንፈሳውያን ፍጥረታት ኢዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: እታ ማላ·ʼክህ ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን እታ ኣግ ʹጄ·ሎስ እትብል ናይ ግሪኽ ስያመን ንመንፈሳዊ ፍጥረት ከመልክታ ኸለዋ “መልኣኽ” ተባሂለን ተተርጒመን ኣለዋ። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 400 ግዜ ይርከባ። ክልቲአን ከኣ “ልኡኽ” ዝብል ሓደ ዓይነት ትርጕም ኢዩ ዘለወን።
ምስ መላእኽቲ ምርኻብ
መላእኽቲ ብርግጽ ልኡኻት ኢዮም። ነቲ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ክርኣያ ኸሎ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ትፈልጦ ትኸውን ኢኻ። ድንግል እኳ እንተ ነበረት: የሱስ ተባሂሉ ዝስመ ወዲ ክትወልድ ምዃና ነገራ። (ሉቃስ 1:26-33) ነቶም ኣብ መሮር ዝነበሩ ገለ ጓሶት እውን ሓደ መልኣኽ ተራእይዎም ኢዩ። “ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም [ኣሎ]:—ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ” ኢሉ ድማ ኣበሰሮም። (ሉቃስ 2:8-11) ብተመሳሳሊ: መላእኽቲ ናብ ኣጋር: ኣብርሃም: ሎጥ: ያእቆብ: ሙሴ: ጊዴዎን: የሱስ: ከምኡውን ናብ ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ሰባት መልእኽቲ ኣብጺሖም ኢዮም።—ዘፍጥረት 16:7-12፣ 18:1-5, 10፣ 19:1-3፣ 32:24-30፣ ዘጸኣት 3:1, 2፣ መሳፍንቲ 6:11-22፣ ሉቃስ 22:39-43፣ እብራውያን 13:2
ኵሉ እዚ ብመላእኽቲ ዝበጽሐ መልእኽቲ እዚ ምስ ዕላማታት ናይቶም መልእኽቲ እተቐበሉ ሰባት ዘይኰነስ ምስ ፍጻሜ ዕላማታት ኣምላኽ ዝሰማማዕ ምዃኑ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። መላእኽቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽን ናይ ግዜ ሰሌዳኡን ብምስምማዕ ከም ወኪላቱ ዀይኖም ቀሪቦም ኢዮም። ሰባት ስለ ዝጸውዕዎም ኣይኰኑን መጺኦም።
ሓገዝ ደሊና ንመላእኽቲ ክንጽውዕ ይግብኣናዶ ኢዩ፧
ሽግር ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ ንመላእኽቲ ምጽዋዕ ግቡእ ድዩ፧ ግቡእ እንተድኣ ዀይኑ: ንስም ናይቲ ብዝበለጸ ክሕግዘና ዝኽእል መልኣኽ ክንፈልጥ ኢና እንደሊ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ገለ ናይ ንግዲ መጻሕፍቲ ኣስማት ናይ ብዙሓት መላእኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ ክብሮምን መዓርጎምን ስርሖምን እውን ወሲኾም ይዝርዝሩ ኢዮም። ሓደ መጽሓፍ ናይቶም “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ዝለዓሉ ዓሰርተ መላእኽቲ:” “ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣዝዮም ፍሉጣት ዝዀኑ መላእኽቲ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣስማት ይዝርዝር። ምስቲ ዝርዝር ኣስማት ሓቢሩ ኸኣ ዓይንኻ ክትዕምት: ንስም ናይቲ መልኣኽ ቀስ እናበልካ ደጋጊምካ ክትጽውዕ: ኣዕሙቝ ኣቢልካ ከተተንፍስ: ቀስ እናበልካ ከተተንፍስ: ከምኡውን “ምስኣቶም ክትራኸብ ስለ እትኽእል ገዛእ ርእስኻ ከተዳሉ” ከም ዘሎካ ዝገልጽ ማዕዳ ኣሎ።
ምስ እዚ ብምንጽጻር ግን መጽሓፍ ቅዱስ ኣስማት ናይቶም ክልተ እሙናት መላእኽቲ ኣምላኽ: ሚካኤልን ገብርኤልን ጥራይ ኢዩ ዝነግረና። (ዳንኤል 12:1፣ ሉቃስ 1:26) ኣስማቶም እተገልጸሉ ምኽንያት ምናልባት ነፍሲ ወከፍ መልኣኽ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ ስም ዘለዎ መንፈሳዊ ኣካል ምዃኑ ንምሕባር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ገሊኦም መላእኽቲ ኣስማቶም ንሰባት ምንጋር ከም ዝኣበዩ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። ያእቆብ ንሓደ መልኣኽ ስሙ ክገልጸሉ ምስ ሓተቶ: እቲ መልኣኽ ስሙ ኣይነገሮን። (ዘፍጥረት 32:29) እቲ ንእያሱ ዝረኸቦ መልኣኽ መንነቱ ክሕብር ምስ ተሓተተ: “ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር” ምዃኑ ጥራይ ኢዩ ተዛሪቡ። (እያሱ 5:14) ወለዲ ሳምሶን ነቲ መልኣኽ ስሙ ክነግሮም ምስ ሓተትዎ: “ስለምንታይከ ስመይ እትሐትት፧ ንሱ መንክር እዩ” በለ። (መሳፍንቲ 13:17, 18) መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ኣስማት መላእኽቲ ብዘይ ምግላጹ: ንመላእኽቲ ዘየድሊ ክብርን ኣምልኾን ካብ ምሃብ የድሕነና ኢዩ። ቀጺልና ከም እንርእዮ: ንመላእኽቲ ክንልምን እውን ኣይምህረናን ኢዩ።
ንኣምላኽ ምጽዋዕ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንፈሳዊ ግዝኣት ዘሎ ነገራት ክንፈልጦ ዘሎና ኵሉ ይነግረና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ . . . ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ኣምላኽ ናይ ብዙሓት መላእኽቲ ኣስማት ክንፈልጥ ዝደልየና ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምገለጾ ነይሩ። ኣምላኽ ንመላእኽቲ ብኸመይ ከም እንራኸቦምን ከመይ ገይርና ብጸሎት ከም እንዛረቦምን ክምህረና ዝደሊ ነይሩ እንተ ዝኸውን እውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ መስፈረልና ነይሩ።
ኣብ ክንድኡ ግን: የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ማሃረ:- “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ: ናብ ቤትካ እቶ: ማዕጾኻ ዕጾ: ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። . . . ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ።” (ማቴዎስ 6:6, 9) እቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣመለኻኽታ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ንመላእኽቲ ክንጽውዕ ወይ ናብኣቶም ክንጽሊ የብልናን: ኣብ ክንድኡስ ናብቲ ንመላእኽቲ ዝፈጠረ ኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርብ ኣሎና። ስሙ ምስጢር ኣይኰነን: ንኽግለጽ ከኣ ራእይ ዝርኢ ሰብ ኣየድልን ኢዩ። ነዚ መለኮታዊ ስም እዚ ንምዕባጥ ፈተነታት እኳ እንተ ተገብረ: ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገብ ልዕሊ 7,000 ግዜ ተጻሒፉ ይርከብ። ንኣብነት: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ሰማያዊ ኣቦ ኣመልኪቱ “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ብምባል ዘመረ።—መዝሙር 83:18
በቲ ዝግባእ መገዲ ብጸሎት ናብ የሆዋ እንተድኣ ቐሪብና: ክሰምዓና ዘይክእል ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ብምባል መረጋገጺ ይህብ።—2 ዜና መዋእል 16:9
መላእኽትን ስነ-ምግባርን
ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝግለጽ ዘይኰነስ: መላእኽቲ ንሰባት ኣይፈርዱን ኢዮም። እዚ ልክዕ ኢዩ: ከመይሲ መላእኽቲ ንሰባት ንምፍራድ ስልጣን የብሎምን። ዋላ እኳ “ፍርዲ ዘበለ ንወዲ:” የሱስ ክርስቶስ: እንተ ሃቦ የሆዋ “ፈራድ ኵሉ” ኢዩ። (እብራውያን 12:23፣ ዮሃንስ 5:22) እንተዀነ ግን: መላእኽቲ ብዛዕባ ኣነባብራና ኣይግድሶምን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ። የሱስ “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ” በለ።—ሉቃስ 15:10
ይኹን እምበር: መላእኽቲ ተዓዘብቲ ጥራይ ኣይኰኑን። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት: ከም ፈጸምቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም። ንኣብነት: ኣምላኽ ኣንጻር እቶም ናይ ጥንቲ ግብጻውያን መላእኽቲ ተጠቕመ። ብመሰረት መዝሙር 78:49 “ሓዊ ዅራኡ: ቍጥዓን ሓርቖትን ጸበባን: ጭፍራ መላእኽቲ እከይ: ኣውደቐሎም።” ብተመሳሳሊ: ሓደ መልኣኽ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ለይቲ 185,000 ሶርያውያን ወተሃደራት ከም ዝቐተለ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ይህብ።—2 ነገስት 19:35
ብተመሳሳሊ: መላእኽቲ ነቶም ምስ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ምስምማዕ ብምእባይ ንድሕንነት ካልኦት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰባት ኣብ መጻኢ ግዜ ከጥፍእዎም ኢዮም። የሱስ ‘ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ንምፍዳይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ’ ክመጽእ ኢዩ።—2 ተሰሎንቄ 1:7, 8
ስለዚ ኸኣ: እቶም እሙናት መላእኽቲ ኣምላኽ ንመምርሒታቱ ብምፍጻምን ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ኣጽኒዖም ብምሓዝን ኵሉ ግዜ ፍቓዱ ከም ዝገብሩ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሕብር ኢዩ። መላእኽቲ ኣምላኽ ክሕግዙና ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ኸኣ ካብ ልቢ ምጽዓርን የድልየና ምዃኑ ክንርዳእ ከም ዘሎና ንጹር ኢዩ።
ሓለውቲ መላእኽቲ
መላእኽቲ ብዛዕባ ሰባት ይግደሱን የዕቝብዎምን ድዮም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኵላቶምዶ [መላእኽትዶ] ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧” ብምባል ሓተተ። (እብራውያን 1:14) መልሲ ናይዚ ጳውሎስ ዝሓተቶ ሕቶ እወ ዝብል ምዃኑ ንጹር ኢዩ።
እቶም ሰለስተ እብራውያን ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን: ነቲ ናይ ባቢሎን ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ካብ ወርቂ እተሰርሐ ምስሊ ምስጋድ ብምእባዮም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ተደርበዩ። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ግን በቲ ሓዊ ኣይተተንከፉን። እቲ ንጉስ ናብቲ እቶን ገጹ ምስ ጠመተ: “ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት” ረኣየ: “ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል” በለ። (ዳንኤል 3:25) ገለ ዓመታት ጸኒሑ: ዳንኤል ብምኽንያት ተኣማንነቱ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ። ንሱውን ገለ ኸይተጐድአ ወጸ: “ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ: ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ” ድማ በለ።—ዳንኤል 6:22
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ጉባኤ ናይቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስ ቈመት: መላእኽቲ ነቶም ሃዋርያት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምውጻእ እንደገና ተራእዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:17-24፣ 12:6-12) ጳውሎስ ብባሕሪ ክጓዓዝ ከሎ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቐት ሓደ መልኣኽ ናብ ሮሜ ብደሓን ከም ዝበጽሕ ኣረጋገጸሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 27:13-24
ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ እውን እቶም ዘይርኣዩ ሓይልታት ኣምላኽ: መላእኽቲ: ናይ ሓቂ ምዃኖምን ከምቲ ንኤልሳእን ኣገልጋሊኡን ዕቝባ ዝዀንዎም ከኣ ከዕቝብዎም ከም ዝኽእሉን ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመኑ ኢዮም። (2 ነገስት 6:15-17) ብርግጽ እምበኣር: “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።”—መዝሙር 34:7፣ 91:11
መላእኽቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ
መላእኽቲ ብዛዕባ ድሕንነት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝግደሱ እኳ እንተዀኑ: ሰባት ብዛዕብኡን ብዛዕባ ዕላማኡን ከም ዝማሃሩ ኣብ ምግባር እውን ይካፈሉ ኢዮም። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፤ . . . ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: . . . በለ።”—ራእይ 14:6, 7
ትሕዝቶ ናይዚ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” እዚ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ትደሊዶ ኢኻ፧ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕተቶም እሞ: ተሓጒሶም ክነግሩኻ ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ ማእከል ሰማይ ኰይኑ ሓደ መልኣኽ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ይእውጅ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ብስራት ክትማሃር ትደሊዶ ኢኻ፧