ካብ ኣምልኾ ሃጸይ ናብ ኣምልኾ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ
ብኢሳሙ ሲጂራ እተዘንተወ
ጃፓን ብ1945 ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከም እትሰዓር ርዱእ እኳ እንተ ነበረ: ካሚካዘ (“መለኮታዊ ንፋስ ”) ንጸላኢ ከም ዘቃጽሎን ከም ዘዕንዎን እምንቶ ነበረና። ካሚካዘ: ነቲ ብ1274 ከምኡውን ብ1281 ንገማግም ባሕሪ ጃፓን ዝወራ ዝነበራ ዝበዝሓ ናይ ሞንጎል መራኽብ ውግእ ክልተ ግዜ ብምዕናው ንድሕሪት ከም ዝምለሳ ዝገበረን ማዕበል ዘመልክት ኢዩ።
ስለዚ ኸኣ: ብ15 ነሓሰ 1945 ሃጸይ ሂሮሂቶ: ጃፓን ንጥሙር ሓይልታት ኢዳ ከም ዝሃበት ነታ ሃገር ምስ ኣወጀላ: ተስፋ ናይቶም ንዕኡ እተወፈዩ ሚእቲ ሚልዮን ሰባት ጸልመተ። ሽዑ ኣነ መንእሰይ ተማሃራይ ነበርኩ: ተስፋይ እውን ጸልመተ። ‘እቲ ሃጸይ ህያው ኣምላኽ እንተድኣ ዘይኰይኑ: መን ድኣ ኢዩ ህያው ኣምላኽ፧ ክውከሎ ዝግብኣኒኸ መን ኢዩ፧’ ኢለ ሓተትኩ።
ይኹን እምበር: ጃፓን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ስለ እተሳዕረት: ንዓይን ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ካልኦት ጃፓናውያንን ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ ንኽንማሃር ብሓቂ መገዲ ከፊቱልና ኢዩ። ነቲ ክገብሮ ዝነበረኒ ለውጢ ቅድሚ ምንጋረይ: ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ኣተዓባብያይ ከዘንትወልኩም።
ናይ መጀመርታ ሃይማኖታዊ ጽልዋ
ብ16 ሰነ 1932 ኣብ ከተማ ናጐያ ተወለድኩ: ካብቶም ኣርባዕተ ኣወዳት ድማ እቲ ዝነኣሰ ነበርኩ። ኣቦይ ኣብታ ኸተማ ከም ቀያሳይ ኰይኑ ይሰርሕ ነበረ። ኣደይ ናይቲ ኣንቈራ ሺንቶ ዝዀነ ተንሪክዮ ውፍይቲ ኣማኒት ነበረት: እቲ ዓቢ ሓወይ ድማ ናይ ተንሪክዮ መምህር ንኽኸውን ሃይማኖታዊ ምልምማድ ረኺቡ ነበረ። ኣነን ኣደይን ኣዚና ንቀራረብ ስለ ዝነበርና: ናብቲ ኣምልHS-.5,ኾ ዝግበረሉ ናይ መአከቢ ቦታ ትወስደኒ ነበረት።
ርእሰይ ኣድኒነ ክጽሊ ተማሂረ ነበርኩ። እቲ ናይ ተንሪክዮ ሃይማኖት ክእመኑ ዘለዎም እቲ ቴንሪ ኦ ኖ ሚኮቶ ዝበሃል ፈጣርን እቶም ዝነኣሱ ዓሰርተ ኣማልኽትን ምዃኖም ምሂሩ ኢዩ። እቶም ኣባላቱ እውን ናይ እምነት ምሕዋይ የዘውትሩ ነበሩ። ንኻልኦት ምግልጋልን ንእምነታቱ ምስፍሕፋሕን እውን ይጸቕጥሉ ነበሩ።
መንእሰይ ከሎኹ: ብዙሕ ክፈልጥ እደሊ ነበርኩ። በቶም ብግዜ ጸልማት ኣብ ሰማይ ዝርኣዩ ወርሕን ማእለያ ዘይብሎም ከዋኽብትን እግረም: ጠፈር ካብ ሰማይ ዘለዎ ርሕቐት ብምሕሳብ ድማ እድነቕ ነበርኩ። ኣብታ ድሕሪ ገዛና ዝነበረ ንእሽቶ ቃጽዖ ዝተኸልክዎ መለንዛነ ከምኡውን ኩኩምበር እተባህለ ዙኲኒ ዝመስል ተኽሊ ምክንኻን ደስ የብለኒ ነበረ። ንተፈጥሮ ምዕዛብ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ኣደልዲሉለይ ኢዩ።
እተን ናይ ውግእ ዓመታት
ካብ 1939 ክሳዕ 1945 መባእታዊ ትምህርቲ ክማሃር ከሎኹ ካልኣይ ውግእ ዓለም ይካየድ ነበረ። እቲ ናይ እምነት ሺንቶ ኣገዳሲ ክፍሊ ዝነበረ ንሃጸይ ምምላኽ: ኣብ ቤት ትምህርትና ይጽቀጠሉ ነበረ። ሹሺን ማለት ትምህርቲ ሃገራውነትን ውትህድርናን ዘጠቓልል ናይ ስነ-ምግባር ምልምማድ ረኺብና ኢና። ባንዴራ ናይ ምስቃል ጽንብል: ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር: ነቲ ሕጊ ናይ ሃጸያዊ ትምህርቲ ምጽናዕ: ከምኡውን ነቲ ናይቲ ሃጸይ ስእሊ ክብሪ ምሃብ ክፍሊ ናይ ትምህርትና ፕሮግራም ነበረ።
ብተወሳኺ እቲ ናይቲ ሃጸይ ሰራዊት ንኽዕወት ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንልምኖ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ናይ ሺንቶ ቤት መቕደስ ንኸይድ ነበርና። ክልተ ኣሕዋተይ ኣብ ውትህድርና የገልግሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ሃገራውነት ዝንጸባረቐሉ ሃይማኖታዊ ምርድአይ: ናይ ጃፓን ሰራዊት ከም እተዓወተ ዝነግር ዜና ክሰምዕ ከሎኹ እሕጐስ ነበርኩ።
ናጐያ ማእከል ኢንዱስትሪ ነፈርቲ ጃፓን ስለ ዝነበረት: እቲ ገዚፍ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጥቅዓሉ ዒላማ ነበረት። ኣብ እዋን ቀትሪ: ቢ-29 ሱፐርፎርትረስ ዝበሃላ ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ ተሰሪዐን ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ገለ 9,000 ሜትሮ ልዕል ኢለን ብምዝንባይ ናብቲ እቲ ፋብሪካ ዝነበረሉ ከባቢ ብኣማእታት ቶን ዝቝጸር ቦምባታት ደርበያ። ለይቲ እተን ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ ካብ ምድሪ ዳርጋ 1,300 ሜትሮ ጥራይ ልዕል ኢለን ከም ዝነበራ በቲ ናይ ባውዛታት ሓገዝ ክርኣያ ክኢለን ኢየን። እቲ ብዘቃጽል ቦምባታት እተገብረ ተደጋጋሚ ደብዳባት ነፈርቲ ኣብቲ ናይ መንበሪ ቦታታት ሰፊሕ ባርዕ ሓዊ ኣስዓበ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይቲ ውግእ: ናጐያ ጥራይ 54 ግዜ ብነፈርቲ ተደብደበት: እዚ ብዙሕ ስቓይ ኣስዓበ: ልዕሊ 7,700 ዝዀኑ ሰባት ድማ ቀተለ።
ኣብዚ እዋን እዚ: ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ዓሰርተ ኸተማታት በተን ናይ ውግእ መራኽብ ክድብደባ ጀመራ: ህዝቢ ድማ ሓይልታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንቶክዮ ክሕዝዋ ኢዮም ዝብል ስግኣት ነበሮ። ኣንስትን ኣጕባዝን ንሃገሮም ንምክልኻል ካብ ኣርቃይ እተሰርሐ ሴፍ ገይሮም ንኽቃለሱ ተዓለሙ። ጭርሖና “ኢችዮኦኩ ሶግዮኩሲ ” ዝብል ነበረ: “ኢድና ካብ ንህብ 100 ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ይሓይሽ” ዝብል ትርጕም ድማ ነበሮ።
ብ7 ነሓሰ 1945: ሓንቲ ጋዜጣ “ሂሮሽማ ብሓድሽ ዓይነት ቦምባ ተደብደበት” ዝብል ኣርእስተ ዜና ሒዛ ወጸት። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ: ናጋሳኪ ብኸምኡ ዝኣመሰለ ካልእ ቦምባ ተደብደበት። እዚ ኣቶሚክ ቦምብ ነበረ: ጸኒሕና ኸኣ ብድምር ልዕሊ 300,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝቐተለ ሰማዕና። ድሕርዚ: ብ15 ነሓሰ ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ጠበንጃ ሒዝና እንገብሮ ዝነበርና ናይ ታዕሊም ሰልፊ ክንውድእ ከሎና: እቲ ሃጸይ ጃፓን ኢዳ ከም ዝሃበት ክዛረብ ከሎ ሰማዕና። ክንዕወት ኢና ዝብል እምንቶ ነበረና: ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ተስፋ ቘረጽና!
ሓደ ሓድሽ ተስፋ ይምዕብል
እቶም ናይ ኣመሪካ ወተሃደራት ነቲ ቦታ ክሕዝዎ ምስ ጀመሩ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ውግእ ከም እተዓወተት በብቕሩብ ክንኣምን ጀመርና። ኣብ ጃፓን ደሞክራስን ናይ ኣምልኾ ሓርነት ዝህብ ሓድሽ ቅዋምን ተኣታተወ። ናብራ ከቢድ ኢዩ ነይሩ: ዋሕዲ መግቢ እውን ነበረ። ብ1946 ድማ ኣቦይ ብምኽንያት ዋሕዲ መግቢ ሞተ።
ብድሕሪኡ: ኣብ ቤት ትምህርትና እንግሊዝኛ ክንማሃር ጀመርና: መደበር ረድዮ ኤን.ኤች.ከይ. ድማ ብእንግሊዝኛ ናይ ዝርርብ ፕሮግራም ከተመሓላልፍ ጀመረት። ኣብ ኢደይ ናይ መምሃሪ መጽሓፍ ብምሓዝ ነዚ ፍሉጥ ፕሮግራም እዚ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል መዓልቲ-መዓልቲ ተኸታተልክዎ። እዚ ድማ ሓደ መዓልቲ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸይድ ኣሎኒ ዝብል ባህጊ ኣሕደረለይ። ብናይ ሺንቶን ቡድሂስትን ሃይማኖት ተስፋ ቘሪጸ ስለ ዝነበርኩ: ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓቂ ምናልባት ኣብ ናይ ምዕራባውያን ሃይማኖታት ይርከብ ይኸውን ኢለ ክሓስብ ጀመርኩ።
ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ 1951 ምስ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሚስዮናዊት ግሬስ ግሪጎርይ ተራኸብኩ። ኣብ ፊት መደበር ባቡር ናጐያ ደው ኢላ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትዛረብ ብቛንቋ ጃፓን እተዳለወ ንእሽቶ መጽሓፍ ትዕድል ነበረት። ኣብዚ ዕዮ እዚ ብትሕትና ምዕያያ መሲጡኒ ኢዩ። ካብ ክልቲኡ ጽሑፋት ወሰድኩ: ምስኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ድማ ተሰማማዕኩ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ገዝኣ ክኸይድ ምዃነይ ቃል ኣተኹላ።
ኣብ ባቡር ተሰቒለ ኮፍ ኢለ ግምቢ ዘብዐኛ ከንብብ ምስ ጀመርኩ: እታ ኣብ መኽፈቲ እታ ዓንቀጽ ዝነበረት “የሆዋ” እትብል ቀዳመይቲ ቃል ንኣቓልቦይ ሰሓበቶ። ነዛ ስም እዚኣ ቅድሚኡ ርእየያ ኣይፈልጥን ኢየ። እዛ ስም እዚኣ ኣብታ ሒዘያ ዝነበርኩ ናይ እንግሊዝኛን ቋንቋ ጃፓንን ንእሽቶ መዝገበ ቓላት ተጻሒፋ ክረኽባ እውን ኣይተጸበኹን: እንተዀነ ግን “የሆዋ . . . ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ” ዝብል ተጻሒፍዎ ነበረ! ሽዑ ብዛዕባ ናይ ክርስትና ኣምላኽ ክምርምር ጀመርኩ!
ኣብታ ንቤት ሚስዮናውያን ዝኸድኩላ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ: እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ከም ዝህብ ፈለጥኩ። ምስቲ ጸሓፊኡ ዝነበረ ሚልተን ሄንሸል ኰይኑ ንጃፓን ይበጽሓ: ናብ ናጐያ ኸኣ ይመጽእ ነበረ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠተይ ድሩት እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ዝርርብ እቲ ብምስምዐይ: ምስቶም ሚስዮናውያንን ካልኦት ተኣከብትን ከኣ ብምሕባረይ ኣዝየ ኢየ ተሓጒሰ።
ዳርጋ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ: ካብቲ ምስ ግሬስ ዝገበርክዎ ጽንዓት ብዛዕባ የሆዋ: የሱስ ክርስቶስ: እቲ በጅነት: ሰይጣን ድያብሎስ: ብዛዕባ ኣርማጌዶንን እታ ገነታዊት ምድርን ዝገልጽ መሰረታዊ ሓቅታት ተማሃርኩ። እቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ብልክዕ እቲ ክረኽቦ ዝጽዕር ዝነበርኩ ዓይነት መልእኽቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ጽንዓት ዝጀመርኩሉ እዋን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እካፈል ነበርኩ። እቶም ሚስዮናውያን ምስቶም ጃፓናውያን ከይተሰከፉ ብምሕባሮምን ምሳና ድማ ኣብ ታታሚ (ብብርዒ እተሰርሐ ተንኮበት) ኮፍ ብምባሎምን እቲ ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ዝነበረ ሕውነታዊ ሃዋሁ ኣሐጒሱኒ ኢዩ።
ኣብ ጃፓን ንመጀመርታ ግዜ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ እተኻየደ ብጥቅምቲ 1951 ኣብ ከተማ ኦሳካ: ናኮኖሺማ ኣብ ዝበሃል ናይ ህዝቢ ኣደራሽ ኢዩ። ኣብ ምሉኡ ጃፓን ዝነበሩ መሰኻኽር ካብ 300 ዝውሕዱ ኢዮም ነይሮም፣ እንተዀነ ግን ኣብቲ ኣሰምብሊ 50 ዝዀኑ ሚስዮናውያን ሓዊስካ ዳርጋ 300 ሰባት ተኻፈሉ። ኣነ ድማ ኣብቲ ፕሮግራም ሓጻር ክፍሊ ነበረትኒ። እቲ ዝረኣኽዎን ዝሰማዕክዎን ነገር ስለ ዝመሰጠኒ: ንየሆዋ ምሉእ ህይወተይ ከገልግሎ ብልበይ ወሰንኩ። ንጽባሒቱ: ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከብ ናይ ህዝቢ መሕጸቢ ነብሲ ልብጥ ብዝበለ ማይ ተጠመቕኩ።
ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝረኸብክዎ ሓጐስ
ፓይነር—ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ስም—ክኸውን ደለኹ: ይኹን እምበር ስድራቤተይ ክድግፍ ግዴታ ከም ዘሎኒ እውን ተሰምዓኒ። ድሌተይ ንሓለቓይ ክነግሮ ንርእሰይ ኣደፋፈርክዋ እሞ “እዚ ዕዮ እዚ ዘሐጕሰካ እንተድኣ ዀይኑ: ምሳኻ ክተሓባበር ሕጉስ ኢየ” ምስ በለኒ ኸኣ ተገረምኩ። ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ጥራይ ብምስራሕ: ንስድራቤትና ዘድሊ ወጻኢታት ብምሽፋን ነደይ ክሕግዛ ከኣልኩ። ብሓቂ ከምታ ካብ ጋቢያ ብምውጻእ ሓርነት ዝስምዓ ዑፍ ከምኡ ኢዩ ተሰሚዑኒ።
ኵነታት እናተመሓየሸ ምስ ከደ: ብ1 ነሓሰ 1954 ኣብቲ ድሕሪ መደበር ባቡር ናጐያ: ካብቲ ምስ ግሬስ ንመጀመርታ ግዜ እተራኸብናሉ ቦታ ብእግሪ ሒደት ደቓይቕ ኬድካ ኣብ ዝርከብ ዞባ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀመርኩ። ድሕሪ ሓያሎ ኣዋርሕ: ከም ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ኣብታ ብወገን ምዕራብ ደሴት ክዩሹ እትርከብ በፑ እትበሃል ከተማ ከገልግል መዝነት ተቐበልኩ። ትሱቶሙ ሚኦራ መገላግልተይ ክኸውን ተመዘዘ።a ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ምሉእ ደሴት ክዩሹ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃል ኣይነበረን። ሕጂ ግን ኣብ 22 ወረዳታት እተመቓቐላ ብኣማእታት ዝቝጸራ ጉባኤታት ኣለዋ!
ናይ ሓዳስ ዓለም መርኣያ
ሓው ኖር ሚያዝያ 1956 ንጃፓን እንደገና ክበጽሓ ኸሎ: ካብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ሒደት ቍጽርታት ዓው ኢለ ከንብብ ሓተተኒ። ስለምንታይ ኣንብብ ከም ዝነበርኩ ኣይፈለጥኩን: ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግን: ኣብ መበል 29 ክፍሊ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል እትዕድም ደብዳበ ተቐበልኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ሕዳር ናይታ ዓመት እቲኣ: ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሓጒሰ ጕዕዞ ጀመርኩ። እቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ባህገይ ድማ ጋህዲ ዀነ። ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ምስቲ ዓቢ ናይ ብሩክሊን ስድራ ቤትኤል ምንባርን ምስራሕን: ነቲ ኣብታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ዝነበረኒ እምነት ኣደልዲሉለይ ኢዩ።
ብለካቲት 1957 ሓው ኖር ንሰለስቴና ተማሃሮ ካብ ብሩክሊን ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ላንሲንግ: ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኒው ዮርክ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብማኪና ገይሩ ወሰደና። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዘሕለፍክወን ሓሙሽተ ኣዋርሕ: ካብ ቃል የሆዋ መምርሒ ብምርካበይን ምስቶም ተማሃሮ ብጾተይ ኰይነ ኣብ ሓደ ምልኩዕ ከባቢ ብምቕማጠይን: ናይታ ገነታዊት ምድሪ መርኣያ ኣስተማቒረዮ ኢየ። ዓሰርተ ካብቶም 103 ተማሃሮ ጃፓን ተመደብና።
ንመዝነታተይ ኣኽቢረ ረኣኽዎ
ብጥቅምቲ 1957 ናብ ጃፓን ክምለስ ከሎኹ ኣብቲ ዓዲ 860 ዝዀኑ መሰኻኽር ነበሩ። ከም ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኣብ ናይ መገሻ ዕዮ ከገልግል ተመደብኩ: ቅድሚኡ ግን ኣድርያን ቶምፕሶን ኣብ ናጐያ ዀይኑ ንሒደት መዓልትታት ነቲ ዕዮ እቲ ዝጠቅም ምልምማድ ሃበኒ። ወረዳይ ካብቲ ኣብ ጥቓ ጎቦ ፉጂ ዝርከብ ሺሚዚ ክሳዕ ደሴት ሺኮኩ ዘሎ ከባቢ ዝሽፍን: ከም ክዮቶ: ኦሳካ: ኮቤን ሂሮሺማን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኸተማታት እውን ዘጠቓልል ነበረ።
ብ1961 ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ክኸውን ተመዘዝኩ። እዚ ዕዮ እዚ ዳርጋ 3,000 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዘለዎ: ካብቲ ውርጪ ዝመልኦ ሰሜናዊ ደሴት ሆካይዶ ክሳዕ እቲ ሓውሲ ትሮፒክ ዝዀነ ደሴት ኦኪናዋ: ካብኡ ሓሊፍካውን ክሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ታይዋን ዝርከብ ደሴታት ኢሺጋኪ ጕዕዞ ምግባር ዘጠቓልል ነበረ።
ድሕርዚ ብ1963 ኣብቲ ኣብ ናይ ብሩክሊን ቤትኤል ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮርስ ክወስድ ተዓደምኩ። ኣብ እዋን እቲ ኮርስ: ሓው ኖር ነቲ ዝዋሃበካ ዕዮ ብዝምልከት ግቡእ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕለሐ። ከምቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምስራሕ ኣድላዪ ዝዀነ ዓይኒ ምድሪ ምጽራይውን ኣገዳሲ መዝነት ምዃኑ ተዛረበ። ዓይኒ ምድሪ ጽሩይ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ብምሉኡ እቲ ስድራ ቤትኤልን ዕዮኦምን ከም ዝጕዳእ ገለጸ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ዓይኒ ምድሪ ምጽራይ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ጃፓን ዝነበረ ናይ ቤትኤል ዕዮይ ነበረ: ነዚ ምኽሪ እዚ ድማ ዘኪረዮ ኢየ።
ናብ ጃፓን ምስ ተመለስኩ: እንደገና ኣብቲ ናይ መገሻ ዕዮ ተመደብኩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት: ብ1966 ምስታ ከም ፍልይቲ ፓይነር ኰይና ኣብ ከተማ ማትሱ ዘገልገለት ጁንኮ ኢዎስዋኪ ተመርዓኹ። እቲ ሽዑ ናይ ጃፓን ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተዓዛቢ ዝነበረ ሎይድ ባሪ ልቢ ዝትንክፍ ናይ መርዓ ዝርርብ ሃበ። ድሕሪኡ ጁንኮ ኣብቲ ናይ መገሻ ዕዮ ሓበረትኒ።
ብ1968 ዕዮ ትርጕም ንኽሰርሕ ናብቲ ኣብ ቶክዮ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስ ተጸዋዕኩ: መዝነትና ተቐየረ። ኣብ ቤትኤል ሕጽረት ኣባይቲ ስለ ዝነበረ: ካብቲ ሱሚዳ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ቶክዮ ዝርከብ ቦታ እናተመላለስኩ እሰርሕ ነበርኩ: ጁንኮ ድማ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ጉባኤ ከም ፍልይቲ ፓይነር ኰይና ተገልግል ነበረት። ኣብዚ ግዜ እዚ: ዕብይ ዝበለ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምህናጽ ኣድላዪ ዀነ። ስለዚ ብ1970 ኣብ ኑማዙ: ካብ ጎቦ ፉጂ ብዙሕ ከይረሓቕካ ኣብ እትርከብ ከተማ: መሬት ተዓደገ እሞ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ፋብሪካን መንበሪ ገዛን ተሃንጸ። እቲ ህንጻ ቅድሚ ምጅማሩ: እቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሓያሎ ገዛውቲ ነቲ ናይ ጉባኤ ተዓዘብቲ ምልምማድ ዝህብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ንምክያድ ጠቒሙ ኢዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንኽምህር መሰል ረኸብኩ: ጁንኮ ድማ ነቶም ተማሃሮ ዝኸውን መግቢ ተዳሉ ነበረት። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ክርስትያን ሰብኡት ነቲ ኣገልግሎት ዝጠቅም ፍሉይ ምልምማድ ክወስዱ ኸለዉ ምርኣይ ባህ ዘብል ነበረ።
ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ: ህጹጽ ናይ ተሌግራም መልእኽቲ ተቐበልኩ። ኣደይ ሓሚማ ሆስፒታል ኣትያ ነበረት: ኣፈርክቡ ነበረ። ፈጣን ባቡር ገይረ ድማ ናብ ናጐያ ኸድኩ: ተቐላጢፈ ኸኣ ናብቲ ሆስፒታል በጻሕኩ። ኣደይ ሃለዋታ ኣጥፊኣ እኳ እንተ ነበረት: ምሉእ ለይቲ ግን ኣብ ጐድኒ ዓራታ ሓደርኩ። ንጽብሒቱ ንጉሆ ኸኣ ሞተት። ናብ ኑማዙ ምስ ተመለስኩ: ነቲ ኣብ ህይወታ ዘሕለፈቶ ሕማቕ ግዜያትን ነቲ ንዓይ እተርእየኒ ዝነበረት ፍቕርን ምስ ዘከርኩ ንብዓተይ ክቈጻጸሮ ኣይከኣልኩን። ፍቓድ የሆዋ እንተድኣ ዀይኑ: ብትንሳኤ እንደገና ክረኽባ ኢየ።
ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ኣብ ኑማዙ ዝነበረ ህንጻታት ጸበበና። ስለዚ ኸኣ ኣብ ከተማ ኢቢና 7 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ተዓደገ: ብ1978 ድማ እተፈላለየ ህንጻታት ዘለዎ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክህነጽ ጀመረ። ሕጂ እቲ ኣብዚ መሬት እዚ ዝነበረ ናጻ ቦታ ፋብሪካን መንበሪ ህንጻታትን ከምኡውን ልዕሊ 2,800 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ተሃኒጽዎ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ነናይ 13 ደርቢ ዘለዎ ክልተ መንበሪ ከምኡውን ማካይን ደው መበልን ጋራጅን ዝሓዘ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እዚ ተሃኒጹ ብምውድኡ ወሰኽ ተረኺቡ ኢዩ። ናይ ቤትኤል ስድራና ሕጂ ዳርጋ 530 በጺሑ ኢዩ: እቲ ዓቢ ህንጻታት ግን 900 ዝዀኑ ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ኢዩ።
ከም እንሕጐስ ዝገበረና ብዙሕ ምኽንያታት
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ክፍጸም ከሎ ምርኣይ: እወ: እቲ ‘ኣዝዩ ውሑድ ብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን’ ከሎ ምርኣይ ባህ ዘብል ነበረ። (ኢሳይያስ 60:22) ብ1951 ሓደ ካብ ኣሕዋተይ “ኣብ ጃፓን ክንደይ እትዀኑ መሰኻኽር ኣሎኹም፧” ኢሉ ሓተተኒ።
“ኣስታት 260” ኢለ መለስክሉ።
ብምቍንጻብ “260 ጥራይ፧” ብምባል ሓተተኒ።
‘የሆዋ ኣብዛ ብናይ ሺንቶን ቡድሃን ሃይማኖት ዝመልአት ሃገር ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ኣምልHS-.5,ኾኡ ከም ዘምጽእ ግዜ ክርእየና ኢዩ’ ኢለ ክሓስብ ይዝከረኒ። የሆዋ ድማ መልሲ ሂቡ ኢዩ! ሎሚ ኣብ ጃፓን ዘሎ ዅሉ ዞባታት ብስራት ንኽበጽሖ ተመዲቡ ኢዩ። ቍጽሪ ናይቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ድማ ልዕሊ 222,000 በጽሐ: ቍጽሪ ጉባኤታት ድማ ናብ 3,800 ክብ በለ !
እተን ካብ ህይወተይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክወን 44 ዓመታት—እተን 32 ዓመታት ምስታ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ ኰይነ ዘሕለፍክወን ኢየን—ፍልይ ዝበላ ሓጐስ ዝመልአን ግዜያት ኢየን ነይረን። ካብዘን ዓመታት እዚኣተን: እተን 25 ኣብ ቤትኤል ኣብ ክፍሊ ትርጕም ኰይነ ዘገልገልኩለን ዓመታት ኢየን። ብመስከረም 1979: ኣብ ጃፓን ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን እውን ተዓደምኩ።
ቅኑዓትን ሰላም ዘፍቅሩን ሰባት ናብ ኣምልኾ የሆዋ ንኽመጹ ኣብ ምሕጋዝ ንእሽቶ ግደ ምብርካት መሰልን በረኸትን ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ ለውጢ ገይሮም ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ ሃጸይ ተወፋይነት ምሃብ ሓዲጐም ነቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ከምልኹ ጀመሩ። ብዙሓት ካልኦት ናብቲ ዓወት ዝመልኦ ወገን የሆዋ ክመጹን ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡን ምሕጋዝ ልባዊ ባህገይ ኢዩ።—ራእይ 22:17
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣቡኡ ካብቲ ብ1945 ኣብ ልዕሊ ሂሮሹማ እተተኰሰ ኣቶሚክ ቦምብ ኣብቲ ናይ ጃፓን ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ዝደሓነ እሙን ምስክር ነበረ። ናይ 8 ጥቅምቲ 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 11-15 ርአ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ቤት ትምህርቲ ኣብ ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ዘድሃበ ነበረ
[ምንጪ ስእሊ]
The Mainichi Newspapers
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ሓው ፍራንዝ ኣብ ኒውዮርክ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ምስ በዓልቲ ቤተይ ጁንኮ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ክፍሊ ትርጕም እናሰራሕኩ ከሎኹ