ትዕቢት ዘስዕቦ ጕድኣት—ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧
ደይመደይ ኢሉ ከነኣእሰካ ዝፍትን ሰብ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ እቲ ኣትሒቱ ዝረኣየካን ብንዕቀት እተዛረበካን ምናልባት ሓደ ኣካያዲ ስራሕ: ሓለቓ: ተቘጻጻሪ: ወይውን ዘመድካ ድዩ ነይሩ፧ ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ እንታይ ይስምዓካ፧ ባህሪኡኸ ማሪኹካዶ ነይሩ፧ ፈጺሙ ከም ዘይማረኸካ እተረጋገጸ ኢዩ! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ትዕቢት ዕንቅፋታት ዝፈጥርን ርክብ ዝዓግትን ኢዩ።
ሓደ ሰብ ኵሉ ግዜ በሊጹ ምእንቲ ክርአ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ከም ዘናእስ እትገብሮ ትዕቢት ኢያ። እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ብዛዕባ ኻልኦት ጽቡቕ ቃላት ዳርጋ ኣይዛረብን ኢዩ። ኵሉ ግዜ “እወ: ንሱ ጽቡቕ ባህርያት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ወይ ጕድለት ግን ኣለዎ” ዝብል ኣሉታዊ መግለጺ ዘለዎ ሓረጋት ይውስኽ።
ኣብታ ተውትስ ኦቭ ጎልድ ኢን ዎርድስ ኦቭ ሲልቨር እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ትዕቢት ብኸምዚ ተገሊጹ ኣሎ:- “ብቐጻሊ ጕድኣት ዘስዕብ ሕማቕ ኣመል ኢዩ። ንሓደ ሰብ ዳርጋ ዝንኣድ ነገር ከም ዘይብሉ ገይሩ የዕንዎ።” ምስ ትዕቢተኛ ዝቐርብ ሰብ ጽቡቕ ዘይስምዖ ምዃኑ ዘገርምዶ ኢዩ፧ አረ: መብዛሕትኡ ግዜ ትዕቢት ዘምጽኦ ጕድኣት ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ምስኣን ኢዩ። እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መጽሓፍ ቀጺላ “ብኣንጻሩ: ሰባት ነቲ ትሑት ብምዃኑ ዝዕበ ዘይኰነስ ነቲ ናይ ሓቂ ትሑት ዝዀነ ሰብ ኢዮም ዝፈትዉ” ትብል። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ: . . . ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ” ኢሉ እንተ ገለጸ እምበኣር ቅኑዕ ኢዩ።—ምሳሌ 29:23
ይኹን እምበር: ትዕቢት ነቲ ሓደ ሰብ ካብ ሰባት ዝረኽቦ ምሕዝነት ወይ ክብሪ ዝትንክፎ እኳ እንተዀነ ካብኡ ንላዕሊ ግን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝህልዎ ርክብ ዝትንክፎ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣምላኽ ንዕቡይን መን ከማይ በሃልን ትዕኑንን ሰብ ብኸመይ ኢዩ ዝምልከቶ፧ ትዕቢት ወይ ትሕትና: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ለውጢ የምጽእ ድዩ፧
ንትሕትና ዝምልከት ትምህርቲ
እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፍ መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ: ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ።” (ምሳሌ 16:18, 19) ጥበብ ናይዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ጕዳይ እቲ ኣብ እዋን እስራኤላዊ ነብዪ ኤልሳእ ዝነብር ዝነበረ ሶርያዊ ጀነራል ንእማን ጽቡቕ ገይሩ ተረጋጊጹ ኢዩ።
ንእማን ለምጻም ነበረ። ክሓዊ ይደሊ ስለ ዝነበረ: ምስ ኤልሳእ ብብሕቱ ክዘራረብ ብምሕሳብ ናብ ሰማርያ ተጓዕዘ። እንተዀነ ግን እቲ ነብዪ: ንእማን ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ግዜ ክሕጸብ ንኽነግሮ ንሓደ ኣገልጋሊኡ መምርሒ ሂቡ ለኣኾ። ንእማን ግን በቲ እተገብረሉ ኣቀባብላን እተዋህቦ ምኽርን ተቐየመ። እቲ ነብዪ ኣገልጋሊኡ ኣብ ክንዲ ዝልእኽ ወጺኡ ብብሕቱ ንንእማን ከዘራርቦ ዘይከኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ርባ ዮርዳኖስ ካብቲ ናይ ሶርያ ርባታት ከም ዘይፍለ እተረጋገጸ ኢዩ! ጸገሙ ትዕቢት ኢዩ ነይሩ። መወዳእትኡኸ እንታይ ኰነ፧ እቲ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ንንእማን ንጽቡቑ ኰነ። “ሽዑ ወሪዱ: ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለ: ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ: ጸረየውን።”—2 ነገስት 5:14
ሓድሓደ ግዜ ንእሽቶ ትሕትና ብምርኣይ ጥራይ ብዙሕ በረኸታት ይርከብ ኢዩ።
ትዕቢት ዘስዕቦ ጕድኣት
ትዕቢት ኣብ ልዕሌና ዘምጽኦ ጕድኣት ግን ገለ ረብሓ ወይ ጥቕሚ ካብ ምስኣን ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብታ ኢʹቭረስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተገልጸ ሓለፍ ዝበለ ደረጃ ዘለዎ ትዕቢት ኣሎ። ብመሰረት ናይ ቋንቋ ግሪኽ ምሁር ዝዀነ ባርክለይ ድማ “ኢʹቭረስ [ሓደ ሰብ] ንብጾቱ ሰባት ከም ዘሕስሮም እትገብሮ ኵርዓት ዝመልኣ ባህሪ . . . ትዕቢትን ጭከናን ዝሓዘት ኢያ።”
ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሉፍ ትዕቢት ዝገልጽ ንጹር ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ጕዳይ ናይቲ ንጉስ ዓሞን ዝነበረ ሓኑን ተራእዩ ኢዩ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ናሓሽ ንዳዊት ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርእይዎ ስለ ዝነበረ: ዳዊት ናሓሽ ምስ ሞተ ንወዱ ሓኑን ዘጸናንዑ ልኡኻት ሰደደ። ሓኑን ግን ዳዊት ነዛ ኸተማ እዚኣ ክስልያ ብተንኮል ዝገበሮ ነገር ጥራይ ኢዩ ዝብል ዘረባ እቶም መሳፍንቱ ስለ ዝኣመነ: ነቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ፍርቂ ጭሕሞም ላጽዩን ንኽዳውንቶም ድማ ክሳዕ መቐመጫኦም ቀዲዱን ብምስዳድ ኣዋረዶም።”a ባርክለይ ነዚ ፍጻመ እዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “እዚ ግብሪ እዚ ትዕቢት (ኢʹቭረስ) ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ውርደት: በደል ምፍጻም: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምሕሳር ዘጠቓልል ነበረ።”—2 ሳሙኤል 10:1-5
እወ: ሓደ ዕቡይ ሰብ ንኽዕበ: ንኽዀርዕን ንኻልኦት ከዋርድን ክእለት ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ብጭከናን ብዘይርአ መገድን ብምጕዳእ ባህ ይብሎ: እዚ ሰብ እዚ ክሳቐን ክዋረድን ከሎ ድማ ይሕጐስ። ንናይ ሓደ ሰብ ክብሪ ምጕዳልን ምትንካፍን ግን ድርብ ጕድኣት ዘስዕብ ኢዩ። ዓርኪ ከም እትስእን: ልዕሊ ዅሉ ድማ ጸላኢ ከም እተጥሪ ይገብር።
ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ‘ንብጻዩ ከም ነፍሱ ገይሩ ከፍቅር’ ጐይትኡ ኣዚዝዎ ከብቅዕ: ከመይ ገይሩ ኢዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ትዕቢት ከርኢ ዝኽእል፧ (ማቴዎስ 7:12፣ 22:39) እዚ ምስቲ ኣምላኽን የሱስን ዘለዎም ኵሉ ባህሪ ብቐሊሉ ዝጋጮ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ባርክለይ “ትዕቢት (ኢʹቭረስ) ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ከም ዝቃወም እትገብሮ ባህሪ ኢያ” ብምባል ክስትብሃለሉ ዝግባእ ርእይቶ ይህብ። “ኣምላኽ የልቦን” ከም እትብል እትገብር ትዕቢት ኢያ። (መዝሙር 14:1) ወይ ድማ ከምቲ ኣብ መዝሙር 10:4 ተገሊጹ ዘሎ “ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ: ኣምላኽ የልቦን እዩ: ብትዕቢቱ ኸኣ: ኣይምርምርን እዩ: ይብል አሎ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ትዕቢት ወይ ኵርዓት ንሓደ ሰብ ካብ ኣዕሩኽን ኣዝማድን ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ እውን ዝፈልዮ ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ጕድኣት ኰን ኢዩ!
ትዕቢት ክዕብልለካ ኣይተፍቅደሉ
ትዕቢት ካብ ሃገራውነት: ዓሌትነት: ማሕበራዊ ደረጃ: ትምህርቲ: ሃብቲ: ዝና: ስልጣን ዝመጽእ ስለ ዝዀነ ብዙሕ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እንተ በዚ እንተ በቲ ይምጻእ ግን ትዕቢት ብቐሊሉ ክወረካን ነቲ ጥዑይ ባህሪኻ ክዕብልሎን ይኽእል ኢዩ።
ሓያሎ ሰባት ካብኣቶም ልዕል ምስ ዝብሉ ሰባት ወይ ምስ መዛኑኦም ክዀኑ ከለዉ ትሑታት መሲሎም ይረኣዩ። እቲ ትሑት መሲሉ ዝርአ ሰብ ናብ ስልጣን ምስ ዝድይብ ግን እንታይ ኢዩ ዝፍጽም፧ ሃንደበት ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ሰባት ከም ዝጭነቑ ብምግባር: ንስልጣን ብዘይ ግቡእ ዝጥቀም ሰብ ይኸውን! ገሊኦም ሰባት ስልጣኖም ዝሕብር ክዳን ምስ ዝኽደኑ ወይ ባጅ ምስ ዘንጠልጥሉ ከምዚ ይገብሩ ይዀኑ። ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት እውን ከይተረፉ ምስ ህዝቢ ርክብ ክገብሩ ኸለዉ ነቲ ህዝቢ ከም ዘገልግልዎ ዘይኰነስ እቲ ህዝቢ ንዓኣቶም ዘገልግሎም ገይሮም ብምሕሳብ ይዕበዩ ይዀኑ። ትዕቢት ጨካንን ሕያውነት ዘይብሉን ሰብ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ: ትሕትና ግን ሕያዋይ ክትገብረካ ትኽእል ኢያ።
የሱስ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸሎ ትዕቢተኛን ጨካንን ክኸውን ምኽኣለ ነይሩ ኢዩ። ምስ ዘይፍጹማትን ደፋፋእትን ህዉኻትን ሰባት ዝመላለስ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ከመይ ዝበለ ዕድመ ኢዩ ሂብዎም፧ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 11:28-30
ነቲ ናይ የሱስ ኣብነት ኵሉ ግዜ ክንስዕቦ ንጽዕር ዲና፧ ወይስ ጨካናት: ነቓጻት: ውልቀ-መለኽቲ: ምሕረት ዘይብልና: ዕቡያት ኢና፧ ልክዕ ከም የሱስ: ንምጭቋን ዘይኰነስ ሰባት ከም ዝቐርቡኻ ክትገብሮም ፈትን።
ነቲ ዓብላሊ ዝዀነ ሕማቕ ሳዕቤን ዘለዎ ትዕቢት ተቓወሞ።
ርእስኻ ምኽባር ምስ ምንያት ክወዳደር ከሎ
ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ጽቡቕ ባህሪ ድማ ምኽንያታዊ ወይ ግቡእ ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ ምህላው ኢዩ። ርእስኻ ምኽባር ክበሃል ከሎ ንገዛእ ርእስኻ ኣኽብሮት ምህላው ማለት ኢዩ። ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዝሓስቡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣካላዊ ትርኢትካን ስምካን ትግደስ ኢኻ ማለት ኢዩ። እቲ “ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ እሞ መን ምዃንካ ክነግረካ” ዝብል ምስላ: ሓቂ ኢዩ። ምስ ወጀሃላያትን ሃካያትን ዘይእሩማትን ተጻረፍትን ሰባት ትሓብር እንተድኣ ዄንካ: ንስኻውን ንዓታቶም ክትመስል ኢኻ። ናቶም ኣመለኻኽታ ይለግበካ እሞ ከምኣቶም ትኸውን: ድሕሪኡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ ተጥፍእ።
ናብ ምንያትን ምፍኽናንን ዝመርሕ ካልእ ሕሉፍ ትዕቢት ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ። እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብልምድታቶምን በቲ ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ትርኢቶምን ዕቡያት ነበሩ። የሱስ ብዛዕብኦም ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ኵሉ ግብሮም: ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። [ዝያዳ ሃይማኖታውያን መሲሎም ንኽረኣዩ] ክታባውቶም የግፍሑ: ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም: ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ።”—ማቴዎስ 23:5-7
እቲ ዝድለ እምበኣር ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኢዩ። የሆዋ ግዳማዊ ትርኢት ጥራይ ዘይኰነስ ልቢ እውን ከም ዝርኢ ኣይትረስዕ። (1 ሳሙኤል 16:7፣ ኤርምያስ 17:10) ርእስኻ ምጽዳቕ ኣምላኻዊ ጽድቂ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ‘ሓቀኛ ትሕትና እነማዕብልን ነቲ ትዕቢት ዘስዕቦ ብዙሕ ጕድኣት እነርሕቕን ብኸመይ ኢና፧’ ዝብል ሕቶ ይለዓል ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ንእሽቶ ትሕትና ንንእማን ብዙሕ በረኸት ኣምጽኣትሉ