ኣብ ኣቕሓ መሬት ዘሎ መዝገብና
“እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።”—2 ቈረንቶስ 4:7
1.እቲ ናይ የሱስ ኣብነት ብኸመይ ኢዩ ከተባብዓና ዘለዎ፧
የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ የሆዋ ከምቲ ዘድልዮ ገይሩ ቅርጺ ኣብ ዘትሕዘሉ ዝነበረ እዋን: ደቅሰብ ክሳዕ ክንደይ ድኹማት ምዃኖም ባዕሉ ተመኲርዎ ኢዩ። እቲ ንጽህንኡ ብምሕላው ዝገደፎ ኣብነት ክንደይ ኰን ኢዩ ከተባብዓና ዘለዎ! እቲ ሃዋርያ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ብምባል ይነግረና። (1 ጴጥሮስ 2:21) የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምቕራጽ ርእሱ ብምውፋዩ: ንዓለም ሰዓራ። ሃዋርያቱ እውን ሰዓርቲ ምእንቲ ክዀኑ ኣተባብዖም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13, 31፣ 9:27, 28፣ 14:3፣ 19:8) ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ ምስኣቶም እተዛረበላ መዓልቲ ድማ ከመይ ዝበለ ዓቢ መተባብዒ ኰን ኢዩ ዝሃቦም! ከምዚ በሎም:- “ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ: እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።”—ዮሃንስ 16:33
2.ምስቲ ናይ ዓለም ጸልማት ብምንጽጻር እንታይ ብርሃን ኢዩ ዘሎና፧
2 ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ ነቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኣብ ሰባት ዘውርዶ ዑረት ምስቲ ‘ናይ ክብሪ ብርሃን ወንጌል’ ድሕሪ ምውድዳሩ: ብዛዕባ እቲ ዘሎና ክቡር ኣገልግሎት ከምዚ በለ:- “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ: ግናኸ ኣይጸበናን: እንገብሮ ይጠፍኣና: ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና: ንስጐጕ: ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና: ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።” (2 ቈረንቶስ 4:4, 7-9) ዋላ እኳ ተነቃፊ ዝዀነ “ኣቕሓ መሬት” እንተ ዀንና: ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንዕወት ኣምላኽ ብመንፈሱ ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ቅርጺ ኣትሒዙና ኢዩ።—ሮሜ 8:35-39፣ 1 ቈረንቶስ 15:57
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እተገብረ ዕዮ ምቕራጽ
3.ኢሳይያስ ንምቕራጽ ናይቶም እስራኤላውያን ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧
3 የሆዋ ንውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝቢ እውን ከምቲ ዝደልዮ ቅርጺ የትሕዞም ኢዩ። ንኣብነት: ጥንታዎት እስራኤላውያን ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ የሆዋ ቅርጺ ከትሕዞም ርእሶም ከቕርቡ ከለዉ ይብልጽጉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ተረርቲ ብምዃን ምእዛዝ ኣቋረጹ። ስለዚ ኸኣ እቲ ደኳኒ እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ‘ወዮ’ ኣውረደሎም። (ኢሳይያስ 45:9) ኣብ መበል ሻሙናይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ከቢድ ሓጢኣት እስራኤላውያን ንየሆዋ ከምዚ በሎ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኣቦና ኢኻ: ንሕና መሬት ኢና: ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ: ኵልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና። . . . እቲ ኽቡር ጥሪትናውን ብዘሎ በረሰ።” (ኢሳይያስ 64:8 -11) እስራኤላውያን ንጥፍኣት ጥራይ ዝበቅዕ ኣቕሓ ኰይኖም ቅርጺ ሓዙ።
4.ኤርምያስ እንታይ መብርሂ ኢዩ ዝሃበ፧
4 ሓደ ክፍለ-ዘበን ጸኒሑ: መዓልቲ ምጽብጻብ ቀሪቡሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ: የሆዋ ንኤርምያስ ካብ መሬት እተሰርሐ ሳርማ ሒዙ ምስቶም ዓበይቲ የሩሳሌም ናብ ለሰ ወዲ ሂኖም ክኸይድ ነገሮ። ከምዚ ዝብል መምርሒ ኸኣ ሃቦ:- “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ እሞ በሎም: ከምቲ ናይ ሰራሕ መሬት ኣቕሓ ምስ ተሰብረ ዘይዕረ: ከምኡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ . . . ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”—ኤርምያስ 19:10, 11
5.እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘውረዶ ፍርዲ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ኢዩ ነይሩ፧
5 ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ምስ ቤት መቕደሳ ብምፍርራስ ነቶም ዝተረፉ ኣይሁዳውያን ንምርኮ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ኣብ ምርኮ 70 ዓመታት ምስ ገበሩ ግና እቶም እተናስሑ ኣይሁዳውያን ተመሊሶም ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ክሃንጹ ከኣሉ። (ኤርምያስ 25:11) ይኹን እምበር: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ እቶም ህዝቢ እንደገና ነቲ ዝዓበየ ሰራሕ መሬት ጠንጠንዎ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ንወዲ ኣምላኽ ብምቕታል እቲ ዝኸፍአ ዓመጽ ፈጸሙ። ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣምላኽ ነቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ንምጥፋእ ነታ ሽዑ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ሮሜ ተጠቕመ: ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ከኣ ኣጥፍኣታ። ካብ ሽዑ ንድሓር ህዝቢ እስራኤል “ንቕድስናን መልክዕን” ክዀኑ ብኢድ የሆዋ ፈጺሞም ኣይተቐርጹን።a
ንሓደ መንፈሳዊ ህዝቢ ምቕራጽ
6, 7. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ምቕራጽ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) ምሉእ ቍጽሪ ናይቶም “ኣቕሑ ምሕረት” ክንደይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝቘመ፧
6 እቶም ንየሱስ እተቐበልዎ ኣይሁዳውያን መሰረት ናይቲ ሓድሽ ህዝቢ ማለት መንፈሳዊ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ኰይኖም ተቐርጹ። (ገላትያ 6:16) ስለዚ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ናይ ጳውሎስ ቃላት ግቡእ ኢዩ ነይሩ:- “ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብቲ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ: ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ ኣምላኽከ . . . ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጾሮም: እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም [ኢዩ]።”—ሮሜ 9:21-23
7 እቲ ዝተንስአ የሱስ ጸኒሑ እዞም “ኣቓሑ ምሕረት” እዚኣቶም ቍጽሮም 144,000 ክኸውን ምዃኑ ኣፍለጠ። (ራእይ 7:4፣ 14:1) ስጋውያን እስራኤላውያን ነዚ ቝጽሪ እዚ ክመልእዎ ስለ ዘይከኣሉ የሆዋ ንምሕረቱ ናብ ኣህዛብ እውን ዘርግሖ። (ሮሜ 11:25, 26) እታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቀልጢፋ ኣስፋሕፍሐት። ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰብከ።’ (ቈሎሴ 1:23) እዚ ኸኣ ነተን ፋሕ ኢለን ዝነበራ እተፈላለያ ጉባኤታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ምምሕዳር ምግባረን ኣድለየ።
8. እቲ ናይ መጀመርታ ኣማሓዳሪ ኣካል ብመን ዝቘመ ነበረ: እዚ ኣካል እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝዓበየ፧
8 የሱስ ነቲ ናይ መጀመርታ ኣማሓዳሪ ኣካል ዘቝሙ 12 ሃዋርያት ኣዳልዩ ነበረ። ንዕኦምን ንኻልኦትን ከኣ ንኣገልግሎት ኣለማመዶም። (ሉቃስ 8:1፣ 9:1, 2፣ 10:1, 2) ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመስረተት: ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ‘ንሃዋርያትን ሽማግለታትን የሩሳሌም’ ዘጠቓልል ብምዃን ሰፍሐ። እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ ዋላ እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይነበረ: ንነዊሕ እዋን ኣቦ መንበር ኰይኑ ዘገልገለ ይመስል። (ግብሪ ሃዋርያት 12:17፣ 15:2, 6, 13፣ 21:18) ብመሰረት እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ዩሲቤስ ዝበሎ ኸኣ እቶም ሃዋርያት ናይ መስጐጕቲ ፍሉይ ዒላማ ስለ ዝዀኑ ናብ ካልእ ቦታታት ፋሕ በሉ። ስለዚ ድማ እቲ ኣቃውማ ናይቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ተለወጠ።
9. የሱስ እንታይ ዘሕዝን ምዕባለ ከም ዝህሉ ኢዩ ኣቐዲሙ እተዛረበ፧
9 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ‘ድያብሎስ እቲ ጸላኢ’ ኣብ መንጎ እቶም ከም ስርናይ ተመሲሎም ዘለዉ ወረስቲ “መንግሰተ ሰማያት” ‘ክርዳድ ክዘርእ’ ጀመረ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ኵነታት ክሳዕ “መወዳእታ ዓለም” ክቕጽል ክፍቀደሉ ምዃኑ የሱስ ተነብዩ ነበረ። ሽዑ እቶም “ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም።” (ማቴዎስ 13:24, 25, 37-43) እዚ መዓስ ኢዩ ክኸውን፧
ሎሚ ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምቕራጽ
10, 11. (ሀ) እዚ ዘመናዊ ዕዮ ምቕራጽ ናይቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብኸመይ ኢዩ እተገብረ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ህዝበ-ክርስትያንን እቶም ህርኩታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ ተጻራሪ ዝዀነ ትምህርትታት ኢዩ ዘሎ፧
10 ብ1870 ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣብ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ጕጅለ መስረተ። ብ1879 ነቲ ሎሚ ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ መጽሔት ወርሓዊ ክሓትም ጀመረ። እዞም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ጕጅለ: ብዙሕ ከይጸንሑ ህዝበ-ክርስትያን ከም ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ: ሲኦል ሓዊ: መንጽሂ ቦታ: ስላስያዊ ኣምላኽ: ቈልዑ ምጥማቕ ዝኣመሰለ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ናይ ኣረማውያን ትምህርትታት ሒዛ ከም ዘላ ተረድኡ።
11 ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣገዳሲ ግን እዞም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ዘፍቅሩ ሰባት: ነቲ ከም ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ገይርካ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ኣብ ሓንቲ ሰላም ዘለዋ ምድሪ ንዘለኣለም ብህይወት ንምንባር ምትንሳእን ዝብል መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ገበርዎ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ሉዓላዊ ጐይታ ኣድማስ ምዃኑ ምርግጋጹ ዘይተርፍ ነገር ምዃኑ የጕልሑ ነበሩ። እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝብል ናይ ጐይታ ጸሎት መልሲ ክረክብ ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ሓንቲ ሰላም ዝፈትዉ ክርስትያናት ዘለውዋ ዓለምለኻዊት ማሕበር ምእንቲ ከቝሙ ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተቐርጹ።
12. እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ኣገዳሲት ዕለት ኣቐዲሞም ክርድኡ ዝኽኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧
12 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ከምኡውን ኣብ ካልእ ትንቢታት ዓሚቝ መጽናዕቲ ምግባሮም የሱስ ከም መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ዝመጸሉ እዋን ምቕራቡ ከም ዝተኣማመኑ ገበሮም። እታ ‘ዘመናት ኣህዛብ ዝፍጸመላ’ ዓመት 1914 ምዃና ኣቐዲሞም ተረድኡ። (ሉቃስ 21:24፣ ህዝቅኤል 21:26, 27) እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃበሉ ክፍልታት (ዳሕራይ ጉባኤታት ተባሂለን እተጸውዓ) ብምምስራት ንጥፈታቶም ብቕልጡፍ ኣስፍሑ። ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ከኣ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮኦም ኣብ ኣውሮጳን ኣውስትራልያን ጀመረ። ጽቡቕ ዝዀነ ኣመሓድራ ኸኣ ኣድለየ።
13. እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሕጋዊ ተፈላጥነት ኢዮም ዝረኸቡ: እቲ ቐዳማይ ፕረዚደንት ማሕበርከ እንታይ ሓለፍ ዝበለ ኣገልግሎት ኢዩ ዝፈጸመ፧
13 ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጋውነት ንምልባስ ከኣ ናይ ጽዮን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ትራክትን ተባሂሉ ብ1884 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቈመ። እቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኸኣ ኣብ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ ኰነ። እቶም ዳይረክተራት ድማ ነቲ ዓለምለኻዊ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዕዘቡ ኣማሓዳሪ ኣካል ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። እቲ ናይ ማሕበር ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ዝነበረ ቻርለስ ቲ. ራስል ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃላ ሽዱሽተ ጥራዛት ብእንግሊዝኛ ኣዳለወ: ሰፊሕ ናይ ስብከት ጕዕዞታት ከኣ ገበረ። ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማሩ ዝኣከቦ ብዙሕ ገንዘቡ ድማ ናብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ እታ መንግስቲ ወፈዮ። ኣብቲ ኣውሮጳ ኣብ ብርቱዕ ኲናት ኣትያትሉ ዝነበረት እዋን ናይ 1916 እቲ ደኺሙ ዝነበረ ሓው ራስል ኣብ ናይ ስብከት ጕዕዞ ከሎ ሞተ። ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝግበር ምስክርነት ንምስፋሕ ዘለዎ ኵሉ ሃበ።
14. ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ‘ሰናይ ገድሊ እተጋደለ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (2 ጢሞቴዎስ 4:7)
14 እቲ ከም ዳኛ ዀይኑ ኣብ ሚሱሪ ንእተወሰነ ግዜ ዝሰርሐ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ቀጺሉ ፕረዚደንት ኰነ። ምእንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብዘይ ገለ ፍርሃት ይጣበቕ ብምንባሩ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ካህናት ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ብምትሕብባር ‘ከም ሕጊ ኢና እናበሉ ዓመጽ ክገብሩ’ ደለዩ። ብ21 ሰነ 1918 ከኣ ሓው ራዘርፎርድን ካልኦት ሸውዓተ ፍሉጣት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ተኣስሩ: ኣብ ሓደ እዋን ዝትግበር ናይ 10 ወይ 20 ዓመታት እተፈላለየ ፍርዲ ድማ ተፈርዶም። እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተጣበቑ። (መዝሙር 94:20፣ ፊልጲ 1:7) ይግባይ ብምባል ከኣ ብ26 መጋቢት 1919 ተፈትሑ: ጸኒሖም ከኣ ካብቲ ከም መስዳዕቲ ኰይኖም ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክሲ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ተለቁ።b እዚ ተመክሮ እዚ ክምህ ዘይብሉ ተጣበቕቲ ሓቂ ከም ዝዀኑ ገይሩ ቀረጾም። ዋላ እኳ ምጽራር ናይ ዓባይ ባቢሎን እንተ ሃለወ ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ንኽዕወቱ ዝዀነ ይኹን መገዲ ፈተኑ። እዚ ቃልሲ እዚ ኸኣ ክሳዕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ናይ 1999 እውን ይቕጽል ኣሎ።—ምስ ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ኣረኣእዮ፣ ዮሃንስ 8:38-47
15. ስለምንታይ ኢያ 1931 ታሪኻዊት ዓመት ዝዀነት፧
15 ኣብ ግዜ 1920ታትን 1930ታትን እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ኢድ እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ኰይኖም እቲ ዘድሊ ቅርጺ ምሓዝ ቀጺሎም ኢዮም። ንየሆዋ ክብሪ ብምሃብን ኣብታ ናይ የሱስ መሲሓዊት መንግስቲ ብምትኳርን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ትንቢታዊ ብርሃን ይበርህ ነበረ። እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1931 ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ሓድሽ መጸውዒ ክቕበልዎ ሕጉሳት ነበሩ።—ኢሳይያስ 43:10-12፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14
16 ከምኡውን ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን. እቲ ምሉእ ቍጽሪ ናይቶም 144,000 ዘብቅዐ መዓስ ኢዩ: ብዛዕባ እዝኸ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ፧
16 ኣብ 1930ታት ቍጽሪ ናይቶም “ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን” ማለት 144,000 ዝመልአ ይመስል ነበረ። (ራእይ 17:14፣ ነቲ ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን ርአ።) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበንን ኣብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ዝዓበየ ክሕደት ዘስዓቦ ጸልማት ዝነበረሉ እዋንን ካብቶም ምስቲ “ክርዳድ” ተሓዊሶም ዝነበሩ ክንደይ ዝኣኽሉ ቅቡኣት ከም እተኣከቡ ኣይንፈልጥን ኢና። ብ1935 ግን ካብቲ ሽዑ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ 56,153 ዝኸውን ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ: እቶም ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ብምክፋል ሰማያዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ዘርኣዩ 52,465 ኢዮም። ናይቶም ገና ክእከቡ ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት መጻኢኸ እንታይ ክኸውን ነበሮ፧
“እንሆ: ዓቢ ጭፍራ”
17. ብ1935 እንታይ ታሪኻዊ ምዕባለ ኢዩ እተፈጸመ፧
17 ኣብቲ ካብ 30 ግንቦት ክሳዕ 3 ሰነ 1935 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: ሓው ራዘርፎርድ “እቶም ብዙሓት ሰብ” ዘርእስቱ ታሪኻዊ ዝርርብ ሃበ።c እዞም “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል” ጕጅለ እዚኣቶም ምቕልቃሎም ምሕታም ናይቶም 144,000 ዝዀኑ መንፈሳውያን እስራኤል ናብ ምውድኡ ከም ዝቐረበ ዘርኢ ኢዩ። እዚኣቶም እውን ኣብቲ ናይ ምብጃው ሓይሊ ዘለዎ ‘ደም እቲ ገንሸል’ የሱስ እምነት ይገብሩ ኢዮም: ኣብቲ የሆዋ ንኣምልኾ ክኸውን ኢሉ ዝገበሮ ቤት መቕደስ ከኣ ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርቡ። ከም ጕጅለ መጠን ነታ ‘ሞት ዘይብላ’ ገነታዊት ምድሪ ንምውራስ “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ” ኢዮም። ቅድሚ እቲ ዓቢ ኣኼባ ኣብ ዝነበረ ገለ ዓመታት እዞም ጕጀለ እዚኣቶም ክፍሊ ዮናዳብ ምዃኖም ይዝረበሎም ነይሩ ኢዩ።—ራእይ 7:9-17፣ 21:4፣ ኤርምያስ 35:10
18. ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢያ 1938 ኣገዳሲት ዓመት ዝዀነት፧
18 ነዞም ክልተ ክፍልታት እዚኣቶም ኣነጺርካ ኣብ ምፍላጥ 1938 ኣገዳሲት ዓመት ኢያ ነይራ። ናይ 15 መጋቢትን 1 ሚያዝያን 1938 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “መጓሲኡ” ዝብላ ክልተ ክፍልታት ዘለወን መጽናዕቲ ኣውጽኣ: እቲ ተዛማዲ ቦታ ናይቶም ቅቡኣት ተረፍን ብጾቶም ዓቢ ጭፍራን እንታይ ምዃኑ ድማ ኣነጸራ። ድሕርዚ ናይ 1 ሰነን 15 ሰነን ሕታማት ኣብ ኢሳይያስ 60:17 እተመርኰሰ ብዛዕባ “ማሕበር” ዝገልጽ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት ሒዘን ወጻ። እተመሓየሸን ብኣምላኽ እተሸሙን ቲኦክራሲያውን ምድላው ምእንቲ ክህሉ ኵለን ጉባኤታት እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣገልገልቲ ክሸመለን ክሓታ ተነግረን። እተን ጉባኤታት ከኣ ልክዕ ከምቲ እተባህልኦ ገበራ።
19 ከምኡውን እግረ-ጽሑፍ. እቲ ሓፈሻዊ ጻውዒት ናይ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 60 ዓመታት ከም ዝገበረ እንታይ ረቛሒታት ኣሎ፧
19 ኣብቲ ናይ 1939 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ነበረ:- “እቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ የሱስ ቍጽሮም ውሑድ ኢዩ: ንድሕሪ ሕጂ እውን ፈጺሙ ኣይክውስኽን ኢዩ። እዚኣቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ተረፍ’ ናይቶም ዘርኢ ጽዮን: ማሕበር ኣምላኽ: ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ራእይ 12:17) ጐይታ ሕጂ ነቶም ‘ብዙሓት ሰብ’ ዘቝሙ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ናብኡ ይእክቦም ኣሎ። (ዮሃንስ 10:16) እዞም ሕጂ ዝእከቡ ዘለዉ ምስቶም ተረፍ ሓቢሮም ዝዓዩ ብጾቶም ኢዮም። እዞም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ዘቝሙ ካብ ድሕሪ ሕጂ ‘ብዙሓት ሰብ’ ክሳዕ ዝዀኑ ብቝጽሪ እናበዝሑ ክኸዱ ኢዮም።” እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንምእካብ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ምእንቲ ኽኣልዩ ብዝግባእ ተቐሪጾም ኢዮም። እቶም ዓቢ ጭፍራ እውን ሕጂ እቲ ዘድሊ ቅርጺ ክሕዙ ኣለዎም።d
20. ካብ 1942 ኣትሒዙ እንታይ ምምሕዳራዊ ለውጥታት ኢዩ እተገብረ፧
20 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ: ጥሪ 1942 ጆሴፍ ራዘርፎርድ ሞተ: ናታን ኖር ከኣ ፕረዚደንት ብምዃን ተክኦ። እዚ ናይ ማሕበር ሳልሳይ ፕረዚደንት ኣብ ጉባኤታት ቲኦክራሲያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ብምጅማርን ሚስዮናውያን ንምስልጣን ከኣ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ብምኽፋትን ኢዩ ብጽቡቕ ዝዝከር። ኣብቲ ብ1944 እተገብረ ናይ ማሕበር ዓመታዊ ኣኼባ: ኣባል ምዃን ኣብቲ ሓደ ሰብ ዝገብሮ ስጋዊ ውጽኢት ዘይኰነስ ኣብ መንፈሳውነት እተመርኰሰ ምእንቲ ክኸውን ናይታ ማሕበር ቻርተር እንደገና ዳግመ-ግምት ከም እተገብሮ ሓበረ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ 30 ዓመታት ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ግራት ዘገልግሉ ዝነበሩ ካብ 156,299 ናብ 2,179,256 ደየበ። ካብ 1971-75 ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ ተወሳኺ ናይ ኣመሓዳድራ ለውጢ ክግበር ኣድለየ። ነቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዝካይድ ዕዮ ስብከት ቀንዲ ዝቈጻጸሮ እቲ ፕረዚደንት ጥራይ ካብ ምዃን ኣቋረጸ። እቲ በብግደ ኣቦ መንበር ዝዀኑሉ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣባላቱ ናብ 18 ደየበ: ኵላቶም ከኣ ቅቡኣት ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ፍርቆም ምድራዊ ኣገልግሎቶም ወዲኦም ኢዮም።
21. እቶም ኣባላት እቲ ሒደት መጓሰ ነታ መንግስቲ ከም ዝበቕዑ ዝገብሮም እንታይ ኢዩ፧
21 እቶም ዝተረፉ ኣባላት እቲ ሒደት መጓሰ በቲ ኣብ ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠሞም ፈተናታት ቅርጺ ሒዞም ኢዮም። ብዘየማትእ መገዲ ‘ምስክርነት መንፈስ’ ስለ እተቐበሉ ተባዓት ኢዮም። የሱስ ከምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን: ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ: ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።”—ሮሜ 8:16, 17፣ ሉቃስ 12:32፣ 22:28-30
22, 23. እቶም ሒደት መጓሰን ካልኦት ኣባጊዕን እቲ ዘድሊ ቅርጺ ዝሕዙ ብኸመይ ኢዮም፧
22 ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ተረፍ ክጐድል ከሎ: ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ዳርጋ ኣብ ኵለን ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ንዝዀኑ ብሱላት ኣሕዋት ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ይወሃቦም። እቶም ናይ መጨረሽታ ብመንፈስ እተቐብኡ ቅቡኣት መሰኻኽር ምድራዊ ዕዮኦም ክውድኡ ከለዉ ኸኣ: ኣባላት እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ መሳፍንቲ: ሳ.ሪም ʹ ኣብ ምድሪ ንኸመሓድሩ እቲ ዝግባእ ልምምድ ይወስዱ።—ህዝቅኤል 44:3፣ ኢሳይያስ 32:1
23 እቶም ሒደት መጓሰ ይኹኑ ካልኦት ኣባጊዕ ብተመሳሳሊ ከም ኣቕሓ ኽብረት ኰይኖም ቅርጺ ምሓዝ ክቕጽሉ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:14-16) ተስፋና ‘ሓድሽ ሰማይ’ ይኹን ‘ሓዳስ ምድሪ’ ብዘየገድስ: ነቲ “እንሆ: የሩሳሌም ንእልልታ: ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ: በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ” ዝብል የሆዋ ዘቕረቦ ዕድመ ብምሉእ ልብና መልሲ እንህበሉ ይግበረና። (ኢሳይያስ 65:17, 18) ንሕና ድኹማት ሰባት ኵሉ ግዜ ብትሕትና እነገልግል: በቲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ማለት ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እንቕረጽ ይግበረና!—2 ቈረንቶስ 4:7፣ ዮሃንስ 16:13
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዛ ብጥንታዊት እስራኤል ተመሲላ ዘላ ዓለወኛ ህዝበ-ክርስትያን እውን ካብ የሆዋ ተመሳሳሊ ፍርዲ ከም ዝወርዳ መጠንቀቕታ ክትሰምዕ ኣለዋ።—1 ጴጥሮስ 4:17, 18
b ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዋሕስ ከይወጹ ዝኸልከሎም ናይ ሮማ ካቶሊክ ኣማኒ ዝነበረ ማንቶን እተባህለ ዳኛ ጸኒሑ ጉቦ በሊዕካ ተባሂሉ ስለ እተኸሰ ተኣስረ።
c እቲ ብ1950 እተሓትመ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት “ዓቢ ጭፍራ” ዝብል ስያመ ተጠቕመ። እዚ ኸኣ ዝሓሸ ትርጕም ናይታ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈት ናይ ግሪኽኛ ስያመ ኢዩ።
d ብ1938 እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ቍጽሪ ተኣከብቲ ናይ ዝኽሪ 73,420 ነበረ። ካብዚኣቶም 39,225 ዝዀኑ ሰባት—ካብቶም ተኣከብቲ 53 ካብ ሚእቲ—ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ወሰዱ። ኣብ 1998 ቍጽሪ ተኣከብቲ ናብ 13,896,312 ደየበ። ካብዚኣቶም 8,756 ጥራይ ካብቲ ቅጫን ወይንን ወሰዱ። እዚ ድማ ብገምጋም ኣብ 10 ዝዀና ጉባኤታት 1 ሰብ ነይሩ ወይ እውን ጨሪሱ ኣይነበረን ማለት ኢዩ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ነቲ ናይ ኣቡኡ ምቕራጽ ትሕት ኢሉ ብምቕባል: የሱስ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እንታይ ቅርጺ ናይ ምትሓዝ ዕዮ ኢዩ እተገብረ፧
◻ እቶም ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ክሳዕ ሕጂ እቲ ዘድሊ ቅርጺ ዝሕዙ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ እቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ንምንታይ ዕላማ ኢዮም እተቐርጹ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ ህዝበ-ክርስትያን እተገብረ ተወሳኺ ዕዮ ምቕራጽ
እቲ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝብሃል ማዕከን ዜና ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ርእሲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኰይኖም እተሸሙ ካብ ኣቴንስ: ግሪኽ: ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ለኣኸ:- “ልኡኽ ሰላም ኢዮም ክዀኑ ነይርዎም። እዞም ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን መራሒ ግን ከም ሓደ ንውግእ ዝዳሎ ዘሎ ጀነራል ኢዮም ዝመስሉ።
“ሊቀ-ጳጳስ ክሪስቶዶሎስ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን እተኸብረ ከም መዓልቲ ሰራዊት ግሪኽ እውን ዝብዓል መዓልቲ ፍልሰታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዚ በሉ:- ‘ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ደም ከነፍስስን መስዋእቲ ክንገብርን ቅሩባት ኢና። ንሕና ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን ምእንቲ ሰላም ኢና እንጽሊ። . . . እቲ ኵነታት ኣድላዪ ምስ ዝገብሮ ግን ነቲ ቅዱስ ኣጽዋር ንባርኾ ኢና።’ ”
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]
“ድሕሪ ደጊም ዝውሰኽ የለን!”
ኣብቲ ብ1970 እተገብረ ናይ ጊልዓድ መመረቕታ: እቲ ሽዑ ምክትል ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ፍረደሪክ ፍራንዝ ነቶም ኵላቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣባላት ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝነበሩ ናይ ሽዑ ተማሃሮ: ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ካብቶም ቅቡኣት ኢየ ዝብል ረኺቦም ከጠምቑ ከም ዝኽእሉ ነገሮም። እዚ ከጋጥም ይኽእልዶ ኢዩ፧ ዮሃንስ መጥምቕ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ምንባሩ እንተዀነ ግን ንየሱስን ንገለ ካልኦት ሃዋርያትን ከም ዘጠመቖም ገለጸ። ድሕርዚ ቀጺሉ ጻውዒት ናይቶም ተረፍ ምውድኡን ዘይምውድኡን ሓተቶም። ከምዚ ድማ በለ:- “ድሕሪ ደጊም ፈጺሙ ዝውሰኽ የለን። እቲ ጻውዒት ካብ 1931-35 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኢዩ ተወዲኡ! ደጊም ዝውሰኽ ፈጺሙ የለን። እሞ እቶም ካብቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝወስዱ ውሑዳት ሓደስቲ ሰባት ድኣ መን ኢዮም፧ ካብቶም ተረፍ እንተድኣ ኰይኖም መተካእታ ዝዀኑ ኢዮም ማለት ኢዩ! ኣብ ልዕሊ ቍጽሪ ናይቶም ቅቡኣት ዝውሰኹ ዘይኰኑስ: ናይቶም እሙናት ኰይኖም ዘይተረኽቡ መተካእታ ኢዮም።”
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ንኣገልግሎትና ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ !
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ጥንታዊት እስራኤል ንጥፍኣት ጥራይ እትበቅዕ ኣቕሓ ኰነት