ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/2 ገጽ 13-18
  • በጅነት ክርስቶስ ኣምላኽ ዘዳለዎ መገዲ ድሕነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በጅነት ክርስቶስ ኣምላኽ ዘዳለዎ መገዲ ድሕነት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓጢኣትን ሞትን ምውጋድ
  • ነቲ ናይ ሓጢኣት ዋጋ ምኽፋሉ
  • “ተመዓራራዪ በጅነት”
  • ዋጋ ናይቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት
  • ካብ በጅነት ክርስቶስ ምጥቃም
  • እቲ በጅነት መግለጺ ፍቕሪ ኢዩ
  • በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሆዋ ‘ምእንቲ ብዙሓት ዚሓልፍ በጃ’ ኣዳለወ
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • መስዋእቲ የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/2 ገጽ 13-18

በጅነት ክርስቶስ ኣምላኽ ዘዳለዎ መገዲ ድሕነት

“ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ”—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

1, 2. እቲ ንዓሌት ደቅሰብ ኣጋጢምዎም ዘሎ ኵነታት ግለጾ።

መጥባሕቲ እንተ ዘይተገይሩልካ ክቐትለካ ዝኽእል ሕማም የሳቕየካ ከም ዘሎ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ነቲ መጥባሕቲ ዝኽፈል ዋጋ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ እንተ ዝኸውንከ ከመይ ምተሰምዓካ፧ እቲ ናይ ስድራቤትካን ናይ ኣዕሩኽካን ኣታዊታት ተደማሚሩውን እንተዀነ ክኸፍሎ ዘይክእል እንተ ዝኸውንከ፧ ከምዚ ዝበለ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መዋጥር ከጋጥመካስ ብሓቂ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ!

2 እዚ ምሳሌ እዚ ነቲ ኣብ ዓሌት ደቅሰብ ዘጋጠመ ኵነታት ዘረድእ ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም። (ዘዳግም 32:⁠4) ንዘለኣለም ናይ ምንባር ከምኡውን ነቲ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ዝብል ዕላማ ኣምላኽ ናይ ምፍጻም መጻኢ ነይርዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠28) ይኹን እምበር ኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ፈጣሪኦም ዓለዉ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-6) እቲ ዘይምእዛዞም: ኣባታቶም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቶም ዘይተወልዱ ዘርኦም እውን ሓጢኣት ኣምጽአ። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ጸኒሑ ከምዚ በለ:- “ካብቲ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእልዶ አሎ፧ ሓደ እኳ የልቦን።”​—⁠እዮብ 14:⁠4

3. ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ዝሓለፈ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ስለዚ ድማ ሓጢኣት ልክዕ ከምቲ ንነፍሲ ወከፍና ዝለኸፈና ሕማም ኰይኑ ኣሎ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ሓጢኦም” ኢዩ ዝብለና። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ዅነታት እዚ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ። ብርግጽ ከኣ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።” (ሮሜ 3:⁠23፣ 6:⁠23) ካባና ዋላ ሓደ እውን ይኹን ካብዚ ሳዕቤን እዚ ከምልጥ ዝኽእል የለን። ኵሎም ሰባት ስለ ዝሓጥኡ ኵሎም ሰባት ከኣ ይሞቱ። ዘርኢ ኣዳም ከም ምዃንና መጠን ኣብዚ ኵነታት እዚ ኢና ተወሊድና። (መዝሙር 51:⁠5) ጳውሎስ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ብምባል ጸሓፈ። (ሮሜ 5:⁠12) እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ናይ ድሕነት ተስፋ ዝበሃል የብልናን ማለት ኣይኰነን።

ሓጢኣትን ሞትን ምውጋድ

4. ሰባት ንሕማምን ሞትን ባዕሎም ከጥፍእዎ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

4 ሓጢኣትን ነቲ ሳዕቤኑ ዝዀነ ሞትን ንምውጋድ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከዳልዎ ካብ ዝኽእል ነገራት ንላዕሊ ከም ዝሓትት ንጹር ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንናይ ወድሰብ ህይወት ዝኽፈል ነገር ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። እቲ ክኸፍሎ ዝኽእል ነገር ካብ መቓብር ከድሕኖ: ንዘለኣለም ከኣ ከንብሮ ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ” ብምባል ቈዘመ። (መዝሙር 49:⁠8, 9 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን [እንግሊዝኛ] ) ጽቡቕ መግቢ ብምምጋብን ሕክምናዊ ክንክን ብምግባርን ህይወትና ንሒደት ዓመታት ከም እትቕጽል ክንገብራ ንኽእል ኢና: ይኹን እምበር ሓደ እኳ ካባና ነቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ኵነታት ክፍውስ ዝኽእል የለን። ሓደ እውን ይኹን ካባና ንኣካላትና ካብቲ ሳዕቤን እርጋን ዝዀነ ስንክልና ኣዐርዩ ናብቲ ኣምላኽ ብመጀመርታ ክንኰኖ ደልዩና ዝነበረ ፍጽምና ክመልሶ ዝኽእል የለን። ጳውሎስ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ፍጥረት ሰብ “ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ” ወይ ከኣ ብመሰረት ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) “ኣብቲ ተደልይሉ ዝነበረ ዕላማ ክበጽሕ ዘይክእል ኰነ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ የጋንን ከም ዘይነበረ ርግጽ ኢዩ። (ሮሜ 8:⁠20) እቲ ዘሐጕስ ግን ፈጣሪ ኣይጠንጠነናን። ሓጢኣትን ሞትን ሓንሳእ ንሓዋሩ ንኸልግስ ምድላው ገበረ። ብኸመይ፧

5. እቲ ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ ንፍትሒ ዓሚቝ ግምት ከም እተዋህቦ ዘንጸባርቕ ብኸመይ ኢዩ፧

5 የሆዋ “ጽድቅን ፍርድን [“ፍትሕን:” NW ] ይፈቱ” ኢዩ። (መዝሙር 33:⁠5) እቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: ሚዛን ምሕላውን ኣድልዎ ዘይብሉ ፍትሕን ዓሚቝ ግምት ከም እተዋህቦ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ውሽጢ እዚ ሕግታት እዚ “ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ” ዝብል ነንብብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሓደ እስራኤላዊ ንሓደ ሰብ እንተድኣ ቀቲሉ: ህይወቱ ኣብ ክንዲ እቲ ዝቐተሎ ሰብ በጃ ኰይኑ ክኽፈል ነበሮ። (ዘጸኣት 21:⁠23፣ ዘሁልቍ 35:⁠21) በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ናይ መለኮታዊ ፍትሒ ሚዛን ማዕረ ዀይኑ ይርከብ።​—⁠ምስ ዘጸኣት 21:​30 ኣረኣእዮ።

6. (ሀ) ኣዳም ቀታል ነፍሲ ዝበሃል በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) ኣዳም እንታይ ዓይነት ህይወት ኢዩ ዘጥፍአ: ነቲ ናይ ፍትሒ ሚዛን ማዕረ ንምግባሩኸ እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኢዩ ዘድለየ፧

6 ኣዳም ምስ ሓጥአ ቀታል ነፍሲ ዀነ። በየናይ መገዲ፧ ንዅሎም ዘርኡ ሓጥእ ኵነታት​—⁠ከም ሳዕቤኑ ድማ ሞት​—⁠ብምምሕልላፍ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣካላትና ናብ ሞት ገጹ ብምጕዓዝ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ብምኽንያት ናይ ኣዳም ዘይምእዛዝ ኢዩ። (መዝሙር 90:​10) ሓጢኣት ኣዳም ካልእ ዝዓበየ ትርጕም እውን ኣለዎ። እቲ ኣዳም ንዕኡን ንዘርኡን ዘጥፍኦ: ተራ ዝዀነ ናይ ገለ 70 ወይ 80 ዓመታት ህይወት ኣይኰነን። ፍጹም ዝዀነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢዩ ኣጥፊኡ። ስለዚ እምበኣር ‘ኣብ ክንዲ ነፍሲ: ነፍሲ ክወሃብ’ እንተድኣ ዀይኑ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘዕግብ ፍትሒ ምእንቲ ኽፍጸም እንታይ ዓይነት ነፍሲ ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ፧ ብርትዓዊ መገዲ ክርአ ኸሎ ፍጹም ሰብኣዊ ነፍሲ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ልክዕ ከምቲ ኣዳም ዝነበሮ: እዚ ነፍሲ እዚ ኸኣ ፍጹም ሰብኣዊ ዘርኢ ከፍሪ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ከም መስዋእቲ ዀይኑ እንተድአ ተዋሂቡ: እቲ ናይ ፍትሒ ሚዛን ማዕረ ይኸውን ጥራይ ዘይኰነስ ንሓጢኣትን ነቲ ሳዕቤኑ ዝዀነ ሞትን እውን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝውገድ ይገብር።

ነቲ ናይ ሓጢኣት ዋጋ ምኽፋሉ

7. ንትርጕም ናይታ ‘በጅነት’ እትብል ቃል ግለጾ።

7 እቲ ካብ ሓጢኣት ክብጀወና ተባሂሉ እተኸፍለ ዋጋ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘በጅነት’ ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። (መዝሙር 49:​7) እዚ ስያመ እዚ ኣብ እንግሊዝኛ (ራንሰም ) ሓደ ጨዋዪ ሰብ ነቲ ዝጨወዮ ክመልስ እንተድኣ ዀይኑ ዝሓቶ ገንዘብ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ እቲ የሆዋ ዘዳለዎ በጅነት ምስ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምጭዋይ ርክብ ዘለዎ ኣይኰነን። እቲ ዋጋ ናይ ምኽፋል ሓሳብ ግን ምስ ምጭዋይ ዝመሳሰል ኢዩ። አረ እታ ‘በጅነት’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ እብራዊት ግሲ እኳ ቃል ብቓሉ “ምሽፋን” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እቲ በጅነት ካብ ሓጢኣት ናጻ ምእንቲ ኽገብረና: ነቲ ክሽፍኖ እተኣመመሉ ነገር ማለት ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ኣዳም ብልክዕ ዝመዓራረዮ ክኸውን ኣለዎ።

8. (ሀ) ነቲ ከም ብሓድሽ ምዕዳግ ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ግለጾ። (ለ) እቲ ከም ብሓድሽ ምዕዳግ ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ከም ሓጢኣተኛታት መጠን ምሳና ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧

8 እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ከም ብሓድሽ ናይ ምዕዳግ መሰረታዊ ስርዓት ዝሰማማዕ ኢዩ። ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ድኽነት እንተድኣ ወዲቑ እሞ ገዛእ ርእሱ ንሓደ እስራኤላዊ ዘይኰነ ሰብ ንባርነት እንተድኣ ሸይጥዋ: ሓደ ዘመድ ምስቲ ባርያ እቲ ማዕረ ኢዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ዋጋ ብምኽፋል ከም ብሓድሽ ክዕድጎ (ወይ ክብጀዎ) ይኽእል ነበረ። (ዘሌዋውያን 25:⁠47-49) መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን ‘ንሓጢኣት እንግዛእ’ ምዃንና ይነግረና ኢዩ። (ሮሜ 6:⁠6፣ 7:⁠14, 25) ከም ብሓድሽ ንኽንዕደግ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧ ከምቲ ዝረአናዮ ፍጹም ሰብኣዊ ነፍሲ እንተድኣ ጠፊኡ ንኽከሓስ: ከይበዝሐ ከይወሓደ ፍጹም ሰብኣዊ ነፍሲ ክኽፈል ኣለዎ።

9. የሆዋ ሓጢኣት ንምሽፋን ምድላው ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ርግጽ ኢዩ ንሕና ደቅሰብ ዘይፍጹማት ኴንና ኢና ተወሊድና። ዋላ ሓደ ካባና ማዕረ ኣዳም ዝዀነ የለን፣ ዋላ ሓደ እውን ይኹን እቲ ፍትሒ ዝሓቶ ናይ በጅነት ዋጋ ክኸፍል ዝኽእል የለን። ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ንህይወትና ዘስግእ ሕማም ከም ዝሓመምና እሞ ነቲ ከሕውየና ዝኽእል መጥባሕቲ ዝኸውን ገንዘብ ግን ክንከፍሎ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ከም ዘሎና ኢዩ ዝሕሰብ። ኣብዚ ዅነታት እዚ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዳና ተማሕጺኑ ነቲ ዋጋ እንተ ዝኸፍለልና ኣዚናዶ መመስገንቲ ኣይምዀናን፧ የሆዋ ልክዕ ከምኡ ኢዩ ገይሩ! ካብ ሓጢኣት ምእንቲ ክብጀወና ሓንሳእ ንሓዋሩ ምድላው ገይሩልና ኢዩ። እወ: ነቲ ብገዛእ ርእስና ክንከፍሎ ዘይንኽእል ነገር ክህበና ፍቓደኛ ኢዩ። ብኸመይ፧ ጳውሎስ “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:⁠23) ዮሃንስ ንየሱስ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 1:⁠29) የሆዋ ነቲ ዝፈትዎ ወዱ ነቲ ናይ በጅነት ዋጋ ክኸፍል ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ እስከ ንርአ።

“ተመዓራራዪ በጅነት”

10. እቲ ብዛዕባ “ዘርኢ” እተዋህበ ትንቢታት: ኣብ ዮሴፍን ማርያምን ዘተኰረ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ኣብ ኤደን ዕልወት ምስ ተፈጸመ: የሆዋ ብኡንብኡ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣት ክብጀዎም ዝኽእል “ዘርኢ” ንኸውጽእ ዝገበሮ ዕላማ ኣፍለጠ። (ዘፍጥረት 3:⁠15) በቲ ተኸታታሊ ዝዀነ መለኮታዊ ራእያት ገይሩ ድማ ነቲ እዚ ዘርኢ እዚ ዝመጽኣሉ መስመር ወለዶ ፈልዩ ገለጸ። ድሕሪ ገለ ግዜ እዚ ራእያት እዚ ናብቶም ኣብ ጳለስጢና ዝነብሩ ዝነበሩ ዮሴፍን ማርያምን እተባህሉ ሕጹያት ኣተኰረ። ንዮሴፍ ከኣ ብሕልሚ: ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ተነግሮ: እቲ መልኣኽ ከኣ “ወዲ ኽትወልድ እያ: ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ: ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ” በሎ።​—⁠ማቴዎስ 1:⁠20, 21

11. (ሀ) የሆዋ ወዱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ክውለድ ብኸመይ ኢዩ ምድላው ዝገበረ፧ (ለ) የሱስ “ተመዓራራዪ በጅነት” ከዳሉ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧

11 እዚ ተራ ዝዓይነቱ ጥንሲ ኣይነበረን: ከመይሲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ነይሩ ኢዩ። (ምሳሌ 8:⁠22-31፣ ቈሎሴ 1:⁠15) ህይወቱ በቲ ተኣምራታዊ ሓይሊ የሆዋ ናብ ማህጸን ማርያም ተመሓላሊፉ ኢዩ: እዚ ሓይሊ እዚ ድማ እቲ ፍቱው ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ክውለድ ኣኽኣለ። (ዮሃንስ 1:⁠1-3, 14፣ ፊልጲ 2:⁠6, 7) የሱስ ብሓጢኣት ኣዳም ምእንቲ ኸይትንከፍ ኢሉ: የሆዋ ንነገራት ይቈጻጸሮ ስለ ዝነበረ: የሱስ ፍጹም ኰይኑ ተወልደ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ክህልዎ ኸኣለ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሓጢኣት ኣዳም ክኸፍል ዝኽእል ሰብ ኰነ! ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ድማ የሱስ ከምኡ ኢዩ ዝገበረ። ኣብታ ታሪኻዊት መዓልቲ እቲኣ: ብጸላእቱ ንኽቕተል የሱስ ፍቓደኛ ኰነ: በዚ ኸምዚ ድማ “ተመዓራራዪ በጅነት” ኣዳለወ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:⁠6 NW

ዋጋ ናይቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት

12. (ሀ) ነቲ ኣብ መንጎ ሞት የሱስን ሞት ኣዳምን ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍልልይ ግለጾ። (ለ) የሱስ ንእዙዛት ደቅሰብ “ኣቦ ዘለኣለም” ዝዀኖም ብኸመይ ኢዩ፧

12 ኣብ መንጎ ሞት የሱስን ሞት ኣዳምን ፍልልይ ኣሎ። እዚ ፍልልይ እዚ ኸኣ ዋጋ ናይቲ በጅነት ዘጕልሕ ኢዩ። ኣዳም ንፈጣሪኡ ደይመደይ ኢሉ ብዘይምእዛዙ: ሞት ዝግብኦ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17) ብኣንጻሩ ድማ የሱስ “ሓጢኣት ዘይገበረ” ብምዃኑ: ፈጺሙ ሞት ዝግብኦ ኣይነበረን። (1 ጴጥሮስ 2:⁠22) ስለዚ ኸኣ የሱስ ምስ ሞተ: እቲ ሓጥእ ኣዳም ኣብ ግዜ ሞቱ ዘይነበሮ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ነገር ማለት ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ናይ ምርካብ መሰል ኣጥረየ። በዚ ኸምዚ እምበኣር ሞት የሱስ መስዋእታዊ ዋጋ ነይርዎ ኢዩ። መንፈሳዊ ሰብ ኰይኑ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ: ዋጋ መስዋእቱ ናብ የሆዋ ኣቕረበ። (እብራውያን 9:⁠24) የሱስ ከምኡ ብምግባሩ ንሓጥእ ወድሰብ ዓደጎ: ንኣዳም ዝትክእ ሓድሽ ኣቡኦም ድማ ዀነ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠45) ብብቑዕ ምኽንያት ድማ የሱስ “ኣቦ ዘለኣለም” ተባሂሉ ተጸውዐ። (ኢሳይያስ 9:⁠6) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ! እቲ ሓጥእ ኣቦ ዝዀነ ኣዳም ንዅሎም ዘርኡ ሞት ኣመሓላለፈሎም። የሱስ እቲ ፍጹም ኣቦ ድማ ነቲ ዋጋ መስዋእቱ ንእዙዛት ደቅሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብ ተጠቕመሉ።

13. (ሀ) የሱስ ነቲ ብኣዳም ዝመጸ ዕዳ ብኸመይ ከም ዝደምሰሶ ብኣብነት ግለጽ። (ለ) መስዋእቲ የሱስ ነቲ ናይ ቀዳሞት ወለድና ሓጢኣት ክኸድኖ ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ይኹን እምበር ሞት ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ኢዩ ናይ ብዙሓት ሰባት ሓጢኣት ክኸድን ዝኽእል፧ (ማቴዎስ 20:⁠28) ገለ ዓመታት ይገብር ኣብ ዝወጸ ሓደ ዓንቀጽ: ንበጅነት በዚ ዝስዕብ መገዲ ገሊጽናዮ ነይርና:- “ሓንቲ ኣማእታት ሰራሕተኛታት ዘለዋ ፋብሪካ ንውሰድ። ሓደ ዘይእሙን ሓላፊ ኸኣ ነታ ፋብሪካ ኣብ ክሳራ የውድቓ እሞ: ኣብ ምዕጻው ከኣ ትበጽሕ። እቶም ኣማእታት ሰራሕተኛታት ከኣ ካብ ስራሕ ስለ ዝወጹ መኽፈል ዕድኦም ይስእኑ። ብሰንኪ እቲ ዘይእሙን ሓላፊ ናይታ ፋብሪካ ድማ ስድራ: በዓልቲ ቤት: ውሉዳትን ሰብ ዕዳን ይሽገሩ: ድሕርቲ ኸኣ ሓደ ሃብታም ገባር ሰናይ ይመጽእ እሞ ነታ ፋብሪካ ካብቲ ዝነበራ ዕዳ ኣውጺኡ እንደገና ይኸፍታ። እቲ ዕዳ እቲ ስለ ዝተፈድየ ኸኣ ብዙሓት ሰራሕተኛታትን ስድራታቶምን ከምኡውን እቶም ዝእውድዎም ሰብ ዕዳን እፎይታ ይረኽቡ። እቲ ቅድም ዝነበረ ዘይእሙን ሓላፊኸ ኣብዚ ሓድሽ ራህዋ እዚ ግደዶ ክህልዎ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን እባ ደኣ: ንሱስ ድሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ካብ ስራሕውን ተባሪሩ እዩ: ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ እቲ ኣዳም ዘምጽኦ ዕዳ ክፍደ ኸሎ: ሚልዮናት ዝዀኑ ካብ ዘርኡ ደኣ እዮም ዝጥቀሙ እምበር: ኣዳምሲ ግደ የብሉን።”

14, 15. ኣዳምን ሄዋንን ብፍቓዶም ኢዮም ሓጢኣት ፈጺሞም ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ: ኵነታትና ካብ ኵነታቶም ዝፍለኸ ብኸመይ ኢዩ፧

14 እዚ ፍትሓዊ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብፍቓዶም ሓጢኣት ከም ዝፈጸሙ ዘክር። ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ መረጹ። ብኣንጻሩ ድማ ንሕና ብሓጢኣት ኢና ተወሊድና። ምርጫ ኣይነበረናን። ዝፈተንና እንተ ፈተንና: ንሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ከነልግሶ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ዮሃንስ 1:⁠8) ሓድሓደ ግዜ ከም ጳውሎስ ይስምዓና ይኸውን ኢዩ: ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ: ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ።”​—⁠ሮሜ 7:⁠21-24

15 ይኹን እምበር ብምኽንያት በጅነት ተስፋ ኣሎና! የሱስ እቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ‘ህዝብታት ኵላ ምድሪ ኪባረኹ እዮም’ ብምባል እተመባጽዓሉ ዘርኢ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠18፣ ሮሜ 8:⁠20) መስዋእቲ የሱስ ነቶም ኣብኡ እምነት ዝገብሩ ሰባት ዘደንቕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተሎም። ገለ ካብዚ በረኸታት እዚ እስከ ንርአ።

ካብ በጅነት ክርስቶስ ምጥቃም

16. ኣብ ሓጥእ ኵነታት እኳ ንርከብ እንተሎና: ብምኽንያት በጅነት የሱስ እንታይ ጥቕምታት ኢና ከነስተማቕር እንኽእል፧

16 ሓደ ካብቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ዝዀነ ያእቆብ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ። (ያእቆብ 3:⁠2) ይኹን እምበር: ብምኽንያት በጅነት ክርስቶስ: ጌጋታትና ይቕረ ክበሃለልና ይኽእል ኢዩ። ዮሃንስ “ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2) ርግጽ ኢዩ: ንሓጢኣት ሸለል ኢልና ክንርእዮ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። (ይሁዳ 4፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 9:⁠27 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር ምስ እንጋገ: የሆዋ ‘ንይቕረታ ድሉው’ ምዃኑ ብምትእምማን ልብና ናብኡ ከነፍስስ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 86:⁠5፣ 130:⁠3, 4፣ ኢሳይያስ 1:⁠18፣ 55:⁠7፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19, 20) በዚ ኸምዚ እቲ በጅነት ንኣምላኽ ብጽሩይ ሕልና ከነገልግሎን ብስም የሱስ ክርስቶስ ብጸሎት ክንቀርቦን የኽእለና።​—⁠ዮሃንስ 14:⁠13, 14፣ እብራውያን 9:⁠14

17. ብምኽንያት በጅነት: ከመይ ዝበለ መጻኢ በረኸታት ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧

17 በጅነት ክርስቶስ ዕላማ ኣምላኽ ንኽፍጸም መገዲ ከፈተ:- እዚ ዕላማ እዚ ኸኣ እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ዝብል ኢዩ። (መዝሙር 37:⁠29) ጳውሎስ “ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ [ኣብ የሱስ] እወ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 1:⁠20) ሓቂ ኢዩ: ሞት ‘ገዚኡ ኢዩ።’ (ሮሜ 5:⁠17) እቲ በጅነት ድማ ነዚ ናይ “መወዳእታ” ጸላኢ እዚ ጸራሪጉ ምእንቲ ኸጥፍኦ ንኣምላኽ መሰረት ኣዳለወሉ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠26፣ ራእይ 21:⁠4) በጅነት የሱስ ነቶም ዝሞቱውን ከይተረፈ ክጠቕሞም ይኽእል ኢዩ። የሱስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ . . . ኺወጹ [ድማ] እዮም” በለ።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠20-22

18. ሓጢኣት ንደቅሰብ ከመይ ዝበለ ዘሕዝን ሳዕቤን ኣምጽኣሎም: እዚኸ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ብኸመይ ኢዩ ዝቕየር፧

18 ከምቲ ካብ መጀመርታ ክትኰኖ ተደልዩ ዝነበረ: ንህይወት ካብ ኵሉ እዚ ሎሚ ከቢዱና ዘሎ ጭንቀታት ናጻ ዄንካ ከተስተማቕራስ ክንደይ ዘሐጕስ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሓጢኣት ኣንጻር ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ኣንጻር ኣእምሮናን ልብናን ኣካልናን ከም እንኸይድ እውን ገይሩና ኢዩ። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም “ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW ] እየ: ኣይብልን” ኢሉ ተመባጺዑልና ኣሎ። እወ: ድሕሪ ደጊም ኣካላውን ስምዒታውን ሕማም ንደቂ ሰብ ኣይከጥቅዖምን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ኢሳይያስ “እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐዲጉሉ እዩ” ኢሉ ይምለስ።​—⁠ኢሳይያስ 33:⁠24

እቲ በጅነት መግለጺ ፍቕሪ ኢዩ

19. ብብሕትና ነቲ ናይ ክርስቶስ በጅነት ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህበሉ ዝግብኣና፧

19 የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ክልእኽ ፍቕሪ ደሪኻቶ ኢያ። (ሮሜ 5:⁠8፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠9) ንየሱስ እውን ብግዲኡ ፍቕሪ ‘ሞት ክጥዕም’ ደሪኻቶ ኢያ። (እብራውያን 2:⁠9፣ ዮሃንስ 15:⁠13) ብብቑዕ ምኽንያት ከኣ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” (2 ቈረንቶስ 5:⁠14, 15) ነቲ የሱስ ኣብ ክንዳና ዝገበረልና ነገር ነማስወሉ እንተድኣ ዄንና ምላሽ ክንህበሉ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ በጅነት ካብ ሞት ንኽንድሕን መገዲ ከፊቱልና ኢዩ! ብተግባራትና ገይርና ንመስዋእቲ ክርስቶስ ኣቕሊልና ክንርእዮ ከም ዘይንደሊ ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:⁠29

20. ን“ቓል” የሱስ ከም ዝሓሎና እነርእየሉ ገለ መገድታት ኣየናይ ኢዩ፧

20 ነቲ እተገብረልና በጅነት ልባዊ ሞሳ ክንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ የሱስ ቀቅድሚ ምእሳሩ “ዜፍቅረኒ እንተሎ: ቃለይ ይሕሉ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:⁠23) ‘ቃል’ የሱስ ነቲ ‘ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ዝብል መዝነት ብቕንኢ ክንፍጽም ዝሃበና ትእዛዝ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19) ንየሱስ ምእዛዝ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ከነፍቅር እውን ዝሓተና ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠34, 35

21. ኣብቲ ብ1 ሚያዝያ ዝኽበር ዝኽሪ በዓል ክንእከብ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

21 ሓደ ካብቲ ነቲ በጅነት ዘሎና ሞሳ ክንገልጸሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ብምክፋል ኢዩ: ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ 1 ሚያዝያ ኢዩ ዝውዕል።a እዚውን እንተዀነ ክፍሊ ‘ቃል’ የሱስ ኢዩ: ከመይሲ ነዚ በዓል እዚ ከቕውም ከሎ: የሱስ ንሰዓብቱ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ሉቃስ 22:⁠19) ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣጋጣሚ እዚ ብምእካብናን ንዅሉ እቲ ክርስቶስ ዝኣዘዘና ነገራት ከኣ ናይ ሓቂ ቈላሕታ ንገብረሉ እንተድኣ ዄንናን በጅነት የሱስ: ኣምላኽ ዘዳለዎ መገዲ ድሕነት ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ከም ዘሎና ንገልጽ ኣሎና። ብርግጽ “ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዚ ዓመት እዚ: 1 ሚያዝያ ምስታ የሱስ ዝሞተላ ዕለት 14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. እትሰማማዕ ኢያ። እቲ ዝኽሪ ዝበዓለሉ ግዜን ቦታን ካብቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣረጋግጽ።

ክትዝክሮዶ ምኽኣልካ፧

◻ ደቅሰብ በቲ ሓጥእ ኵነታቶም ክተዓረቑ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

◻ የሱስ ‘ተመዓራራዪ በጃ’ ክኸውን ዝኽእል በየናይ መገዲ ኢዩ፧

◻ የሱስ እቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ንኽህልዎ ዝነበሮ መሰል ንረብሓና እተጠቕመሉ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ብምኽንያት በጅነት የሱስ ደቅሰብ ከመይ ዝበለ በረኸት ኢዮም ዝረኽቡ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ማዕረ ኣዳም ዝዀነ ፍጹም ሰብ ጥራይ ኢዩ ነቲ ናይ ፍትሒ ሚዛን ማዕረ ክገብሮ ዝኽእል

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንደቅሰብ ፍጹማት ክገብሮም መሰል ካብ ሃለዎ: ሞቱ መስዋእታዊ ዋጋ ነይርዎ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ