ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ዕዉታት ክዀና ይኽእላ ኢየን
ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ዕዉታት ክዀናዶ ይኽእላ ኢየን፧ እወ: ብፍላይ ኵለን ከምዚአን ዝኣመሰላ ስድራቤታት “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም” ምዃኑ ምስ ዝዝክራ ዕዉታት ክዀና ይኽእላ ኢየን። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኵሎም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ ዘውዕልዎ: ዓወት ዘይተርፍ ኢዩ።
እታ መሰረታዊት ባህሪ
ነቲ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ርክብ ዝምልከት ሕጊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ጥራይ ኢዩ ዘሎ። መብዛሕትኡ ብጥበብ ንምውሳን ዝመርሓና ጽቡቕ ባህርያትን ኣረኣእያታትን ከነማዕብል ኢዩ ዘተባብዓና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያትን ኣረኣእያታትን መሰረት ሓጐስ ዝመልኦ ናብራ ስድራቤት ኢዩ።
ርዱእ ነገር እኳ እንተዀነ: ዝዀነት ትኹን ስድራቤት ዕውትቲ ንኽትከውን ዘድልያ መሰረታዊ ባህሪ ፍቕሪ ኢዩ ኢልካ ምጥቃሱ ጠቓሚ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። . . . ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።” (ሮሜ 12:9, 10) እታ “ፍቕሪ” እትብል ቃል ብዙሕ ግዜ ኣብ ዘይቦትኣ ኢያ እትውዕል: እታ ጳውሎስ ኣብዚ ዝጠቐሳ ዓይነት ግን ፍልይቲ ኢያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣምላኻዊት ኢያ: “ከቶ [ድማ] ኣይተቋርጽን” ኢያ። (1 ቈረንቶስ 13:8) መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ስስዐ ዘይብላን ንኻልኦት ንምግልጋል ድልውትን ከም ዝዀነት ገይሩ ኢዩ ዝገልጻ። ንጥቕሚ ኻልኦት ብንጥፈት ኢያ እትዓዪ። ዕግስትን ሕያወይትን ኢያ: ኣይትቐንእን: ኣይትጅሃርን: ወይ ኣይትዕበን ድማ ኢያ። ናታ ኣይትደልን። ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ንምእማን: ተስፋ ንምግባር: ንምጽማም ኵሉ ግዜ ድልውቲ ኢያ።—1 ቈረንቶስ 13:4-7
ሓቀኛ ፍቕሪ ፍልልያት ንምእላይ ከምኡውን ኣዝዩ እተፈላለየ ኣተዓባብያን ባህርያትን ዘለዎም ሰባት ንኽሓብሩ ትሕግዝ ኢያ። ነቲ ፍትሕ ወይ ሞት ናይ ሓደ ወላዲ ዘምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት ክንዋጽኣሉ እውን ትሕግዝ ኢያ። ሓደ ሰብኣይ ኣደ ነቲ ዝነበሮ ናይ ሓቂ ግድላት ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ስምዒት ኣዝየ እግደስ ብምንባረይ ንስምዒታት ናይ በዓልቲ ቤተይ ወይ ደቃ እውን ከይተረፈ ሸለል እብሎ ነበርኩ። ተነቃፊ ንኸይከውን ክምሃር ነበረኒ። ብዝያዳ ዘገድስ ድማ: ትሑት ንኽኸውን ክማሃር ነበረኒ።” ፍቕሪ ኣድላዪ ለውጥታት ንኽገብር ሓገዘቶ።
እቲ ዝወለደካ ኣቦ ወይ ኣደ
ቈልዑ ምስቲ ሕጂ ካብኣቶም እተፈልየ ወላዲኦም ዘለዎም ርክብ ንኽቕጽልዎ ፍቕሪ ትሕግዞም ኢያ። ሓደ ሰብኣይ ኣደ ከምዚ ብምባል ይእመን:- “ደቃ ንበዓልቲ ቤተይ ብቐዳምነት ንዓይ ክፈትዉኒ ደለኹ። ነቲ ዝወለዶም ኣቡኦም ክበጽሑ ኢሎም ክኸዱ ከለዉ: ነቲ ንዕኡ ንኽወቕሶ ዝሓድረኒ ፈተና ክኽእሎ ከቢድ ኰይኑ እረኽቦ ነበርኩ። ምስኡ ጽቡቕ መዓልቲ ውዒሎም ምስ ዝምለሱ: እሓርቕ። ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም ምስ ዝምለሱ ድማ ኣዝየ እሕጐስ ነበርኩ። እቶም ቈልዑ ከይጸልኡኒ ብሓቂ እፈርሕ ነበርኩ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝጸገመኒ ነገራት ከአ እቲ ዝወለዶም ኣቦ ኣብ ህይወት እቶም ደቂ ዘለዎ ግደ ኣድላዪ ምዃኑ ምግንዛብን ምቕባልን ኢዩ ነይሩ።”
እዚ ሰብኣይ ኣደ እዚ “ቅጽበታዊ” ፍቕሪ ምጽባይ ዘይክውንነታዊ ምዃኑ ንኽርዳእ ሓቀኛ ፍቕሪ ሓገዘቶ። እቶም ቈልዑ ብኡንብኡ ስለ ዘይተቐበልዎ እተነጽገ ኰይኑ ክስምዖ ኣይነበሮን። ኣብ ኣልባብ እቶም ቈልዑ ንቦታ እቲ ዝወለዶም ኣቡኦም ምሉእ ብምሉእ ክትክኦ ከም ዘይክእል ተገንዘበ። እቶም ቈልዑ ነቡኦም ካብ ግዜ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ኢዮም ዝፈልጥዎ: እቲ ሰብኣይ ኣደ ግን እቶም ቈልዑ ንኸፍቅርዎ ክጽዕር ዝነበሮ ሓድሽ ሰብ ኢዩ። ሓንቲ ኤሊዛቤት ኣንስታይን ዝስማ ተመራማሪት ከምዚ ዝስዕብ ገይራ ናይ ብዙሓት ሰባት ተመክሮ ትገልጽ:- “እቲ ዝወለደካ ኣቦ ወይ ኣደ ብኻልእ ሰብ ፈጺሙ ክትካእ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዝሞተ ወይ እቲ ነቶም ቈልዑ ጠንጢንዎም ዝኸደ ወላዲ እውን ከይተረፈ ኣብ ህይወት እቶም ቈልዑ ኣገዳሲ ቦታ ሒዙ ኢዩ ዝቕጽል።”
ተግሳጽ—ተኣፋፊ ጕዳይ
ፍቕሪ ዝመልኦ ተግሳጽ ንቘልዑ ኣድላዪ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር ኢዩ። እዚ ድማ ነቶም ብሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዝናበዩ ቘልዑ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ምሳሌ 8:33) ሓያሎ ክኢላታት ኣተሓሳስባኦም ብምቕያር ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ክሰማምዑ ጀሚሮም ኣለዉ። ፕሮፌሰር ሲሪዝ ኣልቪዝ ደ ኣሩዋዝሁ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ብተፈጥሮና ዋላ ሓደ ሰብ ገደብ ክግበረሉ ኣይደልን ኢዩ: ግን ከኣ ኣድላዪ ኢዩ። ‘ግደፍ’ ዝብል ቃል ዕቝባ ኢዩ።”
ይኹን እምበር: ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት ተግሳጽ ምሃብ ከቢድ ዘይምቅዳው ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። እቶም ብሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዝናበዩ ቘልዑ ብወገኖም ቅርጺ ናይቲ ሕጂ ምስኣቶም ዘየለ ወላዲኦም ሒዞም ኢዮም ዓብዮም። ንሰብኣይ ኣዲኦም ወይ ንሰይተቦኦም ከሕርቕ ዝኽእል ልምድታት ወይ ጠባያት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ሰብኣይ ኣዲኦም ወይ ሰይተቦኦም ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ጽኑዕ ኣቕዋም ዝህልዎም ስለምንታይ ምዃኑ ከይርድኦም እውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብዓወት ዝፍታሕ ብኸመይ ኢዩ፧ ጳውሎስ: ንክርስትያናት ‘ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ክስዕቡ’ ይምዕዶም። (1 ጢሞቴዎስ 6:11) እቲ ሓድሽ ዝመጸ ወላድን እቶም ቈልዑን ንሓድሕዶም ንኽረዳድኡ ክማሃሩ ኸለዉ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ህዱኣትን ዕጉሳትን ንኽዀኑ ትሕግዞም ኢያ። እቲ ሰብኣይ ኣደ ወይ እታ ሰይተቦ ዘይዕጉሳት እንተድኣ ዀይኖም: ‘ነድርን ኵራን ጸርፍን’ ነቲ ተረኺቡ ዝነበረ ርክብ ብቕልጡፍ ክበትኮ ይኽእል ኢዩ።—ኤፌሶን 4:31
ነብዪ ሚክያስ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሕግዘና ዓሚቝ ፍልጠት ይህበና ኢዩ። “እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ድማ በለ። (ሚክያስ 6:8) ተግሳጽ ክዋሃብ ከሎ ፍትሒ ምርኣይ ኣድላዪ ኢዩ። ብዛዕባ ሕያውነትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ነቶም ደቃ ንበዓልቲ ቤቱ ንግሆ ሰንበት ኣተሲእካ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣምልኾ ከም ዝካፈሉ ምግባር መብዛሕትኡ እዋን ኣጸጋሚ ከም ዝነበረ የዘንቱ። ኣብ ክንዲ ዝቝጥዖም ድማ ሕያውነት ኣርኣየ። ኣንጊሁ ተሲኡ ቍርሲ የዳሉ: ድሕርዚ ውዑይ ዝስተ ንነፍሲ ወከፎም ይወስደሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ነቲ ንኽትስኡ ዝገብረሎም ልመና ከቕልቡሉ ብዝያዳ ይድረኹ ነበሩ።
ፕሮፌሰር ኣና ሉይዛ ቪዩራ ደ ማቴዎስ እዚ ዝስዕብ ዘገርም ሓሳብ ሃበት:- “እቲ ኣድላዪ ነገር ዓይነት ስድራቤት ዘይኰነስ ዓይነት ናይቲ ርክብ ኢዩ። ሕማቕ ጠባይ ዘለዎም መንእሰያት ዳርጋ ዅሉ ግዜ ጽቡቕ ገይሮም ዘይቈጻጸሩ ወለዲ ካብ ዘለወን ከምኡውን ስርዓታትን ርክብን ካብ ዘይብለን ስድራቤታት ዝመጹ ምዃኖም ካብቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ ተዓዚበዮ ኢየ።” ቀጺላውን “ቈልዑ ምዕባይ ግደፍ ምባል ዝሓትት ምዃኑ ኣዝዩ ክጐልሕ ኣለዎ” በለት። ብተወሳኺውን: ዶክተር ኢምሊ ከምኡውን ዶክተር ጆን ቪሸር “ብመሰረቱ: ተግሳጽ ውጽኢት ዝርከቦ እቲ ዝግሰጽ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ስምዒት ናይቲ ዝግስጾ ሰብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ምስቲ ዝግስጾ ዘሎ ሰብ ዘለዎ ርክብ ምስ ዝግደስ ጥራይ ኢዩ” ብምባል ይገልጹ።
እዚ ርእይቶታት እዚ ‘ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣብ ዘለወን ስድራቤታት ተግሳጽ ክህብ ዘለዎ መን ኢዩ፧’ ንዝብል ሕቶ ዝትንክፍ ኢዩ። ግደፍ ክብል ዘለዎ መን ኢዩ፧ ገሊኦም ወለዲ ነቲ ጕዳያት ምስ ተመያየጥሉ: እቲ ሰብኣይ ኣደ ወይ እታ ሰይተቦ ምስቶም ቈልዑ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ግዜ ምእንቲ ክረኽቡ ንግዚኡ እቲ ቐንዲ ተግሳጽ ዝህብ እቲ ዝወለዶም ወላዲ ክኸውን ከም ዘለዎ ወሲኖም ኢዮም። እቶም ቈልዑ በቲ ሰብኣይ ኣደ ወይ በታ ሰይተቦ ቅድሚ ምግሳጾም ዝፍቀሩ ምዃኖም እምንቶ ንኽሓድሮም ከም ዝማሃሩ ግበሩ።
እቲ ሓድሽ ዝመጸ ወላዲ ኣቦ እንተድኣ ዀይኑኸ እንታይ ይኹን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ርእሲ ስድራቤት ኣቦ ኢዩ ይብልዶ ኸይኰነ፧ እወ: ይብል ኢዩ። (ኤፌሶን 5:22, 23፣ 6:1, 2) ይኹን እምበር: እቲ ሰብኣይ ኣደ ነቲ ተግሳጽ ናይ ምሃብ ጕዳይ ብፍላይ ከኣ መቕጻዕቲ ዘጠቓልል እንተድኣ ዀይኑ: ንገለ ግዜ ንበዓልቲ ቤቱ ክገድፈላ ይደሊ ይኸውን። እቲ ሰብኣይ ኣደ: እቶም ቈልዑ ‘ንተግሳጽ እዚ [ሓድሽ] ኣቡኦም ንምስማዕ’ መሰረት ክሳዕ ዝስርት: ‘ንሕጊ ወላዲቶም’ ክእዘዙ ክፈቕደሎም ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 1:8፣ 6:20፣ 31:1) ከምዚ ምግባር ግን መወዳእትኡ ነቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ከም ዘይጥሕስ መርትዖታት ይሕብር ኢዩ። ብተወሳኺ: ሓደ ሰብኣይ ኣደ ከምዚ ይብል:- “ተግሳጽ: ማዕዳን መአረምታን መግናሕትን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣይርስዖን ኢየ። ተግሳጽ ብሕያውነትን ፍቕርን ድንጋጽን ምስ ዝዋሃብ ከምኡውን እቶም ወለዲ ኣብነት ምስ ዝዀኑ መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ይርከቦ ኢዩ።”
ወለዲ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ የድሊ
ምሳሌ 15:22 “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” ትብል። ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት: ኣብ መንጎ እቶም ወለዲ ህድኣት ዝመልኦን ግልጽን ዝዀነ ናይ ውሽጥኻ ምዝርራብ ኣድላዪ ኢዩ። ሓንቲ ናይታ ኦ ኤስታዶ ደ ኤስ. ፓውሎ እትበሃል ጋዜጣ (ቋንቋ ፖርቱጋል) ኣዳላዊት ዓምዲ “ቈልዑ ነቲ ብወለዲ ዝግበረሎም ገደብ ኵሉ ግዜ ክጥሕሱ ኢዮም ዝፍትኑ” ብምባል ትዕዝብታ ገለጸት። እዚ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣብ ዘለወን ስድራቤታት ብኽልተ መገዲ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: እቶም ወለዲ ሕብረት ዘለዎም ምዃኖም እቶም ቈልዑ ምእንቲ ኽርእዩ: እቶም ወለዲ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ክሰማምዑ የድልዮም። እቲ ሰብኣይ ኣደ ወይ እታ ሰይተቦ ዝገብርዎ ነገራት እቲ ናይ ሓቂ ወላዲ ዘይፍትሓዊ ዀይኑ ምስ ዝስምዖኸ እንታይ ይኹን፧ ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ እቶም ቈልዑ ዘይኰነስ ብሕት ኢሎም ነቲ ጕዳይ ክፈትሕዎ ኣለዎም።
ሓንቲ እንደገና እተመርዓወት ኣደ ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ሓንቲ ኣደ እቲ ኻልኣይ ሰብኣያ ንደቃ ክቐጽዖም ክትርኢ ኸላ: ብፍላይ ድማ ብታህዋኽ ይቐጽዕ ከም ዘሎ ወይ ኣድልዎ የርኢ ከም ዘሎ ምስ ዝስምዓ ሱቕ ኢላ ክትርኢ ነብሳ ኣይገብረላን ኢዩ። ልባ ዅምትር ይብል: ንደቃ ክትከላኸለሎም ድማ ትደሊ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንበዓል ቤትካ ክትግዝኦን ክትድግፎን ኣጸጋሚ ኢዩ።
“ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: እቶም ኣብ 12 ከምኡውን 14 ዕድመ ዝነበሩ ክልተ ኣወዳት ደቀይ ሓደ ነገር ንኽገብሩ ከፍቅደሎም ንሰብኣይ ኣቡኦም ሓተትዎ። ንሱ ግን ብኡንብኡ ኣበዮም: ድሕሪኡ ድማ እቲ ዝሓተትዎ ነገር ንዓኣቶም ኣድላዪ ምንባሩ ምኽንያቱ ንኽገልጽሉ ዋላ ሓንቲ ኣጋጣሚ ከይሃቦም ካብቲ ክፍሊ ወጺኡ ኸደ። እቶም ደቀይ ክበኽዩ ደለዩ: ኣነ ድማ ዝዛረቦ ጠፍኣኒ። እቲ ዓቢ ወደይ ድማ ናባይ ገጹ ጠመተ እሞ ‘ኣደይ: ዝገበሮዶ ርኢኽዮ፧’ በለኒ። ኣነ ድማ ‘እወ: ርእየዮ ኢየ: ይኹን እምበር: ርእሲ ስድራቤት ንሱ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ርእስነት ከነኽብር ይነግረና ኢዩ’ ኢለ መለስኩሉ። ጥዑያት ኣወዳት ስለ ዝነበሩ ነቲ ዝበልክዎም ተሰማምዑሉ: ቁሩብ ህድእ ድማ በሉ። ኣብታ ምሸት እቲኣ: ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንበዓል ቤተይ ገለጽኩሉ: ሕሉፍ ውልቀ-መላኺ ምንባሩ ድማ ተገንዘበ። ትኽ ኢሉ ናብ መደቀሲ እቶም ደቀይ ከደ እሞ ይቕረታ ሓተቶም።
“ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ ብዙሕ ተማሂርና ኢና። በዓል ቤተይ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሩ ክሰምዕ ከም ዘለዎ ተማህረ። ኣነ ድማ ነቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ምኽባር ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ ግዝያት እውን ከይተረፈ ከኽብር ከም ዘሎኒ ተማሃርኩ። እቶም ደቀይ እውን እዙዝ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ተማህሩ። (ቈሎሴ 3:18, 19) እቲ በዓል ቤተይ ዘርኣዮ ልባዊ ጣዕሳ ድማ ኵልና ንትሕትና ዝምልከት ኣገዳሲ ትምህርቲ ከም እንማሃር ገይሩና ኢዩ። (ምሳሌ 29:23) ሎሚ: ክልቲኦም ደቀይ ክርስትያን ሽማግለታት ኢዮም።”
ጌጋ ምግባር ዘይተርፍ ኢዩ። ቈልዑ ንኻልኦት ዝጐድእ ነገራት ይዛረቡን ይገብሩን ኢዮም። ኵነታት ነቲ ሰብኣይ ኣደ ወይ ነታ ሰይተቦ ምኽንያታዊ ዘይኰነ ስጕምቲ ንኽወስዱ ጸቕጢ ይገብረሎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ከም “ተጋግየ ኢየ: በጃኻ ይቕረ በለለይ” ዝኣመሰለ ቀሊል ቃላት ቍስሊ ንምሕዋይ ብዙሕ ክፍጽም ይኽእል ኢዩ።
ንናይ ስድራቤት ሕብረት ምድልዳሉ
ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት ምዉቕ ርክብ ንምምስራት ግዜ ይሓትት ኢዩ። ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ እንተድኣ ዄንኩም: ሓልዮት ከተርእዩ የድልየኩም ኢዩ። ክትርድኡ ፈትኑ: ምስቶም ቈልዑ ኴንኩም ግዜ ከተሕልፉ ተዳለዉ። ምስቶም ንኣሽቱ ተጻወቱ። ምስቶም ዓበይቲ ንምዝርራብ ድሉዋት ኩኑ። ብሓንሳእ ኴንኩም ግዜ ንምሕላፍ ኣጋጣሚታት ድለዩ: ንኣብነት: እቶም ቈልዑ ኣብ ከም ድራር ምድላው ወይ ማኪና ምሕጻብ ዝኣመሰለ ዕዮ ገዛ ክሕግዝኹም ዓድምዎም። ዕዳጋ ክትከዱ ከሎኹም ከሰንይኹምን ክሕግዝኹምን ዓድምዎም። ብተወሳኺውን: ሕያውነት ዝመልኦ ንእሽቶ ኣካላዊ መግለጺ: ከም እተፍቅርዎም ከርኢ ይኽእል ኢዩ። (ርግጽ ኢዩ: ሰብኣይ ኣደ ኣብቲ ምስተን ኣዋልድ ዝዀና ደቃ ንበዓልቲ ቤቱ ዝገብሮ ርክብ ነቲ ግቡእ ገደብ ከይጥሕሶን ሕማቕ ከም ዝስምዐን ከይገብረንን ክጥንቀቕ ኣለዎ። ሰይተቦ እውን እቲ ምስቶም ኣወዳት ደቂ ሰብኣያ እትገብሮ ርክብ ገደብ ከም ዘለዎ ክትርስዕ የብላን።)
ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ዕዉታት ክዀና ይኽእላ ኢየን። ብዙሓት እውን ተዓዊተን ኢየን። ስድራቤታት ብዝያዳ ዕዉታት ዝዀና ኵሎም ኣባላት ስድራቤት: ብፍላይ ድማ እቶም ወለዲ ቅኑዕ ኣረኣእያን ክውን ትጽቢትን ምስ ዘማዕብሉ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም ፍቁራተይ: ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ: ንሓድሕድና ንፋቐር” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:7) እወ: ልባዊ ፍቕሪ ምርኣይ ናይ ሓቂ መፍትሕ ሓጐስ ናይ ከምዚአን ዝኣመሰላ ስድራቤታት ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ሕጉሳት ስድራቤታት
ሓቢረን ቃል ኣምላኽ የጽንዓ . . .
ሓቢረን ግዜ የሕልፋ . . .
ሓቢረን የዕልላ . . .
ሓቢረን ይሰርሓ . .