በረኸት የሆዋ ኣብ ‘ሃገርና’
“ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኵሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ።”—ህዝቅኤል 47:9
1, 2. (ሀ) ማይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘሎ ርባ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
ማይ ካብ ካልእ ፍልይ ዝበለ ፈሳሲ ኢዩ። ኵሉ ህይወት ኣብኡ ኢዩ ዝምርኰስ። ካባና ዋላ ሓደ እውን ይኹን ብዘይ ማይ ነዊሕ ክቕጽል ዝኽእል የለን። ንጽሬት እውን ንጥቀመሉ ኢና: ምኽንያቱ ማይ ዝዀነ ይኹን ርስሓት ከልግስን ክሓጽብን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ንኣካላትና: ንኽዳውንትና: አረ ንመግብና እውን ከይተረፈ ብእኡ ገይርና ንሓጽብ። ከምዚ ምግባር ከኣ ህይወትና ከድሕን ይኽእል ኢዩ።
2 ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ንህይወት ዘድሊ መንፈሳዊ ምድላዋት ንምምልካት መጽሓፍ ቅዱስ ማይ ኢዩ ዝጥቀም። (ኤርምያስ 2:13፣ ዮሃንስ 4:7-15) እዚ ምድላዋት እዚ ነቲ ብበጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ህዝቡ ዝረኽብዎ ጽሬትን ነቲ ኣብ ቃሉ ዝርከብ ፍልጠትን ዘጣመረ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:25-27) ኣብታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤት መቕደስ እቲ ካብቲ ቤት መቕደስ ዝውሕዝ ተኣምራታዊ ርባ ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ዝህብ በረኸታት ኢዩ ዘመልክት። እዚ ርባ እዚ ግን መዓስ ኢዩ ዝውሕዝ: ሎሚኸ ንዓና እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
ኣብታ እተሓደሰት ምድሪ: ርባ ይውሕዝ
3. ኣብ ህዝቅኤል 47:2-12 ተገሊጹ ከም ዘሎ ህዝቅኤል እንታይ ኢዩ ዘጓነፎ፧
3 ናይ ህዝቅኤል ህዝቢ ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ናይ የሆዋ ምድላዋት ኣጸቢቑ ኢዩ ዘድልዮም ነይሩ። ህዝቅኤል ሒደት ማይ ካብታ ቤት መቕደስ ወጺኡ ክውሕዝ ከሎ ምርኣዩስ ኣየ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! ሓደ መልኣኽ ነቲ ርባ እቲ በብሽሕ እመት ዓቀኖ። እቲ ርባ ኸኣ ካብ ክሳድ እግሪ ናብ ብርኪ ካብኡ ናብ ሕቘ ካብኡ ኸኣ ዝሕምበሰሉ ውሕጅ ክሳዕ ዝኸውን ዕምቈቱ እናወሰኸ ኸደ። እቲ ርባ ህይወትን ፍርያትን ኣምጽአ። (ህዝቅኤል 47:2-11) ንህዝቅኤል ከኣ:- “ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቍል እዩ” ብምባል ተነግሮ። (ህዝቅኤል 47:12ሀ) እቲ ርባ ናብቲ ህይወት ዘይነበሮ ምዉት ባሕሪ ክኣቱ ኸሎ ኸኣ ህይወት ይጅምር! ዓሳታት ውንጅርጅር ይብሉ። ናይ ምግፋፍ ዓሳ ስራሕ ከኣ ይስስን።
4, 5. እቲ ዮኤል ብዛዕባ ርባ ዝረኣዮ ራእይ ምስቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ተመሳሳሊ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: እዚ ትርጕም ዘለዎ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 እዚ ጽቡቕ ትንቢት እዚ ነቶም ኣይሁድ ምሩኻት ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ክልተ ክፍለ-ዘበናት ተጻሒፉ ዝነበረ ካልእ ትንቢት ኣዘኻኺርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍል ንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ።”a (ዮኤል 3:18) ናይ ዮኤል ትንቢት ከኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ህዝቅኤል ካብቲ ቤት ኣምላኽ ዝዀነ ቤት መቕደስ ርባ ክውሕዝ ምዃኑ እሞ ነቲ ደረቕ ከባቢ ኸኣ ህያው ክገብሮ ምዃኑ ይዛረብ።
5 ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ዮኤል ትንቢት ኣብዚ ግዜና ከም ዝፍጸም ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ክገልጽ ጸኒሑ ኢዩ።b እምብኣርከስ እቲ ምስ እዚ ትንቢት እዚ ዝመሳሰል ናይ ህዝቅኤል ራእይ እውን ከምኡ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሎሚ እውን ኣብታ እተመልሰት ሃገር ህዝቢ ኣምላኽ: በረኸት የሆዋ ይውሕዝ ኢዩ ዘሎ።
ናይ ብዙሕ በረኸታት ዋሕዚ
6. ኣብቲ መሰውኢ ናይ ህዝቅኤል ራእይ: ደም ምንጻግ ነቶም ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ኣዘኻኺርዎም ክኸውን ዝኽእል፧
6 ምንጪ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም እተመልሱ ህዝቢ ኣምላኽ ዝውሕዝ በረኸት እንታይ ኢዩ፧ እቲ ማይ ካብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ከም ዝውሕዝ ኣስተብህል። ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን እቲ በረኸታት ካብ የሆዋ በታ ናይ ንጹህ ኣምልኾ ምድላው ዝዀነት ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደሱ ኣቢሉ ኢዩ ዝመጽእ። ናይ ህዝቅኤል ራእይ ኣገዳሲ ዝርዝር ይውስኽ። ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ: እቲ ርባ ብደቡብ ናይቲ መሰውኢ ኣቢሉ ይውሕዝ። (ህዝቅኤል 47:1) እቲ መሰውኢ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤት መቕደስ ኢዩ ዘሎ። የሆዋ ብጥንቃቐ ንህዝቅኤል ይገልጸሉ እሞ ካብቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ ደም ኣብኡ ክንጸግ ድማ ይእዝዝ። (ህዝቅኤል 43:13-18, 20) እዚ መሰውኢ እዚ ንዅሎም እስራኤላውያን ዓቢ ትርጕም ነይርዎ ኢዩ። ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ ሙሴ ኣብቲ ኣብ እግሪ ከረን ሲና ዝነበረ መሰውኢ ኰይኑ ደም ክነጽግ ከሎ ኢዩ እቲ ምስ የሆዋ ዝኣተዉዎ ኪዳን ብቕዓት ዘለዎ ዝዀነ። (ዘጸኣት 24:4-8) ኣብቲ ብራእይ እተገልጸ ቤት መቕደስ ደም ምንጻጉ: ሓንሳእ ናብታ እንደገና እተሃንጸት ሃገሮም ምስ ተመልሱ: ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ኪዳን እንተድኣ ኣኽቢሮም በረኸታት የሆዋ ክውሕዞም ምዃኑ ዘዘኻኽሮም ኢዩ ነይሩ።—ዘዳግም 28:1-14
7. ክርስትያናት ሎሚ ካብቲ ምሳልያዊ መሰውኢ እንታይ ትርጕም ኢዮም ዝረኽቡ፧
7 ብተመሳሳሊ ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓደ ዝበለጸ ኪዳን—እቲ ሓድሽ ኪዳን—ይባረኹ ኣለዉ። (ኤርምያስ 31:31-34) እዚ እውን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ብደም የሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ብቕዓት ረኺቡ ኢዩ። (እብራውያን 9:15-20) ሎሚ ካብቶም ክፍሊ ናይቲ ኺዳን እቲ ዝዀኑ ቅቡኣት ንኹን ወይ ካብቶም ተጠቀምቲ ዝዀኑ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ብዘየገድስ: ካብቲ ምሳልያዊ መሰውኢ ዓቢ ትርጕም ኢና እንረክብ። እዚ ኸኣ ምስ መስዋእቲ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት። (ዮሃንስ 10:16፣ እብራውያን 10:10) እቲ ምሳልያዊ መሰውኢ ኣብ ማእከል እቲ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ከም ዝዀነ: እቲ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ኸኣ ናይ ጽሩይ ኣምልኾ ቀንዲ ኽፍሊ ኢዩ። ናይ ሕድገት ሓጢኣትናን ናይ ኵሉ ተስፋናን መሰረት እውን ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:2) በዚ ኸምዚ እምበኣር ምስቲ ሓድሽ ኪዳን እተተሓሓዘ “ሕጊ ክርስቶስ” ተሰማሚዕና ክንነብር ኢና እንጽዕር። (ገላትያ 6:2) ከምዚ እንተድኣ ገይርና: ካብቲ የሆዋ ዝገበሮ ናይ ህይወት ምድላው ክንጥቀም ኢና።
8. (ሀ) ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ናይቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤት መቕደስ እንታይ ጐዲሉ ነይሩ፧ (ለ) እቶም ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤት መቕደስ ዝነበሩ ካህናት ብምንታይ ኢዮም ዝጸርዩ፧
8 ሓደ ካብቲ ከምዚ ዝበለ ጥቕሚ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽፉፍ ኣቕዋም ምሓዝ ኢዩ። ኣብ ኣጸድ ናይቲ ማሕደርን ናይታ ሰሎሞን ዝሰርሓ ቤት መቕደስን ፍሉጥ ዝነበረ ካህናት ዝሕጸብሉ ዓቢ ገበራ ጸኒሑ ኸኣ ቀላይ ተባሂሉ እተጸውዐ: ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ ናይታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤት መቕደስ ኣይነበረን። (ዘጸኣት 30:18-21፣ 2 ዜና መዋእል 4:2-6) እቶም ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዝነበሩ ካህናት ብምንታይ ገይሮም ክሕጸቡ ይኽእሉ፧ በቲ ብውሽጣዊ ኣጸድ ኣቢሉ ዝውሕዝ ተኣምራታዊ ርባ ኢዮም ዝሕጸቡ! እወ: የሆዋ ንጹህ ወይ ቅዱስ ኣቕዋም ከም ዝህልዎም ብምግባር ክባርኾም ኢዩ።
9. እቶም ቅቡኣትን እቶም ዓቢ ጭፍራን ሎሚ ጽፉፍ ኣቕዋም ክህልዎም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
9 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: እቶም ቅቡኣት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ብምርካቦም ተባሪኾም ኢዮም። የሆዋ ጻድቃን ኢዮም ብምባል ከም ቅዱሳት ገይሩ ኢዩ ዝርእዮም። (ሮሜ 5:1, 2) በቶም ክህነት ዘይብሎም ነገድ ተመሲሎም ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ”ኸ (NW ) ደኣ፧ ንሳቶም ኣብቲ ወጻኢ ኣጸድ ኰይኖም ኢዮም ዘገልግሉ: እቲ በቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣቢሉ ዝውሕዝ ርባ ኸኣ ብኣታቶም እውን ይሓልፍ። ሃዋርያ ዮሃንስ እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብ ኣጸድ ናይቲ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ እናኣገልገሉ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ክርእዮምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ምስዚ ዝሰማማዕ ኢዩ! (ራእይ 7:9-14) እዛ ሕስርቲ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ከም እትሕዞም ብዘየገድስ: ኣብ በጅነት ክርስቶስ እምነት እንተድኣ ገይሮም የሆዋ ጽሩያትን ንጹሃትን ገይሩ ከም ዝርእዮም ኣረጋጊጾም ኢዮም። ብኸመይ ኢዮም እምነት ዘርእዩ፧ ኣስኣሰር የሱስ ብምስዓብን ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ምሉእ ምትእምማን ብምርኣይን ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 2:21
10, 11. ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ምሳልያዊ ማይ እንታይ ኢዩ: እዚኸ ምስቲ ማእለያ ዘይብሉ ስፍሓት ናይቲ ርባ ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ድሮ ርኢናዮ ከም ዘሎና: ካልእ ኣገዳሲ መልክዕ ናይዚ ምሳልያዊ ማይ ድማ ፍልጠት ኢዩ። ኣብታ እተመልሰት እስራኤል: የሆዋ ንህዝቡ በቶም ካህናት ገይሩ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ብምሃብ ይባርኾም ነይሩ ኢዩ። (ህዝቅኤል 44:23) ብተመሳሳሊ መገዲ: ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ በቶም “ናይ መንግስቲ ክህነት” ገይሩ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ዝዀነ ቃሉ እኹል ትምህርቲ እናሃበ ይባርኾም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:9) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን: ፍልጠት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ: ብዛዕባ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ: ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስትን መመሊሱ እናወሰኸ ዝኸይድ ወሓዚ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እቲ እንረኽቦ ዘሎና እናዓመቘ ዝኸይድ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ኰን ኢዩ!—ዳንኤል 12:4
11 ልክዕ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝዕቅኖ ዝነበረ ውሒዝ እናዓመቘ ዝኸይድ ዝነበረ: ነቶም ናብቲ እተባረኸ መንፈሳዊ ሃገርና ዝመጹ ዘለዉ ሰባት ምእንቲ ክቕበል እቲ ካብ የሆዋ ዝውሕዝ ህይወት ዝህብ በረኸታት ወሲኹ ኢዩ። ካልእ ናይ ምምላስ ትንቢት ከኣ ከምዚ ይብል:- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።” (ኢሳይያስ 60:22) እዚ ቓላት እዚ ሓቂ ኢዩ—ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንኽሓብሩና ተኣኪቦም ኢዮም! የሆዋ ንዅሎም እቶም ናብኡ ዝመጹ ሰባት ዝኸውን ብዙሕ “ማይ” ኣዳልዩ ኢዩ። (ራእይ 22:17) እታ ምድራዊት ማሕበሩ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ኣብ ብዘላ ዓለም ብኣማእታት ቋንቋታት ከም ዝዝርጋሕ ትገብር ኣላ። ብተመሳሳሊ ኵሎም እቲ ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ማያት ሓቂ ምእንቲ ክረኽቡ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣብ ብዘላ ዓለም ተዳልዩ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምድላዋት ንሰባት ብኸመይ ይትንክፎም፧
እቲ ማይ: ህይወት የምጽእ!
12. (ሀ) እቶም ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘለዉ ኣእዋም ከምኡ ገይሮም ክፈርዩ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: እዚ ፍረ ዝህብ ኣእዋም እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
12 እቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘሎ ርባ: ህይወትን ጥዕናን ኢዩ ዘምጽእ። ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ገምገም እቲ ርባ ዝበቍል ኣእዋም ምስ ፈለጠ: ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ተነግሮ:- “ኣቝጽልቱ ኣይኪጽምሉን: ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ . . . ፍሬታቱ ንምግቢ: ኣቝጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።” እዚ ኣእዋም እዚ: በዚ ዘገርም መገዲ እዚ ዝፈሪ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ “ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዚፍልፍል።” (ህዝቅኤል 47:12ለ) እዚ ምሳልያዊ ኣእዋም እዚ ጽላሎት ናይቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ናብ ፍጽምና ንምምላስ ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዝገበሮ ኵሉ ምድላዋት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምድሪ መንፈሳዊ ዝዀነ መግብን ምሕዋይን ንምድላው እቶም ቅቡኣት ተረፍ መሪሕነት ይወስዱ ኣለዉ። ኵሎም እቶም 144,000 ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ረኸቡ: እቲ መናግስቲ ክርስቶስ ብምዃን ዝፍጽምዎ ናይ ክህነት ኣገልግሎቶም ዝህቦ ጥቕምታት ኣብ መወዳእትኡ ሓጢኣት ኣዳም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሰዓር ክገብር ኢዩ።—ራእይ 5:9, 10፣ 21:2-4
13. ኣብዚ ግዜና እንታይ ምሕዋይ ኢዩ ተፈጺሙ፧
13 እቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዝነበረ ርባ ኣብቲ ህይወት ዘይነበሮ ምዉት ባሕሪ ይውሕዝ: ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓልፎ ኸኣ ይፍውስ። እዚ ባሕሪ እዚ ነቲ ብመንፈስ ምዉት ዝዀነ ኣከባቢ ኢዩ ዘመልክት። እንተዀነ ግን ኣብ ኵሉ እቲ ‘እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለ’ ህያው ነገራት ክዓስሉ ኢዮም። (ህዝቅኤል 47:9) ብተመሳሳሊ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብቲ ማይ ህይወት ዝኣተወሉ ዘበለ ኵሉ ቦታታት ሰባት ብመንፈስ ህያዋን ኰይኖም ኢዮም። እቶም መጀመርታ በዚ መገዲ እዚ ህያዋን ዝዀኑ ብ1919 እቶም ቅቡኣት ተረፍ ኢዮም። ካብቲ ምዉትን ዝሑልን ኵነታት ናብቲ ብመንፈስ ህያው ዝዀኑሉ ኵነታት ተመልሱ። (ህዝቅኤል 37:1-14፣ ራእይ 11:3, 7-12) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዚ ህያው ማያት እዚ ኣብ ካልኦት ብመንፈስ ምዉታት ዝዀኑ ሰባት እውን በጽሐ። እዚኣቶም ከኣ ህያዋን ኰኑ እሞ ፍቕሪ ዘለዎምን ንየሆዋ ዘገልግሉን ቍጽሮም በብግዜኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዓቢ ጭፍራ ናይ ካልኦት ኣባጊዕ ኣቘሙ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ እዚ ምድላው እዚ ናብቶም ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ብዙሓት ሰባት እውን ክዝርጋሕ ኢዩ።
14. እቲ ኣብ ገምገም ናይ ምዉት ባሕሪ ዝዕምብብ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ዕዮ ሎሚ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
14 ብመንፈስ ህያው ምዃን ፍረ የምጽእ። እዚ ኸኣ በቲ ኣብ ገምገም ናይቲ ቅድም ምዉት ዝነበረ ባሕሪ ዝዕምብብ ናይ ምግፋፍ ዕዮ በሪሁ ኣሎ። የሱስ ንሰዓብቱ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ።” (ማቴዎስ 4:19) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እቲ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ዕዮ ብምእካብ ናይቶም ቅቡኣት ተረፍ ኢዩ ጀሚሩ፣ እንተዀነ ግን ኣብኡ ደው ዝብል ኣይኰነን። ነቲ ናይ ርጡብ ፍልጠት በረኸት እውን ሓዊስካ እቲ ካብቲ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ዝፍልፍል ህይወት ዝህብ ማይ ንዅሎም ሰባት ዝትንክፍ ኢዩ። እቲ ውሒዝ ዝበጽሖ ዘበለ ዅሉ ስፍራ መንፈሳዊ ህይወት ኢዩ ኣስዒቡ።
15. ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ናይ ህይወት ምድላው ከም ዘይቅበሎ እንታይ የርኢ: ነዞም ከምዚኦም ዝበሉኸ እቲ ናይ መወዳእታ ፍረ እንታይ ኢዩ፧
15 ሓቂ ኢዩ ነቲ ናይ ህይወት መልእኽቲ ጽቡቕ ገይሮም ዝምልሱሉ ኵሎም ሰባት ኢዮም ማለት ኣይኰነን፣ እቶም ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዝትንስኡ እውን እንተዀኑ ጽቡቕ ገይሮም ዝምልስሉ ኵሎም ኣይኰኑን። (ኢሳይያስ 65:20፣ ራእይ 21:8) እቲ መልኣኽ ገለ ክፍሊ ናይቲ ባሕሪ ከም ዘይጥዒ ኣዊጁ ኢዩ። እዚ ህይወት ዘይብሉ ዕቋር እዚ “ጨው ኰይኑ ኺነብር እዩ።” (ህዝቅኤል 47:11) ናብዞም ኣብ ግዜና ዘለዉ ሰባት እንተ መጻእና እውን: ነቲ የሆዋ ዘዳለወሎም ህይወት ዝህብ ማይ ዝቕበልዎ ኵሎም ኣይኰኑን። (ኢሳይያስ 6:10) ኣብ ኣርማጌዶን ኵሎም እቶም ኣብቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ህይወት ዘይብሉን ሕሙምን ኵነታት ክነብሩ ዝመረጹ ሰባት ጨው ክዀኑ ኢዮም: እዚ ማለት ከኣ ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም። (ራእይ 19:11-21) ይኹን እምበር: እቶም ብተኣማንነት ነዚ ማያት እዚ ዝሰትዩ ዝነበሩ ሰባት: ድሒኖም ነቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ ክርእዩ ተስፋ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።
እቲ ርባ ኣብ ገነት ይውሕዝ
16. እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤት መቕደስ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ዝህልዎ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧
16 ልክዕ ከምቲ ካልእ ናይ ምምላስ ትንቢታት እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዩ ናይ ቤት መቕደስ ራእይ ኸኣ እቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ኣብ እዋን እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ኢዩ ክኸውን። ሽዑ እቲ ክፍሊ ክህነት ኣብ ምድሪ ኣይክህሉን ኢዩ። “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ: ምስኡውን ሽሕ ዓመት [ኣብ ሰማይ] ኪነግሱ እዮም።” (ራእይ 20:6) እዞም ሰማያውያን ካህናት እዚኣቶም ምሉእ ጥቕሚ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ንምግባር ምስ ክርስቶስ ክሓብሩ ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ እቲ ጻድቕ ዝዀነ ወድሰብ ክድሕንን ናብ ፍጽምና ክምለስን ኢዩ!—ዮሃንስ 3:17
17, 18. (ሀ) እቲ ህይወት ዝህብ ርባ ኣብ ራእይ 22:1, 2 ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ናይ መጀመርታ ኣወዓዕላ ናይቲ ራእይ እቲኸ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ገነት እቲ ርባ ዓቢ ክሳዕ ዝኸውን ዘስፋሕፍሓሉ እዋን ዝመጽእ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 ብሓቂ ኸኣ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ርባ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝዀነ ማይ ህይወት ሒዙ ኢዩ ክውሕዝ። እዚ ነቲ ኣብ ራእይ 22:1, 2 ዘሎ ትንቢት ናይ መጀመርታ ኣወዓዕልኡ ኢዩ። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርአየኒ: እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ: ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።”
18 ኣብ እዋን እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ኵሉ ኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ከምኡውን ስምዒታዊ ሕማማት ክሓዊ ኢዩ። እዚ ኸኣ በቲ ምሳልያዊ ኣእዋም ኣቢሉ ዝርከብ “ፈውሲ ህዝብታት” ተገሊጹ ኣሎ። ሳላ እቲ ብክርስቶስን እቶም 144,000ን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ምድላዋት ‘ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW ] እየ: ኣይብልን ኢዩ።’ (ኢሳይያስ 33:24) እቲ ርባ ኸኣ ኣብቲ ኣጸቢቑ ዝሰፍሓሉ ግዜ ክበጽሕ ኢዩ። ነቶም ካብዚ ጽሩይ ማይ ህይወት ዝሰትዩ ብሚልዮናት ምናልባት እውን ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ሰባት ንምቕባል ክሰፍሕን ክዓምቝን ኣለዎ። እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ርባ: ነቲ ማያቱ ዝውሕዞ ዘበለ ዅሉ ህይወት ብምሃብ ንምዉት ባሕሪ ኣሕውይዎ ኢዩ። ኣብ ገነት ሰብኡትን ኣንስትን ምሉእ ብምሉእ ናብ ህይወት ክመጹ ኢዮም: ኣብቲ እተዘርግሓሎም ጥቕምታት ናይቲ በጅነት እምነት እንተድኣ ኣርእዮም ካብቲ ዝወረስዎ ኣዳማዊ ሞት ብምሕዋይ ምሉእ ብምሉእ ህያዋን ክዀኑ ኢዮም። ራእይ 20:12 ኣብቲ ግዜ እቲ “መጻሕፍቲ” ክኽፈት ምዃኑ ይንበ። እዚ ኸኣ እቶም ዝተንስኡ ዝጥቀምሉ ተወሳኺ ብርሃን ናይ ምርዳእ ክህብ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ገሊኦም ሰባት ኣብ ገነት እውን ንኸይፍወሱ ክኣብዩ ኢዮም። እዞም ዓለወኛታት እዚኣቶም እቶም ‘ጨው ኰይኖም ክነብሩ’ ተባሂሉሎም ዘሎ ንዘለኣለም ዝጠፍኡ ሰባት ኢዮም።—ራእይ 20:15
19. (ሀ) ናይታ ሃገር ምምቕቓል ኣብ ገነት ብኸመይ ክፍጸም ኢዩ፧ (ለ) እታ ከተማ ኣብ ገነት እንታይ ኢያ እተመልክት፧ (ሐ) እታ ከተማ ካብታ ቤት መቕደስ ቁሩብ ርሕቕ ኢላ ምቕማጣ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
19 ኣብቲ ግዜ እቲ እውን: እቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እተገልጸ ምምቕቓል ናይታ ሃገር ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ክረክብ ኢዩ። ህዝቅኤል እታ ሃገር ብግቡእ ተመቓቒላ ኢዩ ርእይዋ: ብተመሳሳሊ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ እሙን ክርስትያን ኣብ ገነት ንርስቲ ዝዀኖ ቦታ ክህልዎ ከም ዝዀነ ርግጸኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እትነብረሉን እትከናኸኖን ናይ ገዛእ ርእስኻ ቤት ክህልወካ ናይ ምድላይ ባህጊ ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ክፍጸም ኢዩ ኢልና ክንጽበ ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 65:21፣ 1 ቈረንቶስ 14:33) እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ከተማ ነቲ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ምድሪ ክህሉ ዝዓለሞ ናይ ምምሕዳር ምድላው ኢዩ ዘመልክት። እቶም ቅቡኣት ክፍሊ ክህነት ድሕሪ ደጊም ብኣካል ኣብ መንጎ ደቅሰብ ኣይክህልዉን ኢዮም። ከምኡ ምዃኑ ኸኣ እቲ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ነታ ካብቲ ቤት መቕደስ ርሕቕ ኢላ ዘላ ከተማ ኣብ ‘ዘይተቐደሰ ቦታ’ ከም ዘላ ብምግላጹ ሓቢሩ ኣሎ። (ህዝቅኤል 48:15) እቶም 144,000 ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ኸለዉ: እቲ ንጉስ ኣብ ምድሪ ወኪላት የብሉን ማለት ኣይኰነን። እቶም ተገዛእቱ ዝዀኑ ደቅሰብ ካብቲ ፍቕራዊ መሪሕነት ናይቲ ክፍሊ መስፍን ኣጸቢቖም ክጥቀሙ ኢዮም። ይኹን እምበር እቲ ናይ ሓቂ መንበር ግዝኣት ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ ኣብ ሰማይ ኢዩ ክኸውን። ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝህልዉ: ነቲ ክፍሊ መስፍን እውን ሓዊስካ ተገዛእቲ ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኢዮም ክዀኑ።—ዳንኤል 2:44፣ 7:14, 18, 22
20, 21. (ሀ) ስም ናይታ ከተማ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ህዝቅኤል ራእይ ምርዳእና ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ከም እንሓትት ኢዩ ክገብረና ዘለዎ፧
20 ነቲ ናይ መወዳእታ ቃላት ትንቢት ህዝቅኤል ኣስተብህለሉ: ከምዚ ይብል:- “ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ስም እታ ኸተማ: እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ: ክትስመ እያ።” (ህዝቅኤል 48:35) እዛ ከተማ እዚኣ ንሰባት ሓይሊ ወይ ስልጣን ንምሃብ ወይውን ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ፍቓድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣይኰነትን እትነብር። ናይ የሆዋ ከተማ ኢያ: ናይ የሆዋ ሓሳብን እቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ መገድታቱን እተንጸባርቕ ናቱ ከተማ ኢያ። (ያእቆብ 3:17) እዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ ናይ “ሓዳስ ምድሪ” ናይ ደቅሰብ ሕብረተሰብ ናብ ዘይተወሰነ ነባሪ መጻኢ ብምእታው ከም ዝባርኾ ዘረጋግጸልና ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13
21 በቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩ ዘሎ መጻኢ ኣይንሕጐስንዶ፧ ነፍሲ ወከፍና ‘ነቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ዘደንቕ በረኸታት ብኸመይ ኢየ ዝምልሰሉ፧ ነቲ ካብቶም ቅቡኣት ተረፍን ካብቶም ኣብ መጻኢ ኣባል ናይቲ ክፍሊ መስፍን ዝዀኑን ፈቃራት ተዓዘብቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ዕዮ ብተኣማንነት እድግፍዶ ኢየ፧ ጽሩይ ኣምልኾ ቀንዲ ክፍሊ ናይ ህይወተይ ገይረዮዶ ኢየ፧ ነቲ ሎሚ ብብዝሒ ዝውሕዝ ዘሎ ማያት ምሉእ ብምሉእ እጥቀመሉዶ ኢየ፧’ ኢልና ክንሓትት እምብኣር ምኽንያታዊ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍና ብቐጻሊ ከምዚ እንገብርን ነቲ የሆዋ ዘዳለዎ ምድላዋት ከኣ ንዘለኣለም እንሕጐሰሉን ይግበረና!
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዚ ለሰ እዚ ብደቡባዊ ምብራቕ የሩሳሌም ዝዝርጋሕ እሞ ክሳዕ ምዉት ባሕሪ ዝኸይድ ለሰ ቄድሮን ኢዩ ዘመልክት ዝኸውን። ብፍላይ እቲ ደቡባዊ ወገን ናይዚ ለሰ እዚ ምሉእ ዓመት ማይ ዘይብሉን ንቑጽን ኢዩ።
b ናይ 1 ግንቦት 1881 ከምኡውን ናይ 1 ሰነ 1981 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ርአ።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ እቲ ካብቲ ቤት መቕደስ ዝውሕዝ ማይ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
◻ የሆዋ በቲ ምሳልያዊ ርባ ኣቢሉ እንታይ ምሕዋይ ኢዩ ፈጺሙ: እቲ ማይ ብብዝሒ እናወሰኸ ዝኸደኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ ኣብ ገምገም ናይቲ ርባ ዘሎ ኣእዋም እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
◻ እታ ከተማ ኣብ እዋን ሽሓዊ ግዝኣት እንታይ ኢያ እተመልክት: ስም ናይታ ከተማ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
እቲ ርባ ህይወት ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ናይ ምድሓን ምድላው ኢዩ ዘመልክት