እቲ ኣብ ትሕቲ ኮሙኒስታዊ እገዳ ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 40 ዓመታት
ብሚካኤል ቫሲላቪች ሳቪጽኪ እተዘንተወ
እታ ናይ 1 ሚያዝያ 1956 ግምቢ ዘብዐኛ ብ1, 7 ከምኡውን ብ8 ሚያዝያ 1951 ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ሰፊሕ ምብራር” ከም እተፈጸመ ጸብጻብ ሃበት። እታ ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “እዘን መዓልትታት እዚኣተን ኣብ ሩስያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይርስዕወን መዓልትታት ኢየን። ኣብዘን ሰለስተ መዓልትታት እዚኣተን ኣብ ምዕራባዊ ዩክረይን: ዋይት ሩስያ [ቤላሩስ]: በሳራብያ: ሞልዶቭያ: ላትቭያ: ሊቱዌንያ: ከምኡውን ኢስቶንያ እተረኽቡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብኡትን ኣንስትን . . . ኣብ ዓረብያ ተጻዒኖም ናብ መደበራት ባቡር ተወስዱ: ከብቲ ኣብ ዘመላልሳ ባጐኒታት ተጻዒኖም ድማ ናብ ርሑቕ ቦታ ተወስዱ።”
እቶም ኣብ ውሽጥን ከባብን ተርኖፖል: ዩክረይን ዝነበሩ በዓልቲ ቤተይ: ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ወደይ: ወለደይ: ምንኣሰይ ሓወይ: ከምኡውን ካልኦት ሓያሎ መሰኻኽር ብ8 ሚያዝያ 1951 ካብ ገዝኦም ተወስዱ። ከብቲ ኣብ ዘመላልሳ ባጐኒታት ተጻዒኖም ከኣ ዳርጋ ንኽልተ ሰሙን ተጓዕዙ። ኣብ መወዳእታ: ብወገን ምዕራብ ቀላይ ባይካል ኣብ ዝርከብ ሓውሲ ኣርክቲክ ዝዀነ ኣእዋም ዝበቝለሉ መሬት ሳይቤርያ ወረዱ።
ንሳቶም ክባረሩ ኸለዉ ኣነ ኣበይ ነበርኩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣበይ ከም ዝነበርኩን ብድሕሪኡ ድማ ንዅላትና እንታይ ከም ዘጋጠመናን ቅድሚ ምዝንታወይ: ብኸመይ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንኩ ክነግረኩም።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ይበጽሓና
ብመስከረም 1947 ወዲ 15 ዓመት ከሎኹ: ክልተ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ ካብ ተርኖፖል ዳርጋ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ስላቭያቲን እትበሃል ንእሽቶ ዓዲ ዝነበረት ቤትና ክበጽሓና መጻ። ኣነን ኣደይን ነዘን መንእሰያት እዚኣተን—እታ ሓንቲ ማርያ ዝስማ—ኮፍ ኢልና ክንሰምዐን ከሎና: ሃይማኖተን ካብ ካልእ ሃይማኖት ኣዝዩ ከም ዝፍለ ፈለጥኩ። እምነተን ገለጻልና: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታትና ድማ ኣነጺረን መለሳልና።
መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ነበርኩ: ብቤተ-ክርስትያን ግን እጕሂ ነበርኩ። ኣቦሓጎይ ከምዚ ይብል ነበረ:- “ኣቕሽሽቲ ኣብ ገሃነም እሳት ኣቲኻ ምስቓይ ከም ዘሎ እናተዛረቡ ንሰባት የፍርህዎም: ንሳቶም ግን ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይፈርሑን ኢዮም። ነቲ ድኻ ይብዝብዝዎን የታልልዎን።” እቲ ኣብ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዓድና ዝቕመጡ ዝነበሩ ፖላንዳውያን እተገብረ ዓመጽን ንብረት ምቅጻልን እዝክሮ ኢየ። እቲ ዘሰንብድ ድማ: እዚ መጥቃዕትታት እዚ ብሓደ ኣባል ናይ ግሪኽ ካቶሊክ ዝዀነ ካህን እተወደበ ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪኡውን ሓያሎ ካብቶም እተቐትሉ ግዳያት ርእየ ኢየ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጭከና እተፈጸመሉ ምኽንያት ንኽፈልጥ ድማ እጭነቕ ነበርኩ።
ምስቶም መሰኻኽር ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ምስ ቀጸልኩ ግን ክርድኣኒ ጀመረ። ነቲ ገሃነም እሳት ከም ዘየለ ከምኡውን ሰይጣን ድያብሎስ ውግእን ምፍሳስ ደምን ንምስፍሕፋሕ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዝጥቀም ዝገልጽ ሓቂ ሓዊስካ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃርኩ። በቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ነገር ንየሆዋ ንኸመስግኖ ኣብ እዋን ናይ ብሕቲ መጽናዕተይ ሓሓሊፈ ልባዊ ጸሎት እገብር ነበርኩ። ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት እዚ ነቲ ስታክ ዝስሙ ምንኣሰይ ሓወይ ከካፍሎ ጀመርኩ: ምስ ተቐበሎ ድማ ኣዝየ ተሓጐስኩ።
ነቲ እተማሃርክዎ ኣብ ግብሪ ምውዓል
ብሕታዊ ለውጥታት ክገብር ኣድላዪ ምዃኑ ምስ ተገንዘብኩ ኸኣ ብኡንብኡ ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጽኩ። እተመሓደረ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ስርዓታዊ ዄንካ ምስ ካልኦት ምእካብ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ተረዳእኩ። ናብቲ ኣኼባታት ዝካየደሉ ዝነበረ ምስጢራዊ ቦታ ንምብጻሕ ብማእከል ኣግራብ ዝመልኦ ቦታ ዳርጋ 10 ኪሎ ሜተር እጓዓዝ ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ ናብ ኣኼባ ዝመጻ ሒደት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ነበራ: ገና ዘይተጠመቕኩ እኳ እንተ ነበርኩውን: ንኽመርሕ ተሓተትኩ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምውናን ሓደገኛ ነበረ። ጽሑፋት ሒዝካ እንተድኣ ተረኺብካ ድማ ክሳዕ 25 ዓመታት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከስዕብ ይኽእል ነበረ። ገና ግን: ናይ ብሕተይ ቤተ-መጻሕፍቲ ክህልወኒ እብህግ ነበርኩ። ሓደ ጐረቤትና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ይገብር ነበረ: ስለ ዝፈርሀ ግን ጽንዓት ኣቋረጸ እሞ ንጽሑፋቱ ድማ ኣብ ቦታ ኣታኽልቱ ኲዒቱ ቀበሮ። እቲ ሰብኣይ ንዅሉ እቲ መጻሕፍቱን መጽሔታቱን ኲዒቱ ኣውጺኡ ክህበኒ ምስ ተሰማምዐ ግን ክንደይ ኰን ኢየ ንየሆዋ ዘመስገንክዎ! ኣብቲ ካልኦት ክጥርጥርዎ ዘይክእሉ ናይ ኣቦይ ቆፎ ንህቢ ከኣ ሓባእክዎ።
ብሓምለ 1949 ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ እሞ ብማይ ጥምቀት ድማ ኣርኣኽዎ። ኣብ ህይወተይ እታ ዝያዳ እተሓጐስኩላ መዓልቲ ኸኣ ነበረት። እቲ ነቲ ምስጢራዊ ጥምቀት ዝመርሖ ምስክር ሓቀኛ ክርስትያን ምዃን ቀሊል ከም ዘይኰነን ሓያሎ ፈተናታት ከም ዝጽበየናን ኣጕልሐ። እተን ቃላቱ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምንባረን ድማ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ፈለጥኩ! ይኹን እምበር: እቲ ከም ጥሙቕ ምስክር ኰይነ ዘሕልፎ ህይወተይ ብሓጐስ ጀመርክዎ። ምስ ተጠመቕኩ ክልተ ወርሒ ጸኒሐ: ንማርያ ተመርዓኹዋ: እዚኣ ድማ ሓንቲ ካብተን ንዓይን ንኣደይን ሓቂ ዘፋለጣና ክልተ መሰኻኽር ነበረት።
ናይ መጀመርታ ፈተና ሃንደበት ኣጋጠመኒ
ብ16 ሚያዝያ 1950 ካብታ ፓድጊትሲ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ንገዛይ እናተመለስኩ ከሎኹ ሃንደበት ወተሃደራት ደው ኣበሉኒ እሞ ነቲ ናብታ ጕጅለና ዝወስዶ ዝነበርኩ ሒደት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ሒዘ ከሎኹ ረኸቡኒ። ኣሰሩኒ ድማ። ኣብ እዋን እተን እተኣሰርኩለን ሒደት ናይ መጀመርታ መዓልትታት: ብበትሪ ተቐጥቀጥኩ: ክበልዕ ወይ ክድቅስ ድማ ኣይተፈቕደለይን። ኣእዳወይ ኣብ ርእሰይ ገይረ ሚእቲ ግዜ ሓፍ ኮፍ ክብል እውን ኣዘዙኒ: ምስ ወዳእክዎ ድማ ኣዝየ ደኸምኩ። ድሕርዚ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዝሑልን ጥሉልን ገዛ ን24 ሰዓታት ተደርበኹ።
ዕላማ ናይዚ ጭከና ዝመልኦ ኣተሓሕዛ እዚ ተጻዋርነተይ ንምድኻምን ካባይ ሓበሬታ ንምርካብ ክቐለሎምን ኢዩ ነይሩ። “ነዚ ጽሑፋት እዚ ካበይ ኢኻ ኣምጺእካዮ: ናብ መን ኢኻኸ እትወስዶ ነይርካ፧” ኢሎም ሓተቱኒ። ዝዀነት ትዅን ሓበሬታ ንኽነግሮም እውን ፍቓደኛ ኣይነበርኩን። ድሕርዚ ክፋል ናይቲ ዝፍረደሉ ሕጊ ኣንበቡለይ። ጸረ-ሶቭየት ዝዀነ ጽሑፋት ምስፍሕፋሕን ምሓዝን ብሞት ወይ ን25 ዓመታት ብዝጸንሕ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ኢዩ ዝብል ድማ ነበረ።
“ኣየናይ መቕጻዕቲ ኢኻ እትመርጽ፧” ኢሎም ሓተቱኒ።
“ክልቲኡ ኣይመርጽን ኢየ: ትውክልተይ ግን ኣብ የሆዋ ኢዩ: ነቲ ዝፈቕዶ ነገር ድማ ብናቱ ሓገዝ ክቕበሎ ኢየ” ኢለ መለስኩ።
ካብቲ ዝገረመኒ ድማ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ተፈታሕኩ። እዚ ተመክሮ እዚ ሓቅነት ናይቲ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብል መብጽዓ የሆዋ: ክርድኦ ሓጊዙኒ ኢዩ።—እብራውያን 13:5
ገዛ ኣብ እተመለስኩሉ እዋን ኣዝየ ስለ ዝሓመምኩ ኣቦይ ናብ ሓኪም ወሰደኒ: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ሓወኹ። ኣቦይ ንሃይማኖታዊ እምነትና እኳ እንተ ዘይተቐበሎ: ኣብ ኣምልኾና ግን ይድግፈና ነበረ።
ማእሰርትን ምብራርን
ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ ኣብ ሰራዊት ሶቭየት ከገልግል ተጸዋዕኩ። ሕልናይ ከም ዘይፈቕደለይ ድማ ገለጽኩ። (ኢሳይያስ 2:4) እንተዀነ ግን: ለካቲት 1951 ኣርባዕተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ: ናብቲ ኣብ ተርኖፖል ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ተወሰድኩ። ጸኒሐ ድማ ናብታ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዕብይ ዝበለት ለቪፍ እትበሃል ከተማ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቐየርኩ። ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ ከሎኹ: ብዙሓት መሰኻኽር ናብ ሳይቤርያ ከም እተባረሩ ፈለጥኩ።
ብሓጋይ 1951 ገለ ካብቶም እሱራት ሳይቤርያ ሓሊፍና ናብ ርሑቕ ምብራቕ ተወሰድና። ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ገለ 11,000 ኪሎ ሜተር ተጓዓዝና! ልዕሊ ክልተ ሰሙን ብባቡር ድሕሪ ምጕዓዝ ድማ ነብስና ክንሕጸብ ስለ እተፈቕደልና ኣብ ሓንቲ ቦታ ንሓንሳእ ጥራይ ደው በልና። እዚ ድማ ኣብ ኖቮስቢርስክ: ሳይቤርያ: ዝርከብ ሓደ ዓቢ ናይ ህዝቢ መሕጸቢ ሰብነት ነበረ።
ኣብኡ ካብ ማእከል እቶም ብዙሓት እሱራት ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ “ኣብዚ ስድራቤት ዮናዳብ ዝዀነ መን ኣሎ፧” ኢሉ ክዛረብ ሰማዕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ “ዮናዳብ” እትብል ስያመ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ዝነበሮም ሰባት ንምፍላይ ኢያ እትውዕል ነይራ። (2 ነገስት 10:15-17፣ መዝሙር 37:11, 29) ሓያሎ እሱራት ብኡንብኡ መሰኻኽር ምዃኖም ገለጹ። ኣዚና ተሓጒስና ድማ ንሓድሕድና ሰላም ተበሃሃልና!
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ መንፈሳዊ ንጥፈት
ኣብ ኖቮስቢርስክ ከሎና ኣብቲ እተመደበልና ቦታ ምስ በጻሕና ንሓድሕድና ክንራዳድኣሉ እንኽእል ናይ ምስጢር ቃላት ተሰማሚዕና ነይርና ኢና። ኵላትና ካብ ቭላዲቮስቶክ ብዙሕ ከይረሓቕካ ኣብ ባሕሪ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ በጻሕና። ኣብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እነካይደሉ ስርዓታዊ ኣኼባታት ኣመሓደርና። ምስቶም ንነዊሕ እዋን ተፈሪዶም ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ብሱላት ኣሕዋት ምሕባር ብሓቂ ብመንፈስ ኣሐዪሉኒ ኢዩ። ንሳቶም እውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታትን ካብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ዝዝክርዎ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነጥብታትን ተጠቒሞም በብተራ ኣኼባታትና ይመርሕዎ ነበሩ።
ሕቶታት ይሕተት: እቶም ኣሕዋት ድማ ይምልሱ ነበሩ። መብዛሕትና ናይ ስሚንቶ ወረቐት ንቐድድ እሞ ነቲ ዝዋሃብ ሓሳባት መዘኻኸሪ ንኽዀነና ኣብኡ ንጽሕፎ ነበርና። ነዚ መዘኻኸሪታት እዚ ዓቂብናዮ ኢና: ከም ናይ ብሕቲ መወከሲ ቤተ-መጻሕፍቲ ገይርና ንኽንጥቀመሉ ኸኣ ብሓንሳእ ነተሓሕዞ ነበርና። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ: እቶም ንነዊሕ እዋን እተፈርዱ ኣሕዋት ናብቲ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ሳይቤርያ ዝርከብ ደምበታት ተወስዱ። እቶም ሰለስተ መንእሰያት ኣሕዋት ድማ ናብታ ካብ ጃፓን 650 ኪሎ ሜተር ዘይበዝሕ ርሒቓ እትርከብ ናኮትካ እትበሃል ከተማ ተዛወርና። ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ ድማ ክልተ ዓመት ገበርኩ።
ሓድሓደ ግዜ ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ንረክብ ነበርና። ከም መንፈሳዊ መግቢ ዀይኑ ድማ ንኣዋርሕ የገልግለና ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ እውን ደብዳበታት መጸና። እታ ካብ (ኣብዚ ግዜ እዚ ተባሪሮም ዝነበሩ) ስድራቤተይ እተላእከት ናይ መጀመርታ ደብዳበ ኣብከየትኒ። እዛ ደብዳበ ከምቲ እዛ ኣብ መእተዊ ተጠቒሳ ዘላ ግምቢ ዘብዐኛ ዝገለጸቶ መንበሪ ኣባይቲ ናይቶም መሰኻኽር ከም እተወስደ: ስድራቤታት ድማ ካብቲ ቦታ ከልግሱ ክልተ ሰዓት ጥራይ ከም እተዋህቦም ገለጸትለይ።
ምስ ስድራቤተይ እንደገና እራኸብ
ካብቲ እተፈርደኒ ኣርባዕተ ዓመታት ክልተ ዓመት ጥራይ ምስ ተኣሰርኩ ብታሕሳስ 1952 ተፈታሕኩ። ኣብታ ተባሪሮሙላ ዝነበሩ ጥቓ ከተማ ቱሉን: ሳይቤርያ: እትርከብ ጋዳለይ እትበሃል ንእሽቶ ዓዲ ድማ ምስ ስድራቤተይ ተራኸብኩ። ምስኣቶም ምርኻብ ብርግጽ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ወደይ ኢቫን ዳርጋ ወዲ ሰለስተ ዓመት: ኣና ጓለይ ድማ ዳርጋ ጓል ክልተ ዓመት ነበሩ። ይኹን እምበር: ናጽነተይ ምሉእ ኣይነበረን። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ፓስፖርተይ ኣሕዲጎምኒ: ብቐረባ ድማ ይከታተሉኒ ነበሩ። ካብ ቤተይ ልዕሊ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ኣርሒቐ ክኸይድ ኣይክእልን ነበርኩ። ደሓር ግን: ብፈረስ ገይረ ናብቲ ኣብ ቱሉን ዝርከብ ዕዳጋ ክኸይድ ተፈቕደለይ። ኣብኡ ኸኣ ምስቶም መሰኻኽር ብጾት ተጠንቂቐ እራኸብ ነበርኩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣናን ናድያን ዝስመን ክልተ ኣዋልድ: ኢቫንን ኮልያን ዝስሞም ከኣ ክልተ ኣወዳት ነበሩና። ብ1958 ቫሎድያ ዝስሙ ወዲ ወለድና። ጸኒሕና ድማ ብ1961 ጋልያ ዝስማ ጓል ወለድና።
መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኬይ.ጂ.ቢ. (ናይቲ ቅድም ዝነበረ መንግስቲ ትካል ድሕንነት) ይኣስሩንን ይምርምሩንን ነበሩ። ዕላምኦም ከኣ ብዛዕባ ጉባኤ ካባይ ሓበሬታ ምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ ምስኣቶም እተሓባበር ከም ዘሎኹ ኣምሲሎም ጥርጣረ ንምሕዳር እውን ነበረ። ስለዚ ኸኣ ናብ ሓደ ጽቡቕ ቤት መግቢ ይወስዱኒ እሞ እናሰሓቕኩን ምስኣቶም ጽቡቕ ግዜ እናኣሕለፍኩን ከም ዘሎኹ ገይሮም ክስእሉኒ ይፍትኑ። ኣነ ግን ነቲ ድራኸኦም ኣስተውዓልክዎ: ብርቱዕ ጻዕሪ ብምግባር ከኣ ከየቋረጽኩ እጽወግ ነበርኩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተኣሰርኩሉ እዋን: እንታይ ከም እተፈጸመ ነቶም ኣሕዋት ብልክዕ እነግሮም ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: እቶም ኣሕዋት ንተኣማንነተይ ተጠራጢሮምዎ ኣይፈልጡን።
ምስቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዝነበሩ ኣሕዋት ምርኻብ
ኣብተን ዝሓለፋ ዓመታት ብኣማእታት ዝቝጸሩ መሰኻኽር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ: ምስቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሕዋትና ስርዓታውያን ኴንና ብምርኻብ ጽሑፋት ነዳልወሎም ነበርና። ነዚ ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ ነይርና፧ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ካብ ሓደ መዳጐኒ ደምበ ምስ ዝፍትሑ: ጽኑዕ ሓለዋ ይሃሉ ብዘየገድስ ጽሑፋት ብሕቡእ ክኣትወሉ ዝኽእል መገድታት ካብኣቶም ንማሃር። ነቲ ካብ ፖላንድን ካልኦት ሃገራትን እንረኽቦ ዝነበርና ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን መጻሕፍቲ ነቶም ኣብዚ መዳጐኒ ደምበታት እዚ እተኣስሩ ኣሕዋትና ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ከነዳልወሎም ክኢልና ኢና።
ሓያሎ ክርስትያን ኣሓትና ሓንቲ ምልእቲ መጽሔት ኣብ ሓንቲ ክንዲ ናይ ክርቢት ባኮ ዝምንኣሳ መትሓዚት ኽትሕባእ ምእንቲ ኽትክእል ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ወረቐት ናይ ምቕዳሕ ዘሰልኪ ዕዮ ኣብ ምስታፍ ነዊሕ ሰዓታት የሕልፋ ነበራ! ብ1991 ካብ እገዳ ሓራ ምስ ወጻእናን ምልኩዕ ሕብራዊ መጽሔታት ክንቅበል ምስ ጀመርናን ሓንቲ ሓብትና “ካብ ሕጂ ክንርሳዕ ኢና” በለት። እዛ ሓብቲ እዚኣ ተጋግያ ኢያ ነይራ። ሰባት ዝርስዑ እኳ እንተዀኑ: የሆዋ ግን ንዕዮ ናይተን ከምዚኣተን ዝኣመሰላ እሙናት ኣሓት ፈጺሙ ኣይክርስዖን ኢዩ!—እብራውያን 6:10
ምግዕዓዝን ዘሕዝን ፍጻመታትን
ኣብ መወዳእታ 1967 ገዛ ናይቲ ኣብ ኢርኩትስክ ዝነበረ ሓወይ ተፈተሸ። ፊልምን ቅዳሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ድማ ተረኽበ። ከም ገበነኛ ተቘጽረ እሞ ሰለስተ ዓመት ክእሰር ድማ ተፈርዶ። ገዛና ምስ ፈተሽዎ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይረኸቡን። ይኹን እምበር: ሰበ-ስልጣን ርክብ ኣለዎም ብምባል ከም ገበነኛታት ቈጸሩና: ስለዚ ኸኣ ስድራቤትና ካብቲ ከባቢ ክትርሕቕ ነበራ። ዳርጋ 5,000 ኪሎ ሜተር ተጓዒዝና ብወገን ምዕራብ ከተማ ነቪኖሚስክ ናብ እትርከብ ካካሱስ ገዓዝና። ኣብኡ ድማ ብናይ እግረ- መገዲ ምስክርነት ትሑዛት ነበርና።
ብሰነ 1969 ኣብታ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ዝጀመረትላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣጋጠመ። እቲ ኮልያ ዝስሙ ወዲ 12 ዓመት ወድና ንዅዕስኡ ካብ ጥቓ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ቮልት ዝነበሮ ትራንስፎርመር ክመልሳ ክፍትን ከሎ: ኤለክትሪክ ሓዞ። ልዕሊ 70 ካብ ሚእቲ ኣካላቱ ተቓጸለ። ኣብ ሆስፒታል ከሎ: ናባይ ገጹ ቍሊሕ ብምባል “ብሓንሳእ ኴንና ናብታ ደሴት (ብዛዕባ እታ ንዕረፍቲ እናኸድና እንዘናግዓላ ዝነበርና ደሴት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ) መሊስና ክንከይድ ዲና፧” ኢሉ ሓተተኒ። “እወ ኮልያ: ናብታ ደሴት መሊስና ክንከይድ ኢና። የሱስ ክርስቶስ ምስ ኣተንስኣካ: ናብታ ደሴት እቲኣ ብርግጽ ክንከይድ ኢና” በልክዎ። ሃለዋቱ ኣብ ምጥፋእ ገጹ ክኸይድ ከሎ ድማ ሓንቲ ካብተን ዝፈትወን ዝነበረ ናይታ መንግስቲ መዝሙራት: ነታ በታ ጥሩምባኡ ገይሩ ኣብ ናይ ጉባኤ ኦርኬስትራ ክዝምራ ዝፈትዋ ዝነበረ መዝሙር ይዝምር ነበረ። ኣብ ተስፋ ትንሳኤ እምንቶ ብምግባር ድማ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞተ።
ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት እቲ ኢቫን ዝስሙ 20 ዓመት ዝዕድሜኡ ወድና ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ተጸውዐ። ከገልግል ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ምስ ገለጸ ድማ ተታሕዘ እሞ ሰለስተ ዓመት ተኣስረ። ብ1971 ኣነ ከገልግል ተጸዋዕኩ: እንተድኣ ዘየገልጊለ ድማ ክእሰር ምዃነይ እንደገና ኣፈራሩሑኒ። እቲ ጕዳየይ ንኣዋርሕ ተጓተተ። ኣብቲ እዋን እቲ በዓልቲ ቤተይ ሕማም መንሽሮ ሓመመት: ብዙሕ ክንክን ከኣ ኣድለያ። በዚ ምኽንያት እዚ ንጕዳየይ ሰረዝዎ። ማርያ ድማ ብ1972 ሞተት። ክሳዕ ግዜ ሞታ ንዓይ ዘይትጠልም ብጸይቲ: ንየሆዋ ድማ እምንቲ ነበረት።
ስድራቤትና ካብ ዓዲ ወጺኣ ፋሕ በለት
ብ1973 ንኒና ተመርዓኽዋ። ብ1960 ኒና ምስክር ስለ ዝዀነት ኣቡኣ ካብ ገዝኡ ሰጒጕዋ ነበረ። ንሳ ነቶም ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣሕዋት ዝኸውን መጽሔታት ንምቕዳሕ ኣበርቲዐን ካብ ዝጸዓራ ኣሓት ሓንቲ ነበረት: ቀናእ ኣገልጋሊት ከኣ ኢያ ነይራ። ደቀይውን ፈተዉዋ።
እቶም ሰበ-ስልጣን በቲ ኣብ ነቪኖሚስክ እንገብሮ ዝነበርና ንጥፈት ተቘጥዑ: ካብቲ ቦታ ክንርሕቕ ድማ ጸቕጢ ገበሩልና። ስለዚ ብ1975 ኣነን በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ናብቲ ኣብ ጆርጅያ ዝርከብ ደቡባዊ ኣውራጃ ካካሱስ ገዓዝና። ኣብዚ ግዜ እዚ ኢቫንን ቮሎድያን ደቀይውን ኣብ ደቡባዊ ዶብ ካዛኪስታን ናብ ዝርከብ ጃምቡል ገዓዙ።
ሽዑ ንጥፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጆርጅያ ኣብ ምጅማር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጥን ከባብን እተን ኣብ ጥቓ ገማግም ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ጎግራን ሱኩሚን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንገብር ነበርና: ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ዓሰርተ ሓደስቲ መሰኻኽር ኣብ ጐቦ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፈለግ ተጠምቁ። ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ እቶም ሰበ-ስልጣን ካብቲ ከባቢ ክንርሕቕ ኣዘዙና: ናብ ምብራቓዊ ጆርጅያ ድማ ገዓዝና። ኣብኡ ነቲ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ንምርካብ ዝነበረና ጻዕሪ ኣሐየልናዮ: የሆዋ ድማ ባሪኹና ኢዩ።
ኣብ ንኣሽቱ ጕጅለታት ተኸፋፊልና ብሓንሳእ ኴንና ንእከብ ነበርና። ቋንቋ ጆርጅያ ዘይንፈልጥ ስለ ዝነበርና: ገለ ጆርጅያውያን ድማ ቋንቋ ሩስያ ጽቡቕ ገይሮም ዘይዛረቡ ስለ ዝነበሩ ናይ ቋንቋ ጸገም ነበረና። ኣብ መጀመርታ: ምስቶም ሩስያውያን ጥራይ ኴንና ነጽንዕ ነበርና። ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ብቛንቋ ጆርጂያ ማዕበለ: ሕጂ ድማ ኣብ ጆርጂያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣለዉ።
ብ1979 እቲ ዘስርሓኒ ዝነበረ ሰብ ብናይ ኬይ.ጂ.ቢ. ጽልዋ ድሕሪ ደጊም ኣብታ ሃገር ክነብር ከም ዘይክእል ነገረኒ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኢያ እታ ናድያ ዝስማ ጓለይ ሓደጋ ማኪና ዘጋጠማ: ንሳን ንእሽቶ ጓላን ድማ ሞታ። ኣደይ ድማ ሓንቲ ዓመት ኣቐድም ኣቢላ ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበራ ተኣማንነት ሓልያ ኣብ ነቪኖሚስክ ሞተት። ኣቦይን ሓወይን በይኖም ስለ ዝተረፉ ድማ ናብኦም ክንምለስ ወሰንና።
ምጽማም ዘምጽኣልና በረኸታት
ኣብ ነቪኖሚስክ ተሓቢእና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምሕታም ቀጸልና። ሓደ ግዜ ኣብ መፋርቕ 1980ታት እቶም ሰበ-ስልጣን ምስ ጸውዑኒ: መጽሔታትና ክሓብእ ከሎኹ ከም ዝሓለምኩ ነገርክዎም። ሰሓቑኒ ድማ። ካብቲ ዝጸዉዑኒ ቦታ ክወጽእ ከሎኹ ድማ ሓደ ካብኣቶም ከምዚ በለኒ:- “ጽሑፋትኩም ኣበይ ከም እትሓብኦ ድሕሪ ደጊም ከም ዘይትሓልም ይግበርካ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ እቲ ጽሑፋት ኣብ ከብሕታትኩም ክትሰርዕዎ ኢኹም: ንስኻ ድማ ምስ በዓልቲ ቤትካ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድካ ሒዝካን ናብ ኣኼባታትኩም ክትከይድ ኢኻ።”
ብ1989 እታ ኣና ዝስማ ጓለይ በቲ ኢኖሪዝም ዝበሃል ናይ ሓንጐል ሕማም ምስ ሞተት ሓዚንና ኢና። ጓል 38 ዓመት ጥራይ ኢያ ነይራ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብታ ዓመት እቲኣ እቶም ኣብ ነቪኖሚስክ ዝነበሩ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ዋርሶ: ፖላንድ: ዝግበር ኣህጕራዊ ኣኼባ ንምክፋል ባቡር ተዃናቲሮም ተጓዕዙ። ኣብኡ ነቶም ካብ ሕብረት ሶቭየት ዝመጹ ኣሽሓት ሓዊስካ 60,366 ተኣከብቲ ነበሩ። ብሓቂ ሕልሚ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑና! ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ብ27 መጋቢት 1991 ሓደ ካብቶም ነቲ ንሃይማኖታዊት ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ዘውሃበ ታሪኻዊ ሰነድ ኣብ ሞስኮ ዝፈረሙ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ሓሙሽተ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ናይ ምዃን መሰል ረኸብኩ!
እቶም ብህይወት ዘለዉ ደቀይ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ብምህላዎም ሕጉስ ኢየ። ነታ ንኣና: ንናድያን ጓላን: ከምኡውን ኮልያ እንደገና ክርእየላ ዝኽእል ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብተስፋ ኢየ ዝጽበያ ዘሎኹ። ኮልያ ምስ ተንስአ ድማ ናብታ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ሓቢርና ብዙሕ እተሓጐስናላ ደሴት ንኽወስዶ ዝኣተኽዎ መብጽዓይ ክሕሉ ኢየ።
ክሳዕ ሽዑ ግን: ኣብዛ ገፋሕ ሃገር እዚኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ቅልጡፍ ዕቤት ከርኢ ከሎ ምርኣይ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! በቲ ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክዎ ናብራ ብሓቂ ሕጉስ ኢየ። የሆዋ ሓደ ካብ መሰኻኽሩ ስለ ዝገበረኒ ድማ አመስግኖ ኢየ። እቲ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን: ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ” ዝብል ናይ መዝሙር 34:8 ቃላት ሓቂ ምዃኑ ኣሚነ ኢየ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብታ ምስ ስድራቤተይ ኣብ ቱሉን እተራኸብኩላ ዓመት
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ ላዕሊ:- ኣቦይን ደቀይን ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣብ ቱሉን: ሳይቤርያ: ዝነበረ ገዛና
ብየማን ኣብ ላዕሊ:- እተን ክልቲአን ብሓደጋ ማኪና ዝሞታ ናድያ ጓለይን ጓላን
የማን:- ብ1968 እተሳኣልናዮ ናይ ስድራቤት ስእሊ