ነዚ ግዜ እዚ ዝጠቅም መልእኽቲ ዝሓዘ ናይ ጥበብ መጽሓፍ
እቲ ካብቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ሃብታማት ሰብኡት ሓደ ዝነበረ እዮብ ዝበሃል ናይ ጥንቲ ርእሲ ኣቦታት “ብጥበብ ምሉእ ምዃን ካብ ማህደር ምሉእ ሉል ዝበልጽ ኢዩ” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ። (እዮብ 1:3፣ 28:18 NW፣ 42:12) ሓቂ ኢዩ: ሓደ ሰብ ዕዉት ናብራ ንኽነብር ብምሕጋዝ ዝመጸ ጥበብ ካብ ስጋዊ ጥሪት ንላዕሊ ኣዝያ ክብርቲ ኢያ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ” በለ።—መክብብ 7:12
ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ግን ሎሚ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧ ሰባት ብሕታዊ ግድላቶም ነቶም ብጋዜጣ ወይ መጽሔት ምኽሪ ዝህቡ ሰባት: ናይ ስነ-ልቦና ተመራመርቲ: ሓካይም ኣእምሮ: ኣረ ንመሸጥትን መራሕቲ ታክስን ብምንጋር ምኽሪ ክረኽቡ ይደልዩ። ማእለያ ዘይብሎም ክኢላታት ድማ ተመጣጣኒ ዋጋ እናኽፈሉ ዳርጋ ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ኣርእስቲ ምኽሪ ንምሃብ ድሉዋት ኢዮም። መብዛሕትኡ እዋን ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ቃላት “ጥበብ” ናብ ተስፋ ምቝራጽ: ሕሉፍ ሓሊፉውን ናብ ዕንወት ጥራይ ኢዩ መሪሑ። ብኸመይ ድኣ ኢና እሞ ሓቀኛ ጥበብ ክንረክብ እንኽእል፧
እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ጕዳያት ዓሚቝ ፍልጠት ዝነበሮ የሱስ ክርስቶስ ሓደ ግዜ “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት” በለ። (ማቴዎስ 11:19) እስከ ንገለ ልሙድ ዝዀነ ኣብ ህይወት ሰባት ዘጋጥም ግድላት ንመልከት እሞ: እቲ ንምፍትሑ ዝሓገዞምን ካብ “ማህደር ምሉእ ሉል” ዝበልጽ ምዃኑ ዘረጋገጸን ናይ ጥበብ ቃላት እንታይ ምዃኑ ንርአ። ንስኻ እውን ነዚ “ብጥበብ ምሉእ ምዃን” ክትበጽሖን ካብኡ ክትጥቀምን ትኽእል ኢኻ።
ብጭንቀትዶ ትሳቐ ኣሎኻ ኢኻ፧
ዘ ኢንተርናሽናል ሄራልድ ትሪብዩን እትበሃል ኣብ ለንደን እትዳሎ ጋዜጣ “እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ናይ ጭንቀት መዋእል እንተድኣ ኣተኣታትዩ: መወዳእታ ናይዚ ክፍለ-ዘበን ድማ ናይ ሓዘን ዝመልኦ መዋእል መጀመርታ ምዃኑ ይረጋግጽ ኣሎ” ብምባል ኣፍልጦ ትህብ። ወሲኻ ድማ ከምዚ ትብል:- “እቲ ብዛዕባ ክቱር ጭንቀት እተገብረ ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ብዘይ ምቍራጽ ይውስኽ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብ ከም ታይዋን: ሊባኖስ: ከምኡውን ኒው ዚላንድ ዝኣመሰላ እተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ተኸታታሊ ወለዶ ነዚ ሕማም እዚ እናተቓልዐ ይኸይድ ኣሎ።” እቶም ካብ 1955 ንነጀው እተወልዱ ሰባት ካብቲ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ዝነበሮም ጭንቀት ንላዕሊ ብሰለስተ ኢድ ዝተዓጻጸፍ ክቱር ጭንቀት ከም ዝሳቐዩ ይንገር።
ኵነታት ናይታ ብኽቱር ጭንቀት ብምስቓያ ዝበዝሐ መዓልትታት ኣብ ዓራት ደቂሳ ተሕልፎ ዝነበረት ቶሞኣ ከምዚ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኡ ወዳ ክትኣልዮ ስለ ዘይከኣለት: ምስ ስድራኣ ክትቅመጥ ጀመረት። ሓንቲ ክንዲ ወዲ ቶማኦ እትኸውን ጓል ዝነበረታ ጐረቤታ ምስ ቶማኦ ተመሓዘወት። ቶማኦ ዋጋ ዘይብላ ኰይኑ ኸም እተሰምዓ ነታ ጐረቤት ምስ ነገረታ: እታ ጐረቤት ካብ ሓደ መጽሓፍ ገንጺላ ኣንበበትላ። ከምዚ ዝብል ድማ ነበረ:- “ዓይኒ ንኢድ: ኣይደልየክን: ክትብላ ኣይከአላን እዩ: ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር: ኣይደልየኩምን: ክትብሎም ኣይከአላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ።”a ቶማኦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዓለም ግደ ከም ዘለዎን ተደላዪ ምዃኑን ምስ ተገንዘበት ብንብዓት ጀረብረብ በለት።
እታ ጐረቤት ከኣ ነቲ እዘን ቃላት እዚኣተን ዝሓዘ መጽሓፍ ክትምርምሮ ንቶማኦ ተላበወታ። ቶማኦ ክሳዕ ሽዑ ዋላ ሓንቲ ነገር ክትገብር ዘይትኽእል አረ ነቲ ቀሊል ዝዀነ ነገር እውን ከይተረፈ ክገብሮ ኢየ ኢላ ቃል ኣትያ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት: ሽዑ ግን ርእሳ ብምንቕናቕ ተሰማምዐት። እታ ጐረቤት ዕዳጋ ኸይዳ ዘድልያ ነገር ብምግዛእ እውን ሓገዘታ: መዓልቲ መዓልቲ ድማ ምስ ቶማኦ ኰይና መግቢ ተዳሉ ነበረት። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ቶማኦ ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ኣብ ቤት እትውዕል ሰበይቲ እትገብሮ ክዳውንቲ ንምሕጻብ: ገዝኣ ንምጽርራይ: ዕዳጋ ንምኻድ: ከምኡውን መግቢ ንምድላው ንግሆ ንግሆ ክትስእ ጀመረት። ከተሰንፎ ዝነበራ ብዙሕ ሽግራት ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን “ነቲ ረኺበዮ ዝነበርኩ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት እንተድኣ ስዒበዮ: ክሓዊ ምዃነይ እተኣማመን ነበርኩ” በለት።
ቶማኦ ነቲ ረኺባቶ ዝነበረት ጥበብ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ካብቲ ብጭንቀት ጽልምት ዝብላ ዝነበረ መዓልትታት ሓራ ዀነት። ሕጂ ኸኣ ነቲ ዝነበራ ግድላት ንኽትዋጽኣሉ ዝሓገዛ ቃላት ካልኦት ሰባት ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎ ንምሕጋዝ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ትዓዪ ኣላ። እዚ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት እዚ ኣብቲ ሎሚ ንዘለዉ ኵሎም ሰባት ዝጠቅም መልእኽቲ ዝሓዘ ጥንታዊ መጽሓፍ ዝርከብ ኢዩ።
ምስ ናይ ስድራቤት ግድላትዶ ትቃለስ ኣሎኻ ኢኻ፧
ፍትሕ ኣብ ብዘላ ዓለም እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ናይ ስድራቤት ግድላት ኣብተን ሓደ ግዜ ሰባት ኣብ ስድራቤቶም ጽኑዕ ርክብ ብምህላዉ ዝዀርዑለን ዝነበሩ ሃገራት እውን ከይተረፈ እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሓዳር ኣስላጢ ክኸውን ዝኽእል ጥበባዊ መምርሒ ኣበይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
ኵነታት ናይቶም ዘይውዳእ ናይ ሓዳር ጸገማት ዝነበሮም ሹጎን ሚሆኮን ዝበሃሉ ሰብኣይን ሰበይትን ርአ። ብዘይጠቅም ጕዳያት እውን ከይተረፉ ይቋየቝ ነበሩ። ሹጎ ሓራቕ ኢዩ ነይሩ: ሚሆኮ ድማ በዓልቤታ ጌጋ ክረኽበላ ኸሎ ትምልሰሉ ነበረት። ሚሆኮ ‘ክልቴና ብዝዀነ ይኹን ነገር ፈጺምና ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና’ ኢላ እውን ትሓስብ ነበረት።
ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሰበይቲ ንሚሆኮ በጽሓታ እሞ ካብ ሓደ መጽሓፍ ገንጺላ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቓላት ኣንበበትላ:- “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”b ሚሆኮ ብሃይማኖት ዘይትግደስ እኳ እንተ ነበረት: ነቲ እዚ ቓላት እዚ ዝሓዘ መጽሓፍ ከተጽንዖ ተሰማምዐት። ድልየታ ናብራ ስድራቤታ ከተማሓይሽ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብቲ ናብራ ስድራቤትካ ሕጉስ ምግባር ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጽንዓሉ ዝነበረ ኣኼባ ክትካፈል ምስ ተዓደመት: ንሳን በዓል ቤታን ከየዕጠጠዩ ሕራይ በሉ።c
ኣብቲ ኣኼባ: ሹጎ እቶም ተኣከብቲ ነቲ ዝማሃርዎ ዝነበሩ ነገር ብሓቂ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ከም ዝነበሩን ሕጉሳት ይመስሉ ምንባሮምን ኣስተብሃለ። ነቲ በዓልቲ ቤቱ እትማሃሮ ዝነበረት መጽሓፍ ክምርምሮ ድማ ወሰነ። ሓንቲ ሓሳባት ንኣቓልቡኡ ሰሓበቶ:- “እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ አለዎ: ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ።”d ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ህይወቱ ከውዕሎ ግዜ እኳ እንተ ወሰደሉ: እቲ ቀስ እናበለ ዝገብሮ ዝነበረ ለውጢ ንበዓልቲ ቤቱ ሓዊስካ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ ሰባት ክርእይዎ ክኢሎም ኢዮም።
ሚሆኮ እውን ነቲ በዓል ቤታ ዝገበሮ ለውጢ ብምዕዛብ: ንሳውን ነቲ እትማሃሮ ዝነበረት ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ጀመረት። ብፍላይ ሓጋዚ ዀይኑ ዝረኸበቶ ስርዓት እዚ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ:- “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም . . . እዩ እሞ: ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።”e ስለዚ ኸኣ ሚሆኮን በዓል ቤታን ኣብ ንሓድሕዶም ጌጋ ክኣርዩ ኣብ ክንዲ ዝጽዕሩ: ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ መዳያቶምን ከመይ ገይሮም ክማሓየሹ ከም ዝኽእሉን ክመያየጡ ወሰኑ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ሚሆኮ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ብሓቂ ኣሐጒሱኒ ኢዩ። ምሸት ምሸት ክንድረር ከሎና ከምዚ ኢና እንገብር። እቲ ወዲ ሰለስተ ዓመት ወድና እውን ከይተረፈ ኣብቲ ምይይጥ ምሳና ይሓብር ኢዩ። ብሓቂ ባህ ኣቢሉና ኢዩ!”
እዛ ስድራቤት እዚኣ ነቲ ዝረኸበቶ ጠቓሚ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓለቶ: ነቲ ንርክቦም ኣብ ደረጃ ምብታኽ ኣብጺሕዎ ዝነበረ ግድላት ከሰንፍዎ ክኢሎም ኢዮም። እዝስ ንዓታቶም ካብ ማህደር ምሉእ ሉል ንላዕሊ ዝኸብርዶ ኣይኰነን፧
ዕዉት ህይወት ክህልወካዶ ትደሊ ኢኻ፧
ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ሃብቲ ምኽዕባት ናይ ህይወቶም ሸቶ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ዶላር ብሓገዝ ዝሃበ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ሃብታም ነጋዳይ ሓደ ግዜ “ገንዘብ ንገሊኦም ሰባት ይማርኾም ኢዩ: ኣብ ሓደ ግዜ ክልተ ጽምዲ ሳእኒ ክገብር ዝኽእል ሰብ ግን የለን” በለ። ነዚ ሓቂ እዚ ኣፍልጦ ዝህብሉ ሒደት ኢዮም: እቶም ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ ዘቋርጹ ድማ ካብኣቶም ዝወሓዱ ኢዮም።
ሂቶሺ ድኻ ዀይኑ ኢዩ ዓብዩ: ስለዚ ኸኣ ንኽህብትም ብርቱዕ ባህጊ ነበሮ። እቶም ኣለቃሕቲ ነቶም ተለቃሕቲ ከመይ ገይሮም ከም ዝቈጻጸርዎም ምስ ረኣየ “ዝዕወት እቲ ብዙሕ ገንዘብ ዝኣከበ ሰብ ኢዩ” ኢሉ ደምደመ። ብገንዘብ ገይርካ ህይወት ሰባት እውን ከይተረፈ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓይሊ ገንዘብ ኣዝዩ ይኣምን ነበረ። ሃብቲ ንኸኻዕብት ከኣ ኣብቲ ሻምብቆታት ማይ ናይ ምዕራይ ስርሑ ተጸምደ እሞ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ከየዕረፈ ዓመት ምሉእ ሰርሐ። እዚ ተሓጋጋዚ ተዃናታሪ ዝነበረ ሰብኣይ እዚ ኣበርቲዑ ድሕሪ ምጽዓሩ ልክዕ ከምቶም ወሃብቲ ስርሑ ተዃናተርቲ ሓያል ክኸውን ፈጺሙ ከም ዘይከኣለ ብኡንብኡ ተገንዘበ። ጭንቀትን ንኸይጥፍሽ ዝነበሮ ፍርህን ክፍሊ መዓልታዊ ናብርኡ ነበረ።
ድሕርዚ ሓደ ሰብኣይ ናብ ገዛ እንዳ ሂቶሺ መጸ እሞ የሱስ ክርስቶስ ምእንትኡ ኽብል ከም ዝሞተ ዝፈልጥ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። ሂቶሺ ንኸምኡ ዝኣመሰለ ሰብ ክብል ህይወቱ ዘሕልፍ ኣካል ዘሎ ዀይኑ ይስምዖ ስለ ዘይነበረ ንኽፈልጥ ተሃንጠየ እሞ ተወሳኺ ምይይጥ ክገብር ተሰማምዐ። ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ሰሙን: ዝርርብ ክሰምዕ ከደ እሞ እቲ ብዛዕባ “ኣጥዕያ እትርኢ ዓይኒ” እተዋህበ ምኽሪ ኣገረሞ። እቲ ተዛራባይ “ኣጥዕያ እትርኢ” ዓይኒ ኣርሒቓ እትጥምትን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘተኰረትን ምዃና: በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ “እክይቲ” ወይ “ቀናእ” ዓይኒ ኣብቲ ሽዓ ዝሓልፍ ስጋዊ ባህግታት ጥራይ ዘተኰረትን ኣንዊሓ ዘይትጥምትን ምዃና ገለጸ። እቲ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ: ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ” ዝብል ምኽሪ ኣዝዩ ተንከፎ።f ሃብቲ ካብ ምእካብ ንላዕሊ ብዝያዳ ዝበልጽ ነገር ኣሎ! ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ፈጺሙ ሰሚዑ ኣይፈልጥን ነበረ።
ኣዝዩ ስለ እተገረመ: ነቲ ዝማሃሮ ዝነበረ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ጀመረ። ነቲ ንገንዘብ ኢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኣቋሪጹ: ንመንፈሳዊ ረብሓታት ኣብ ህይወቱ ብቐዳምነት ክሰርዖ ጀመረ። ንመንፈሳዊ ድሕንነት ስድራቤቱ ኣብ ምሕላይ እውን ግዜ ከጥፍእ ጀመረ። ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ምግባሩ: እቲ ኣብ ስራሕ ዘጥፍኦ ግዜ ዝወሓደ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ: እንተዀነ ግን ንግዱ ዓመረሉ። ስለምንታይ፧
ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ክቕበሎ ምስ ጀመረ እቲ ቝጡዕ ዝነበረ ባህርያቱ ልኡምን ሰላማውን ኰነ። ብፍላይ በዚ ስዒቡ ዘሎ ምኽሪ ተተንኪፉ ኢዩ:- “ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፤ ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ: ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም: ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም: ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም: ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም: ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።”g ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓቡ ሃብታም ኣይገበሮን: እቲ ዝለበሶ ‘ሓድሽ ሰብነት’ ግን ኣብቶም ዓማዊሉ ጽቡቕ ጦብላሕታ ከም ዘሕድሩ ገበረ: ኣብኡ ድማ ትውክልትን እምንቶን ከሕድሩ ጀመሩ። እወ: እቲ ዝረኸቦ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ዕዉት ህይወት ንኽህልዎ ሓጊዝዎ ኢዩ። እቲ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ንዕኡ ቃል ብቓሉ ካብ ማህደር ምሉእ ሉል ወይ ገንዘብ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝኸብር ኢዩ ነይሩ።
ነቲ ማህደር ክትከፍቶ ዲኻ፧
ነቲ እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሰባት ኣዝዩ ክቡር ኰይኑ ዝረኸብዎ ማህደር ጥበብ ክትፈልጦዶ ምኸኣልካ፧ እዚ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ብሰፊሑ እተዘርግሐን ብቐሊሉ ክርከብ ዝኽእልን መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥበብ ኢዩ። ሓደ ቅዳሕ ይህልወካ ወይ ብቐሊሉ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን። ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ክቡር ሉል ዝመልአ ማህደር ንሓደ ዘይጥቀመሉ ሰብ ዋላ ሓንቲ ዘይዓብሰሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ምህላው ጥራይ እውን ከምኡ ዋጋ የብሉን። ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ነቲ ማህደር ስለምንታይ ዘይትኸፍቶ እሞ ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽርን እዋናዊ ማዕዳን ኣብ ግብሪ ዘይተውዕሎ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ግድላት ብዓወት ንኽትፈትሖ ክሕግዘካ ዝኽእለሉ መገዲ ዘይትርኢ።
ሉል ዝመልአ ማህደር እንተ ዝወሃበካ: ኣይምተሓጐስካንዶ: ነቲ ሰናይ ዝገበረልካ ሰብ ምእንቲ ኸተመስግኖ ድማ መን ምዃኑ ንኽትፈልጥ ኣይምጸዓርካንዶ፧ ወሃብ መጽሓፍ ቅዱስከ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ጠቓሚ ኢዩ’ ብምባል ምንጪ ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ምኽሪ መን ምዃኑ ይገልጽ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን” ምዃኑ እውን ይነግረና ኢዩ። (እብራውያን 4:12) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ሎሚ እዋናውን ጠቓምን ዝዀነና። ካብቲ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ዝጠቅም መልእኽቲ ዝሓዘ ናይ ጥበብ መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ‘ምሉእ ጥበብ’ ምእንቲ ኽትጥቀም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ ለጋስ ወሃቢ: የሆዋ ኣምላኽ: ንኽትፈልጥ ክሕግዙኻ ሕጉሳት ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ካብ 1 ቈረንቶስ 12:21, 22 እተወስደ ኢዩ።
c ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
f ማቴዎስ 6:21-23 እግረ-ጽሑፍ NW
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሚዛናዊ ስምዒት ንምዕቃብ ዝጠቅም ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት
“ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ: ይቕሬታ ምሳኻ አሎ።”—መዝሙር 130:3, 4
“ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ: ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር።”—ምሳሌ 15:13
“እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን: ንርእሳኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር: ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ።”—መክብብ 7:16
“ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
“ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።”—ኤፌሶን 4:26
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሕጉስ ናብራ ስድራቤት ንኽህሉ ዝጠቅም ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት
“ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን: ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ።”—ምሳሌ 15:22
“ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ: እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።”—ምሳሌ 18:15
“ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።”—ምሳሌ 25:11
“ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ።”—ቈሎሴ 3:13, 14
“ፍቁራት ኣሕዋተየ: እዚ ትፈልጡ ኢኹም። . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን።”—ያእቆብ 1:19
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ዕዉት ህይወት ንምንባር ዝጠቅም ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት
“ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ: ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።”—ምሳሌ 11:1
“ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት።”—ምሳሌ 16:18
“መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቐጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።”—ምሳሌ 25:28
“ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ: ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ።”—መክብብ 7:9
“ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ: ከመይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ክትረኽቦ ኢኻ።”—መክብብ 11:1
“እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር: ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።”—ኤፌሶን 4:29
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ካብቲ ‘ምሉእ ጥበብ ’ ተጠቃሚ ንምዃን ዝውሰድ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኢዩ