ንገነት ሃለው ምባል
ብፓስካል ስቲዚ እተዘንተወ
እዋኑ ጸላም ለይቲ ኢዩ ነይሩ: ጐደናታት ከተማ ባዝያ: ደቡባዊ ፈረንሳ: ድማ ጭው ጭው ይብል ነበረ። ኣነን ሓደ ዓርከይን ሓድሽ እተለቕለቐ ሃይማኖታዊ መደበር መጻሕፍቲ ምስ ረኸብና ኣብቲ መንደቕ ነቲ ኒች ዝበሃል ጀርመናዊ ፈላስፋ እተዛረቦ ‘ኣማልኽቲ የለዉን። ሱፐርማን ንዘለኣለም ይንበር!’ ዝብል ቃላት ብጸሊም ሕብሪ ገይርና ብዓቢ ፊደላት ጸሓፍና። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንኽገብር ዝመርሓኒ ግን እንታይ ኢዩ፧
ብ1951 ኣብ ሓንቲ ካቶሊካዊት: መበቈላ ኸኣ ኢጣልያ ዝዀነት ስድራቤት ኣብ ፈረንሳ ኢየ ተወሊደ። ቈልዓ ኸሎኹ: ንዙረት ናብ ደቡብ ኢጣልያ ንኸይድ ነበርና። ኣብኡ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ምስሊ ድንግል ማርያም ነበራ። ምስ ኣባሓጎይ እናተዛወርኩ: ነቲ ኣብቲ ጎቦታት ዝነበረ ክዳውንቲ ዝለበሰ ዓበይቲ ሓወልቲ ንምዕዛብ ብዙሓት ዓጀብቲ ኣብ ዝነበርዎ ዑደት እካፈል እኳ እንተ ነበርኩ: እምነት ግን ኣየሕደረለይን። መባእታዊ ትምህርተይ ኣብ ሓደ ብጀስዊት ዝካየድ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ወዳእኩ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣምላኽ እምነት ንኸሕድር ዝሕግዘኒ ቓላት ዝሰማዕኩሉ መዓልቲ ኣይዝከረንን ኢዩ።
ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ከስተንትን ዝጀመርኩሉ እዋን ኣብ ከተማ ሞንፐልየ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሕክምና ክማሃር ምስ ኣተኹ ኢዩ። ኣቦይ ኣብ እዋን ውግእ ቈሲሉ ስለ ዝነበረ: ሓኻይም ኵሉ ግዜ ካብ ዓራቱ ኣይፍለዩን ነበሩ። ነቲ ውግእ ኣብ ሰባት ዘውርዶ ሳዕቤን ንምሕዋይ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ካብ ምጥፋእ ንውግእ መወዳእታ ክግበረሉዶ ኣይምሓሸን፧ እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ቬትናም ውግእ ኣብቲ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ ነበረ። ንኣብነት: ንናይ ሳንቡእ መንሽሮ ንምሕዋይ እንኮ ዝቐለለ መገዲ: ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሕማም እዚ ዝዀነ ትምባኾ ምጥፋእ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ብዛዕባ እቲ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብዓጸቦ ዝመጽእን ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምብላዕ ዝስዕብን ሕማማትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነቲ ከቢድ ሳዕቤናቱ ክትፍውሶ ካብ ምፍታን ነቲ ጠንቅታቱ ምልጋስዶ ኣይምሓሸን፧ ኣብ ምድሪ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብዚ ርእሰ-ዕንወት ዘውርድ ሕብረተሰብ ሓደ ዓቢ ጕድለት ዘሎ ዀይኑ ተሰምዓኒ: ንመንግስታት ድማ ተወቀስቲ ገበርክዎም።
ዝፈትዎ ዝነበርኩ መጽሓፍ እቲ ብሓደ መንግስቲ ኣልቦ ስርዓት ዝደሊ ደራሲ እተጻሕፈ መጽሓፍ ኢዩ ነይሩ: ካብታ መጽሓፉ ምሉእ ሓሳባት እናወሰድኩ ድማ ኣብ መናድቕ እጽሕፍ ነበርኩ። ቀስ ብቐስ ኣነውን እምነት ወይ ናይ ስነ-ምግባር ሕግታት ዘይብለይ: ኣምላኽ ወይ ሓለቓ ክህልወኒ ዘይደሊ: መንግስቲ ኣልቦ ዝዀነ ስርዓት ዝደሊ ሰብ ኰንኩ። ብዛዕባ ኣምላኽን ሃይማኖትን ዝመጸ ሃብታማትን ሓያላትን ሰባት ንዓና ንኽዕብልሉናን ንኽምዝምዙናን ዝፈጠርዎ ምህዞ ገይረ ኢየ ዝወስዶ ነይረ። እቶም ሃብታማት ሰባት ‘ኣብ ምድሪ ንዓና ኣበርቲዕኩም ስርሑልና እሞ ኣብ ሰማይ ኣብ ገነት ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን ኢዩ’ ዝብሉ ኢዮም ዝመስሉ ነይሮም። ስልጣን ናይ ኣማልኽቲ ግን ኣብቂዑ ነበረ። ሰባት እዚ ክንገሩ የድልዮም ነበረ። ክንገርሉ ዝኽእሉ እንኮ መገዲ ኸኣ ተቓውሞኻ ኣብ መናድቕ ብምጽሓፍ ኢዩ ነይሩ።
ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ መጽናዕተይ ቀነሰ። ክሳዕ ሽዑ ግን ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ዕልወት ዝካየደሉ ዝነበረ ካልእ ኣብ ሞንፐልየ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጂኦግራፍን ኢኮሎጅን ክማሃር ኣትየ ነበርኩ። ብዛዕባ ኢኮሎጂ ዝያዳ እናፈለጥኩ ብዝኸድኩ መጠን: ምብካል ናይዛ ምልክዕቲ ምድርና እናሓደረ የጕህየኒ ነበረ።
ዓመት ዓመት ኣብ እዋን ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ: ኣብ መገዲ ንዝሓልፋ ማካይን ተማልኡኒ እናበልኩ ኣብ ብምልኡ ኣውሮጳ ብኣሽሓት ዝቝጸር ኪሎ ሜተራት እጓዓዝ ነበርኩ። ምስቶም ብኣማእታት ዝቝጸሩ መራሕቲ ማካይን እናዕለልኩ ክጓዓዝ ከሎኹ: ነቲ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝሃሲ እከይን ብልሽውናን በዒንተይ ርእየ ኢየ። ሓደ ግዜ ንገነት ክረኽባ ሃለው እናበልኩ ከሎኹ: ኣብታ ምልክዕቲ ደሴት ቅሬጥስ ዝርከብ ደስ ዘብል ገማግም ባሕሪ በጻሕኩ: ብዘይቲ ተሸፊኑ ረኸብክዎ። ኣዝየ ድማ ጐሃኹ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ምድሪ ከይተበላሸወት ዝተረፈት ንእሽቶ ገነት ትህሉዶ ትኸውን፧
ናብ ሕርሻ ተመለስኩ
እቶም ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ተመራመርቲ ኢኮሎጂ ናይቲ ሕብረተሰብ ግድል ዝፍታሕ ናብ ሕርሻ ብምምላስ ኢዩ ኢሎም ይጣበቑ ነበሩ። ኣነ ኸኣ በእዳወይ ክዓዪ ደለኹ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ኣብ እግሪ ጐቦታት ሳቨን ኣብ ዘሎ ኵርባታት እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ሓንቲ ብእምኒ እተሰርሐት ኣረጊት ገዛ ዓደግኩ። ኣብቲ ማዕጾ ድማ “እዋናዊት ገነት” ዝብል ጭርሖ እቶም ኣመሪካውያን ሂፒ ጸሓፍኩ። ምስ ሓንቲ በቲ ከባቢና እትመላለስ ዝነበረት ጀርመናዊት መንእሰይ ከኣ ብሓንሳእ ክንነብር ጀመርና። ኣብ ቅድሚ እቲ ወኪል መንግስቲ ዝዀነ ከንቲባ ቀሪበ ሕጋዊ መርዓ ክገብር ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ቤተ-ክርስትያንከ፧ ንሱ ኸኣ እሞ ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮይ ኣይነበረን!
መብዛሕትኡ ግዜ: ጥራይ እግርና ኢና ንኸይድ ነይርና: ነዊሕ ጸጕርን ብስርዓት ዘይተታሐዘ ጭሕምን ነበረኒ። ፍረታትን ኣሕምልትን ምዅስኳስ የሐጕሰኒ ነበረ። ኣብ ሓጋይ ሰማይ ብሩህ ይኸውን: ዕንጭራር ድማ የድህያ ነበራ። እቲ ነቲ ከባቢ ሸፊንዎ ዝነበረ ዕንባባታት ምኡዝ ጨና ነበሮ: እቲ እንዘርኦ ዝነበርና ናይ ሜዲተራንያን ፍረታት—ወይንን በለስ ጥልያንን—ምቁር ነበረ! ኣብ ገነት መጣጥሖ ዝረኸብና ኢዩ ዝመስል ነይሩ።
ኣብ ኣምላኽ ክኣምን እጅምር
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ስነ-ህይወት ዋህዮ: ስነ-ድቂ: ስነ-ቕርጺ ህይወታውያን ተማሂረ ነበርኩ: ኵሉ እቲ እተሓላለኸን ንሓድሕዱ ዝሰማማዕን ስራሓት ኣዝዩ ኢዩ ዝምስጠኒ ነይሩ። ሕጂ ግን ብዛዕባ ፍጥረት መዓልቲ መዓልቲ ክሓስብን ብዓይነይ ክርእዮን ክኢለ ኢየ: እቲ ጽባቐኡን ግርማኡን ከኣ ይድንጽወኒ ኢዩ። እቲ ናይ ፍጥረት መጽሓፍ ንሓያሎ መዓልትታት ተዘርጊሑለይ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ዓቐበት ነዊሕ ጕዕዞ ድሕሪ ምግባርን ብዛዕባ ህይወት ኣዕሚቘ ድሕሪ ምሕሳብን: ፈጣሪ ክህሉ ኣለዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ። ኣብ ኣምላኽ ክኣምን ብልበይ ወሰንኩ። ቅድሚኡ ኣብ ልበይ ናይ ባዶነት ስምዒትን ክቱር ጽምዋን ይስምዓኒ ነበረ። ኣብታ ኣብ ኣምላኽ ክኣምን ዝጀመርኩላ መዓልቲ ኸኣ ንገዛእ ርእሰይ ‘ፓስካል: ድሕሪ ደጊም በይንኻ ኣይኰንካን’ በልኩዋ። ፍሉይ ሓጐስ ድማ ተሰምዓኒ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ካብታ መናብርተይ ሓንቲ ጓል ወለድኩ። ኣሞንዲን ዝብል ስም ድማ ኣውጽኣናላ። ጓለይ ብሌን ዓይነይ ኢያ ነይራ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኣምላኽ እኣምን ስለ ዝነበርኩ: ነቲ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ሒደት ስነ-ምግባራዊ ሕግታት ክሕልዎ ጀመርኩ። ስርቅን ሓሶትን ኣቋረጽኩ: ከምኡ ምግባረይ ድማ ምስቶም ኣብ ከባቢየይ ዘለዉ ሰባት ብዙሕ ግድላት ከይፈጥር ከም ዝሓገዘኒ ቀልጢፈ ተገንዘብኩዎ። እወ: ናይ ገዛእ ርእስና ጸገማት ነይሩና ኢዩ: እቲ ረኺበዮ ዝነበርኩ ገነት እውን ምሉእ ብምሉእ ከምቲ እተጸበኽዎ ኣይነበረን። እቶም ኣብቲ ከባቢ ወይኒ ዘፍርዩ ዝነበሩ ሰባት ንኣታኽልተይ ዘበላሹ ጸረ-ባልዕን ጸረ-ኣትክልትን መድሃኒት ይጥቀሙ ነበሩ። ብዛዕባ ጠንቂ እከይ ዝነበረኒ ሕቶ ገና መልሲ ኣይረኸብኩሉን ነበርኩ። ብተወሳኺ: ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት ብዙሕ ኣንቢበ እኳ እንተ ነበርኩ: ምስታ መናብርተይ ዝገብሮ ዝነበርኩ መሪር ቈየቛ ከርሕቕ ኣይሓገዘንን። ሒደት ኣዕሩኽ እኳ እንተ ነበሩና: እሙናት ኣይነበሩን፣ ገሊኦም እውን ነታ መናብርተይ ብጾታዊ ጕዳይ ዝመጸ ዘይእምንቲ ከም እትኸውን ክገብሩዋ ፈቲኖም ኢዮም። ስለዚ ዝሓሸ ገነት ከም ዘሎ ክግንዘብ ነበረኒ።
መልሲ ጸሎተይ
ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ንኽመርሓኒ ብናይ ገዛእ ርእሰይ መገዲ ብዙሕ ግዜ እጽሊ ነበርኩ። ሓደ ሰንበት ንግሆ ሓንቲ ኢኼኒ ሎፔስ ዝስማ ምቕልልቲ ሰበይቲ ምስ ሓደ ንእሽቶ ወዳ ናብ ቤትና መጸት። ንሳ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢያ ነይራ። ነቲ እትብሎ ዝነበረት ጽን ኢለ ሰማዕክዋ: ካልእ ግዜ ምብጻሕ ንኽግበረለይ ምስ ሓተተትኒ ድማ ፍቓደኛ ዀንኩ። ክልተ ሰብኡት ድማ ክበጽሑኒ መጹ። ካብቲ ዝገበርናዮ ምይይጥ: ክልተ ነገራት ማለት ገነትን መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ኣእምሮይ ሓዝክዎ። ነዚ ሓሳባት እዚ ብጥንቃቐ ኣብ ልበይ ኣንበርክዎ: ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ኣዋርሕ ኸኣ ጽሩይ ሕልናን ናይ ሓቂ ሓጐስን ክህልወኒ እንተድኣ ዀይኑ: ሓደ መዓልቲ ህይወተይ ምስ ናይ ኣምላኽ መዐቀኒታት ከሰማምዖ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ።
ንህይወትና ምስ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸነሰማምዖ: እታ መናብርተይ ኣብቲ መጀመርታ ንኽትምርዓወኒ ተሰማሚዓ ነበረት። ደሓር ግን ምስቶም ንኣምላኽን ሕግታቱን ዘላግጹ ሰባት ብምቕራብ ኣብ ሕማቕ ምሕዝነት ወደቐት። ኣብ ጽድያ ሓደ ምሸት ንገዛ ምስ ተመለስኩ: ኣዝየ ሰንበድኩ። ገዛና ጥራዩ ነበረ። እታ መናብርተይ ነታ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓልና ሒዛ ወጺኣ ጸንሐት። ክምለሳ ንገለ መዓልትታት ተጸበኽወን: ትጽቢተይ ግን ከንቱ ዀይኑ ተረፈ። ንኣምላኽ ተወቃሲ ኣብ ክንዲ ዝገብሮ ግን ክሕግዘኒ ናብኡ ጸለኹ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣልዒለ ኣብ ትሕቲ እታ በለስ ጥልያን ኮፍ ኢለ ከንብብ ጀመርኩ። ሓቂ ኢዩ: ነቲ ቓላት ምሉእ ብምሉእ ተረዲአዮ ነበርኩ። ብናይ ስነ-ኣእምሮ ተንተንትን ናይ ስነ-ልቦና ምሁራትን እተዳለወ ብዙሕ ዓይነት መጻሕፍቲ ኣንቢበ እኳ እንተ ነበርኩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ግን ኣይረኸብኩሉን። እዚ መጽሓፍ እዚ ብመለኮታዊ መንፈስ እተጻሕፈ ክኸውን ኣለዎ። ናይ የሱስ ኣመሃህራን እቲ ኣብ ሰብኣዊ ባህሪ ዝነበሮ ምርዳእን ኣገሪሙኒ ኢዩ። መጽሓፍ መዝሙር ኣጸናኒዓትኒ ኢያ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዘሎ ተግባራዊ ጥበብ ድማ ኣገሪሙኒ ነበረ። ብዛዕባ ፍጥረት ምጽናዕ ንሓደ ሰብ ናብ ኣምላኽ ንኽቐርብ ዝበለጸ መገዲ እኳ እንተዀነ: ክገልጾ ዝኽእል ግን ‘ካብቲ መገዱ ሓደ ጫፍ’ ጥራይ ምዃኑ ብኡንብኡ ተገንዘብኩ።—እዮብ 26:14
እቶም መሰኻኽር ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ከምኡውን ንናብራ ስድራቤትካ ሕጉስ ምግባር ዘርእስተን መጻሕፍቲ እውን ሃቡኒ።a እዘን መጻሕፍቲ እዚኣን መንፈሳዊ ኣዒንተይ ከፊተናለይ ኢየን። ወዲሰብ ዓለምለኻዊ ብከላ: ውግእ: እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ናይ ኑክሌራዊ ዕንወት ስግኣትን ኣጋጢምዎ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽርዳእ መጽሓፍ ሐቂ ሓጊዛትኒ ኢያ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቦታ ኣታኽልተይ ኰይነ ዝርእዮ ብሩህ ሰማይ ንጽባሒቱ ጽቡቕ ኵነታት ኣየር ክህሉ ምዃኑ ዝሕብረኒ: እዚ ፍጻመታት እዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ዘረጋግጽ ኢዩ። ብዛዕባ እታ ናብራ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ከኣ ንመናብርተይ ኣርእየ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእል ክነግራ እንተ ዝኽእል ነይረ መን ምሃበ በልኩ። ዝከኣል ግን ኣይነበረን።
መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር
ብዝያዳ ክፈልጥ ስለ ዝደለኹ: ነቲ ሮበር ዝስሙ ምስክር ክበጽሓኒ ሓተትክዎ። ክጥመቕ ከም ዝደሊ ምስ ነገርክዎ ኸኣ ኣዝዩ ተገረመ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ብኡንብኡ ኸኣ ነቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ነገር ንኻልኦት ክነግሮምን ነቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ጽሑፋት ክዝርግሖን ጀመርኩ።
ንመንበሪ ዝዀነኒ ገንዘብ ንኽረክብ: ናይ ስርሓት እምኒ ኮርስ ክወስድ ተመዝገብኩ። ቃል ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ሰናይ ነገራት ከምጽኣሉ ዝኽእል ምዃኑ ብምግንዛብ: ዝረኸብክዋ ኣጋጣሚ ንብጾተይ ተማሃሮን መማህራንን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ እጥቀመሉ ነበርኩ። ሓደ ምሸት ኣብ ኮረድዮ ምስ ሰርዥ ተራኸብኩ። ኣብ ኣእዳዉ ገለ መጽሔታት ሒዙ ነበረ። “ምንባብ ትፈቱ ኢኻ እትመስል” በልክዎ። “እወ እፈቱ ኢየ: እዚ መጽሔታት እዚ ግን ሰልችዩኒ ኢዩ” በለኒ። “ሓደ ብሓቂ ጽቡቕ ዝዀነ ጽሑፍ ከተንብብዶ ምደለኻ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዉቕ ምይይጥ ገበርና: ድሕሪኡ ድማ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ወሰደ። ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ሰሙን ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ወሰድክዎ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረ።
ሓደ መዓልቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኽ ዝኽእል እንተ ዀይነ ንሮበር ሓተትክዎ። ናብ ከብሑ ገጹ ኸደ እሞ ምሉእ ክዳን ኣምጽኣለይ። ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ሰንበት ንመጀመርታ ግዜ ምስኡ ኣገልግሎት ከድኩ። መወዳእትኡ: ብ7 መጋቢት 1981 ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኽዎ።
ኣብ እዋን ጭንቀት ዝረኸብክዎ ሓገዝ
ኣብዚ ግዜ እዚ ኣሞንዲንን ኣዲኣን ኣብ ወጻኢ ሃገር ምህላወን ፈሊጠ ነበርኩ። እቲ ዘጕሂ ኸኣ ኣዲኣ ብመሰረት ሕግታት ናይታ እትነብረላ ዝነበረት ሃገር ገይራ ጓለይ ከይርኢ ምሉእ ብምሉእ ኣኸልከለትኒ። በዚ ኣዝየ ጐሃኹ። ኣዲኣ ንኣሞንዲን ተመርዓወት: እቲ በዓል ቤታ ድማ ብዘይ ፍቓደይ ንጓለይ ከም ጓሉ ገይሩ ከም እተቐበላ ዝገልጽ ሕጋዊ ወረቐት ምስ ተቐበልኩ ፈጺመ ተስፋ ቘረጽኩ። ድሕሪ ደጊም ኣብ ጓለይ ዋላ ሓንቲ መሰል የብለይን። ሕጋዊ ስጕምቲ እኳ እንተ ወሰድኩ: ንኽበጽሓ መሰል ክረክብ ኣይከኣልኩን። እዚ ኸኣ ኣብ እንግድዓይ ከቢድ ጾር እተሰከምኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ።
ቃል የሆዋ ግን ብእተፈላለየ መገዲ ኣጸናኒዑኒ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኣዝየ ምስ ተጨነቕኩ: ነተን ኣብ ምሳሌ 24:10 ዝርከባ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ዝብላ ቃላት ደጋገምክወን። እዛ ጥቕሲ እዚ ንኸይናወጽ ሓጊዛትኒ ኢያ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንጓለይ ክርኢ ጽዒረ ከብቅዕ ዕንቅፋት ምስ ኣጋጠመኒ: ብሓቦ ነቲ መጻሕፍቲ ዘለዎ ቦርሳይ ሒዘ ኣገልግሎት ከድኩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ እዋናት: ንሓቅነት እቲ ኣብ መዝሙር 126:6 ዘሎ “ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር: እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ” ዝብል ቃላት ከስተማቕሮ ክኢለ ኢየ። ከቢድ ፈተናታት ምስ ዘጋጥመካ እሞ ንኽትፈትሖ ሓንሳእ ዝከኣለካ ፈቲንካ ምስ ዝኣብየካ: ነቲ ግድላት ረሲዕካ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብቘራጽነት ክትቅጽል ኣሎካ ዝብል ዓቢ ትምህርቲ ተማሂረ ኢየ። ሓጐስካ ክትዕቅበሉ እትኽእል እንኮ መገዲ እዚ ኢዩ።
ንዝሓሸ ነገር ምምጥጣር
እቶም ዝፈትዎም ወለደይ ነቲ ዝገበርክዎ ለውጥታት ምስ ተዓዘቡ: ዩኒቨርሲቲ ኣትየ መጽናዕተይ ንኽቕጽል ክሕግዙኒ ምዃኖም ነገሩኒ። ሽዑ ካልእ ሸቶ ገይረ ስለ ዝነበርኩ ግን ስለቲ ሓልዮቶም ኣመስገንክዎም። ሓቂ ካብ ናይ ሰብ ፍልስፍናን ጋኔናዊ ተግባራትን ምቝጻር ከዋኽብትን ሓራ ኣውጺኡኒ ነበረ። ሕጂ ንሓድሕዶም ኣብ ውግእ ዘይቃተሉ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። መወዳእትኡ ድማ ነቲ ‘ኣብ ምድሪ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ’ ዝብል ሕቶይ መልሲ ረኺበሉ ኢየ። ሞሳ ብምርኣይ ድማ ንኣምላኽ ብምሉእ ሓይለይ ከገልግሎ ደለኹ። የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ነበረ: ኣነ ድማ ኣብነቱ ክስዕብ ደለኹ።
ብ1983 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንኽኸውን ነቲ ናይ ስርሓት እምኒ ዕዮይ ኣቋረጽክዎ። ርእሰይ ክኽእል ኣብ ሓደ መናፈሻ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ምስ ረኸብኩ ድማ ጸሎተይ ተመለሰለይ። ምስቲ ኣብቲ ናይ ስርሓት እምኒ ቤት ትምህርቲ ዝመስከርክሉ ሰርዥ ዝስሙ መንእሰይ ኰይነ: ኣብቲ ናይ ፓይነር ቤት ትምህርቲ ክካፈልሲ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ነይሩ! ስርዓታዊ ፓይነር ኰይነ ንሰለስተ ዓመት ምስ ኣገልገልኩ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ክዓዪ እውን በሃግኩ። ስለዚ ኸኣ ብ1986 ኣብታ ካብ ፓሪስ ብዙሕ ከይረሓቕካ እትርከብ ምልክዕቲ ከተማ ፕሮቨ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ተመደብኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምሸት ገዛ ምስ ተመለስኩ: የሆዋ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕብኡ ንኽዛረብ ሰናይ መዓልቲ ስለ ዘውዓለኒ ተምበርኪኸ ብጸሎት አመስግኖ ነበርኩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: እቲ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ባህ ዘብለኒ ክልተ ነገራት ምስ ኣምላኽ ምዝራብን ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብን ኢዩ።
እታ ጓል 68 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣደይ ምጥማቓ እውን ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ኣምጺኡለይ። ኣደይ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ሳባዞ እትበሃል ንእሽቶ ዓዲ ኢያ እትነብር ነይራ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ምስ ጀመረት: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኵንትራት ለኣኽኩላ። እትመራመር ሰበይቲ ስለ ዝነበረት ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ በቲ እተንብቦ ዝነበረት ጽሑፋት ገይራ ሓቂ ፈለጠት።
እቲ ሓለፍ ዝበለ መንፈሳዊ ገነት ዝዀነ ቤትኤል
ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቍጽሪ ፍሉያት ፓይነራት ክትንክዮ ምስ ወሰነት: ኣብቲ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ንኽካፈል ወይ ቤትኤል ንኽኣቱ ናብቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመልከትኩ። ብዝበለጸ ንዕኡ ከገልግለሉ ዝኽእል መዳይ ኣየናይ ምዃኑ ንኽውስነለይ ንየሆዋ ክገድፈሉ ደለኹ። ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: ታሕሳስ 1989 ኣብቲ ኣብ ሉቭዬ ሰሜናዊ ምዕራብ ፈረንሳ ዝርከብ ቤትኤል ክኣቱ ተጸዋዕኩ። እቲ ቦታ እቲ ወለደይ ኣዝዮም ምስ ዝሓሙ ሓወይን ሰይቲ ሓወይን ክኣልይዎም ከለዉ ክሕግዞም ስለ ዘኽኣለኒ ምቹእ ኰይኑ ረኸብክዎ። ካብዚ ቦታ ብኣሽሓት ዝቝጸር ኪሎ ሜተራት ብምርሓቕ ኣብቲ ዕዮ ሚስዮናውነት ነይረ እንተ ዝኸውን ከምዚ ክገብር ኣይምኸኣልኩን።
ኣደይ ቤትኤል እናመጸት ብዙሕ ግዜ ትበጽሓኒ ነበረት። ካባይ ተፈልያ ንኽትነብር መስዋእቲ ኽትገብር ዝሓታ እኳ እንተ ነበረ: መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ትብለኒ ነበረት:- “ሰሚዕካ ዝወደይ: ካብ ቤትኤል ኣይትውጻእ። በዚ መገዲ እዚ ንየሆዋ ተገልግሎ ስለ ዘሎኻ ሕጉስቲ ኢየ።” እቲ ዘሕዝን ግን ክልቲኦም ወለደይ ሕጂ ብህይወት የለዉን። ኣብታ ቓል ብቓሉ ናብ ገነት እትልወጥ ምድሪ ንኽርእዮም ክንደይ ኰን ኢየ ሃረር ዝብል!
ነቲ “እዋናዊት ገነት” ዝብል መግለጺ ዝበቕዖ ቤት ክህሉ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ “ቤት ኣምላኽ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ቤትኤል ምዃኑ ብሓቂ እኣምን ኢየ። ከመይሲ እቲ ናይ ሓቂ ገነት ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ መንፈሳዊ ኢዩ: ኣብ ቤትኤል ድማ መንፈሳውነት ዓሲሉ ኢዩ። ፍረ መንፈስ ክንኵስኵስ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣሎና። (ገላትያ 5:22, 23) ኣብ እዋን እቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝግበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ምይይጥን ናይ ስድራቤት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕትን እንረኽቦ ስቡሕ መንፈሳዊ መግቢ ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ንኽጸንዕ ይሕግዘኒ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ምስቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልግልዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትሓብር ምኽኣል ንቤትኤል ብመንፈስ እትዓብየሉ ፍሉይ ቦታ ይገብሮ። ምስ ጓለይ ካብ ዝፈላለ 17 ዓመት ገይረ እኳ እንተሎኹ: ኣብ ቤትኤል ከም ደቀይ ገይረ ዝርእዮምን በቲ ዝገብርዎ መንፈሳዊ ዕቤት ዝሕጐሰሎምን ሓያሎ ቀናኣት መንእሰያት ረኺበ ኣሎኹ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት: ኣብ ሸውዓተ እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ተመዲበ ኢየ። እዚ ለውጥታት እዚ ዅሉ ግዜ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ: ከምዚ ዝኣመሰለ ልምምድ ምርካብ ግን ንዝመጽእ ጠቓሚ ኢዩ።
ሚእቲ ዕጽፊ ዝፈሪ ዓይነት ባልደንጓ እተክል ነበርኩ። ብተመሳሳሊ: ሕማቕ ነገር ምስ እትዘርእ: እቲ እትዓጽዶ ሓንቲ ዓይነት ጥራይ ዘይኰነስ ሚእቲ ግዜ ዝኸፍአ ነገር ምዃኑ ተመኲረዮ ኢየ። ተመክሮ ንባዕሉ ጽቡቕ ትምህርቲ እትረኽበሉ ቤት ትምህርቲ ኢዩ። ንኽመርጽ ዕድል እንተ ዝወሃበኒ ብመገድታት የሆዋ ክዓቢ ድኣ እምበር ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቤት ትምህርቲ ክሓልፍ ፈጺመ ኣይምመረጽኩን። እቶም ብክርስትያናት ወለዲ ዝዓበዩ መንእሰያት: ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዮም ዝረኽቡ! ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጽቡቕ ነገር ብምዝራእ ሚእቲ ግዜ ሰላምን ዕግበትን ምዕጻድ ዝሓሸ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ገላትያ 6:7, 8
ፓይነር ኣብ ዝነበርክሉ እዋን: ሓድሓደ ግዜ በቲ ኣብ መንደቑ ንመንግስቲ ኣልቦ ስርዓት ዝድግፍ ጭርሖ ዝጸሓፍናሉ ሃይማኖታዊ መደበር መጻሕፍቲ እሓልፍ ነበርኩ። ኣብ ውሽጢ ኣትየ እውን ነቲ ዋና እቲ መደበር ብዛዕባ እቲ ህያው ኣምላኽን ዕላማታቱን ነጊረዮ ኢየ። እወ: ኣምላኽ ህያው ኢዩ! ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንደቁ ፈጺሙ ዘይጥንጥኖም እሙን ኣቦ ኢዩ። (ራእይ 15:4) ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝዀኑ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ነቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብምግልጋልን ብምውዳስን ነታ ሕጂ ዘላ መንፈሳዊት ገነት—ከምኡውን ነታ እትምለስ ገነት—ዝረኽብዋ ይግበሮም!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]
በቲ ዘገርም ፍጥረት ተደሪኸ: ብኣምላኽ ክኣምን ብልበይ ወሰንኩ። (የማን ) ሎሚ ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት