ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/4 ገጽ 3
  • ዕድመና ክሳዕ ክንደይ ክበጽሕ ይኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕድመና ክሳዕ ክንደይ ክበጽሕ ይኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብሓቂዶ ነዊሕ ዕድመ ገይሮም እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ክንነብር ኢና ተፈጢርና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ኣረጋውያን ንመንእሰያት በረኸት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/4 ገጽ 3

ዕድመና ክሳዕ ክንደይ ክበጽሕ ይኽእል፧

ብሓፈሽኡ ዕድመ ሰባት እናነውሐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: እዚ ኸኣ ብዙሓት ‘ዕድሜና ክሳዕ ክንደይ ክበጽሕ ይኽእል፧ ’ ኢሎም ከም ዝሓቱ ይገብሮም።

ብመሰረት እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፐዲያ ብሪታኒካ (1995) ዝብሎ: ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ፒየር ዡበርት እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዝገበረ ሰብ ተባሂሉ ኢዩ ዝእመን ነይሩ። ንሱ ብ1814 ወዲ 113 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ። ሓቂ ኢዩ ነዊሕ ዕድመ ኣለዎም ዝበሃሉ ካልኦት ሰባት እውን ነይሮም ኢዮም: እንተዀነ ግን ነዚ ከረጋግጽ ዝኽእል ሰነድ የለን። ብግቡእ እተዓቀበ ሰነድ ግን ብዙሓት ሰባት ካብ ዕድመ ናይ ፒየር ዡበርት ንላዕሊ ከም ዝጸንሑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።

ዣን ሉዊስ ካልሞ ኣብ ኣኽል: ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ ብ21 ለካቲት 1875 ኢያ ተወሊዳ። ድሕሪ 122 ዓመታት ብ4 ነሓሰ 1997 ክትመውት ከላ ዓለም ኣዛሪባ ኢያ። እቲ ሺገጅዮ ኢዙሚ ዝበሃል ወዲ ጃፓን ኣብ መበል 120 ዓመት ዕድሚኡ ብ1986 ሞተ። ዘ ጒኔስ ቡክ ኦቭ ረከርድስ 1999 ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ንሓንቲ 118 ዓመት ዝዕድሚኣ ሳራ ናውስ ኣብቲ እተጻሕፈሉ ግዜ ካብ ኵሉ ዝዓበየት ከም ዝዀነት ገይሩ ሰሪዕዋ ኣሎ። ንሳ ብ24 መስከረም 1880 ኣብ ፐንሲልቫንያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተወልደት። እታ ጓል ኩበክ: ካናዳ: ማኺ-ሉዊስ ፊብኾኒ መየር ብ1998 ኣብ መበል 118 ዓመት ዕድሚኣ ክትመውት ከላ ካብ ሳራ ብ26 መዓልትታት ትዓቢ ነበረት።

ብሓቂ ክርአ ኸሎ ቍጽሪ ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘለዉ ሰባት ኣጸቢቑ ይውስኽ ኣሎ። ቍጽሪ ናይቶም ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝነብሩ ሰባት ኣብ መጀመርታ መፋርቕ ናይቲ ዝቕጽል ክፍለ-ዘበን ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ክብ ክብል ኢዩ። ብተመሳሳሊ ቍጽሪ ናይቶም 80 ዓመትን ልዕሊኡን ዝነብሩ ሰባት ካብቲ ብ1970 ዝነበረ 26.7 ሚልዮን ኣብ 1998 ናብ 66 ሚልዮን ክብ ኢሉ ኢዩ። ምስቲ 60 ሚእታዊት ጥራይ ወሰኽ ዘርኣየ ቍጽሪ ህዝቢ ዓለም ኣወዳዲርካ: እዚ ዕቤት እዚ 147 ሚእታዊት ዝኣክል ወሰኽ ኢዩ።

እቲ ዘገርም ድማ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ምህላዎም ጥራይ ኣይኰነን። ብዙሓት ነቲ መብዛሕትኦም ደቂ 20 ዓመት ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት እውን ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ኣብ 1990 እቲ ወዲ 82 ዓመት ጆን ኬሊ ናይ 42.195 ኪሎ ሜተር ጕያ ማራቶን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰዓትን ሓሙሽተ ደቒቕን ወድአ። ኣብ 1991 እታ ጓል 84 ዓመት ዝዀነት ማቪስ ሊንድግረን ነዚ ርሕቀት እዚ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ሰዓትን ትሽዓተ ደቒቕን ወድኣቶ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ሓደ ወዲ 91 ዓመት ሰብኣይ ነቲ ናይ ኒው ዮርክ ሲቲ ማራቶን ወድአ።

እዚ ግን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ ኣረጋውያን ዘገርም ተግባር ኣይገበሩን ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ ኣብርሃም: ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ ኣጋይሹ ‘ኪቕበል ጐየየ።’ ወዲ 85 ዓመት ምስ ኰነ ካሌብ “ሎሚ ኸኣ ሓይለይ ከምኡ [ከምቲ ቅድሚ 45 ዓመታት ዝነበሮ] አሎ: ንውግእ ኰነ: ንምውጻእ ኰነ: ንምእታው ኰነ: ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ: ሕጂ ሓይለይ ከምኡ አሎ” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዛዕባ ሙሴ ወዲ 120 ዓመት ምስ ኰነ “ኣዒንቱ ኣይሐመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን” ይብል።​—⁠ዘፍጥረት 18:⁠2፣ እያሱ 14:⁠10, 11፣ ዘዳግም 34:⁠7

የሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳምን ነቲ መርከብ ዝሰርሐ ኖህን ብሓቂ ዝነብሩ ዝነበሩ ምዃኖም ይዛረበሎም። (ማቴዎስ 19:⁠4-6፣ 24:⁠37-39) መጽሓፍ ዘፍጥረት: ኣዳም 930 ኖህ ኸኣ 950 ዓመት ከም ዝነበሩ ይዛረብ። (ዘፍጥረት 5:⁠5፣ 9:⁠29) ብሓቂ ሰባት ክሳዕ ክንድኡ ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ነይሮም ድዮም፧ ንሕናኸ ካብኡ ዝነውሕ ምናልባትውን ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ዲና፧ በጃኻ ነቲ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ዘሎ መርትዖ መርምሮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ