ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/4 ገጽ 15-17
  • ኣመስጋኒዶ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣመስጋኒዶ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኣመስጋኒ ኢዩ
  • የሱስ​—⁠እቲ ናይ ሓቂ መማሰዊ
  • ሰይጣን ዘንጸባርቖ ናይ ምንቃፍ መንፈስ
  • ንኣምላኽን ንክርስቶስን ምሰሎም
  • “መማሰውቲ ኹኑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • የሆዋ መማሰዊ ኣምላኽ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “መማሰውቲ ኹኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/4 ገጽ 15-17

ኣመስጋኒዶ ኢኻ፧

ኣብ ሓደ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ናይ ሚስዮናውያን መንበሪ: ቴዲ ዝበሃል ከልቢ ነበረ። ንእሽቶ ስጋ ምስ ደርበይሉ ከየስተማቐረን ከይሓየኸን ብኡንብኡ ወሓጣ። ብሰንኪ እቲ ትሮፒካዊ ጸሓይ እናላህልሀ ኸኣ ካልእ ንእሽቶ ስጋ ክድርበየሉ ተጸበየ። እቲ ስጋ ምስ ተወድአ ግን ተጠውዩ መገዱ ኸደ።

ቴዲ ስለ እቲ እተዋህቦ ዋላ ሓንቲ ኣየመስገነን። ከመስግን እተጸበዮ ሰብ እውን ኣየነበረን። ከመይሲ ቴዲ ከልቢ ድኣ እምበር ሰብ ኣይኰነን።

ካብ እንስሳታት ንላዕሊ ካብ ብጾትና ሰባት ኢና ምስጋና እንጽበ። ብዙሕ ግዜ ግን ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ኢዩ ዘጋጥመና። ብዙሓት ሰባት ንዝረኸብዎ ኣጋጣሚ መንዚዖም ይጥቀምሉ: ካልእ ክውስኹ ኸኣ ይደልዩ። እዚውን ዘገርም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ሰባት ዘይመስግኑ ከም ዝዀኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1, 2

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን እተፈልየ መንፈስ ኢዩ ዘለዎም። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾት “መማሰውቲ ኹኑ” ኢሉ ዝማዓዶም የቕልብሉ ኢዮም።​—⁠ቈሎሴ 3:⁠15

የሆዋ ኣመስጋኒ ኢዩ

ብምምስጋን ዝመጸ የሆዋ ኣምላኽ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኢዩ። ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝርእዮም እሞ ሕስብ ኣብሎ። ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ንእብራውያን ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”​—⁠እብራውያን 6:⁠10

የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ከም ዘመስግኖም ዘርኢ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ዘርኢ ኣብርሃም “ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን” ምእንቲ ክዀኑ: ቃል ብቓሉ ንዘርኡ ብምብዛሕ ንኣብርሃም ባሪኽዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠17) የሆዋ ነቲ እዮብ ኣብ ግዜ ፈተና ዘርኣዮ ተኣማንነት ዘለዎ ሞሳ ንምግላጽ ንእዮብ ነቲ ዝነበሮ ብዙሕ ሃብቲ መሊስሉ ጥራይ ዘይኰነስ “ዕጽፊ” ገይሩ ኢዩ ሂብዎ። (እዮብ 42:⁠10) እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ምስ ደቅሰብ ዝገበሮ ርክብ ንሓቅነት ናይዚ ስዒቡ ዘሎ ሓሳባት ዘረጋግጽ ኢዩ:- “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 16:⁠9

ነቶም ፍቓዱ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ምምሳውን ዓስቢ ምሃብን ልዕሊ ዅሉ ጐሊሑ ዝርአ ባህርይ ኣምላኽ ኢዩ። ነዚ ኣፍልጦ ምሃብ ከኣ ሕመረት እምነት ክርስትና ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን ኢዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ዝደሊ ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ኸም ዝህቦም ክኣምን ይግብኦ ኢዩ።’​—⁠እብራውያን 11:⁠6

የሆዋ ተሪር ናይ ምዃንን ምንቃፍን መንፈስ እንተ ዘርኢ ነይሩ ኵላትና ኵኑናት ምዀንና ነይርና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዊሕ ይገብር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ነበረ። (መዝሙር 130:⁠3) የሆዋ ዘየማሱ ወይ እውን ነቓፊ ኣይኰነን። ነቶም ዘገልግልዎ ይሕብሕቦም ኢዩ። መማሰዊ ኢዩ።

የሱስ​—⁠እቲ ናይ ሓቂ መማሰዊ

የሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ ሰማያዊ ኣብኡ ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ብምንጽብራቕ: ነቲ ካልኦት ብእምነት ዝገበርዎ ነገራት ኣመስጋኒ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም እተፈጸመ ነገር እሞ ኣስተብህለሉ:- “ቍሊሕ ኢሉ: [የሱስ] ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረአየ እሞ፤ ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ: እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት: በለ።”​—⁠ሉቃስ 21:⁠1-4

ብገንዘብ ክርአ ኸሎ: ብሕልፊ ኸኣ ምስቲ ናይቶም ሃብታማት ሰባት ክወዳደር ከሎ: እቲ ዝወፈየቶ ገንዘብ ሒደት ኢዩ ነይሩ። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣየስተውዓሉላን። የሱስ ግን ነታ መበለት ርእይዋ ኢዩ። ንዅነታታ ኣስተውዓለሉ። የሱስ ረኣያ እሞ ኣማሰወ።

የሱስ ኣመስጋኒ ምዃኑ ዘርኣየሉ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ነታ ሃብታም ዝነበረት ማርያም ዝምልከት ኢዩ። የሱስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ: ኣብ እግሩን ርእሱን ክቡር ዝዋግኡ ቕዱይ ቅብኢ ኣፍሰሰት። ገለ ሰባት እቲ ዘይቲ ተሸይጡ ንድኻታት ሓገዝ ምዀነ ነይሩ ኢሎም ነቐፍዋ። የሱስ እንታይ ኢሉ መለሰ፧ ከምዚ በለ:- “ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋ: ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም: እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”​—⁠ማርቆስ 14:⁠3-6, 9፣ ዮሃንስ 12:⁠3

የሱስ ንምንታይ እቲ ቕዱይ ቅብኢ ንኻልእ ነገር ዘይወዓለ ኢሉ ኣይጐሃየን። ነቲ ማርያም ብልግሲ ዝገበረቶ መግለጺ ፍቕራን እምነታን ሞሳ ሂቡሉ ኢዩ። እዚ ኸኣ ከም መዘከርታ እቲ ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ጸብጻባት እዝን ካልእን የሱስ ብሓቂ መማሰዊ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ።

ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምስፋሕ እትገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣዕሚቖም ከም ዘማስውሉ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ምፍላጥና ናብኦም ከም እንቐርብ ይገብረና: ኣመስገንቲ ብምዃን ኣብነቶም ክንቀድሕ ከኣ ይድርኸና።

ሰይጣን ዘንጸባርቖ ናይ ምንቃፍ መንፈስ

ኣብነት ናይ ሓደ ዘይመማሰዊ ኣካል​—⁠ሰይጣን ድያብሎስ⁠—​ንርአ። ሰይጣን ሞሳ ዘየርኢ ብምዃኑ መራሒ ናይቲ ኣንጻር ኣምላኽ እተገብረ ሓደገኛ ዕልዋ ክኸውን ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።

ሰይጣን ኣብ ውሽጡ ሓደገኛ ዝዀነ ናይ ዘይምዕጋብ መንፈስ ከም ዝምዕብል ብምግባሩ: ናብ ካልኦት ከመሓላልፎ ጀመረ። ነቲ ኣብ ገነት ኤደን እተፈጸመ ነገር ኣስተብህለሉ። የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብታ ገነታዊ ሃዋሁው ዝነበራ ስፍራ ኣታኽልቲ ምስ ኣንበሮም “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ” በሎም። ሓንቲ ነገር ግን ከልከሎም። ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ።”​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠16, 17

ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ሰይጣን ንሓቅነት የሆዋ ብድሆ ኣቕረበሉ። ብእተወሰነ መጠን ሄዋን ንየሆዋ ዘይተመስግን: ከምቲ ንሱ ዝዓለወ እውን ከይተረፈ ንኽትዓሉ ከለዓዕላ ደለየ። ስለዚ ኸኣ “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። (ዘፍጥረት 3:⁠1) እቲ ኣበሃህላኡ ብንጹር ንሄዋን ዓይና ዝኸፍተላን ከም ኣምላኽ ዝገብራን ክቡር ነገር ኣምላኽ ከም ዝሓብኣላ ዝእምት ኢዩ ነይሩ። ሄዋን በቲ የሆዋ ዝሃባ ብዙሕ በረኸታት ኣብ ክንዲ እተመስግን: ነቲ እተኸልከለ ነገር ንምርካብ ክቱር ባህጊ ኣሕደረት።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠5, 6

እቲ ዝሰዓበ ሓደገኛ ውጽኢት ከኣ ኵሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ሽሕኳ “ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ” ብምባል ሄዋን ተባሂላ እንተ ተሰምየት: ብኻልእ መገዲ ግን ኣደ ዅሉ መዋቲ ሰብ ኢያ ኰይና። ዅሎም ደቅሰብ ካብ ኣዳም ሞት ዘስዕብ ሓጢኣት ወረሱ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠20፣ ሮሜ 5:⁠12

ንኣምላኽን ንክርስቶስን ምሰሎም

ነቲ ኣብ መንጎ ሰይጣንን የሱስን ዘሎ ፍልልይ እሞ ርኣዮ። ሰይጣን “እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና” ተባሂሉ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (ራእይ 12:⁠10) የሱስ ግን “ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ: ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ: ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።”​—⁠እብራውያን 7:⁠25

ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ይኸሶም: የሱስ ግን ሞሳኡ ይገልጸሎም: ምእንትኦም ድማ ይልምን። ክርስትያናት ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን: ኣብ ንሓድሕዶም ሰናይ ነገራት ክረኽቡ ክጽዕሩ: ንሓድሕዶም ክመሳገኑን ክከባበሩን ኣለዎም። ከምዚ ክገብሩ ኸለዉ ነቲ ሞሳ ብምግላጽ ዝመጸ ዝበለጸ ኣብነት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ምስጋና ይገልጹ።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:⁠1

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቲ ማርያም ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ ሞሳ ሂብሉ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ