ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/5 ገጽ 10-15
  • የሆዋ መገዱ ስለ ዝሕብረና ዘሐጕስ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ መገዱ ስለ ዝሕብረና ዘሐጕስ ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ነቲ መገዲ ይሕብር
  • ገሊኦም ብመገዲ የሆዋ ተመላለሱ
  • ገሊኣቶም መገዲ የሆዋ ዝጠንጠኑሉ ምኽንያት
  • እቲ ናይ ኣሃዝ ሕማቕ ኣብነት
  • እቶም ምስ ኤርምያስ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ
  • የሆዋ ነቶም ብመገድታቱ ዝመላለሱ ይባርኾም
  • መሰኻኽር ኣንጻር ሓሰውቲ ኣማልኽቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ‘ኣብ የሆዋ ጠበቐ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ቀጽል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/5 ገጽ 10-15

የሆዋ መገዱ ስለ ዝሕብረና ዘሐጕስ ኢዩ

“ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ: ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ።”—⁠2 ሳሙኤል 22:⁠31

1, 2. (ሀ) ሓደ ካብቲ ንዅሎም ሰባት ዘድልዮም መሰረታዊ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ መን ኣብነት ምስ እንስዕብ ኢና ሰናይ እንገብር፧

ሓደ ኻብቲ ንዅሎም ሰባት ዘድልዮም መሰረታዊ ነገር መምርሒ ኢዩ። ብርግጽ ኣብ ምሉእ ህይወትና ዝመርሓና ሓገዝ የድልየና ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: የሆዋ እተወሰነ ደረጃ ዘለዎ ምስትውዓልን ንቕኑዕ ካብ ጌጋ ንምፍላይ ዝሕግዝ ሕልናን ሂቡና ኢዩ። ሕልናና ግን ትውክልቲ ዝግበሮ መራሒ ንኽኸውን ምልምማድ የድልዮ ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠14) ጽቡቕ ውሳነ ንኽንገብር ኣእምሮና ቅኑዕ ሓበሬታን ነዚ ሓበሬታ እዚ ንምርዳእ ዝሕግዝ ምልምማድን የድልዮ ኢዩ። (ምሳሌ 2:⁠1-5) ሽዑ እውን እንተዀነ: ኣብ ህይወት ርግጽ ነገር ብዘይምህላዉ ውሳነታትና ከምቲ ዝደለናዮ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 9:⁠11) መጻኢ እንታይ ሒዙልና ከም ዘሎ ብገዛእ ርእስና ክንፈልጠሉ እንኽእል ርግጽ ዝዀነ መገዲ ፈጺሙ የለን።

2 በዝን ብኻልእ ምኽንያታትን ነብዪ ኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኼቕንዕ ዓቕሚ ከም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” (ኤርምያስ 10:⁠23) ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ: የሱስ ክርስቶስ: መሪሕነት ተቐቢሉ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።” (ዮሃንስ 5:⁠19) እምብኣርከስ ንየሱስ ምምሳልን ኣካይዳና ንኸቕንዓልና ካብ የሆዋ ትጽቢት ምግባርን ኣየ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኰን ኢዩ! ንጉስ ዳዊት ከምዚ ብምባል ዘመረ:- “ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ: ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ። ንሱ ተስፋ ንዚገብርዎ ዅሎም ዋልታኦም እዩ።” (2 ሳሙኤል 22:⁠31) ናይ ገዛእ ርእስና ጥበብ ምስዓብ ገዲፍና ብመገዲ የሆዋ ክንመላለስ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ፍጹም ዝዀነ መምርሒ ክንረክብ ኢና። መገድታት የሆዋ ምንጻግ ናብ መዓት ኢዩ ዝመርሕ።

የሆዋ ነቲ መገዲ ይሕብር

3. የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ብኸመይ መርሖም: ከመይ ዝበለ ተስፋታትከ ሃቦም፧

3 ናይ ኣዳምን ሄዋንን ኵነታት ኣስተብህለሉ። ሓጥኣን እኳ እንተ ዘይነበሩ መሪሕነት ግን ኣድልይዎም ኢዩ። የሆዋ ንኣዳም ኣብታ ምልክዕቲ ገነት ኤደን ኵሉ ነገር ባዕሉ ክምድቦ ኣይሓደጎን። ኣብ ክንድኡስ ዝዕየ ዕዮ ሃቦ። ብመጀመርታ ኣዳም ነቶም እንስሳታት ስም ከውጽኣሎም ነበሮ። ብድሕርዚ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶ ኣውጽኣሎም። ንምድሪ ክመልክዋ: ብዘርኦም ክመልእዋ: ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እንስሳታት ከኣ ክከናኸንዎም ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:⁠28) እዚ ዓቢ ዕማም ኢዩ ነይሩ: ኣብ መወዳእታ ግን ምስ እንስሳታት ብስኒት ዝነብሩ ፍጹማት ዓሌት ሰብ ዝመልአት ዓለምለኻዊት ገነት ዘምጽእ ኢዩ ነይሩ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መጻኢ ኰን ኢዩ! ብተወሳኺ ኣዳምን ሄዋንን ብተኣማንነት ብመገድታት የሆዋ ክመላለሱ ኸለዉ ምስ የሆዋ ይራኸቡ ነይሮም ኢዮም። (ምስ ዘፍጥረት 3:⁠8 ኣረኣእዮ።) ምስ ፈጣሪ ብቐጻሊ ብሕታዊ ርክብ ክህልወካስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘገርም መሰል ኰን ኢዩ!

4. ኣዳምን ሄዋንን ትውክልትን ተኣማንነትን ከም ዝጐደሎም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም: እንታይ ኣዕናዊ ውጽኢትከ ኣስዓበ፧

4 የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ካብታ ኣብ ኤደን ዝነበረት ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ከይበልዑ ከልከሎም: እዚ ኸኣ ብቐጥታ ተኣዛዝነቶም​—⁠ብመገዲ የሆዋ ናይ ምምልላስ ባህጐም​—⁠ከርእይሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ሃቦም። (ዘፍጥረት 2:⁠17) ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን እዚ ተኣዛዝነት እዚ ተፈተነ። ሰይጣን ነቲ መስሓቲ ቃላቱ ሒዙ ምስ መጸ: ኣዳምን ሄዋንን እዙዛት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ንየሆዋ እሙናት ብምዃን ኣብ መብጽዓታቱ ትውክልቲ ምግባር የድልዮም ነበረ። ዘሕዝን ግን ተኣማንነትን ትውክልትን ኣየርኣዩን። ሰይጣን ንሄዋን ሓራ ክትከውን ከም እትኽእል ሓሳብ ምስ ኣቕረበላን ንየሆዋ ኸኣ ሓሳዊ ከም ዝዀነ ገይሩ ምስ ከሰሶን: ሄዋን ተታለለት እሞ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዘቶን። ኣዳም እውን ኣብቲ ሓጢኣታ ሰዓባ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠14) እቲ ዝወረዶም ክሳራ ዓቢ ኢዩ ነይሩ። ብመገዲ የሆዋ ብምምልላስ: ፍቓዱ እናፈጸሙ ብዝኸዱ መጠን መመሊሱ ዝውስኽ ሓጐስ መምጽኣሎም ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ መወዳእታ ክሳዕ ዝሞቱ ህይወቶም ብጓህን ቃንዛን ዝመልአ ነበረ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠16-19፣ 5:⁠1-5

5. እቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማ የሆዋ እንታይ ኢዩ: እሙናት ሰባት መፈጸምታ ናይዚ ንኽርእዩ ዝሕግዞምከ ብኸመይ ኢዩ፧

5 እንተዀነ ግን: የሆዋ እቲ ሓደ ግዜ ምድሪ ሓጢኣት ዘይብሎም ፍጹማት ሰባት ዝነብሩላ ገነት ክትከውን ዝነበሮ ዕላማ ኣይለወጦን። (መዝሙር 37:⁠11, 29) ነቶም ብመገዱ ዝመላለሱን ፍጻሜ ናይቲ መብጽዓ ክርእዩ ድማ ተስፋ ዝገብሩን ሰባት ዝኸውን ፍጹም መምርሒ ካብ ምሃብ ፈጺሙ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን። ነቶም ሰማዒት እዝኒ ዘላትና ኸኣ “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ዝብል ድምጺ የሆዋ ብድሕሬና ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠21

ገሊኦም ብመገዲ የሆዋ ተመላለሱ

6. ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋናት ዝነበሩ ብመገዲ የሆዋ እተመላለሱ ክልተ ሰብኡት መነመን ኢዮም: እንታይ ፍረኸ ረኸቡ፧

6 ብመሰረት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ውሑዳት ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ጥራይ ኢዮም ብመገዲ የሆዋ ተመላሊሶም። ካብ እዚኣቶም ኣቤል እቲ ናይ መጀመርታ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሰዊት ዕድሚኡ እኳ እንተ ሞተ ስምረት የሆዋ ረኺቡ ኢዩ ሞይቱ: ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ምስቶም ‘ጻድቃን ክትንስእ’ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) ኣብ መወዳእትኡ እቲ የሆዋ ንምድርን ንደቅሰብን ዝነበሮ ዓቢ ዕላማ ክፍጸም ከሎ ክርኢ ኢዩ። (እብራውያን 11:⁠4) ካልእ ብመገዲ የሆዋ እተመላለሰ ኸኣ እቲ ብዛዕባ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እተነበዮ ትንቢት ኣብ መጽሓፍ ይሁዳ ዝርከብ ሄኖክ ኢዩ። (ይሁዳ 14, 15) ሄኖክ እውን ዕምሩ ሓጺር ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 5:⁠21-24) ይኹን እምበር “ንኣምላኽ ከም ዘስመረ ተመስኪሩሉ ነበረ።” (እብራውያን 11:⁠5) ምስ ሞተ ንሱ እውን ከም ኣቤል ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ትንሳኤ ነበሮ: ካብቶም ዕላማ የሆዋ ክፍጸም ከሎ ዝርእዩ ሰባት ከኣ ክኸውን ኢዩ።

7. ኖህን ስድራቤቱን ናብ የሆዋ ዘለዎም ተኣማንነትን ትውልክትን ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

7 እታ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም ናብ እከይ እናጠሓለት ምስ ከደት: ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ናይ ተኣማንነት ፈተና እናዀነ ኸደ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይታ ዓለም እቲኣ ብመገዲ የሆዋ ዝመላለሱ ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም ተረኺቦም። ኖህን ስድራቤቱን ንኣምላኽ ሰምዕዎ ኣብቲ ዝበሎ ኸኣ ትውክልቲ ገበሩ። ብተኣማንነት ነቲ የሆዋ ክገብርዎ ኣብ ቅድሚኦም ኣንቢሩሎም ዝነበረ ዕማም ፈጸሙ: በቲ ረሲእ ተግባራት ናይታ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረት ዓለም ክፍንጠሩ ድማ ኣይፈቐዱን። (ዘፍጥረት 6:⁠5-7, 13-16፣ እብራውያን 11:⁠7፣ 2 ጴጥሮስ 2:⁠5) ተኣማንነትን ትውክልትን ዝነበሮ ተኣዛዝነት ብምርኣዮም ከነመስግን ንኽእል ኢና። ከምኡ ስለ ዝገበሩ ኸኣ ኢዮም ካብ ማይ ኣይሂ ድሒኖም ንዓና ክፈርዩ ዝኸኣሉ።​—⁠ዘፍጥረት 6:⁠22፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠20

8. ንህዝቢ እስራኤል ብመገዲ ኣምላኽ ምምልላስ እንታይ ዘጣመረ ኢዩ ነይሩ፧

8 ድሕሪ ገለ ግዜ የሆዋ ምስቶም ዘርኢ እቲ እሙን ያእቆብ ኪዳን ኣተወ: ንሳቶም ከኣ ፍሉያት ህዝቡ ዀኑ። (ዘጸኣት 19:⁠5, 6) የሆዋ ነቶም ምስኡ ኪዳን ዝኣተዉ ህዝቡ በቲ እተጻሕፈ ሕጊ: ብኽህነት: ከምኡውን በቲ ቀጻሊ ትንቢታዊ ሓበሬታታት ኣቢሉ ኢዩ መምርሒ ሂብዎም። ነዚ መምርሒ እዚ ምስዓብ ግን ናይ እስራኤላውያን ግደ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ብነቢኡ ኣቢሉ ከምዚ በሎም:- “እንሆ: ሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኤንብር አሎኹ፤ እቲ ምርቓ: እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩም እዩ። እቲ መርገም ድማ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰማዕኩም: ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ መገዲ እንተ ዘበልኩም: ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዐብኩም እዩ።”​—⁠ዘዳግም 11:⁠26-28

ገሊኣቶም መገዲ የሆዋ ዝጠንጠኑሉ ምኽንያት

9, 10. እስራኤላውያን ኣብ የሆዋ ክውከሉን ኣብኡ ዘለዎም ተኣማንነት ከደልድሉን ዝግብኦም ዝነበረ እንታይ ኵነታት ብምንባሩ ኢዩ፧

9 ልክዕ ከም ኣዳምን ሄዋንን: እስራኤላውያን እውን እዙዛት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባርን ንዕኡ እሙናት ምዃንን የድልዮም ነበረ። እስራኤል ብነግራማት ጐረባብቲ እተኸበት ንእሽቶ ሃገር ኢያ ነይራ። ብደቡባዊ ምዕራብ ግብጽን ኢትዮጵያን፣ ብሰሜናዊ ምብራቕ ድማ ሶርያን ኣሶርን ነበራ። ኣብ ቀረብኣ ኸኣ ፍልስጥኤም: ዓሞን: ሞኣብ: ከምኡውን ኤዶም ነበራ። ኵለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ እተፈላለየ ግዜ ጸላእቲ እስራኤል ኢየን ነይረን። ብተወሳኺ እውን: ኵለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣምልኾ ጣኦት: ቈጸራ ከዋኽብቲ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ርኡይ ዝዀነ ናይ ጾታዊ ተግባራት ጽምብልን እቲ ጭካነ ዝመልኦ ቘልዑ ምስዋእን ዝረኣየሉ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢየን ዘዘውትራ ነይረን። እቶም ጐረባብቲ እስራኤል ብዙሓት ውሉዳት: ፍርያም ቀውዒ: ኣብ ውግእ ድማ ዓወት ንኽህብዎም ንኣማልኽቶም ይልምኑ ነበሩ።

10 ነቲ ሓደ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እተምልኽ ዝነበረት እስራኤል ጥራይ ኢያ ነይራ። ኣምላኽ ንሕግታቱ እንተድኣ ተኣዚዞም ብዙሓት ውሉዳት: ፍርያም ቀውዒ: ከምኡውን ካብ ጸላእቶም ድሕንነት ብምሃብ ከም ዝባርኾም ተመባጺዑሎም ኢዩ። (ዘዳግም 28:⁠1-14) እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት እስራኤላውያን ነዚ ክገብርዎ ኣይከኣሉን። ብዙሓት ካብቶም ብመገዲ የሆዋ እተመላለሱ ኸኣ ብምኽንያት ተኣማንነቶም መከራ ኣሕለፉ። አረ ገሊኦምሲ ብብጾቶም እስራኤላውያን ተሳቕዮም: መላገጺ ዀይኖም: ተገሪፎም: ተኣሲሮም: ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጦምን ተቐቲሎምን ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠51, 52፣ እብራውያን 11:⁠35-38) እዝስ ነቶም እሙናት ከመይ ዝበለ ከቢድ ፈተና ኰን ኢዩ ነይሩ! እንተዀነ ግን ብዙሓት ሰባት ካብ መገዲ የሆዋ ዘልገሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኣብ ታሪኽ እስራኤል እተራእየ ክልተ ኣብነት ነቲ ጌጋ ኣተሓሳስብኦም ንኽንርድኦ ክሕግዘና ኢዩ።

እቲ ናይ ኣሃዝ ሕማቕ ኣብነት

11, 12. (ሀ) ሶርያውያን ምስ ኣፈራርሕዎ: ኣሃዝ እንታይ ምግባር ኢዩ ዝኣበየ፧ (ለ) ኣሃዝ ካብ ኣየኖት ክልተ ምንጭታት ኢዩ ድሕንነት ተጸብዩ፧

11 ኣሃዝ ኣብ ሻምናይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳ ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ ኢዩ። ግዝኣቱ ሰላም ኣይነበሮን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሶርያን ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤልን ኣንጻሩ ክዋግኡ መጹ እሞ “ልቡን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ።” (ኢሳይያስ 7:⁠1, 2) ይኹን እምበር: የሆዋ ደገፉ ብምሃብ ክፍትኖ ንኣሃዝ ምስ ዓደሞ: ኣሃዝ ፍቓደኛ ኣይኰነን! (ኢሳይያስ 7:⁠10-12) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ይሁዳ ኣብቲ ውግእ ተሳዕረት ከቢድ ጕድኣት ከኣ ወረዳ።​—⁠2 ዜና መዋእል 28:⁠1-8

12 ኣሃዝ ንየሆዋ ክፍትኖ እኳ እንተ ኣበየ: ካብ ንጉስ ኣሶር ሓገዝ ካብ ምሕታት ግን ድሕር ኣይበለን። ምስናይዚ ግን: ይሁዳ ኣብ ኢድ ጸላእታ ምስቓይ ቀጸለት። ኣሶር እውን ኣንጻር ኣሃዝ ብምዃን ምስ “ኣጽበበሉ” እቲ ንጉስ ‘እቶም ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንእኦም ዝሕግዝዎም ስለ ዝዀኑ: ኣነ ኸኣ: ምእንቲ ኽሕግዙኒ: ክስውኣሎም ኢየ: ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ሰውኣሎም።’​—⁠2 ዜና መዋእል 28:⁠20, 23

13. ኣሃዝ ካብ ኣማልኽቲ ሶርያ ትጽቢት ምግባሩ እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧

13 ጸኒሑ ድማ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ ይብሎም:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።” (ኢሳይያስ 48:⁠17, 18) ኣሃዝ ናብ ኣማልኽቲ ሶርያ ብምምላሱ ‘ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መገዲ’ ኣዝዩ ርሒቑ ከም ዝነበረ ኢዩ ኣርእዩ። ፈጺሙ ብኣተሓሳስባ ኣህዛብ ስሒቱ: ኣብ የሆዋ ዘይኰነስ ኣብቲ ናይ ሓሶት ምንጪ ድሕንነቶም ኣድሃበ።

14. ኣሃዝ ናብ ሓሰውቲ ኣማልኽቲ ንኽምለስ መመኽነይታ ዘይነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ነቶም ናይ ሶርያ እውን ሓዊስካ ናይ ኣህዛብ ኣማልኽቲ “ጣኦታት” ምዃኖም ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ተፈሊጡ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:⁠8) ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ እዋን ግዝኣት ንጉስ ዳዊት: ሶርያውያን ኣገልገልቲ ዳዊት ምስ ኰኑ የሆዋ ካብ ኣማልኽቲ ሶርያ ከም ዝበልጽ ብግልጺ ተራእዩ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 18:⁠5, 6) እቲ ናይ ሓቂ ድሕንነት ክህብ ዝኽእል እቲ “ኣምላኽ ኣማልኽቲ: ጐይታ ጐይተት: እቲ ዓብዪ: እቲ ሓያል: እቲ ዜፍርህ” የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (ዘዳግም 10:⁠17) ኣሃዝ ግን ድሕንነት ንምርካብ ንየሆዋ ዝባኑ ሂቡ ካብ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ትጽቢት ገበረ። እቲ ውጽኢት ከኣ ንይሁዳ ጥፍኣት ኰነ።​—⁠2 ዜና መዋእል 28:⁠24, 25

እቶም ምስ ኤርምያስ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ

15. እቶም ኣብ ግዜ ኤርምያስ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ በየናይ መገዲ ኢዮም ዝሓጥኡ፧

15 የሆዋ ብሰንኪ እቲ ህዝቡ ዘርኣይዎ ሕሉፍ ዘይተኣማንነት ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌምን ንቤት መቕደሳን ክድምስስዋ ኣፍቀደ። መብዛሕትኦም ናብ ባቢሎን ተማረኹ። ሒደት ግን ተሪፎም ነበሩ: ካብኣቶም ከኣ ነብዪ ኤርምያስ ኢዩ። እቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ገዳልያ ምስ ተቐትለ: እዚ ኣብ ድሕሪት ተሪፉ ዝነበረ ጕጅለ ናብ ግብጺ ሃደመ ንኤርምያስ ከኣ ምስኦም ተማልእዎ። (2 ነገስት 25:⁠22-26፣ ኤርምያስ 43:⁠5-7) ኣብኡ ድማ ንሓሶት ኣማልኽቲ ክስውኡ ጀመሩ። ኤርምያስ ከኣ ነቶም ዘይእሙናት ኣይሁድ ንኸረድኦም ልባዊ ጻዕሪ ገበረ: ንሳቶም ግን ተረርቲ ኢዮም ነይሮም። ናብ የሆዋ ምምላስ ኣበዩ: ኣብ ክንድኡ “ንንግስቲ ሰማይ” ዝሓርር መስዋእቲ ምግባር ቀጸሉ። ከምኡ ዝገበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ‘ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ከምኡ ክገብሩ ከለዉ እንጌራ ይጸግቡ: ብደሓን ይነብሩ: መዓትውን ኣይርእዩን’ ስለ ዝነበሩ ኢዩ። (ኤርምያስ 44:⁠16, 17) እቶም ኣይሁድ “ግናኸ ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ ንእኣ ምኽዓውን ምስ ሐደግና: ኵሉ ነገር ጨነቐና: ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና” ብምባል ተኸራኸሩ።​—⁠ኤርምያስ 44:⁠18

16. ኣተሓሳስባ ናይቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ ፈጺሙ ጌጋ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

16 እዚ ከከምቲ ዝጥዕመካ ምግባር ኢዩ! እቲ ሓቂ ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ብርግጽ እቶም ኣይሁድ ኣብታ የሆዋ ዝሃቦም ሃገር ንሓሶት ኣማልኽቲ ሰዊኦም ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ከምቲ ኣብ እዋን ኣሃዝ ዝዀነ ብምኽንያት ክሕደቶም ተሳቕዮም ኢዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ምስቶም ኪዳን ዝኣተወሎም ህዝቢ “ንዅራ ደንጓዪ” ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 34:⁠6፣ መዝሙር 86:⁠15) ንኽናስሑ ዝደፋፍእዎም ነብያቱ ለኣኸ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ንጉስ እሙን ክኸውን ከሎ: የሆዋ ይባርኾ ነበረ: እቶም ህዝቢ ኸኣ መብዛሕትኦም ዘይእሙናት እኳ እንተ ነበሩ ካብዚ በረኸት እዚ ይጥቀሙ ነበሩ። (2 ዜና መዋእል 20:⁠29-33፣ 27:⁠1-6) እዞም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ እቲ ኣብ ሃገሮም ከለዉ ዝረኸብዎ ብልጽግና ካብቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቶም ዝመጸ ምዃኑ ምዝራቦምሲ ኣየ ክንደይ ግጕያት ኢዮም ነይሮም!

17. ይሁዳ መሬታን ቤት መቕደሳን ዘጥፍአት ስለምንታይ ኢያ፧

17 ቅድሚ 607 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ህዝቡ “ድምጸይ ስምዑ: ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ: ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን: በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዅሉ መገድታት ተመላለሱ” ብምባል ተላበዎም። (ኤርምያስ 7:⁠23) ኣይሁድ ‘በቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ዘበለ ዅሉ መገድታት’ ምምልላስ ብምእባዮም ኢዮም ቤት መቕደሶምን ምድሮምን ዘጥፍኡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ጌጋ ነወግድ።

የሆዋ ነቶም ብመገድታቱ ዝመላለሱ ይባርኾም

18. እቶም ብመገዲ የሆዋ ዝመላለሱ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧

18 ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ሎሚ እውን ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ተኣማንነት​—⁠ንዕኡ ጥራይ ናይ ምግልጋል ቈራጽነት​—⁠ዝሓትት ኢዩ። ብተወሳኺውን ትውክልቲ​—⁠መብጽዓታት የሆዋ ከም ዝፍጸምን ሓቂ ከም ዝዀነን ምሉእ እምነት ምግባር​—⁠ዝሓትት ኢዩ። ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ተኣዛዝነት​—⁠ናብ ካልእ ከየላገስና ንሕግታቱ ምስዓብን ነቲ ክብ ዝበለ መዐቀኒታቱ ምሕላውን​—⁠ዝሓትት ኢዩ። “እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ: ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ።”​—⁠መዝሙር 11:⁠7

19. ሎሚ ብብዙሓት ሰባት ዝምለኹ ኣማልኽቲ ኣየኖት ኢዮም: እንታይ ሳዕቤንከ ኣለዎ፧

19 ኣሃዝ ድሕንነት ንምርካብ ናብ ኣማልኽቲ ሶርያ ኢዩ ተጸጊዑ። እቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንዋታዊ ብልጽግና ንምርካብ ኣብ ‘ንግስቲ ሰማይ’​—⁠ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ ብሰፊሑ ትምለኽ ዝነበረት ኣንስተይቲ ኣምላኽ​—⁠ተስፋ ገበሩ። ሎሚ: ቃል ብቓሉ ጣኦታት ዘይኰኑ ብዙሓት ኣማልኽቲ ኣለዉ። የሱስ ካብ ንየሆዋ ‘ንገንዘብ’ ከይነገልግል ኣጠንቂቑና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠24) ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ስስዔ: ኣምልኾ ጣኦት ኢዩ’ ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:⁠5) ብዛዕባ እቶም “ኣምላኾም ከብዶም” ዝዀነ ሰባት እውን ተዛሪቡ ኣሎ። (ፊልጲ 3:⁠19) እወ: ገንዘብን ንዋታዊ ነገራትን ገለ ካብቶም ሎሚ ዝምለኹ ዘለዉ ቀንዲ ኣማልኽቲ ኢዮም። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ሎሚ ንሓያለይ ሃይማኖታውያን ሰባት እውን ሓዊስካ ብዙሓት ‘በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኢዮም ዝእመኑ።’ (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠17) ብዙሓት ነዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ኣብ ምግልጋል ኣበርቲዖም ኢዮም ዝዓዩ: ገሊኦም ከኣ ኣብ ዝበለጸ ገዛውቲ ብምንባር: ክቡር ነገራት ብምውናን ከምኡውን ኣዝዩ ክቡር መግቢ ብምብላዕ ዓስቢ ይረኽቡ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ብልጽግና ዝረኽቡ ኵሎም ኣይኰኑን። እቶም ዝረኽቡዎ እውን ኣብ መወዳእትኡ እዚ ነገራት እዚ ንበይኑ ዕግበት ከም ዘየምጽእ ይርድኦም ኢዩ። ውሕስነት የብሉን: ግዝያዊ ኢዩ: ንመንፈሳዊ ድሌቶም ዘዕግብ እውን ኣይኰነን።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠3

20. ከመይ ዝበለ ሚዛን ኢና ክንሕሉ ዘሎና፧

20 ሓቂ ኢዩ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ ንነብር ብምህላውና ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና። ንስድራቤትና ዘድሊ ንዋታዊ ነገራት ንምድላው ምኽንያታዊ ስጕምትታት ምውሳድ የድልየና። ይኹን እምበር: ክብ ዝበለ ደረጃ ኣነባብራ: ገንዘብ: ወይ ተመሳሳሊ ነገራት ንምርካብ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ንላዕሊ ኣብልጺና ዋጋ ንህቦ እንተድኣ ዄንና: ናብ ፍሉይ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ኣቲና: ብመገዲ የሆዋ ካብ ምምልላስ ከኣ ኣቋሪጽና ማለት ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠9, 10) ናይ ጥዕና: ገንዘብ: ወይ ካልእ ጸገማት ምስ ዘጋጥመናኸ እንታይ ኢና እንገብር፧ ከምቶም ሽግራቶም ንኣምላኽ ብምግልጋል ከም ዝመጾም ገይሮም ዝወቐሱ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣይንኹን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ኣሃዝ ክገብሮ ዘይከኣለ ንየሆዋ ንፈትኖ። ብተኣማንነት መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋ ንጸጋዕ። ብምሉእ ትውክልቲ ነቲ መምርሒኡ ኣብ ተግባር ነውዕል: ንዅሉ ኵነታት ምእንቲ ክንዋጽኣሉ ኸኣ ሓይልን ጥበብን ንምርካብ ናብ የሆዋ ንጸሊ። ድሕርዚ ብተኣማንነት በረኸት የሆዋ ንጸበ።

21. እቶም ብመገድታት የሆዋ ዝመላለሱ እንታይ በረኸታት ይረኽቡ፧

21 ኣብ ታሪኽ እስራኤል የሆዋ ነቶም ብመገድታቱ ዝመላለሱ ኣብዚሑ ኢዩ ባሪኽዎም። ንጉስ ዳዊት ከምዚ ብምባል ዘመረ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ።” (መዝሙር 5:⁠8) የሆዋ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እተን ድሓር ንኣሃዝ ዘጨነቓኦ ኣብ ጥቕኡ ዝነበራ ሃገራት ወተሃደራዊ ዓወት ሃቦ። ኣብ እዋን ግዝኣት ሰሎሞን እስራኤል ሰላምን ብልጽግናን ብምርካብ ተባረኸት። ነዚ ኸኣ ድሓር እቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ ተመነይዎ። የሆዋ ነቲ ወዲ ኣሃዝ ዝነበረ ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊ እታ ሓያል ዝነበረት ኣሶር ዓወት ሃቦ። (ኢሳይያስ 59:⁠1) እወ: ኣብቶም “ኣብ መገዲ ሓጥኣን” ዘይቈሙ ኣብ ክንድኡስ ብሕጊ የሆዋ ባህ ዝብሎም ሰባት ኢድ የሆዋ ሓጻር ኣይነበረትን። (መዝሙር 1:⁠1, 2) እዚ ሎሚ እውን እንተዀነ ሓቂ ኢዩ። ንሕና እውን ሎሚ ብመገዲ የሆዋ ንመላለስ ምህላውና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንወስዶ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

◻ ብመገድታት የሆዋ ክንመላለስ እንተድኣ ዄንና እንታይ ባህርያት ኢዩ ኣድላዪ ዝኸውን፧

◻ ኣተሓሳስባ ኣሃዝ ጌጋ ዝነበረ ስለም​ንታይ ኢዩ፧

◻ ኣተሓሳስባ ናይቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ እንታይ ጌጋ ኢዩ ነይርዎ፧

◻ ብመገድታት የሆዋ ንምምልላስ ዘሎና ቈራጽነት ብኸመይ ከነደልድሎ ምኽኣልና፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣሃዝ ካብ የሆዋ ዘይኰነስ ካብ ኣማልኽቲ ሶርያ ኢዩ ትጽቢት ገይሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ