ንኣምላኽ ከገልግል ዝኣተኹዎ መብጽዓ ምሕላው
ብፍራንዝ ጉድሊኪስ እተዘንተወ
ካብታ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ወተሃደራት ዝነበርዋ ኣሃዱና ኣርባዕተ ጥራይ ብህይወት ተረፍና። ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ኰይነ ኸኣ ተምበርኪኸ ንኣምላኽ ‘ካብዚ ውግእ ብህይወት እንተድኣ ወጺአ: ንሓዋሩ ከገልግለካ ኢየ’ ኢለ ተመባጻዕኩ።
ነዚ መብጽዓ እዚ ዝኣተኹ ቅድሚ 54 ዓመታት: ብሚያዝያ 1945 ኣብ ሰራዊት ጀርመን ወተሃደር ከለኹ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኽውዳእ ቁሩብ ተሪፍዎ ነበረ: ሰራዊት ሶቭየት ከኣ ብዘለዎም ሓይሊ ናብ በርሊን ይደፍኡ ነበሩ። ንሕና ኣብ ጥቓ ዜሎ እትበሃል ከተማ ኣብ ዝርከብ ርባ ኦደር ዓሪድና ነበርና: እዚ ድማ ካብ በርሊን 65 ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይመልእ ርሕቀት ይርከብ። ለይትን መዓልትን ብኸቢድ ብረት ንድብደብ ነበርና: ዝበዝሐ ክፋል ኣሃዱና ኸኣ ተደምሰሰ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢየ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ህይወተይ እናነባዕኩ ናብ ኣምላኽ ዝጸለኹ። እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበራ ኣደይ ብዙሕ ግዜ ትጠቕሳ ዝነበረት “ብመዓልቲ ጸበባ . . . ጸውዓኒ: ኣነ ኸናግፈካ እየ: ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ” እትብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘከርኩ። (መዝሙር 50:15) ከይመውት እናፈራህኩ: ኣብቲ ድፋዕ ኰይነ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መብጽዓ ኣቶኹ። ነቲ መብጽዓይ ብኸመይ ክሕልዎ ከኣልኩ፧ ኣባል ሰራዊት ጀርመን ክኸውን ዝኸኣልኩኸ ብኸመይ ኢዩ፧
ኣብ ሊትዌንያ ምዕባይ
ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብ1918: ሊትዌንያ ናጽነታ ኣወጀት እሞ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣቘመት። ብ1925 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ባልካን ኣብ እትርከብ ኣውራጃ መመል (ክሌፓዳ) ኢየ ተወሊደ። እዛ ኣውራጃ እዚኣ ቀቅድሚ ምውላደይ ዓመት ይገብር ኢያ ምስ ሊትዌንያ ሓቢራ።
ኣነን ሓሙሽተ ኣሓተይን ባህ ዝብል ግዜ ቍልዕነት ኢና ኣሕሊፍና። ኣቦይ ኵሉ ሳዕ ምሳና ሓቢሩ ይዓዪ ስለ ዝነበረ ከም ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክና ኢዩ ነይሩ። ወለድና ኣባላት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኢዮም ነይሮም: እንተዀነ ግን ኣደይ ብግብዝነት ናይቲ ኣገልጋሊ ስለ ዝሓረቐት ኣብቲ ዝግበር ቅዳሴ ኣይካፈሉን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ንኣምላኽን ነቲ ብሃንቀውታ እተንብቦ ዝነበረት ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ፍቕሪ ነበራ።
ብ1939 ጀርመን ነቲ ንሕና እንቕመጠሉ ዝነበርና ክፍሊ ሊትዌንያ ተቖጻጸረቶ። ድሕርዚ ኣብ መጀመርታ ናይ 1943 ኣብ ሰራዊት ጀርመን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ተጸዋዕኩ። ኣብ ሓደ ካብቲ ኲናት ተወጋእኩ: ምስ ሓወኹ ኸኣ ናብቲ ምብራቓዊ ግንባር ተመለስኩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሚዛን ናይቲ ውግእ ተቐየረ: ጀርመናውያን ድማ ካብ ሰራዊት ሶቭየት ይሃድሙ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኢዩ ኸኣ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ካብ ኣፍ ሞት ዝደሓንኩ።
መብጽዓይ ምሕላው
ኣብቲ እዋን ውግእ ወለደይ ናብታ ኣብ ጀርመን: ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ላፕሲግ እትርከብ ኦሻዝ እትበሃል ከተማ ግዒዞም ነበሩ። ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ ዝነበረ እዋን ክረኽቦም ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እንደገና ምስ ተራኸብና ግን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና እተሓጐስና! ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ብሚያዝያ 1947 ኣነን ኣደይን ነቲ ማክስ ሹበ ዝበሃል ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘቕረቦ ህዝባዊ ዝርርብ ክንሰምዕ ከድና። ኣደይ ሓቀኛ ሃይማኖት ከም ዝረኸበት ኣመነት: ሒደት ኣኼባታት ምስ ተኻፈልኩ ኣነውን ነዚ ኣመንኩሉ።
ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐት ኣደይ ካብ መሳልል ወደቐት: ንገለ ኣዋርሕ ብርቱዕ ስቓይ ምስ ኣሕለፈት ከኣ ሞተት። ቀቅድሚ ሙማታ ኣብ ሆስፒታል ከላ ከምዚ ኢላ ኣተባብዐትኒ:- “እንተ ወሓደ ሓደ ካብ ደቀይ መገዲ ኣምላኽ ንኽረክብ ብዙሕ ሳዕ ጸልየ ኢየ። ሕጂ ጸሎተይ ተመሊሱ ኢዩ: ብሰላም ክዓርፍ እኽእል ኢየ።” ኣደይ ካብ ሞት እትትንስኣሉ እሞ ጸሎታ ከም እተመለሰ እትፈልጠሉ ግዜ ክርእስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ሃረር ዝብል!—ዮሃንስ 5:28
ናይ ሓው ሹበ ዝርርብ ምስ ሰማዕኩ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ: ብ8 ነሓሰ 1947 ኣብቲ ኣብ ላፕሲግ እተገብረ ኣሰምብሊ ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ብጥምቀት ኣርኣኹ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ንኣምላኽ ዝኣተኽዎ መብጽዓ ንምፍጻም ስጕምትታት ክወስድ ጀመርኩ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ሓደ ካብቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኰንኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብታ ድሓር ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ጀርመን ወይ ምብራቕ ጀርመን እተባህለት ሃገር 400 ዝዀኑ ፓይነራት ነበሩ።
ኣብ መጀመርታ ኣብ እምነተይ ዘጋጠመኒ ፈተናታት
ኣብ ኦሻዝ ከለኹ ሓደ ጐረቤተይ ማርክሳዊ ፍልስፍና ኽስዕብ ከተባብዓኒ ጸዓረ። ኣባል ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ ሰልፊ ሶሻሊስት ሕብረት (ኤስኢዲ) እንተ ዀይነ: መንግስቲ ዝምውሎ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ከም ዝረክብ ገለጸለይ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ሰይጣን ንዘቕረበሉ ህያብ ዝነጸጎ: ኣነውን ነቲ ዝቐረበለይ ህያብ ነጸግክዎ።—ማቴዎስ 4:8-10
ኣብ ሚያዝያ 1949 ሓደ መዓልቲ ክልተ ፖሊስ ናብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ መጺኦም ምስኦም ክኸይድ ሓተቱኒ። ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ስለያ ሶቭየት ተወሰድኩ። ኣብኡ ኸኣ ምስቶም ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ርእሰ-ማላውያን ርክብ ኣሎካ ተባሂለ ተኸሰስኩ። ካብቲ ክሲ ንጹህ ምዃነይ ንምርግጋጽ ካብ ቤት ናብ ቤት ከገልግል ከለኹ ዝዀነ ይኹን ንሶቭየት ሕብረት ወይ ንኤስኢዲ ዝነቅፍ ሰብ ምስ ዝረክብ ወይ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ናይ ዝመጸ ሰብ ስም ክሕብር ከም ዘሎኒ ተገልጸለይ። ምትሕብባር ምስ ኣበኹዎም ከኣ ተኣሰርኩ። ጸኒሑ ናብ ሓደ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝመስል ወሰዱኒ። ን15 ዓመት ናይ መቕጻዕቲ ሸቕሊ ኣብ ሳይበርያ ከሕልፍ ተፈረድኩ!
እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ ኣይተረበሽኩን: እቶም ሓለፍቲ ኸኣ በዚ ተገረሙ። ድሕርዚ: እቲ ፍርዲ ከም ዘይተርፍ እንተዀነ ግን ክተሓባበሮም ፍቓደኛ ክሳዕ ዝኸውን ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ጥራይ ናብኦም እናኸድኩ ኣብቲ ዓዲ ምህላወይ ከረጋግጽ ከም ዘሎኒ ነጊሮም ፈነዉኒ። ካብ ብሱላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምኽሪ ንምርካብ ናብቲ ኣብ ማግደበርግ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከድኩ። ጽኑዕ ምክትታል ይግበረለይ ስለ ዝነበረ እቲ መገሻ ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ኣብ ማግደበርግ ኣብ ክፍሊ ሕጊ ናይ ማሕበር ዘገልግል ዝነበረ ኤርንስት ቫወር ከምዚ በለኒ:- “ካብ መዳጐኒ ደምበ እተማሃርናዮ ሓደ ነገር ኣሎ። እዚ ኸኣ ጸኒዕካ ምቅላስ የዐውተካ: ምልምማጥ ከኣ ከም እትሰዓር ይገብረካ።”a እዚ ምኽሪ እዚ ንየሆዋ ዝኣተኽዎ መብጽዓ ንኽሕሉ ሓጊዙኒ ኢዩ።
እገዳን እንደገና ምእሳርን
ኣብ ሓምለ 1950: ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ተጸዋዕኩ። እንተዀነ ግን: ብ30 ነሓሰ ፖሊስ ነቲ ኣብ ማግደበርግ ዝነበረ ህንጻታትና ወረርዎ: ዕዮ ስብከትና ኸኣ ተኣገደ። ስለዚ ኸኣ እቲ ተዋሂቡኒ ዝነበረ መዝነት ተቐየረ። ኣነን ፖውል ሂርሽበርግን ምስ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ብምሕላፍ: ነቶም ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ እገዳ ኸለዉ ኣገልግሎቶም ብኸመይ ክቕጽሉ ከም ዘለዎም ክመሓደሩ ብምሕጋዝ 50 ንዝዀና ጉባኤታት ነገልግል ነበርና። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኣዋርሕ ሽዱሽተ ሳዕ ካብ ፖሊስ ኣምለጥኩ!
ሓደ ሰብ ናብቲ ሽታዚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሕሊፉ ንኽህበና ናብ ሓንቲ ካብተን ጉባኤ ሰሊኹ ኣትዩ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ብ1951 ሓሙሽተ ሸጓጕጥ ዝሓዙ ሰባት ንዓይን ንፖውልን ካብ መገዲ ሒዞም ኣሰሩና። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክሓስቦ ከለኹ ከምቲ ዝግባእ ገይርና ኣብ ማሕበር የሆዋ ከም ዘይተወከልና ርዱእ ኢዩ። ከመይሲ: እቶም ካባና ብዕድመ ዝዓብዩ ኣሕዋት ሓቢርና ንኸይንንቀሳቐስ መኺሮምና ነይሮም ኢዮም። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ርእስና ብምትእምማንና ግን ኣብ መወዳእትኡ ተኣሰርና! ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እንተድኣ ተኣሲርና ንዝሓቱና ሕቶ እንታይ ኢልና ክንምልስ ከም ዘሎና ኣቐዲምና ኣይተመያየጥናን።
በይነይ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተኣሲረ ኸለኹ ነሕዋተይ ንኸይከድዕ ወይ እምነተይ ንኸይሓድግ የሆዋ ክሕግዘኒ እናነባዕኩ ለመንኩዎ። ድቃስ ወሲዱኒ ከሎ: ድምጺ ናይ ፖውል ብጻየይ ሰሚዐ ሃንደበት ተበራበርኩ። እቶም ሽታዚ ኣብታ ኣብ ልዕለይ ዝነበረት ክፍሊ ኰይኖም ኢዮም ዝሓትዎ ነይሮም። ኣብታ ምሸት እቲኣ: ሙቐት ስለ ዝነበረ ማዕጾ ናይቲ ሰገነት ጋህ ኢሉ ነበረ: ኵሉ እቲ ዝርርብ ከኣ ሰማዕክዎ።? ድሓርዚ ምስ ተሓተትኩ: ተመሳሳሊ መልሲ መለስኩ እሞ እቶም ሰበ-ስልጣን በዚ ተገረሙ። እታ “ብመዓልቲ ጸበባ . . . ጸውዓኒ: ኣነ ኸናግፈካ እየ” እትብል ኣደይ እትፈትዋ ጥቕሲ ዘከርኩ እሞ ብዙሕ ተተባባዕኩ።—መዝሙር 50:15
ድሕሪ እቲ ምርመራ: ኣብ ፍርዲ ቅድሚ ምቕራብና መጀመርታ ኣብ ሃለ ድሓር ድማ ኣብ ማግደበርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ሽታዚ ቤት ማእሰርቲ ሓሙሽተ ወርሒ ኣሕለፍና። ኣብ ማግደበርግ ከሎና ሓድሓደ ግዜ ነቲ ሽዑ ተዓጽዩ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ኣማዕድየ እርእዮ ነበርኩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ክንዲ ዝዕጾ ኣብኡ ኰይነ ክዓዪ ተመነኹ! ኣብ ለካቲት 1952 “ናይ 10 ዓመት ማእሰርትን ን20 ዓመታት መሰል ዘይብልካ ምዃንን” ዝብል ፍርዲ ተፈረድና።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምነትካ ኣጽኒዕካ ምሕላው
እቶም እንተ ወሓደ ንዓሰርተ ዓመት እተፈርዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንእተወሰነ ግዜ ፍሉይ መለለዪ ክዳን ይኽደኑ ነበሩ። ኣብ ሓደ ሸነኽ ስረናን ኣብ ሓደ ሸነኽ ጃኬትናን ቀይሕ ጨርቂ ይስፈየልና ነበረ። ብወጻኢ ሸነኽ ማዕጾ ናይ ክፍልና ኸኣ ሓንቲ ቀይሕ ዝሕብራ ንእሽቶን ከባብን ካርቶን ትልጠፍ ነበረት። እዚ እተገብረ ኸኣ ሓደገኛታት ዓመጽቲ ምዃንና ነቶም ሓለውቲ መጠንቀቕታ ንምሃብ ኢዩ።
እቶም ሰበ-ስልጣን ካብ ኵሎም ዓመጽቲ ኣዚና ዝኸፋእና ገይሮም ኢዮም ዝርእዩና ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ክንሕዝ ኣይፍቀድን ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ከምቲ ሓደ ሓላዊ ዝበሎ “ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ እንተድኣ ተረኺቡ: ልክዕ ከም ሓደ ሽጕጥ ሒዙ እተረኽበ ዓመጸኛ ኢዩ ዝቝጸር።” ገለ ቍንጽለ-ጽሑፋት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ረኸብና ኢልና: መጻሕፍቲ ናይቲ ብዙሕ ግዜ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቅስ ዝነበረ ሊዮ ቶልስቶይ ዝበሃል ሩስያዊ ደራሲ ነንብብ ነበርና። ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንሽምድዶ ነበርና።
ብ1951 ቅድሚ ምእሳረይ: ንኤልዛ ሪመ ተሓጽየያ ነበርኩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹ ብዙሕ ግዜ ትበጽሓኒ ነበረት: ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ከኣ መግቢ ተምጽኣለይ ነበረት። መንፈሳዊ መግቢ እውን ኣብ ውሽጡ ሓቢኣ ትሰደለይ ነበረት። ሓደ ግዜ: ኣብ ውሽጢ ግዕዝም ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ኣእቲያ ሰደደት። እቶም ሓለውቲ መብዛሕትኡ ግዜ ገለ ነገር ኣብ ውሽጡ ተሓቢኡ ከይህሉ ንምርግጋጽ ነቲ ግዕዝም ይቘራርጽዎ ነበሩ: ኣብታ ግዜ እቲኣ ግን ኣብ መወዳእታ ናይ ስራሕ ሰዓታት ስለ ዝመጸ ከይተፈተሸ ሓለፈ።
ኣብቲ እዋን እቲ ምስ ካርል ሂንዝ ክለበ ዝበሃል ሓውን ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ካልኦት ሰባትን ኣብ ሓደ ክፍሊ ነበርና። እዞም ሰባት ከይረኣዩና ነቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከመይ ኢልና ኢና ከነንብቦ፧ ነቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ኣብ ውሽጢ ካልእ መጽሓፍ ብምእታው መጽሓፍ ነንብብ ነምስል ነበርና። ነዚ ክቡር መንፈሳዊ መግቢ እዚ ነቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መሰኻኽር ብጾትና እውን ሃብናዮም።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎና ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ እውን ተጠቒምናሉ ኢና። ከም ፍረ ናይዚ ድማ ሓደ ካብቶም ምሳይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝነበሩ ሰባት ኣማኒ ክኸውን ብምርኣየይ ኣዝየ ተሓጒሰ ኢየ።—ማቴዎስ 24:14
ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምምላስ
ንሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ምስ ተኣሰርኩ: ብ1 ሚያዝያ 1957 ተፈታሕኩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከኣ ንኤልዛ ተመርዓኹዋ። እቶም ሽታዚ ከም እተፈታሕኩ ምስ ሰምዑ: እንደገና ክኣስሩኒ ምኽንያት ደለዩ። እንደገና ምእንቲ ከይኣስሩኒ: ኣነን ኤልዛን ዶብ ሰጊርና ናብ ምዕራብ በርሊን ከድና።
ኣብ ምዕራብ በርሊን ምስ በጻሕና ማሕበር እንታይ መደባት ከም ዘሎና ክትፈልጥ ደለየት። ንሕና ድማ መደብና ሓዴና ፓይነር ኰይኑ ከገልግል: ሓዴና ድማ ዓለማዊ ስራሕ ክሰርሕ ምዃኑ ገለጽና።
“ክልቴኹም ፓይነር ምዃንከ ብኸመይ ትርእይዎ፧” ዝብል ሕቶ ቀረበልና።
ንሕና ኸኣ “ዝከኣል እንተ ዀይኑ ሕጂውን ክንጅምር ንኽእል ኢና” ኢልና መለስና።
ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ወጻኢታትና እንሽፍነሉ ሒደት ገንዘብ እናተዋህበና: ብ1958 ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ጀመርና። እቶም ጽንዓት ዝመራሕናሎም ውልቀ-ሰባት ህይወቶም ለዊጦም ኣገልገልቲ የሆዋ ክዀኑ ምርኣይስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ! ኣብተን ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ዘሕለፍናየን ቀጺለን ዝነበራ ዓሰርተ ዓመታት ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ተቐራሪብካ ምዕያይ ተማሂርና ኢና። ኤልዛ ኵሉ ሳዕ ማኪና ከዐሪ ከሎኹ እውን ከይተረፈ ካብ ጐነይ ኣይትፍለን ኢያ ነይራ። ብተወሳኺ ብሓባር ኴንና ነንብብ: ነጽንዕ: ከምኡውን ንጽሊ ነበርና።
ብ1969 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እተፈላለያ ጉባኤታት ብምብጻሕ ነቶም ኣሕዋት ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ክሰርሕ ተመዘዝኩ። ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ነዊሕ እዋን ዝዓየየ ዮሴፍ ባርት ዝበሃል ሓው “ኣብዚ ዕዮኻ ዕዉት ክትከውን እንተ ደሊኻ: ነቶም ኣሕዋት ብሕውነታዊ መገዲ ጥራይ ቅረቦም” ኢሉ መኸረኒ። ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ጽዒረ ኢየ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ምስ መሰኻኽር ብጾትና ምዉቕን ስኒት ዘለዎን ርክብ መስረትና: ስለዚ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ምኽሪ ንኽንህቦም ኣይከብደናን ነበረ።
ብ1972 ኤልዛ መንሽሮ ከም ዘለዋ ተፈልጠ: መጥባሕቲ ድማ ተገብረላ። ጸኒሑ: ቅርጥማት እውን ክስምዓ ጀመረ። ብርቱዕ ቃንዛ እኳ እንተ ነበራ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንጉባኤታት ኣብ ምግልጋል ተሰንየኒ: ዓቕማ ከም ዝፈቐደላ ኸኣ ምስተን ኣሓት ኣገልግሎት ትወፍር ነበረት።
ዘድሊ ምትዕርራይ ምግባር
ብ1984 ወለዲ ኤልዛ ብቐጻሊ ዝኣልዮም ሰብ ኣድለዮም: ስለዚ ገያሺ ተዓዛቢ ኴንካ ምግልጋል ኣቋረጽኩ: ክሳዕ ዝሞቱ ኸኣ ንኣርባዕተ ዓመት ኣለናዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ድሕርዚ ብ1989 ኤልዛ ኣጸቢቓ ሓመመት። እቲ ዘሐጕስ ቀልጢፋ ሓወየት: እንተዀነ ግን ኵሉ ዕዮ ገዛ ኣባይ ወደቐ። ክሳዕ ሕጂውን ምስ ቀጻሊ ቃንዛ ዘለዎ ሰብ ብኸመይ ክነብር ከም ዘሎኒ እማሃር ኣለኹ። ሽሕኳ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጭንቀት እንተ ኣጋጠመና: ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበረና ፍቕሪ ግን ኣይጐደለን።
ክሳዕ ሕጂ ፓይነር ኴንና ከነገልግል ብምኽኣልና ሕጕሳት ኢና። እቲ ቐንዲ ነገር ዕቤት ናይቲ እተዋህበና መዝነት ወይ ክሳዕ ክንደይ ክንዓዪ ንኽእል ዘይኰነስ ብተኣማንነት ምጽናዕ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና። ንየሆዋ ኣምላኽና ንሒደት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ከነገልግሎ ኢና እንደሊ። ዝረኸብናዮ ተመክሮ ንመጻኢ ጽቡቕ ምልምማድ ኢዩ ኰይኑና። የሆዋ ድማ ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ኵነታት እውን ከይተረፈ ንኽንውድሶ ሓይሊ ይህበና ኢዩ።—ፊልጲ 4:13
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ኤርንስት ቫወር ታሪኽ ህይወት ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1991 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ካብ ገጽ 25 ክሳዕ 29 ወጺኡ ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ማግደበርግ ተኣሲረሉ ዝነበረኩ ቦታ
[ምንጪ ስእሊ]
Gedenkstätte Moritzplatz Magdeburg für die Opfer politischer Gewalt; ስእሊ:- Fredi Fröschki, Magdeburg
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ብ1957 ክንምርዖ ኸሎና
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ምስ ኤልዛ