የሱስ ንህይወትካ ክቕይሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ጳለስጢና ዝነብር ዝነበረ ዓቢ መምህር ኢዩ። ብዛዕባ ግዜ ቍልዕነቱ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ይኹን እምበር: ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ “ንሓቂ ኽምስክር” ከም ዝጀመረ ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:37፣ ሉቃስ 3:21-23) እቶም ታሪኽ ህይወቱ ዝጸሓፉ ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኢዮም ኣተኲሮም።
የሱስ ክርስቶስ ከገልግል ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ንመብዛሕትኡ ናይ ዓለም ሽግር ዝፈትሕ ትእዛዝ ሂብዎም ኢዩ። እቲ ትእዛዝ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ የሱስ ከምዚ በሎም:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።” (ዮሃንስ 13:34) እወ: መፍትሒ መብዛሕትኡ ሽግር ደቅሰብ ፍቕሪ ኢያ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ሕቶ ምስ ቀረበሉ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ: ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ።”—ማቴዎስ 22:37-40
የሱስ ብቓላትን ብግብርን ከመይ ገይርና ንኣምላኽን ብጾትናን ከነፍቅር ከም እንኽእል ኣርእዩ ኢዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ: ካብኡ እንታይ ከም እንማሃር ድማ ነቕልብ።
ትምህርቱ
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ስብከት ንሰዓብቱ ከምዚ በሎም:- “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ: ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ: ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።” (ማቴዎስ 6:24) ኣብዚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ኵሉ ሽግር ይፈትሕ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑሉ እዋን እቲ የሱስ ብዛዕባ ንኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት ምሃብ ዝማሃሮ ትምህርቲ ተግባራዊ ክኸውን ይኽእልዶ ኢዩ፧ ሓቂ ኢዩ: ገንዘብ ንኽንነብር የድልየና ኢዩ። (መክብብ 7:12) እንተዀነ ግን: ‘ንገንዘብ’ ጐይታና እንተድኣ ገይርናዮ: ‘ፍቕሪ ገንዘብ’ ንምሉእ ህይወትና ብምዕብላል ክቈጻጸረና ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ብዙሓት ኣብዚ መፈንጠራ እዚ ዝወደቑ ሰባት ኣብ መወዳእታ ስድራቤቶምን ጥዕናኦምን ጥራይ ዘይኰነስ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ስኢኖም ኢዮም።
በቲ ኻልእ ወገን ግን ንኣምላኽ ጐይታና እንተድኣ ገይርናዮ ህይወትና ትርጕም ዘለዎ ይኸውን። ፈጣሪ ከም ምዃኑ መጠን ምንጪ ናይ ህይወት ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ንሱ በይኑ ጥራይ ኢዩ ኣምልኾ ዝግብኦ። (መዝሙር 36:9፣ ራእይ 4:11) እቶም ብዛዕባ ባህርያቱ ዝፈልጡን ዘፍቅርዎን ሰባት ትእዛዛቱ ንኽሕልዉ ይድረኹ ኢዮም። (መክብብ 12:13፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ከምዚ እንተድኣ ገይርና ክንጥቀም ኢና።—ኢሳይያስ 48:17
የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ: ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ገይሮም ንብጾቶም ፍቕሪ ከም ዘርእዩ እውን ምሂርዎም ኢዩ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።” (ማቴዎስ 7:12) እታ ኣብዚ ተጠቒሙላ ዘሎ “ሰብ” እትብል ቃል ንናይ ሓደ ሰብ ጸላእቲ እውን ዘጠቓለለት ኢያ። ኣብዚ ስብከት እዚ “ጸላእትኹም ፍተዉ . . . ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” እውን ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:43, 44) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥመና ዘሎ ብዙሕ ሽግር ክትፈትሕ ኣይምኸኣለትንዶ፧ እቲ ሃይማኖቱ ሂንዱ ዝነበረ ሞሃንደስ ጋንዲ ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ሽግራት ከም እትፈትሕ ተሰማሚዑሉ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ስለ እተዛረበ ብዙሕ ግዜ ይጥቀስ ኢዩ:- “በቲ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከት ዝሰርዖ ትምህርትታት [ሓቢርና ምስ እንመላለስ]: . . . ናይ ምልእቲ ዓለም [ግድላት] ክንፈትሖ ኢና።” ነቲ የሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝማሃሮ ትምህርትታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ብዙሕ ሽግር ክፈትሕ ይኽእል ኢዩ።
ተግባራቱ
የሱስ ፍቕሪ ብኸመይ ከም እተርኢ ዓሚቝ ትምህርቲ ጥራይ ኣይኰነን ዝሃበ: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ዝማሃሮ እውን ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኢዩ። ንኣብነት: ካብ ድሌቱ ንላዕሊ ናይ ካልኦት ድሌት ኣቐዲሙ ኢዩ። ሓደ ግዜ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን መግቢ ዝበልዕሉ ግዜ ክሳዕ ዝስእኑ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ትሑዛት ኰይኖም ነበሩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ቍሩብ ዕረፍቲ ከም ዘድልዮም ተገንዘበ እሞ: ናብ ብሕት ዝበለ ቦታ ወሰዶም። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ግን ብዙሓት ሰባት ይጽበይዎም ነበሩ። ከተዕርፍ እናደለኻ ካልኦት ሰባት ግን ክትዓዪ ምስ ዝደልዩኻ እንታይ ምገበርካ፧ የሱስ “ደንገጸሎም: ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማርቆስ 6:34) እዚ ንኻልኦት ዝነበሮ ሓልዮት: ኵሉ ሳዕ ንኽሕግዞም ይድርኾ ነበረ።
የሱስ ንሰባት ካብ ምምሃር ንላዕሊ ገይሩሎም ኢዩ። ብተግባር እውን ሓጊዝዎም ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ክሰምዕዎ ንዝወዓሉ ልዕሊ 5,000 ሰባት መጊብዎም ኢዩ። ብድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ንልዕሊ 4,000 ሰባት ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ማሃሮም ዝብላዕ ስለ ዝወድኡ መገቦም። ኣብቲ ቀዳማይ ኣጋጣሚ: ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን: ኣብቲ ዳሕራይ ከኣ ብሸውዓተ እንጌራን ሒደት ንኣሽቱ ዓሳን ገይሩ ኢዩ መጊብዎም። (ማቴዎስ 14:14-22፣ 15:32-38) ነዚ ብተኣምራት ድዩ ገይርዎ፧ እወ: ገባር ተኣምራት ኢዩ ነይሩ።
የሱስ ብዙሓት ሕሙማት እውን ኣሕውዩ ኢዩ። ዕዉራት: ሓንካሳት: ለምጻማት: ከምኡውን ጸማማት ኣሕውዩ ኢዩ። አረ ምዉታት እውን ኣተንሲኡ ኢዩ! (ሉቃስ 7:22፣ ዮሃንስ 11:30-45) ሓደ ግዜ ሓደ ለምጻም መጸ እሞ “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ። የሱስ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ “ደንገጸሉ: ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፤ ፈትየ አሎኹ: ንጻህ: በሎ።” (ማርቆስ 1:40, 41) የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ብምግባር ኣብቶም ውጹዓት ዘለዎ ፍቕሪ ይገልጽ ነበረ።
ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ምእማኑ የሸግረካዶ ኢዩ፧ ገሊኦም ምእማኑ የሸግሮም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት እናረኣይዎ ተኣምራት ከም ዝገበረ ኣይትረስዕ። እቶም ኵሉ ግዜ ጕድለት ክረኽብሉ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ጸላእቱ እውን ከይተረፉ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ክኽሕድዎ ኣይከኣሉን። (ዮሃንስ 9:1-34) ብተወሳኺ ድማ: ነቲ ተኣምራት ብዕላማ ኢዩ ዝገብሮ ነይሩ። ሰባት: ኣምላኽ ዝለኣኾ ምዃኑ ንኽፈልጡ ሓጊዝዎም ኢዩ።—ዮሃንስ 6:14
የሱስ ተኣምራት ብምግባሩ ኣቓልቦ ሰባት ናብኡ ክሰሓብ ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ምንጪ ሓይሉ ዝዀነ ኣምላኽ ኢዩ ኣኽቢርዎ። ሓደ ግዜ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ሓንቲ ብዙሓት ሰባት ዝመልእዋ ቤት ነበረ። ሓደ መጻጕዕ ክፍወስ ደለየ: ክኣቱ ግን ኣይከኣለን። ስለዚ ኣዕሩኹ ኣብ ዓራት ገይሮም ብናሕሲ ኣውረድዎ። የሱስ ከኣ እምነቶም ርእዩ ነቲ መጻጕዕ ኣሕወዮ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቶም ሰባት “ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን: ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።” (ማርቆስ 2:1-4, 11, 12) እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ንየሆዋ ኣምላኹ ክብሪ: ነቶም ጸገም ዝነበሮም ከኣ ሓገዝ ኰይኑዎም ኢዩ።
ይኹን እምበር: ቀንዲ ዕላማ ኣገልግሎት የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ሕሙማት ምሕዋይ ኣይነበረን። ሓደ ታሪኽ ህይወት የሱስ ዝጸሓፈ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “የሱስ: ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትአምኑ: አሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።” (ዮሃንስ 20:31) እወ: የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ደቅሰብ ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ ኢዩ።
መስዋእቱ
‘የሱስ ናብ ምድሪ መጺኡ ማለት ድዩ፧ ካበይ ኢዩ መጺኡ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። የሱስ ባዕሉ “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” ኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 6:38) ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ: ንኣምላኽ ሓደ ወዱ ኰይኑ ይነብር ነበረ። እሞ ፍቓድ እቲ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ዮሃንስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ: ሞት ብኸመይ ናይ ደቅሰብ ዘይተርፍ ግደ ከም ዝዀነ ይገልጽ ኢዩ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኢዩ ተዋሂብዎም። እንተዀነ ግን: ኣንጻር ፈጣሪኦም ክዓልዉ መረጹ። (ዘፍጥረት 3:1-19) እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ሓጢኣት ተግባር እዚ ኸኣ ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ዘይደለይዎ ናይ ሞት ውርሻ ገደፈሎም። (ሮሜ 5:12) ደቅሰብ ናይ ሓቂ ህይወት ክረኽቡ እንተድኣ ኰይኖም ሓጢኣትን ሞትን ክጠፍእ ኣለዎ።
ዋላ ሓደ ሊቅ በቲ ጄኔቲክ ኢንጅነሪን ዝበሃል ናይ ውርሻ ዘርኢ ምቅይያራት ገይሩ ንሞት ከትርፎ ኣይክእልን ኢዩ። ፈጣሪ ግን እቶም እዙዛት ደቅሰብ ንዘለኣለም ምእንቲ ክነብሩ: ፍጹማት ክገብሮም ዕላማ ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ምድላው እዚ በጅነት ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ንገዛእ ርእሶምን ዘርኦምን ንባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሸጡ። ነቲ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ፍጹማት ኰይኖም ክነብርዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ህይወት: በቲ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ክፉእን ጽቡቕን ባዕሎም እናወሰኑ ዝነብርዎ ህይወት ለወጥዎ። ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት መሊስካ ንምዕዳግ: ከምቲ ቀዳሞት ወለድና ዘጥፍእዎ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ክኽፈል ኣለዎ። ደቅሰብ ዘይፍጽምና ስለ ዝወረሱ ነዚ ዋጋ እዚ ክኸፍልዎ ኣይክእሉን ኢዮም።—መዝሙር 49:7
ስለዚ የሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ክሕግዘና ኣብቲ ጕዳይ ኢዱ ኣእተወ። ነቲ ፍጹም ህይወት ናይቲ ሓደ ወዱ ናብ ማህጸን ናይታ ንየሱስ ዝወለደት ድንግል ኣመሓላለፎ። ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ድንግል ወሊዳ ዝብል ሓሳብ ምናልባት ኣይምተቐበልካዮን ነይርካ ትኸውን። ሎሚ ግን ሊቃውንቲ ካብ ተፈጥሮ ወጻኢ እንስሳታት የዳቕሉ ከምኡውን ጂን ናይ ሓደ እንስሳ ናብ ካልእ እንስሳ የሰጋገሩ ኣለዉ። ከምዚ ካብ ኰነ: እንታዋይ ደኣ ኢዩ እሞ ነቲ ልሙድ ናይ ተፈጥሮ ምውላድ ክጠሓስ ኣይከኣልን ኢዩ ብምባል ክእለት ፈጣሪ ኣብ ሕቶ ዘእትዎ፧
ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ምስ ተረኽበ: ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምብጃው ዝከኣል ኰነ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ምድሪ እተወልደ ሕጻን የሱስ: “ሓኪም” ኰይኑ ንሽግራት ደቅሰብ ምእንቲ “ክፍውስ” ክዓቢ ነበሮ። ፍጹም ከምኡውን ሓጢኣት ዘይብሉ ህይወት ብምንባር ነዚ ገበሮ። የሱስ ደቅሰብ ሓጥኣን ብምዃኖም ዘጋጥሞም ጭንቀት ጥራይ ዘይኰነስ ዓቕሚ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ድሩት ምዃኑ እውን ፈሊጡ ኢዩ። እዚ ኸኣ ዝያዳ ደንጋጺ ሓኪም ከም ዝኸውን ገበሮ። (እብራውያን 4:15) እቲ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝፈጸሞ ተኣምራታዊ ምፍዋስ: ሕማም ንኸሕዊ ድሌትን ሓይልን ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ ኢዩ።—ማቴዎስ 4:23
የሱስ ኣብ ምድሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ኣገልገለ ብጸላእቱ ተቐትለ። ፍጹም ሰብ እቲ ዝኸበደ ፈተናታት እንተ ኣጋጠሞ እውን ንፈጣሪ ክእዘዝ ከም ዝኽእል ኣርእዩ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:22) እታ እተሰወአት ፍጽምቲ ህይወቱ ዋጋ በጅነት ኰይና ኢያ: ንደቅሰብ ከኣ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጽኣቶም። የሱስ ክርስቶስ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 15:13) ድሕሪ ሞቱ ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ ተንስአ: ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ ኸኣ ነቲ ዋጋ በጅነት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ንኸቕርቦ ናብ ሰማይ ዓረገ። (1 ቈረንቶስ 15:3, 4፣ እብራውያን 9:11-14) እዚ ስለ ዝገበረ: ነቶም ሰዓብቱ ካብቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ከም ዝጥቀሙ ክገብር ይኽእል ኢዩ።
ካብዚ መንፈሳውን ስምዒታውን ስጋውን ምፍዋስ ክትጥቀምዶ ትደሊ ኢኻ፧ ነዚ ንምርካብ ብየሱስ ክርስቶስ ምእማን የድልየካ። ናብቲ ሓኪም ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትመጽእ፧ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን ንእሙናት ደቅሰብ ንምድሓን ዘለዎ ግደን እንተ ተማሂርካ ነዚ ገይርካዮ ማለት ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽሕግዙኻ ሕጉሳት ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንሕሙማት ከሕዊ ድሌትን ሓይልን ኣለዎ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ሞት የሱስ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈካ፧