ዘይማዕርነት ብሓቂ ኣምላኽ ዝዓለሞ ድዩ፧
እቲ መልሲ ብሓንቲ ቓል ኣይፋል ዝብል ኢዩ። እስከ ነቲ ምኽንያት ንርኣዮ።
ኣምላኽ ኵሎም ደቅሰብ ህይወትን ብልጽግናን ዘስተማቕርሉ ምዕሩይ ኣጋጣሚታት ክህልዎም ኢዩ ዕላማ ነይርዎ። ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ወድሰብ ከምዚ ነንብብ:- “ኣምላኽ ከኣ፤ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ: በለ።” ድሕሪ ምዝዛም ምድራዊ ፍጥረት “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ።”—ዘፍጥረት 1:26, 31
ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘሕዝን ኵነታት ዘይማዕርነት “ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ብምባል ክሕበነሉ ምኸኣለዶ፧ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ስለ ዝዀነ ከምኡ ክብል ኣይክእልን ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) “ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ” ከምኡውን “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: . . . ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ተባሂልሉ ኣሎ። (ዘዳግም 10:17፣ 32:4፣ ምስ እዮብ 34:19 ኣረኣእዮ።) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
ኣምላኽ ፈቃር: ዘየዳሉ: ፍትሓዊ: ቅኑዕ: ጻድቕ ክነሱ ብኸመይ ኢዩ እሞ ኣብቲ ደቅሰብ ብልጽግና ንኸስተማቕሩ ዘለዎም መሰል ፍልልይ ከም ዝህልዎም ገይሩ ኽፈጥሮም ዝኽእል፧ ኣብ መንጎ ሰባት ኣድልዎ ኸም ዝሰፍንን ማዕርነት ኣብ ዘይብሉ ኣገባብ ከም ዝነብሩ ምግባርን ምስ ባህርያቱ ዝጋጮ ኢዩ። ኵሎም ሰባት ‘ናጻ ከምኡውን ማዕረ ክብርን መሰልን ዘለዎም ኰይኖም ክውለዱ’ ኢዩ ዕላምኡ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሎሚ ዘሎ ዅነታት ምስዚ ዕላማ እዚ ኸም ዘይሰማማዕ ፍሉጥ ኢዩ። ስለምንታይ፧
መበቈል ዘይማዕርነት
ኣምላኽ ንደቅሰብ ማዕረ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም ዝብል ሓሳብ: ኵሎም ብዝዀነ ይኹን መዳይ ማዕረ ክዀኑ ዝብል ዕላማ ነይርዎ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክእለት: ድሌት: ባህርይ ፍልልይ ክህልዎም ይኽእል ነበረ። ኣብ ደረጃ ስልጣን እውን ፍልልይ ክህልዎም ይኽእል ነበረ። ንኣብነት: ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ብዅሉ መዳይ ማዕረ ኣይኰኑን: ኣምላኽ ግን ናይ ወዲ ተባዕታይ “መመላእታ ኽትከውን” ኢዩ ንጓል ኣንስተይቲ ፈጢርዋ። (ዘፍጥረት 2:18 NW ) ወለድን ውሉዳትን ኣብ ስልጣን ማዕረ ኸም ዘይኰኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እዚ ፍልልያት እዚ እኳ እንተ ነበሮም ኵሎም ደቅሰብ—ሰብኡት: ኣንስቲ: ቘልዑ—ነቲ ብልጹግ ናብራ ንኽነብሩ ዘኽእሎም መሰረታዊ ድሌታቶም ዘዕግብሉ ምዕሩይ ኣጋጣሚታት ከም ብኣምላኽ እተዋህበ መሰል ገይሮም ክጥቀምሉ ዕላማ ነበረ። ኵሎም ማዕረ ኽብሪ ክረኽቡ ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብማዕረ ክረኣዩ ኢዩ ተሓሲቡ ነይሩ።
ብተመሳሳሊውን: እቶም ቅድሚ ደቅሰብ እተፈጥሩ መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ እተፈላለየ መዝነትን ሓላፍነትን ኢዩ ነይርዎም። (ዘፍጥረት 3:24፣ 16:7-11፣ ኢሳይያስ 6:6፣ ይሁዳ 9) ይኹን እምበር: ኵሎም ካብቲ እተዋህቦም ደረት ከይሓለፉ ነቲ ብህይወት ንምንባርን ብልጽግና ንምስትምቓርን ዝሕግዝ መለኮታዊ ምድላዋት ክጥቀምሉ ይኽእሉ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢዩ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ብዘደንቕ መገዲ እተንጸባረቐ።
እቲ ዘሕዝን ግን: ሓደ መንፈሳዊ ፍጡር በቲ ኣድልዎ ዘይነበሮ ምድላዋት ኣምላኽ ኣይዓገበን። ንሱ ዝለዓለን ኣዝዩ ክብ ዝበለን ቦታ ክረክብ ብምህንጣይ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ንላዕሊ ደለየ። ነዚ ዘይቅኑዕ ድሌት ኣብ ውሽጡ ኸም ዝዓቢ ብምግባር: ምስቲ ከም ፈጣሪ መጠን ካብ ኵሉ ልዑል ናይ ምዃን መሰል ዘለዎ የሆዋ ክወዳደር ጀመረ። እዚ ዓለወኛ መንፈሳዊ ውሉድ ኣምላኽ ጸኒሑ ደቅሰብ ንኣምላኽ ካብቲ ዝሃቦም ንላዕሊ ንኽሓትዎ ኣለዓዓሎም። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ ምስ ኢሳይያስ 14:12-14 ኣረኣእዮ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢዩ: እቲ የሆዋ ደቅሰብ ብህይወት ንኽነብሩን ብልጽግና ንኽረኽቡን ገይርዎ ዝነበረ ምድላው ሚዛኑ ዘጥፍአ። እዚ ኣብ ራእይ 20:2 “ድያብሎስን ሰይጣንን” ተባሂሉ ዘሎ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር: ናይቲ ኣብ ደቅሰብ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኵነታት መበገሲ ዀነ።
ኵነታት ይልወጥዶ ዀን ይኸውን፧
እቲ መልሲ ብሓንቲ ቓል እወ ዝብል ኢዩ!
ይኹን እምበር ነዚ ሃረር ዘብል ለውጥታት መን ኢዩ ከምጽኦ ዝኽእል፧ ሰብኣውያን መራሕቲ ነዚ ለውጥታት እዚ ንምምጻእ ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ክቃለሱ ጸኒሖም ኢዮም: አረ ገሊኦምሲ ቅንዕና ብዝመልኦ መገዲ ኢዮም ተቓሊሶም። እቲ ዝረኸብዎ ዓወት ግን ውሱን ብምዃኑ: ንብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ ደቅሰብ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኵነታት ዝጣጥሓሉ እዋን ምጽባይ ዘይክውንነታዊ ኢዩ ኢሎም ከም ዝድምድሙ ገይርዎም ይርከብ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብ ኢሳይያስ 55:10, 11 ከምዚ በለ:- “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ: ከም ዜፍርን ከም ዜብቍልን ከኣ ከይገበሮ: ዘርኢ ንዘራኢ: ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ: ንድሕሪት ከም ዘይምለስ: እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።”
የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዅሎም ደቅሰብ ብህይወት ንኽነብሩን ብልጽግና ንኽረኽቡን ዘኽእሎም ምዕሩይ ምድላዋት ክሰርዓሎም ዝነበሮ በዅሪ ዕላምኡ ከም ዝፍጽሞ ቃል ምእታዉ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ከም ኣምላኽ ሓቂ መጠን ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ክፍጽም ግዴታ ተሰሚዕዎ ኣሎ። እቲ ዘሐጕስ ድማ: ነዚ ንምፍጻም ዘኽእሎ ድሌትን ሓይልን ኣለዎ። ብኸመይ ኢዩ ክፍጽሞ፧
ነዚ እትፍጽሞ እታ የሱስ ክርስቶስ ኵሎም ሰዓብቱ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ክጽልዩላ ዝመሃሮም መንግስቲ ኢያ:- “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: . . . መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴዎስ 6:9, 10) እወ: መንግስቲ ኣምላኽ እታ የሆዋ ‘ንዅለን እዘን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስታት ንምጭፍላቕን ንምጥፋእን’ ዝጥቀመላ መሳርሒት ኢያ: “ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44
ኣብ ትሕቲ እዛ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እዚኣ: ሓደ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክህሉ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ኣብታ ናይ መወዳእታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም: . . . ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።” (ራእይ 21:1) ኵሉ እቲ ዘይማዕርነት ሒዝዎ ዘሎ ባህ ዘየብል መዳያት—ድኽነት: ሕማም: ድንቍርና: ኣድልዎ: ከምኡውን ካልእ ሰብኣዊ ሕሰም—ነበረያ ነበረ ክኸውን ኢዩ።a
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ኣቓልቦኦም ናብዛ መንግስቲ እዚኣ ንኽገብሩ ምሕጋዝ ካብ ዝጅምሩ: እንሆ ልዕሊ ሓደ ኽፍለ-ዘበን ሓሊፉ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) በቲ ተሓቲሙ ዝወጽእ ጽሑፋትን ዝህብዎ ብሕታዊ ደገፍን: ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ፍልጠት ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ብተወፋይነት ይዓዩ ኣለዉ። እዚ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝገብርዎ ዘለዉ ትምህርታዊ ዕዮ ግን: ንሰባት ኣብ መጻኢ ብማዕርነትን ብልጽግናን ናይ ምንባር ተስፋ ጥራይ ኣይኰነን ዝህቦም: ሕጂ እውን ከይተረፈ ነዚ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኵነታት ክገትኡ ዘኽእሎም ረብሓታት ኣምጺኡሎም ኢዩ። በየናይ መገዲ ከም ዘምጽኣሎም እስከ ንርአ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ገይራ ድሕሪ ሓጺር እዋን ማዕርነት ደቅሰብ ከም እተስፍን ዝገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: በጃኻ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ምዕራፍ 10 ኸምኡውን 11 ርአ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣምላኽ ኵሎም ደቅሰብ ብህይወት ክነብሩን ብልጽግና ክረኽቡን ዘኽእሎም ምዕሩይ ኣጋጣሚታት ክህልዎም ዕላማ ነበሮ