ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/8 ገጽ 8-9
  • ምእንቲ ከይትሓጥእ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምእንቲ ከይትሓጥእ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ቍጥዓኻ ክትቈጻጸሮ ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ‘ምስትውዓል ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/8 ገጽ 8-9

ምእንቲ ከይትሓጥእ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር

“ህድእ በል!” “ኣይትተሃወኽ!” “ዝሓል!” ነዘን ሓረጋት እዚኣተን ትፈልጠንዶ ኢኻ፧ ምናልባት ኣብ ውሽጥኻ ንእተላዕለ ቍጥዓ ምእንቲ ከተህድእ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ከምኡ ኢልካያ ትኸውን። ገለ ሰባት ዘቘጥዕ ነገር ከጋጥሞም ከሎ ኣብቲ ግዜ እቲ ምእንቲ ከይዛረቡ ብእግሮም ክዛወሩ ይኸዱ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ቀሊል ሓሳባት ቍጥዓኻ ንኽትቈጻጸርን ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ንኸይተባላሹን ዝሕግዝ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን: ክኢላታት ብዛዕባ ቍጥዓ ክትቈጻጸሮ ወይ ክትዓብጦ ኣለካዶ የብልካን ዝጋራጮ ምኽሪ ብምሃቦም ሰባት ተደናጊሮም ኢዮም ዘለዉ። ንኣብ​ነት ገለ ናይ ስነ⁠-​ኣእምሮ ተመራመርቲ “ከም ዝፈዅሰካ ዝገብር እንተ ዀይኑ:” ቍጥዓኻ ግለጽ ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ ኣማዕቢሎም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ኵሉ ሳዕ ቍጥዓኻ ዝግንፍል እንተድኣ ዀይኑ “ካብ ሽጋራ ምትካኽ: ብዝሒ ጸቕጢ ደም: ከምኡውን ብዝሒ ከለስትሮል ዘስዕቦ ሓደጋ ንላዕሊ ኣብ ዘይዕድመኻ ከም እትመውት ዝሕብር ኢዩ” ኢሎም የጠንቅቑ። ቃል ኣምላኽ ብንጹር “ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ: ኣይተንጸርጽር: እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ” ይብል። (መዝሙር 37:⁠8) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጹር ምኽሪ ዝሃበ ስለምንታይ ኢዩ፧

ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ስምዒታት: ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ተግባራት ከም እትፍጽም ኢዩ ዝገብረካ። እዚ ኸኣ ታሪኽ ወድሰብ ክጅምር ከሎ ብግህዶ ተራእዩ ኢዩ። ከምዚ ዝብል ድማ ነንብብ:- “ቃየል . . . ኣዝዩ ዀረየ: ገጹ ድማ ጸለመ።” እዚኸ ናበይ መርሖ፧ ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ: ካብ መገዱ ተመሊሱ ሰናይ ክገብር የሆዋ ክምዕዶ ኸሎ እኳ ቍጥዓ ንልቡ ከም ዝተርር ገበሮ። እቲ ዘይተገርሐ ቍጥዓ ናይ ቃየል ናብ ከቢድ ሓጢኣት​—⁠ንሓዉ ናብ ምቕታል​—⁠መርሖ።​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠3-8

እቲ ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል እውን ዳዊት ኣጸቢቑ ክውደስ ከሎ ምስ ሰምዐ ብተመሳሳሊ ተቘጢዑ ኢዩ። “እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፤ ሳኦል ሽሑ: ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ። ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ: እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ።” ሳኦል ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ ደጋጊሙ ንዳዊት ክቐትሎ ፈተነ። ዳዊት ክዕረቖ እኳ እንተ ፈተነ: ሳኦል ግን ሰላም ክገብርን ክዕረቕን ኣይደለየን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ስምረት የሆዋ ሰኣነ።​—⁠1 ሳሙኤል 18:⁠6-11፣ 19:⁠9, 10፣ 24:⁠1-21፣ ምሳሌ 6:⁠34, 35

ሓደ ሰብ ቍጥዓኡ ምቍጽጻር እንተድኣ ስኢኑ: ነቶም ምስቲ ጕዳይ ምትሕሓዝ ዘለዎም ሰባት ዝጐድእ ነገር ከም ዝዛረብን ዝገብርን እተረጋገጸ ኢዩ። (ምሳሌ 29:⁠22) ቃየልን ሳኦልን ቀናኣት ስለ ዝነበሩ ኢዮም ተቘጢዖም። ቍጥዓ ግን ብእተፈላለየ ምኽንያታት ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። መሰረት ዘይብሉ ነቐፌታ: ጸርፊ: ዘይ​ምርድዳእ: ወይ ክፉእ ግብሪ ንቝጥዓ ከም ዝግንፍል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።

ናይ ቃየልን ሳኦልን ኣብነት ክንርኢ ከሎና ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ጕድለት ከም ዝነበሮም ክንርዳእ ንኽእል። ቃየል ዘቕረቦ መስዋእቲ እምነት ከም ዝጐደሎ ግሁድ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 11:⁠4) ሳኦል ነቲ ንጹር ትእዛዝ የሆዋ ብዘይምፍጻሙ: መሊሱ ድማ ከመኻኒ ብምፍታኑ ናይ ኣምላኽ ስምረትን መንፈስን ሰኣነ። እዞም ሰብኡት እዚኦም ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ከም ዘቋረጹ እተረጋገጸ ኢዩ።

ዳዊት በቲ ሳኦል ዝገበሮ ነገር ንኽቝጣዕ ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮ ኣመለኻኽትኡ ግን ኣንጻር ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ኢዩ ነይሩ። ዳዊት ንመንፈሱ ተቘጻጺርዎ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ: ንጐይ​ታይ: ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር: ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ።” ዳዊት እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣብ ኣእምሮኡ ይሕዞ ነበረ: እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ሳኦል ዝነበሮ ርክብ ከም ዝጸለዎ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ። ነቲ ጕዳይ ብትሕትና ኣብ ኢድ የሆዋ ኢዩ ገዲፍዎ።​—⁠1 ሳሙኤል 24:​7, 16

ሳዕቤን ናይ ዘይተገርሐ ቍጥዓ ከቢድ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (ኤፌሶን 4:⁠26) ጽድቃዊ ቍጥዓ ዝድልየሉ ቦታ እኳ እንተሎ: ቍጥዓ ብቐጻሊ ኣብ ሓጢኣት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣለዎ። ስለዚ ንቝጥዓና ምቍጽጻር በዳሂ እንተዀነ ኣየገርምን ኢዩ። ብኸመይ ኢና ግን ክንቈጻጸሮ ንኽእል፧

ቀዳማይ መገዲ ምስ የሆዋ ጽኑዕ ርክብ ምምዕባል ኢዩ። የሆዋ ልብኻን ኣእምሮኻን ክትከፍተሉ ይዕድመካ ኢዩ። ዘጨንቐካን ዘተሓሳስበካን ነገራት ንየሆዋ ንገሮ: ቍጥዓኻ ምእንቲ ክትቈጻጸር ከኣ ዓቃል ልቢ ክህበካ ለምኖ። (ምሳሌ 14:⁠30) ‘ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን ከም ዝርእያ: ኣእዛኑ​ውን ናብ ጸሎቶም ምዃነን’ ርግጸኛ ኩን።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠12

ጸሎት ክቐርጸካን ክመርሓካን ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ ዓሚቝ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዝርእየካ እሞ ዘክሮ። ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ የሆዋ “ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን” ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠10) ‘ሰይጣን ምእንቲ ከይብለጸልካ’ ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 2:⁠10, 11) ኣብ ርእሲ እዚውን: ጸሎት ንመምርሒ ናይ መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል ልብና ንኽንከፍት ይሕግዘና ኢዩ። እዚ እውን ብግዲኡ ነቲ ለሚድናዮ ዝነበርና ኣገባብ ናብራ ከጥፍኦ ይኽእል። የሆዋ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም” ተሓጒሱ ይህብ ኢዩ: እዚ ኸኣ ካብቲ ንኣእምሮኻ ዝቈጻጸር ቍጥዓ ሓራ የውጽኣካ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠7

ይኹን እምበር: ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ንኸነስተውዕል:’ ጸሎት ጥራይ ዘይኰ​ነስ ስርዓታዊ ኴንካ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እውን ግቡእ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:​17፣ ያእቆብ 3:⁠17) ቍጥዓኻ ንምቍጽጻር ዝኸብደካ እንተ ዀይኑ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ክህልወካ ጽዓር። ብፍላይ ብዛዕባ ቍጥዓ ምቍጽጻር ዝገልጽ ጥቕስታት መርምር።

ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ብምባል ጽቡቕ መዘኻኸሪ ሂቡና ኢዩ። (ገላትያ 6:10) ሓሳባትካን ተግባራትካን ንኻልኦት ጽቡቕ ኣብ ምግባር ከም ዘተኵር ግበሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕን ኣወንታውን ግብሪ ንኻልኦት ክትሓልን ክትኣምኖምን የኽእለካ። ብተወሳኺውን ብቐሊሉ ናብ ቍጥዓ ዝመርሕ ዘይምርድዳእ ይፈትሕ።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ: እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ። እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም: ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።” (መዝሙር 119:⁠133, 165) እዚ ኣባኻ እውን ክውዕል ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ/ሳጹን]

ቍጥዓ ንምቍጽጻር ክትወስዶም ዘሎካ ስጕምትታት

□ ናብ የሆዋ ጸሊ።​—⁠መዝሙር 145:⁠18

□ መዓልቲ መዓልቲ ቅዱሳት ጽሑፋት መርምር።​— መዝሙር 119:⁠133, 165

□ ብጽቡቕ ግብርታት ትሑዝ ኩን።​—⁠ገላትያ 6:⁠9, 10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ