የሆዋ መገዲ ይኸፍት
“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ . . . ኪስበኽ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14
1. ኣብቲ ቀዳማይ ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን በቲ ዕዮ ስብከት እንታይ ኢዩ ተፈጺሙ፧
የሆዋ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ፍቓዱ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) እዚ ድማ ኣህጉራዊ ናይ ስብከትን ትምህርትን ወፈራ ክግበር ዝሓትት ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እዚ ስብከት እዚ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ከም እትኸውን ገይርዋ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) ድሕርዚ ግን ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ክሕደት መጸ እሞ ብሰንኩ ብርሃን ሓቂ ጭልምልም በለ። ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ድማ “ምስትውዓል” እናበዝሐ ኸደ: እዚ ኸኣ ንሚልዮናት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ዘለኣለማዊ ድሕነት ኣምጺኡሎም ኢዩ።—ዳንኤል 12:4
2. ምስቲ ዕዮ ስብከት እተተሓሓዘ የሆዋ እንታይ ይገብር ኣሎ፧
2 ሽሕኳ ሰይጣን ዕላማ ኣምላኽ ንምዕንቃጽ ዘይሕለል ጻዕሪ እንተገበረ: እቲ ዕዮ ስብከት ኣብቲ ቀዳማይ ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ብዘገርም መገዲ ዓወት ረኺቡ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንትንቢት ኢሳይያስ የዘኻኽረና። ብዛዕባ እቶም ኣብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ይሁዳ እተመልሱ ምሩኻት ኣይሁድ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል: ኵሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል: ቄናን ይቕናዕ ድንጕር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።” (ኢሳይያስ 40:4) ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ኣብቲ ቀዳማይ ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ነቲ ዓበይቲ ወፈራታት ስብከት ዝኸውን መገዲ ከፊቱን ኣጣጢሑን ኢዩ።
3. የሆዋ በየናይ መገድታት ኢዩ ዕላምኡ ክፍጽም ዝኽእል፧
3 እዚ ክበሃል ከሎ ግን የሆዋ ነቲ ስብከት ብስራት ከደንፍዕ ኢሉ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም ነገራት ብቐጥታ ይቈጻጸሮ ኢዩ ወይ እውን ንዅሉ ዝፍጸም ነገራት በብሓደ ንምፍላጥ ኵሉ ግዜ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ይጥቀመሉ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ፍጻመታት ኣቐዲሙ ናይ ምፍላጥን ከምቲ ዝደልዮ ናይ ምግባርን ክእለት ከም ዘለዎ ፍሉጥ ኢዩ። (ኢሳይያስ 46:9-11) ይኹን እምበር እቲ ዝፍጸም ነገራት ክካየድ ከሎ እውን ከይተረፈ ስጕምቲ ንምውሳድ ክእለት ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ተመክሮ ዘለዎ ጓሳ: ንመጓሰኡ ከመይ ገይሩ ከም ዝመርሐንን ከም ዘዕቍበንን ዝፈልጥ የሆዋ እውን ንህዝቡ ይመርሖም ኢዩ። ንመንፈሳውነቶም እናተኸላኸለ: ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዉት ስብከት ብስራት ከደንፍዕ ዝኽእል ኵነታትን ፍጻመታትን ክጥቀምሉ ብምድራኽ ናብ ድሕነት ይመርሖም ኢዩ።—መዝሙር 23:1-4
ከቢድ መዝነት
4, 5. ስብከት ብስራት በዳሂ መዝነት ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ከምቲ መርከብ ምስራሕ ኣብ መዓልትታት ኖህ ሰፊሕ ፕሮጀክት ዝነበረ: ዕዮ ስብከት እታ መንግስቲ እውን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ይኹን ኣብዚ ግዜና ሰፊሕ ፕሮጀክት ኢዩ። ዝዀነ ይኹን መልእኽቲ ናብ ኵሎም ሰባት ናይ ምብጻሕ ዕዮ ከቢድ እኳ እንተዀነ ብፍላይ እዚ ዕዮ እዚ ግን በዳሂ ኢዩ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብተዛማዲ ሒደት ኢዮም ነይሮም። መራሒኦም የሱስ ከም ሓደ መናዓቢ ተቘጺሩ ተቐትለ። እቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ድልዱል መሰረት ኢዩ ነይርዎ። ኣብ የሩሳሌም ዓቢ ቤት መቕደስ ነበረ። ኣብ ከባቢ ሜዲተራንያን ዝነበራ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ኣጸቢቐን እተመሓደራ ኢየን ነይረን። ኣብያተ-መቕደስን ቤተ-ክህነትን ነበረን። ብተመሳሳሊ መገዲ “ዘመን መወዳእታ” ብ1914 ምስ ጀመረ: ቅቡኣት ክርስትያናት ብቝጽሪ ሒደት ኢዮም ነይሮም: እቶም ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ዝብሉ ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ከኣ ብዙሓት ኢዮም ነይሮም።—ዳንኤል 12:9
5 የሱስ ንሰዓብቱ ክስጐጉ ምዃኖም ከምዚ ብምባል ኣጠንቂቕዎም ኢዩ:- “ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትልኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።” (ማቴዎስ 24:9) ኣብ ርእሲ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ድማ ብፍላይ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ክርስትያናት ኣብቲ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ኢዮም ዝነብሩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 NW ) ዕቤት ናይቲ ዕዮ: እቲ ዘይተርፍ መስጐጕትን ሕማቕ ኵነታት ዘለዎ ግዜን ነቲ ዕዮ ስብከት በዳህን ኣሸጋርን ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ። ዓባይ እምነት ተድሊ ነበረት።
6. የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ናይ ዓወት ውሕስነት ኢዩ ዝሃቦም፧
6 የሆዋ ከቢድ ኵነታት ክህሉ ምዃኑ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ዕዮ ደው ከብሎ ዝኽእል ነገር ከም ዘይህሉ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ዕዉት ዕዮ ክፍጸም ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝነገረ ሓደ ፍሉጥ ትንቢት ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዘገርም ፍጻሜ ረኺቡ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ። ” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ማቴዎስ 24:14
7. እቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሰፊሕ ነይሩ፧
7 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብእምነትን መንፈስ ቅዱስን ተመሊኦም መዝነቶም ክፍጽሙ ተበጊሶም ኢዮም። የሆዋ ምስኦም ስለ ዝነበረ ኸኣ ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ክዕወቱ ክኢሎም ኢዮም። ድሕሪ ሞት የሱስ ገለ 27 ዓመታት ጸኒሑ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ከሎ: ብዛዕባ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ” ክብል ክኢሉ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:23) ምስዚ ዝመሳሰል ከኣ ኣብ ምውዳእ ናይዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: እቲ ብስራት ኣብ 233 ሃገራት ይስበኽ ኣሎ።
8. ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ነቲ ብስራት ተቐቢሎምዎ፧ ኣብነታት ሃብ።
8 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ብስራት ተቐቢሎምዎ ኢዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ማለት ውግእን እገዳን ጽዑቕ መስጐጕትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እናነበሩ ኢዮም ክቕበልዎ ክኢሎም። እዚ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እውን ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጳውሎስን ሲላስን ጭከና ብዘለዎ ኣገባብ ብሽመል ተዘቢጦም: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኴንካ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ዘይመስል ኢዩ! ይኹን እምበር የሆዋ ነቲ ኵነታት ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ተጠቒሙሉ ኢዩ። ጳውሎስን ሲላስን ተፈትሑ: እቲ ሓላው እሱራት ከኣ ምስ ስድራቤቱ ኣመነ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:19-33) ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት: እቲ ብስራት በቶም ዝጻረርዎ ሰባት ክዕገት ከም ዘይክእል የርኢ። (ኢሳይያስ 54:17) ገና ግን እቲ ናይ ክርስትና ታሪኽ ዘየቋርጽ መከራን መስጐጕትን ዘለዎ ታሪኽ ጥራይ ኰይኑ ኣይተረፈን። እስከ እምበኣር ሕጂ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እቲ ብስራት ብዕዉት ኣገባብ ዝስበኸሉ መገዲ ንምጥጣሕ ዝሓገዘ ገለ ምቹእ ፍጻመታት ንርአ።
ሃይማኖታዊ ሃዋሁ
9, 10. የሆዋ ኣብቲ ቀዳማይ ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ንስብከት እቲ ብስራት ሃረር ከም እትብሎ ዝገብር ከመይ ዝበለ ትጽቢት ኢዩ ፈጢሩ፧
9 ብዛዕባ እቲ ዓለምለኻዊ ወፈራ ስብከት እተፈጸመሉ ግዜ እውን ንርአ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኵነታት እንተድኣ ርኢና: እቲ ኣብ ዳንኤል 9:24-27 ዝርከብ ትንቢት ናይተን 70 ናይ ዓመታት ሰሙናት: ናብቲ መሲሕ ዝቕልቀለሉ ዓመት ማለት 29 ከ.ኣ.ዘ. ዝሕብር ነበረ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ: እቲ ትንቢት ዝፍጸመሉ ልክዕ ግዜ ዘይርድእዎ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ መሲሕ ይጽበይዎ ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 3:15) ብቛንቋ ፈረንሳ እተዳለወ ማኑኤል ቢብሊክ እተባህለ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “እተን ብዳንኤል እተወሰና ሰብዓ ሰሙናት ክውድኣ ይቐርባ ከም ዝነበራ እቶም ህዝቢ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም፣ ዮሃንስ መጥምቕ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበት ክነግር ከሎ እተገረመ ሰብ ኣይነበረን።”
10 ብዛዕባ ኣብ ግዜና ዘሎ ኵነታትከ እንታይ ምበልና፧ እቲ ዝዓበየ ፍጻመ የሱስ ኣብ ሰማይ ምንጋሱ ኢዩ። እዚ ፍጻመ እዚ የሱስ ብስልጣን መንግስቱ ህላወኡ ከም ዝጀመረ ዘመልክት ነበረ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ከም ዝሕብሮ እዚ ብ1914 ኢዩ ተፈጺሙ። (ዳንኤል 4:13-17) እዚ ንኽፍጸም ዝነበረ ትጽቢት ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ሃይማኖታውያን ሰባት እውን ከይተረፈ ሃንቀው ከም ዝብሉ ገይርዎም ኢዩ። እዚ ትጽቢት እዚ ኣብቶም ነዚ መጽሔት እዚ ብ1879 ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኣዋጅ ህላወ ክርስቶስ ብዝብል ኣርእስቲ ክሓትምዎ ዝጀመሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተንጸባሪቑ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ይኹን ኣብዚ ግዜና: ሃይማኖታዊ ትጽቢት ነቲ ሃዋሁ ንስብከት እቲ ብስራት ከም ዝዳሎ ገይርዎ ኢዩ።a
11. ንስብከት እቲ ብስራት ክሕግዝ ዝኽእል እንታይ ሃይማኖታዊ መሰረት ኢዩ እተነብረ፧
11 ኣብ ክልቲኡ ክፍለ-ዘበናት ንዕዮ ክርስትያናት ዝደገፈ ካልእ ረቛሒ ድማ ብዙሓት ሰባት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ሌላ ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝነበራ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ነበሩ። ኣብኡ ኸኣ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንበብን ክዝረበሉን ከሎ ንምስማዕ ስርዓታውያን ኰይኖም ዝእከቡሉ ኣብያተ-ጸሎት ነበሮም። ስለዚ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ሰባት ድሮ ኣጥርዮምዎ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ፍልጠት መሰረት ብምግባር ክሃንጹ ክኢሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 8:28-36፣ 17:1, 2) ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዘበንናውን: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ተመሳሳሊ ሃዋሁ ኣጋጢምዎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ኵሉ እቲ ህዝበ-ክርስትያን ዝዓብለለትሉ ቦታታት: ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራት ፕሮቴስታንት ብሰፊሑ ይርከብ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያናት ተነቢቡ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ነናቶም ቅዳሕ ነይርዎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ኣብ ኢድ ሰባት እኳ እንተ ነበረ ንኽርድእዎ ሓገዝ ኣድልይዎም ኢዩ።
ሳላ ሕጊ እተረኽበ ረብሓታት
12. ሕጊ ሮሜ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝበዝሕ ግዜ ዕቝባ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ክርስትያናዊ ስብከት መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ሕጊ ክጥቀም ክኢሉ ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ግዝኣት ሮሜ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ነበረ: እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕግታቱ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዓሚቝ ጽልዋ ነበሮ። እዚ ሕግታት እዚ: ዕቝባ ኰይኑ ኢዩ: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከኣ ካብኡ ተጠቒሞም ኢዮም። ንኣብነት: ጳውሎስ ናብ ሕጊ ሮሜ ቀሪቡ ይግባይ ምባሉ: ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእን ካብ ምቕጥቃጥ ክድሕንን ክኢሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:37-39፣ 22:25, 29) እቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓተ-ሕጊ ሮሜ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዕግርግር ዝፈጠሩ ሰባት ንምህዳእ ሓጊዙ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:35-41) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጳውሎስ ናይ ሮሜ ዜግነት ስለ ዝነበሮ ጥራይ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ተላዒሉ ዝነበረ ናዕቢ ክድሕን ክኢሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:27) ድሕርዚ ኸኣ ሕጊ ሮሜ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ቀሪቡ ብዛዕባ እምነቱ ክጣበቕ ኣፍቂዱሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:11) ሓያሎ ካብቶም ቄሳር ከም ውልቀ-መለኽቲ ኰይኖም እኳ እንተ ገዝኡ: እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ሕግታት “ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን” ክህሉ ዝበዝሕ ግዜ የፍቅድ ነይሩ ኢዩ።—ፊልጲ 1:7
13. እቲ ዕዮ ስብከት ኣብዚ ግዜና ዝበዝሕ ግዜ ካብ ሕጊ እተጠቕመ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ሎሚ እውን ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ከምኡ ኢዩ ዝግበር። “ከም ሕጊ ኢና: እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩ” እኳ እንተለዉ: እቲ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዘሎ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰረታዊ መሰል ከም ዝዀነ ኢዩ ዝጠቅስ። (መዝሙር 94:20) ብዙሓት መንግስታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንማሕበራዊ ስርዓት ዘስግኡ ከም ዘይኰኑ ስለ እተገንዘባ ሕጋዊ ኣፍልጦ ሂበናና ኢየን። ኣብታ መብዛሕትኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕትመት ዝካየደላ ሃገር ማለት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ሕጊ: መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብቐጻሊ ን120 ዓመታት እናተሓትመ ኣብ ብዘላ ዓለም ንኽንበብ ኣኽኢሉ ኢዩ።
ናይ ሰላምን ምጽውዋርን እዋናት
14, 15. ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ተዛማዲ ዝዀነ ማሕበራዊ ርግኣት ብምንባሩ ነቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ኢዩ ጠቒምዎ፧
14 እቲ ዕዮ ስብከት ካብቲ ተዛማዲ ሰላም ዝነበሮ እዋናት እውን ክጥቀም ክኢሉ ኢዩ። የሱስ ኣብ ቀዳማይ ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ‘ህዝቢ ናብ ህዝቢ ክለዓል’ ምዃኑ ኣነጺሩ ነጊሩ እኳ እንተ ነበረ: ጽዑቕ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽካየድ ዝሓገዘ ርግኣት ዝነበረሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:7) እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ፓክስ ሮማና ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰላማዊ ግዝኣት ሮሜ ይነብሩ ነበሩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ በለ:- “ሮሜ ነቶም ኣብ ናይ ሜዲተራንያን ዓለም ዝነበሩ ኣህዛብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲኣ ከም ዝግዝኡ ስለ ዝገበረቶም ዳርጋ ንዅሉ ዝነበረ ቀጻሊ ውግኣት ከም ዘቋርጽ ገይራ ነበረት።” እዚ ተዛማዲ ርግኣት እዚ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ምሉእ ናይ ሮሜ ዓለም ንኽጓዓዙ ኣኽኢልዎም ኢዩ።
15 ሃጸይ ሮሜ ንዅሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢዳ ንኸተሕብሮም ጽዒራ ኢያ። እዚ ፖሊሲ እዚ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ: ምጽውዋር: ሓሳብ ምልውዋጥ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኣህጉራዊ ሕውነት ኣምር ከም ዝህሉ እውን ገይሩ ኢዩ። እታ ኦን ዘ ሮድ ቱ ሲቪላይዜሽን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ሓድነት ግዝኣት [ሮሜ] ነቲ ግራት [ስብከት ክርስትና] ምቹእ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ። ሃገራዊ ሓጹራት ፈሪሱ ነበረ። ናይ ሮሜ ዜግነት ዝነበሮ ሰብ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ተቐባልነት ነበሮ። . . . ኣብ ርእሲ እዚውን ሓንቲ ኣብ መንጎ ሰባት ሕውነት ክህሉ እትምህር ሃይማኖት ኣብ ሓደ ኣድማሳዊ ዜግነት ኣማዕቢሉ ዝነበረ ዞባዊ መንግስቲ ተቐባልነት ክህልዋ ክኢሉ ኢዩ።”—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ 1 ጴጥሮስ 2:17 ኣረኣእዮ።
16, 17. ኣብዚ ግዜና ምእንቲ ሰላም ጻዕሪ ክግበር ድራኸ ዘሕደረ እንታይ ኢዩ: ብዙሓት ሰባትከ ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ ኢዮም በጺሖም፧
16 ብዛዕባ ግዜናኸ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ኣዕናዊ ውግኣት ተኻይዱ ኢዩ: ኣብ ገሊኡ ቦታታት ከኣ ዞባዊ ውግእ ብቐጻሊ የስፋሕፍሕ ኣሎ። (ራእይ 6:4) ይኹን እምበር ተዛማዲ ሰላም እተራእየሉ እዋናት እውን ነይሩ ኢዩ። እተን ቀንዲ ሓይልታት ዓለም ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ኵሉ እቲ እተኻየደ ውግኣት ንሓድሕደን ኣይተዋግኣን። እዚ ዅነታት እዚ ኸኣ ስብከት ብስራት ኣብተን ሃገራት እቲኣተን ክካየድ ዓቢ ሓገዝ ገይሩ ኢዩ።
17 ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ውግእ ዘምጽኦ ራዕዲ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ዓለም ሓንቲ መንግስቲ ክትህሉ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝግንዘቡ ገይርዎም ኢዩ። ናይ ዓለም ውግእ ከይለዓል ዝብል ፍርሂ ቅድም እተኣሳሰራ መንግስታት ጸኒሓ ድማ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝምስረታ ገይሩ ኢዩ። (ራእይ 13:14) ናይ ክልቲአን ውድባት ብወግዒ እተገልጸ ሸቶ ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ሰላምን ምስፍሕፋሕ ዝብል ኢዩ። እዚ ኣድላይነት እዚ ዝግንዘቡ ብዙሓት ሰባት ንብስራት እታ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም እተምጽእ ኣብ ዓለም እትህሉ መንግስቲ ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ብጽቡቕ ኢዮም ዝቕበልዎ።
18. ከመይ ዝበለ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝነበረ ኣመለኻኽታ ኢዩ ነቲ ዕዮ ስብከት ዝሓገዘ፧
18 ሽሕኳ ክርስትያናት ሓድሓደ ግዜ ከቢድ መስጐጕቲ ዝወርዶም እንተዀነ: ኣብቲ ቀዳማይ ይኹን ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ሃይማኖታዊ ምጽውዋር ዝነበረሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:20፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:31) እቶም ሮማውያን ንኣማልኽቲ ናይቶም ተገዛእቶም ህዝብታት ተቐቢሎምዎን ምስኡ ተወሃሂዶምን ኢዮም። ፕሮፌሰር ሮድኒ ስታርክ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሮሜ ክሳዕ እቲ ደድሕሪ ሰውራ ኣመሪካ እተራእየ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብብዙሕ መዳያት ዝዓበየ ደረጃ ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣዳልያ ነበረት።” ኣብዚ ግዜና እውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ሰባት ንናይ ካልኦት ርእይቶታት ንምስማዕ ዝያዳ ቅሩባት ክዀኑ ክኢሎም ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዝርግሕዎ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽን ኢሎም ንኽሰምዑ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም።
ቴክኖሎጂ ዘለዎ ግደ
19. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ናይ ጥንቲ ኢደ-ጽሑፍ ብኸመይ ኢዮም እተጠቕምሉ፧
19 ኣብ መወዳእታ ድማ: የሆዋ ንህዝቡ ካብ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታት ክጥቀሙ ብኸመይ ከም ዘኽኣሎም ንርአ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ቅልጡፍ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለ ኣብ እተራእየሉ ዘበን እኳ እንተ ዘይነበሩ: ሓደ ካብቲ እተጠቕምሉ ምዕቡል ደረጃ ኮዴክስ ማለት ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኢደ-ጽሑፍ እዚ ነቲ ዘሰልኪ ጥቕላል ተክኦ። እቲ ዘ በርዝ ኦቭ ዘ ኮዴክስ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ዓለማዊ ስነ-ጽሑፋት ዝሓዘ ጥቕላላት በቲ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ክትካእ ግዜ ክወስድ ከሎ: ክርስትያናት ግን ውዓል ሕደር ከይበሉ ብምጥቃም ኣብ ኵሉ ከም ዘስፋሕፍሕ ገበርዎ።” እዚ ናይ መወከሲ መጽሓፍ እዚ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “እዚ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ኣብቲ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ: ክተኣታቶ ዝጀመረሉ እዋን ቅድሚ 100 ዓ.ም. ኣቢሉ ክኸውን ኣለዎ።” ካብቲ ብጥቕላል እተዳለወ ጽሑፍ ክትጥቀም ነዚ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ክትጥቀም ይቐልል። ጥቕስታት ቀልጢፍካ ክትረኽቦ ትኽእል። እዚ ምድላው እዚ ነቶም ከም ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ነቲ ጥቕስታት ዘብርህዎ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዝምህርዎ ‘ብመወከሲ ዘረጋግጽዎ’ ዝነበሩ ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያናት ብርግጽ ሓጊዝዎም ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3 NW
20. ህዝቢ ኣምላኽ ንዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እተጠቕምሉ ብኸመይ ኢዮም: ስለምንታይከ፧
20 ኣብዚ ክፍለ-ዘበንና ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታት ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብብዝሒ ክሓትማ ዝኽእላ ማሽናት ብብዙሕ ቋንቋታት እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ ሓደ ግዜ ንኽዳሎ ኣኽኢለን ኢየን። ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምትርጓም ዕዮ ኣቀላጢፍዎ ኢዩ። ናይ ጽዕነት ማካይን: ባቡራት: መራኽብን ነፈርትን ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንምጕዕዓዝ ሓጊዘን ኢየን። ተሌፎናትን ናይ ፋክስ ማሽናትን ቀጥታዊ ርክብ ንኽህሉ ሓጊዘን ኢየን። የሆዋ ኣገልገልቱ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ቴክኖሎጂ ነቲ ብስራት ኣብ መላእ ዓለም ንምስፍሕፋሕ ክጥቀምሉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም ኢዩ። ነዚ ቴክኖሎጂ እዚ ዝጥቀምሉ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓድሽ ነገር ንኽፈልጥዎን ክጥቀምሉን ስለ ዝህንጠዩ ኣይኰነን። ከምዚ ዝገብርሉ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ እተዋህቦም ናይ ስብከት መዝነት ኣዝዩ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንኽገብርዎ ዝሕግዞም ብምዃኑ ኢዩ።
21. ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንተኣማመን እንኽእል፧
21 የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ብምባል ተነብዩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ከምቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንፍጻሜ እዚ ትንቢት እዚ ዝረኣይዎ: ንሕናውን ብዝሰፍሐ ደረጃ ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። ሽሕ እኳ እቲ ዕዮ ሰፊሕን ከቢድን እንተዀነ: ኣብ ምቹእን ዘይምቹእን እዋን: ሕግን ኣረኣእያታትን ኣብ ዝለዋወጠሉ እዋን: ኣብ ግዜ ውግእ ኰነ ኣብ ግዜ ሰላም: ኣብቲ በብዓይነቱ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታት እተራእየሉ ግዜ: እቲ ብስራት ክስበኽ ጸኒሑ ኢዩ: ገናውን ይስበኽ ኣሎ። እዝስ ኣብቲ ናይ የሆዋ ጥበብን እቲ ዘገርም ኣቐዲምካ ናይ ምርኣይ ክእለቱን ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ከም እተሕድር ዝገብረካዶ ኸይኰነ፧ እቲ ዕዮ ስብከት ብመሰረት እቲ ናይ የሆዋ ናይ ግዜ መደብ ከም ዝድምደም: እቲ ፍቕራዊ ዕላምኡ ክፍጸም ከሎ ድማ ንጻድቃን በረኸት ከም ዘምጽኣሎም ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ጻድቃን ንምድሪ ክወርስዋን ንዘለኣለም ኣብኣ ክነብሩን ኢዮም። (መዝሙር 37:29፣ ኣንባቆም 2:3) ምስ ዕላማ የሆዋ ተሰማሚዕና ንነብር እንተድኣ ኣሊና: ካብ መንጎ እቶም ጻድቃን ክንከውን ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 4:16
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እዚ ክልተ መሲሓዊ ትንቢታት እዚ ዝያዳ ዝርዝር መግለጺ ንምርካብ: ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 36, 97, ከምኡውን 98-107 ርአ።
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
◻ ስብከት እቲ ብስራት በዳሂ ዕዮ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መንግስቲ ዝገብሮ ምድላዋትን እቲ ተዛማዲ ዝዀነ ማሕበራዊ ርግኣትን ነቲ ክርስትያናት ዝፍጽምዎ ዕዮ ክጠቕሞ ዝኸኣለ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
◻ የሆዋ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዘውረዶ በረኸት: ብዛዕባ ከመይ ዝበለ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ነገራት ኢዩ ርግጸኛታት ከም እንኸውን ዝገብረና፧