ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/9 ገጽ 30-31
  • ማርያም ‘ጽቡቕ ግደ’ ሓርያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማርያም ‘ጽቡቕ ግደ’ ሓርያ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ኴንካ ምምሃር
  • ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
  • “ኣሚነ ኣለኹ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “አሚነ አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንማርታ እተዋህበ ምኽርን ናይ ጸሎት ትምህርትን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ብዛዕባ እንግዶትን ጸሎትን እተዋህበ ትምህርቲ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/9 ገጽ 30-31

ፍቓድ የሆዋ ገይሮም

ማርያም ‘ጽቡቕ ግደ’ ሓርያ

ኣብ ግዜ የሱስ ኣይሁድ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ራቢ ወግዕታት ኢየን ነይረን። ስለዚ ድማ ኢየን ነቲ ሕጊ ኻብ ምጽናዕ ዝኽልከላ ዝነበራ። አረ ኣብ ሚሽናህ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ሓሳብ ከም ዝገልጾስ “ዝዀነ ይኹን ኣቦ ጓሉ ነቲ ሕጊ ኸም እትፈልጦ እንተ ገይሩ: ልክዕ ብዕልግና ይምህራ ኸም ዘሎ ኢዩ ዝቝጸር።”​—⁠ሶታሕ 3:⁠4

ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እተን ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ይሁዳ ዝነበራ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ግቡእ ትምህርቲ ኣይረኸባን። ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “የሱስ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ኣይሁዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰዓብቲ ሓደ ዓቢ መምህር ክዀና ይፍቀደለን ምንባሩ ዝሕብር መርትዖ የለን: ምስ ሓደ ዓቢ መምህር ክኸዳ ወይ ድማ ካብ ንቘልዑ ሓሊፈን ንኻልእ ሰብ ክምህራ ኣይፍቀደለንን ኢዩ ነይሩ።” ኣብ ርእሲ እዚ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ወዲ ተባዕታይ ኣብ ኣደባባይ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ምዝራብ ዝእግድ ንደቂ ኣንስትዮ ዘናእስ መምርሒ ኣውጺኦም ኢዮም!

የሱስ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ነጺግዎ ኢዩ። የሱስ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኢዩ ዝምህር ነይሩ: ሰዓብቱ እውን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 8:⁠1-3) ሓደ ግዜ ማርታን ማርያምን ንየሱስ ናብ ገዝአን ዓደምኦ። (ሉቃስ 10:⁠38) እዘን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ እዚኣተን ኣሓቱ ንኣልኣዛር ኢየን ነይረን: ሰለስቲኦም ከኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ፍቱዋት ኣዕሩኹን ኢዮም ነይሮም። (ዮሃንስ 11:⁠5) ነቶም ኣልኣዛር ምስ ሞተ ንማርታን ማርያምን ከጸናንዑ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው እዛ ስድራቤት እዚኣ ፍልጥቲ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። እቲ ሕጂ ዘገድሰና ግን የሱስ ነታ ስድራቤት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ንዕኦም ጥራይ ዘይኰነስ ንዓና እውን ዝኸውን ጠቓሚ ትምህርቲ ምሃቡ ኢዩ።

ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ኴንካ ምምሃር

ማርታን ማርያምን ንየሱስ ዓቢ ድግስ ንኽገብራሉ ተሃንጥየን ከም ዝነበራ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ምናልባትውን ከምዚ ንኽገብራ ዓቕመን የፍቅደለን ነይሩ ይኸውን። (ምስ ዮሃንስ 12:⁠1-3 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: ጋሽአን ምስ መጸ ማርያም “ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት።” (ሉቃስ 10:⁠39) የሱስ ነታ ንኽትፈልጥ ሃንቀው እትብል ዝነበረት ቅንዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ምምሃር ሰብኣዊ ወግዒ ክዓግቶ ኣይፈቐደን! ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ተመሃሪት ምሉእ ብምሉእ ተመሲጣ ነቲ መምህራ ዝህባ ትምህርቲ ጽን ኢላ እትሰምዖ ንማርያም እውን ከምኡ ኣብ ቅድሚ የሱስ ኮፍ ኢላ ኸላ ኣብ ኣእምሮና ክንስእላ ንኽእል ኢና።​—⁠ምስ ዘዳግም 33:⁠3፣ ግብሪ ሃዋርያት 22:⁠3 ኣረኣእዮ።

ማርታ ግና ካብቲ ናይ ማርያም ብእተፈልየ ዅነታት “ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር: ነበረት።” ብውሕልነት እተዳለወ መኣዲ ንምቕራብ ላዕልን ታሕትን ትብል ነበረት። ቁሩብ ጸኒሓ ግን ማርታ: ሓብታ ኣብ ጥቓ እግሪ ክርስቶስ ኮፍ ኢላ ንሳ ግን ነቲ ዅሉ ዕዮ ንበይና ትዓዮ ብምንባራ ኣዝያ ሓረቐት! ስለዚ ኸኣ ኢያ ማርታ ነቲ የሱስ ንማርያም ዝዛረባ ዝነበረ ዘረባ ኣመንግያ: ምናልባት እውን እናኣንጸርጸረት ኢያ እትኸውን ከምዚ ዝስዕብ ዝበለቶ:- “ጐይታይ: ሓብተይ ሐዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ።”​—⁠ሉቃስ 10:⁠40

ብመሰረቱ ማርታ ነዚ ሕቶ እዚ ብምቕራባ ጌጋ ኣይገበረትን። ቀዳማይ ነገር ንብዙሓት ሰባት ዝኸውን መግቢ ምድላው ከቢድ ዕማም ኢዩ: እቲ ሓላፍነት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ጥራይ ክወድቕ ግቡእ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ማርታ ኸምኡ ኢላ ኽትዛረብ ከላ የሱስ ሓደ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ትምህርቲ ንምሃብ ዘኽእሎ ኣጋጣሚ ከም ዝረኸበ ኣስተብሃለ። ከምዚ ድማ በለ:- “ማርታ: ማርታ: ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ: ኢሉ መለሰላ።”​—⁠ሉቃስ 10:⁠41, 42

የሱስ: ማርታ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ከም ዘይነበራ ኣይኰነን ዝገለጸ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ዓሚቝ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዝነበራ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።a ንየሱስ ናብ ቤታ ኽትዕድሞ ዝደረኻ ቀዳማይ ምኽንያት ከኣ እዚ ተወፋይነት እዚ ምንባሩ ፍጹም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስ በዚ ልዙብ ማዕዳ ገይሩ ማርታ ቀልባ ኣብ ምድላው መግቢ ብምንባሩ እቲ ብቐሊሉ ዘይርከብ ብቐጥታ ካብ ወዲ ኣምላኽ ናይ ምምሃር ብርቂ ኣጋጣሚ ይሓልፋ ኸም ዝነበረ ኢዩ ዝእምት ነይሩ።

እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ባህሊ: ነቲ ብቕዓት ጓል ኣንስተይቲ ዝምዘን ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ ብእተርእዮ ውሕልነት ምዃኑ ዝገልጽ ኣተሓሳስባ ይድግፍ ከም ዝነበረ ሓቂ ኢዩ። ዘረባ የሱስ ግን ደቂ ኣንስትዮ እውን ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጥቓ እግሪ ወዲ ኣምላኽ ኮፍ ኢለን ቃል ህይወት ክሰምዓ ኸም ዝኽእላ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 4:⁠7-15፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠14) በዚ መሰረት እዚ እምበኣር: ኣብ ጥቓ እግሪ እቲ ዓቢ መምህር ኮፍ ኢላ ክትምሃር ዘኽእላ ሒደት ዓይነት መግብታት ምቕራብ ወይ ድማ ሓደ ዓይነት መግቢ ምድላው ንማርታ እቲ ዝሓሸ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ምስ ማቴዎስ 6:⁠25 ኣረኣእዮ።

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

ሎሚውን ነቲ ‘ዝደለየ ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ’ ዝብል ዕድመ የሱስ ኣወንታዊ ምላሽ ዝህቡ ሰባት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኢዮም። (ራእይ 22:⁠17) ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም ልክዕ ከም ማርታ ንድሌታት ኣመንቲ ብጾቶም ከማልኡ ዝከኣሎም ዘበለ ዝገብሩ ኣሕዋት ኣለዉ። ከምዚኦም ዝበሉ ኣሕዋት ንግዜ ሽግር ዝዀኑን ንፍጡን ረድኤት ደበኽ ዝብሉን ኢዮም: የሆዋ ኸኣ ስለቲ ፍቕራዊ ጻዕሮም ዓስቦም ከም ዝህቦም ተመባጺዑ ኣሎ። (እብራውያን 6:⁠10፣ 13:⁠16) ካልኦት ድማ ምናልባት ምስ ማርያም ተመሳሳልነት ዘለዎም ይዀኑ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ህዱኣትን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ጥራይ ዘድህቡን ኢዮም። እቲ ብቓል ኣምላኽ ንኸስተንትኑ ዘለዎም ብርቱዕ ድሌት: ነቕ ዘይትብል እምነት ንኽትህልዎም ዝሕግዝ ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 3:⁠17-19

እዞም ክልተ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዝዮም ኣገደስትን ኣድለይትን ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ግን: ኵሎም ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ ‘ጽቡቕ ግደ ክሓርዩ’ ይግባእ። እቲ ዝሓይሽ ነገር ምስ እንምርምር ስምረትን በረኸትን የሆዋ ክንረክብ ኢና።​—⁠ፊልጲ 1:⁠9-11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ማርታ ጽንዕቲ እምነት ዝነበራ መንፈሳዊት ጓል ኣንስተይቲ ኸም ዝነበረት ካብቲ ድሕሪ ሞት ሓዋ ኣልኣዛር ምስ የሱስ ዝገበረቶ ዝርርብ ብግልጺ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ምስቲ ዓቢ መምህራ ክትራኸብ ልዑል ሃንቀውታ ዝነበራ ማርታ ኢያ።​—⁠ዮሃንስ 11:⁠19-29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ