ሎሚ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓታት እንታይ ኢዩ፧
“ካብቲ ደበና፤ ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ: ዚብል ድምጺ መጸ።”—ማቴዎስ 17:5
1. እቲ ሕጊ ዕላምኡ ዝፈጸመ መዓስ ኢዩ፧
የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ሕጊ ሃቦም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሕጊ “ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዚበጽሕ: ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ” በለ። (እብራውያን 9:10) እቶም ተረፍ እስራኤላውያን ንየሱስ ከም መሲህ ወይ ክርስቶስ ገይሮም ምስ ተቐበልዎ እቲ ሕጊ ዕላምኡ ፈጸመ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ‘ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ ኢዩ’ ዝበለ።—ሮሜ 10:4፣ ገላትያ 3:19-25፣ 4:4, 5
2. ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ መን ኢዮም: ካብቲ ሕጊ ሓራ ዝወጹኸ መዓስ ኢዩ፧
2 ከምዚ ክበሃል ከሎ ሎሚ ንሕና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰናን ማለት ድዩ፧ ብሓቂ ክርአ ኸሎ መብዛሕትኦም ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኰይኖም ኣይፈልጡን ኢዮም: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ “[የሆዋ] ቃሉ ንያእቆብ: ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ። ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን: ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን።” (መዝሙር 147:19, 20) ኣምላኽ ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ሓድሽ ኪዳን ምስ ኣቘመ: ህዝቢ እስራኤል እውን ከይተረፉ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጹ። (ገላትያ 3:13፣ ኤፌሶን 2:15፣ ቈሎሴ 2:13, 14, 16) እቲ ሕጊ ዘይሰርሕ ካብ ኰነ የሆዋ ነቶም ሎሚ ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባት እንታይ ብቕዓታት ከማልኡ ኢዩ ዝሓቶም፧
የሆዋ ከነማልኦ ዝደልየና ብቕዓታት
3, 4. (ሀ) ሎሚ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና መሰረታዊ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣሰር የሱስ ጠቢቕና ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
3 የሱስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓመት ኣገልግሎቱ ምስ ሃዋርያቱ ማለት ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኰይኑ ናብ ሓደ ነዊሕ ከረን: ምናልባት ከረን ሄርሞን: ደየበ። እቶም ሃዋርያቱ ኣብኡ እቲ የሱስ ምስ ዓቢ ክብሩ ከሎ ዝሕብር ትንቢታዊ ራእይ ረኣዩ: “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምጺ ኣምላኽ ከኣ ሰምዑ። (ማቴዎስ 17:1-5) የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ዘሎ መሰረታዊ ነገር እዚ ኢዩ: ማለት ንወዱ ክንሰምዖ ከምኡውን ኣብነቱን ትምህርቱን ክንስዕብ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:24) ስለዚ ድማ ኢዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ብምባል ዝጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:21
4 ኣሰር የሱስ ጠቢቕና ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ንዕኡ እንተድኣ መሲልናዮ ንየሆዋ ኣምላኽ ንመስሎ ኣሎና ማለት ኢዩ። የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፈ: ንኣቦኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኢዩ። (ምሳሌ 8:22-31፣ ዮሃንስ 8:23፣ 17:5፣ ቈሎሴ 1:15-17) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንኣቦኡ ብተኣማንነት ወኪልዎ ኢዩ። ‘ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኢየ ዝነግር’ ብምባል ገለጸ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ የሱስ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ስለ ዝመሰሎ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ክብል ክኢሉ ኢዩ።—ዮሃንስ 8:28፣ 14:9
5. ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ኣየናይ ሕጊ ኢዮም: እዚ ሕጊ እዚ ክሰርሕ ዝጀመረኸ መዓስ ኢዩ፧
5 ንየሱስ ምስማዕን ምምሳልን እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕጊ ምዃን ማለት ድዩ፧ ጳውሎስ ‘ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩን’ ኢሉ ጸሓፈ። ኣብዚ ብዛዕባ እቲ “ብሉይ ኪዳን” ማለት እቲ ምስ እስራኤል እተገብረ ሕጊ ኪዳን ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ‘ሕጊ ክርስቶስ’ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበ። (1 ቈረንቶስ 9:20, 21፣ 2 ቈረንቶስ 3:14) እቲ ብሉይ ሕጊ ኪዳን ምስ ተዛዘመ እቲ “ሓድሽ ኪዳን” በቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ክሰርሕ ጀመረ። ሎሚ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ነዚ ክእዘዙ ግዴታ ኣለዎም።—ሉቃስ 22:20፣ ገላትያ 6:2፣ እብራውያን 8:7-13
6. እቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል: ብኸመይከ ንእዘዞ፧
6 የሆዋ ነቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ከምቲ ዝበለየ ሕጊ ኪዳን ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ብምምዳብ ብዝርዝር ኣየስፈሮን። እዚ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እተዋህበ ሓድሽ ሕጊ: እዚ ግበር እቲ ኣይትግበር ዝብል ብዙሕ ዝርዝር ስርዓታት ዝሓዘ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣብ ቃሉ ብዛዕባ ህይወትን ትምህርትታትን ወዱ ዝገልጽ ኣርባዕተ ሓፈሻዊ ጸብጻባት ዓቂብልና ኢዩ። ብተወሳኺውን ኣምላኽ ንገለ ካብቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ንብሕታዊ ጠባይ: ንናይ ጉባኤ ጕዳያት: ኣብ ስድራቤት ክርአ ዘለዎ ባህርይ: ከምኡውን ንኻልእ ነገራት ዝኸውን መምርሒታት ክጽሕፉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:18፣ 14:26-35፣ ኤፌሶን 5:21-33፣ እብራውያን 10:24, 25) ንናብራና ምስቲ ኣብነትን ትምህርትታትን የሱስ ክርስቶስ ምስ እነሰማምዖ ከምኡውን ንምኽሪ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ብመንፈስ እተመርሑ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንስዕብ: ነቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ንእዘዞ ኣሎና ማለት ኢዩ። ሎሚ የሆዋ ንኣገልገልቱ ነዚ ከማልኡ ኢዩ ዝሓቶም።
ኣድላይነት ናይ ፍቕሪ
7. የሱስ ኣብቲ ምስ ሃዋርያቱ ዘብዓሎ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ቀንዲ ቍም ነገር ናይቲ ዘቘሞ ሕጊ ብኸመይ ኢዩ ዘጕለሖ፧
7 ፍቕሪ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣገዳሲት እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ሕጊ ክርስቶስ ግን ሕመረት ወይ ኣዝያ ኣድላዪት ባህርይ ኢያ። የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ሃዋርያቱ ፋስጋ ከብዕል ከሎ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣጕሊሕዎ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እታ ምሸት እቲኣ ዝጸሓፎ ጽማቝ ሓሳባት: ኣብቲ የሱስ እተዛረቦ ካብ ልቢ ዝነቐለ ቃላት 28 ግዜ ዝኸውን ብዛዕባ ፍቕሪ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቶም ሃዋርያቱ ቀንዲ ቍም ነገር ወይ መንፈስ ናይ ሕጊ ክርስቶስ ኣጕሊሕሎም ኢዩ። ዮሃንስ ነቲ ኣብታ ኣገዳሲት ምሸት እቲኣ ዝዀነ ፍጻመታት ከምዚ ብምባል ይጅምሮ:- “የሱስ: ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ: ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።”—ዮሃንስ 13:1
8. (ሀ) ኣብ መንጎ ሃዋርያት ብቐጻሊ ክርክር ከም ዝነበረ ዘመልክት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ንሃዋርያቱ ትሕትና ዝማሃሮም ብኸመይ ኢዩ፧
8 የሱስ ነቲ እቶም ሃዋርያቱ ዝነበሮም ልዑል ባህጊ ስልጣንን ቦታ ምሓዝን ንምጥፋእ ዝገበረሎም ሓገዝ ዝርአ ፍረ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ነቶም ሃዋርያቱ ግን የፍቅሮም ነበረ። ናብ የሩሳሌም ቅድሚ ምኻዶም ገለ ኣዋርሕ ኣቢሉ ይገብር “ንሓድሕዶም፤ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሀሉ ነበሩ።” ፋስጋ ከብዕሉ ናብታ ከተማ ቅድሚ ምኻዶም ከኣ ዝለዓለ ቦታ ንምሓዝ ክርክር ጀመሩ። (ማርቆስ 9:33-37፣ 10:35-45) እቶም ሃዋርያት ብዙሕ ከይጸንሑ ኣብቲ ደርቢ ንመወዳእታ ግዜኦም ፋስጋ ብሓባር እናብዓሉ ኸለዉ ዝገበርዎ ነገር እዚ ሽግር እዚ ብቐጻሊ የጋጥም ምንባሩ የመልክት። ኣብቲ ግዜ እቲ ዋላ ሓደ ካብኦም ነቲ ኣጋይሽ ምስ መጹኻ ዝግበር ልምዳዊ ምሕጻብ እግሪ ንኽገብር ዝፈተነ ኣይነበረን። የሱስ ትሕትና ምእንቲ ክምህሮም ባዕሉ ኣእጋሮም ሓጸቦም።—ዮሃንስ 13:2-15፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:9, 10
9. የሱስ ነቲ ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ዘጋጠመ ኵነታት ብኸመይ ፈትሖ፧
9 እዚ ትምህርቲ እዚ ሂብዎም ክነሱ: ፋስጋ ድሕሪ ምብዓሎምን የሱስ ዝኽሪ ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሞቱ ምስ ኣቘመን እተፈጸመ ነገር እሞ ተዓዘብ። ወንጌል ሉቃስ “መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ: ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ” ይብል። የሱስ ኣብ ክንዲ ነቶም ሃዋርያት ዝቝጥዖምን ዝቋየቖምን: ካብቶም ጽምኢ ስልጣን ዘለዎም መራሕቲ እዛ ዓለም እዚኣ ፍሉያት ክዀኑ ከም ዘለዎም ብሕያውነት መኸሮም። (ሉቃስ 22:24-27) ብድሕርዚ ነታ እምኒ መኣዝን ሕጊ ክርስቶስ ተባሂላ ክትጽዋዕ እትኽእል ሕጊ ከምዚ ብምባል ሃቦም:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።”—ዮሃንስ 13:34
10. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ትእዛዝ ሃቦም: እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧
10 የሱስ ጸኒሑ በታ ምሸት እቲኣ ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ ከመይ ክትከውን ከም ዝግባእ ሓበሮም። ከምዚ ድማ በለ:- “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን።” (ዮሃንስ 15:12, 13) የሱስ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ሰዓብቱ ኣብ ክንዲ ኣመንቲ ብጾቶም ክሞቱ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም ድዩ ዝብል ነይሩ፧ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ዮሃንስ ከምኡ ኢዩ ተረዲእዎ: ከመይሲ ድሓር ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ:- “ንሱ [የሱስ ክርስቶስ] ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ: በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና እዩ።”—1 ዮሃንስ 3:16
11. (ሀ) ሕጊ ክርስቶስ ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ፧ (ለ) የሱስ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧
11 ስለዚ: ንኻልኦት ብዛዕባኡ ስለ ዝማሃርናዮም ጥራይ ሕጊ ክርስቶስ ክንፍጽም ኣይንኽእልን ኢና። ኣነባብራናን ባህርይናን ልክዕ ከም ናይ የሱስ ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣብ ዝርርቡ ጥዑምን ብግቡእ እተመርጸን ቃላት ይጥቀም ምንባሩ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብነት ብምጥቃም እውን ይምህር ነበረ። ኣብ ሰማይ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ይነብር እኳ እንተ ነበረ: ኣገልጋሊ ብምዃን ኣብ ምድሪ ፍቓድ ኣቦኡ ንምግባር ከምኡውን ብኸመይ ክንነብር ከም ዘሎና ንምርኣይ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቕመሉ። ትሑት: ሕያዋይ: ከምኡውን ሓላዪ ነበረ: ነቶም ጾር ዝኸበዶምን እተጨቈኑን ድማ ይሕግዝ ነበረ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ 20:28፣ ፊልጲ 2:5-8፣ 1 ዮሃንስ 3:8) ንሰዓብቱ እውን ልክዕ ከምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ተላበዎም።
12. ሕጊ ክርስቶስ ንኣድላይነት ናይቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኣትሒቱ ኣይረኣዮን ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
12 እታ ንየሆዋ ከነፍቅሮ ከም ዘሎና እትሕብር ዝዓበየት ክፍሊ ናይቲ ሕጊ ኣብ ሕጊ ክርስቶስ እንታይ ቦታ ኣለዋ፧ (ማቴዎስ 22:37, 38፣ ገላትያ 6:2) ካልኣይ ቦታ ድዩ ዘለዋ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! ንየሆዋ ምፍቃርን ንክርስትያን ብጾትና ምፍቃርን ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ኢዩ። ሓደ ሰብ ንሓዉ ከየፍቀረ ንየሆዋ ከፍቅር ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ: ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ።”—1 ዮሃንስ 4:20፣ ምስ 1 ዮሃንስ 3:17, 18 ኣረኣእዮ።
13. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዝሃቦም ሓድሽ ትእዛዝ ብምፍጻሞም እንታይ ውጽኢት ኣምጽአ፧
13 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምቲ ዘፍቀሮም ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ሓድሽ ትእዛዝ ክህቦም ከሎ: እዚ እንታይ ውጽኢት ከም ዘለዎ እውን ገሊጹ ኢዩ። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ብመሰረት እቲ ድሕሪ ሞት የሱስ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ጸኒሑ ዝነብር ዝነበረ ተርቱልያን ዝበሎ: እቲ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበረ ሕውነታዊ ፍቕሪ ከምዚ ዝዓይነቱ ውጽኢት ነበሮ። ተርቱልያን ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ብዛዕባ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከምዚ ኢሎም ከም ዝዛረቡ ጠቐሰ:- ‘ክሳዕ ክንደይ ንሓድሕዶም ከም ዝፋቐሩ: ኣብ ክንዲ ሓድሕዶም ክሞቱ እውን ክሳዕ ክንደይ ቅሩባት ምዃኖም እሞ ርኣዩ።’ ንገዛእ ርእስና ‘ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ንክርስትያናት ብጾተይ ብምርኣይ ወደ መዝሙር ናይ የሱስ ምዃነይ አረጋግጽ ድየ፧’ ኢልና ንሕተት።
ፍቕርና ብኸመይ ከም እነረጋግጽ
14, 15. ንሕጊ ክርስቶስ ምእዛዝ ከቢድ ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንታይ ኢዩ: ነዚ ንምግባር ግን እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧
14 ኣገልገልቲ የሆዋ ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ ከርእዩ ኣድላዪ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቶም ናይ ስስዐ ባህርይ ዘርእዩ ክርስትያን ብጾት ፍቕሪ ምርኣይ ከቢድ ኰይኑዶ ረኺብካዮ ኢኻ፧ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: ሃዋርያት እውን ከይተረፉ ንናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ተኸራኺሮምን ቀዳምነት ክህቡ ጽዒሮምን ኢዮም። (ማቴዎስ 20:20-24) ሰብ ገላትያ እውን ንሓድሕዶም ተቛይቖም ኢዮም። ጳውሎስ እታ ንብጻይካ ዘሎካ ፍቕሪ ነቲ ሕጊ ከም እትፍጽሞ ድሕሪ ምሕባር “ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና: ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ” በሎም። ነቲ ግብሪ ስጋ ምስቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ድሕሪ ምውድዳሩ “ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ: ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ” ብምባል መዓዶም። ድሕርዚ “ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ: ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ” ብምባል ተላበዎም።—ገላትያ 5:14–6:2
15 የሆዋ ንሕጊ ክርስቶስ ክንእዘዝ ብምሕታቱ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ከነማልእ ድዩ ዝሓተና ዘሎ፧ ነቶም ዝጸርፉናን ንስምዒትና ዝጐድኡን ሰባት ሕያዎት ምዃን ከቢድ እኳ እንተዀነ ‘ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ክንከውንን ብፍቕሪ ክንመላለስን’ ግዴታ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:1, 2) ነቲ ‘ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ከም ዝመውት ብምግባር ፍቕሩ ዘርኣየና’ ኣምላኽ ብቐጻሊ ከም ኣብነትና ገይርና ክንርእዮ ኣሎና። (ሮሜ 5:8) ነቶም ክፉእ ዝገበሩና እውን ሓዊስካ ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ተበግሶ ብምውሳድ: ንኣምላኽ ንመስል: ንሕጊ ክርስቶስ ከኣ ንእዘዝ ከም ዘሎና ብምፍላጥ ዝርከብ ዕግበት ከነስተማቕር ንኽእል ኢና።
16. ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ነርኢ፧
16 ፍቕርና ከነርኢ እንኽእል ብእንዛረቦ ጥራይ ዘይኰነስ ብእንገብሮ ነገራት ከም ዝዀነ ክንርስዕ የብልናን። የሱስ እውን ከይተረፈ ሓደ ግዜ ገለ መዳይ ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻሙ ከቢድዎ ኢዩ: እዚ ዝዀነሉ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ርዝነት ናይቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ሓላፍነት ኢዩ። “ኣቦይ: ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ: ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ” ኢሉ ጸለየ። እንተዀነ ግን: ኣስዕብ ኣቢሉ “ግናኸ ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” በለ። (ሉቃስ 22:42) የሱስ ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ኣሕለፈ: ፍቓድ ኣምላኽ ግን ገይሩ ኢዩ። (እብራውያን 5:7, 8) ፍቕሪ ከም ዘሎና ከምኡውን መገዲ ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ኣፍልጦ ከም እንህብ እነርእየሉ ሓደ መዳይ ምእዛዝ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 5:3) የሱስ እውን ንሃዋርያቱ “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ: ትእዛዛተይ ሐልዉ” ኢልዎም ኢዩ።—ዮሃንስ 14:15
17. የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ፍሉይ ትእዛዝ እንታይ ኢዩ: እዚ ሎሚ ንዓና ከም ዝምልከትከ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
17 ክርስቶስ ኣብ ርእሲ እቲ ንሰዓብቱ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዝሃቦም ትእዛዝ: እንታይ ፍሉይ ትእዛዝ ኢዩ ዝሃቦም፧ ነቲ ዘለማመዶም ዕዮ ስብከት ክፍጽሙ ኣዚዝዎም ኢዩ። ጴጥሮስ “ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን አዘዘና” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42) የሱስ ብንጹር ከምዚ ኢሉ ኣዘዘ:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) የሱስ እዚ መምርሒ እዚ ነቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ማለት “ዘመን መወዳእታ” ዘለዉ ሰዓብቱ ከም ዝምልከት ገሊጹ ኢዩ: ከመይሲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ኢዩ። (ዳንኤል 12:4፣ ማቴዎስ 24:14) ክንሰብኽ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ገለ ሰባት ግን ኣምላኽ ከምዚ ክንገብር ምሕታቱ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ። ብሓቂ ግን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ድዩ፧
ከቢድ መሲሉ ዝረኣየሉ ምኽንያት
18. የሆዋ ዝሓተና ብቕዓት ከነማልእ ከሎና መከራ እንተ ኣጋጠመና እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧
18 ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ: ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ደቅሰብ የሆዋ ንሰባት እተፈላለዩ ብቕዓታት ከማልኡ ይሓቶም ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሰባት ከማልእዎ ዝነበሮም ብቕዓታት እተፈላለየ ዝዀነ: እቲ ዘሕለፍዎ ፈተናታት እውን እተፈላለየ ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍቱው ወዲ ኣምላኽ ዝኸበደ ፈተናታት ኢዩ ኣሕሊፉ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣምላኽ ክፍጽሞ ዝሓተቶ ብምግባሩ ጭከና ብዝመልኦ መገዲ ተቐትለ። እንተዀነ ግን ነቲ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት ክንፍጽም ከሎና መከራ እንተ ኣጋጠመና: ናይቲ ፈተናታት ተሓታቲ ንሱ ከም ዘይኰነ ክንዝክር ኣሎና። (ዮሃንስ 15:18-20፣ ያእቆብ 1:13-15) ሓጢኣት: ስቓይ: ከምኡውን ሞት ዘምጽአ ዕልወት ሰይጣን ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዝሓቶም ነገር ንምፍጻሙ ከቢድ ከም ዝኸውን ዝገብር ኵነታት ዝፈጥር እውን ንሱ ኢዩ።—እዮብ 1:6 -19፣ 2:1-8
19. ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት ምፍጻም መሰል ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ኣብዚ ዘበን መወዳእታ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ: ኣገልገልቱ እዚ ዅሉ ስቓይ ወድሰብ ዝፍወሰሉ እንኮ መገዲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ኣብ ምሉእ ዓለም ንኽእውጁ ይመርሖም ኣሎ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዅሉ ኣብ መሬት ዘሎ ጸገማት ማለት ከም ውግእ: ዓመጻ: ድኽነት: እርጋን: ሕማም: ሞት ዝኣመሰለ ከተጥፍእ ኢያ። እታ መንግስቲ ምዉታት እውን ከይተረፉ ዝትንስኡላ እተደንቕ ምድራዊት ገነት ከተምጽእ ኢያ። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ ሉቃስ 23:43፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ራእይ 21:3, 4) ብስራት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምእዋጅሲ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ስለዚ: የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ነገር ጌጋ ከም ዘይብሉ ንጹር ኢዩ። ምጽራር የጋጥመና ኢዩ: ናይዚ ተሓተቲ ግን ሰይጣን ድያብሎስን ኣብ ትሕቲኡ ዘላ ዓለምን ኢዮም።
20. ድያብሎስ ንዘምጽኦ ዝዀነ ይኹን ብድሆ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧
20 ሰይጣን ንዘምጽኦ ዝዀነ ይኹን ብድሆ ብኸመይ ብዓወት ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ነዘን “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዝብላ ቃላት ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ብዓወት ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 27:11) የሱስ ነቲ ድሕንነት ዝነበሮ ሰማያዊ ህይወቱ ገዲፉ ፍቓድ ኣቦኡ ንኽገብር ናብ ምድሪ ብምምጻኡ ነቲ ሰይጣን ንየሆዋ ዘቕረበሉ ብድሆ መልሲ ሂብሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 53:12፣ እብራውያን 10:7) የሱስ ከም ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ኵሉ ፈተናታት: ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጸይቲ ተሰቒልካ ሙማት እውን እንተ ዀነ ተጻዊሩ ኢዩ። ንሕና እውን ከም ኣብነትና ገይርና እንተ ስዒብናዮ: ስቓይ ተጻዊርና የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓታት ክንፍጽም ኢና።—እብራውያን 12:1-3
21. ብዛዕባ እቲ የሆዋን ወዱን ዘርኣዩና ፍቕሪ ከመይ ይስምዓካ፧
21 እታ ኣምላኽን ወዱን ዘርኣዩና ፍቕሪ ኣየ ከመይ ዝበለት ኰን ኢያ! ሳላ መስዋእቲ የሱስ እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። ስለዚ ዋላ ሓደ ነገር ንተስፋና ከጥፍኦ ኣይነፍቅድ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ “ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ” ዝበለ ጳውሎስ ብምምሳል: ብብሕትና ነቲ የሱስ ዝገበረልና ነገር ነቕልበሉ። (ገላትያ 2:20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምኡውን: ነቲ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ከነማልእ ፈጺሙ ዘይሓተና ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ዘሎና ልባዊ ሞሳ ነርኢ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ሎሚ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብታ ክርስቶስ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ኣድላይነት ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዘጕልሐ፧
◻ ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
◻ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት ምፍጻም መሰል ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝሃበ፧
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ምጽራር እኳ እንተሎ: ነቲ ብስራት ንኻልኦት ምክፋል ዘሐጕስ መሰል ኢዩ